mm_logo3.jpg

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን

“ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም” ኤፌ 2፡5

        ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ናይ ምድሓኖም ምስጢር ከረድኦም ከሎ “ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብኃጢኣትኩምን ምውታት ነበርኩም ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲ ትነብሩ ነበርኩም፡ ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ ሓለቓ ገዛእቲ ኣየርን ትእዘዙ ነበርኩም። ቀደም ንሕናውን ኩልና ከምኦም ትምኒት ሥጋና እንዳፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህሪና ከምቶም ካልኦት ቁጥዓ ኣምላክ ዝግብኣና ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ  ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንዓና ብበደልና ምውታት እኳ እንተነበርና ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፦ ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም” ኤፌ 2፡1-5 ብምባል ናይ ምድሓኖም ምስጢር ብሰናይ ተግባራቶምን ብስጋዊ ዕዮኦም ዘይኮነስ ብምሕረት ኣምላኽ ከም ዝኾነ ከረድኦም ከሎ ንርኢ። ብዙሕ እዋን ከም ዝረአ ድማ ብምስጢር ቃል ኣምላኽ ዘይደልደሉ ሰባት ነዛ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም ትብል ቃል ጥራይ ብምውሳድ ንድኅነትና ሰናይ ተግባራት ኮነ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዋጋ የብሎምን ንሕና ብጸጋ ዝደኃንና ሰባት ኢና ክብሉ ምስማዕ ልሙድ ኢዩ። እዚ ድማ ምልኣት ቃል ኣምላክ ካብ ዘይምህላው፡ ጸጋኡ ንዝበዝሃሎም ሰባት መማህራን ናይ ቅድስት ቤተክርስቲያን ካብ ዘይምውካስን፡ ንዝመሰለካን ዝማእምኣካ ቃላት ጥራይ ቆንጺልካ ካብ ምውሳድን ዝመጽእ ኢዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ እምነታት ክከፋፈላ ይውዕላ ኣለዋ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ኣብታ salvation in orthodox concept እትብል መጽሃፎም ብዛዕባ ምቑንጫል ጥቕሲ “ብዛዕባ ናይ ነገረ ድሕነት ከተንብብ ኮለኻ ምስ ካልኦት ሓሳባት ከተገናዝቦ ምስ ትደሊ ብምልኣት ክትርድኦ ኣለካ። ኣሕዋተየ ኣብ መጽሃፍ ቅዱስ ሓደ ጥቕሲ ፈሊኻ ምጥቃም ኣዚዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ መጽሃፍ ቅዱስ ዘለዉ ጥቕስታት ሓደ ካብ ሓደ ዝበላለጹ ኣይኮኑን ንኹሎም ግና እቲ መንፈስ ብሓባር ከም ዝጎዓዙ ይገብሮም። ሰነፍ ሰብ ንሓንቲ ጥቕሲ ወሲዱ ከም ትሰማምዖ ገይሩ ከቐምታ ይፍትን፡ ካብቲ መሰረታዊ ሃሳብ ኣውጺኡ ድማ ኣብ መዓላኡ የውዕሎ፡ እቲ ብምስትዏል ዘናዲ ግና ንሓቂ ብምድላይ ንኹሎም እቶም ቃላት ብምውህሃድ ብሓድነት እንታይ ሓሳብ ከም ዝህቡዎ ይርዳእ” ክብሉ ይምዕዱና [1]

        ብጸጋ ድሒንኩም ኢኹም ንዝብል መሰረታዊ ኣርእስቲ ንምርዳእ ኣቐዲምና ክንርድኦም ዝህብኣና ነጥብታት ክንድህስስ ኣገዳሲ ኢዩ ስለዚ

  1. ተፈጥሮ ናይ ሰብ
  2. ውድቀት ናይ ወዲ ሰብ
  3. ምድኃን ኣምላክ ንሰባት
  4. ብጸጋ ኢኹም ዝደሃንኩም
  5. ካብ ደኃንና ተግባር ንምንታይ ኣድለየ
  • ተፈጥሮ ናይ ሰብ

        ከም ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ “ኣምላኽ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር በለ” ዘፍ1፡26 ኢሉ እውን ኣይተረፈን ድሕሪ ኩሎም ፍጥረታት ኣምላኽ ንሰብ ከም መልክዑ ገይሩ ፈጠሮ። ንሕና ደቂ ሰባት ብመልክዕ እግዚኣብሔር ኢና ተፈጢርና ክበሃል እንከሎ ንኣምላኽ ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ኣፍ ከናፍር እንዳበልና ክንዝርዝሮ ንክእሎ ኣካላት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ቅዱስ መጽሓፍ እውን “ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ” ዮሃ4፡24 ዝብል። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢይ ኣብታ on the human condition ትብል መጽሓፉ ገጽ 34 “በየናይ መልክዕ ኢና ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢርና ንበሃል ብዛዕባ ኣምላኽ ክንሓስብ ኮለና ንነፍስና ካብቲ ሕማቕ ትምህርቲን ናይ መሃይምነት ርድኢትን ነንጽሃዮ…ገሊኦም ኣምላኽ ከማና ቅርጺ ኣለዎ፡ ዓይኒ እዝኒ፡ ርእሲ፡ ኢድን ዝድገፈሉ ሕቖን ኣለዎ። ካብ ቅዱስ ጽሑፍ “ኣምላኽ ኣብታ ቅድስቲ ዙፋኑ ይቕመጥ” መዝ 47፡8 ዝብል ብምጥቃስ እውን ከምኡ እውን ዝኸደሉ እግሪ ኣለዎ ይብሉ። ኣምላኽ ነዚዶ ይመስል? ነዚ ዕዉር ሕልሚ ካብ ልብኹም ኣርሕቑዎ። ካብቲ ምስ ዕቤት እግዚኣብሔር ዘይከይድ ኣተሃሳስባ ርእስኹም ኣርሕቑ።[2] ክብል ይምዕድ።

