mm_logo2.jpg

2. ምሥጢረ ሜሮን

      ሜሮን ማለት ቃሉ ናይ ግሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ትርጉሙ ኸኣ ‹ቅዱስ ቅብኣት› ማለት እዩ። (1ዮሃ 2፡20) ናይ ዘይቲ ጠባይ ካብ ዘለዎም ብዙሓት ተኽልታት ተቓሚሙን ተጻርዩን ምስ ወጸ፡ ብፓትርያርክን ብሊቃነ ጳጳሳትን ብጸሎት ይባረኽ። ሜሮን ካብ ብዙሕ ዓይነት ተኽልታት ተሓዋዊሱ ሓደ ቅብኣት ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እንከሎ ሃብቱ ብዙሕ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ሜሮን ማለት ድሕሪ ጥምቀት ዝግበር ብኣፈጻጽምኡ ኸኣ ናይ እግዝኣብብሄር ጸጋ ንምእመናን ዝወሃበሉ ምሥጢር እዩ። መንፈሳዊ ህይወት ብጥምቀት ይጅምር እዚ ማለት ከኣ ሰብ ካልኣይ ጊዜ ይውለድ ብሜሮን ከኣ ይጸንዕ። እዚ ምሥጢር እዚ ድሕሪ ምሥጢረ ጥምቀት ዝፍጸምን ንዕኡ ዘጽንዕን ብምዃኑ ዘይድገም ምሥጢር እዩ።  ንጥምቀት ፍጹም ንምግባር እዚ ምሥጢር ሽዑ ንሽዑ ድሕሪ ጥምቀት ክፍጸም ኣለዎ። እንተ ዘይኮይኑ ምሥጢረ ጥምቀት ኣይጸንዕን እዩ።

                       

ኣመሰራርታ ምሥጢረ ሜሮን

                                 ብዘመነ ብሉይ

       ቅብኣ ሜሮን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሓይሊ ረኺቡ፡ ብጥምቀት ካብ እግዚኣብሔር ካልኣይ ንዝተወልዱ ሰባት ናይ መንፈስ ቅዱስ መሕደሪ፡ ናይቲ ጥምቀት መጽንዒ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ብሉይ ኪዳን’ውን ይጠቅም ኔሩ እዩ።

      ኣቦና ያዕቆብ ምስ ሓዉ ኤሳው ተባኢሱ፡ ምስ ዘመዱ ላባ ክነብር ናብ ሶርያ ክኸይድ ከሎ ምድሪ መስይዎ ኣብ መንገዲ እምኒ ተተርኢሱ ደቀሰ። ደቂሱ እንከሎ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝተዘርግሐ መሳልል ተተኺሉ መላእኽቲ ክድይቡሉን ክወርዱሉን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዙፋን ተዘርጊሑ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ረኣየ። ምስ ወግሐ “እዚኣ ቦታ እዚኣ ክንደይ ተፍርህ እያ፧ እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ኸኣ ደገ ሰማይ እያ በለ። … ነታ ኣብኣ ተተርኢስዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ከም ሓወልቲ ክትከውን ኣቖማ፡ ኣብ ርእሲኣ ኸኣ ዘይቲ ኣፍሰሰላ።” (ዘፍ 28፡1-22)

     ነዚ እዩ እምበኣር ሎሚ ሓደ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ተሰሪሑ ምስ ተወድአ፡ ብጳጳሳት ብቅብኣ ሜሮን ዝኸብር። መስራቲኡ ኸኣ ንቤተ እግዚኣብሔር ዝሰርሐ ያዕቆብ እዩ። ያዕቆብ ናይ ጳጳሳት፡ ዘይቲ ናይ ሜሮን፡ እቲ እምኒ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ያዕቆብ ናይ ካህናት፡ እቲ እምኒ ናይ ኣሕዛብ፡ ዘይቲ ናይ ምሥጢረ ሜሮን ምሳሌ እዮም።

    እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ፈጢሩ ኣኽቢሩ ነቢይ፡ ካህን፡ ንጉስ ጌሩ ስለዝሸሞ ብኦሪት፡ ብወንጌል ሥርዓተ ክህነት ክሳብ ዝውሰን፡ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳብ ሙሴ ዝነበሩ ኣበው፡ ብበረከተ ኣበው ካብ እግዚኣብሔር እናተሸሙ ንትንቢት፡ ንክህነት፡ ንመንግስቲ ካብቲ ቅዱስ ቅብኢ እናተቐብኡ፡ ብነቢይነቶም ነቲ ዝሓለፈን ዝመጽእን እናገለጹን እናመሃሩን፡ ብክህነቶም መስዋእቲ እናቕረቡ ይነብሩ ነበሩ። ኣቦና ያእቆብ’ውን ናይዚ በረኸት ተካፋሊ ብምዃኑ፡ ንክህነት ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም ዝተቐበለ ምስትውዓል ይግባእ። ነዚ እዩ ኸኣ ነዞም ናይ ሓድሽ ኪዳን ካህናት ምሳሌ ዝኾነ። እቲ ዘይቲ ናይ ምሥጢረ ሜሮን ምሳሌ እዩ። ነቲ ቦታ ያዕቆብ ዘይቲ ኣፍሲሱ ከምዘኽበሮ ብቕብኣ ሜሮን ከኣ ጸጋ እግዚኣብሔር ይወሃብ። ውሉድ እግዚኣብሔር ብምዃን ኸኣ እቲ ዝጥመቕ ይኸብር።

      ናይዚ ቅዱስ ዘይቲ (ቅብኣት) ኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝመሃሮ እግዚኣብሔር እዩ። “ንዕኡ ከምቲ ክኢላ ገባር ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ፡ ጥዑም ዝጨናኡ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቅብኣት ግበሮ። ንሱ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቅብኣት ይኸውን። ሽዑ ብእኡ ጌርካ ነቲ ኣነ ዝርከበሉ ድንኳንን ንታቦት ኪዳን፡ ንሰደቓ፡ ነቲ ኣብ ሰደቓ ዘሎ ኣቑሑ፡ ነቲ ቐዋሚ ቀንዴል ምስ ናውቱ፡ ንመሰውኢ ዕጣን፡ ንመሰውኢ ናይቲ ዝሓርር መስዋእቲ ምስ ኣቑሑኡ፡ ነቲ ሸሓንን ኣጋሮኡን ቅባእ። ነዚ ኹሉ ቀድሶ እሞ፡ ኩሉ ፍጹም ቅዱስ ክኸውን እዩ። ዝትንክዮ ዘበለ ኩሉ ኸኣ ክቕደስ እዩ።” (ዘጸ 30፡25-29) በዚ ቅዱስ ቅብኢ ተቐቢኦም ንዝኸበሩ ንዋየ ቅድሳት ዝትንክፍ ኩሉ፡ ከምዝቕደስ ተገሊጹ እዩ።ብክህነት ከገልግሉ ኣሮንን ደቁን ንእግዚኣብሔር ዝተቐደሱ በዚ ቅዱስ ቅብኢ እዩ። 

  “ንኣሮንን ደቁን ድማ ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ከገልግሉኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን።” (ዘጸ 30፡30) እዚ ስርዓት ቀጻልነት ዘለዎን ንወለዶታት ዝመሓላለፍን ምዃኑ “እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዝተቐደሰ ዘይቲ ቅብኣት ይኹነለይ።” (ዘጸ 30፡31) እዚ ቅብኣ ተራ ቅብኣት ከምዘይኮነ፡ ዝኾነ ሰብ ክሰርሖን ክጥቀመሉን ዘይግባእ ምዃኑ ከረድእ “ኣብ ኣካላት ማንም ሰብ ኣይኩዖ። በቲ ናቱ ኣቃምማ ዝተዳለወ ካልእ ዘይቲ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንዓኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን። እቲ ከምኡ ዝበለ ቅብኢ ዝገበረን፡ እቲ ካህን ንዘይኮነ ካልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፡ ካብ ህዝቡ ይወገዝ።” (ዘጸ 30፡32-33) እንተኾነ ግና ኣብ ቤት ኣሮን ዝተወልደ ብክህነት ከገልግል ምእንቲ፡ ነቲ ቅዱስ ቅብኣ ተቐቢኡ ንክህነት ገንዘቡ ይገብር፣ ካብ ቤተ ዳዊት ዝተወልደ ወዲ ኸኣ ነቲ ቅዱስ ቅብኣት ተቐቢኡ ንመንግስቲ ገንዘቡ ይገብር ነበረ። (መዝ 23፡5፤ 1ሳሙ 16፡13)

