mm_logo3.jpg
mm_logo2.jpg

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ርኽቡና (ተወከሱና)

Facebook Link Twitter Link YouTube Link

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ብእንተ ሥቅለት

ካብ ነገረ ክርስቶስ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ከብ ሰማይ ድማ ትሕት ኢሉ ንምንታይ ተሰቅለ᎒

“እምከመ ተለዐልኩ እምድር እስሕብ ኵሎ ኃቤየ (ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስበልኩ ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” ኢሉ ብንባሩ ንኽፍጽሞ እዩ(የሓ12፡32/፲፪፡፴፪))። ብተወሳኺ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ካብ ሰማይ ትሕት ኢሉ ብምስቃሉ “ኅሩይ ማእከለ እግዚኣብሔር ወሰብእ” ከምዝብሎ ኣብ መንጎሰ ኣምላኽን ሰብን ኮይኑ ዘተዓርቀና ሞንጎኛ ምኾኑ ንኽገልጽ እዩ።እዚ ማለት ፍጹም ኣምላኽ ከሎ ፍጹም ሰብ ብሙዃኑ ዘርኢ እዩ። ሳልሳይ ነጥቢ ምድሪ ብእግሩ እናተመላለሰ ከምዝቀደሳ ብናይ እንስሳታት ስብሒ ሽታ ዝሸተተ ኣይር ክቅድስ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ካብ ሰማይ ትሕት ኢሉ ተሰቅለ።

          ንፁሕ ባሕሪ ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይሁድ መስቀሉ ኣሸኪሞም ናብ ቀራንዮ ድሕሪ ምውሳዶም ክልተ ሸፋቱ (ፍያታውያን) ሓደ ብየማኑ እቲሓደ ድማ ብጸጋሙ ብምስቃል ንጐይታና ኣብ ማእከሎም ሰቀልዎ(ማቴ27፡38)። ትርጓሜ ወንገል ከምዝገልጾ ክፉኣት ኣይሁድ እዚ ዝገበሩ ብኽፍኣት እዩ ዝነበረ። ብየማን ንዝመጹ ሰባት ነቲ ብየማን ዝተሰቅለ ሰብ “እዚ እንተዋይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ፡ “ሽፍታ እዩ” ይብልዎም እሞ፡ ካብኡ ንጐይታና “እዚኸ እንታዋይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ “እዚኸ ካብኦም ዝተፈልየዶ ክኸውን ኮይኑ፡ ከምኡ እዩ እምበር” ኢሎም ንሰባት ከስሃት፡ ብጸጋም ንዝመጹ ሰባት፡ ነቲ ብጸጋም ዝተሰቅለ ሽፍታ ርእዮም  “እዚ እንተዋይ እዩ᎒” ኢሎም ምስ ሓተቱ “ሽፍታ እዩ”ይብልዎም፣ ብድሕሪኡ ንጐይታና “እዚ እንተዋይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ “እዚስ ካብኡ ዝተፈልየ ክኸውንዶ ኾይኑ᎒ከምኡ ሓደ እዩ እምበር” እናበሉ ሰባት ንኸስሕቱ ዝገበርዎ እዩ።

ብተወሳኺ “ኣንጊሥናካ” ብምባል ብየማንካ ብጸጋምካን ቀናጅማሽን ገርጅማሽን ሸምናልካ እናበሉ ንኸላግጹ እዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ 53፡12 “ምስ ዓመጸኛታት ተቆጽረ” ዝብል ጽሑፍ ብምህላዉ። ራብዓይ ምኽንያት ድማ ጻድቃንን ኃጥኣንን ብየማንን ብጸጋምን ክተቅሞም ኢኻ ዝብል እዩ (ማቴ25፡33፡ ራእI1፡7)።

እዚ ብድራሳነ ሕማሙ ከምዝገልጾ “ወሰቀልዎ ለእግዚእ ኢየሱስ ዲበ ዕፀ መስቀል እንዘ ገጹ መንገለ ምሥራቅ ወእዴሁ ዘየማን መንገለ ደቡብ ወእዴሁ ዘፀጋም መንገለ ሰሜን....” (ጎይታና ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ሰቀልዎ፡ ገጽ ናብ ምብረቅ የማናይ ኢዱ ናብ ደቡብ፡ ጸጋም ኢዱ ናብ ሰሜን ብምግባር ሰቀልዎ... ክልተ ሸፋቱ ሓደ ብየማን እቲ ሓደ ብጸጋም ብሙቛም ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብሞንግኦም ጌሮም ሰቀልዎ፡ ሕዝቢ ንሱ ከምኦም ሽፍታ ኢዩ ንክብሉ  ሰቀልዎ፡ ንሱ ግና ብፍታዉ ምስ ሸፋቱ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቅለ፡ ልዕላን መላክት ብፍርሓት ርእሶም ዘትሕትሉ ንሱ ግና ኣብ ቅድሚ ዝሰቅልዎ ርእሱ ኣትሓተ(ፊል2፡10፡ራኢ4፡10-11)።

ብክእለቱ ሰማይን ምድርን ዘጽንዐ፡ ካብ ግርምኡ ዝተላዕለ ሰማይን ምድርን ኣብ ቅድሚኡ ዘንቀጥቅጥሉ ድኹም ዕንጨቲ ተሸከም (ምሳ30፡4፡ ኢሰ42።5)፡ ምስ ኣብን ወልድን ገዛእ ርእሱን ንኽዓርቀና ካብ ሰማይ ትሕት ኢሉ ካብ ምድሪ ድማ ልዕል ኢሉ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቅለ። ንሱ ስሌና ብሥግኡ ኣብ ዕንጨቲ መስቀል ተሰቅለ። ካብ ኃጢኣትና ከላቅቀና፡ ብምሕረቱ ከድሕነና ተሰቅለ(1ጴጥ2፡25)፡ ሰማያት ክቅድስ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣጋንንቲ ከውርዶም ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ተሰቅለ።ከምቲ ሙሴ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ናይ ተመን ምስሊ ኣብ ባላ ኣብ ምድረ በዳ ከምዝሰቀሎ ከምኡ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቕለ። ብእኡ ዝኣመነ ኩሉ ክድኅን እምበር ንኸይኩነን ናይ ክብሪ ብዓልበት ክነሱ ስለና ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቅለ(ዮሓ3፡14-15)።

“ኦ አቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም”

“ንጎይታ ፈሊጦም ኖይሮም እንተዝኾኑ ኣይምሰቀልዎን ነይሮም(1ቆረ2፡8)። ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጠፍኡ ክረክብ፥ ንዝተበተኑ ድማ ክእክብ ፥ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ክገብር፥ ንመስፍን እዛ ዓለም ከሕፍር፥ ዕዳ ኃጥኣትና ክኸፍል፥ ነዝመቱ ሕይወት ክህብ፥ ቁኡስልና ክፍውስ ኣብ መስቀል ተሰቀለ። ነቶም እና ረአዩ ዝዓወሩ፥ “መስተውዓልቲ ኢና” ዝብሉ ብሰብ ዝተኸብሩ፥ ግና ሕልንኦም ዝተደፍነ፥ ብጽልእን ብህልኽን ዝዓወሩ፥ “ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ ኢና” እናበሉ፥ ኣገልገልቲ ድያብሎስ ዝኾኑ፥ ብጭካነ፥ ንጎይታ ዝሰቀሉ “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” እና በሉ ኣብ ጸልማት ደም ንጽሕ ባህሪ፥ ፈዋሲኦም፥ መድኃኒኦም፥ ፈጣሪኦም ዝሰቀሉ፥ በቲ ልክዕ ዘብሉ ፍቅሩ፥ ደረት ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ዘግለጽ ምሕረቱ፥ “ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” እና በለ ምስ ናይ ባሕሪ ኣብኡ ናይጸጋ ኣቦና ሞንጎኛ ብሙኻን ኣተዓረቆም። ንሳቶም ብጽልኢ ፈሪዶም ሰቀልዎ፥ ንሱ ድማ ኣብ ዕሽነቶም፥ ኣብ ብዝሒ ኃጥኣቶም፥ ፍቅሩ ብምብዛሕ ፍጹም ኣማናዊ መድኃኒት ኮነሎም። “ኀበ ሀለወት፥ ብዝኀት ኃጢኣት ብህየ ትበዝኅ፥ ጸጋ እግዚኣብሔር” (ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ) ፡ “ኣብቲ ኃጢኣት ዝበዝኆ ግና፥ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ”(ሮማ5:20)። ንሳቶም ብጭካነ ሰቀልዎ፥ሸንከርዎ ንሱግና ብፍቅሪ ዓይኑ ጠመቶም። እቲ ዝደንቅ “ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” ምባሉ ጥራይ ኣይኮነን፥ እቲ ዝደንቅ ስለ ስምብራቱ ሽንካሩ፥ ስቅያቱ ንዝሓተትዎ “ኣብ ቤት እቶም ዘፍቁሩኒ ዝተወጋእክዎ፥ እዩ” እና በለ ምምላሱ እዩ(ዘካ13:6) ። ምኽንያቱ ብዕሽነቶም ንዓለም ዝፍውስ ኣመናዊ መድኀኒት ኣብ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ሰቀልዎ።  

 ሰማይ ዝስፋኑ ምድሪ መርገጺ እግሩ እንከሎ ስለና ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ተስቅለ(ኢሳ66፡1)። ንሱ ግና ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ደስታ ናይ መስቀል መከራ ብምንዓቅ ተቀበሎ፡ሕፍረትውን ንዓቃ፡ ንዝተሰቅለሉ ንዕኡ ዘይሰግድ እንተሎ ዝተፈልየን ዝተወገዘን ይኹን(ፊል2፡8-11 ዕብ12፡2) ንሱ ግና ስለ ድኅነት ዓለም ኣብ መኣዝን ምድሪ  ናብ ላዕሊ፡ናብ ታሕቲ፡ ናብ የማን፡ ናብ ጸጋም ከም መጋረጃ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቅለ። ንሕና ምስ ቅዱሳን ሓደ ንኽንከውን ንሱ ምስ በደለኛታት ተቆጽረ።

ተዘከረነ በውስተ መንግሥትከ

ኣብ መስቀል ክስቀል ከሎ ብየማኑ ዝተሰቅለ ጥጦስ ኣብ ጸጋሙ ዝተሰቅለ ድማ ዳክራስ ይብሃሉ። ኣብ የማኑ ዝተሰቅለ ጥጦስ ፀሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ ድመ ክትከውን፡ ከዋኽብቲ ክረግፉ፡ ምድሪ ክትርተር፡መቃብራት ክኽፈቱ፡ ሙውታት ክትንሥኡ፡ ናይ ቤት መቅደስ መጋርጃ ናብ ክልተ ክትርተር ኮታ ሸውዓተ ተኣምራት ምስ ርኣየ ኣምላኻውነቱ ተረዲኡ፡ “ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ” እንዳበለ ናብኡ  ለመነ። ኣብ ጸጋም ዝነበረ ሽፍታ ሰሚዑ እና ኣላገጸ “ንስኻ ክርስቶስ እንተኾንካስ ርእስኻን ንዓናን ኣድህን” ክብል ጀመረ(ሉቃ23፡59)።  ሽዑ ብየማኑ ዝተሰቅለ ሽፍታ ጎይታ ንድኅነት ዓለም ዝተሰቅለ ሓቀኛ ኣምላኻውነት ባህሪኡ ስለ ዝተረድአ ነቲ ኣብ ጸጋም ጎይታ ዝነበረ ሽፍታ “ ኣንታ ኣብከምዚ ዓይነት ፍርዲ ከለኻ ኣምላኽ ኣይትፈርሕን፧ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዲና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፉእት እኳ ኣይገበረን ኢሉ ምስ ገሰጾ ኣበር ዘይርከቦ ዝተሰቅለ ንጹሕ ባህሪ ኣምላኹ፡ “ተዘከረኒ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ”(ኦ ጎይታ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ) እና በለ ምስ ለመኖ፡ ጎያታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ኣሎኻ” እና በለ ዝለመኖ ዘይኮነስ ኪኖ ልቡ ዝይሓስቦ ሕልንኡ ዘይሓሎኖ ተስፋ ሃቦ። ንሱ ዝሓተት ኣብ መውዳእዳ ዓለም ጎይታ ዓለም ክፈርዳ ኃጥኣን ብጸጋም ቅዱሳን ብየማን ከቅሞም ብክብሪ መንግሥቱ ከመጽእ ከሎ ክዝክሮ እዩ ዝንበረ፡ ጎይታ ድማ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሕጂ” ብምባል ኣብ ገነት ምስ ጎይታ ከምዝኸውን ገለጸሉ።