ስለዚ ካብዚ እንመሃሮ ነገር እንተሊዩ ድማ ኣምላኽ ብመልክዕ ሰብ ክበሃል እንከሎ ነዚ ደጋዊ ኣካልናን ደጋዊ ትርኢትናን ዝመስል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ኢዮም ኣቦታትና “ካብ ጽርሃ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ ዕሙቀቱ” ብምባል ስነ ፍጥረት ዝመሃሩና። እሞ እዚ ካብ ኮነ ሰብ ንኣምላኽ ብምንታይ ኢዩ ዝመስል ኣምላኽ ብመልክዕና ክብል ከሎ ኣየናይ ኢዩ መልክዕ ኣምላክ ዝብል ክንግንዘብ ይግባእ። ንሳቶም ድማ

  • ዘልኣለማዊነት :- ኣዳም ተፈጥሮኡ ዘልኣለማዊነት ዝተላበሰ ኢዩ ዝነበረ እዚ ድማ ካብ ባህርያት እግዚኣብሔር ሃደ ኢዩ። መጽሃፍ ቅዱስ “እግዚኣብሔር ንሰብ ዘይመውት ገይሩ ኢዩ ፈጢሩዎ፡እወ ብመልክዑ ዘልኣለማዊ ገይሩ ኢዩ ፈጢሩዎ” መጽሃፈ ጥበብ 2፡23 ብምባል ዘልኣለማውነቱ ይገልጸልና።
  • ልቦና ወይ ውን ኣእምሮን ምስትውዓልን:- ወዲ ሰብ ካብ መጀምርታኡ ክፍተር ከሎ ኣትሒዙ ምስትውዓል ዝተዋህቦ ኣእምሮ ዘለዎ ፍጡር ኢዩ በዚ ድማ ጽቡቕን ሕማቕን ዘዋጽኦን ዘየዋጽኦን ዝፈልጥ ፍጡር ኢዩ ዝኾነ። ቅዱስ ባስልዮስ “ከም መልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍተር ማለት ንዑ ልዕልና ናይ ኣእምሮ ንሃቦ ማለት ኢዩ ብምብላ ይገልጾ። on the human condition page 36
  • ነጻ ምርጫ:- እግዚኣብሔር ንኣዳም ካብ ዝሃቦ ጸጋታት ሓደ ነጻ ምርጫ ኢዩ። ነዚ ኢዩ እግዚኣብሔር ንኣዳም ካብዛ ዕጸ በለስ ካይትበልዕ እንተበሊዕካ ክትመውት ኢኻ ብምባል ዝነገሮ። ካይትበልዕ ጥራይ ኢሉ ክእዝዞ ምኸኣለ ነይሩ ንሱ ግን ካብዚኣ እንተበሊዕኻ ክትመውት ኢኻ ምባሉ ኣብ መንጎ ሞትን ሂወትን ክመርጽ ነጻነት ከም ዝሃቦ የመላኽተልና። ጥበበኛ ስራክ ብዛዕባዚ “ኣብ መጀመርያ ንሰብ ዝፈጠሮ ባዕሉ እግዚኣብሒር ዘድለዮ ክገብር ከኣ ሓይሊ ናጽነት ሃቦ፡ እንተደሊኻ ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ክትሕልዎ ትኽእል ኢኻ፡ ናጻ ስለዝኾንካ ከኣ እሙን ኮይንካ ክትነብርን ክትውስንን ትኽእል ኢኻ። ንሱ ሓውን ማይን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢሩልካ ኣሎ፡ ኢድካ ስደድ እሞ ኣብቲ ዝደለካዮ እለኽ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ህይወትን ሞትን ቀሪበን ኣለዋ እቲ ዝመረጾ ከኣ ክወሃቦ ኢዩ”ሲራ 15፡14-17
  • ሥልጣን:- እግዚኣብሔር ንኣዳም ምስ ፈጠሮ ካብቲ ዝሃቦ ጸጋታት ሓደ ሥልጣን ኢዩ፡ ሥልጣን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረታት ገዛኢነት ናይ ኩሉን ንእግዚኣብሔር ናይ ባህሪ ገንዘቡ እንተኾነ ነቲ ሥልታን ግን ነቲ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ሰብ ክህቦ ከሎ ኢና ነስተውዕል። ንሱ ድማ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረታት ክገዝእ ዝተዋህበ ኢዩ ዝነበረ። “ንዓሳ ባሕርን ንኣዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርናብ ምድሪ ለመም ዝብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ” ዘፍ 1፡26
  • ቅድስና:- እግዚኣብሔር ንኹሉ ፍትረታት ፈጢሩ ምስ ወድአ ገለ እኳ ኣበር ከም ዘይብሉ ከም ዝረኣየ ኢና ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ነንብብ። ነዚ ኢዩ ድማ “እግዚኣብሔር ዝፈጠሮ ኩሉ ፍጥረታት ረኣየ እነሆ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ” ዘፍ1፡31 እንተኾነ ንወዲ ሰብ ግን ካብቶም ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ ዘብሎ ቅድስና ወይ ቅዱስ ኮይንካ ናይ ምንባር ሓይሊ ኢዩ። ንሰብ ዘልኣለማዊ ገይሩ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ምስትውዓልን ኣእምሮን ምስ ሃቦ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረታት ድማ ስልጣን ዘለዎ ገበሮ ካብቶም ካልኦት እንስሳታት ፍልይ ዘብሎ ድማ ብምስትውዓል ኮይኑ ክመርጽን ክውስንን ነጻ ምርጫ እውን ሃቦ፡ ውጽኢት ናይዞም ኩሎም ድማ ቅድስናን ናብ ምስሊ ኣምላኽ ምዕባይን ኢዩ ዝነበረ። [3] ነዚ ኢዩ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም “ኣነ እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኢየ ብትእዛዛተይ ንበር ፍጹም ከኣ ኩን ዝበሎ” ዘፍ17፡1ዘሌ 22፡26 ጎይታ እውን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ተመሳሳሊ ቃል ክዛረብ ከሎ “እንበኣር ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ፡ ንስኻትኩም ውን ፍጹማት ኩኑ” ማቴ 5፡48