   ብዘመነ ሓድሽ

      ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም ምሳሌ ተገሊጾም ዝነበሩ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፍጹማት(ኣማናዊ) ኮይኖም ንረኽቦም። ብዘመን ብሉይ ዝነበሩ ኣበው ብቅዱስ ቅብኣት ንበረከተ እግዚኣብሔር ይቕበሉ ከምዝነበሩ፣ ብዘመነ ሓድሽ’ውን ምእመናን ቅዱስ ቅብኣት ተቐቢሎም ጸጋ እግዚኣብሔር ይረኽቡ። ብዘመነ ኦሪት ብመጠኑ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ፡ ዘመነ ሓድሽ ግና ዘመነ ምሕረት ብምዃኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ብምልኣትን ብስፍሓትን ዝወርደሉ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እነሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ።” ብምባል ተስፋ ሂቡዎም ኔሩ። (ሉቃ 24፡49) ብዕለተ ጰራቅሊጦስ ብዝሃቦም ተስፋ መሰረት፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ወሪዱ እዩ። ኣብቲ መበል ሓምሳ መዓልቲ ኣብ ጽርሓ ጽዮን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ሃብተ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሳቶም ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚኑ ንዝመጸ ሰብ ብኣንብሮተ እድ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የሕድሩሉ ነበሩ። “እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ። ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብኣቶም ወረደ።” (ግ.ሓ 19፡5-6) “እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከኣ፡ ሰብ ሰማርያ ቃል ኣምላኽ ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኹሎም። ሽዑ ንሳቶም ወሪዶም መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበሉ ጸለዩሎም። ምኽንያቱ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ካብኣቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ። ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።” (ግ.ሓ 8፡14-17)

      ብዘመነ ሃዋርያት፡ ኣመንቲ ውሑዳት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ሃዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ብኣንብሮተ እድ የሕድርሎም ነይሮም። እንተኾነ ግና ናይ ምእመናን ቁጽሪ ዕለት ዕለት እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ብኣንብሮተ እድ ንጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምሕዳር ኣድካምን፡ ንኹሉ ንምብጻሕ ግዜ ዝወስድን ኮይኑ ስለዝተረኽበ ኣብ ክንዲ ብኣንብሮተ እድ፡ ብቅብኣ ሜሮን ንጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምሕዳር ኣማራጺ ዘይብሉ ኮይኑ ተረኽበ። ስለዚ ሃዋርያትን ካብ ሃዋርያት ንደሓር ዝተንስኡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታትን፡ ንምእመናን ድሕሪ ምጥማቖም፡ ሜሮን ብምቕባእ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከሕድሩሎም ጀመሩ። ብሜሮን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምሕዳር ከም ዝተጀመረ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ ዝገለጾ ቃል መረድኢ ይኾነና። “ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ቅዱስ ዝኾነ ቅብኣት ኣለኩም፡ ንኹሉ’ውን ትፈልጥዎ ኢኹም።” ምባሉ፡ ብሜሮን ንዝወሃብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ከመልክት ከሎ እዩ። (1ዮሃ 2፡20) መንፈስ ቅዱስ ንፍልጠት ዝገልጽ መንፈስ እዩ። ስለዚ ኢድ ብምንባር ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ምሕዳር፡ ብዝተቐደሰ ቅብኣት(ሜሮን) ተተኪኡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ዘመን ሃዋርያት ጀሚሩ ዝስርሓሉ ዝነበረ ስርዓት እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ ብቅብኣ ሜሮን ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ከምዝወሃብ ክምህር ከሎ “እቲ ንዓናን ንዓኻትኩምን ኣብ ክርስቶስ ዘጽንዓና ኣምላኽ እዩ፡ ዝቐብኣና’ውን ንሱ እዩ። ናቱ ከም ዝኾንና ማኅተም መፈለጥታ ዝገበረልና፡ ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና ንሱ እዩ።” ኢሉ እዩ። (2ቆሮ 1፡21) ንምእመናን ኤፌሶን ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቱ’ውን “ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።” ኢሉዎም እዩ። (ኤፌ 4፡30)

ሥርዓተ ሜሮን

    ሜሮን ኣብ ግዜ ጥምቀት ክርስትና ዝፍጸም ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ ስርዓቱ’ውን ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-

