mm_logo2.jpg

ንስሓን ኅድገት ኃጢኣትን

1(፩) ኣበሳኡ እተኃድገሉ፣ ኃጢኣቱ ይቅረ ዝተባህለሉ ሰብ ብፁዕ እዩ።

2(፪) እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፣ ልግሚ ዘይብሉ ሰብ ብፁዕ እዩ።

3(፫) ኃጢኣተይ ከይተናዘዝኩ ሳቕ ሚስ በልኩ፥ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ሰብነተይ ማሕመነ።

4(፬) ኦ እግዚኣብሔር፥ ለይቲን መዓልትን ቀጻዕኻኒ እሞ ከምቲ ሃሩር ሓጋይን ንጠለት ዘንቅጾ ኃይለይ ብምሉኡ ደኸመ።

5(፭) ሽዑ ኃጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፣ በደለይውን ኣይሠወርኩልካን፣ ኣበሳይ ክናዘዘልካ መደብኩ፣ ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።

6(፮) ስለዚ ጻድቕ ዘበለ ዅሉ ኣብ ጊዜ ጸገሙ ናኣኻ ይልምን፣ ብሓቂ ጸበባ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍአውን፣ ኣይኪበጽሖን እዩ።

7(፯)ንስኻ ኸውለይ ኢኻ፣ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፣ ብኹሉ ወገን ተድሕነኒ ኣነ ኻኣ እልል እብል።

8(፰) እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፥ ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ክዕዘበካን ክመኽረካን እየ።

9(፱) ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም፣ ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝአበዩ፣ ብልባብን ብልጓምን ዘይኮይኑ ዘይግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።"

10(፲) ንኽፉእ ሰብ ብዙኅ ስቓይ ኣለዎ፣ ነቲ ናብ እግዚኣብሔር ዚውከል ግና፣ እግዚኣብሔርብዘላዓለማዊ ፍቕሪ ይኸቦ።

11(፲፩) ኣቱም ጻድቃን፣ በቲ እግዚኣብሔር ዝገበሮ ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