mm_logo2.jpg

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ብእንተ ሥቅለት

ካብ ነገረ ክርስቶስ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ከብ ሰማይ ድማ ትሕት ኢሉ ንምንታይ ተሰቅለ᎒

“እምከመ ተለዐልኩ እምድር እስሕብ ኵሎ ኃቤየ (ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስበልኩ ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” ኢሉ ብንባሩ ንኽፍጽሞ እዩ(የሓ12፡32/፲፪፡፴፪))። ብተወሳኺ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ካብ ሰማይ ትሕት ኢሉ ብምስቃሉ “ኅሩይ ማእከለ እግዚኣብሔር ወሰብእ” ከምዝብሎ ኣብ መንጎሰ ኣምላኽን ሰብን ኮይኑ ዘተዓርቀና ሞንጎኛ ምኾኑ ንኽገልጽ እዩ።እዚ ማለት ፍጹም ኣምላኽ ከሎ ፍጹም ሰብ ብሙዃኑ ዘርኢ እዩ። ሳልሳይ ነጥቢ ምድሪ ብእግሩ እናተመላለሰ ከምዝቀደሳ ብናይ እንስሳታት ስብሒ ሽታ ዝሸተተ ኣይር ክቅድስ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ካብ ሰማይ ትሕት ኢሉ ተሰቅለ።

          ንፁሕ ባሕሪ ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይሁድ መስቀሉ ኣሸኪሞም ናብ ቀራንዮ ድሕሪ ምውሳዶም ክልተ ሸፋቱ (ፍያታውያን) ሓደ ብየማኑ እቲሓደ ድማ ብጸጋሙ ብምስቃል ንጐይታና ኣብ ማእከሎም ሰቀልዎ(ማቴ27፡38)። ትርጓሜ ወንገል ከምዝገልጾ ክፉኣት ኣይሁድ እዚ ዝገበሩ ብኽፍኣት እዩ ዝነበረ። ብየማን ንዝመጹ ሰባት ነቲ ብየማን ዝተሰቅለ ሰብ “እዚ እንተዋይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ፡ “ሽፍታ እዩ” ይብልዎም እሞ፡ ካብኡ ንጐይታና “እዚኸ እንታዋይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ “እዚኸ ካብኦም ዝተፈልየዶ ክኸውን ኮይኑ፡ ከምኡ እዩ እምበር” ኢሎም ንሰባት ከስሃት፡ ብጸጋም ንዝመጹ ሰባት፡ ነቲ ብጸጋም ዝተሰቅለ ሽፍታ ርእዮም  “እዚ እንተዋይ እዩ᎒” ኢሎም ምስ ሓተቱ “ሽፍታ እዩ”ይብልዎም፣ ብድሕሪኡ ንጐይታና “እዚ እንተዋይ እዩ፧” ኢሎም ምስ ዝሓቱ “እዚስ ካብኡ ዝተፈልየ ክኸውንዶ ኾይኑ᎒ከምኡ ሓደ እዩ እምበር” እናበሉ ሰባት ንኸስሕቱ ዝገበርዎ እዩ።

ብተወሳኺ “ኣንጊሥናካ” ብምባል ብየማንካ ብጸጋምካን ቀናጅማሽን ገርጅማሽን ሸምናልካ እናበሉ ንኸላግጹ እዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ 53፡12 “ምስ ዓመጸኛታት ተቆጽረ” ዝብል ጽሑፍ ብምህላዉ። ራብዓይ ምኽንያት ድማ ጻድቃንን ኃጥኣንን ብየማንን ብጸጋምን ክተቅሞም ኢኻ ዝብል እዩ (ማቴ25፡33፡ ራእI1፡7)።