  • ዲያቆን ነቲ ዝጥመቕ ኣማኒ፡ ርእሱ ኣትሒቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደው ንኽብል ይእዝዝ።
  • እቲ ካህን ነቲ ሜሮን ሒዙ ኣብ ርእሲ እቲ ተጠማቒ ይጽሊ።
  • እቲ ካህን ነቲ ሜሮን ብኣምሳለ ትእምርተ መስቀል እናኣመሳቐለ፡ መጀመርታ ኣብ የማናይን ጸጋማይን ግናባሩ ኣብ ክልተ ቦታ ይለኽዮ፡ ኣብ ግናባር እቲ ዝተጠምቀ ክለኪ ከሎ ኣብ ገጹ ኡፍ ይብለሉ።
  • ድሕሪኡ’ውን ‹‹ቅብአ ቅዱሰ እቀብኣከ ለሱታፌ ህይወት ዘለኣለም- ተሳታፊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክትከውን ቅዱስ ቅብኣት እቐብኣካ ኣለኹ›› እናበለ ክልተ ቀዳዳት ኣፍንጭኡ፡ ክልተ ከናፍሩ፡ ክልቲኡ ኣእዛኑ፡ ክልቲኡ ኣዒንቱ፡ ኣፍ ልቡን፡ ካብ ማእከል ርእሱ ክሳብ ሕቑኡ፡ ማእከላይ ሕቑኡን ሕምብርቱን ይለኪ።
  • ድሕሪኡ ‹‹እቀብኣከ ቅብዐ ቅዱሰ ዘኣምላክነ መሲሕ፡ ወማሕተም ዘኢይትፈታሕ ኣሜን-በቲ ዘይፍታሕ ማሕተምን፡ ቅዱስ ቅብኣት ናይ ክርስቶስ ኣምላኽናን እቐብኣካ ኣለኹ›› እናበለ፡ የማናይን ጸጋማይን ኣእዳዉ፡ መጋጠሚ ኣእዳዉ፡ ጸጋማይን የማናይን መንኩቡ፡ ወተግ ክሳዱ፡ ጸጋማይን የማናይን ብርኪ ኢዱ፡ ናይ ክልቲኡ ኣእዳው ከብዲ ኢድን ዝባን ኢድን ይለኪ።

            ከምኡ’ውን ‹‹እቀብኣከ ቅብኣተ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ›› እናበለ ክልተ ምሕኩልቱ፡ ክልቲኡ ኣብራኹ፡ ኣጻብዕ ናይ ክልቲኡ ኣእጋር፡ ከብዲ እግርን ዝባን እግርን ይለኪ። ብኣጠቓላሊ 36 ኣካላቱ ይልከ። ምስ ወድአ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጠመቐ ኣእዳው ጌሩ ‹‹ብበረከተ ሰማያውያን መላእኽቲ ብሩኽ ኩን›› እናበለ ይባርኾ። ድሕሪኡ እቲ ዝተጠመቐ ጻዕዳ ክዳን ይኽደን፡ ኣብ ርእሱ’ውን ኣኽሊል ይገብር።

ጥቕሚ ሜሮን

     ጥምቀት ውሉድነት ዘውህብ ክኸውን ከሎ፡ ሜሮን ከኣ ምዕባይ፡ ምጽናዕ፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዘውህብ እዩ። ስለዚ ምውላድ ጥራይ እኹል ኣይኮነን፡ ምጽናዕን ምዕባይን ከኣ የድሊ። ስለዚ ሃብተ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝረኸብናን ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተወለድናን መረጋገጺ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ምሥጢረ ሜሮን እዩ። ሜሮን ንኣንብሮተ እድ ዝተክአ ስርዓት ከም ዝኾነን፣ ሎሚ’ውን ካህናት ምስ ኣጠመቑ ሽዑ ንሽዑ ሜሮን ክቐብኡ ከምዘለዎም ካብዚ ቃል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ንርዳእ። “እዚ ምስ ሰምዑ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠምቁ፡ ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብኣቶም ወረደ።” (ግ.ሃዋ. 19፡5-6) ንመንፈሳዊ ዕብየት ኮነ ንዘለኣለማዊ ድሕነት ሜሮን የድልየና እዩ።