ኣብ ማእከል ክልተ ሸፋቱ ድሕሪ ምስቃሉ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ናዝራዊ ኢየሱስ  ዝብል ፅሕፈት ብዕብራይስጥ፡ ብግሪኽ ተጻሒፉ ኣብ መስቀሉ ኣንበርዎ(ዮሓ19፡18-21)፡ ናይ ኣይሁድ ሊቀ ካህናት ንጲላጦስ ንሱ ባዕሉ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ እየ እዩ ዝበለ እምበር ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ኢልካ ኣይትጽሓፍ በልዎ። ዝጻሓፍክዎ ጽሒፈዮ ኣለኹ ኢሉ መለሰሎም። ኣብ መጽሓፈ ሕማማት እዚ ብኸምዚ ተርጉምዎ ይርከብ “ወዝ መጽሓፈ ጌጋይ ዘጸሐፎ ጲላጦስ ወአንበሮ መልዕልተ ርእሱ ይደምስስ ለነ በኵሉ ጊዜ መጽሓፈ ዕዳነ ዘተጻሕፈ ኣጋንንት። ጲላጦስ ጽሒፉ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንበሮ  በደሉ ዝነግር እዚ መጽሓፍ ኩሉ ግዜ ኣጋንንቲ ዝጸሓፍዎ ናይ ዕዳና መጽሓፍ ከጥፍኣልና እዩ ብምባል ኣርቂቆም ገሊጸሞ ኣለዉ።   

ጎያታና ኣብ ዝሰቀልሉ ግዜ ብርሃን ዘልበሶም ናይ ኣምላኽ ዕርቃኑ ንምኽዳን ካብ ሰዓት ሽዱሽተ (ዓሰርተ ክልተ) ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ (ሰዓት ሰለስተ) ጽሓይን ወርሕን ብርሃኖም ኣይሃቡን (ማቴ27፡45)። እዚ ቅድሚ ምዃኑ ብነቢ ዓሞጽ ኣቀዲሙ ክልተ ግዜ ተነጊሩ ነይሩ እዩ፡ ከምዚ እናበለ፡

  • መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሔር ጸልማትን ብርሃን ዘይብላንዶ ኣይኮነን? ግብ ዝበለ ጸልማትን ምንጽብራቕ ብርሃን ዘየብላን ዶኸ ኣይኮነትን(ኣሞ5፡20)።
  • በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቀትሪ ኸሎ ንፀሓይ ከዕርባ፡ ድሙቕ መዓልቲ ኸሎውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተዛሪበ ኣሎኹ(ኣሞ8፡9)።

ልቃውንቲ ቤተክርስቲያን ስለ ናይጎይታናን መድኃኒናን ስቅለት ስለዝኾነ ኣደናቂ ትኣምር ከምዚ እናበሉ ገሊጾሞ ይርከቡ፡

  • ጎየ ፀሓይ ወጸልመ ወርኃ ወከዋክብትኒ ተኅብኡ ከመ ኢያብርሁ ለምእመናን በግዜ ስቅለቱ ቅዱስ እንዘ ፍጹም በገሃሁ ወርኅ ኢያብርሀ።

 (ፀሓይ ብርሃና ከልአት፡ወርሒ ፀልመተት፡ከዋኽብቲ ብዝኸበረ ስቅለቱ ንምእመናን ብርሃኖም ንኸየብርሁ ጸልመቱ። ወርሒ ምልእቲ ከላ ኣየብርሀትን። ፀሓይ ብርሃና ብዝኸልአት ግዜ ፍጡራት ኩሎም ብጸልማት ተታሕዙ። ፍጡራቱ ፈጣሪኦም ከም በደለኛን ሽፍታን ኣብ ዕንጨቲ መስቀል ተሰቂሉ ምስ ርኣዩ መዓልቲ ጸልመት።ቅዱስ መልኣኽ ክሓድያን ንምጥፋእ ሴይፉ መዚዙ ኣብዝተላዕለሉ ምሕረት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዓገቶ ናይ ቤት መቅደስ መጋረጃ ብሴይፉ  ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ክልተ ተርተሮ (ማቴ27፡51፡ Mኣር15፡38፡ ሉቃ23፡45)። ኩሎም መላእክት ኣብ ሰማያት ኮይኖም ግይትኦም ርእዮም ብሕብረት ምስተቆጥዑ ናይ አብ ምሕረቱ ናይ ወልድ ትዕግሥቱ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ለውሃቱ ከልከሎም። ፅሓይ ብርሃና ኣይሃበትን፡ ብጸልማት ተታሒዙ ዓለም ክተዕነኒ ገደፋ። እዚ ኹሉዝኾነ ቅድሚ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነፍሱ ካብ ስግኡ ምፍላዩ እዩ(ቅዱስ ኣትናቴዎስ)።

  • እስመ ሶበ ተሰቅለ ክርስቶስ ጸልመ ሰማይ ኣሜሃ ወፀሓይኒ ሰወረ ብርሃኖ ወወርኅኒ ደመ ኮነ።

 ( ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለሉ ግዜ ሰማይ ፀልመተ፡ ፅሃይ ብርሃና ኣይሃበትን፡ ወርሒ ደም ኮነት፡ ምድሪ ተናወጸት፡ መቃብራት ተኸፍቱ። ስለዚ ፍጡራት ምስ ፈጣሪኦም ክሓሙ ተገብኦም(ማቴ27፡45-51፡ ቅዱስ ሱኑትዩ)።

  • ፀሓይ ጸልመ ወወርኅ ደመ ኮነ ወከዋክብት ወድቁ ፍጡነ ከመ ኢይርእዩ ዕርቃኖ ለዘአልበሶሙ ብርሃነ፡ (ናይ ጎይትኦም ዕርቃን ንኸይርእዩ ፅሓይ ጸልመተት፡ ወርሒ ደም ኮነት፡ ከዋክብቲ ብፍጥነት ወደቁ (ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ)።
  • ሊቁ ኣባ ጊዮርግስ ምስጢሩ ብምጥቅላል ብሕማማት ሰላምታ፡

ፀሓይ ብሩህ ኣሜሃ ግጼ ቀትር ጸልመ

ወወርኅኒ ጽዱል ተመሰለ ደመ

ትንቢት ከመ ቀደመ፡ ስብሐት ለከ።

 

(በቲ ግዜ እቲ ብርህቲ ዝኾነ ፅሓይ ጸልመተት፡ ምልእቲ ዝኾነት ወርሒ ደም መሰለት፡  ኣቀዲሙ ብትንቢት ከምዝተነግረ ኦ ጎይታ ምሥጋና ይግብኣካ)  እናበለ ካብ ናይ ነብያት ትንቢት ብምብጋስ ኣብ ሻዱሻይ(ሰዓት 12) ዝተኻየደ ምስጢር ብምብጋስ ንስዓቱ ዝተዳለወ  ምስጋና እና ኣልዓለ ምሂሩ።

 ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ናይ ክብሪ ብዓልቤት ሰማይ ዝፈጠረ እዩ እሞ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ትኣምራት ተፈጸሙ፡ ምድሪ ዝፈጠረ እዩ እሞ ኣርባዕተ ትኣምራት ኣብ ምድሪ ተፈጸሙ፡ ናይ ቤት መቅደስ መጋረጃ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ክልተ ተቀደደ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ተጨዱ፡ መቃብራት ተኸፍቱ፡ ካብ ሓሙሽተ ምኢቲ ንላዕሊ ምውታን ካብ ሞት ተንሥኡ(ማቴ27፡45፡ 27፡51-53)።

“እንሀ ወድኺ”....”እንሀት ኣዴኻ”
ሓደ ወዳ ኣብ ምሰቀል ተሰቂሉ፡ ኣካሉ ብደም ጨቂዩ እናረአየቶ፡ ኹሎም ክሃድሙ ብእምነት ቀራናዮ ዝተረኽበ እቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙሩ ምስ የውሃንስ ኮይና መሪር ልቅሶ ኣብ እተልቅሰሉ ዝነበረት ግዜ፥ንየውሃንስ ጎይታ ብጣዕሚ ይፈትዎ ብምንባሩ ኹሎም ክሃድሙ ከለዉ ስለዘይሃደመ፥ ጎይታ ነቲ ዘፍቅሮ የውሃንስ ፍቅሩ ካብ ህያባት ዝበለጸት ውህብቶ ቅድስቲ ድንግል ማርያም “እንሀት ኣዴኻ እናበለ ምስ ሃቦ ንኣዲኡ ድማ እንሀ ወዲኺ ብምባል ሓደራ ሃቦ።  

እዚ ናይ ሓደራ ቃል ንኽፍጸም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕሪ ጎይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ምስ ዓረገ ንዐሥርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ናይ ዮውሓንስ ቤት ተቀሚጣ እያ። ብእምነት (ሃይማኖት) ብምግባር ንቅዱስ ዮውሃንስ እንመንስሎ ኩልና ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ሓደራ ኣዴና ንሕና ድማ ናይ ሓደራ ደቃ ኾይና ወትሩ ኣብ ልብና ከቢራ ትነብር(ዮሓ19፡26-27፡ ራኢ12፡17 ፡መዝ87፡5-7)።

 ፀማእኩ

ድሕሪ እዚ ዝተነግረ ትንቢት ኹሉ ከምዝተፈጸመ ርእዩ ናይ ሕይወት ማይ ጎይታ ናይ ነፍስና ጽምኢ ከርሕቅ ብፍቃዱ “ጸማእኩ” በለ። ቅዱስ ዳዊት ኣቀዲሙ “ወወደዩ ሐሞተ ወስተ መብልዕየ ወአስተዩኒ ብሒአ ለጽምእየ” (ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፡ ምስ ጸማእኩውን መጺጽ ኣስተዩኒ)ዝበሎ ትንቢት ንኽፍጸም ድማ ኣይሁድ ነቲ ኣብኡ መጺጽ መልኡ ተቀሚጡ ዝነበረ ብሰፍነግ መሊኦም ኣብ ኣፉ ፀሞቅዎ።

ኣብ ሃገረ ኣይሁድ ሓሙሽተ ነገራት የምጽጹ፡ ናይ በለስ ናይ ስገም ሕንኩሮ፡ ኣዞከል፡ ሰፍነግ፡ ቬናገር። ኣብቲ ግዜ እቲ ምግቦም ቅጫ ጥራይ ብሙዃኑ፥ንኽብትነሎም (ከሕቅቀሎም)  ነዞም መጸጽቲ ነገራት የዳልዉ። እዚ ዝተነግረ ግና ፍጻሚኡ ንጎይታ ነበረ፡ ትንቢቱ ከምዝበጽሐ ንኸመልክት ብዕለተ ዓርቢ ሃብዎ። ሐሞት ግና ንሳቶም ፈሊጦም ኣይወሰኹሉን። ኣብ ዕዳግኦም ዘይሽየጥ የሎቦን፥ ኩሉ ይርከብ እዩ። ነጋዳይ ኣብ ዕዳጋ ሒዝዎ ተቀሚጡ ከሎ ስለ ዝሓሰሮ ክድርብዮ ቆይሙ እከሎ “ወተሠጢጦ ቦአ ውስተ ዝኩ ጻሕብ” ይብል፡ ተቀዲዱ ኣቲዎ ከሎ ኣይሁድ መጺኦም ሽጠልና በልዎ፡ “ተቀዲዱ ሓሞት ኣትይዎ” በሎም። ንሳቶም ግና ሽግር የብሉን ኣምጽኣዮ ኢሎም ብምውሳድ ኣብ ሰፍነግ መሊኦም ኣብ ሰፍነግ ገሮም ናብ ኣፉ ኣቅረብዎ።  መሪር ሓሞት ብምቅማሱ ካብ ደቂሰባት መሪር ሞት ኣጥፍአ።

ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ ኣብ ናይ ሸውዓተ ግዜ ጸሎት መጽሓፎም ጎይታናን መድኃኒናን ሓሞትን ከርቤን ዝተሓወሶ ንምንታይ ከምዝሰተየ ከምዚ እናበሉ ገሊጾም፡

ከመ ታስትየነ ለነ ደመ ገቦከ ነባቤ

እንተ ኣስተዩከ ሓሞተ ወከርቤ

ጸማእኩ በጊዜ ትቤ፡ ስብሐት ለከ”

(ነባቢ ዝኾነ ናይ ጎድንኻ ደም ንኽተስትየኒ ጸማእኩ ኣብ ዝበልካሉ ግዜ ሓሞትን ከርቤን ዘስተዩኻ ጎይታ ምስግና ንዓኻ ይግባእ። ቅዱሳን ደናግል እውን ጎይታ መሪር ሓሞት ብምቅማሱ ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ምኢትን ዘመን ሠልጢኑ ዝንበረ ሞት ካብ ደቂ ሰብ ምውጋዱ ዘመልክት እዩ፡ “ወሰሪቦ እግዚእ ኢየሱስ ብኂዐ ይቤ ተፈጸመ ኵሉ” (ጎይታና ኢየሱስ መጺጽ ቀሚሱ ኣብ መጽሓፍ ዝተጻሕፈ ኩሉ ተፈጸመ በለ)። ጎረርኡ ብምጽማእ ልሳኑ መድረቅ ካብ ስጋን ነፍስን ጽምኢ ኣድኂኑና።

