mm_logo.jpg

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን

መልሲ ንሕቶታትኩም

 

ኣብ ቅዱሳን ኣሳእል ንኣምላክናን መድኃኒናን እንጥቀመሉ ቅዱስ ስእሊ ምልኩዕ ጌርና ኢና እንስእሎ። እንተኾነ ግና መጽሓፍ ቅዱስ “ዘብህገና ውቃበ ኣይነበሮን” እናበለ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ እንጥቀመሉ ቅዱስ  ኣሳእል ዘይኮነስ ናቱ ተጻራሪ ኮይኑዶ ኣይንረክቦን፧

ኣብ ቅዱሳን ኣሳእል ንኣምላክናን መድኃኒናን እንጥቀመሉ ቅዱስ ስእሊ ምልኩዕ ጌርና ኢና እስእሎ። እንተኾነ ግና መጽሓፍ ቅዱስ “ዘብህገና ውቃበ ኣይነበሮን” እናበለ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ እንጥቀመሉ ቅዱስ  ኣሳእል ዘይኮነስ ናቱ ተጻራሪ ኮይኑዶ ኣይንረክቦን፧

መጀመርታ ቅዱሳን ኣሳእል ክስኣሉ ከለዉ መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊታውን መሰረት ዝገበሩ ንስርዓትን ዶግማን ቤተ ክርስቲያን  ከየፋለሱ እዮም ዝስኣሉ። እቶም ንቅዱሳን ኣሳእል ዝስእሉ እውን ጾምን ጸሎትን እናዘውተሩ ብቅድስና ዝነብሩ ድኣምበር ብዝፈቀደ ናይ ቅብኣ ኣፍልጦ ስለ ዘሎኒ ክስእል ኢሉ ዝኮነ ሰብ ዝገብሮ ምዘይኮነ ክንገልጽ ደስ ይብለና። ናብቲ ቀንዲ ሕቶ ክንምለስ፥

ልክዕ እዩ ኣብ ትንቢተ እሰይያስ 53፡2 “መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርአናዮ፡ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን።” እዩ ዝብል።  ልክዕ እዩ ዝነበሮ መልክዕ ሰባት ርእዮም ዘብህጎምን፡ ከምዘይነበረን “ንዕቑን ብሰብ ድርቡይን ነበረ፡ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ዚጒልብቡሉ ሰብ፡ዝተዋረደ ነበረ ንሕናውን ገለ እኳ ኣዮጸርናዮን”(ኢስ53፡3)ተባሂሉ ዝተመስከረሉን እዩ ዝነበረ። እንተኾነ ግና ካብ መጀምረታ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ምዕራፍ እንተ ኣንቢብናዮ፡ ዝብሃግ መልክዕ ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቶም ህዝቢ ዝተፈልየ ምልኩዕ ከምዝነበረ እውን ገሊጹዎ ኣሎ። ንኣብነት ኣብፍቅዲ ክልተ እንተ ተመልኪትና፡ “ባርያኡ ኸም ጨንፈር ኸምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ኪጭብጭብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ነበረ” እናበለኣብቲ ዘመን ዝነበረ ሕዝቢ እንታይ ዓይነት ሕዝቢ ከምዝነበረ ይገልጽ። ኣምላኽናን መድኃኒናን ዝተወልደሉ ዘመን እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማውያን ዝነብሩሉ ኣብ ምረት ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዘመን፡ ኣብ ሞንጉኦም እውን ሶደቓውያን፡ ፈረሳውያን፡ ቀረጽቲ ቀረጽ፡ እና ተባህሉ ዝተኸፋፈሉን “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ነገር ክርከብ እዩ” እና ተባህለ ዝንገረሉ ዝነበረ ናይ ጸልማት ዘመን እዩ። ንሕዝቢ ናብ ንስሓ ዝመልሱ ልኡዃት እግዚኣብሔር ዝኾኑ ነብያት ካብዘይ ርእዩ ኣማኢት ዓመታት ዘቁረጽሉ ምድረበዳ ዝኾነ ደረቅን ሰናይ ዘይርከቦ መሪር ሕይወት ዘሕልፉሉ ዝነበሩ ዘመን እዩ። “ኢድካ ኻብ ላዕሊ ስደድ፡ካብ ጳሚቚ ማያት ኣውፅኣኒ፡ካብ ኢድ ወዲ ጓና ኣናግፈኒ”(መዝ144፡7) እናበሉ ናብ እግዚኣብሔር ዝጠርዕሉ “እግዚኣብሔር ካብቶም ዚጭቍኑና ስለምታይ ከም ዘየድኃነና ሕጂ ፈለጥና። ብርሃን ተጸበና፡እንሆ ኸኣ ጸልማት። ድሙቕ ብርሃን ተጸበና ግና ገና ኣብ ጸልማት ንነብር ኣሎና። ከምዕዉራት መንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣሎና፡ እወ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ብሃሰስ ንኸይድ ኣሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብግዜ ጽልግልግታ ደርገፍገፍ ንብል ኣሎና። ምስ ምሉእ ኃይልና ኸሎናስ ኸም ምዉታት ኮንና። ኩልና ብፍርሒ ከም ድቢ ንሃብብ፡ ብኃዘን ኸም ረጋቢት ንቝዝም ኣሎና። እግዚኣብሔር ፍትሒ ኸውጽኣልና ተጸበና፡ ግናኸ የልቦን፡ ኬድኅነና ተጼቤና ንሱ ግና ኻባና ርሑቕ እዩ” እናበሉ ኣብ ዘጽልእ ናይ ጸልማት ሕይወት ዝነብርሉ ዝነበሩ ዘመን ነበረ።

