mm_logo.jpg
mm_logo3.jpg

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ርኽቡና (ተወከሱና)

Facebook Link Twitter Link YouTube Link

ተልእኾ ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዶግማን ቆኖናን ትዊፊትን ዝሓለወ ብዘመን ዘይልወጥ፡ ቦታ ዘይግድቦ፡ ንድኅነት ኩሉ ፍጥረት እግዚኣብሔር እቲ ሓደ ወዱ በጃ ብምሃብ ዝገለጸልና ፍቅሩ ናብ ዓለም ንምብጻሕ እዩ። ነዚ ተግርባራዊ ንምትግባር ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣሚናትሎም ንምዕዋቶም ብምስራሕ እዩ።

  • ዓለምና፥ ብምዕባለ ለውጢ፥ ኣብ ዝገበረትሉ፥ ግዜ ሓደስቲ፥ ወለዶታት፥ካብ ሃይሞኖት ከይወጹ፥ ባህሎምን ታሪኮምን፥ ከይዝንግዑ፥ ምግባር ናይ ቤተ ክርስቲያን፥ ሓላፍነት፥ ስለ፥ ዝኾነ ብዕትቡነት ምስራሕ።
  • ብምዕባለን፥ ብረዳእታን፥ ኣመስሚስካ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝከይድ ዘሎ ናይ ሃይማኖት(እምነት) ወራር  ምክልኻል።
  • ሃይማኖት ዝሕሉ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዝከላክል፡ ሃገሩ ዘፍቅር፥ ብቁዕ ዜጋ፥ ንምፍራይ ብመንፈሳውን ዘመናውን ትምህርቲ ዝበሰለ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ፥ ብዝተወደበ መልክዕ፥ ቤተ ክርስቲያን ከምዘገልግል ምግባር፥
  • ብናይ ቤተ ክርስቲያን፥ መምርሒ፥ መሰረት መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ንምሃብ፥ ዝተዳለወ ምዃን።

እምብኣርከስ ነዚ መሰረት ብምግባር፥ ማኅበርና፥ ማኅበረ ማርያም ልክዕ፥ ከምቶም ኣቦታትና ተቓሊሶም፡ ስማእትነትን ተቐቢሎም ፡ኣብዚ ደረጃ`ዚ ኣብጺሖም ዘረከቡና፡ ንሕናውን ንዝመጽእ ወለዶ ክንህቦም ግቡእና እዩ ኢላ ብምእማን ትሰርሕ።