mm_logo2.jpg

4. ምሥጢረ ንስሓ

“ጻድቕ ሰብ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ።” ምሳ 24፡16

      ንስሓ ዝብል ቃል ‹ነስሐ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ ብዝሰራሕካዮ ሓጢኣት ምጥዓስ፡ ናብ ገቢረ ሓጢኣት (ሓጢኣት ናብ ምስራሕ) ንዘይምምላስ ምውሳን ማለት እዩ። “ሰብ ኮይኑ ዘይብድል ዕንጨይቲ ኮይኑ ዘይተክኽ የለን።” ከምዝበሃል፡ ሓደ ክርስቲያን ብሓጢኣት እንተወደቐ ቀልጢፉ ብንስሓ ክትንስእ ይግባእ። (1ዮሃ.1፡9) ሓንሳብ ወዲቐ እየ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ሓጢኣት፡ ኣብ ልዕሊ በደል በደል ክውስኽ ኣይግባእን። ነዚ እዩ ኸኣ “ጻድቕ ሰብ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ፡ እሞ ይትንስእ።” ዝተባህለ። ናይ ሰብ ድሕነት እምበር ጥፍኣት ዘይፈቱ መፍቀሪ ሰብ እግዚኣብሔር “ግናኸ ሓጥእ ሰብ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ሓጢኣት ኩሉ ገዲፉ እንተ ተመልሰ፡ ኩሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሓለወ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ንሱ ኣይክመውትን እዩ፡ ብርግጽ ብህይወት ክነብር እዩ። ኩሉ ሓጢኣቱ ክሕደገሉ እዩ፡ ጽድቂ ስለ ዝገበረ ኸኣ ብህይወት ክነብር እዩ።” ብምባል ካብ ሓጢኣትና ተመሊስና ብመንገዲ ጽድቂ ክንጐዓዝ ይምዕደና። (ህዝ 18፡21-23፤ ኢዮ 36፡21)

      ሰብ ብዝሰርሖ ሓጢኣት ተጣዒሱ፡ ሓጢኣቱ ምእንቲ ክድምሰሰሉ ንእግዚኣብሔር፡ ብሓዘንን ብብኽያትን፡ ‹ይቕረ በለለይ› ክብልን፡ ድሕሪ ንስሓ ሓጢኣት ንዘይምግባር ወሲኑ ምሕረት ክልምን የድሊ። ሓጢኣትና ንመምህረ ንስሓ ምንጋር የድሊ። ንካህን ሓጢኣትካ ኣብ ምዝራብ’ውን፡ ክንሰርሖ ዘይሓፈርናሉ ሓጢኣት ከይሓባእና ከይነከና፡ እናሓዘንናን እናተጣዓስናን ንልብና ተዓዛባይ ምስክር፣ ንሕልናና ከሳሲ፣ ንእግዚኣብሔር ዳኛ ጌርና ንርእስና ምኽሳስ ይግብኣና። “ሓጢኣትየ ነገርኩ፡ ወኣበሳየ ኢኃባእኩ” (ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፡ በደለይ’ውን ኣይሰወርኩልካን፡ ኣበሳይ ክናዘዘልካ መደብኩ። ንስኻ’ውን ንእከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።) ከም ዝበለ ቅዱስ ዳዊት። (መዝ 32፡5)

      ንስሓ ምስ እግዚኣብሔር ንዕረቐሉ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ንሰጋገረሉ ረቂቕ ድልድል እዩ። ንምሕረቱ ወሰን፡ ንርህራሄኡ መጠን፡ ዘይብሉ ኣምላኽና ናይ ባህርይ ድኽመትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ብሓጢኣትና ተሰናኺልና ኣብ እንወድቀሉ እዋን፡ ብዛዕባ ሓጢኣትና ተጣዒስና በዲልና ኢና መሓረና፡ ይቕረ በለልና ንምባል ፈሊጥና ብድፍረት ከይፈለጥና ብስሕተት ንዝሰራሕናዮ ሓጢኣት ይቕሬታ ንሓትት እሞ፡ ናብኡ ክንምለስ ዝሰርዓልና ስርዓት ንሰሓ እዩ። ንሰሓ ኣብ ናይ ዝሙት ባሕሪ ኣትዩ ይሕንብስ ንዝነበረ ዘማዊ ድንግል፡ ደም ከፍስስ፡ ሰብ ክሃርም( ክቐትል) ንዝጸንሐ ሽፍታ ንጹህ ትገብር ናይ እግዚኣብሔር ፍልይቲ በረኸት እያ። ካብ ናይ ሓጢኣት ህይወት ብዝምለሱ ሰባት ኣብ ሰማይ ዘለው ሰራዊተ መላእክት ከይተረፉ ይሕጐሱ። “ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፡ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ክኸውን እዩ፡” ከም ዝበለ። (ሉቃ 15፡7)