        ወዲ ሰብ ክፍጠር ከሎ ብመልክዕ ኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ፡ መልኽዕ ኣምላኽ ማለት ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ወዲ ሰብ ንዝተነብረ ነገራት ደኣ እንበር ደጋዊ ትርኢት ናይ ወዲ ሰብ ምስ ትርኢት ኣምላኽ ይመሳሰል ማለት ኣይኮነን ከመይሲ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ ብኣእምሮና ክንበጽሖን ክንውስኖን ንኽእል ኣይኮነን።

  • ውድቀት ናይ ወዲ ሰብ

        ኣምላክ ንሰብ ምስ ፈጠሮ ንገነት ክሕልዋን ክዓያን ናብ ገነት ኣእተዎ፡ እንተኾነ ግን ከእትዎ ከሎ ከም ዝተሳዕረ ሕዛእቲ ዝረኸበ ብዕራይ ከም ድላዩን ከም ፍታዉን ክኾነላ ዘይኮነስ ክዓያን ክሕልዋን እውን ነበረ፡ ከምኡ እውን ኣብ ርእሲ ኩሎም እንስሳታት ገዛኢ ክኸውን ሥልጣን ሂቡዎ ኢዩ፡ ምስ እዚ ኩሉ ግን ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዘሎ ገዛኢነት ዝርድኣላ፡ ትእዛዛቱ ብምሕላው እውን ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ዘንጸባርቐላ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ካይበልዕ ብምእዛዝ እውን ኢዩ ዝነበረ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ ክዓያን ክሕልዋን ከኣ ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ ዝስዕብ እንዳበለ ኣዘዞ:- “ካብ ፍረ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ዕም ግና ካብኣ ብዝበላዕኻላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢካ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ” ዘፍ 2፡15-17 እንተኾነ ግን ኣዳም ነዚ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ክዕቅቦ ኣይከኣለን ኣዳም ኣብዚ ፍጹም ዝኾነ ነጻ ፍቓድ እኳ እንተሃለዎ ኣብ ርእሲ ህይወት ሞት ክመርጽ ከሎ ኢና ንዕዘብ  ቅዱስ መጽሓፍ “ካብ ፍረ እታ ኦም ወሲዳ በልዐት ንሰብኣያ ድማ ሃበቶንሱውን በልዐ ሽዑ ኣስተውዓሉ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ” ዘፍ3፡6-7 ብምባል ነቲ ኩነት ይገልጾ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ እዚ “እዋእ! ዲያብሎ ዶ ኣይኮነን ንኣዳም ጎዲኡዎ፧ ውርደት ከም ዝረክብ ዝገበሮኸ ንሱዶ ኣይኾነን፧ ዝብል ሰብ ተተረኽበ ኣነ ከምዚ ኢለ እምልሰሉ:- ብፍጹም!ንኣዳም ዲያብሎስ ኣይኮነን ጎዲእዎ፡ ክዋረድን ካብ ገነት ክስጎግን ዝገበሮ እውን ንሱ ኣይኮነን። ንኣዳም ዝጎድኦ ስንፍንኡ፡ ንርእሱ ዘይምግታኡን ንቑሕ ዘይምዃኑን ኢዩ። ንኢዮብ ኣእላፍ ፈተና ኣምጺኡ ክጎድኦ ዘይከኣለ ዲያብሎስ ኣዳም ባዕሉ ነብሱ ብስንፍና ተታሒዙ ኮይኑ እንበር ከመይ ገይሩ ክጎድኦ ይኽእል”[4] ክብል ኣዳም ብሰንኪ ሸለልትነቱ ከም ዝወደቐን ዝተሳዕረን የብርህ። ኣዳም ብዲያብሎስ ንዝመጾ ፈተና ስለዝተሳዕረን ስለዝወደቐን ጸጋኡ ተገፈ ሞት ድማ ሞተ “ሞታ ለነፍስ ርሂቕ እም እግዚኣብሔር” ከም ዝበሉ ኣበው ኣዳም ምስ እግዚኣብሔር ዝነበሮ ናይ ኣቦን ውሉድን ዝምድና ተበትከ። እዚ ብምዃኑ ድማ ኣዳም ካብ እግዚኣብሔር ስለዝተፈልየን እዞም ዝስዕቡ ነገራት ኣብ ነብሱ ተኸስቱ:-

  • መዋትነት

ናይ ወዲ ሰብ ተፈጥሮ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ኢዩ ዝነበረ። ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ከም መላእክቲ ዘይመዋቲ ጥራይ ወይ እውን ከም እንስሳ መዋቲ ጥራይ ገይሩ ኣይኮነን ፈጢሩዎ። ሰባት ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ሰናያትን ፍቕሪን ስዒቦም ንዘልኣለም ዘይመወትቲ ኮይኖም ክነብሩ ወይ ውን ምኽሪ ዲያብሎስ ሰሚዖም ክሞቱ ስልጣንን ነጻ ፍቓድን ዘለዎም ፍጡራት ገይሩ ኢዩ ሰሪሑዎም። ነዚ ኢዩ እግዚኣብሔር ኣምልኽ ንኣዳም “ካብዚኣ እንተበሊዕኻ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ዝበሎ፡ እዚ ማለት እንተዘይበሊዑ ህያው ኮይኑ ክነብር ይኽእል ኢዩ ማለት ኢዩ። ኣዳም ግን ነዚ ናይ ኣምላክ ትእዛዝ ክስዕብ ብዘይምኽኣሉ ሞት ኣብ ርእሲኡ ሰልጠነ።

