mm_logo2.jpg

3. ምሥጢረ ቁርባን

  ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‹እዚ ሕብስቲ ስጋይ እዩ፡ እዚ ጽዋእ ደመይ እዩ” ኢሉ ነቲ ሕብስትን ነቲ ወይንን ስጋኡን ደሙን ጌሩ ንደቂ መዛሙርቱ ብምሃቡ፡ ነቲ ናይ ሓዲስ ኪዳን ቃሉ ብደሙ ሓተሞ። (ማቴ 26፡26) ንመስዋእተ ኦሪት ድማ ብመስዋእቲ ወንጌል ተክኦ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ቁርባን፡ ምሳሌ ወይ ከኣ መዘከርታ ኣይኮነን። ህያው ወዲ እግዚኣብሔር ‹እዚ ሕብስቲ ስጋይ እዩ፡ እዚ ጽዋእ’ውን ደመይ እዩ› ኢሉ ከም ዝነገረና፡ ሓቀኛ ስጋኡን ሓቀኛ ደሙን እዩ። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሕብስትን ወይንን ብምስጋና ኣኽቢሩን ቀዲሱን፡ ስግኡን ደሙን ጌሩ ብፍጹም እምነትን ንጽህናን፡ ክንበልዖን ክንሰትዮን ሂቡና እዩ። ሎሚ’ውን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ፡ ነቲ ወይኒ ኸኣ ኣብ ጽዋእ ኣዳልያ፡ ብጸሎት ብቡራኬ ነቲ ሕብስቲ ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ነቲ ወይኒ ኸኣ ደመ ወልደ እግዚኣብሔር ጌራ ተቕርብ። ቤተ ክርስቲያን ንስግኡን ደሙን ኣብ ተኽብረሉን ትቕድሰሉን እዋን ምግራፉ፡ ምስቃሉ፡ ምሽንካሩ፡ ምውግኡ፡ ሕማሙን ሞቱን ትሓስብን ተዘክርን። ኣብ እዋን ቁርባን ቤተ ክርስቲያን ትፍጽሞ ጸሎት፡ ምስጋና፡ ኣኮቴት፡ ቅዳሴ፡ ዝማሬ ይበሃል። እቲ ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ ነቲ ወይኒ ኸኣ ኣብ ጽዋእ ጌሩ፡ ከም ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን  ክባርኾ ከሎ፡ እቲ ሕብስቲ ተለዊጡ ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር፡ እቲ ወይኒ ኸኣ ተቐይሩ ደመ ወልደ እግዚኣብሔር ይኸውን። ንስግኡን ደሙን ኣሚኑን ነጺሁን ዝተቐበለ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይረክብ። ስለዚ ቀዳማይ፡- መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሸት ሓሙስ “ስጋይ ብልዑ ደመይ’ውን ስተዩ” ኢሉ ከም ዝሃበና፡ ካልኣይ፡- ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ኩሉሳዕ ዘቕርብዎ ሕብስትን ወይንን ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ከም ዝኾነ፡ ሳልሳይ፡- ብመልክዕ ሕብስትን ወይንን እኳ እንተ ተራእየ፡ ካህናት ዝህቡና ንሕና’ውን እንቕበሎ ሕብስትን ወይንን ዘይኮነስ፡ ብሓቂ ናይ ኣማኑኤል ኣምላኽና ስግኡን ደሙን ከም ዝኾነ ንኣምን። “ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር። ከምቲ ህያው ኣቦ ዝለኣኸኒ ኣነ ኸኣ በቦ ህያው ዝኾንኩ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ስጋይ ዝበልዕ ብኣይ ህያው ኮይኑ ክነብር እዩ።” ከምዝበለ፡ ንስግኡን ደሙን ዝቕበሉ ኩሎም፡ እቲ ካልኣይ ሞት የብሎምን፡ ንዘለኣለም ህያዋን ኮይኖም ይነብሩ። (ዮሓ 6፡54-57) ስጋኡን ደሙን ዝቕበል ኩሉ ምእመን፡ ኣሚኑ ክቕበል ኣለዎ፡ ከይኣመነ እንተተቐቢሉ ግና ፍዳ(ዕዳ) ክኾኖ እዩ። ካህን’ውን ብልቡ ቂም በቐል(ሕነ ምፍዳይ) ዝኣምሰለ ክፉእ ግብሪ ሒዙ ክቕድስን ክቖርብን ኣይግባእን እዩ። ምእመናን’ውን ቂም በቐል ዝኣምሰለ ክፉእ ግብሪ ሒዞም ከቐድሱን ክቖርቡን ኣይግባእን እዩ። ካብዚ ከይተፈለዩ እንተ ቘረቡ ግና ክፍረዶም እዩ። (1ቆሮ 11፡27-30)

