mm_logo3.jpg
mm_logo2.jpg

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ርኽቡና (ተወከሱና)

Facebook Link Twitter Link YouTube Link

በስመ አ ብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ታሪኽ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ

ደብረ ድማኅ

ካብ ኣሥመራ ናብ መንደፈራ 60 ኪሎሜተር ካብ መንደፈራ ድማ ንዓረዛ 42 ኪሜ ከምኡውን ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ብእግሪ መንገዲ 3 ሰዓት ድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ከባቢ ዓዲ ጉሊት(ጉልት) ዝርከብ፡ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገረ ኤርትራ እዩ።ጻዕዳ ጸበል ዝልለ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ደብረ ድማኅ፡

          እዚ ገዳም’ዚ ኣብ መበል 13 ክፍለዘመን ንግሥነት ሃጸይ ሰይፈኣርዕድ ብ1340ዓም ብሓደ ዓቢይ ባሕታዊ ዕሤተ ማሪያም (ኣቡነ መርቆሬዎስ) ዝተባህለ ቅዱስ ገደማዊ ሰብ ዝተገደመ ኮይኑ፡ ብጥንታውነቱ ድሕሪ ገዳም ደብረሲናን ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሃምን፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ 665 ዕድመ ዚገብር ጥንታዊ ገዳም እዩ። ነዚ ገዳም ዝገደመ ኣቦ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ መበል ሻዱሻይ ንግሥነት ሃፀይ ኣግብዐፅዮን፡ ብ25 ሕዳር ኣብ ዕለተ በዓል ቅዱስ መርቆሬዎስ ስማእት (ፒሉፓንዴር)፡ ካብ  ኣብኦም ቐሺ ቶማስን ካብ ኣድኦም እምነ ሰሎሜን ዝተባህሉ ባሕታውያን ቅዱሳን ስድራ ተፀንሰ። ብ29 ነሓሰ 1274 ዓም ክኣ ኣብ መፊት ትግራይ (ወምበርታ) ጥቓ ሓይቀ ምስሃል  እንዳማርያም ደምበሽን ተወልደ። ኣብ 40 መዓልቱ ክኣ ብ3 ስተ ጥቅምቲ ብ12 መላእኽቲ ተሰንዩ ተጠምቀ። እቲ ዕሤተ ማርያም ዝብል መጸውዒ ስሙ ድማ ብስም መርቆሪዎስ ስማእት ተቐብአ።  ኣብ’ት ዕለተ’ቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ኣደ ከምዚኾነቶ መጽሓፈ ገድሎም የዘንቱ። ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ክኣ ምስ ባሕታውያን ብሥጋ ኣኅዋቱ ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን (ኣደ ኣቡነ ቴዎድሮስ) ብፍቕሪ ድሕሪ ምንባር፡ ብማምህር ኣባ ጳውሎስ ንክምሃሩ ናብ ደብረ ቃሓን ዝተባህለ ገዳም ቅዱሳን ወለዶም ኣብጽሕዎ። ብ12 ታሕሣሥ ብዓል ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ክኣ መንፈሳዊ ትምህርቶም ጀመረ፡ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ውሽጢ 22 መዓልታት 81 መጻሕፍቲ ሓዲስን ብሉይን ተማሂሩ ፈጸመ። ኣብቲ ዝተማህረሉ ገዳም ን10 ዓመት ዝኣክል ምድራዊ መልኣኽ  ብምዃን ብትሕትናን ብፍቕርን እናኣገልገለ ድሕሪ ምጽናሕ ብትእዛዝ መልኣከ ብሥራት ቅዱስ ገብሪኤል፡ ብሓደ ግዜ ማዕረገ ዲቁናን ክህነትን ካብ 3ይ ኣቡነ ጴጥሮስ መበል 28 ጳጳስ ብሔረ ሽዋ ተቐበለ። ኣብ መበል 33 ዓመቱ ድማ ምስ ኣብኡን ኣዲኡን 3 ኣሕዋቱን ናብ ሽባና(ገዳም ስቆጣ) ኣተወ። ኣብኡ ኽኣ ብኢድ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብ1307 ዓም ኣስኬማ ተቐበለ። ኣብ’ዛ ገዳም ድማ ን9 ዓመት ተቐመጠ።

          ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ገዳም ጎርሳ ከሎ፡ ሓደ ድውይ ሰብ ኪፍውስ ናብቲ ዚነበሮ ገዳም ምስ መጽኡ ብጸሎቱ ኣሕወዮ። ጸጋኡ ብዝሐ ብቅብኣት መንፈስ ቅዱስ ከኣ። ገጹ በርሀ። ኩሉንትናኡ ንፀሓይ መሰለ’ሞ ፀሓይ መርቆሬዎስ ድማ ተሰምየ። ምስ ኣብኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ገዳም ስቁርት 7 ዓመት ተቀመጠ። ኣብ ገዳም እድግት ድማ ን8ዓመት ምስ ኣባ ዓምደጽዮን፡ ን2 ዓመት ሓላዊ ኣእዱግ፡ ን3ዓመት ድማ ከም ኣቦ ብምዃን ብዚተፈላለየ ኣገልግሎት፡ ኣብ ብዙሓት ገዳማት፡ ድሕሪ ምግልጋል ናብ ሃገርና ኤርትራ ብቑሓይን መሬት በራቒት ኣቢሉ፡ ምስ ባሕታውያን ስድራቤቱ ናብ ቆላ ሰራየ እንዳ ማርያም ብርቅዋሕ ዚበሃል ስፍራ መነኮሳይያት ገዳም መጽአ። ይኹን እምበር ናብራ ብሕትውና ብሓደ ምንባር ስለ ዘየፍቅድ በቢውልቆም ክብሕትዉ መረጹ። በዚ ከምዚ ክኣ ኣብኦም ቀሺ ቶማስ ካብኣቶም ኣዝዩ ርሒቅ ቦታ ተፈልዮም መራጉዝ ኩዶ ኣብዑር(ማርያም ማኖ) ኣብ ዝብሃል ቦታ ባሕተዉ።  ድሕሪ ብዙሕ ገድሊን ትሕርምትን ከኣ፡ ብወተሃደራት ሃፀይ ዳዊት፡ እዚ ሰብ እዚ ፀረ ክርስቲያን ሽፍታ እዩ፡ ብምባል፡ ከምቲ ኣቡነ ብሩኽ ዘደብረ ኮል ዝረኸብዎ፡ ዕጫ ሰማእትነት ብሓደ ግዜ ተቀበሉ። ኣብታ ቦታ ኽኣ ተቀብሩ። እምነ ሶሎሜ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ሽንዳ ማርያም ብርቛሕ ዓዲ ቐምሾ ዝርከብ ዓቢይ በዓቲ፡ ባሕተዋ። መካነ መቓብረን ከኣ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ደብረ ድማኅ ምስ በዂሪ ወደን ኣቡነ መርቆሬዎስ ይርከብ ኣሎ።   ኣቡነ ኣብሳዲውን ካብ ኣዲኦም ብዙሕ ከይርሓቁ ኣብዛ ሕጂ ሰብዓ እትብሃል ዓዲ 70 ዓመት ባሕተዉ። ሎሚ እዛ ዓዲ ብስም ዚነበርዎ ዓመታት ብሕታዌ ትጽዋዕ ኣላ። ኣብ መወዳኣታ ክኣ፡ ካብቲ ዚነበርዎ ዓዲ ርሑቕ ብምኻድ ኣብ ቔሓይንደብረ ማርያም ደብረ በርበሬ ገዳሞም ተመሊሶም ባሕተዉ። ኣብኡ ኽኣ ተቐብሩ።ቅድስቲ መክብበ ድንግል ድማ ኣብ እንዳ ማርያም ብርቛሕ(ማይቴሰ) ይብሕትዋ ነበራ። ኣብ እንዳ ኣቡነ ሴት ድማ ተቀብራ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ እንዳ ማርያም ብርቛሕ ንዝተወሰነ ጊዜያት ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ናይ ሥጋ ቤተሰቡ ተፈልዩ ናብ ኣብ ኣፈልባ ምምሕዳር ከባቢ ዓረዛ ዚርከብ እምባ ጒዳድ (እንዳ ጻድቃን) ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምባ ደየቡ። ኣብ ጒንዳዕ’ውን 3 ዓመት ተቀመጡ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ገድሊ ተጋደሉ።