ብግዜ ቀትሪ ናይ ሓርማዝ ሓሞትን ከርቤን ዝተሓወሶ መጽጽን ናይ በጊዕ ሓሞት ብምስታዩ ዕዳ ዝመቀረ ናይ በለስ ፍረ ዝበልዑ ኣድማን ሕይዋን ከፈለ፡ ንዓና መሪር ዝኾነ ምሞትን ርግማንን ኣትፊኡልና” እናበሉ ተንቲኖም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ዓለም ዘድኃነ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኽበር

ይመስገን

 

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክብርን

ብስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ምኽንያተ ድኅነት ስለ ምዃናንን፥

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያተ ድኅነትና እያ።ንሱ ከኣ መጀመርታ ፍጥረት ወዲ ሰብ ዝኾነ ኣቦና ኣዳም ኣይትብልዓያ ተባሂሉ ካብ ዝተነግረቶ ፍሬ ኦም  በለስ በሊዑ ስሕተት ምስ ፈጸመ፥ጸጋኡ ተገፊፉ፥ካብ ክብሩ ተዋሪዱ ኣብ ፍጹም ዝኾነ ሓዘንን ልቕሶን ወዲቑ፡ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ፥ኣብ ርደተ መቓብር ድማ ርደተ ሲኦልን ገሃነምን ተፈሪድዎ መሪር ሕይወት ይነብር ነበረ እሞ፥ብዝፈጸሞ ስሕተት ተጣዒሱ ብንብዓት ንኣምላኹ ስለ ዝለመነ መፍቀሬ ሰብ ብምኅረት ሃብታምን ይቕረ በሃልን ዝኾነ ቅዱስ እግዚአብሔር ድማ ንስሕኡ ርእዩ ፍጺሙ ራህራሃሉ።"ከመይ እግዚአብሔር ንዘለኣለም ኣይድርብን እዩ፥እንተ ጓሃየ እኳ እቲ ዘለኣለማዊ ምሕረቱ ዓቢይ ስለ ዝኾነ ይርህርህ እዩ"ከም ዝተባህለ(ደ•ኤር3፥31-32)፥ልማኖኡ ሰሚዑን ጸሎቱ ተቐቢሉን ከኣ"…ድኅሪ 5500 ዓመት ካብ ጓል ጓልካ ስማ ማርያም ተባሂላ ካብ እትጽዋዕ ተወሊደ ከድኅነካ እየ"ንሳ ናትካ ዘርኢ እያ፥ንዓኣ ክፈጥራን ክመርጻን እየ፥በዚ ጊዜ'ዚ ናይ ምድኅንካ መጀመርታ ክኸውን እዩ፥ናብ ርስትኻውን ክትምለስ ኢኻ" በሎ(መጽ•ቀለምንጦስ ምዕ13)።እዚ ከኣ እቲ ኣዳም ካብ ባዕሉ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሰምዖ ብምኽንያት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሃቦን ዝረኽቦን ድኅነት እቲ ናይ መጀመርታ ተስፋን ጽኑዕ ኪዳንን ነበረ።ኣብ ፍጹም ሓዘንን ቀቢጸ ተስፋን ዝነበረ ኣዳም በዚ ሓዘኑ ተደበሰ፥ናይ ኅልና ትንሣኤ ገይሩ ከኣ ዓቢይ ተስፋ ረኸበ።ኣባ ሕርያቆስ ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ሒዞም"ኦ ድንግል ስደተኛ ኣዳም ካብ ገነት ክስደድ ተስፋ ስንቑ ንምድኅኑ ድማ ጽኑዕ እምነት ዝነበርኪ ንስኺ ኢኺ"ክብሉ ኣመስጊኖማ እዮም።ድኅሪዚ ኣዳም ብምኽንያት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዳግም ናብ ዝቐደመ ክብሩን ስፍርኡን ክምለስ ንዓኣ ተስፋ ስንቁ ገይሩ፥ኣብ ልቡ ሓቲሙዋ ካብ ገነት ወጸ።ካብዚ ቀጺሉ እዚ ናይ ድኅነት ተስፋ ኣብ በብጊዜኡን ዘመኑን ብዝተፈላለየ መገዲ እናተነግረን እናተገልጸን ጸኒሑ እዩ።ንምሳሌ ጻድቕ ኖኅ ብመርከብ ምድኃኑ፥ዳግም ብማይ ኣይኂ ንዘይምጥፋእ ምሳሌ ናይ ድንግል ማርያም ብዝኾነት ቀስተ ደመና ኪዳን ምቛሙ፥ንኣቦ ብዙኃን ኣብርሃም"ሕዝቢ ዓለም ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም"ኢሉ ፍረ ከርሱ ናቱ ዘርኢ ካብ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብዝውለድ ሕዝቢ ዓለም ኩሉ ከም ዝባረኽን ዝድኅንን ምንጋሩ(ዘፍ12፥3)፥

እግዚአብሔር ንሊቀ ነብያት ኣቦና ሙሴ ብሃልሃልታ ናይ ሓዊ ዘይትቃጸል ቆጥቋጥ ፥እቲ ሓዊውን በቲ ጠሊ ናታ ከይጠፈአ ሃልሃል ክትብል ዝገለጸሉ ዘደንቕ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ንዓና ናይ ምድኃኑ ምስጢረ ራእይ(ዘጸ3፥1-10)

…ወዘተረፈ ብዙኅ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብርሃም ወገን ዳዊት ካብ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከም ዘድኅነና ከምዚ ብምሳሌን ምስጢራዊ ብዝኾነ ኣዘራርባን ክንገር ዝጸንሐ፥ድኅር ግን ምስቲ ግዜ ምቕራቡ እናጎልሐ እዩ ከይዱ።ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት በቲ ኣቐዲሙ ተነጊርዎም ዝነበረ ቃል መሰረት ነጻ ወጺኦም ንምድኃን ካብ ዝነበሮም ድሌት ዝተላዕ ብቅዱስ ዳዊት ኣቢሎም"ኣየ፥ካብ ጽዮን ምድኅን እስራኤል እንተ ዚመጽእ።እግዚአብሔር ምርኮ ሕዝቡ ምስ መለሰ ደቂ እስራኤል ኪሕጎሱ እዮም፥ባህውን ኪብሎም እዩ"እናበሉ ይጸባበዩ ነበሩ(መዝ14፥7) ።ጽዮን ዝብላ ዘሎ"ቅድስት ድንግል ማርያም"ምድኃን ወይውን መድኃኒት ኢልዎ ዘሎ ከኣ" መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ" እዩ። ናይዚ ትርጉም ኣብ ሮሜ11፥26 ንረኽቦ ቃል እዩ።ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሳ ኣምላኽ ዝመረጻ፥ንዓና ከድኅን ሰብ ዝኾነላ፥ክብርቲ ኣደ እያ እሞ፥በዚ ምኽንያተ ድኅነትና ክትበሃል ዝግባእ እዩ።ኣምላኽ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ናይ ምድኃኑ ነገር ዝያዳ ጎሊሑ እንረኽቦ ኣብ ዘመነ ነብያት እዩ።ገለ ካብኡ

"እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም እዩ፥እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ"ይብል(ኢሳ7፥14)።ጊዜኡን ሰዓቱን በዚሑ ትንቢቱ ክፍጸም ከኣ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ"ብሳድሰይቲ ወርኂ(መጥምቀ መለኮት ካብ ዝተጠንሰሉ)ከምኡውን ኣቐዲሙ ድኅሪ 5500 ዓመት ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ ዝበሎ ቃል ክፍጸም ኣብ መበል ሳድሰይቲ ሽሕ ዘመን ገብርኤል መልኣኽ…ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ።…ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም ነበረ"(ሉቃ1፥26-27)ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ

"ድንግል"ኢሉ ስም እታ ድንግል ግን ኣይጠቐሰን ነበረ እሞ፥ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ፥ንሳ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና የነጽሮ።ብኻልእ ወገን ድማ ንኣረጋዊ ጻድቕ ዮሴፍ"ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ካብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ፥ንሕጽይትኻ ማርያም ንምውሳዳ ኣይትፍራህ።ወዲ ክትወልድ እያ ማለት ሕጻን ተወሊዱልና፥ወዲ ተዋሂቡና እዩ፥ንሱ ገዛኢና ኪኸውን እዩ።

ንሱ÷

          * "ግሩም መኻሪ"

          * "ብርቱዕ ኣምላኽ"

          * "ዘለኣለማዊ ኣቦ"

          * "መስፍን ሰላም"

ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ (ኢሳ9፥6) ተባሂሉ ዝተነግረ ኣብኣ ምእንቲ ክፍጸም ወዲ ክትወልድ እያ፥ንሱ (እቲ ካብኣ ዝውለድ) ከኣ ንሕዝቡ ካብ ኃጢኣቶም ከድኅኖም እዩ እሞ ስሙ

"ኢየሱስ"ክትብሎ ኢኻ።እዚ ኹሉ ድማ እቲ እግዚአብሔር ብነቢይ"እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ወዲውን ክትወልድ እያ፥ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፥ትርጉሙ ኸኣ 'ኣምላኽ ምሳና'ማለት እዩ እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ክፍጸም ኮነ(ማቴ1፥20-23) ተባሂልዎ እዩ።እዚ ቃል ድንግል ማርያም ንነብያት ፈጻሚት ትንቢቶም ምዃና ዝገልጽ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንሳ ኃጢኣት ሕዝቡ ዝሓድግ መድኃኒ ዝወለደት ምኽንያት ድኅነትና ምዃና ድማ ብንጹር ዘርኢ እዩ።ኣብ ዕለተ ልደቱ ካብኣ ምስ ተወልደ እቲ ብዛዕባዚ ንኹሉ ዘበሰረ ቅዱስ መልኣኽውን"እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ ኣበሥረኩም ኣለኹ እሞ፥ኣይትፍርሁ።ምኽንያቱ ሎሚ መድኅኒ ክርስቶስ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ኣሎ"እዩ ዝበለ (ሉቃ2፥10-12)።ነዚ ዓቢይ ሓጎስን ፍጹም ዝኾነ ድኅነትን ዝረኸብናዮ ካብኣ ብምውላዱ ብኣኣ ምኽንያት እዩ። ኣምላኽ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ብምውላድ እንተ ዘይድኅነና ነይሩ ሕይወት ዘይብሎም ምውታት ኮይና ምነበርና።ነዚ ዝተረድአ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ኣቢሉ እዩ"እግዚአብሔር ጎይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይኅድገልናስ ከም ሰዶም ምኾና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና"ኢሉ ዘሎ( ኢሳ1፥9,ሮሜ9፥29)።እዚ ከኣ ቅዱስ እግዚአብሔር ጎይታ ሰራዊት ከም ከተማታት ሰዶምን ጎሞራን ፈጺምና ተፊእና ንዘይምትራፍና ንጽህቲ ዘርኢ ንድንግል ማርያም ካብ በደል ዕዳ ሰዊሩ ንምኽንያተ ድኅነት ዝሓደገልና ምዃኑ የመልክት።