ብቅዱስ ቁርባን ዝርከብ መንፈሳዊ ጸጋ

ኣብ ምሥጢረ ቁርባን በቲ ዝረአ ኣገልግሎት ዘይረአ ጸጋ ንረክብ። እቲ ወይኒ ኣብ ጽዋእ እቲ ሕብስቲ ኸኣ ኣብ ጻሕሊ ኮይኑ፡ እቲ ካህን ክጽልየሉን ክባርኾን ከኽብሮን ከሎ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ብደገ ኾይኖም ‹ኣሜን ይኹን ይኹን› ክብሉ ኸለዉ ይረኣዩ እዮም። እቲ ሕብስትን ወይንን ተቐይሩ ስጋን ደምን ወልደ ኣምላኽ ክኸውን ከሎ፡ ነቶም ዝቕበልዎ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም ከሎ ኣይረአን እዩ። ካብቲ እንረኽቦ መንፈሳዊ ጸጋታት ድማ፡-

ሀ. ብዕለተ ዓርቢ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጎልጎታ ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝቖረሶ ቅዱስ ስጋን ዘፍሰሶ ክቡር ደምን ንቕበል።

ለ. ኣብ መንፈሳዊ ፍልጠትና ንዓብየሉ፡ ብጸግኡ ንህብትመሉ፡ ናይ ህይወት መግቢ ንረኽበሉ መንፈሳዊ ጸጋ እዩ። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመዋእለ ሥጋዌኡ ክምህረና ከሎ “ናይ ህይወት እንጌራ ኣነ እየ እቲ ናባይ ዝመጽእ ኣይክጠምን፡ እቲ ብኣይ ዝኣምን ድማ ከቶ ኣይጸምእን እዩ…..ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ” ኢሉ እዩ (ዮሃ 6፡35-55)

ሐ. ስርየት ሓጢኣት ንረክብ። “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።” (ማቴ 26፡27-28)

መ. ጐይታናን ኣምላኽናን ኣብ ህይወትና ይነብር ንሕና’ውን ኣብኡ ንነብር “እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር።” (ዮሃ 6፡56)

ሰ. ምስ ጐይታና ዘለና ሓድነት፡ ከምኡ’ውን ምስ ቅዱሳን ዘለና ሕብረት ነረጋግጽ። “ሓንቲ እንጌራ ካብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ከሎና ሓደ ስጋ ኢና። ከመይ ካብ ሓንቲ እንጌራ ኢና ተሳቲፍና።” (1ቆሮ 10፡17)

ረ. ጨንፈር ካብ ጉንዲ ክሳብ ዘይተፈልየ ህይወት ከምዝህልዎ፡ ኩልና ክርስቲያን’ውን ካብቲ ጉንዲ ወይኒ ዝኾነ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይምፍላይና፡ ብህይወት ከም እንነብርን ብሓጢኣት ከም ዘይንመውትን ነረጋግጽ። “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም ደሙ’ውን እንተ ዘይሰተኹምሲ፡ ህይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አለኹ።” (ዮሃ 6፡53)