     ካብ ቤት ኣቡኡ ተፈልዩ ዝነበረ ጥፉእ ወዲ ናብ ኣቡኡ ናይ ምምላሱ፡ ብሰንኪ ሓጢኣትና ካብ ኣቦና እግዚኣብሔር፡ ካብ መንበሪና ቤተ ክርስቲያን ርሒቕና ንዘሎና ክርስቲያን ዝተመሰለ እዩ። (ሉቃ 15፡11-32) ብንስሓ ናብ እግዚኣብሔር ክንምለስ ከለና፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ስኢንናዮ ዝነበርና ጸጋ እግዚኣብሔር መሊስና ንጓናጸፎ። ንስግኡን ደሙን ንምቕባል’ውን ንበቅዕ። ይቕረ በሃሊ ኣምላኽና ብዝሰራሕናዮ ሓጢኣት ከይነዓቐናን ከይፈንፈንናን፡ ንበደልና ይቕረ ኢሉ ብጸግኡን ምሕረቱን ይርእየና።(ዘሌ 26፡11) “ሓጢኣትና እንተተናዘዝና ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለዝኾነ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፡ ካብ ኩሉ በደልና’ውን ከንጽሃና እዩ።” (1ዮሃ 1፡9) “እምበኣርከስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዝኸውን ንስሓ ሂቡዎም።” ከም ዝተባህለ፡ (ግብ.ሃዋ 11፡18) ብሓጢኣት ምኽንያት ምውታት ንዝኾኑ ኩሎም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ንስሓ የድልዮም እዩ።

     ዝሓመመ ሰብ ናብ ሓኪም ከይዱ ሕማሙ ምስ ዝነግር፡ እቲ ሓኪም እቲ ሕሙም ዝነገሮ ሰሚዑን መርሚሩን ካብ  ሕማሙ ዝፍውስ  መድሃኒት ከም ዝህቦ፡ ናብ ካህን ዝኸደ ተነሳሓይ’ውን ፈሊጡ ብድፍረት ከይፈለጠ ብስሕተት ዝሰርሖ ገሊጹ ምስ ተዛረበ፡ እቲ ካህን ቀኖና ይህቦ። ቀኖና ማለት ንዝተነስሐ ሰብ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ማለት እዩ። ንዝሰርሖ ሓጢኣት፡ ዝፈጸሞ በደል ገሊጹ እንድሕሪ ዘይተዛሪቡን ዘይተጣዒሱን “ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ እዩ” ከም ዝተባህለ፡ ፍጹም ድሕነት ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ካብ ልቢ ምምላስ፡ ብዝሓለፈ ሓጢኣትካ ምጥዓስን፡ ተመሊስካ ሓጢኣት ንዘይምግባር ምውሳን ንስሓ ይበሃል። ጥበበኛ ሰሎሞን “ገበኑ ዝኽውል ሰብ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዝናዘዘሉ እሞ ዝሓድጎ ግና ካብ እግዚኣብሔር ምሕርት ይረክብ።” ብምባል ሓጢኣትና ክንሳሕ ከምዘለና የረድአና። (ምሳ 28፡13)

                       ሥርዓተ ምሥጢረ ንስሓ

    ንስሓ ከም ካልእ ምሥጢር ኩሉ ብካህናት ኣገልገልቲ ዝፍጸም ምሥጢር እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንካህናት ንስሓ ናይ ምቕባልን ሓጢኣት ናይ ምስትስራይን ስልጣን ከም ዝሃቦም ከረጋግጸልና እንከሎ፡ “ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም፡ ንዘይሓደግኩምሎም ግና ኣይክሕደገሎምን እዩ።” ኢሉ እዩ። (ዮሃ 20፡23) እዚ ስልጣን ከኣ ንሃዋርያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ንዝሽየሙ ካህናት ዝተነግረ እዩ። ጐይታ ንሃዋርያቱ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” ምባሉ ነዚ ዘረድእ እዩ። ብጥምቀት ደቂ ሥላሴ ንዝኾንና ብስሙ እንጽዋዕ ኩልና፡ “እምበኣርሲ ካበይ ከምዝወደቕካ ዘክር፡ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብርኸ’ውን ግበሮ። እንተ ዘይተነሳሕካ ግና መጺአ ነቲ ቀዋሚ ቐንዴልካ ካብቲ ስፍራኡ ከልግሶ እየ።” እናበለ ጐይታና የዘኻኽረና። (ራእ 2፡5-7) ካህናት ናይ ነፍስና ጓሶት ኮይኖም፡ ናይ ህዝቢ ንስሓን ልመናን ናብ እግዚኣብሔር፡ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ኸኣ ናብ ህዝቢ ዘብጽሑ እዮም። ብሓጢኣት ዝሰናኸል ኩሉ ንስሓ የድልዮ። ብኣንብዐ ንስሓ (ብንብዓት ናይ ንስሓ) ምሕጻብ ፍጹም ንጹህ ይገብር። እዚ ኸኣ ነቢይ ዳዊት “ለይተ ለይቲ ንመደቀሲየይ ብንብዓት አርሕሶ፡ ንመንጸፈይ ከኣ ብንብዓተይ አጠልቅዮ ኣለኹ።” ከምዝበሎ እዩ። (መዝ 6፡6)