  • ናይ ባህሪይ ምጉስቛል

    ሰብ እግዚኣብሔር ክፈጥሮ ከሎ ብጸጋ ምሉእ፡ ብኣርኣያ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ኣብ ልዕሊ ፍጥረታት ገዛኢ ክኸውን ድማ ዓቕሚ ዘለዎ ፍጡር ኢዩ ዝነበረ ኮይኑ ግን ዕጸ በለስ ካብ ዝበልዓሉ ጊዜ ኣትሒዙ ጸጋኡ ተገፈ ፈራሕ ኮነ ከምቲ ጥበበኛ ሰለሞን “ክፉኣት ሰባት ዝጎዮም ዘይብሎም ይሃድሙ፡ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ” ምሳ 28፡1ከም ዝበሎ ባህሪኡ ዝጎስቀለን ናይ ቅድስና ዓቕሙ ዝተዳኸመ ኣዳም መጀመርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ ነበረ ነዚ ኢዩ “ድምጽካ ሰሚዐ ፈሪሀ ተሃቢአ” ዘፍ 3፡10 ዝበሎ ። ኣብ ገዛእ ሰብነቱ እውን ስልጣን ሰኣነ ብፍትወታት ተገዝአ፡ ንሱ ንእግዚኣብሔር ስለዘይተኣዘዘ ሰብነቱ እውን ክእዘዘሉ ኣይከኣለን። ካብቲ ዝደልዮ ነገራት ንላዕሊ እቲ ዘይደልዮ ክገብር ድሌታት ውሽጡ ምግታእ ክሳብ ዝስእን ኮነ ሮሜ 7፡14-15 እዚ ዝኾነ ድማ ነቲ ምስሊ ኣምላኽ ብምጥፋኡ ነበረ።

  • ስደተኛነት

ኣዳም ኣብ ገነት ክቕመጥ እንከሎ ድምጺ እግዚኣብሔር ኣየፍርሖን ነበረ እኳ ደኣ ዝናፍቖ ድምጺ ንሱ ነበረ። እጸ በለስ ምስ በልዐ ግን እቲ ድምጺ እቲ ናይ ኣቦነት ደሃይ ዘይኮነ ናይ ኣዚዩ ዘፍርሕ ነገር ደሃይ ኮነ ኣብ እዝኒ ኣዳም፡ ኣዳም ኣበይ ኣለካ ንዝብል ሕቶ ዝመለሶ መልሲ ነቲ ደሃይ ማዕረ ክንደይ ከም ዝፈርሖ ሙሉእ መረዳእታ ክህበና ይኽእል ኢዩ። ኣዳም ኣበይ ኣለካ ምስ በሎ ኣምላኽ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፡ ጥራየይ ስለዝነበርኩ ድማ ፈሪሐ ተኃባእኩ” ዘፍ 3፡10 ።ኣዳም ካብ ኣምላኽ ብምሕባእ ባዕሉ ኢዩ ስደት ጀሚሩ ካብ ቅድሚ እቲ ዝፈትዎ ኣምላኽን ድምጹን ክስደድ ዝጀመረ እግዚኣብሔር እውን ፍርዱ ክህብ ከሎ ነቲ ኣዳም ባዕሉ ዝጀመሮ ስደት ኣጽንዓሉ “ስለዚ ነታ ዝተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ክዓያ እግዚኣብሔር ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ” ዘፍ 3፡23 ካብዚ ጊዜ ኣትሒዙ ክሳብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ብምስቃል መዓጹ ገነት ዘርሕወሉ ኣዳምን ኩሎም ወለዶኡን ስደተናታትን ተቕበዝበዝትን ኮኑ።

 

  • ሰላም ምስኣን ምጭናቕ

“ሓጥኣን ሰላም የብሎምን” ኢሳ 48፡22 ከም ዝበሎ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኣዳም ካብ እግዚኣብሔር ምፍላዩ እግዚኣብሔር ዝኣክል ጎይታ ገነት ዝኣክል ቦታ ስኢነ ብምባል ይጭነቕ ናብ ኣምላኹ ይልምንን ይጽሊን ነበረ። ብሰንኪ ሓጢኣቶም እዚ ስደትን ጉስቁልናን ንስጋዊ ፍትወታት ምግዛእን ኣብ ባህርያቶም ምስ ረከቡዎ ድማ ሓዘኖም መሪር ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኩሉ ምጽንናዕን ኢዩ 2ይ ቆሮ 1፡3 ኢዩ እንተኾአን ግን ኣዳም ብሰንኪ ካብቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኣምላኽ ምፍላዩ ዘጸናንዖ ኣምላኽ ምስኡ ኣይነበረን “እቲ እኩይ ሰብ ብኣበሳኡ ይሕንኮል ብግማድ ሃጢኣቱ ድማ ይእሰር” ምሳ 5፡22 ተባሂሉ ከም ዝተነግረ ኣዳም ብሰንኪ ኣበሳኡ ተሓንኲሉ ዝበኪን ዘዕነኒን ሰላም ዘይብሉ ፍጡር ኮነ።