እዚ ብድራሳነ ሕማሙ ከምዝገልጾ “ወሰቀልዎ ለእግዚእ ኢየሱስ ዲበ ዕፀ መስቀል እንዘ ገጹ መንገለ ምሥራቅ ወእዴሁ ዘየማን መንገለ ደቡብ ወእዴሁ ዘፀጋም መንገለ ሰሜን....” (ጎይታና ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ሰቀልዎ፡ ገጽ ናብ ምብረቅ የማናይ ኢዱ ናብ ደቡብ፡ ጸጋም ኢዱ ናብ ሰሜን ብምግባር ሰቀልዎ... ክልተ ሸፋቱ ሓደ ብየማን እቲ ሓደ ብጸጋም ብሙቛም ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብሞንግኦም ጌሮም ሰቀልዎ፡ ሕዝቢ ንሱ ከምኦም ሽፍታ ኢዩ ንክብሉ  ሰቀልዎ፡ ንሱ ግና ብፍታዉ ምስ ሸፋቱ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቅለ፡ ልዕላን መላክት ብፍርሓት ርእሶም ዘትሕትሉ ንሱ ግና ኣብ ቅድሚ ዝሰቅልዎ ርእሱ ኣትሓተ(ፊል2፡10፡ራኢ4፡10-11)።

ብክእለቱ ሰማይን ምድርን ዘጽንዐ፡ ካብ ግርምኡ ዝተላዕለ ሰማይን ምድርን ኣብ ቅድሚኡ ዘንቀጥቅጥሉ ድኹም ዕንጨቲ ተሸከም (ምሳ30፡4፡ ኢሰ42።5)፡ ምስ ኣብን ወልድን ገዛእ ርእሱን ንኽዓርቀና ካብ ሰማይ ትሕት ኢሉ ካብ ምድሪ ድማ ልዕል ኢሉ ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቅለ። ንሱ ስሌና ብሥግኡ ኣብ ዕንጨቲ መስቀል ተሰቅለ። ካብ ኃጢኣትና ከላቅቀና፡ ብምሕረቱ ከድሕነና ተሰቅለ(1ጴጥ2፡25)፡ ሰማያት ክቅድስ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣጋንንቲ ከውርዶም ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ተሰቅለ።ከምቲ ሙሴ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሐ ናይ ተመን ምስሊ ኣብ ባላ ኣብ ምድረ በዳ ከምዝሰቀሎ ከምኡ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቕለ። ብእኡ ዝኣመነ ኩሉ ክድኅን እምበር ንኸይኩነን ናይ ክብሪ ብዓልበት ክነሱ ስለና ኣብ ዕንጸይቲ መስቀል ተሰቅለ(ዮሓ3፡14-15)።

“ኦ አቦይ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም”