          ኣቡነ መርቆሬዎስ ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኑ፡ መውዓሊኡ ብጡሕ(ኣብዚ ሕጂምጽላይ ዚበሃል ቦታ) መሕደሪኡ ድማ ድማ ድጉብ ኣባይ (ሩባ ኣቦ) ኣብ ዚብሃል ቀላይ ነበረ። በዚ ኣምልኾን ምስጋናን ዚቐንአን ዚተቖጥዐን ስስሰይጣን ከኣ፡ ኣብ ምጽላይ ብ12 መጋቢት በዓል ቅዱስ ሚካኤል ጸላIአ ሠናያት ኣብ ሓደ ገዚፍ ኣርዌ ሓዲሩ 370 እመት ዚቁመቱ። 90 እመትን ሓንቲ ስድርን 4 ኣጻብዕን ጎኑ፡ ኣቕርንቱ ከም ብዕራይ ኣስናኑ ከምሓርማዝ፡ ኣዒንቱ ከም ኮኾብ ጽባሕ፡ ኣዕዛኑ ከም ወልታ፡ ኣእጋሩ ከም መኮንርኮር ኣኽናፉ ከም ሓደ ዓብይ ኣሞራ፡ ጭሕሙ ከም ፅራ ፈረስ ዝኾነ እንስሳ ተቀጢሑ ንኽውሕጦም መጽአ። እንተኾነ ሚካኤል “ዘጋል” ዚብሃል መስቀል ሃቦም (እዛ ዘጋል መስቀል ንዚተፈላለዩ ሕሙማን እኛፈወሰት ኣብ መካነ ምመቓብሮም ዚርከብ መቅደስ ኣላ። በዛ ዚተቐበላ ,ዘጋል መስቀል ድማ ኣብ ልዕሊኡ ብስም ሥላሴ ምስ ዓተበ፡ እቲ ገዚፍ ኣርዌ ምሉእ ኣካላቱ ተዘጋገለ። ብትእዛዝ ቅዱስ ሚካኤል ኸኣ፡ እቲ ሰይጣን በድኒ እቲ ኣርዌ ተሰኪሙ ናብ ሞልቑ(ዶቡኒ) ዚብሃል ቦታ ኣግዓዞ። ንኹሉ ፍጡር እቲ ከባቢ ድማ ሰላምን ዕረፍትን ኮነሉ። ብ12 መጋቢት ኸኣ ኣቦታት መነኮሳት ካብ ገዳም ናብ ገዳም ውጡሕ(ምጽላይ) ታቦት ሒዞም ብምኻድ ዓመታዊ ይቕድስዎን የኽብርዋን ኣሎዉ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ “ሥጋይ ዝዓርፈሉ ቦታ ግለጸለይ”፡ ብምባል ናብ እግዚኣብሔር ብምምልካት ሱባዔ ኣተዉ እሞ፡ እዚ ሕጅ መቃብሮም ተነቢሩሉ ዘሎ ገዳም ድማኅ ከምዚኾነ ኸኣ፡ ተገልጸሉ። ብ1340 ዓመ ከኣ ምስ 900 ዝኣኽሉ ደቀ መዝሙር መነኮሳትን መነኮሳይያትን መጺአ’ሞ ስርዓት ምንኩስና ኸኣ ሠርዐ። ካብ ሽዑ ንድሓር ገዳም ደብረ ድማኅ ከም ገዳም ተፈልጠት። ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅዱሳኑ ናብዚ ቦታ ብምውራድ “በረኸት ኣቦይ፡በረኸተይ፡ በረኸት መንፈስ ቅዱስን በረኸት ማርያም ወላዲተይ በረኸት ኩሎም ቅዱሳንን በረኸት ሳማይን ምድርን ኣብዛ ገዳም’ዚኣ ይሕደር ብምባል ብቃሉ ባረኸሉ። በዚን ካልእን ዚኣመሰለ ገድሊን ተኣ,ምራትን ኣብዛ ገዳም እናገበረ ከሎ፡ ሃፀይ ዳዊት ካብ ሽዋ ናብ ሃገር ኤርትራ ብምእታው ንሓደ ስዓሊዲን ዚተባህለ ንጉሥ ኣዳል (ንሃገርና ከጥፍእ ካብ ስግር ባሕሪ ዚመጽአ) ከጥፍእ መጽአ። ኣብኡ ኽኣ ተሳዕረ። ይኹን እምበር ዜናናይ’ዚ ጻድቅ ኣቦ ምስ ሰምዐ ንኺጽልየሉ ወተሃደራት ልኣኸ’ሞ ብጸሎቱ ኸኣ ተራድኦም። ሃፀይ ዳዊት ብሓይሊ ጸሎት ኣቡነ ፀሓይ መርቆሪዎስ ንጻላእቱ ምስ ሰዓረ ብ1317 ዓም ኣብ መበል 103 ዕድመ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ 12 ዐመተ መንግሥቱ ነቲ ንመሬት ኤርትራ  ሠራዬ ከማሓድር ሥልጣን ዝተዋህቦ ለባሲነእግዚእ ብምእዛዝ ካብ መሬት ኤርትራ ክሳብ’ዚ ቐረባ ግዜ ብገዳም ደብረ ድማኅ ዝመሓደር ዝነበረ ገዳም ኣቡነ ዘካርያስ (ናይ መንፈስ ወዶም) ቀርነ ኣንበሳ ሽሬ 89 ርሥቲን ጉልትን ሃቦም። እዚ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ርሥቲ ድማ ክሳብ 1973 ዓም ግእዝ በዚ ገዳምሓደር ከምዝነበረ ኣቦታት ናዚ ገዳም የዘንትዉ። ብድሕሪ’ዚ ሃፀይ ዳዊት ን30 ዓመት (ካብ 1365-1395 ዓም ግ) ብምግዛእ ኣብ መበል 121 ዕድመ ኣቡነ መርቆሬዎስ ብ9 ጥቅምቲ ዓረፈ። ክሳብ እዚ ሕጂ ከኣ ኣቦታት ገዳም ደብረ ድማኅ ኣብዚ ወርሒዚ ዓመት መጸ ተዝካሩ ይገብሩ ኣለዉ። ኣቡነ መርቆሬውስ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ዓቢይ ገድሊ 22 ብቑዓት ዓበይቲ መነኮሳት ደቂውን ወለደ። ካብዛ ዓለም ቅድሚ ምፍላዩ ከኣ ንኹሎም ደቆም መነኮሳት ብምጽዋዕ “ኣነ ናብ ኣምላኸይ እኸይድ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኣብ ክንዳይ ንኣባ ግብርኄር ከማሓድረኩም ንዕኡ እገድፈልኩም ኣሎኹ። ንዕኡ ዘይተኣዘዘ ንእግዚኣብሔር ክመዘይተኣዘዘ ብምባል 1404 ዓም ግእዝ ኣብ 5ይ ዓመት መንግሥት ሃፀይ ይሥሓቅ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝኽርኻ ዝገበረ፡ ስምካ ዝጸውዐ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘፅሓፈን፡ ናብ ገዳም መካነ መቃብርካ ዚነገደን ሞባእ ዝሃበን ከምሕረልካ እየ ዝብል ቃል ኪዳን ድሕሪ ምቕባል፡ ብ16 ታሕሣሥ ኣብ መበል 130 ዕድሜኡ ቅድስቲ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ተፈልየት፡ ኣብ ገዳሙ ደብረ ድማኃ ከኣ ሓመድ ኣደም ለበሰ።    