  • ምቁራጽ መንፈሳዊ ዕቤት

ወዲ ሰብ ክፍጠር ከሎ ብጸጋን ብቕድስናን ዕቤት ክነብር ዝኽእል ኮይኑ ኢዩ ተፈጡሩ። ምስ ወደቐ ግን ከም ዝተቖርጸ ፈልሲ ብዘይ ዕቤት ተረፈ። እቲ ሰናይ ዝኾነ መንፈሳዊ ዕቤት ምቁራጽን ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ጉዕዞኡ ናብ ጥፍኣት ኮነ ኣዳም ድማ ካብ ምንባር ናብ ዘይምንባር ክጎዓዝ ጀመረ። ህይወቱ ካብ መከራ ናብ መከራ ካብ ውርደት ናብ ውርደት ናብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ኮነ።[5]

 ወዲ ሰብ ካብቲ ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ዝተፈጥሮ ግርማ ኣምላኽ ዘለዎ ንእንስሳታት ክገዝእ ንገነት ክሕሉን ክዓያን ኮይኑ ዝተፈጥሮ ኣካይዳ ብምውራድ ኩሉ ክብሩ ሰኣነ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ናይ ኩሉ ገዛኢ ዝነበረ ሰብ ንስጋዊ ፍትወታቱ እኳ ምምላኽ ክሳብ ዝስእን ኮነ እዚ ኩሉ ድማ ብሰንኪ ኣዳም ምስ እግዚኣብሔር ዝነበሮ ርክብ ምቁራጹ ዝመጸ ዋጋ ሓጢኣቱ ንበረ ።

  • ምድሓን ኣምላኽ ንሰባት

        ንሰብ ከድሕኖ ዝኽእል ኣብቲ ሰብ ጎስቊልዎ ዝነበረ ደረጃ ዘየለ ፍጡር ክኸውን ኣለዎ፡ ነብያትን ካህናትን ኮነ መስዋእተ ኦሪት ከድሕኑዎ ዝከኣሎም ኣይነበረን ውሱናት ስለዝነበሩ መስዋእቶም ኮነ ኣገልግሎቶም ውሱን ኢዩ ዝነብረ፡ እዚ ድማ በቲ ብሰንኪ ኣዳም ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ዝነበረ ህፀተ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። መላእክቲ እውን ከድሕኑዎ ዝከኣሎም ኣይኮነን ምኽንያቱ ሞይቱ ንሞት ክስዕር ዝኽእል ኣካል ክኸውን ኣለዎ ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ክሞቱ ዝከኣሎም ኣይነበሩን ምኽንያቱ መናፍስቲ ስለዝኾኑ፡ ንኣዳም ከድሕኖ ዝኽእል ኣካል:-

  • ሰብ ስለዝኾነ በደለኛ ሰብ ክኸውን ኣለዎ።
  • ኣብ ልዕሊ እቲ በደለና ዝተፈርደ ፍርዲ ሞት ስለዝኾነ ክመውት ኣለዎ።
  • ሞት ጥራይ ዘይኮነ እቲ በደለኛ ክድሕን ምእንቲ ንሞት ክስዕሮ ኣለዎ።
  • ንስለ ሃጥኣን ዝመውት ካብ ኮነ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ዘበለ ነጻ (ንጹሐ ባህርይ) ክኸውን ኣለዎ።

እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ነጥቢ ማለት ሰብ ምዃንን ምሟትን ወዲ ሰብ ከማልአን ይኽእል ኢዩ። እተን ክልተ ግን ንሞት ምስዓርን ንጹሃ ባህርይ ምዃንን ብወዲ ሰብ ክኾና ዘይክእላ ኢየን ዝነበራ። ብጀካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ፍጹም ንጹህ የልቦን በጀካኡ ድማ ንሞት ክስዕሮ ዝኽእል ኣይነበረን ስለዚ ሰብ ኮይኑ ዋጋና ክኸፍለልና ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ ኣብታ on the incarnation ትብል መጽሓፉ “ብጀካ ብሞት ብካልእ መንገዲ ናይ ወዲ ሰብ ሞት ክውገድ ከም ዘይክእል ምስ ረኣየ እግዚኣብሔር ወልድ ብባህሪኡ ዘይመውት ክንሱ ምእንታና ንምሟት ስጋና ተዋሃደ። እዚ ድማ እቲ መዋቲ ዝኾነ ባህሪ ናትና ብሰንኪ እቲ ዝተወሃሃዶ ቃል እግዚኣብሔር ዘይመውት ክኸውን ምእንቲን ሞትን ምብስባስን ብትንሳኤ ንኽጠፍእን ኢዩ”[6] ክብል የብርህ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳዊ እውን ኣብታ salvation in orthodox concept  ትብል መጽሓፎም ብዛዕባ ድሕነት ከምዚ ክብሉ ተንቲኖሞ ኣልው “ሓጢኣት ማለት ሕጊ ኣምላኽ ምስዓር፡ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝን ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይምህላውን ኢዩ….. ኣምላኽ ዘይውሰን (unlimited) ስለዝኾነ ሓጢእት እውን ዘይውሰን ኢዩ ምኽንያቱ ኣንጻር እቲ ዘይውሱን ኣምላኽ ስለዝተፈጸመ። ሓጢኣት ድማ ወሰን በዘይብሉ ነገር እንተዘይኮይኑ ይቕረ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ወዲ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ተግባራት ኩሉ ድማ ውሱን ኢዩ። ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዘይውሱን፡ እንበኣር ንስርየተ ሓጢኣት እቲ እንኮ ኣማራጺ ኣምላኽ ስጋ ለቢሱ ክመውት ጥራይ ኢዩ”[7]

 