“ንጎይታ ፈሊጦም ኖይሮም እንተዝኾኑ ኣይምሰቀልዎን ነይሮም(1ቆረ2፡8)። ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጠፍኡ ክረክብ፥ ንዝተበተኑ ድማ ክእክብ ፥ነቶም ክልተ ዝነበሩ ሓደ ክገብር፥ ንመስፍን እዛ ዓለም ከሕፍር፥ ዕዳ ኃጥኣትና ክኸፍል፥ ነዝመቱ ሕይወት ክህብ፥ ቁኡስልና ክፍውስ ኣብ መስቀል ተሰቀለ። ነቶም እና ረአዩ ዝዓወሩ፥ “መስተውዓልቲ ኢና” ዝብሉ ብሰብ ዝተኸብሩ፥ ግና ሕልንኦም ዝተደፍነ፥ ብጽልእን ብህልኽን ዝዓወሩ፥ “ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ ኢና” እናበሉ፥ ኣገልገልቲ ድያብሎስ ዝኾኑ፥ ብጭካነ፥ ንጎይታ ዝሰቀሉ “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” እና በሉ ኣብ ጸልማት ደም ንጽሕ ባህሪ፥ ፈዋሲኦም፥ መድኃኒኦም፥ ፈጣሪኦም ዝሰቀሉ፥ በቲ ልክዕ ዘብሉ ፍቅሩ፥ ደረት ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ዘግለጽ ምሕረቱ፥ “ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” እና በለ ምስ ናይ ባሕሪ ኣብኡ ናይጸጋ ኣቦና ሞንጎኛ ብሙኻን ኣተዓረቆም። ንሳቶም ብጽልኢ ፈሪዶም ሰቀልዎ፥ ንሱ ድማ ኣብ ዕሽነቶም፥ ኣብ ብዝሒ ኃጥኣቶም፥ ፍቅሩ ብምብዛሕ ፍጹም ኣማናዊ መድኃኒት ኮነሎም። “ኀበ ሀለወት፥ ብዝኀት ኃጢኣት ብህየ ትበዝኅ፥ ጸጋ እግዚኣብሔር” (ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ) ፡ “ኣብቲ ኃጢኣት ዝበዝኆ ግና፥ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ”(ሮማ5:20)። ንሳቶም ብጭካነ ሰቀልዎ፥ሸንከርዎ ንሱግና ብፍቅሪ ዓይኑ ጠመቶም። እቲ ዝደንቅ “ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም” ምባሉ ጥራይ ኣይኮነን፥ እቲ ዝደንቅ ስለ ስምብራቱ ሽንካሩ፥ ስቅያቱ ንዝሓተትዎ “ኣብ ቤት እቶም ዘፍቁሩኒ ዝተወጋእክዎ፥ እዩ” እና በለ ምምላሱ እዩ(ዘካ13:6) ። ምኽንያቱ ብዕሽነቶም ንዓለም ዝፍውስ ኣመናዊ መድኀኒት ኣብ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ሰቀልዎ።  

 ሰማይ ዝስፋኑ ምድሪ መርገጺ እግሩ እንከሎ ስለና ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ተስቅለ(ኢሳ66፡1)። ንሱ ግና ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ደስታ ናይ መስቀል መከራ ብምንዓቅ ተቀበሎ፡ሕፍረትውን ንዓቃ፡ ንዝተሰቅለሉ ንዕኡ ዘይሰግድ እንተሎ ዝተፈልየን ዝተወገዘን ይኹን(ፊል2፡8-11 ዕብ12፡2) ንሱ ግና ስለ ድኅነት ዓለም ኣብ መኣዝን ምድሪ  ናብ ላዕሊ፡ናብ ታሕቲ፡ ናብ የማን፡ ናብ ጸጋም ከም መጋረጃ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቅለ። ንሕና ምስ ቅዱሳን ሓደ ንኽንከውን ንሱ ምስ በደለኛታት ተቆጽረ።