ገዳም ደብረ ድማኃ ብኣባ ገብርኄር ኣበ ምኔት ብምዃን እናተመርሐት ንኣስታት 2 ዓመት ተመሓደረት። ይኹን’ምበር እቶም መነኮሳት ንኣባ ገብርኄር ኪእዘዝዎም ስለዘይከአሉ ኣባ ገብርኄር ናብ መቓብር ኣቡነ መርቆሬዎስ ብምኻድ እናኳኲሐ ከም ዘይተኣዘዝዎ ኩሉ ነገሮም። ከምቲ ነቢይ ኤልሳእ ኣብ  መቓብሩ ከሎ ዝገበሮ ትኣምር፡ ከምኡ’ውን ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ መቓብሮም ከሎዉ ሕማም ፌራ፡ ንኹሎም መነኮሳት ፈነወሎም። በቲ ሕማም ዝኣክል ድማ ኩሎም ናብ ቆላ ሠራዬን ካልኦት ከባቢታት ኤርትራን ክሳብ ኢትዮጵያ ፋሕ በሉ። ካብ ሽዑ ንድሓር ብዘይ ሓደ ኣገልጋሊ መንክኮስ ባዲማ ተረፈት። ድሕሪ 189 ዓመት ኣብ ንግሥነት ንጉሥ ሱስንዩስ ብ1595 ዓም ግእዝ ብተወላዲ ዓዲ ሕዝባይ ዝኾኑ ኣባ ተኽለ ኢየሱስ ኣብ 63 ዕድሚኦም ምስ 4 ኣምሳል ወንጌላውያን፡ ኣባ ምሥራቓዊ፡ ኣባ መፍቀረ ክርስቶስ፡ ኣባ ትምህርተ ኃብአተ ጽዮንን ብዙሓትን ተኸተልቶምን ካብ ሰፍኣ (ባምብቆ) ናብ ደብረ ድማኃ ብምምጻእ ሃድስ ማኅበር ሠሪዖም ዳግም ኣሐደስዋ። እዞም ኣቦ ማለት ኣባ ተክለ ኢየሱስ ነዚ ገዳም ልዑል መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍጸመሉ ሥፍራ ብምግባሮም ደበረ ከበሮ እናተባህለ፡ ጥንታዊ ዜማ መዝገበ ቅዳሴ ሰደድኵላ፡ ናይ ድጓ ጸዋትወ ዜማታት ናይ ፍትሓ ነገሥት መጻሕፍትን ካልእን  ኣንድም ትርጉምን፡ ርእሲ ኩለን ገዳማት ኤርትራ ናይ ምስክር ቤት ትምህርቲ ኮይና ክሳብ እዚ ቀረባ ጊዜ ክትነብር መሠረት ዕቤታ ብምዃኖም፡ ኣብ ዘመን ሃፀይ ፋሲለደስ ብ1642 ዓም ግእዝ ብ110 ዓመቶም ዓረፉ። ካብዛ ገዳም ድማ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ሊቃውንቲ ክፈርዩ ክኢሎም እዮም። ክሳብ 1997 ዓም ግእዝ ጎይታና ኣባ ይስሓቅ መምህር ኣንድም ትርጉም ሓዲስን ብሉይን ኣቡሻክርን..... መጻሕፍቲ ዝንበርሉ ጊዜ፡ ሎሚ’ውን እንተኾነ ትምህርቲ ቅኔን ናይ ድጓ ጸዋትወ ዜማታትን መዝገበ ቅዳሴን ከይሃሠሠ፡ ኣብ’ዚ ገዳም ይቅጽል ኣሎ።