ሸ. ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ። “ስጋይ ዝበልዕ ደመይ’ውን ዝሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ኣነ’ውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ።” (ዮሃ 6፡54)

ቅድሚ ቁርባን ክግበር ዘለዎ ምድላዋት

      ሓደ ክርስቲያን ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ምቕባል ሃይማኖታዊ ግዴትኡ እዩ። እንተኾነ ግና ቅድሚ ንስጋ ወደሙ ምቕራቡ ክገብሮ ዝግብኦ  ምድላዋት (ጥንቃቐታት) ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፡-

ሀ. ዝቕድሱን ዝቖርቡን ሰባት ሰብ ሓዳር እንተ ኾይኖም፡ ቅድሚ ምቕዳሶምን ምቑራቦምን ሰለስተ መዓልቲ፡ ድሕሪ ቁርባን ከኣ ክልተ መዓልቲ ካብ ጸታዊ ርክብ ክኽልከሉ ይግባእ። (ዘጸ 19፡15፤ 1ሳሙ 21፡1-6፤ ሉቃ 1፡24 ኣንድምታ ርአ)

ለ. ቅዱስ ቁርባን ዝቕበል ሰብ፡ ኣቐዲሙ ንስሓ ኣትዩ ካብ ሓጢኣት ዝነጽሀ ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ክርስቲያን ዝኾነ ሰብ፡ ናይ ክርስቶስ ስግኡን ደሙን ተቐቢሉ ንትንሳኤ ህይወት ክወርስ ዝደሊ እንተኾይኑ፡ ንልቡ ካብ ቂም በቐል፡ ንሰብነቱ ካብ በደል ኣንጺሁ ክቕበል ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ብዛዕባ ዝፈልጦ ሓጢኣት ተናዚዙ፡ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ሓጢኣት ይቕረ በለለይ እናበለ ብንጽህና ይቖርብ ማለት እዩ። ካብ ሓጢኣት ከይነጽሀ እንተ ተቐበለ ግና ናይ ጐይታ ስጋ ከም ዝኾነ ስለ ዘይፈለጠን፡ ከም ምድራዊ ምግቢ ሓሲቡ ስለ ዘቃለሎን፡ ምስ ሓጥያቱ እንከሎ ብዘይፍርሓት ብድፍረት ንስግኡን ደሙን ብምቕባሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዘምጽእ። (1ቆሮ 11፡23-29)

ሐ. ንስግኡን ደሙን ንምቕባል 18(ዓሰርተ ሸሞንተ) ሰዓት ካብ እኽለ ማይ ተኸልኪልካ ምጽዋም ይግባእ። ዝበላዕናዮ ምስ ጠፍአን ኣፍና ዕረ ዕረ ምስ ጠዓመናን፡ ድሕሪ 18 ሰዓታት ክንቅበሎ ይግባእ።

 

 

 

ስርዓት ኣብ እዋን ቅዳሴ

         ኣብ እዋን ቅዳሴ ምእመንናን ነዚ ዝስዕብ ስርዓት ክፍጽሙ ይግባእ፡-

ሀ. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን፡ ናይ እግዚኣብሔር ነገር (ትምህርትን ጸሎትን) ንምስማዕ ስቕ ኢሎም ደው ክብሉ ኣለዎም። ብዘይካ ተሰጥዎ ምቕባል (ምምላስ) ምዝራብ፡ ምስሓቕ ኣይግባእን እዩ። ኣብ ግዜ ቅዳሴ ፈጺሙ ዝስሕቕ ክህሉ የብሉን።

ለ.   ወንጌል ክንበብ እንከሎ ደው ምባል እምበር ኮፍ ምባል ኣይግባእን እዩ።

ሐ. ወንጌል ክንሳለም ከለና “ነኣምን ቃለ ወንጌል ቅዱስ” (ብቓል ቅዱስ ወንጌል ንኣምን) እናበልና ንሳለም።

መ. ቅዳሴ ክጅመር ከሎ ዘይነበረ ሰብ ኣይቆርብን እዩ። ከምኡ’ውን ቅዳሴ ክጅመር ከሎ ዘይነበረ ካህን ስግኡን ደሙን ክቕበል ከቐብል ኣይተፈቕደሉን። (ፍት.ነገ.ኣን 12 በሰ 97)