ተዘከረነ በውስተ መንግሥትከ

ኣብ መስቀል ክስቀል ከሎ ብየማኑ ዝተሰቅለ ጥጦስ ኣብ ጸጋሙ ዝተሰቅለ ድማ ዳክራስ ይብሃሉ። ኣብ የማኑ ዝተሰቅለ ጥጦስ ፀሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒ ድመ ክትከውን፡ ከዋኽብቲ ክረግፉ፡ ምድሪ ክትርተር፡መቃብራት ክኽፈቱ፡ ሙውታት ክትንሥኡ፡ ናይ ቤት መቅደስ መጋርጃ ናብ ክልተ ክትርተር ኮታ ሸውዓተ ተኣምራት ምስ ርኣየ ኣምላኻውነቱ ተረዲኡ፡ “ኣብ መንግስትኻ ዘክረኒ” እንዳበለ ናብኡ  ለመነ። ኣብ ጸጋም ዝነበረ ሽፍታ ሰሚዑ እና ኣላገጸ “ንስኻ ክርስቶስ እንተኾንካስ ርእስኻን ንዓናን ኣድህን” ክብል ጀመረ(ሉቃ23፡59)።  ሽዑ ብየማኑ ዝተሰቅለ ሽፍታ ጎይታ ንድኅነት ዓለም ዝተሰቅለ ሓቀኛ ኣምላኻውነት ባህሪኡ ስለ ዝተረድአ ነቲ ኣብ ጸጋም ጎይታ ዝነበረ ሽፍታ “ ኣንታ ኣብከምዚ ዓይነት ፍርዲ ከለኻ ኣምላኽ ኣይትፈርሕን፧ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዲና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፉእት እኳ ኣይገበረን ኢሉ ምስ ገሰጾ ኣበር ዘይርከቦ ዝተሰቅለ ንጹሕ ባህሪ ኣምላኹ፡ “ተዘከረኒ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ”(ኦ ጎይታ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከለኻ ዘክረኒ) እና በለ ምስ ለመኖ፡ ጎያታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ኣሎኻ” እና በለ ዝለመኖ ዘይኮነስ ኪኖ ልቡ ዝይሓስቦ ሕልንኡ ዘይሓሎኖ ተስፋ ሃቦ። ንሱ ዝሓተት ኣብ መውዳእዳ ዓለም ጎይታ ዓለም ክፈርዳ ኃጥኣን ብጸጋም ቅዱሳን ብየማን ከቅሞም ብክብሪ መንግሥቱ ከመጽእ ከሎ ክዝክሮ እዩ ዝንበረ፡ ጎይታ ድማ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሕጂ” ብምባል ኣብ ገነት ምስ ጎይታ ከምዝኸውን ገለጸሉ።

ኣብ ማእከል ክልተ ሸፋቱ ድሕሪ ምስቃሉ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ናዝራዊ ኢየሱስ  ዝብል ፅሕፈት ብዕብራይስጥ፡ ብግሪኽ ተጻሒፉ ኣብ መስቀሉ ኣንበርዎ(ዮሓ19፡18-21)፡ ናይ ኣይሁድ ሊቀ ካህናት ንጲላጦስ ንሱ ባዕሉ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ እየ እዩ ዝበለ እምበር ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ኢልካ ኣይትጽሓፍ በልዎ። ዝጻሓፍክዎ ጽሒፈዮ ኣለኹ ኢሉ መለሰሎም። ኣብ መጽሓፈ ሕማማት እዚ ብኸምዚ ተርጉምዎ ይርከብ “ወዝ መጽሓፈ ጌጋይ ዘጸሐፎ ጲላጦስ ወአንበሮ መልዕልተ ርእሱ ይደምስስ ለነ በኵሉ ጊዜ መጽሓፈ ዕዳነ ዘተጻሕፈ ኣጋንንት። ጲላጦስ ጽሒፉ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንበሮ  በደሉ ዝነግር እዚ መጽሓፍ ኩሉ ግዜ ኣጋንንቲ ዝጸሓፍዎ ናይ ዕዳና መጽሓፍ ከጥፍኣልና እዩ ብምባል ኣርቂቆም ገሊጸሞ ኣለዉ።   

ጎያታና ኣብ ዝሰቀልሉ ግዜ ብርሃን ዘልበሶም ናይ ኣምላኽ ዕርቃኑ ንምኽዳን ካብ ሰዓት ሽዱሽተ (ዓሰርተ ክልተ) ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ (ሰዓት ሰለስተ) ጽሓይን ወርሕን ብርሃኖም ኣይሃቡን (ማቴ27፡45)። እዚ ቅድሚ ምዃኑ ብነቢ ዓሞጽ ኣቀዲሙ ክልተ ግዜ ተነጊሩ ነይሩ እዩ፡ ከምዚ እናበለ፡

  • መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሔር ጸልማትን ብርሃን ዘይብላንዶ ኣይኮነን? ግብ ዝበለ ጸልማትን ምንጽብራቕ ብርሃን ዘየብላን ዶኸ ኣይኮነትን(ኣሞ5፡20)።
  • በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቀትሪ ኸሎ ንፀሓይ ከዕርባ፡ ድሙቕ መዓልቲ ኸሎውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተዛሪበ ኣሎኹ(ኣሞ8፡9)።