ንንስሓ ዝወሃብ ቀኖና ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ይፍጸም። እቲ ተነሳሒ ንመምህረ ንስሓ ይነግሮ መምህር ንስሓ ናይቲ ተነሳሒ ዓቕሚ መዚኑ ናይ ጾም፡ ናይ ጸሎት፡ ናይ ስግደት፡ ናይ ምጽዋት መቕጻዕቲ ይህቦ፡ ነዚ ኸኣ ግዜ ይውስነሉ። ተነሳሒ ናይ ቀኖና ግዜ ምስተወድአ ናብ መምህር ንስሓ ተመሊሱ ከምትእዛዙ ከምዝፈጸመ ይነግሮ። እቲ ካህን ኸኣ ፍትሓት ሂቡ (ናዚዙ) ስግኡን ደሙን ኣቐቢሉ ምስ ምእመናን ክሕወስ ይፈቕደሉ። እዚ ናይ ንስሓ ስርዓት ብሓጢኣት ኣብ ዝወደቕናሉ እዋን ዝፍጸም ብምዃኑ ዝድገም ምሥጢር እዩ።

ብንስሓ ዝርከቡ ጸጋታት

      ኣብ ነፍስ ወከፍ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ጸጋ እግዚኣብሔር ከም ዝዕደል፡ ብምሥጢረ ንስሓ’ውን ንምእመናን ዝወሃብ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣሎ። ብንስሓ ዝርከብ ጸጋእግዚኣብሔር ዘይስፈርን ዘይዕቀንን እኳ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ግና ብሰለስተ ዓበይቲ ኣርእስትታት ክግለጽ ይኽእል። ንሳቶም ከኣ፡-

  1. ስርየተ ሓጢኣት

      ኣቦታት ንንስሓ ዝበለጸት ስርዓት ኢሎም ይሰምይዋ። ምኽንያቱ ሓጢኣት እትድምስስ ብምዃና እዩ። ነቢይ ኢሳይያስ፡ “ንዑ ነንሕድሕድና ንማጐት ይብል እግዚኣብሔር፡ ብሓጢኣትኩም ከም ደም እንተ ቔሕኩም ከም በረድ ከጻዕድወኩም እየ።” ማለቱ፡ ድሕሪ ንስሓ እቲ ዝቐደመ በደል ስለ ዝድምሰስን፡ ዳግማይ ስለ ዘይሕሰብን እዩ። (ኢሳ 1፡18) ንጉስ ህዝቅያስ’ውን “ንስኻ ንኹሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቤኻዮ።” ዝበለ፡ ብንስሓ ሓጢኣት ካብ ደቂ ሰባት ተወጊዱ ዝተርፍን፡ ዘይዝከርን ስለ ዝኾነ እዩ። (ኢሳ 38፡17) ንስሓ ክንኣቱ ከለና፡ እግዚኣብሔር ንሓጢኣትናን በደልናን ዝድምስሰልና፡ ጽቡቕ ስራሕ ስለ ዝሰራሕና፡ ወይ ድማ ንሓጢኣትና ዝመጣጠን መቕጻዕቲ ስለ ዝተቐበልና ዘይኮነ፡ ስለ እቲ ብኸምኡ ዝወሃብ ዘለኣለማዊ ምሕረቱን ቅዱስ ስሙን ኢሉ እዩ። እዚ ኸኣ “ምስዚ ኩሉ ግና ኣነ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ዘይዝክር።” ከም ዝበሎ እዩ። (ኢሳ 43፡25፤ ኢሳ 44፡22፡ ኤር 31፡34)

      ከምኡ’ውን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብናይ ደቂ ሰባት ንስሓ ምእታው፡ ኣብ ሰማያት ከይተረፈ ዓቢይ ሓጐስ ከም ዝኸውን፡ ንጻድቃን ዘይኮነስ ንሓጥኣን ክደሊ ኢሉ ዝመጸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብንስሓ ናብኡ ምስ እንምለስ በደልና ከም ዘይሕዘልና ምሂሩና እዩ። (ማቴ 9፡13፤ ሉቃ 15፡7)