ሰ. ብዘይካ ምእመናን ካልኦት ዘይኣምኑ ሰባት ስግኡን ደሙን ከይቅበሉ ምሕላውን ምቁጽጻርን የድሊ። (ፍት.ነገ.ኣን 13 ረስጠብ 44)

ረ. ኣብ ንስሓ ዘሎ ሰብ፡ ናይ ቀኖና ግዚኡ ከይፈጸመ ንሞት ዘብጽሕ ደዌ እንተሓመመ፡ ስግኡን ደሙን ካብ ምቕባል ኣይክልከልን እዩ። ስግኡን ደሙን ተቐቢሉ እንተሓወየ ግና ምስ ምእመናን ብጸሎት ይሳተፍ እምበር ቀኖናኦም ናብ ዘይወድኡ ሰባት ኣይምለስን። (ፍት.ነገ.ኣን 13 ዕንቆራ 15)

ሸ. ናይ አቀባብላ ስርዓት ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ቀዳማይ ሊቀ ጳጳሳት፡ ድሕሪኡ ጳጳሳት፡ ኤጲስ ቆጶሳት፡ ቆሞሳት፡ ቀሳውስት፡ ዲያቆናት፡ ንፍቅ ዲያቆናት በብተርኦም ይቖርቡ። ካብኡ ቀጺሎም በቲ ዕለት ጥምቀተ ክርስትና ዝተጠመቑ ይቕበሉ። ካብኡ ህጻናት፡ ደናግል፡ ህዝባውያን ምእመናን ከከም መዓርጎም ስርዓት ቅዳሴ ከምዝእዝዞ ይቕበሉ።

ቀ. ቁርባን ምስ ተቐበሉ ማየ መቑረር ይወሃብ። (ፍት.ነገ.ኣን 13 ክርስጣ 65)

ድሕሪ ቁርባን ክንገብሮም ዝግባእ ጥንቃቐታት

ሀ. ስጋኡን ደሙን ምስ ተቐበልና፡ ምስጋድ ክልኩል እዩ። ምኽንያቱ ብቕዱስ ቁርባን ናብ መንግስተ ሰማያት ስለ እንኣቱ፡ ምስ ኣተና ድማ ድኻምን ጻዕርን ስለዘይብልና እዩ።ትርጉሙ ኸኣ ድሕነት ብስጋ ወደሙ ዘይኮነስ ብትሩፋትና እዩ ምእንቲ ከይንብል እዩ።

ለ. ናብ ቤት ፍርዲ ኬድካ ምክርኻር፡ ርሑቕ መንገዲ ምጉዓዝ፡ ዘድክም ስራሕ ምስራሕ፡እዚ’ውን ተዓንቂፍና ደም ከይወጸና፡ ወይ ድማ ብድኻም ከይንርህጽ እዩ።

ሐ. ብማይ ምሕጻብ ኣይግባእን፡ ምኽንያቱ እቲ ቅዱስ ስጋን ክቡር ደምን ካብ ኩሉ ርስሓትና ዘጽርየና ምዃኑ ንምዝካር እዩ።

መ. ኣብዚሕካ ምብላዕ ወይ ምስታይ ኣይግባእን፡ እዚ’ውን ከየሕምመናን ከየምልሰናን ተባሂሉ እዩ። ሓይኽካ ወይ መጺኻ ዝድርበ (ዓጽሚ፡ ማስቲካ፡ መወጽ ወዘተ) ምጥቃም፡ ከምኡ’ውን ምራቕካ ጡፍ ምባል ኣይግባእን። ህጻናት ተባኢሶም ከይባኸዩ በበይኖም ክበልዑ ይግባእ።