ልቃውንቲ ቤተክርስቲያን ስለ ናይጎይታናን መድኃኒናን ስቅለት ስለዝኾነ ኣደናቂ ትኣምር ከምዚ እናበሉ ገሊጾሞ ይርከቡ፡

  • ጎየ ፀሓይ ወጸልመ ወርኃ ወከዋክብትኒ ተኅብኡ ከመ ኢያብርሁ ለምእመናን በግዜ ስቅለቱ ቅዱስ እንዘ ፍጹም በገሃሁ ወርኅ ኢያብርሀ።

 (ፀሓይ ብርሃና ከልአት፡ወርሒ ፀልመተት፡ከዋኽብቲ ብዝኸበረ ስቅለቱ ንምእመናን ብርሃኖም ንኸየብርሁ ጸልመቱ። ወርሒ ምልእቲ ከላ ኣየብርሀትን። ፀሓይ ብርሃና ብዝኸልአት ግዜ ፍጡራት ኩሎም ብጸልማት ተታሕዙ። ፍጡራቱ ፈጣሪኦም ከም በደለኛን ሽፍታን ኣብ ዕንጨቲ መስቀል ተሰቂሉ ምስ ርኣዩ መዓልቲ ጸልመት።ቅዱስ መልኣኽ ክሓድያን ንምጥፋእ ሴይፉ መዚዙ ኣብዝተላዕለሉ ምሕረት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዓገቶ ናይ ቤት መቅደስ መጋረጃ ብሴይፉ  ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ክልተ ተርተሮ (ማቴ27፡51፡ Mኣር15፡38፡ ሉቃ23፡45)። ኩሎም መላእክት ኣብ ሰማያት ኮይኖም ግይትኦም ርእዮም ብሕብረት ምስተቆጥዑ ናይ አብ ምሕረቱ ናይ ወልድ ትዕግሥቱ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ለውሃቱ ከልከሎም። ፅሓይ ብርሃና ኣይሃበትን፡ ብጸልማት ተታሒዙ ዓለም ክተዕነኒ ገደፋ። እዚ ኹሉዝኾነ ቅድሚ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ነፍሱ ካብ ስግኡ ምፍላዩ እዩ(ቅዱስ ኣትናቴዎስ)።

  • እስመ ሶበ ተሰቅለ ክርስቶስ ጸልመ ሰማይ ኣሜሃ ወፀሓይኒ ሰወረ ብርሃኖ ወወርኅኒ ደመ ኮነ።

 ( ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለሉ ግዜ ሰማይ ፀልመተ፡ ፅሃይ ብርሃና ኣይሃበትን፡ ወርሒ ደም ኮነት፡ ምድሪ ተናወጸት፡ መቃብራት ተኸፍቱ። ስለዚ ፍጡራት ምስ ፈጣሪኦም ክሓሙ ተገብኦም(ማቴ27፡45-51፡ ቅዱስ ሱኑትዩ)።

  • ፀሓይ ጸልመ ወወርኅ ደመ ኮነ ወከዋክብት ወድቁ ፍጡነ ከመ ኢይርእዩ ዕርቃኖ ለዘአልበሶሙ ብርሃነ፡ (ናይ ጎይትኦም ዕርቃን ንኸይርእዩ ፅሓይ ጸልመተት፡ ወርሒ ደም ኮነት፡ ከዋክብቲ ብፍጥነት ወደቁ (ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ)።
  • ሊቁ ኣባ ጊዮርግስ ምስጢሩ ብምጥቅላል ብሕማማት ሰላምታ፡

ፀሓይ ብሩህ ኣሜሃ ግጼ ቀትር ጸልመ

ወወርኅኒ ጽዱል ተመሰለ ደመ

ትንቢት ከመ ቀደመ፡ ስብሐት ለከ።

 

