mm_logo.jpg

ቅዱስ ገርግርጎርዮስ ገባረ ተኣምር ኣብ በዓል

ብሥራተ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ዘቅረባ ቀደማይቲ ስብከት

ሎሚ፡ ማዕበል ምስግና  ቅዱሳን መላእኽት  ብፍስሃ ዝዘመሩሉ ዕለት እዩ። ብርሃን ናይ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቶም ዝኣመንዎ  ዝበርሃሉ  መዓልቲ እዩ። ሎሚ፡ ፍስሃ ኣባና ዝውሓዘሉ፡ ሓቀኛ ጻሓይ ቅድስና ኢየሱስ ክርስቶስ ብንጹር ብርሃን ኣብዙርያና ዝተኾለዓሉ፡ኣእሙሮ ኣሙናቱ ዘብርሃሉን እዩ። ሎሚ፡ ኣዳም ሓድሽ ዝኾነሉ፡ ብመዝሙር መላእኽቲ ተዓጂቡ ናብ ገነት ዝወስዶ ምንገብገብ ዝተዋህበሉ እዩ። ሎሚ፡ መንፈስ ቅዱስ ብደቂ ስብ ዝተፈልጠሉ፡  ዙርያ ዓለም ብሓጎስ ዝመልኣሉ ዕለት እዩ።  ሎሚ ኣእምሮ ክሕልኖ ዘይክእል፡ ተኣምራት ጸጋ እግዚኣብሔርን፡ ተስፋ እቲ ዘይርአን  ዝበርሃሉ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ንዘመናት ተኸዊሉ ዝነበረ ምስጢር ዝተገልጸሉ እዩ። ሎሚ ጸሎት ብዘይበርስ ቅድስና ዝተኣልመሉ እዩ።  ሎሚ እግዚኣብሔር ነቶም ሓጎሶም ንዕኡ ኣብ ምስማዕ ዝኾነ፡ ብባዓለቱ ዝድሰቱ፡ ነቶም ኣፍቀርቲ ጽኑዕ እምነት፡ ጽውዓቱን ወረስቱን ክኾኑ ዝዕድሙ(ዝጽዕቱ)፡ ኣብ ቅዱሳን ኣራእሶም ዘውዲ ክደፍኣሎም ፍቃዱ ዝኾነሉ ዕለት እዩ። ከምኡውን መንግስተ ኣምላኽ ነቶም ሕልንኦም ኣብ ሰማያት ዝገብሩ ምስ ስመያዊ(መለኮታዊ) ኣገልግሎት መላእኽቲ ንኽሓብሩ እተዳለወትሉ ዕለት እዩ። ሎሚ፡ እቲ “ ሰማያት ይተሓጎሱ፡ ምድሪውን ባህ ይበላ፡ ባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዕልል ይበል። መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፡ ኵላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዕልል ኪብሉ እዮም። ከመይ እግዚኣብሔር ኪመጽእ እዩ “ (መዝ96፡11-13) ዝብል ቃል ልበኣምላኽ ዳዊት ተፈጸመ። ልበኣምላኽ ዳዊት ኣእዋም እናበለ ጠቂስዎም፡  ናይ ጎይታ ጸራጊ መንገዲ ቅዱስ የውሃንስ እውን “ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ” ወይ ድማ ንምምጻእ ጎይታ ዝበቅዕ እና በለ ጢቂስዎም ኣሎ ። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝኣምንዎ ዘየቋርጽ ደስታ ከምዝህቦም ቃል ኣቲሎም እዩ። ከምዚ እና በለ “ ከም ብሓድሽ ስለ ዝርእየኩም ልብኹም ክሕጎስ እዩ፡ ንሓጎስኩም ድማ ኻባኹም ዚወስዶ ሓደ እኳ የልቦን”(የው16፡22)። ሎሚ ኣደናቅን ዘይግለጽን ሰማያዊ ነቶም ተስፍኦም ከም ማሕተም ኣብ ክርስቶስ እንገብር ክርስትያን ብጋህዲ ተኣዊጁ።ሎሚ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ባህ ዘብል ብስራት ሒዙ ናብ ንጽሕቲ ቅድስት ማርያም ከምዚ እና በለ መጽአ “ሰላም ንዓኺ ኦ ምልእተ ጸጋ!”(ሉቃ1፡28) ንሳ ድማ ብልባ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይኮን ይኸውን እና በለት ሓሰበት”። ቅዱስ ገብርኤል ድማ ብፍጥነት “ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ኣይትፍርሒ ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ” እና በለ ቀጸለ “እንሆ  ክትጠንሲ፡ ወድውን ክትወልዲ፡ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓቢይ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዕልውን ኪብሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘልዓለም ኪነግሥ እዩ። መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን።” ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ድንግል እየ እዚ ነገርዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል በለቶ። ጌና ድንግል ክኸውን ይኽእል፧ ክብሪ ድንግልናይ ካባይ ክጠፍእ ኣይክእልን፧ ኢላ እናሓሰበት ከላ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቅድሚኣ ቆይሙ መልእኽቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ጸሙቁ ኣቅረቦ፡” መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክሓድር ኺወርድ እዩ፡ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡”