      ደቂ ሰባት ከምኦም ዝበሉ ሰባት ዝበደልዎም በደል ይቕረ ክብሉ ኣዝዩ ይኸብዶም። ሓደ ሓደ ግዜ ንዝበደልዎም ይቕረ እንተ በሉሎም እኳ ፍጹም ክርስዕዎ ኣይክእሉን እዮም። እግዚኣብሔር ግና ንሓጢኣትና ይቕረ ይብል ጥራይ ዘይኮነ ፈጺሙ እዩ ዝርስዓልና። ‹ደጊም ኣይትበድል› ኢሉ ኣጠንቂቑ ምሂሩ ይሰደና እምበር፡ ነቲ ዝሓለፈ በደልና እናዘከረ ኣይወቕሰናን ኣይከሰናን እዩ። (ዮሃ 5፡14፤ ዮሃ 8፡11)

  1. ዕርቂ ምስ እግዚኣብሔር

      እቲ ኻልእ ብንስሓ ዝርከብ ጸጋ ኸኣ፡ ምስ እግዚኣብሔር ምትዕራቕ እዩ። ከምቲ ብንስሓ ስርየተ ሓጢኣት ዝረኸብና፡ ከምኡ ድማ ምስ እግዚኣብሔር ፍጹም ዕርቂ ንዕረቕ። ኣብ ሉቃ 15፡11-32 ተጻሒፉ ኣብ ዘሎ ታሪኽ፡ እቲ ጥፉእ ወዲ ካብ ቤት ኣቡኡ ወጺኡ ድሕሪ ምንባሩ፡ ብበደሉ ተጣዒሱ ብንስሓ ምስ ተመልሰ፡ ኣቡኡ ንበደሉ ይቕረ ኢሉ ጥራይ ኣይሓደጎን። እኳ ደኣ ፍጹም ዕርቂ ከም ዝወረደ ምእንቲ ክፍለጥ፡ ንፈተውቱ ዓዲሙ በዓል ጌሩ እዩ። ነቲ ዝተመልሰ ወዱ’ውን ብዙሕ ህያብ ሂብዎ እዩ።

      ኣብዚ ታሪኽ ኣቦ ተባሂሉ ዘሎ እግዚኣብሔር እዩ። እቲ ካብ ቤት ኣቡኡ ወጺኡ ዝነበረ ውላድ ከኣ ኣዳም እዩ። እግዚኣብሔር ነቶም ብንስሓ ዝምለሱ ሰባት፡ በደሎም ኩሉ ከም ዝድምስሰሎምን ፍጹም ዕርቂ ከም ዝዕረቖምን በዚ ታሪኽ ኣስተምሃረና።

  1. ፍጹም ሰላም

      “ብሰላም ኪነብር ዚኽእል ሰብ ድማ ሓደ እኳ የልቦን።” ተባሂሉ ብነቢይ ኤርምያስ ከም ዝተነግረ፡ ኣቦና ኣዳም ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ምስ ተባእሰ ዝሰኣኖ ዝዓበየ ሃብቲ ሰላም ነበረ። (ኤር 12፡12) እቲ እግዚኣብሔር ክረግሞ እንከሎ፡ “ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። …እሾኽን ተኾርባን ተብቁለልካ።” በሎ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ድማ፡ ብዕለተ ሰሉስ ዘይተፈጥሩ ሓደስቲ ፍጥረታት ክፍጠሩ ማለት ዘይኮነ፡ ሰላምን ዕረፍትን ዝኸልኡ፡ ከም እሾኽን ተኾርባን ዝበሉ ፍትወታት እኩያት (ክፉእ ትምኒት) ኣብ ልዕሌኻ ክስልጥን እዩ ክብሎ ከሎ እዩ።

      ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ንደቂ ሰባት ካብ ዝሃቦም ዓበይቲ ህያባት ሓደ ሰላም እዩ። ባዕሉ መድሓኒና’ውን፡ “ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፡ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፡ ኣይትሸበሩ፡ ኣይትፍርሁ።” ኢሉና እዩ። (ዮሃ 14፡27) ስለዚ ሓደ ሰብ ሰላሙ ዝስእን ብሓጢኣቱ እንተኾይኑ፡ ንሰላሙ መሊሱ ክረኽባ ዝኽእል ከኣ ብንስሓ እዩ። ብንስሓ ዝተመልሰ ሰብ ሕልንኡ ካብ ጣዕሳ ሓራ ስለዝኸውን፡ ልቡ ብፍጹም ሰላም ናይ ክርስቶስ ዝተመልአ ይኸውን። (ኢሳ 48፡17-22)