(በቲ ግዜ እቲ ብርህቲ ዝኾነ ፅሓይ ጸልመተት፡ ምልእቲ ዝኾነት ወርሒ ደም መሰለት፡  ኣቀዲሙ ብትንቢት ከምዝተነግረ ኦ ጎይታ ምሥጋና ይግብኣካ)  እናበለ ካብ ናይ ነብያት ትንቢት ብምብጋስ ኣብ ሻዱሻይ(ሰዓት 12) ዝተኻየደ ምስጢር ብምብጋስ ንስዓቱ ዝተዳለወ  ምስጋና እና ኣልዓለ ምሂሩ።

 ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ናይ ክብሪ ብዓልቤት ሰማይ ዝፈጠረ እዩ እሞ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ትኣምራት ተፈጸሙ፡ ምድሪ ዝፈጠረ እዩ እሞ ኣርባዕተ ትኣምራት ኣብ ምድሪ ተፈጸሙ፡ ናይ ቤት መቅደስ መጋረጃ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ክልተ ተቀደደ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ተጨዱ፡ መቃብራት ተኸፍቱ፡ ካብ ሓሙሽተ ምኢቲ ንላዕሊ ምውታን ካብ ሞት ተንሥኡ(ማቴ27፡45፡ 27፡51-53)።

“እንሀ ወድኺ”....”እንሀት ኣዴኻ”
ሓደ ወዳ ኣብ ምሰቀል ተሰቂሉ፡ ኣካሉ ብደም ጨቂዩ እናረአየቶ፡ ኹሎም ክሃድሙ ብእምነት ቀራናዮ ዝተረኽበ እቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙሩ ምስ የውሃንስ ኮይና መሪር ልቅሶ ኣብ እተልቅሰሉ ዝነበረት ግዜ፥ንየውሃንስ ጎይታ ብጣዕሚ ይፈትዎ ብምንባሩ ኹሎም ክሃድሙ ከለዉ ስለዘይሃደመ፥ ጎይታ ነቲ ዘፍቅሮ የውሃንስ ፍቅሩ ካብ ህያባት ዝበለጸት ውህብቶ ቅድስቲ ድንግል ማርያም “እንሀት ኣዴኻ እናበለ ምስ ሃቦ ንኣዲኡ ድማ እንሀ ወዲኺ ብምባል ሓደራ ሃቦ።  

እዚ ናይ ሓደራ ቃል ንኽፍጸም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድሕሪ ጎይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ምስ ዓረገ ንዐሥርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ናይ ዮውሓንስ ቤት ተቀሚጣ እያ። ብእምነት (ሃይማኖት) ብምግባር ንቅዱስ ዮውሃንስ እንመንስሎ ኩልና ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ሓደራ ኣዴና ንሕና ድማ ናይ ሓደራ ደቃ ኾይና ወትሩ ኣብ ልብና ከቢራ ትነብር(ዮሓ19፡26-27፡ ራኢ12፡17 ፡መዝ87፡5-7)።

 ፀማእኩ

ድሕሪ እዚ ዝተነግረ ትንቢት ኹሉ ከምዝተፈጸመ ርእዩ ናይ ሕይወት ማይ ጎይታ ናይ ነፍስና ጽምኢ ከርሕቅ ብፍቃዱ “ጸማእኩ” በለ። ቅዱስ ዳዊት ኣቀዲሙ “ወወደዩ ሐሞተ ወስተ መብልዕየ ወአስተዩኒ ብሒአ ለጽምእየ” (ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፡ ምስ ጸማእኩውን መጺጽ ኣስተዩኒ)ዝበሎ ትንቢት ንኽፍጸም ድማ ኣይሁድ ነቲ ኣብኡ መጺጽ መልኡ ተቀሚጡ ዝነበረ ብሰፍነግ መሊኦም ኣብ ኣፉ ፀሞቅዎ።