           እዚ ነገር እንታይ ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ፧ ጸጋ እግዚኣብሔር ንንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩሎም ወሎዶ መሪጽዋ። ብሓቂ፡ ኣብ ኩሉ ነገር ጥንቅቅቲ ብምዃን ርእሳ ኣርእያ እያ።  ኣብ ዘርኢ(ትውልዲ) ወድሰብ ከምኣ ዝተወልደት ሰበይቲ የልቦን። ከምታ ቀዳመይቲ ሕይዋን ኣይኮነትን። ሕይዋን ኣብ ገነት ብሓሳን ኣልቦ ኣእምሮ (ባዶ ኣእምሮ)፡ ብዘይጥንቃቀ (ምስትውዓል) ናብ ቃላት ተመን፡ ናብቲ ሱር ኩሉ ክፍኣት ዝኾነ ትሰምዕ ነበረት፡ በዚ ድማ ሓሳባት ኣእምሩኣ ኃጢኣት ኮነ።  ብመንገዳ እቲ መስሓቲ መርዙ ሞት ብምሕዋስ  ናብ ሙሉእ ዓለም ኣምጽአ።  ናይዚ ውጽኢት ድማ መከራ ናይ  ቅዱሳን በዝሐ። ብድንግል ማርያም ግና ወድቀት ሕይዋን ተፈወሰ።