ካብ ሊቃውንት ወገን ዝኾነ ቅዱስ ኢፍሬም ሶርያዊ ድማ"ኣክሊለ ምክሕነ ወቀዳሚተ መድኃኒትነ ወመሠረተ ንጽሕነ ኮነ በማርያም ድንግል፥ እንተ ወለደት ለነ ዘእግዚአብሔር ቃለ» ይብል (ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ) ።ትርጉሙ"ኣኽሊል  ትምክሕትና ጀማሪትድኅነትና፥መሠረተ ንጽሕናና  ብድንግል ማርያም ኮነ ወይውን ድንግል ማርያም እያ፥ምእንቲ ድኅነትና ሰብ ዝኾነ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወለደትልና"ማለት እዩ።ስለዚ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምላኽ ካብኣ ተወሊዱ ኣድኂኑና እዩ እሞ ምኽንያተ ድኅነትና ምባል ዝግባኣ እዩ።ቀደምት ነብያት፥ቅዱሳን፥ካብ ሊቃውንት እኒ ቅዱስ አትናቴዎስ፣ቅዱስ ጀሮም፣ቅዱስ ዮሀንስ አፈወርቅ፣ቅዱስ ኤፍሬም፥ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ፥ኣባ ሕርያቆ፥ቅዱስ ያሬድ፥ኣባ ጊዮርጊስ ካልኦት ዘይጠቐስናዮምን ብእምነት ዝጸንዑ ብኣፍልጦውን ዝመልኡ ቅዱሳን አበው ስለ ዘለኣለማዊ ክብራን ምኽንያተ ድኅንርትና ስለ ምዃናን ብሰፊሑ መስኪሮምን ኣስተምሂሮምን እዮም።ምናልባት ኣብ ዘመና ብቅዱሳት መጻሕፍቲ መሰረት  ኣሰር ኣቦታትና  ተኸቲልና፥ኣብነቶም ሒዝና ከመስግናን ምኽንያተ ድኅነትና ኢልና ክንምስክርን ኣእዛኖም ዘሳሕዮም ካብ ሓሊፉውን እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሎም ዝከራኸሩና ኣይተሳእኑን።ይኹን እምበር ቅኑዕ ሕልና  ንዘለዎ ሓቂ ከኣ ንዝደሊ፥ብሔዋን ምኽንያት ኃጢኣትን ውድቀትን ናብዛ ዓለም ምምጽኡ እንተ ደኣ ተቐቢሉ ብናይታ ዳግሚት ሔዋን ዝተባህለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ድማ ድኅነትን ሕይወትን ተረኺቡ ኢልካ ምቕባል ከቢድ ኣይኮውንን እዩ።ድኅነት እንተ ንዝደሊ ከኣ ነዚ ምእማን ግዴታ ኣለዎ።ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባዚ ዝሃቦ ምስክርነት እዩ÷"ተፈሥሒ ኦ ማርያም እንተ ብኪ ተበትከ ማዕሠረ ሔዋን ማሕመሚ እንተ ገደፋ እግዚአብሔር ውስተ ደይን"(ሃይማኖት ኣበው ዘቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ 68:36 ክፍሊ 26"ተፈሥሒ ኦ ማርያም ደስ ይበልኪ ከመይ ብእግዚአብሔር ተፈሪድዋ ኣብ  ጸልማት ሲኦል ብጽኑዕ ፍዳ ዝነበረት ሔዋን ማእስሮኣ ብኣኺ ተበቲኹ እዩ"ይብል።ቅዱስ ኤፍሬም ድማ"ትምክሕተ ኩልና ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ዘበእንቲኣሃ ተሳዕረ ዘቀዳሚ መርገም እንተ ኅደረት ዲበ ዘመድነ…………፥በእንተ ሔዋን ተዐፅወ ኆኅተ ገነት፥ወበእንተ ማርያም ድንግል ተርኅወ ለነ ኣግመ"ኢሉ ብንጹር ገሊጹ የምጽኦ(ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)።ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ትምክሕቲ ኩልና እያ፥እቲ ቀደም ኣብ ባሕሪይና ወይውን ኣብ ወሎዶና ዝወረደ መርገምውን ብኣኣ ተሳዕረ።……ብምኽንያት ሔዋን ናይ ገነት ኣፍ ደገ ተዓጽወ፥ብድንግል ማርያም ግና ከም ብሓዱሽ ተኸፈተልና ማለት እዩ።ኣባ ሕርያቆስውንኦ መሰጋገሪት፥ቀዳሞት ኣቦታት፥ካብ ሞት ናብ ሕይወት ብኣኺ ተሳገሩ።ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ መደያይቦ ዝኾንኪ መሳልል፥መጀመርታ ኹሉ ፍጥረት ብኣኺ ተሓደሰ»ክብል ምኽንያተ ድኅንነታ ገሊጹ ኣመስጊኑዋ እዩ(ኣባ ሕራቆስ ቅዳሴ ማርያም ቁ30)፥"መሠረተ ሕይወት ማርያም ወጥንተ መድኅኒት ዘእምቀዲሙ፥ኪያኪ ሠናይተ ዘፈጠረ ለቤዛ ዓለሙ እግዚአብሔር ይትባረኽ ወይትኣኮት ስሙ"(መጽሓ ሰዓታት ነግሥ)፥

 

 

ክብሪ ድንግል ማርያም÷

 

መጽሓፍ ቅዱስ«ኽብሪ ንዚግብኦ ኽብሪ ንኹሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ»ይብል ሮሜ13፥7።ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስውን"ከምቲ ንቕዱሳን ዝግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር ምንዝርናን ኩሉ ርኽሰትን ወይ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኹም"ኢሉ ኣሎ(ኤፌ5፥3)።እዚ ኹሉ ከኣ ንኹሉ ክብሪ ምሃብ ከም ዝግባእ የረድእ።ይኹን እምበር እቲ ዚወሃብ ኣኽብሮት ግን"ብኽብርስ ኮኾብውን ካብ ኮኾብ ይበልጽ እዩ"ከም ዝተባህለ፥ከም መጠን ጸግኦምን ተጋድሎኦምን ይፈላለ እዩ።ስለ ዝኾነ ኸኣ ክብሪ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሳ ንፈጣሪኣ ዝወለደት ኣደ ኣምላኽ:ብጸጋውን ምልእትን ፍጽምትን ስለ ዝኾነት ልዕሊ ናይ ኹሉ ዝበልጽ እዩ።ንሳ ብልሳን ኩሉ ፍጡር እትምስገን ክብርትን ልዕልትን እያ።"ኦ ምስጋና ዝመልኣኪ ድንግል፥ብመንን ብናይ መን ምሳሌን ክንምስለኪ ኢና" ከም ዝተባህለ(ቅዳሴ ማርያም) ንሳ መትሕተ ፈጣሪ፥ መልዕልተ ፍጡራን እናተባህለት ደኣ ትምስገንን ትኸብርን እምበር ካብ ፍጡር ወገን ንዓኣ ዝመስል ወይ ብኽብሪ ዝተኻኸላ ፈጺሙ የልቦን።መቅድመ ታኣምረ ማርያምውን ኩሉ ጊዜ ከም እንሰዖ"እግዝእትነ ማርያም ካብ ኩሉ ፍጥረት ዝኸበረት ክብርትን ንእድትን እያ፥ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር ከም እግዝእትነ ማርያም ዝኸበረ የልቦን» እዩ ዝብል።ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብቕድስናውን ፍጽምትን ልዕሊ ኩሉን እያ።ብኹለንትናኣ ተፈታዊ መልክዕ ቅድስና ኣለዋ።ፍቱው መልክዕ ቅድስናኣን ንጽሕናኣን ዝረኣየ ኣምላኽ ከኣ ካብኣ ተወሊዱ ንዓለም ከድኅን ፈትዩ እዩ።ምእንትዚ"እግዚኣብሔር ንጽዮን(ንድንግል ማርያም)ሓረያ፥መኅደሪኡ ኽትከውን ድማ በሃጋ"ተባሂሉ ኣቐዲሙ ቃል ትንቢት ተነግረ መዝ132፥13።ነዚ ብምጉላሕ ደጊሙውን"ጓለየ፥ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ፥ርኣዪውን፥እዝንኺ ኸኣ ጽለዊ፥ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።ንመልክዕኪ ንጉሥ ይብህጎ እዩ፥ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ"ይብል(መዝ45፥10-11)።

ከምቲ ቃሉ ጊዜኡን ሰዓቱን ምስ በጽሐ፥ምልኣት ዘመን ምስ ኮነ ድማ ብርሃናዊ መልኣኽ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ናብቲ ንሳ ዝነበረትሉ መጺኡ"ስላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፥እግዚኣሔር ምሳኺ እዩ፥ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ"እናበለ ፍጹም ንጽህናኣን ክብራን ተፈታዊ መልክዓን ገሊጹ ንኣደ ኣምላኽነታ ዝግባእ ምስጋና ድኅሪ ምቕራቡ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ንኣምላኻ መድኃኒ ዓለም ከም እትወልድ ብዓቢይ ክብሪ ኣበሲርዋ እዩ።ንሳውን ይኹነኒ ክትብል ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጻ ቃል ብፍጹም እምነትን ትሕትናን ተቐበለቶ።ብሰብ ወገን ምሉእ እምነታን ልዑል ዝኾነ ክብራን ዝተረድአት ቅድስት ኤልሳቤጥ ድማ ከምኡ"እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዚፍጸም ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ"እናበለት ንኣደ ኣምላኽነታ ዝግባእ ክብሪ ሂባ ኣመስገነታ።ኣምላኽ ዝሓረያ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቀደምት ኣበው ነብያት ውዳሴኣን ክብራን በዚሕሎም ብብዙኅ መገዲ ከመስግንዋ ጸኒሖም እዮም።ነዚ ከኣ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ"ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፥ምድኃና ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል ብዛዕባ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን"ዝበሎ ዓቢይ መረዳእታ እዩ

(ኢሳ62፥1)።ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ድማ«ህየንተ ኣበውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ» ክብል ኣመስጊንዋ ኣሎ።ትርጉሙ፥ኣብ ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወለዱልኪ ማለት እዩ።እዚ ከኣ ፍጹም ንጽህናኣ፥ዘለኣለማዊ ዝኾነ ድንግልናኣን ንኣምላኽ ስለ ምውላዳን ብቃል ትንቢት ኣብ ክንዲ ዝተዛረቡ ዓበይት ነብያት ደቂቅ ነብያት፥ኣብ ክንዲ ደቂቅ ነብያት ፍጹም ቅድስናኣ፥ኣደ ኣምላኽነታ፥ምኽንያት ድኅንነታ፥ኣማላድነታን ልዑል ክብራን ዝምህሩ ሃዋርያት፥ ኣብ ክንዲ ሃዋርያት ድማ ሰብዓ ኣርድእት፥ኣብ ክንዲ ሰብዓ ኣርድእትውን ሊቃውንት ኣቦታት ተተኪኦም ንዕኦም መሲሎም ፍጹም ዝኾነ ንጽሃ ቅድስናኣ፥ዘለኣለማዊ ድንግልናኣ፥ኣደ ኣምላኽነታን ምልጅኣን ዝምስክሩ ዝትንሥኡን ምዃኖምን ክሳዕ ዕለተ ምጽኣት ከኣ ከምዚ ከም ዝኸውንን ዘርኢ እዩ።ኣብቲ ዳኅራይ ጊዜ ድማ ድንግል ማርያም ካብ መላእኽቲ ወገን ብቅዱስ ገብርኤል ካብ ሰብ ወገን ከኣ ብቅድስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ተመስገነት፥ባዕላ ድማ ክብረይ ምስጋናይ ካብ መላኽቲ ወገን ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሰብ ወገን ከኣ ኣብ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን ክትብል"ካብ ሕጂ ኹሎም ወለዶ ማለት ትውልዲ ሴም፥ትውልዲ ካም፥ትውልዲ ያፌት፥ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም"ኢላ እያ(ሉቃ1፥48)።ድንግል ማርያም ንሳ ኣምላኽ ዝወለደት ምልእተ ጸጋ ምልእተ ውዳሴ ስለ ዝኾነት መጠን ጸጋኻ ዝፈቐደልካ ምንጋርን ክብሪ ምሃብን እምበር ልዕልና ክብራ ብልሳን ፍጡር ዚውሰን ኣይኮነን።ስለ ዝኾነ እዩ ኸኣ ጣዕመ ፍቕራ ዝበዝሓሎም ኣባ ጊዮርጊስ፥"እዌድሰኪ ኦ ድንግል"፥ኣብ ዝብል ምስጋናኦም«እዌድሰኪ ኦ ድንግል ምልእተ ውዳሴ መጠነ ይክል ኣፉየ ኣስተበፅዕ ዕብየኪ ማርያም"ክብሉ ዘመስገንዋ።ኦ ምስጋና ዝመልኣኪ ድንግል የመስግነኪ ኣለኹ፥ኣንደበተይ ዝኽእሎ መጠን ድማ ንዕብየትኪ የዘንቱ"ማለት እዩ።ቀጺሎም ድማ"ልሳነ ኪሩብ ኢይክል  ኣብጽሖ ውዳሴኪ ወኣፈ ሱራፌል ኢይፌጽም ነጊረ ዕበየኪ ማርያም"ይብሉ።ትርጉም"ኦ ማርያም ምስጋናኺ ልሳነ ኪሩቤል ኣብጺሑ ምፍጻም ዘይካሎ፥ንዕብየትክን ልዕልና ክብርኽንውን ከምኡ ኣንደበት ወይውን ልሳን ናይ ሱራፌል ተዛሪቡ ዘይፍጽሞ ምልእተ ውዳሴ ኢኺ"ማለት እዩ።ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስውን "ኦ ምስጋና ዝመልኣኪ ድንግል፥ብመንን ብናይ መን ምሳሌን ክንምስለኪ ኢና"ኢሉ እዩ ዘመስገና።ብካልእ ወገን ድማ"ንስኺ ኻብቶም ብዙኃት ኣዕይንቲ ዘለዎም ኪሩቤልን ሽዱሽተ ኽንፊ ዘለዎም ሱራፌልን ዚዓቢ ዕዙዝ ግርማ መልክዕ ኣሎኪ"ኢሉዋ ኣሎ።ተመሳሳሊ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ድማ ኣብ ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም ጸሎቱ "ለኪ ይደሉ ዘእምኩሎሙ ትሰኣሊ ለነ ኦ ምልእተ ጸጋ ኣንቲ ተዐብዪ እምሊቃነ ጳጳሳት ወፈድፋደ ትከብሪ እምነብያት፥ብኪ ግርማ ራእይ ዘየዐቢ እምግርማ ሱራፌል ወኪሩቤል" ኦ ምልእተ ጸጋ ንስኺ ሓለፋ ኩሎም ቅዱሳን ንዓና ክትልምንልና ይግባኣኪ እዩ።ከመይሲ ንስኺ ካብ ሊቃነ ጳጳሳት ትዓብዪ፥ካብ ነብያት እውን ኣጸቢቕኪ ትኸብሪ፥ካብ ናይ ሱራፌልን ኪሩቤልን ዝበልጽ ተፈታዊ ግርማ ሞገስ ድማ ኣሎኪ"ይብል።ደገሙ ከኣ"ኦ እግዝእትነ ማርያም ወላዲተ ኣምካኽ ንስኺ ኣደ ብርሃን ስለ ዝኾንኺ ንዓኺ ንበይንኺ( ንኣደ ኣምላኽነት ዝግባእ ክብሪ ልዕሊ ኹሉ ንዝበልጽ ባሕርየ ንጽህናኽን ምሉእ ጸጋኽን)ብውዳሴን ብምስጋናን ነዕብየኪን ነኽብረክን ኣሎና።ንስኺ ካብ ሰማይ ትዓብዪ፥ ኣብ ምድሪውን ልዕሊ ኹሉ ሕልና ኢኺ።ንዓኺ ዝመሳሰል፥ብዛዕባ ዕብየትክን ክብርኽን ከዘንቱ ዝኽእል መን እዩ!"ክብል ኣድናቖቱ ይገልጽ(ውዳሴ ዘዓርብ)። ኣብ ዘዘመኑ ዝተላዕሉ ቅዱሳን ከምዚ ብብዙኅ መንገዲ  ኣመስጊኖማ እዮም።ብሓቂ ባሕሪኦም እሳታውያን ዝኾነ መላእኽቲ ክቐርብዎ ዘይክእሉ፥ኪሩቤልን ሱራፌልን ብፍርሃት እናኣቀጥቀጡ ዙፋኑ ዝሽኸምሉ፥ካብ መለኮታዊ ግርማኡ ዝተላዕለ፥ኣብ ቅድሚ በቲ ክልተ ክንፎም ገጾም በቲ ክልተ ክንፎ ድማ ኣእጋሮም ዝኸድኑ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር ሰማይን ምድርን ክጸርዎን ክውስንዎን ዘይክእሉ ናይ ፍጥረታት ጎይታ ንኣምላኽ፡  ንሳ ንትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማሕፀና ወሲና ጸይራቶ፥ናይ ኩሉ መጋቢ ጸባ ጽንግልናኣ ኣስትያ ነዚ ኹሉ ክብሪ በቒዓ እያ እሞ ካብ ኩሉ ፍጡር ብዝበለጸ ክብርን ምስጋናን ምሃብ ንዓኣ ይግባኣ።ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ነዚ ኣመልኪቱ÷"ንናይ ድንግል ዕብየታ ክንገር ኣይክኣልን እዩ!ከመይሲ እቲ ማንም ዘይቀርቦ ኣብ ብርሃን ዝኃድር ኣምላኻ ኅርይዋ፥ትሽዓተ ወርሒ ከኣ ኣብ ከርሣ ተጸይሩ እዩ።ነቲ ዘይርአን ዘይምርመርን ማርያም ግና ብድንግልና ወለደቶ"ኢሉ ኣሎ(ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ)።ቅዱስ ያሬድ «ኦ ምልእተ ጸጋ፥ኦ ምውሓዝ ፍስሓ፥ካብ ብዙኅ ዘዕይንቶም ኪሩቤል፥ካብ ሽዱሽተ ዘኽናፎም ሱራፌል ኣጸቢቑ ዝዓበየ ግርማ መልክዕ ኣሎኪ።ንሳቶም ካብቲ መለኮት ናይ ወድኺ ዝወጽእ እሳት ምእንቲ ክድኅኑ ገጾምን እግሮምን ብኣርኣያ ትእምርተ መስቀል ይሽፍኑ፥

