mm_logo.jpg

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

“ብመንፈስ ናብ እግዚኣሔር ዝጽሊ መን እዩ፧”

  • “እቲ ናይ ጸሎት ቃላት ዘድምጾም፡ ብኣፉ ጥራይ ዘይኮነስ ብነፍሱን ብልቡን ዘድምጾም”
  • “እቲ ንመላእ ኣካላቱ ብትእምርተ መስቀል ዘማዕትብን፡ ብመንፈስ ስቅለት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝምልከት።
  • “እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣካሉን፡ ልቡን መንፈሱን ዝሰግድ።
  • “ እቲ ርእሱ ናብ ምድሪ ብምውዳቅ፡ ብዓሙቅ ትሕትና፡ ብዝተሰብረ ናይ ልቢ ንስሓ፡ ብፍጹም ንፍቃድ እግዚኣብሔር ብምእዛዝ፡ ኩለንትናኡ ናብ እግዚኣብሔር ኢድ ዘውድቅ
  • “እቲ ንነፍሱን ንልቡን ብእመነትን ፍቅርን ዘወቀበ፡ ብሓሳብን፡ ስምዒትን ተስፋን ድልየትን ጸሎት ቅዱሳን ዘወቀበ
  • “እቲ ንእግዚኣብሔር ኣብ ቤት መቅደስ ዘምልኽ፡ ካብ ቤት መቅደስ ወጻኢ ኣብ ዝተውቅረ ምስሊ ፍትወታቱ ዘይሰግድ
  • “እቲ ናይ ቤተክርስቲያን መለኮታዊ (መንፈሳዊ) ኣገልግሎት ብምስታፍ እግዚኣብሔር ዘገልግል፡ ብተወሳኺ ኣብ ገዛእሕይወቱን ብተግባርን ዘገልግሎ።
  • “እቲ ንዕለታዊ መግቡ እግዚኣብሔር ዝሓትትን፡ ምስ ድኻታት ዝካፈላን ካብ ካልኦት ዘይወስድን።
  • “እቲ ድኅነት ኃጢኣት ካብ እግዚኣብሔር ይቅረታ ዝሓትትን፡ ብሙሉእ ልቢ ንዝበደልዎ ዝሓድግን
  • “እቲ ካብ ፈተናን ካብ ክፉእ ጸርፍን ክድኅን ዝጽሊ፡ ርእሱ ኣብ ቦታ ክፉእ ጸርፍን ፈተነን ንኻልኦት ዘየቀምጣ።”