mm_logo.jpg

7. ምሥጢረ ቀንዴል

      ‹ቀንዴል› ወይ ከኣ ‹ቅብኣ ቅዱስ› ዝተባህለ ምሥጢር፡ ካብ ጽሩይ ዘይቲ ኣውሊዕ ዝተሰርሐ፡ ናይ ስጋን ነፍስን ሕማም ዘርሕቕ ናይ ምድሓን ሓይሊ ዘለዎ፡ ክርስቶስ ዝመስረቶ ሃዋርያት ዝመሃርዎ ምሥጢር እዩ። ቀንዴል ሃዋርያት ይሰርሑሉ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ እዩ። “ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኩሉ ክንሳሕ ሰበኹ። ስለዚ ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።” (ማር 6፡13) ሃዋርያት ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅዱስ ያዕቆብ “ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታና’ውን ከተንስኦ እዩ፡ ሓጢኣት ጌሩ እንተኾይኑ’ውን ኪሕደገሉ እዩ።” እናበለ፡ ኩሉ ክርስቲያን ክጥቀመሉ ኣድላዪን ግቡእን ምዃኑ ብሰፊሕ ኣረዲኡ እዩ። (ያዕ 5፡14-16)

      ሃዋርያ ያዕቆብ ዘስተምሃሮ እዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ‹ቀንዴል› ተባሂሉ ይፍለጥ። ብጸሎትን ቡራኬን ካህናት፡ ሓደ ሕሙም ሰብ፡ ብዝተቐደሰ ዘይቲ ብምቕባእ ካብ ሕማሙ ዝፍወሰሉን ካብ ሓጢኣት ዝነጽሃሉን ኣገልግሎት እዩ። ናይዚ ስርዓት መስራቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ንኸረደኣና ከምዚ ይብል፡- “ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ናብኡ ጸዊዑ፡ በብኽልተ ጌሩ ክልእኮም ጀመረ። ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ስልጣን ሃቦም።” ይብል። (ማር 6፡7-8) እዚ እሞ መዓስ ዘይቲ ቀቢእኩም ኣሕውዩ ይብል፧ ዝብል ሕቶ እንተሎ፡ እቶም ዝተላእኩ ደቀ መዛሙርት ዝገበርዎ ኣብ መወዳእታ ተጻሒፉ ኣሎሞ ንርኣዮ። “ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኩሉ ክንሳሕ ሰበኹ። ስለዚ ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።” (ማር 6፡13)

      ብምሥጢረ ቀንዴል ናይ ስጋን ነፍስን ድሕነት፡ ናይ ሓጢኣት ስርየት፡ ናይ ነፍስ ምጽንናዕ ንረክብ። ምሥጢረ ቀንዴል ብካህን ዝፍጸም ርእሱ ዝኸኣለ ምሥጢር እዩ።ቀንዴል ኮነ ሜሮን ክልቲኦም ዝተቐደሱ ቅብኣት እዮም፡ ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ስርዓት ዝፍጸም ድማ  ብምቕባእ እዩ። ናይ ቀንዴልን ሜሮንን ፍልልይ ግና፡-

     ሜሮን፦ ካብ ዝበዝሑ ናይ ዘይቲ ጠባይ ዘለዎም ኣትክልቲ ተቓሚሙን ተጻርዩን ዝወጽእ ቅብኣት እዩ። እቲ ቀንዲ ግና በለሳን ዝብሃል ናይ ዕንጨይቲ ዓይነት እዩ።

  • ብጸሎትን ቡራኬን ፓትርያርክን ሊቃነ ጳጳሳትን ዝኸብር ቅብኢ እዩ።
  • ንጥምቀት ዘጽንዕ ማህተመ መንፈስ ቅዱስ እዩ።
  • ሓደስቲ ንዋየ ቅድሳት ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኣትዉ ከለዉ ዝኸብሩሉ እዩ።
  • ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ተሰሪሑ ክውዳእ ከሎ ዝኸብረሉ እዩ።
  • ዘይድገም ምሥጢር እዩ።

     ቀንዴል፦ ቅብኣ ቅዱስ እናተባህለ ዝጽዋዕ፡ ካብ ሓደ ተኽሊ ማለት ካብ ኣውሊዕ ዝወጽእ ጽሩይ ዘይቲ እዩ።

  • በብግዚኡ ንዝሓመሙ ምእመናን ዝፍጸም ኣገልግሎት ብምዃኑ ዝድገም ስርዓት እዩ።
  • ንጥዑያት ዘይኮነስ ንሕሙማት ጥራይ ዝግበር ስርዓት እዩ።