ንስኺ ግና ንመለኮት መኅደሪት ኮንኪ።እሳተ መለኮት ከኣ ኣየቃጸለክን።ነበልባለ እሳት ሓዊ ተሸከምኪ ነበልባለ መለኮት ከኣ ኣየንደደክን።በዚ ከኣ ነታ ሙሴ ብነበልባለ ሓዊ ተኸቢባ፥እቲ ነበልባል ግና ቆጽላ ዘየቃጸላ ዝረኣያ ዕፀ ጳጦስ መሰልኪ።ከምኡ ንዓኺውን እቲ ኩለንትናኡ እሳት ዝኾነ እግዚኣ ኃያላን ኣየቃጸለክን።ብሓቂ ንስኺ ንኹሉ ወገን ክርስትያን መመክሒት ኢኺ።ብኣኺ ድማ ካብ ምድሪ ናብ ኣርያም ዝቐረብና ኮና።እዚ ከኣ ወዲ ኣምላኽ ካባኺ ብምውላዱ እዩ»ክብል ብኣድናቖት ዝገለጾውን ነዚ ዘነጽር እዩ(ኣንቀጸ ብርሃን)።እምበኣር ስለ ልዕልና ክብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ንጽህናኣን ንሳ ምኽንያተ ድኅነትና ስለ ምዃናን ብዙኅ እዩ ተባሂሉ።ካብ ጸጋኣን በረኸታን ተሳተፍቲ ንምዃን ግን ዓቕምና ዝፈቕዶ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከም ዝብሉ ነዚ ኣቕሪብና ኣሎና።ስለዚ ሕጂውን ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ"ኦ ጸጋ ዝመልኣኪ፥ኦ ፍሥሓ ዚውሕዘኪ፥እናበልና  ነታ ምስጋና ዝመልአት ክንውድሳን ከነዕብያን ብፍርሃት እግዚአብሔር  ንተንሥእ"ክብል ንምስጋናኣን ዕብየታን ዝዕድም ጻውዒት ከም ዘቕረበልና ክብር ንምምስካር ካብቲ ዘይነጽፍ በረኸታን ብኣኣ እንረኽቦ ደስታን ተሳተፍቲ ንምዃን ከምቲ ዝበሎ ብፍርሃት እግዚአብሔር  ንተንሥእ።ከምኡውን (መዝ87፥7)ተመልከት።

ንፅሕና ቅድስቲ ድንግል ማርያም

ንጽሕና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብልሳነ ኣዳም እዚ ኢልካ ክትገልጾ ኪኖ ዓቅምን ብቅዓትን እኳ እንተኾነ እግዚኣብሔር ብዝዓደለና ውህበት፥ ንሕና ብንርድኦ ቛንቛን ክንዛረብ ግና ንንጽሕንኣ ዝበቅዕ እኳ እንተ ዘይኮነ ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታትና ተኸቲልና ንዓለም ምምስካር ሰናይ እዩ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰማያውያን ምድራውያን ፍልይቲ ዝገብራ ንጽህናኣ እዩ። “ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ተባሂላ ብሰማያውያን መላእኽቲ ብምድራውያን ቅዱሳን ተመስኪሩላ እዩ። ሰማያውያን ምድራውያን ዘይተዓደልዎ ምልኣት ጸጋ መሰረቶም ንጽሕንኣ እዩ። ናይ ደቂ ሰባት ንጽሕና እግዚኣብሔር ክርእዩ የብቅዖም(ማቴ5:8)። ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጽሕና ግና ኣደ እግዚኣብሔር ወልድ፥ መሕደሪት መንፈስ ቅዱስ ጌርዋ። እግዚኣብሔር ዝኸተመላ ትምክሕቲ ዘርኢ ኣዳም ሓፍቲ መላእኽቲ ገበራ፥ “”ንኣኺ ዝፈተወ እግዚኣብሔር ኣብ ቅዱስ እዩ፥ ኣብ ከርሥኺ ዝኃደረ ወልድ ዋሕድ ቅዱስ እዩ። ዘጽንዓኪ ጳራቅሊጦስ መንፈስ ጽድቂ እውን ቅዱስ እዩ” (ቅዳሴ ማርያም ዓንቀጽ 26)።  ብተወሳኺ ኣባሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴኡ “” እግዚኣብሔር አብ ካብ ሰማይ ናብ ምብራቕን ምዕራብን፡ ሰሜንን ደቡብን፡ ናብ ኵሉ መኣዝናትን ብሓቂ ጠመተ። ኣተንፈሰ፡ ኣጨነወ፡ ከማኺ ዝበለ ኣይረኸበን፡ መኣዛኺ ፈተወ፡ግርማ መልክዕኺ ኣፍቀረ። ዚፈትዎ ወዱ ኸኣ ናባኺ ለኣኸ”(ዓንቀጽ24)። ብልክዕ እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ጠሚቱ ንደቂ ሰብ ኣብ ዝተመልከተሉ “”ኵላቶም ተጋግዮም ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም እዮም፡ ገለ ሠናይ ዝገብር ሰብ የልቦን፡ሓደ እኳ የልቦን” (መዝ14፡1) ኣብ ዝበለሉ ዘመን “ንድንግል ማርያም ሓረያ መሕደሪቱ ክትከውን ድማ ብሃጋ(132፡13)። ንጉስ ሰላሙን እውን “”ኣቲ ሓለፋ ኹላተን ኣንስቲ እትጽብቒ” (መኃ5፡9) ከምኡውን “”ኣቲ ፍትውተየ፡ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ እፍቲውን የብልክን”(መኃ4፡7) ንጽሕና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብግልጺ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ስለዚ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ፍጡራት ብቅድስና ዝቀርባ የልቦን። ሰብ ቅዱስ ዝብሃል ንእግዚኣብሔር ኣገልግሎት ዝተፈልየ ኮይኑ ምስ ዝርከብ እዩ። ቕድስቲ ድንግል ማርያም ግና ንእግዚኣብሔር ወልድ መሕደሪ ኾይና፡ ወላዲተ ኣምላኽ፡ ኣደ ኣምላኽ ዝኾነት ዝተፈልየት መወዳድርቲ ዘይርከባ ሓንትን ፍልይትን፡ ናይ ካብ ኩሎም ቅዱሳን ዝተቀደሰት ልዕሊ ፍጡራን ትሕቲ ፈጣሪ እያ። ካብዚ ዝተበገሰ ብሰማያውያን መላእኽቲ ልሳን ጸጋ ዝሞላኣኪ ክብሪ ዝተጓናጽፍኪ ኦ ድንግል ደስ ይበልኪ እና ተባህለት ተመስጊና እያ።  ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብውሽጥን፡ ብደገን፡ ብሥጋን በነፍስን ቅድስቲ ብሙዃና እግዚኣብሔር ንብሕሪ ወዱ መሕደሪት ክትከውን መሪጽዋ። ሰማይን ምድርን ዘይጸውርዎ ኣምላኽ፡  ኣብኣ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ  ደረት ተወሰነ። እዚ ኹሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቀዲሙ ብኣምላኽነቱ ዘዳለዎ ምስጢራዊ ጥበቡ  እዩ። እዚ ኣደናቂ ንጽሕናን ቅድስናን ቅድስቲ ማርያም ካብ ኣዳም ጀሚሮም ኣና ኣመስገንዋን፡ እና ኣድነቅዋን ኣለዉ። ካብዝ ብምቅጻል ካብ ቅዱሳን ኣቦው ዝብልዎ ብምድህሳስ ጽሑፍና ክንዛዝም።

 

 

ንፅሕና ቅድስቲ ድንግል ማትያም ብልሳን ኣቦው

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ንጹሕትን ዘይተተንከፈት ድንግል . . . . ኦ ዝኸበርክን ዝተደነቕክን ድንግል ንስኺ ብሓቂ ካብ ማንም ናይ ካልእ ዕብይት ዝበለጽኪ ኢኺ። ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ምስ ዝኾንኪ ምሳኺ ብማዕርነት ዝወዳደር መን ኢዩ፧ ኦ ድንግል ካብ ኩሉ ፍጥረታት ንዓኺ ምስ መን ክንጻጽረኪ ኢየ? ኦ ብቃል ኪዳን ልዕሊ ኩሉ ዝኾንኪ ኣብ ክንዲ ወርቂ ንጽሕና ዝተጎናጸፍኪ ንስኺ ሓቅኛ መና ዝሓዘት ናይ ወርቂ መሶብ ኢኺ እዚ ውን መለኮት ዝተውሐዶ ስጋ ኢዩ (ቅዱስ ኣትናቴዎስ 295-375 ዓም)