ኣብ ሃገረ ኣይሁድ ሓሙሽተ ነገራት የምጽጹ፡ ናይ በለስ ናይ ስገም ሕንኩሮ፡ ኣዞከል፡ ሰፍነግ፡ ቬናገር። ኣብቲ ግዜ እቲ ምግቦም ቅጫ ጥራይ ብሙዃኑ፥ንኽብትነሎም (ከሕቅቀሎም)  ነዞም መጸጽቲ ነገራት የዳልዉ። እዚ ዝተነግረ ግና ፍጻሚኡ ንጎይታ ነበረ፡ ትንቢቱ ከምዝበጽሐ ንኸመልክት ብዕለተ ዓርቢ ሃብዎ። ሐሞት ግና ንሳቶም ፈሊጦም ኣይወሰኹሉን። ኣብ ዕዳግኦም ዘይሽየጥ የሎቦን፥ ኩሉ ይርከብ እዩ። ነጋዳይ ኣብ ዕዳጋ ሒዝዎ ተቀሚጡ ከሎ ስለ ዝሓሰሮ ክድርብዮ ቆይሙ እከሎ “ወተሠጢጦ ቦአ ውስተ ዝኩ ጻሕብ” ይብል፡ ተቀዲዱ ኣቲዎ ከሎ ኣይሁድ መጺኦም ሽጠልና በልዎ፡ “ተቀዲዱ ሓሞት ኣትይዎ” በሎም። ንሳቶም ግና ሽግር የብሉን ኣምጽኣዮ ኢሎም ብምውሳድ ኣብ ሰፍነግ መሊኦም ኣብ ሰፍነግ ገሮም ናብ ኣፉ ኣቅረብዎ።  መሪር ሓሞት ብምቅማሱ ካብ ደቂሰባት መሪር ሞት ኣጥፍአ።

ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ ኣብ ናይ ሸውዓተ ግዜ ጸሎት መጽሓፎም ጎይታናን መድኃኒናን ሓሞትን ከርቤን ዝተሓወሶ ንምንታይ ከምዝሰተየ ከምዚ እናበሉ ገሊጾም፡

ከመ ታስትየነ ለነ ደመ ገቦከ ነባቤ

እንተ ኣስተዩከ ሓሞተ ወከርቤ

ጸማእኩ በጊዜ ትቤ፡ ስብሐት ለከ”

(ነባቢ ዝኾነ ናይ ጎድንኻ ደም ንኽተስትየኒ ጸማእኩ ኣብ ዝበልካሉ ግዜ ሓሞትን ከርቤን ዘስተዩኻ ጎይታ ምስግና ንዓኻ ይግባእ። ቅዱሳን ደናግል እውን ጎይታ መሪር ሓሞት ብምቅማሱ ንሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ምኢትን ዘመን ሠልጢኑ ዝንበረ ሞት ካብ ደቂ ሰብ ምውጋዱ ዘመልክት እዩ፡ “ወሰሪቦ እግዚእ ኢየሱስ ብኂዐ ይቤ ተፈጸመ ኵሉ” (ጎይታና ኢየሱስ መጺጽ ቀሚሱ ኣብ መጽሓፍ ዝተጻሕፈ ኩሉ ተፈጸመ በለ)። ጎረርኡ ብምጽማእ ልሳኑ መድረቅ ካብ ስጋን ነፍስን ጽምኢ ኣድኂኑና።

ብግዜ ቀትሪ ናይ ሓርማዝ ሓሞትን ከርቤን ዝተሓወሶ መጽጽን ናይ በጊዕ ሓሞት ብምስታዩ ዕዳ ዝመቀረ ናይ በለስ ፍረ ዝበልዑ ኣድማን ሕይዋን ከፈለ፡ ንዓና መሪር ዝኾነ ምሞትን ርግማንን ኣትፊኡልና” እናበሉ ተንቲኖም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ዓለም ዘድኃነ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኽበር

ይመስገን