       ካብዚ ብምብጋስ ነብይ ኢሰይያስ በረኸት ዘይርከቦም ምድረበዳ እናበለ ክጽውዖም ንርእዮ። “ባርያኡ ኸም ጨንፈርን ኸምቲ ኻብንቑጽ ምድሪ ዚወፅእ ሱርን ኪጭብጭብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ነበረ”። ኣብዚ ንሳቶም ምድረበዳ ክኾኑ ከለዉ ካብኦም ዝተፈልየ መልክዕ ከምዝነበሮ ይገልጽ፡ መልኩዑ ድማ ግሩም ምዃኑ ንኽገልጽ “ግሩም መኻሪ” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ(ኢሰ9፡6)።  

       ልቢ ኣምክላ ዝተጸውዐ ንጉሥ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቅ፡ ክእለት ዘረባ መሊኡካ እዩ፡ ኣምላክ ንሓዋሩ ባረኸካ እናበለ ብግልጺ ኣብሪሁዎ ይርከብ(መዝ45፡2)። ንጉሥ ሰለሙን ኣብ መኃልየ መኃልየ ንኣምላክናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ“”ፍትወይሲ ኻብ ዓሠርተ ሽሕ ዝተመርጸ ኃያልን ምልኩዕን እዩ። ገጹ ኸም ጽሩይ ወርቂ ኣዝዩ ጽሩይ እዩ። ጎተናኡ ለማሽ፡ ከም ኳዅ ከኣ ጸሊም እዩ። ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ብጸባ ዝተሰዅዓ ኣዕናቝ እየን። መዓጓጉርቱ ብቐመም ከም ዝመልአ ቦታ ኣታኽልቲ ምኡዛት እየን፡ ከናፍሩ ፈሳሲ ከርበን ዜንጠብጥባ ዕምባባ ሹሻን እየን። ኣእዳዉ ምልኩዓት ኣየን፡ክሪሶሊት ዝተሰኵዓ ቀላብቲ ወርቂ ኣለወን፡ ደረቱ ብሰፊሮስ ዝተሰለመ፡ ብልሓተኛ ኸም ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ። ዳንጋታቱ ኣብ ጽሩይ ወርቂ ዝተሠረታ፡ ከም ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም እምባ ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ምልምል እዩ። ዘረባኡ ኣዝዩ ጥዑም እዩ፡ ኵለንትናኡ ፍትወ እዩ፡ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ኣወ ፍታውየይሲ እዚ እዩ” እና በለ ካብ ጸጉሪ ርእሱ ክሳዕ ጽፍረ እግሩ ብንጹር ገሊጽዎ ይርከብ(መኃ5፡10-16)።

       ብተወሳኺ ኣብ ነብይ ዳኒኤል ኮነ ወንጌላዊ የውሃንይስ ኣብ ራእያቶም ከምዚ እናበሉ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ገሊጾሞ ኣለዉ “ክዳውንቱ ጻዕዳ ኸም በረድ፡ፀጕሪ ርእሱ ኸአ ኸም ጽሩይ ጸምሪ ነበረ” (ዳኒ7፡9)...” ርእሱን ፀጉሩን ፃዕዳ ከም ጸምሪ፡ ፃዕዳውን ከም በረድ ነበረ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ”(ራኢ1፡14)።

       ብተወሳኺ ኣብ መልክዐ ኢየሱስ “ሰላም  ሥዕርተ ለርእስከ ዘሥሙር ኣብቋሉ፡ ወጽፉቅ ጥቀ ለአርዘ ሊባኖስ አምሳለ ቘጽሉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ላዕለ ኵሉ፡ ይጸሓፍ በልሳንየ ለውዳሴከ ፊደሉ፡ ኢይትኃደግ ዲበ ምድር ንባቡ ወቃሉ” ብምቅጻል እውን ”ሰላም ለርእስከ በመንበረ ክሳድ ዘተሣረረ፡ እንዘ ማሰ ሥጋ የብስ ወእንዘ ይትገለበብ ፀጕረ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ከመ ቃልከ ነገረ፡ ይወርሱ በእንቲአከ ነዳያነ ዓለም ክብረ፡ ወቀደምትኒ ይከውኑ ድኅረ” እና በለ ገሊጽዎ ይርከብ።