ቅዱስ ቴዎዶጦስ

ኦ ሰላምታ ዝግበኣኪ ምልእተ ጸጋ ጎይታ ምሳኺ ኢዩ ንስኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝጸብቕኪ ኣዚኺ ዝተቐደስኪ ኢኺ እግዚኣብሔር ምሳኪ ኢዩ። ኦ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቅድስቲ ዝኾንኪ ክብርቲ ኦጎይታ ምሳኺ ዝኾነ ውዳሴ ዝተገብኣኪ ተወዳዳሪ የብልክን፡ ኦ ካብ ምጎስ ንላዕሊ ዝኾንኪ ኦ ኩሉ ዝመለኣልኪ እግዚኣብሔር ዘኽበረኪ ምስጋና ይግበኣኪ። ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ መለኮት ዝሓለወኪ ዝተንከባኸበኪ ሃብቲ ኢኺ፡ ኣባኺ ኣብ ውሽጢ ኃጢኣት ምጽናስ ወይ ኣብ ውሽጢ ኃጢኣት ምውላድ ብፍጹም ኣይእውጅን ኢየ። ኣብ ክንዲ`ዚ ናይ ሔዋን ሓዘን ንኽብቅዕ ዝገበሮ ደስታ ኣምጺአ ኣለኹ እምበር። ኣባኺ ናይ መከራ ጽንስን ወይ ሕማመ ወሊድ ኣይእውጅን,,,,,, ንጽሕት ድንግል ነውሪ ዘይብላ ብዘይነቐፋ ዝኾነት ማንም ዘይተንከፋ ሕጸጽ ዘይርከባ ብስጋን ብነፍስን ቅድስት ኣብ ማእከል እሾኽ ከም ዝበቖለት ዕምበባ ኢያ። ናይ ሔዋን ክፋኣት ዘይትፈልጥ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጠባይ ዘይተራእያ ቅድሚ ምጽናሳ ንፈጣሪ ዝተፈልየት ናይ ቤተ መቕደሰ ጋሻ(ዋልታ) ናይ ሕጊ ደቀ መዝሙር ዝኾነት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአት ናይ መለኮት ጸጋ ከም ክዳን ዝለበሰት` ቅዱስ ቴዎዶጦስ (303ዓም)።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይክኣሉ ፡  ዕብየታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ፧. . .ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎይታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዘቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰት መሕደሪኡ ኢያ (ቀዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)።

ቅዱስ ኤፍረም ሶርያዊ

ናይ ማርያም ኣካል(ሰውነት) ኣብ ልዕሊ ምድሪ መቕደስ ኢዩ። ኣብኡ ብኃጢኣት ብሞት ኣብ ክንዲ ናይ ምድሪ መርገም ናይ በረኽት ዘርኢ ዝተዘርኣላ ናይ እግዚኣብሔር መልእኽተኛ ብሰላምታኡ ነዚ ዘርኢ ክዘርእ እንከሎ ናይ ኤልሳቤጥ ሰላምታ ነዚ ኣረጋገጸ,,,,, ንስኻን ኣዴኻን ጥራይ ብማንም ዓይነት ነገር ንጹሓት ኢኹም። ኦ ጎይታ ኣባኻ ምንም ኣበር (ንቅዕ) የልቦን፡ ኣብ ውሽጢ ኣዴኻውን ማንም ምልክት የልቦን (ቅዱስ ኤፍሬም 306-373)።

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ

ካብ ጥንቱ ብመንፈስ ብሰጋን ብነፍሳን ንጽሕቲ ካብ ዝተገብረት ድንግል ተጸኒሱ ነበረ። ነዚ ህጻን ኣብ ማህጸና ብምሽካማ ካብ ዝተላዕል ክብሪ ዝተቐበለት ኢያ (ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ)።

ቅዱስ ኣምብሮስ ዘሚላን

ብሓቂ ንሳ ጥራይ ማንም ክረኽቦ ዘይከኣለ ፀጋ ስለ ዝረኸበት ምልእተ ፀጋ ትበሃል። ማርያም ድንግል ዘይረኸሰት ጥራይ ዘይኮነት ክብራ ፈጺሙ ዘይጥሓስን ካብ ማንም ዓይነት ኃጢኣት ዝነጽሐትን ኢያ.....ካብ ኣደ ኣምላኽ ዝበልጽ እንታይ ዓብይ ነገር ኣሎ፧ በቲ ክቡረ ባዕሉ ካብ ምምራጽ ዝዓቢ እነታይ ዓብይ ነገር ክህሉ ይኽእል፧ ብድንግልና ካብ ዝጸነሰት ካብኣ ንላዕሊ እንታይ ንጽሕና ኣሎ፧ (ቅዱስ ኣምብሮስ) 330-397)።

 

ቅዱስ ጂሮም

ካብ ጉንዲ እሴይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ ኢዩ፡ ሓደ ጨንፈር ውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ ኢዩ። እታ በትሪ ኣደ ጎይታ ንጽሕት ፈጺማ ዘይረኸሰት ብዘይ ጾታዊ ርክብ ንበይና ከም እግዚኣብሔር ኣብ ፍረ ዝፈረየት (ንሱ ብዘይ ኣደ ከም ዝወለድ ንሳ ድማ ብዘይ ኣቦ ከም ዝወለደቶ)…ኣብ ቅድሚ ዝተባረኸት ማርያም ኣዝዩ ዓብይ ዝኾን ንጽሕናኣ ኣደ ጎይታ ንኽትከውን ገበራ…፣ ንጽሕናኣ ኣዝዩ ዓብይ ነበረ ብምኻኑ ድማ ኣደ ጎይታ ንምኻን ተሓጽየት ካልኦት ብርግጽ ካብታ ኣደ ጎይታ ዝኾነት ድንግል ማርያም ብቕድስናኦም ማዕር ኽንደይ ኣዝዮም ይንእሱ ይኾኑ (ቅዱስ ጂሮም 347-420)።

ቅዱስ ቄርሎስ

ሰላምታ ዝተገብኣኪ ማርያም ናይ ኣምላኽ ኣደ ድንግልን ኣደን ብርሃን ዝተሰከምኪ ዘይተበዝበዘት ንዋይ (ልሕኲት) ሰላምታ ዝተገባኪ ማርያም ካብ ዓለም ምሉእ ኣዚኺ ከብርቲ ፍጥረት ንስኺ ኢኺ፤ ሰላምታ ዝግባኪ ማርያም ንጽህት ርግቢት ዘይትውዳእ ዘይትጥፍእ ፋና ካባኺ ወን ናይ ጸሓይ ጸደቂ ዝተወለደ….እነሆ ብፍጹም መንፈሳዊ ቅንኣት ብኣደ ኣምላኽ ድንግልን ኣደን ብዝኾነት ማርያም ተጋቢዞም ዝተኣክቡ ናይ ቅዱሳን ጉባኤ እርኢ ኣለኹ,,,,, ንሕና ውን ሰላም ንብለኪ፡ኦ ኣደ እግዚኣብሔር ዝኾንኪ ማርያም ዝተኸበርኪ ናይ መላእ ዓለም ቅርሲ ዘይትጠፍኢ ፋና ናይ ድንግልና ዘውዲ ናይታ ቅንዕቲ እምነት (ኦርቶዶክስ)ምርኩስ በትሪ ዘይትፈርሲ መቐደስ ነቲ ማንም ክሕዞ ክሽከሞ ዘይክእል ንዕኡ ዝሓዝኪ ኢኺ (ቅዱስ ቄርሎስ 376-444)።

ኣባ ጊዮርጊስ ዝጋስጫ

አኮ ብዙሃን መናፍስት ዘይቀድሃ ብዙሃት ሃብታተ እግዚኣብሔረ ወመክፈልተ ስናያት ኣላ እም ኣሕዱ መንፈስ ውእቱኬ ጰራቀሊጦስ ዝዓቀባ ለድንግል እም ከርሰ እማ ከመ ኢትጌጊ ለዓለም ኣንጽሓ ከመ ኢትርሳሕ ቀደሳ ከሙ ኢትርኮስ ወረሰያ ታቦተ ለወልድ ዋሕድ አብ ሰምራ ወልድ ተሰገው እምኔሃ ወመንፈስ ቅዱስ ከለላ ፣ብዙሓት ዝኾኑ ናይ እግዚኣብሔር ሃብተታትን ጽቡቓት ትዕድልትታትን ካብ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ድኣ እምበር ካብ ብዙሓት ምናፍስቲ ኣይኮኑን ዝቕድሑ ኣይኮኑነ፣ ንሱ ውን ንዘልዓለም ንኽይትብድል ካብ ማህጸን ኣዲኣ ጅሚሩ ድንግል ማርያም ዝዓቀባ ጴራቅሊጦስ ኢዩ። ንኸይትረስሕ ኣንጽሓ ንኸይትረክስ ቀደሳ ንሓደ ወዲ እግዚኣብሔር መሕደሪ ገበራ ኣብ ፈተዋ ወልድ ክብኣ ሰጋን ነፍስን ወሰደ መንፈስ ቅዱስ ጋረዳ (ኣባ ጊዮርጊስ ዝጋስጫ 1336-1417)

ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ

ናይ መንፈስ ቅዱስ እንዚራ ዝተባህለ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ውን ካብ መርገመ ሥጋ ካብ መርገመ ነፍሲ ዝተፈልየት ምልእተ ጸጋ ከም ዝኾነት ክትንትን እንከሎ (.............እዚ ኣብኣ ዝተፈጸመ ነገራት ብርተዐ ስለ ዝሃበኒ ብዛዕባ እቲ ዘይሓልፍ ጽባቔኣ (ውህበታ) ነዞም ነገራት እዚኦም ክዛረብ ክኢለ ኣለኹ። ንሳ ንወዲ እግዚኣብሔር ኣዲኡ ብምዃና ምኽንያት ኣብዚ ምድሪ ፍጽምቲ ዝኾነት እንኮ ሰበይቲ ንሳ ከም ዘዝኾነት ርእየ ብምልኣት ኣሚነ ኣለኹ። ነቲ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ፈልያ ካብ ዝፈለጠትሉ ጊዜ ጀሚሩ ንሳ ብንጽሕና ልብን ብሓቀኛ ሓሳብን ጸኒዓ ቆይማ ኢያ። ኣብ ውሽጢ ሕጊ ካብ ዘሎ ጽድቂ ውን ገጻ ኣይመለሰትን። ምድራውን ሥጋውን ነገር ብምድላይ (ብምምናይ) ውን ኣይተሰናኸለትን። ካብ ሕጻንነታ ጀሚሮም ናይ ቅድስና ባህርያት ኣብ ውሽጣ ነበሩ። እናዓበየት ኣብ ዝኸደትሉ ውን ነዚኣቶም ብጥንቃቐ ኣጥቢቓ ኣብዝሓቶም። ኣምላኻ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታ ነበረ። ብኡኡ ንኽበርሃላን ብኡኡ ደስ ንኽብላን ኣዒንታ ካብኡ ኣይኣለየትን። ንሱ ውን ንጽሕናኣን ናይ ነፍሳ ንጽሕናን ስለ ዝረኣየ ዋላ ሓንቲ ክፍኣት (ክፉእ ነገር) ስለ ዘይነበራ ኣብኣ ንኽሓድር ፈተወ። ከምኣ ዝኣመሰለት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእያ ስለ ዘይትፈልጥ ልዕሊ ኵሉ ስራሕ ዝኾነ ዓብን ኣደናቕን ዝኾነ ስራሕ ኣብኣ ተስርሐ። ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ ሓንቲ ጐርዞ ተደልየት፡ ካብ ኵለን ንላዕሊ ዝጸበቐት ብምዃና ተመረጸት፡ ቅዱስ ኣብ ንወዱ መሕደሪ እትኸውን ከዳልወሉ ደለየ፡ እንተኾነ ግን ንሱ ስለ ዝመረጻ ጥራይ ኣዲኡ ንኽትከውን ኣይፈቐደን፡ ብውሽጣን ብዙርያኣን ብዝተሰወረ (ውበት) ጽባቐ ዝተመልአት ጐርዞ ከምኡ ውን ኣብኣ ንዝተኸሰቲ ምሥጢራት ንኽትርኢ ዘኽኣላ ናይ ልቢ ንጽሕና ዝነበራ ሓንቲ ጐርዞ ፈትያን ፈቒዳን ጽባቐ ክህልዋ እንከሎ እዚ ኢዩ ሓቀኛ መልክዕ፡ ፍጹምነታ ብፍቓዳ ኮይኑ ናይ ሓደ ካብ እግዚአብሔር ዝኾነ ነገር ጽባቐ ማዕረ ክንደይ ዝኣክል ዓቢ እኳ እንተኾነ፡ ነጻ ዝኾነ ውልቃዊ ፍቓድ ኣብ ውሽጡ እንተዘየለ ምስጉንነት የብሉን። ፀሓይ ጽብቕቲ እኳ እንተኾነት ዝርእይዋ ግን ኣየመስግንዋን ኢዮም፡ ምኽንያቱ ብርሃን እትህብ ፈትያ ፈቒዳ ከም ዘይኮነት ስለ ዝፍለት ኢዩ። ብገዛእ ፍቓዱን ብድሌቱን ጽቡቕ ዝኮነን ጽባቐ ዘለዎን ኵሉ ብሓቂ ጽቡቕ ክሳብ ዝኾነ ካብዚ ዝተላዕለ ጥራኢ ንሱ ብሓቂ ምስጉን ኢዩ። እግዚአብሔር ዝፈትዎ ጽባቐ ብገዛእ ፍቓድካ ዝኾነ ጽባቐ ኢዩ።.እነሆ ታሪኻ እንዛረበላ ዘለና ድንግል ሠናይ ፍቓድ ስለ ዝነበራ ደስ እተብልን ዘዝተመርጸትን ኮነት። ሰብ ካብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንሱ ሰብ ኮይኑ መጽአ፡ ደስ ተብል ስለ ዝነበረት ካብኣ ንኽመጽእ ንዓኣ መረጻ፡ ናቱ ግርማ ካብ ኵሎም አእቶም ካብ ሰብ ዝውለዱ ዓቢ ስለ ዝኾነ ኣዲኡ ናኢ ዝኾነት ናይ ማርያም መልክዕ ኣዝዩ ዝተወደሰ ይኸውን። ደስ እተብልን ንዕኡ ምርጽቲ ዝኾነት ካብ ትሕትናኣ ካብ ንጽሕናኣ ካብ ቅንዕናኣን ሠናይ ፍቓዳን ዝተላዕለ ኢዩ። ካብኣ ንላእሊ ደስ ዘበለቶ ካልእ እንተትኸውን ኔራ ንካልእ ምመረጸ ኔሩ፡ ንሱ ቅኑዕ ፈራድን ትኽክለኛን ስለ ዝኾነ ኣምላክ ግለ ሰባት ፈልዩ ኣየኽብርን። (2ዜና 19፡7 ግ’ሐ 10፡34) ሓንቲ እንከን ወይ ጕድለት ኣብ ነፍሳ ተረኺቡ እንተ ዘዝኸውን ኔሩ ካልእ እንከን ዘይብላ ኣደ ንዕኡ ምደለየ ኔሩ። እዚ ካብ ኵሉ መልክዕ ዝዓበየ መልክዕ ብሠናይ ፍቓዳ ጥራይ ዝረኸበቶ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ኵሉ ግርምትን ክብርትን ብዝኾነት ብኣኣ ክድነቕ ናይ ግድን ኢዩ። ኣምላኽ ውን ኣዲኡ ንኽትከውን ንኽመርጻ ዝገበሮ ንሳ ኣዝያ ደስ እተብል ስለ ዝነበረት ኢዩ። ንተፈጥሮ ብዝተዋህቦ መልክዕ መጠን ልክዕ ንሳ ደስ እተብል ነበረት፡ እንተ ኾነ ግን ነዚ ደረጃ ዝበቕዐት ብፍቓዳ ጥራይ ኣይነበረን፡ ንሳ ንሰብ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ገበረት ኣምላኽ ካብኣ ምውጽኡ ምውላዱ ግን ናታ ሥራሕ ኣነበረን፡ ንሳ ብቕንዕናኣ ናብ ኣምላኽ ብዝተጸግዐት መጠን፡ ካብ ድሌት ነፍሳ ዝተላዕላ ንሱ ድማ ብምሕረቱ ናብኣ ተጸግዐ፡ እንተኾነ ግን ኣምላኽ ሥጋ ለቢሱ ካብኣ ምውላዱ እዚ ናቱ ጸጋ (ምሕረት) ኢዩ። ከምዚ ምሕረቱ ንዝበዝሐ ምስጋና ይብጽሓዮ። ናይ እመቤትና ማርያም መልክዕ ካብ መጠን ዝሓለፈ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብኣ እትበልጽ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣይተረኽበትን። ብድሕሪ’ዚ ንዕኡ ዝግባእ ንኣምላኽ ንሃብ ጸጋኡ ብዘይ መጠን ኣብ ፍጥረታቱ ስለ ዘዝነበ ኵሎም ዘመናት ንዕኡ ዘይበቕዑ ብሉየ መዋዕል ዝኾነ ወልድ ንዕኡ ንፍለጦ፡ ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ እንከን ዘይተረኽበላ እመቤትና ማርያም ዘንጽሀ(ያበጃትን) ንረድኣዮ።