          ካብ ዕለትታት ሓደ መዓልቲ ኣቡነ መርቆሬዎስ፡ ኣቡነ ኣቡሳዲ፡ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ጎደዕ ከባቢ ገዳም ደብረ ድማኅ ዝርከብ እምባ ሮራ ከሎዉ፡ ንመነ ብምብህሃል ምንዮቶም ገለጹ። ኣቡነ ፊሊጶስ  ከኣ ኣነ ዘዕርፈላ እንኳን ኣንስቲ፡ ኣንስተይቲ ኣንበሳ’ውን እኝተኾነት ኣይትእተዋ በሉ። ኣቡነ ኣቡሳዲ’ውን ደቀይ ይብዝሑ በሉ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ ከምዚ በሉ፡ ኣነ ዝቅመጦ ገዳም ፃዕዳ፡ ደቐይ ሕሊናኦም ፃዕዳ ይግበረለይ በሉ። ከም ምንዮቶም ከኣ፡ ኣምላኾም ንኹሎም ሃቦም። ሎሚ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ብፃዕዳ ጸበሉ ይልለ ኣሎ፡ እዚ ጸበል’ዢ ብፍላይ ንሕማም መንሽሮ፡ ሕማም ጋኔን ዓብይ ስዓልን ዓቢይ መድኃኒት ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ገለ ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቅዑ ካብ ሃገርና ይኹን ካብ ኢትዮጵያ ዚመጽኡ፡ ነቲ ፈውሲ ሕሙማን ዚኾነ ፃዕዳ ጸበል ምስ ተሓጽቡ (ተለኽዩ) ይፍወሱ’ሞ በቲ ኣምላኽ ፀሓይ መርቆሬዎስ ዝገበረሎምውዕለት ብምድናቅ  ካባኻ ኣይንፍለን ኢና ብምባል ኣብ ፍቕሩ ጸኒዖም ብጾም ብጸሎት ዘገልግሉ መነኮሳት ከምዘለዉ ባዕሎም ኣብቲ ገዳም ብኣካል ዘሉዉ መነኮሳት ምስክር እዮም። በዚ ፃዕዳ ጸበል ዝተፈወሱ ብዙሓት ኣመንቲውን ዓመት መጸ ምብጽዓኦም ንምፍጻም መባኦም ሒዞም ብብዝሒ ናብዚ ገዳም ይነግዱ እሎዉ።  ከምፉሉይ ትኣምር ናይ’ዚ ጻኦዳ ጸበል ዚግለጽ እንተሃልዩ ካብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ክሳብ ሕጂ እቲ ንጸበል ዝፈሓረሉ ቦታ ብዘይ ምጉዳሉ እዩ። ብተወሳኺ ኣብዚ ገዳም’ዚ ብባህሪብፍቓድ ኣምላኽ ዝተሠርሐ 4 ኣጋንእ ነፍሲ ወከፎም ካብ 2-8 ፊስቶ ማይ ዝሕዡ ኣብ ጎኒ ቤተክርስቲያን (ፃዕዳ ርእሶ እትብሃል ገዛ) ምህላዉ እዩ። ሎሚ ኣዚ ገዳም 64 መነኮሳትን ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ቅኔ፡ መዝገበ ቅዳሴን ምዕራፍን ምብምሕቛፍ ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይግልገል ኣሎ።