          እዛ ቅድስቲ  ነዚ መልእኽቲ ዝለኣኾ መን ምዃኑ፡ እንታይ ዓይነት ውሕብቶ ምዃኑን፡ መንነት እቲ ዝላኣኸን ክሳብ እትፈልጥ፡ ነቲ ውሕብቶ ክትቅበሎ ድልውቲ ኣይነበረትን። ነዚ ሓሳብት ኣብ ልባ እና መላለሰት፡ ከምዚ ኽትብል ንመልኣኽ ሓተተቶ “ እዚ በረኸት ብኸምዚ ዓይነት ጥበብ ካብይ ኣምጺእካዮ፧  ካበየናይ ፍሉይ(ሃብቲ) መኽዘን እዩ እዚ ናይ ሉል ቃላት ናባና መጺኡ፧  ተልእኾ እዚ ውሕብቶ ኣባና እንታይ እዩ፧ ካብ ሰማያት ድኻ መጽኢካ፡ ኣብ ምድሪ ግና ትኸይድ! ናይ ሰብ ምስሊ ኣሎካ ግና ኽብሪ ዝመልኦ ብርሃን ተንጸባርቅ።” እታ ቅድስቲ ነዞም ነገራት መስገዛእ ርእሳ እና ኣስተንተነት፡ ሊቀ መላእኽቲ ከምዚ እና በለ ነቲ ግድል ፈትሖ “ መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፡ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡ ስለዚ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። ኣይትፍርሒ ማርያም። ኣነ ክፍርሓይኪ ናይ ፍርሒ ሓይሊ ሒዘ ዘይኮንኩስ፡ ፍርሒ ከርሕቅ እየ መጽአ። ኣይትፍርሒ ድንግል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞጎስ ረኺብኪ ኢኺ።  ብናይተፈጥሮ ስርዓተ ጸጋ እግዝኣብሔር ኣይሕተትን እዩ። ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ትሕቲ ባህርያዊ ሕጊ ክሓልፍ ስለዘይግባእ። ኦ ድንግል! ካብ ኣቦታት፡ ካብ ነብያት ትሓቢኡ ዝነበረ ትፈልጢ ኢኺ። ኦ ድንግል! ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ካብ መላኣኽቲ ተኸዊሉ ዝነበረ ተስተውዕልዮ ኢኺ። ኦ ንጽህተ ንጹሓን፡ ማሕበር እቶም ንቑሓት ሰባት እውን ንዕኡ ብቑዓት ኮይኖም ክምዘይተረኸቡ ሰሚዕኪ ኣሎኺ። ሙሴ፡ ዳዊት፡ ኢሳይያስ፡ ዳኒኤል፡ ኩሎም ነብያት ብዛዕብኡ ተነብዮም እዮም ግና ምጽኣቱ ኣይፈለጥዎን። ኦ ንጽህቲ ድንግል! ሕጂ ግና ንስኺ ጥራይ  ንዘመናት ካብ ምፍላጥ (ምግላጽ) ተታሒዞም ዝነበሩ ውህብቶታ ተቀባሊት ኮንኪ ኣሎኺ። ምንጮምውን ትፈልጥዮ ኢኺ። መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ኩሉ ነገር ድሉው ኮይኑ ተኣዚዙ። መለኮታዊ ጸጋ ኣብ ዘለዎ ኩሉ ነገር ብእግዚኣብሔር ይክኣል እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ኺወርድ እዩ፡ ኃይሊ እቲ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ፡ ስለዚ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።” 

          ወዲ ኣምላኽ እንተኾይኑ ኣምላኽ እዩ፡ ማዕረ ምስ ኣቦ፡ ንዘልኣለም ብዘይምፍልላይ። ኣቦ ብመንገዲ ወዱ ተገልጸ። ወዱ ናይ ኣቦ መልክዕ እዩ፡ ናይ ኣቦ ናጸብራቅ(ወልድ) ድማ ክብሩ(ናይ ኣቦ) ተኾልዐ። ከምቲ ካብ ዘየቋርጽ ዒላ ውሓዚ ማይ ዝውሕዝ ከምኡ ድማ ካብቲ ንዘልዓለም ዝውሕዝን ንዘልዓለም ዝነብርን ዒላ ብርሃን፡ ዘለዓለማውን ሓቐኛን፡ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ብርሃን ወጽአ።  ከምዚ እናበሉ ነብያት ዝተነበይሉ፡ “ ወሓይዙ፡ ንኸተማ ኣምላኽ፡ ነታ ቕድስቲ ቦታ፡ ማኅደር እቲ ልዑል የሕጉሳ”(መዝ46፡4)። ንሓንቲ ኸተማ ጥራይ ኣይኮነን ንኹለን ከተማታት እውን እምበር። ከምቲ ነታ ሓንቲኸተማ ዝሐጎሳ ከምኡ ድማ ንምሉእ ዓለም።