        እንበኣር ኣብዚ ልዕል ኢሉ ዘሎ ኣመክንዮታት ክንግንዘቦ ከም ዝጸናሕና ንወዲ ሰብ እቲ እንኮ ናይ ምድኃን ኣማራጺ ናይ እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ምልባስ ነበረ። “ብዘይ ምፍሳስ ደም እውን ሕድገት ሓጢኣት የልቦን” ዕብ 9፡22 ከም ዝበሎ ቅዱስ ጳውሎስ ብጀካ ደም ክርስቶስ ከድሕነና ዝኽእል ካልእ ዓይነት ደም ኣይነበረን እምነት ወይ እውን ግብሪ ድማ ብዘይ ደም ክርስቶስ ዝህቡዎ ጥቕሚ ኣይነበረን። ስለዚ እንበኣር “ጊዝኡ ምስ በጽሐ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን፡ ንሕና እውን ናይ ውሉድነት ሥልጣን ምእንቲ ክንረክብነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝሃደረ ወዱ እውን ለኣኾ” ገላ 4፡4 ንሱ እውን ናብቶም ናቱ መጸም እሳቶም ግና ኣይተቐበሉዎምን ነቶም ዝተቐበሉዎ ድማ ውሉድ ኣምላኽ ክኽዕኑ ሥልጣን ነቶም ዝተቐበሉዎ ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም ዮሃ1፡11-12 ነዚ ኢዮም እቶም ብደም እቲ ገንሸል ዝተዓደጉ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን “ዝተቐበልናዮ ንሕና 318 ቅኑዓት እምነትን መርዓዊኣ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝኾነ ሕግጋት ቅድስት ቤተክርስቲያን ዝሰራዕና ኢና” ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቁ.144 ዝበሉ። እቶም ዝተቐበሉዎ ወዲ ኣምላኽ መድሓኒት ምዃኑ ዝኣመኑን ድማ ደሙ እቶም ብደሙ ዝደሓኑን ስርየት ሓጢኣት ዝረኸቡን ናቱ ህዝቢ ኢዮም፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን “ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም ማለት ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ብደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም” 1ይ ጴጥ 1፡18 ክብል ኣርጊጹ ሰባት ብሰናይ ግብሮም ወይ ብቕኑዕ እምነቶም ከምኡ እውን ብመስዋእተ ኦሪት ከም ዘይደሓኑ የገንዝበና ቅዱስ ኤፍሬም እውን “ዘዚኣነ ሞተ ነስኣ ወእንቲኣሁ ህይወተ ወሃበነ” ክብል ሞትና ብህይወት ከም ዝቐየረልናን ዘድሃነናን የነጽር። እዚ ካብ ኮነ ኣስተምህሮ ቤተክርስቲያን ብጸጋ ኢኹም ዝደሃንኩም ዝብል ኣብ መንጎ ብዙሃት ኦርቶድክሳውያንን ፕሮቴስታንትን ዝረአ ዘይምርድዳእ ደኣ እንታይ ኢዩ ግብሪ ከ ንምድሓንና ተራ ኣለዎዶ ንዝብል ቀጺልና ንርአ።

  • ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም

        ብናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ነገረ ድሕነት ኣመሃህራ:- እግዚኣብሔር ዝሃበና ናይ ምድሓን ጸጋ ናይ ሕያውነቱ ህያብ ወይ ጸጋ ኢዩ። ብናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ፈቃድ ብናይ ወልድ ሥጋዌ ብሥምረት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበና ድኅነት ካብታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝተዋህበና ጸጋ ደኣ እንበር ብናይ ሰባት ድኻምን ሰናያትን ወይ ተጋድሎን ዝተረኽበ ኣይኮነን፡ ብናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ነገረ ድሕነት ኣመሃህራ ሰብ ዝደሓነ ብጸጋ ኣምላኽ ኢዩ። ናይ ሰብ ድሕነት ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዘይልወጥ ጽኑዕ ፍቕሪ ውጽኢት ኢዩ። ብሓደ ወገኑ ሓፈሻዊ ኣነባብራ ናይ ደቂ ሰባት ቅድሚ ምምጻእ ጎይታ በቲ ካልእ ድማ እግዚኣብሔር ከመይ ገይሩ ከም ዘድኃነና ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ኣነጺሩ ኣቐሚጡዎ ኣሎ“ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምውታት ነበርኩም ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲ ትነብሩ ነበርኩም፡ ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ ሓለቓ ገዛእቲ ኣየርን ትእዘዙ ነበርኩም። ቀደም ንሕናውን ኩልና ከምኦም ትምኒት ስጋና እንዳፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ብባህሪና ከምቶም ካልኦት ቁጥዓ ኣምላክ ዝግብኣና ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ  ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንዓና ብበደልና ምውታት እኳ እንተነበርና ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፦ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና ፡ ብክርስቶስ ገይሩ ከኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና እዚ ኸኣ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገለጸልና ሕያውነት ማለት እቲ መዘና ዘይብሉ ሃብታም ጸግኡ ምእንቲ ከርኢ ኢሉ ኢዩ ንክርስቶስ ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ እንበር ካባኻትኩም ኣይኮነን” ኤፌ 2፡1-5 ከምኡ እውን ናብ ቲቶ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ተመሳሳሊ ዝኾነ ሓሳብ ከምዚ ክብል ኣስፊሩልና ኣሎ “ንሕና እውን ቀደም ዓያሹ፡ ዘይእዙዛት፡ ጊጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን ዝተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን ንነብር፡ ብሰብ ጽሉኣት፡ ንሓድሕድና እውን ንጻላእ ነበርና። ናይቲ መድሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስን ኣድኃነና” ቲቶ 3፡3-5 እዚ ኩሉ ዝኾነ ምሕረት ኣምላኽ ዝግብኣና ስለዝኾንና ዘይኮነስ ብቸርነቱ ኢዩ ዝነበረ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ከምዚ ክብል ገሊጹሎም ኣሎ “ገና ንሕና ሓጥኣን ኮለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ኢዩ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ” ሮሜ 5፡8 ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ እውን “ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብ እንበር ካይጠፍእሲ፥ ኣምላኽ ንሓደ ወዱ በጃ ክሳብ ምሃብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዮሃ 3፡16  ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣብዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ጥቕስታት ምምልካት ይከኣል ሮሜ 3፡24-25 2ይ ጢሞ 1፡9 ሮሜ 11፡6 ቆላ 1፡21-22 1ይ ጴጥ 2፡24 1ይ ዮሃ 2፡2 ።

