mm_logo.jpg

5. ምሥጢረ ተኽሊል

       ተኽሊል ማለት ከለለ፡ ኣኽበረ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ እዩ። ስለዚ ተኽሊል ማለት ክብሪ ማለት እዩ። ጸሎተ ተኽሊል ወድን ጓልን ተሰማሚዖም ኣብ ዝገብርዎ መርዓ፡ እቲ ካህን ዝፍጽሞ፡ መርዓውን መርዓትን ክልቲኦም ሓደ ዝኾኑሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እዩ። ናይ ጸሎተ ተኽሊል ፍጻሜኡ ጸሎተ ቅዳሴ እዩ። ምስ ጸሎተ ተኽሊል ተተሓሒዙ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ በጽሐ መርዓውቲ ስግኡን ደሙን ይቕበሉ። ጸሎተ ተኽሊል በጺሑ ቁርባን እንድሕር ተሪፉ ግና ተኽሊል ፍጹም ኣይከውንን እዩ።

      መርዓ ዝተጀመረ በቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ብኣዳምን ሄዋንን እዩ። ናይዚ ምሥጢር መስራቲ’ውን ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እዩ። ኣዳም በይኑ ምዃኑ ዝረኣየ ኣምላኽ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ኪገብረሉ እየ።” ብምባል ካብ ጐድኒ ኣዳም፡ ካብ መሰንገሊኡ ሓንቲ ወሲዱ ንሄዋን ፈጠራ። (ዘፍ 2፡18-22) ኣዳም’ውን ሰበይቲ ክትኮኖ ንዝተፈጥረትሉ ሄዋን ፈተዋ። “እዚኣ ዓጽሚ ካብ ዓዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ። ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል።” በለ። (ዘፍ 2፡23) ኣዳም በዚ ኣዘራርባኡ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ምዃኖም ገለጹ እዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ሎሚ’ውን “ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይወሃድ፡ ሓደ ኣካል ድማ ይኾኑ።” (ዘፍ.2፡24)

መርዓ ቅዱስ እዩ

    ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝተላዕሉ ግኖስቲክ ዝተባህሉ መናፍቓን “መርዓ ናይ ሰይጣን ስራሕ እዩ። ኣብዛ ዓለም ምውላድ ምብዛሕ ሓጢኣት ምብዛሕ እዩ።” እናበሉ ይምህሩ ነበሩ። ናይዞም መናፍቓን ናይ ክሕደት ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ክነቅፍ እንከሎ፡ “እዚ ዓይነት ትምህርቲዚ ድማ ካብቶም ብመዓለም ከም ዝሓረረ ሕልንኦም ዝደንዘዘ ግቡዛት ሓሰውቲ ሰባት እዩ ዝመጽእ። ንሳቶም መውስቦ ይኽልክሉ።” ኢሉ እዩ። (1ጢሞ 4፡2-3) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ብመዋእለ ስብከቱ፡ ብዛዕባ ቅድስና መርዓ ምሂሩ እዩ። ብኣካል ኣብ እንዳመርዓ ተረኺቡ ንመርዓ ባሪኽዎ እዩ። (ማቴ 19፡3-6፤ ዮሃ 2፡1-10) ስለዚ ንመርዓ ርኹስ ጌሮም ዝምህሩ ኩሎም ካብ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልዩ እዮም።