ጸጋን በረኸትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን።

ስብሃት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን

ብሥራተ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ 

ሎሚ፡ ማዕበል ምስግና  ቅዱሳን መላእኽት  ብፍስሃ ዝዘመሩሉ ዕለት እዩ። ብርሃን ናይ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቶም ዝኣመንዎ  ዝበርሃሉ  መዓልቲ እዩ። ሎሚ፡ ፍስሃ ኣባና ዝውሓዘሉ፡ ሓቀኛ ጻሓይ ቅድስና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹር ብርሃን ኣብዙርያና ዝተኾለዓሉ፡ኣእሙሮ ኣሙናቱ ዘብርሃሉን እዩ። ሎሚ፡ ኣዳም ሓድሽ ዝኾነሉ፡ ብመዝሙር መላእኽቲ ተዓጂቡ ናብ ገነት ዝወስዶ ምንገብገብ ዝተዋህበሉ እዩ። ሎሚ፡ መንፈስ ቅዱስ ብደቂ ስብ ዝተፈልጠሉ፡  ዙርያ ዓለም ብሓጎስ ዝመልኣሉ ዕለት እዩ።  ሎሚ ኣእምሮ ክሕልኖ ዘይክእል፡ ተኣምራት ጸጋ እግዚኣብሔርን፡ ተስፋ እቲ ዘይርአን  ዝበርሃሉ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ንዘመናት ተኸዊሉ ዝነበረ ምስጢር ዝተገልጸሉ እዩ። ሎሚ ጸሎት ብዘይበርስ ቅድስና ዝተኣልመሉ እዩ።  ሎሚ እግዚኣብሔር ነቶም ሓጎሶም ንዕኡ ኣብ ምስማዕ ዝኾነ፡ ብባዓለቱ ዝድሰቱ፡ ነቶም ኣፍቀርቲ ጽኑዕ እምነት፡ ጽውዓቱን ወረስቱን ክኾኑ ዝዕድሙ(ዝጽዕቱ)፡ ኣብ ቅዱሳን ኣራእሶም ዘውዲ ክደፍኣሎም ፍቃዱ ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ከምኡውን መንግስተ ኣምላኽ ነቶም ሕልንኦም ኣብ ሰማያት ዝገብሩ ምስ ስመያዊ(መለኮታዊ) ኣገልግሎት መላእኽቲ ንኽሓብሩ እተዳለወትሉ ዕለት እዩ። ሎሚ፡ እቲ “ ሰማያት ይተሓጎሱ፡ ምድሪውን ባህ ይበላ፡ ባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዕልል ይበል። መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፡ ኵላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዕልል ኪብሉ እዮም። ከመይ እግዚኣብሔር ኪመጽእ እዩ “ (መዝ96፡11-13) ዝብል ቃል ልበኣምላኽ ዳዊት ተፈጸመ። ልበኣምላኽ ዳዊት ኣእዋም እናበለ ጠቂስዎም፡  ናይ ጎይታ ጸራጊ መንገዲ ቅዱስ የውሃንስ እውን “ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ” ወይ ድማ ንምምጻእ ጎይታ ዝበቅዕ እና በለ ጢቂስዎም ኣሎ ። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝኣምንዎ ዘየቋርጽ ደስታ ከምዝህቦም ቃል ኣቲሎም እዩ። ከምዚ እና በለ “ ከም ብሓድሽ ስለ ዝርእየኩም ልብኹም ክሕጎስ እዩ፡ ንሓጎስኩም ድማ ኻባኹም ዚወስዶ ሓደ እኳ የልቦን”(የው16፡22)። ሎሚ ኣደናቅን ዘይግለጽን ሰማያዊ ነቶም ተስፍኦም ከም ማሕተም ኣብ ክርስቶስ እንገብር ክርስትያን ብጋህዲ ተኣዊጁ።ሎሚ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ባህ ዘብል ብስራት ሒዙ ናብ ንጽሕቲ ቅድስት ማርያም ከምዚ እና በለ መጽአ “ሰላም ንዓኺ ኦ ምልእተ ጸጋ!”(ሉቃ1፡28) ንሳ ድማ ብልባ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይኮን ይኸውን እና በለት ሓሰበት”። ቅዱስ ገብርኤል ድማ ብፍጥነት “ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ኣይትፍርሒ ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ” እና በለ ቀጸለ “እንሆ  ክትጠንሲ፡ ወድውን ክትወልዲ፡ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓቢይ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዕልውን ኪብሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘልዓለም ኪነግሥ እዩ። መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን።” ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ድንግል እየ እዚ ነገርዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል በለቶ። ጌና ድንግል ክኸውን ይኽእል፧ ክብሪ ድንግልናይ ካባይ ክጠፍእ ኣይክእልን፧ ኢላ እናሓሰበት ከላ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቅድሚኣ ቆይሙ መልእኽቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ጸሙቁ ኣቅረቦ፡” መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክሓድር ኺወርድ እዩ፡ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡”

           እዚ ነገር እንታይ ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ፧ ጸጋ እግዚኣብሔር ንንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩሎም ወሎዶ መሪጽዋ። ብሓቂ፡ ኣብ ኩሉ ነገር ጥንቅቅቲ ብምዃን ርእሳ ኣርእያ እያ።  ኣብ ዘርኢ(ትውልዲ) ወድሰብ ከምኣ ዝተወልደት ሰበይቲ የልቦን። ከምታ ቀዳመይቲ ሕይዋን ኣይኮነትን። ሕይዋን ኣብ ገነት ብሓሳን ኣልቦ ኣእምሮ (ባዶ ኣእምሮ)፡ ብዘይጥንቃቀ (ምስትውዓል) ናብ ቃላት ተመን፡ ናብቲ ሱር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ትሰምዕ ነበረት፡ በዚ ድማ ሓሳባት ኣእምሩኣ ኃጢኣት ኮነ።  ብመንገዳ እቲ መስሓቲ መርዙ ሞት ብምሕዋስ  ናብ ሙሉእ ዓለም ኣምጽአ።  ናይዚ ውጽኢት ድማ መከራ ናይ  ቅዱሳን በዝሐ። ብድንግል ማርያም ግና ወድቀት ሕይዋን ተፈወሰ።

          እዛ ቅድስቲ  ነዚ መልእኽቲ ዝለኣኾ መን ምዃኑ፡ እንታይ ዓይነት ውሕብቶ ምዃኑን፡ መንነት እቲ ዝላኣኸን ክሳብ እትፈልጥ፡ ነቲ ውሕብቶ ክትቅበሎ ድልውቲ ኣይነበረትን። ነዚ ሓሳብት ኣብ ልባ እና መላለሰት፡ ከምዚ ኽትብል ንመልኣኽ ሓተተቶ “ እዚ በረኸት ብኸምዚ ዓይነት ጥበብ ካብይ ኣምጺእካዮ፧  ካበየናይ ፍሉይ(ሃብቲ) መኽዘን እዩ እዚ ናይ ሉል ቃላት ናባና መጺኡ፧  ተልእኾ እዚ ውሕብቶ ኣባና እንታይ እዩ፧ ካብ ሰማያት ድኻ መጽኢካ፡ ኣብ ምድሪ ግና ትኸይድ! ናይ ሰብ ምስሊ ኣሎካ ግና ኽብሪ ዝመልኦ ብርሃን ተንጸባርቅ።” እታ ቅድስቲ ነዞም ነገራት መስገዛእ ርእሳ እና ኣስተንተነት፡ ሊቀ መላእኽቲ ከምዚ እና በለ ነቲ ግድል ፈትሖ “ መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፡ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡ ስለዚ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። ኣይትፍርሒ ማርያም። ኣነ ክፍርሓይኪ ናይ ፍርሒ ሓይሊ ሒዘ ዘይኮንኩስ፡ ፍርሒ ከርሕቅ እየ መጽአ። ኣይትፍርሒ ድንግል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ረኺብኪ ኢኺ።  ብናይተፈጥሮ ስርዓተ ጸጋ እግዝኣብሔር ኣይሕተትን እዩ። ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ትሕቲ ባህርያዊ ሕጊ ክሓልፍ ስለዘይግባእ። ኦ ድንግል! ካብ ኣቦታት፡ ካብ ነብያት ትሓቢኡ ዝነበረ ትፈልጢ ኢኺ። ኦ ድንግል! ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ካብ መላኣኽቲ ተኸዊሉ ዝነበረ ተስተውዕልዮ ኢኺ። ኦ ንጽህተ ንጹሓን፡ ማሕበር እቶም ንቑሓት ሰባት እውን ንዕኡ ብቑዓት ኮይኖም ክምዘይተረኸቡ ሰሚዕኪ ኣሎኺ። ሙሴ፡ ዳዊት፡ ኢሳይያስ፡ ዳኒኤል፡ ኩሎም ነብያት ብዛዕብኡ ተነብዮም እዮም ግና ምጽኣቱ ኣይፈለጥዎን። ኦ ንጽህቲ ድንግል! ሕጂ ግና ንስኺ ጥራይ  ንዘመናት ካብ ምፍላጥ (ምግላጽ) ተታሒዞም ዝነበሩ ውህብቶታ ተቀባሊት ኮንኪ ኣሎኺ። ምንጮምውን ትፈልጥዮ ኢኺ። መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ኩሉ ነገር ድሉው ኮይኑ ተኣዚዙ። መለኮታዊ ጸጋ ኣብ ዘለዎ ኩሉ ነገር ብእግዚኣብሔር ይክኣል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፡ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡ ስለዚ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።” 