ጥቕምን ኣፈጻጽማን ምሥጢረ ቀንዴል

    ቀንዴል ከም ካልኦት ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ብካህናት ጥራይ ይፍጸም። “ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ይጸውዕ” ዝብል ቃል ነዚ ግልጺ ይገብረልና። (ያዕ 5፡14) እቲ ካህን ነቲ ስሩዕ ጸሎት ብዝግባእ ኣብጺሑ፡ ናይቲ ሕሙም ኣካላት፡ ዓበይቲ ህዋሳቱን ነቲ ዝሓመመ ኣካሉን ብትእምርተ መስቀል ይቐብኦ። በዚ ኸኣ እቲ ብምኽንያት ሕማም ደኺሙ ዝነበረ ኣካሉ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ይብርትዕ። ሕማም ስጋ ነፍሲ፡ ሕማም ነፍሲ ድማ ንስጋ ስለዝተርፍ፡ ሰባት ንጽህናኦም ብዘይ ምሕላዎም ሰብነቶም ብሓጢኣት ምስ ዝረክስ፡ ነፍሶም እ’ውን ትሳቐ እያ። ብስግኦም ሓጢኣት ኣብ ዝገብሩሉ ግዜ ነፍሶም’ውን ትሓምም። ብንስሓ ተመሊሶም ምሥጢረ ቀንዴል ምስ ተቐብኡ ግና ድሕነት ስጋን ድሕነት ነፍስን ይረኽቡ። እዚ ቅብኣት ሓጢኣት ዘስተስርን ድሕነት ዝህብን ብምዃኑ ምስ ምሥጢረ ንስሓን ምሥጢረ ጥምቀትን ይመሳሰል እዩ።

      ቅዱስ ያዕቆብ ከም ዝመሃሮ፡ ቀንዴል ዝቕባእ ሰብ ኣቐዲሙ ብንስሓ ዝተሓጽበ ክኸውን ይግብኦ። ድሕሪ ንስሓ ሥርዓተ ቀንዴል ነቲ ሕሙም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ኣብቲ ንሱ ዘለዎ ቦታ፡ ዋላ’ውን እንዳ ሕክምና እንተኾነ ክፍጸመሉ ይኽእል። ንቐንዴል፡ ናይ ቦታን ግዜን፡ ናይ ዕድመን ጾታን ፍልልይ ኣይግበሮን። ዝኾነ ምእመን ንስሓ ኣትዩ፡ እቲ ዝተዋህቦ ቀኖና እንተ ወዲኡ ምሥጢረ ቀንዴል ክፍጸመሉ ይኽእል እዩ።

      ምሥጢረ ቀንዴል ብሸውዓተ ኤጲስቆጶሳት ወይ ሸውዓተ ካህናት ይፍጸም። ንሳቶም ከኣ ናይቶም ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዝተገልጹ ሸውዓተ ብርሃናት ምሳሌ እዮም። (ራእ 1፡12) ነዚ ምሥጢር ዝፍጽሙ ካህናት፡ ጽሩይ ዘይቲ ቀሪቦም፡ ንዕኡ ዝተወሰነ ጸሎት የብጽሑ። ሸውዓተ መባርህቲ ሒዞም ከኣ ሸውዓቲኦም በብተራ ኣብ ርእሲ እቲ ምእመን ወንጌል የንብቡ። እዚ ድማ ናይ ጐይታ ኣንብሮተ እድ ምሳሌ እዩ። ወንጌል ምስ ተነበበ፡ ሸውዓቲኦም ኣእዳዎም ኣብ ርእሱ ብምንባር ይጽልዩሉ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ጫፉ መቕብኢ ዝኸውን ጡጥ ዘለዎ ዕንጸይቲ ብምሓዝ ኣብቲ ዝተጸለየሉ ዘይቲ ብምእላኽ ብትእምርተ መስቀል ይቐብእዎ።

ብምሥጢረ ቀንዴል ዝርከቡ ጸጋታት

    ምሥጢረ ቀንዴል ክልተ ዓይነት ጸጋ ስለዘውህብ፡ ካብ ካልኦት ምሥጢራት ዝተፈልየ እዩ። እዞም ጸጋታት ከኣ ፈውሲ ስጋን ፈውሲ ነፍስን እዮም።

ፈውሰ ስጋ፡- ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንእመናን ናብ መንግስተ ሰማይት ምድላውን ምብቃዕን ኮይኑ፡  ምስ መንፈሳዊ ህይወትና ስለ ስጋዊ ጥዕናና ብምሕሳብ’ውን ካብ ሕማምና ንኽንፍወስ ምሥጢረ ቀንዴል ትፍጽመልና። ኣብ ሰዓታት፡ ማህሌትን ቅዳሴን ዝበጽሑ ‹በእንተ ዱያን-ምእንቲ ሕሙማት› ዝብሉ ጸሎታት’ውን ነዚ ዘረድኡ እዮም። ቀንዲ ዕላማ ናይ ምሥጢረ ቀንዴል፡ ንሕሙማነ ስጋ ምፍዋስ እዩ። ምሥጢረ ቀንዴል ብፍጹም እምነት እንተ ተፈጺሙ ንሕሙማት የሕዊ እዩ። ምሥጢረ ቀንዴል ተፈጺሙሉ ዘይሓዊ ወይ’ውን ዝመውት ሰብ ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ግና ብሰንኪ ምጉዳል እምነት ወይ ካብ ልቢ ዘይኮነ ንስሓ/ጣዕሳ/ሸለልትነት ክኽውን ይኽእል እዩ። (ያዕ 1፡6-8፤ ኤር 18፡21-23፤ ኢሳ 28፡22) ናትና ጽንዓት ንምዕቃን፤ ንኣጋንንቲ ንምሕፋር፡ (ኢዮ 1፡1፤ )፡ ወይ ከኣ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ነቲ ሰብ ዝተዋህበ ውሳነ ክኸውን ይኽእል እዩ።(ሮሜ 8፡28፤ 1ጴጥ 5፡10፤ 2ቆሮ 12፡7-10) 