ናይ መርዓ ዕላማን ኣድላይነትን

    መርዓ ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት ኣለውዎ። እዚኣቶም ከኣ፡-

  1. ንምርድዳእን፡ ንምድግጋፍን። ሓደ ክደክም እንከሎ እቲ ካልእ ከበርትዕ፡ ካብ ሓደ ክልተ ምዃን ዝሓሸ እዩ። (መክ 4፡9-12) ንኹሉ ዝፈልጥ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ሰብ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ፡ ‹ደጋፊት ክገብረሉ እየ› ምባሉ ናይ ሰብ ናይ ባህርይ ድኽመት ስለዝፈልጥ እዩ። (ዘፍ 2፡18)
  2. ዘርኢ ንምትካእ። ትውልዲ ይሓልፍ፡ ትውልዲ ይትካእ፡ ኩሉ ካብ ዝተወሰነሉ ናይ ዕድመ ወሰን ኣይሓልፍን፡ ኣረጊት ይሓልፍ ሓድሽ ድማ ይመጽእ። እዚ ኣካይዳ ናይ ህይወት ቀጻልነት ንኽህልዎ ዘርኢ ምትካእ የድሊ። ፈጣሪ ኩሉ ዓለማት እግዚኣብሔር’ውን “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ።” ዝበለ ዘርኢ ምትካእ ከም ዝግባእ ንምግናዛብ እዩ። (ዘፍ 1፡28) ዘርኢ ዝትካእ ድማ ካብ ሕጊ እግዚኣብሔር ወጻኢ ዘይኮነስ፡ ሰብ ክቡር ፍጡር ብምዃኑ ብስርዓት ክምራሕ ምእንቲ ሕጊ ተዋሂብዎ እዩ። እዚ ዘርኢ ናይ ምትካእ ስርዓት ከኣ ሓደ ምስ ሓንቲ ዝብል፡ ርኽሰት ዘይብሉ ቅዱስ መርዓ እዩ። (እብ 13፡4)
  3. ካብ ዝሙት ንምሕላው። ሰባት ንዓቕሚ ኣዳምን ሄዋንን ክበጽሑ እንከለዉ ስጋዊ ድሌት ይፍትኖም። ስለዚ ኣብ ናይ ዝሙት ዓዘቕቲ ከይወድቁ እሞ ንሰብነቶም ከየርክሱ፡ ብቕዱስ መርዓ ክውሰኑ ከም ዝግባእ፡- ሃዋ.ቅ.ጳው “ግናኸ ካብ ምንዝርና ምእንቲ ክርሕቕ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ።” ኢሉ ዝመሃረ ነዚ እዩ። (1ቆሮ 7፡2-9)

ቅድሚ መርዓ ክግበሩ ዘለዎም ምድላዋት

  • ሃይማኖት ንኹሉ ነገር መሰረት እዩ። ብመውስቦ(ሓዳር) ብሓደ ንምንባር ዝወሰኑ ክልተ ሕጹያት፡ ብሃይማኖታዊ ዕላማ ሓደ ክኾኑ ይግባእ።
  • ቅድሚ መርዓ ኣብ ግዜ ሕጸ፡ ናይ መጻኢ ህይወቶም ካብ ምምዕዓድን ምሕሳብን ወጻኢ ካልእ ዓይነት ርክብ ክህልዎም ኣይግባእን።
  • ምሕጻዮም ብናታቶም ፍቓድ እኳ ዝተመስረተ እንተኾነ፡ ናይ ነፍሲ ወከፎም ቤተሰብ ግና ክፈልጡ ይግባእ።
  • ናይቶም ሕጹያት ዕድመ እታ ጓል ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ እቲ ወዲ ኸኣ ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ክኸውን ይግባእ።
  • ሕጹያት ሃይማኖቶምን ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን፡ ቅድሚ መርዖኦም ክመሃሩን ክፈልጡን ይግባእ። ቅድሚ መርዓኦም ከኣ ቃል ኪዳኖም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይፍጽሙ።