           ልዕሊ ኹሉ ንዝኮነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ መልኣኽ ብዝግባእ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” በላ። ምልኣት ማዕኸን ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብኣ ኣሎ።  ካብ ኩሎም ወሎዶታት ኣዳም ንሳ ጥራይ ንበይና ንጽሕቲ ብስጋ ፡ ንጽሕቲ ብሕልና ኾይና ልዕል ኢላ ተረኽበት።  ንሳ ጥራይ በይና ነቲ ኹሉ ብቃሉ ዝጸውር ጾረቶ። እብልዕሊ እዛ ቅድስቲ ዘሎና ኣድናቆት ብቅድስና ሥግኣ ጥራይ ዘይኮነስ ብንጽሕና ነፍሲ ዝተፈጥረት ምዃና እዩ (Innate virtue of her soul) ።  ስለዝኾነ መልኣኽ ኣቀዲሙ ሰላምታ ኣቅረበላ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ፡ ምድራዊ ብዓለ ሓደር ምሳኺ ኣይከውንን።” ንሱ ባዕሉ፡ ጐያታ ቅድስና፡ ኣቦ ንጽሕና፡ ርእሲ ዘለዓለማውነት፡ ጎይታ ድሕነት፡ ኣኽባርን ወሃብን ሓቀኛ ሰላም፡ ካብ ድንግል መሬት ኣዳም ዝሰርሔ፡ ካብ ጎኒ ሰብኣይ ሕይዋን ዝቀረጸ፡ ንሱ ምሳኺ እዩ። እዚ ጐይታ ምሳኺ እዩ ካባኺውን እዩ።

          እምብኣረከስ ንዑ ዝተፈተኹም ኣሕዋት ናይ ቅዱስ መልኣኽ መዝሙር ወሲድና፡ በቲ ዝላዓለ ዓቅምና ደጊምና ከምዚ እናበልና ንዘምር ““ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ”  ከምቲ ንሱ ዝፈልጦ  ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ክሓድር መሪጹኪ ምርኣይ፡ ጐይታ ክብሪ ምስ ስርሓት ኢዱ ክሓድር፡ ብሓቂ ቅድሰቲ ይግብኣኪ እዩ። እቲ“ካብ ደቂ ሰብ ዝጽብቕ”(መዝ45፡2) ምስታ ምልክዕቲ ድንግል። እቲ ንኹሉ ዝቅድስ ምስታ እፍቲ ዘይብላ። እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፡ ከምኡውን ምልኣት ኣማላኽነት ዘለዎ ብፍጹም ሰብኣውነቱ ምሳኺ እዩ። ዒላ ብርሃን፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዘብርህ፡ ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። መውጺኢ ሓቀኛ ጽሓይ፡ ዘይተበከለት ዕንባባ ሕይወት፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። ጽዋዕ ጥዑም ጨና፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ ።  ንዝኸብሩዋ እተሕጉስ ወትሩ እተጉላዕልዕ ውይኒ፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። ብዙሕ ፍረ እተፍሪ ዘይተሓረሰት ግራት፡ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ። ልክዕ እዩ፡ በቲ ናትና መንገዲ ይኹን ብግዜ ክቁጸር ከሎ ባህርያዊ ሕጊ እኳ እንተኾነ[1]፡ ጌና ግና ልዕሊ ባህርያዊ ወይ ድማ ኪኖ ባህርያዊ ሕጊ እዩ። ምኽንያቱ በቲ መንፈስ ቅዱስ ንቅድስቲ ድንግል ንኽጠንስ ዝሃባ ሓይሊ ቃል ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ኣባኺ መሕደሪኡ ብምግባር ኣብ ቅዱስ ማሕጸንኪ ንሓድሽ ኣዳም ቀረጾ።  ሓቀኛ ሥጋኡ ካብ ኣካል ቅድስት ድንግል ዝወሰዶ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሉል(ዕንቝ) ካብ ክልተ ባህርያት ዝመጽእ፡ ማለት ካብ ብርሃንን፡ማይን። ከምኡ ድማ  ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይምልዋጥ ብዘይ ምሕዋስ ካብ ንጽህቲ፡ ጽርይቲ፡ ኣበር ኣልቦ ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ተወልደ።  ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ብኹሉ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ማዕረ፡ ካብ ኃጥኣት ወጻኢ ብኹሉ ንዓና መሰለ።

          ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት፡ ነብያት ክርእይዎ ደለዩ፡ ቀዳሞት መሰኻኽር ክርስቶስ ክኾኑ ተመነዩ ግና ዕድል ኣይረኸቡን። ገሊኦም ብራኢ ብኣምሳል ብዝደብዘዘ ተገልጸሎም። ገሊኦም እውን ብደመና ድምፂ እግዚኣብሔር ክሰምዑ ዕድል ረኽቡ ከምኡውን ናይ ቕዱሳን መላእኽቲ ኣዒንቲ ተዓዲሎም። ንቅድስቲ ድንግል ማሪያም፡ እታ በይነ ንጽህቲ(ጽርይቲ) ድንግል ዝኾነት ግና ሊቐ መላእኽቲ ቅዱስ ገብሪኤል ብኣካል፡ ብነጸብራቃዊ ብርሃን መጺኡ “ሰላምታ ንዓኺ ይኹን ጸጋ ዝመልኣኪ!” እና በለ ኣብሠራ። ስለዚ ነቲ ቃል ምስተቀበለት፡ ከምቲ ስርዓት ኣካል ናይ ጥንሲ ግዜ ምስ መልአ፡ ዋጋ ኣልቦ ሉል(ዕንቝ) ኣምጽአትልና።

          ንስኻትኩም፡ ዝተፈተኹም ክቡራት፡ በቲ ዝተመሃርናዮ ዘነቃቅሕ  መዝሙር ዳዊት ጌርና ዝጠዓመ ዜማ ንዑ ንዘምር፡ ከምዚ እንዳበልና “ ኦ  እግዚኣብሔር፡ እታ ምልክት ኃይልኻ ዝኾነት ታቦት ኪዳን ኂዝካ ናብ ቤት መቕደስ ምጻእ፡” መዝ(132፡8)። ብሓቂ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኩሉ ሃብቲ ቅዱስተ ቕዱሳን  ዘላዋ ብውሽጥን ብደገን ብወርቂ ዝተለበጠት ሓቀኛ ታቦት እያ። “ኦ እግዚኣብሔር ናብ ቦታ ዕረፍትኻ (ቤት መቕደስካ) ምጻእ” ካብ ሕቑፈ ኣቦኻ ተላዒልካ ነቲ ዝወደቐ ቀዳማይ ሰብ ክተልዕል ንዓ። ልበ ኣምላኽ ንጉሥ ዳዊ ኣብ ትንቢቱ፡ ነዞም ነገራት ኣቀዲሙ ብምስራዕ  ነቲ ካብኡ ዝወጽእ በትሪ፡ ጽቡቕ ፍረ ኽፈሪ ዝዓንበበ ዕንባባ “ጓለየ፡ ናብ ዝበለኪ ስምዒ፡ርኣዪውን፡ እዝንኺ ጽለዊ፡ ሕዝብኺን ቤት ኣቦኺን ረስዒ። ብመልክዕኪ ንጉሥ ኪፈትወኪ እዩ፡ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ” እና በለ ተነበየ። ጓለየ፡ ናብቶም ኣቕዲሞም ብዛዕባኺ ዝተተንበዩ ብዓይነ ልቦና ምእንታን ክትዕቅብዮም ስምዒ።  ናብቲ ኣነ ኣቀዲሜ ዝተነበኹልኪ ስምዒ፡ ከምኡውን ናብቲ ሊቐ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ዘበሠረኪ ፍጹም ምስጢር ስምዒ።