        ካብዘን ልዕል ኢለን ዝረኣናየን ጥቕስታት ከም እንግንዘቦ እንበኣር ንሕና ንምድኃንና ዝኸፈልናዮ ወይ ዝገበርናዮ ጊደ ስለዘሎ ዘይኮነስ ብናይ ኣምላኽ ሕያውነት ብጸጋኡ ኢና ዝደኃንና እዚ ማለት ግን እንታይ ማለት ኢዩ?ድኅነትና ስለዝተፈጸመ ወዲእና ኢና ጻማ ተጋድሎ ትሩፋት ኣየድሊን ማለት ዲዩ? ሰብ ኣብ ነገረ ድኅነት ጊደ ኣለዎዶ? እንተለዎኸ ጊደኡ እንታይ ኢዩ?

        ንነገረ ድኅነት እንጠቕሶ ጥቕሲ ሓደ እኳ እንተኾነ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ትርድኦ ግን ድኅነት ብቅጽበት ኢዩ፡ ብጎይታ ኣሚንካ ኣለኻ ድሒንካ ኣለኻ ድኅነትካ ተፈጺሙ ኣሎ ኣይትብልን ኢዩ። ማንም ሰብ ምስ ኣመነ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ክፍጽም ንድኅነቱ ክቃለስን ክጽሊን ድማ ኢያ ትምህሮ። ሰብ እንበኣር ምስ ኣመነ ናይ ድኅነት ጎደና ደኣ ይጅምር እንበር ፈጺሙ ኣይበሃልን ኢዩ። ፍጻሜ ድኅነትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ኢልና ኣብ ንፍረደሉ ሰዓት ደኣ ኢዩ ዝረጋገጽ እንበር ኣብዚ ከም ፍቓድ ስጋና እንዳነበርና ድኂነ ብምባልና ጥራይ ንድኅን ማለት ኣይኮነን። ብናይ ቤተክርስቲያን ኣስተምህሮ ድኅነት ብክርስቶስ ተፈጺሙ ኢዩ ኣነ ሓራ ኢየ እንዳበልካ ምውጫጭን ምጭዳርን ዘይኮነስ ንድሕነትካ ክሳብ ፍጻሜ ክትጋደልን ክትጽዕርን ከም ዘለካ ኢያ ትኣምን። ቅዱሳን ሃዋርያት እውን እዚ ኢዮም ምሂሮምና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ብፍርሓትን ብረዓድን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድኅነት ስርሑ” ፊሊ 1፡12 ብምባል ንናይ ፊሊጲስዩስ ክርስቲያን ኣበርቲዖም ክጋደሉ ከም ዝግባእ ኢዩ ምሂሩዎም።

        እምነት ቅድሚ ኩሉ ልዕሊ ኩሉን ኢዩ ዝመጽእ ሰናይ ግብሪ ብዘይ እምነት ዋጋ ስለዘይህልዎ። “እቲ ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣለዎ፡ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግን ቁጥዓ ኣምላክ ደኣ ኣብ ርእሲኡ ይወርድ እንበር ህይወት ኣይርእያን ኢዩ” ዮሃ 3፡36 ከም ዝተባህለ ሰብ ብህይወት ክነብር መሰረታዊ ነገር እምነት ክህልዎ ይግባእ፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እውን “ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከሥምርዎ ኣይከኣልን ኢዩ” ዕብ11፡6 ዝበለ። ስለዚ ሰብ “እቲ ዝሃብካኒ ቃል ሃብኩዎም ንሳቶም ውን ተቐበሉ፡ ኣነ ካባኻ ከም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ እውን ኣመኑ” ዮሃ 17፡8 ኢሉ ንሃዋርያት ከም ዝተዛረበሎም ብፍጹም እምነት ኣብ ወዲ ኣምላኽ ክንኣምን የድሊ። ሰብ ድሕሪ ምእማኑ እንበኣር “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝከኣል ከቶ የልቦን” ዮሃ 3፡5 ኢሉ ጎይታ ከም ዝመሃረ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክጥመቕ እውን ይግባእ። ነዚ ኢዮም ቅዱሳን ሃዋርያት ነቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ እመን እሞ ክትድሕን ኢኻ ድሕሪ ምባሎም ንድሕነት መሰረታዊ መስርሕ ስለዝኾነ ንዕዑን ንስድራቤቱን ዘጥመቑዎም ግብ 16 ። ከምኡ እውን ብመንገዲ ቅብኣ ሜሮን መንፈስ ቅዱስ ክቕበል ይግባእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ዘይፈልጡ ዝነበሩ ሰብ ኤፌሶን ብስም ጎይታ ምስ ኣጥመቖም ኢዱ ከም ዘንበረሎም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጠቒሱልና ኣሎ ግብ 19፡4-6። ካብ ዘበን ሃዋርያት ጀሚሩ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነቶም ዝተጠመቑ ሰባት ርደተ መንፈስ ቅዱስ ብመንገዲ ኣንብሮተ እድ ከምኡ እውን ብቅብኣ ሜሮን ትፍጽሞ ከም ዝነበረት ይፍለጥ። ሕጂ እውን ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ስርዓት ኣጽኒዓ ብምሓዝ ትጥቀመሉ ኢያ እንበኣር ማንም ሰብ ብጥምቀት ካልኣይ ምስ ተወልደ ብመንገዲ ቅብኣ ሜሮን መንፈስ ቅዱስ ይቕበል 1ይ ዮሃ 2፡20/2፡27 ማንም ሰብ ብእግዚኣብሔር ምስ ኣመነ ብኡ ድማ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተጠሚቑ ብመንገዲ ቅብኣ ሜሮን መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበለ ነቲ ምስ ክርስቶስ ሓደ ዝገብሮ ስጋን ደምን ናይ ጎይታ ክቕበል ይግብኦ። ጎይታ “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ” ድሕሪ ምባሉ “እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ እውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ ድማ ኣብኡ ይነብር” ዮሃ 6፡52-59 ብምባል ቅዱስ ቁርባን እቲ ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሕብረት ክህልወና ዝገብር መግቢ ምዃኑ የገንዝበና ስለዚ ድማ ማንም ብክርስቶስ ኣሚኑ ዝተጠምቀ ወዲ ሰብ ብሜሮን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበለ ብማኅተም ቁርባን ጌሩ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ሕብረት ከጽንዕ ይግባእ።

