mm_logo3.jpg
mm_logo3.jpg

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ርኽቡና (ተወከሱና)

Facebook Link Twitter Link YouTube Link

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈ ስቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!


ምውጻእ ገንዘብ ንምክልካል ለበዳ ኮቪድ 19 ዝውዕል!

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንምክልካል ለበዳ ኮቪድ 19 ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ናይ ጎፋንድሚ(gofundme) መርበብ ሓቤሬታ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዕለት 9፡ 2020 ብወግዒ ዘርጊሓ ትርከብ። እዚ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ተልእኮ ማኅበር ኮይኑ ካብትምስረት ኣትሒዛ  ብዝተፈልየ ደረጃታት ዓቅማ ብዘፍቅዶ ትሰርሖ ዝነበረት እዩ። እዚ ሕጂ ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብ ነቶም ዓቅሞም ድሩት ዝኾነ ገዳማትና ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልካል ንዋት ኣብ ምግዛእ ዝውዕል ኮይኑ 110,000 ንክዋጻእ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።እቲ ክሳብ ሕጂ ተዋጺኡ ዘሎ ገንዘብ ድማ ልዕሊ 10,000 በጺሑ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ሰብ ዓቅሙ ዝፈቅዶ ንበረከት ክኾኖ ከበርክትን ምስ ዝፈልጦ ሰብ ብምክፋል እዚ ጎስጓስ ከዕውቶ ብኣጽንዖት ንጽውዕ። ዓስብኩም ካብ እግዚኣብሔር ተከፈልዎ።  እቲ ኣብቲ መርበብ ሓቤሬታ ጎፉንድሚ  ተከፊቱ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ጎስጓስ ሒዝዎ ዘሎ መልእክቲ ኮነ ናብኡ ዘእትወና ጥጵቆ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። 

https://charity.gofundme.com/o/en/campaign/19101

ንሕዝቢ ዓለም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቁዎ ዝርከብ ኮርና ቫይረስ (ኮቪድ 19)፡ ካብተን ዝማዕበላ ክሳዕ እተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ንሕዝበን ንምድሓን ንቁጠብአን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውሳኔ ክወስዳ ንርእየን ንዕዘበንን ኣሎና። እዚ ልዕሊ ውሕስነት ሕዝበን ካልእ ዝሰርዕኦ ዘይብለን ስለዝኾነ ምዃኑ ንኩሉ ንጹር እዩ።  እንተዀነ ግና ገዛእ ርእሶም ንምክልካል ዓቅሞም ድሩት ዝኮነ ኣብ ገዳማት ኤርትራ ዝርከቡ መኖኮሳትን መነኮስያትን ልዕሊ ካልእ ግዜ ኣብዚ በዳሂ እዋን ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልካል ናይ ነፍሲወከፍና ሓገዝ የድልዮም ኣሎ። ኩልና ከም እንፈልጦ ዓቅሚ እተን ዝበዝሓ ገዳማት ድሩትን ድልየት ዕለታዊ ሕይወት ገዳማውያን ንምምላእ እኳ ኣብ ዕለታዊ ቃልሲ ዝርከባ ብምኳነን ካብ ኮቪድ 19 ንምክልካል ዘድልዮም ናይ ንጽሕና ንብረት ክገዝኡ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝከውን ንኩሉ ግልጺ እዩ። እዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገማት ብምኅረት እግዚኣብሔር ዝፍታሕ እኳ እንተኮነ ግና ኣብ ትሕቲ ጽላል እግዚኣብሔር ወገናቶም ደገፍቶምን ድሃዮም እንገብርን፡ ካብ በረከቶም ተካፈልትን ብጸሎቶም ተጠቀምትን ብኣገልግሎቶም ተረባሕትን   ንሕና ስለ ዝኰና ኣብዚ በዳሂ ግዜ ዓቅምና ዝፈቅዶ ክነዋጽእ ብስም እግዚኣብሔር ንጽውዕ። ነዚ ብምርዳእ ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሓላፍነት ብምውሳድ ነተን ድሩት ዓቅሚ ዘለወን ገዳማት ዘድሊ መከላከሊ ናዊቲ ንምቅራብ ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ሓለፍነት ወሲዳ ተበጊሳ ስለ ዘላ ኩሉ ሰብ ንምርድኦም ዓቁሙ ከበርክት ብእግዚኣብሔር ስም ንሓትት። ማኅበረ ማርያም ነቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣብቲ ዝድለ ማዕለ ከምዝወዓለ ብጸብጻብ መልክዕ ክነፍልጥ ምኩና እውን ክንሕብር ንፈቱ።  ማኅበረ ማርያም ብቀጻሊ ሓገዛት ዝግበርን ናይ ዘመንግስታዊ ትካል 501(c ) (3) ኮይኑ ብሕጊ መንግስቲ ኣመሪካ ተቀይዱ ዝከይድን እዩ። 

As we all know the COVID 19 pandemic has become dangerous to our world and many governments starting from the developed countries to developing countries have been taking tough decisions to save their people from the spread of COVID 19.  Unfortunately, for our monks who is residing in the monasteries due to their living situation and their capacity to meet their needs very limited, which is not even enough for their daily needs alongside for buying protective means ,for the spread of this COVID 19 and at the same time they don’t have protective materials.  With this in mind, Mahebere Maryam is deeply concerned for our monks and nuns, who live in the monasteries. And through the generosity of our fellow brothers and sisters as well as concerned friends, we aim to raise these funds in order to ensure, at the very least, that our spiritual fathers and mothers basic needs are met at a time when public health advices almost everywhere to remain indoors.   We are, therefore, inviting all our friends and extended networks who are beneficiaries of their prayers, their blessing, their services to donate to words this noble cause. Every Penny will go toward buying of basic foods and hygiene essentials which will then distributed to all the monasteries with a very limited resource.  We are counting on your generosity to make this effort possible. May Good bless you all.