          ቅዱስ ኣቦና ብስም እግዚኣብሔር ዝግበርዎ ትእምርትን ዕጹብ ኢልካ ዚሕለፍ ድኣ’ምበር በዚ ዝግለጽ ኣይኮነን። ስለዚ ካብቲ ብመንፈስ ውላዶም ዚኾነ ኣቡነ መርምህናም (ኣቡነ ጸሓፊ) ገድሎም ዚጸሓፍዎ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከምዚ ዘንበብናዮ ይመስል። በዚ መሠረት በረኸቶም ተኻፈልቲ ምእንታን ክንከውን ናብዚ ቅዱስ ገዳም ክንነግድ (ክንሳለም) ብማይ ጸሎቶም ተሓጺብና ድማ ድኅነት ሥጋን ነፍስን ክንረክብ ኣማላድነቶምን ረዲኤቶምን ክንሓትት ይግባእ። ጸሎት፡ ኣምላድነት

ረዲአት ናይ ቅዱስ ኣቦና መርቆሬዎስ ፀሓይ ምስ ኩልና ተራዳእነቶም ኣመንቲ ዚኾና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ይትባረኽ እግዚኣብሔር ኣምላከ ቅዱሳን ኣበዊነ።

ብማሕበር ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ደብረ ድማኅ ዝተጻሕፈ።