mm_logo.jpg

ብዕለት ሰኑይ ዝንበብ (ዝጽለ)

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም

ወላዲት ኣምላኽ ምስጋና።

1(፩). ጐይታ፡ ነቲ ሕዙንን ጕሁይ ልብን ዝኾነ ኣዳም፡ ናጻ ከውጽኦን ናብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ክመልሶን ፈተወ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

2(፪). ጐይታ ብሥጋ ካብ ቅድስት ድንግል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ተወሊዱ ኣድኃነና።

ንሔዋን ነታ ተመን ዘስሓታ፡ እግዚኣብሔር ንሕማምክን ጻዕርኽን ኣዝየ ከብዝሖ ኢየ ብምባል ኣብ ልዕሊኣ ዝፈረዶ፡ ልቡ ፍቕሪ ሰብ ስለ ዝሰሓቦ ናጻ ኣውጽኣ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

3(፫). ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሰብ ዝኾነ ቃል ኣባና ሓደረ፣ ንሕናእውን ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ወዲ ዝረኽቦ ክብሪ፡ ክብሩ ረኣና፡ ይቕረ ክብለልና ፈተወ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

4(፬). ነቢይ ኢሳይያስ ብመንፈስ ትንቢት ናይ ኣማኑኤል ምሥጢር ረኣየ። ነዚ ምስ ረኣየ ድማ ሕፃን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና፡ እናበለ  ዓው ኢሉ ጨርሐ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

5(፭). ኦ ወድሰብ ኩልኻ ተሓጐስ ደስ’ውን ይበልካ፡ እግዚኣብሔር ንዓለም ኣፍቂርዎ ኢዩ’ሞ፡ ብእኡ ዝኣምን ኩሉ ምእንቲ ክድሕን፡ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ሃበ፡ ልዑል ቅልጽሙ’ውን ለኣኸልና፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

6(፮). ቅድሚ ዓለም ዝነበረን፡ ዓለም ኣሕሊፉ ዝነብርን፡ ንድሕነት ዓለም ዝመጸን፡ ዓለም ከሕልፍ ዝመጽእን፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ቃል፡ ካባኺ ብዘይ ምልዋጥ ሥጋ ለበሰ፡ ፍጹም ሰብ ኮነ፡ ብኹሉ ግብሩ ካባና ኣይርሓቐን ኣይተፈልየን፡ ሓደ ወልድ ኢዩ፡ ንሱ ሓደ ራእይ፡ ሓደ ህላዌ፡ ሓደ መለኮት፡ ቃል እግዚኣብሔር ኢዩ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

7(፯). ኦ ንነቢያት ሃገሮም ዝዀንኪ ቤተ-ልሔም ተሓጐሲ ደስ ይበልኪ፡ ምኽንያቱ እቲ ዳግማይ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ ኣባኺ ስለ ዝተወልደ፡ ምውላዱ ኸኣ ነቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ካብ ምድሪ (ሲኦል) ናብ ገነት ክመልሶ፡ ናይ ኵነኔ (ሞት) ፍርዲ ክስዕር ኢዩ። “ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ’ሞ ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ” ዝበሎ ኢዩ። ብዝሒ ኃጢኣት ኣብ ዘለዎ ጸጋ እግዚኣብሔር ይበዝሕ ኢዩ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

8(፰). ነፍሳት ደቂ ሰብ ኩሎም ይተሓጐሱ ደስ ይበሎም፡ ንንጉሥ ክርስቶስ ከኣ ምስ መላእኽቲ ኰይኖም ዓው ኢሎም የመስግንዎ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት ምስጋና ይኹን። ንደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ምድሪ ሰላም ይኹን፡ እናበሉ። እቲ ናይ ቀደም መርገምን ምኽሪ ጸላኢ ዲያብሎስን ኣፍሪሱ፡ ናይ ኣዳምን ሔዋንን መጽሓፍ ዕዳ ቐዲዱ፡ ናጻ ጌርዎም ኢዩ፡ ንሱ ከኣ እቲ ኣብ ሃገር ዳዊት ዝተወልደልና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።

9(፱). ኦ ጐይታ ኣብ ዓለም ንዝነብሩ ንኵሎም ደቂ ሰብ እተብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን፡ ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ ሰብ ናብ ዓለም መጻእካ። ኩሉ ፍጥረት ከኣ ብምምጻእካ ተሓጐሰ፡ ንኣዳም ካብ ስሕተት (ፍዳ) ኣድኂንካዮ ኢኻ፡ ንሔዋን ካብ ጻዕረ ሞት ናጻ ጌርካያ ኢኻ፡ ንኹልና’ውን መንፈስ ውልድነት ሂብካና ኢኻ፡ ስለዚ ምስ መላእኽትኻ ኴንና ነመስግነካ ኣሎና፡ ቅድስት ድንግል ለምንልና።