ሰ. ጾታዊ ርክብ ክሳብ ክልተ መዓልቲ ክልኩል እዩ።

ረ. ጽፍሪ ምቑራጽ፡ ጸጉሪ ምልጻይ፡ ዝተቐበልካሉ ክዳን ምውጻእ ኣይግባእን እዩ። ምስጢሩ ኸኣ ከምኡ ምስ እንገብር ኣካላትና ጥራዩ ከም ዝኸውን፡ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን፡ መለኮት ዝተፈለዮ ስጋ ጥራይ እዩ ስለዘብል፡ እዚ ምሥጢር እዚ ንኸይፋለስ ተኸልኪሉ።

ንመስዋእቲ ዝኸውን ሕብስትን ወይንን

      ንመስዋእቲ ዝኸውን ሕብስቲ ካብ ምሩጽን ጽሩይን(ዝተኣርየ) ስርናይ ይዳሎ። ኣብቲ ታቦት ዝስዋእ መስዋእቲ(ሕብስቲ) ሽዑ ዝተዳለወ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሕብስቲ ነታ ዕለት ዝኣክል ጥራይ ይዳሎ፡ ንጽባሒቱ ክሓድር ድማ ኣይግባእን እዩ። እቲ ሕብስቲ ነቓዕ ዘይብሉ ዘይሓረረን ዘይጸለመን ክኸውን ይግባእ። (ፍት.ነገ.ኣን 13 ረስጠጅ3)

      ንመስዋእቲ ዝኸውን ወይኒ፡ ዑፍ ዘይተንከፈቶ ኣንጭዋ ዘይቆርጠመቶ፡ ጽሩይን ጽቡቕን ሓድሽ ዝተቐንጠበ ክኸውን ይግባእ። እቲ ስርናይን ወይንን ምሩጽን ጽሩይን ምዃኑ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጹሃ ባህርይ ከምዝኾነ ዘረድእ እዩ። (1ጴጥ 1፡18-19) ካልኣይ’ውን ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝበለጸ መስዋእቲ ምቕራብ ስለ ዘሐጉሶ እዩ።(ዘፍ 4፡1-8፤ እብ 11፡4)

ኣግብኦተ ግብር (ካብ ቤተልሄም ናብ መቕደስ)

      ዲያቆን ነቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሕብስትን ወይንን ኣብ ቤተልሄም ምስ ኣዳለዎ፡ ነቲ ወይኒ እቲ ሰራዒ ዲያቆን(ቀዳማይ ዲያቆን) ብጽዋእ ሒዙ ቃለ ኣዋዲ(ቃጭል) እናሃረመ ብቕድሚት፡ እቲ ንፍቀ ዲያቆን(ተራዳኢ ዲያቆን) ነቲ ሕብስቲ ብመሶበ ወርቅ ኣብ ርእሱ ጌሩ ደድሕሪኡ፡ ንፍቅ ካህን ከኣ መስቀልን ማዕጠንትን ሒዙ እንዳዓጠነ ደድሕሪኦም ብምዃን ካብ ቤተልሄም ናብ ቤተመቕደስ ይኣትዉ። (ፍት.ነገ.ኣን.13 በስ 99) እቲ ሕብስትን ወይንን ኣብ ቤተልሄም ምድላዉ ጐይታ ኣብ ቤተልሄም ናይ ምውላዱ ምሳሌ ክኸውን ከሎ፡ (ማቴ 2፡5-6)ነቲ ሕብስትን ወይንን ሒዞም ናብ ቤተመቕደስ ምኻዶም ድማ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ዝፍተተላ ስለዝኾነት፤ ናይታ ጐይታና ምእንታና ክብል ስጋኡ ዝቖረሰላን ደሙ ዘፍሰሰላን ቀራንዮ ምሳሌ እያ።(ማቴ 27፡32-44)