ፍትሕ ኣይግባእን እዩ

    ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ንሄዋን ጥራይ ተመርዕዩ ብግዜ ሓጐስ ኣብ ገነት፡ ብግዜ ጸበባ ኸኣ ኣብ ምድሪ ፍዳ ሓቢሮም ነበሩ። ኣብ እዋን ሓጐስ ሰበይትኻ ምፍታሕ ግቡእ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ኣዳም ኣብ ገነት ከሎ ንሄዋን ፈቲሑ ምሰጐጓ ኔሩ፣ ወይ ከኣ ኣብ ግዜ ጸበባ ምፍታሕ ዝግባእ ኔሩ እንተዝኸውን ኣብ ምድሪ ፍዳ ምስ ኣተዉ ምሰጐጓ ኔሩ። ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው ዝግባእ እንተዝኸውን ሥላሴ ንኣዳም ብዙሓት ኣንስቲ ክፈጥሩሉ ምኸኣሉ ኔሮም፡ ብዙሓት ሰብኡት ምእታው ዝኸኣል ኔሩ እንተዝኸውን ከኣ፡ ሥላሴ ንሄዋን ብዙሓት ሰብኡት ምፈጠሩላ ኔሮም። እንተኾነ ግና ኣብ ግዜ ሓጐስን መከራን፡ ሓደ ሰብኣይ ብሓንቲ ሰበይቲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ’ውን ብሓደ ሰብኣይ ጸኒዖም ክነብሩ ከም ዝግብኦም ምእንቲ ከፍልጡ፡ ንሄዋን ኣዳም ጥራይ ንኣዳም’ውን ሄዋን ጥራይ ፈጠሩ። (ዘፍ 2፡20-25) ድሕሪኡ ኸኣ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ክምህር ከሎ “እብኣርነቲ   ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ  ኣይፍለዮ።” ከምዝበለ ሰብኣይን ሰበይትን ብስጋ ወደሙ ሓደ ድሕሪ ምዃኖም ንምፍላይ ዘኽእል ምኽንያት እንድሕሪ ዘይተረኺቡ ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን ኣፍሪሶም ክፈላለዩ ወይ ኸኣ ክፋትሑ ኣይግብኦምን እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ክፈላለዩ ዝኽእሉሉ ምኽንያት ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ብዝሙት፡ ወይ ከኣ ሃይማኖታዊ ፍልልይ እንተ ኣጋጢሙ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ብሕማም፡ ብድኽነት፡ ውላድ ብምስኣን፡ ወዘተ… ብዝብሉ ምኽኒታት ምፍታሕ ፍጹም ዝተኸልከለ እዩ። ነዚ ኣይንቕበልን ኢሎም እንተ ተፈላለዩ እኳ ክዕረቑ ኣለዎም። ኣይንዕረቕን እንተበሉ ግና ብውልቆም ንጽህንኦም ሓልዮም፡ ማለት ካብ ዝሙት ርሒቖም ነንበይኖም ክነብሩ ኣለዎም እምበር፡ ካልእ ክምርዓዉ ቤተ ክርስቲያን ኣይተፍቅደሎምን እያ። (1ቆሮ 7፡10-11) ሓዋርያ ቅ.ጳውሎስ “ተመርዒኻ እንተዄንካ ፍትሕ ኣይትድለ።” ኢሉ እዩ። (1ቆሮ 7፡27) ነቢየ እግዚኣብሔር ሚልክያስ’ውን “ነታ ሰበይቲ ቃል ኪዳኑ ሓደ እኳ ኣይጥለማ። ምፍታሕ እጸልእ እየ።” ብምባል ናይ መጀመርታ ኣሚንካ ገዲፍካ ካልእ ብምድላይ ምፍታሕን ካልእ ምምርዓውን ምስ እግዚኣብሔር ምብኣስ ምዃኑ ምሂሩ እዩ። (ሚል 2፡14-16)

ካልኣይ መርዓ ይፍቀድ ድዩ፧

      ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ንምፍታሕ ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ዝተወሰኑ እዮም። እዚኣቶም ከኣ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ምፍጣርን ምስ ካልእ ኣካል ብዝሙት ምውዳቕን እዮም። ካብ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ፡ ንሃይማኖቱ እንተቐየረ እቲ ዝቐየረ ወገን ብኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝመዓድ ይግበር። እንተኾነ ግና ልቡ ኣትሪሩ ብፍጹም ኣይምለስን እንተ ደኣ ኢሉ፡ እቲ ፍትሕ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ይጸንዕ። እቲ ሃይማኖቱ ዝሓለወ ንበይነይ ምንባር ኣይክእልን እየ፡ እንተበለ እቲ እምነቱ ዘይሓለወ ከም ምዉት ተቖጺሩ፡ ብሕገ ቤተ ክርስቲያን ይምርዖ።

     ብኻልእ ወገን ካልኣይ መርዓ ዝፍቀድ፡ ብዝሙት ምኽንያት ንሰበይቱ ወይ ንሰብኣያ ንዝፈትሐ ወይ ንዝፈትሐት እዩ። እቲ ቃል ኪዳኑ ዝሓለወ ወገን ንቤተ ክርስቲያን ነጊሩ ንበይኑ ምንባር ዘይከኣሎ እንተኾይኑ፡ ንጽህናኣ ዝሓለወት ብዝሙት ምኽንያት ዘይተፈትሐት ክምርዖ ወይ ክትምርዖ ይፍቀደሉ(ላ)። ብተወሳኺ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ብሞት እንተ ተፈልየ፡ እቲ ብህይወት ዝተረፈ ነቲ ዝተረፈ ህይወቱ፡ ‹ንበይነይ ምንባር ይኸብደኒ እዩ› እንተደኣ ኢሉ፡ ከምቲ ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ተወሲኑ ዘሎ፡ ክምርዖ ፍቑድ እዩ። (1ቆሮ 7፡39) ካልኣይ መርዓ ብስጋ ወደሙ ይፍጸም እምበር፡ ሥርዓተ ተኽሊል ኣይግበረሉን እዩ።