          ወዲ ኣምላኽ እንተኾይኑ ኣምላኽ እዩ፡ ማዕረ ምስ ኣቦ፡ ንዘልኣለም ብዘይምፍልላይ። ኣቦ ብመንገዲ ወዱ ተገልጸ። ወዱ ናይ ኣቦ መልክዕ እዩ፡ ናይ ኣቦ ናጸብራቅ(ወልድ) ድማ ክብሩ(ናይ ኣቦ) ተኾልዐ። ከምቲ ካብ ዘየቋርጽ ዒላ ውሓዚ ማይ ዝውሕዝ ከምኡ ድማ ካብቲ ንዘልዓለም ዝውሕዝን ንዘልዓለም ዝነብርን ዒላ ብርሃን፡ ዘለዓለማውን ሓቐኛን፡ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ብርሃን ወጽአ።  ከምዚ እናበሉ ነብያት ዝተነበይሉ፡ “ ወሓይዙ፡ ንኸተማ ኣምላኽ፡ ነታ ቕድስቲ ቦታ፡ ማኅደር እቲ ልዑል የሕጉሳ”(መዝ46፡4)። ንሓንቲ ኸተማ ጥራይ ኣይኮነን ንኹለን ከተማታት እውን እምበር። ከምቲ ነታ ሓንቲኸተማ ዝሐጎሳ ከምኡ ድማ ንምሉእ ዓለም።

           ልዕሊ ኹሉ ንዝኮነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ መልኣኽ ብዝግባእ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” በላ። ምልኣት ማዕኸን ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብኣ ኣሎ።  ካብ ኩሎም ወሎዶታት ኣዳም ንሳ ጥራይ ንበይና ንጽሕቲ ብስጋ ፡ ንጽሕቲ ብሕልና ኾይና ልዕል ኢላ ተረኽበት።  ንሳ ጥራይ በይና ነቲ ኹሉ ብቃሉ ዝጸውር ጾረቶ። እብልዕሊ እዛ ቅድስቲ ዘሎና ኣድናቆት ብቅድስና ሥግኣ ጥራይ ዘይኮነስ ብንጽሕና ነፍሲ ዝተፈጥረት ምዃና እዩ (Innate virtue of her soul) ።  ስለዝኾነ መልኣኽ ኣቀዲሙ ሰላምታ ኣቅረበላ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ፡ ምድራዊ ብዓለ ሓደር ምሳኺ ኣይከውንን።” ንሱ ባዕሉ፡ ጐያታ ቅድስና፡ ኣቦ ንጽሕና፡ ርእሲ ዘለዓለማውነት፡ ጎይታ ድሕነት፡ ኣኽባርን ወሃብን ሓቀኛ ሰላም፡ ካብ ድንግል መሬት ኣዳም ዝሰርሔ፡ ካብ ጎኒ ሰብኣይ ሕይዋን ዝቀረጸ፡ ንሱ ምሳኺ እዩ። እዚ ጐይታ ምሳኺ እዩ፡ ካባኺውን እዩ።

          እምብኣረከስ ንዑ ዝተፈተኹም ኣሕዋት ናይ ቅዱስ መልኣኽ መዝሙር ወሲድና፡ በቲ ዝላዓለ ዓቅምና ደጊምና ከምዚ እናበልና ንዘምር ““ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ”  ከምቲ ንሱ ዝፈልጦ  ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ክሓድር መሪጹኪ ምርኣይ፡ ጐይታ ክብሪ ምስ ስርሓት ኢዱ ክሓድር፡ ብሓቂ ቅድሰቲ ይግብኣኪ እዩ። እቲ“ካብ ደቂ ሰብ ዝጽብቕ”(መዝ45፡2) ምስታ ምልክዕቲ ድንግል። እቲ ንኹሉ ዝቅድስ ምስታ እፍቲ ዘይብላ። እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ከምኡውን ምልኣት ኣማላኽነት ዘለዎ ብፍጹም ሰብኣውነቱ ምሳኺ እዩ። ዒላ ብርሃን፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዘብርህ፡ ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። መውጺኢ ሓቀኛ ጽሓይ፡ ዘይተበከለት ዕንባባ ሕይወት፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። ጽዋዕ ጥዑም ጨና፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ ።  ንዝኸብሩዋ እተሕጉስ ወትሩ እተጉላዕልዕ ውይኒ፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። ብዙሕ ፍረ እተፍሪ ዘይተሓረሰት ግራት፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። ልክዕ እዩ፡ በቲ ናትና መንገዲ ይኹን ብግዜ ክቁጸር ከሎ ባህርያዊ ሕጊ እኳ እንተኾነ[1]፡ ጌና ግና ልዕሊ ባህርያዊ ወይ ድማ ኪኖ ባህርያዊ ሕጊ እዩ። ምኽንያቱ በቲ መንፈስ ቅዱስ ንቅድስቲ ድንግል ንኽጠንስ ዝሃባ ሓይሊ ቃል ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ኣባኺ መሕደሪኡ ብምግባር ኣብ ቅዱስ ማሕጸንኪ ንሓድሽ ኣዳም ቀረጾ።  ሓቀኛ ሥጋኡ ካብ ኣካል ቅድስት ድንግል ዝወሰዶ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሉል(ዕንቝ) ካብ ክልተ ባህርያት ዝመጽእ፡ ማለት ካብ ብርሃንን፡ማይን። ከምኡ ድማ  ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይምልዋጥ ብዘይ ምሕዋስ ካብ ንጽህቲ፡ ጽርይቲ፡ ኣበር ኣልቦ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ተወልደ።  ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ብኹሉ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ማዕረ፡ ካብ ኃጥኣት ወጻኢ ብኹሉ ንዓና መሰለ።

          ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት፡ ነብያት ክርእይዎ ደለዩ፡ ቀዳሞት መሰኻኽር ክርስቶስ ክኾኑ ተመነዩ ግና ዕድል ኣይረኸቡን። ገሊኦም ብራኢ ብኣምሳል ብዝደብዘዘ ተገልጸሎም። ገሊኦም እውን ብደመና ድምፂ እግዚኣብሔር ክሰምዑ ዕድል ረኽቡ ከምኡውን ናይ ቕዱሳን መላእኽቲ ኣዒንቲ ተዓዲሎም። ንቅድስቲ ድንግል ማሪያም፡ እታ በይነ ንጽህቲ(ጽርይቲ) ድንግል ዝኾነት ግና ሊቐ መላእኽቲ ቅዱስ ገብሪኤል ብኣካል፡ ብነጸብራቃዊ ብርሃን መጺኡ “ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ!” እና በለ ኣብሠራ። ስለዚ ነቲ ቃል ምስተቀበለት፡ ከምቲ ስርዓት ኣካል ናይ ጥንሲ ግዜ ምስ መልአ፡ ዋጋ ኣልቦ ሉል(ዕንቝ) ኣምጽአትልና።

          ንስኻትኩም፡ ዝተፈተኹም ክቡራት፡ በቲ ዝተመሃርናዮ ዘነቃቅሕ  መዝሙር ዳዊት ጌርና ዝጠዓመ ዜማ ንዑ ንዘምር፡ ከምዚ እንዳበልና “ ኦ  እግዚኣብሔር፡ እታ ምልክት ኃይልኻ ዝኾነት ታቦት ኪዳን ኂዝካ ናብ ቤት መቕደስ ምጻእ፡” መዝ(132፡8)። ብሓቂ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኩሉ ሃብቲ ቅዱስተ ቕዱሳን  ዘላዋ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠት ሓቀኛ ታቦት እያ። “ኦ እግዚኣብሔር ናብ ቦታ ዕረፍትኻ (ቤት መቕደስካ) ምጻእ” ካብ ሕቑፈ ኣቦኻ ተላዒልካ ነቲ ዝወደቐ ቀዳማይ ሰብ ክተልዕል ንዓ። ልበ ኣምላኽ ንጉሥ ዳዊ ኣብ ትንቢቱ፡ ነዞም ነገራት ኣቀዲሙ ብምስራዕ  ነቲ ካብኡ ዝወጽእ በትሪ፡ ጽቡቕ ፍረ ኽፈሪ ዝዓንበበ ዕንባባ “ጓለየ፡ ናብ ዝበለኪ ስምዒ፡ርኣዪውን፡ እዝንኺ ጽለዊ፡ ሕዝብኺን ቤት ኣቦኺን ረስዒ። ብመልክዕኪ ንጉሥ ኪፈትወኪ እዩ፡ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ” እና በለ ተነበየ። ጓለየ፡ ናብቶም ኣቕዲሞም ብዛዕባኺ ዝተተንበዩ ብዓይነ ልቦና ምእንታን ክትዕቅብዮም ስምዒ።  ናብቲ ኣነ ኣቀዲሜ ዝተነበኹልኪ ስምዒ፡ ከምኡውን ናብቲ ሊቐ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ዘበሠረኪ ፍጹም ምስጢር ስምዒ።

          ስለዚ ዝተፈተኹም፡ እስከ ንዑ ሕልናና ናብቲ ቅድሜና ዝተፈጸመ  ንምለሶ። ነቲ ካብ ሰርወ እሰይ ብዘደንቅ ዘወጸ በትሪ ነዕብዮ፡ ነብዕሎ፡ ብዓውታ ንባርኮ።  ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብቲ ብርሃን ዝኾነ ወንጌሉ፡ ነታ ሓቀኛ ስድራቤትን ቤት ዳዊትን እና ኣመልከተ ብዛዕባ ዮሴፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ከምዚ እናበለ መስከረ፡ “ዮሴፍ ” በለ ወንጌላዊ “ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ማርያም ሕጽይቱ ናብ ይሁዳ፡ ቤተ ልሔም ናብ እትብሃል ከተማ ዳዊት፡ ኪጽሓፍ ደየበ። በዅሪ ወዳ ወለደት በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ መኅደር ኣጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ”(ሉቃ2፡4-7)። እቲ ንብርሃን ከም ልብሲ ዝለብሶም ኣዲኡ በኣጭርቅቲ ጠቅለለቶ።  እቲ ንኹሉ ፍጠረት ዝፈጠረ በጨርቂ ጠቅለለቶ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝቕመጥ፡ ብእልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ ዝምስገን፡ ኣብ መብሊዕማል ኣደቀሰቶ፡ ነቶም ብናጻ ምርጭኦም ዕሽነት ዝመረጹ ደቅሰባት፡ ሓቀኛ ቅድስና ከምህሮም፡ ቃል እግዚኣብሔር፡ ኣብቲ ንልሳን ዘይብለን እንስሳ ዝተዳለወ መምልዒ ኣዕረፈ። ነቶም ከም ኣራዊት ምድሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ደቂ ኣዳም መንፈሳዊ መግቢ ክምግቦም፡ ሰማያዊ መግቢ ኣብ ክብቲ ዝበልዓሉ ዓረፈ። ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ንዕኡ ዝከውን ቦታ ኣይተረኽበን። እቲ ብቃሉ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ዘዕርፈሉ ቦታ ኣይረኸበን። ሃብታም እኳ እንተኾነ ንዓና ክብል ድኻ ኮነ። በቲ ኣብሊዕሌና ዘለዎ ፍቅሩ፡ ንኸድሕነና ክንድዚ ዝኣክል ውርደት መረጸ።  ብልሳን ፍጥረቱ ክግለጽ ዘይክኣል ምስጢሩ ኣብ ሰማይ ኣብ ሕቁፈ ኣብኡ ኣብ ብዓቲ ድማ ኣብ ሕቁፈ ኣድኡ ብምልኣትህሉው ዝኾነ፡ ኣብ መብልዒ ማል ኣዕረፈ። መላእኽቲ ከቢቦሞ ክብሪ ኣብሰማያት፡ ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ እናበሉ ኣመስገንዎ። ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣብኡ ዝተቀመጠ ኣብ መብልዒ ማል ድማ ከምቲ ኣብ ኪሩቤል ዝነበሮ ከምኡ ተቀመጠ። ብርግጽ ኣብኡውን  ሓቀኛ ኪሩቤል፡ መንበር ነይሩ እዩ። ናይ ክብሪ ዝፋኑ፡ ካብ ቅዱሳን ዝተቀደሰት፡ ኣብ ምድሪ ንበይና ዝኸበረት፡ ናይ ቅድስና ቅድስቲ፡ ኣምላክና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓረፈላ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም።

ክብሪ፡ልዕልና፡ስልጣን ንዕኡ፡ ምስ አብኡን፡ መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ኩልግዜን፡ ንትውልደ ትውልድ ኣሜን!!! 

 ብቅዱስ ጐርጎርዮስ ገባረ ተኣምር ኣብ በዓል ብሥራተ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣክ ዝሰበኮ ቀዳማይቲ ስብከት እያ። 

[1] በቲ ናትና መንገዲ ጥንሲ ባሕርያዊ እዩ፡ ከምኡ ውን ብግዜ ክቁጸርከሎ ማለት 9ወርሒ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ምኅዳሩ እውን ባህርያዊ ሕጊ እዩ።

 

 

በእንተ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!