ምሥጢረ ቀንዴል ዝቃወሙ ዘቅርብዎም ምኽንያትን

  1. ሓወርያ ቅዱስ ያዕቆብ ዘቅረቦ ብዘይቲ ምቅባእ ምሥጢር ዘይኮነስ ኣብ ወንጌል ዝተነግረ ሕሙማት ብዘይቲ እና ቀባእከ ዝግበር ናይ ትኣምር ስራሕ እዩ ይብሉ። ናይ ሓደ ትኣምራታዊ ውጽኢት ዝተፈላለዩ ምልክታትን ናይ ኣሠራርሓ ቅድመ ተከተል ሕጊ ምውጻእ ዝፍጸም ኣይኮነን። ብካልእ መንገድውን ቅዱሳን ሓወርያት ብመንገዲ ምስጢራት ቤተ ክርስቲያን  ተኣምራት ፈጺሞም እንተኾይኖም ዘገርም ኣይኮነን።
  2. ሓውርያ ቅዱስ ያዕቆብ ዝተቀሶ ናይ ዘይቲ ምቅባእ ጉዳይ ዝሓመመ ሰብ ንምፍዋስ ዝኸውን ሓደ ተራን ቀሊል መንገድን እምበር ምሥጢር ኣይብሃልን እዩ ይብሉ። ንሳቶም ከምዝብልዎ ሓወርያ ቅዱስ ያዕቆብ ዝተቀሶ ናይ ዘይቲ ምቅባእ ቀሊል ነይሩ እንተ ዝኸውን ንምንታይ ካህናት ምጽዋዕ ኣድለየ። ናይ ካህናት ኃጢኣት ናይ ምስጥስራይ ሓላፍነቶም ኣብዚ ክጥቀስ ንምምምንታይ ኣድለየ።
  3. ብዘይቲ ምቅባእ ስርዓት ከም ሓደ ካብ ምስጢራተ በተክርስቲያን ዝቁጸር እንተ ኾይኑ ንምንታይ ከምቶም ካልኦት ምስጢራት ውጽኢት እንረክበሎም ኩሎም ዝሓመሙ በዚ ምስጢር ዘይሓውዩ ኢሎም እውን ይሓቱ።

          እዚ ብክለተ መንገዲ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ሕማም ብክልተ ነግራት ክመጽእ ይኽእል እዩ።

ሀ) ከም ናይ ኣቦና ኢዮብ ንጽንዓትናን ናይ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ንምግላጽ (የሓ9:3)።

ለ)  ካብ ድኻምና ዝመጽእ እዩ(5:14)። እዚ ዓይነት ሕማም ብልክዕ ብጸሎት ቀንደል ዝሓዊ ኮይኑ እቲ ሕሙም ምስ ዝንሳሕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኃጢኣቱ ምስ ዝናዘዝን እዩ። እንተ ዘይ ሓውዩ ግና፡ ዘይመሕወይኡ ምክንያት እዞም ክልተ ነጥብታት እዮም። ቅዳማይ እግዚኣብሔር ንስርየት ኃጢኣቱ ክብል ምፍዋሱ(ምሕዋዩ) ኣገዳሲ ዘይክኸውን ይክእል እዩ። ካልኣይ ምክንያት ጎይታ ዝፈልጦ ካልእ ምኽንያት ክህልዎ ይክእል እዩ። ንኣብነት ምስጢረ ቁርባን ንኃጢኣት ስርየትን ንዘልዓለማዊ ሕይወትን ዘውህበና ምስጢር ምዃኑ ዝተኣመነ እኳ እንተኾነ፥ ሓወርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንጦስ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ ግና ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ዝሓመሙ፡ ዝደኸሙ፡ ሓደ ሓደ ዝሞቱ፡ ናይ ጎይታ ደምን ሥጋን ከይተገብኦም ብምውሳዶም(ምቅባሎም) እዪ እናበል ክገልጸሎም ንምልከት። ስለዚ ምስጢሩ ጠቃሚ እኳ እንተኾነ ከምቲ ሰርዓቱ ጌርካ ዘይምቅራብን ዘይምውሳድን ዘኸትሎ መቅጻዕቲ እውን ኣሎ። ኩሎም ምስጢራት ብእምነትን ብስርዓት ዝግበሩ ብምዃኖም ካብ ፈጸምቶምን ኣፈጸምቶምን ምሉእ እምነትን ኣብ ቅድሚ ጎይታ ብንጽሕናን ክፉት ልቦናን ክቆሙ ይግባእ እዩ።