        ካብዚ ንደሓር ዝነብሮ ናብራ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘፍርዶን ዘቑሞን ነገር ኢዩ። እቲ ዘይኣምን ብወዲ ኣምላኽ ስለዘይኣመነ ድሮ ተፈሪዱዎ ኢዩ ዮሃ3፡18። እቲ ዝኣምን ግና ብወዲ ኣምላኽ ስለዝኣመነ ኣምላኽ ካብኡ ፍረ ክጽበ ኢዩ ሉቃ 13፡6-9 ። ቅዱስ መጽሓፍ ገናጺልና ምስ እነንብብ ኣምላኽ ንሰብ ከከም ግብሩ ከም ዝፈድዮ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ንረክብ ኢና፡ ዳዊት እውን ኣብ መዝሙሩ “ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር ንኹሉ ከከም ግብሩ ኢኻ ትፈድዮ” መዝ 62፡12 ብምባል ዝዘመረ። ጎይታ እውን ኣብ ወንጌል “ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቡኡ ምስ መላእኽቱ ክመጽእ ኢዩ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኢዩ”ማቴ  ቅዱሳን ሃዋርያት እውን ኣብ መልእኽታቶም“ሓጥኣን መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?”1ይ ቆሮ 6፡9-10 “ጊዜ ፍርዲ ቀሪቡ ኢዩ ዝጅምር ከኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝዘለዉ ኢዩ፡ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ እቲ ጻድቕ ብሓይሊ ገደል ዝድሕን ካብ ኮነኸ፥ እቲ ዓማጽን ሓጥእንኸ ደኣ እንታይ ክኸውን ኢዩ 1ይ ጴ 4፡17-19  እንዳበሉ ኣርጊጾም ምሂሮምና ኢዩም። ተመሳሳሊ ጥቕስታት ማቴ 12፡36 ዮሃ 5፡28-30 ራእ 2፡11 ሮሜ 6፡23 ገላ 5፡19-21 ሮሜ 61-ፍጻሜ  ኤፌ 5፡5-6 1ይ ቆሮ 6፡9-10 ዕብ 13፡4 ዕብ 10፡26-30 ቆሎ 3፡5-6 2ይ ተሰ 1፡8 ሮሜ 2፡6-9 2ይ ጴጥ 2፡ 20-22 1ይ ጴ 4፡17-19 ኣብዚ ተዘርዚረን ዘለዋ ጥቕስታት ምስ እንዕዘብ እንበኣር እነስተውዕሎ ግብርና ንድኅነትና ዘለዎ ጊደ ኢዩ።

        ስለዚ ማንም ክርስቲያን ብጎይታ ኣሚኑ ማለት ድሒኑ ማለት ዘይኮነስ ናብ ናይ ክርስቶስ ደንበን መጓሰን ተጸንቢሩ ማለት ኢዩ። ወይ ከም ቅዱሳን ሃዋርያት ክሳብ ፍጻሜ ክጎዓዝ ይኽእል ወይ ከም ይሁዳ ክወጽእ ይኽእል፡ ከም እኒ ጢሞቴዎስ ክሳብ ፍጻሜ ምእማንን ከም ዴማስ ንድሕሪት ምምላስን ናይ ሰባት ምርጫ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ንምርጫካ ኣካይዳኻን ብምርኣይ ኣብ ቅድሚ ፍርዱ የቑመካ ማለት ኢዩ። ብጸጋ ድኅንና ኢና ማለት እንበኣር ተግባር ኣየድልየና ኣሎ ማለት ኣይኮነን፡ ብርግጽ ኢዩ መጓሰ ኣምላኽ ክንጽንበር ኣብ ደንበ ክርስቶስ ክንኣቱ ዝኸፈልናዮ የለን ብጸጋኡ ኢና ረኺብናዮ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኽ ምንባርን መንፈሳዊ ፍረ ምፍራይን ግን ናይ ነፍስ ወከፍ ክርስቲያን ዕዮ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ንኹሉ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኢዩ። ኣምላኽ ፍረ ቅድስና ክንፈሪን ኣብመቕደሱ ክንጸንዕን ይሓግዘና።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ዲ ዮሃንስ ዘደብረ ቁስቋም

 

[1] salvation in orthodox concept  page 9

[2] ወዲ ሰብ ብዲያቆን ሃበን ደጀን ገጽ 16

[3] ወዲ ሰብ ብዲያቆን ሃበን ደጀን ገጽ 16-23

[4] ወደ ኦሎምፒያ የተላኩ መልእክታት እና ሌሎች ብገብረ እግዚኣብሔር ኪደ ገጽ 39

[5] መድሎተ ጽድቅ ዲያቆን ያረጋል ኣበጋዝ ገጽ 86-88

[6] ዝኒ ከማሁ ገጽ 92

[7] salvation in orthodox concept  page 23