          ስለዚ ዝተፈተኹም፡ እስከ ንዑ ሕልናና ናብቲ ቅድሜና ዝተፈጸመ  ንምለሶ። ነቲ ካብ ሰርወ እሰይ ብዘደንቅ ዘወጸ በትሪ ነዕብዮ፡ ነብዕሎ፡ ብዓውታ ንባርኮ።  ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብቲ ብርሃን ዝኾነ ወንጌሉ፡ ነታ ሓቀኛ ስድራቤትን ቤት ዳዊትን እና ኣመልከተ ብዛዕባ ዮሴፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ከምዚ እናበለ መስከረ፡ “ዮሴፍ ” በለ ወንጌላዊ “ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ማርያም ሕጽይቱ ናብ ይሁዳ፡ ቤተ ልሔም ናብ እትብሃል ከተማ ዳዊት፡ ኪጽሓፍ ደየበ። በዅሪ ወዳ ወለደት በጭርቕቲውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ መኅደር ኣጋይሽ ሥፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ”(ሉቃ2፡4-7)። እቲ ንብርሃን ከም ልብሲ ዝለብሶም ኣዲኡ በኣጭርቅቲ ጠቅለለቶ።  እቲ ንኹሉ ፍጠረት ዝፈጠረ በጨርቂ ጠቅለለቶ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝቕመጥ፡ ብእልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ ዝምስገን፡ ኣብ መብሊዕማል ኣደቀሰቶ፡ ነቶም ብናጻ ምርጭኦም ዕሽነት ዝመረጹ ደቅሰባት፡ ሓቀኛ ቅድስና ከምህሮም፡ ቃል እግዚኣብሔር፡ ኣብቲ ንልሳን ዘይብለን እንስሳ ዝተዳለወ መምልዒ ኣዕረፈ። ነቶም ከም ኣራዊት ምድሪ ዝነብሩ ዝነበሩ ደቂ ኣዳም መንፈሳዊ መግቢ ክምግቦም፡ ሰማያዊ መግቢ ኣብ ክብቲ ዝበልዓሉ ዓረፈ። ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ንዕኡ ዝከውን ቦታ ኣይተረኽበን። እቲ ብቃሉ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ዘዕርፈሉ ቦታ ኣይረኸበን። ሃብታም እኳ እንተኾነ ንዓና ክብል ድኻ ኮነ። በቲ ኣብሊዕሌና ዘለዎ ፍቅሩ፡ ንኸድሕነና ክንድዚ ዝኣክል ውርደት መረጸ።  ብልሳን ፍጥረቱ ክግለጽ ዘይክኣል ምስጢሩ ኣብ ሰማይ ኣብ ሕቁፈ ኣብኡ ኣብ ብዓቲ ድማ ኣብ ሕቁፈ ኣድኡ ብምልኣትህሉው ዝኾነ፡ ኣብ መብልዒ ማል ኣዕረፈ። መላእኽቲ ከቢቦሞ ክብሪ ኣብሰማያት፡ ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ እናበሉ ኣመስገንዎ። ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣብኡ ዝተቀመጠ ኣብ መብልዒ ማል ድማ ከምቲ ኣብ ኪሩቤል ዝነበሮ ከምኡ ተቀመጠ። ብርግጽ ኣብኡውን  ሓቀኛ ኪሩቤል፡ መንበር ነይሩ እዩ። ናይ ክብሪ ዝፋኑ፡ ካብ ቅዱሳን ዝተቀደሰት፡ ኣብ ምድሪ ንበይና ዝኸበረት፡ ናይ ቅድስና ቅድስቲ፡ ኣምላክና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓረፈላ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም።

ክብሪ፡ልዕልና፡ስልጣን ንዕኡ፡ ምስ አብኡን፡ መንፈስ ቅዱስን ሕጂን ኩልግዜን፡ ንትውልደ ትውልድ ኣሜን!!! 

 

[1] በቲ ናትና መንገዲ (ጥንሲ ባሕርያዊ እዩ። ይኹን ብግዜ ክቁጸር(ን9ወርሒ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ምሕዳሩ እውን)ባህርያዊ ሕጊ እዩ።