       ወንጌል እውን ነዚ ብብግልጽ የብርሆ እዩ። ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እና ተመላለሰ ኣብዝምህረሉ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓዳጋ ዝበጽሕ ሕዝቢ ይኽተሎ ከምዝነበረ፡እዚ ሕጻናትን ኣንስትን ከይተቆጽሩ እዩ። እቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ ሕዝቢ ሓደ ዕላማ ኣይነበሮምን። ገሊኦም ባሪኹ የብልዕ እዩ ኢሎም ንመግቢ ዝኽተሉ እዮም፡ ገለ ድማ ይፍውስ እዩ ኢሎም ንኽፍወሱ፡ ገለ እውን ዝገብሮ ትኣምር ክርእዩ፡ ገሊኦም ድማ መልክዑ ፍሉይን ግርሙን ብምንባሩ መልክዑ ክርእዩ፡ ውሑዳት እውን ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲሕያው ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚኖም ዝኽተልዎ ነበሩ። ካብቶም መልክዑ ክርእዩ ሃረር ዝብሉ ዝነበሩ ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ሓደ ዘኪዮስ እዩ። ሽሕ እኳ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን፡ መልክዑን፡ ኃጥእ ኢኻ ኢሉ ሰብ ዘይንዕቅ ምዃኑ ሰሚዑ እንተ ነበረ፡ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘኪዮስ ዝነብረሉ ስፍራ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበረ ከየምልጦ ዝተቃለሰሉ እንተነበረ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኣይ ጥራይ ኢዩ። ሽሕ እኳ ድኅነት ዘኪዮስ ኣብ ውጥን እግዚኣብሔር እንተ ነበረ፡ ዘኪዮስ ዝምነዮ ዝነበረ ግና ምስ ጎይታ ክነብር ዘይኮነስ ንሓንሳብ መልክዑ ክርኢ እዩ። ኣብ ሳግላ ክሳዕ ምሕዃር ዘብህግ መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ። 

       መልክዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዝተገልጸ ካብ ኮነ ነቢይ ኢሰይያስ “መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርአናዮ፡ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን” እና በለ ስለምንታይ ገሊጽዎ፧ ኣይጋጮን ዶ፧ ነቢይ ኢሰይያስ ነዚ ዝገለጸ ስለ ዕለተ ዓርቢ ስቅያትን ግርፋትን ስቅለትን ሞትን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ እምበር ስለ መልክዕን ውቃበን ጎይታ ኣይኮነን። ኣብ ሓንቲ ጥቅሲ ክልተ መልክዕ ከምዚ እናበለ “ባርያኡ ኸም ጨንፈር ኸምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ኪጭብጭብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ነበረ፡ መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርአናዮ፡ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን” ኣይምገለጸን ነይሩ። እንተኾነ ግና ቅጽል ኣቢሉ ኣብዝጽሓፎ እንተ ተመልኪትና “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ብእግዚኣብሔር ከምዚተወቕዐን ከም ዝተቐዝፈን ቘጸርናዮ” እናበለ፡ መልክዕ ጎይታ ዝቀየሮ ብዝሒ ሕማምናን፡ ኃጢኣትና ከምዝነበረ የረድእ። ብምቅጻል እውን “ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ንሕና ሰላም ክንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና፡” እናበለ ናቱ ብዝሓት ስምብራት ናትና መድኃኒት ነበረ።

እስራኤላው ያንንጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ገበነኛ ኣብ ማእከል ገበኛታት ኣቑሞም ሰቀልዎ፡ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኣማዓራርዪ፡ ሰንበት ደፊሩ፡ እናበሉ ከሲሶም ብግፍዒ ናብ ሞት ወስድዎ፡ እቲ ሕዝቢ ድማ  ከምቲ ነቢይ እግዚኣብሔር “ኣብዚ ነገር እዚኸ ሓይሊ ቕልጽም እግዚኣብሔር ከም ዘሎ ንመን ተጋህደሉ፧” እናበለ ዝመስኪሮ፡ እቶም ህዝቢ ብእግዚኣብሔር ከምዝተወቅዐን ከምዝተናዕቀን ስለዝወሰድዎ፡ ናቱ ናይ ቀራንዮ ጉዕዞ ካብ ጸልማት ዝቅንጥጦም ካብ ባርነት ሓራ ዘውጽኦም ናይ በዛነት ጉዕዞ ምዃኑ ማንም ዘስተውዓለ ኣይነበረን። መልክዕ ጎይታ ዝተለወጠ “ብሰብ ዝተናዓቕኩን ኵሉ ሰብ ዜላግጸለይን እየ......ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭውለይ......ኃይለይ ከም ማይ ፈሰሰ፡ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፈላለየ፡ ልበይ ከም ስምዒ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ መኸኸ፡....ንኹሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፡ ጸላእተይ ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ”(መዝ22፡7-19) እና በለ የብርሃልና። ስለዚ ነቢይ ኢሰይያስ ገሊጽዎ ዘሎ ናይ ቀራንዮ፡ ናይ መከራ፡ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድኣምበር እቲ ሓቀኛ መልክዕን ውቃበን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይኮነን።

ሰብሓት ለእግዚኣብሔር ለወላዲቱ ድንግል ለመስቀሉ ክቡር