mm_logo2.jpg

6. ምሥጢረ ክህነት

      ምሥጢረ ክህነት ዓቢይ ምሥጢር እዩ። ናይ ምእሳር ምፍታሕ ስልጣን ዘለዎ ነቶም ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢራት ንምቕዳስ፡ ንምኽባር፡ ንምፍጻም ስልጣን ዘለዎ፡ ክርስቶስ ዝመስረቶን ዝሰርዖን፡ ካብኡ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ከየቋረጸ ዝወሃብ ዘሎ ጸጋ እዩ። ካህን ዝብል ቃል ክትርጐም ከሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ፡ ናይ ህዝቢ መራሒ፡ ኣስተምሃሪ፡ መንፈሳዊ ኣቦ ማለት እዩ። ክህነት ዝብል ከኣ ‹ተክህነ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ክኸውን ከሎ፡ ትርጉሙ ካህን ምዃን፡ መንፈሳዊ ሽመት ምቕባል፡ ምግልጋል የመልክት። ሓደ ሓደ ናይ ፕሮቴስታንት እምነት ተኸተልቲ፡ ‹ኩሉ ክርስቲያን ካህን እዩ› ዝብል መሰረት ዘይብሉ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ይምህሩ እዮም። እንተኾነ ግና ክህነት ብክርስቶስ ኣሚኑ ንዝተጠምቀ ኩሉ ዝዕደል መንፈሳዊ ሽመት ዘይኮነስ፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ብኣንብሮተ እድ፡ ብጳጳሳት ንዝተሸሙ ጥራይ ዝወሃብ እዩ።

      ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ከምእንረኽቦ ዝኾነ ምእመን፡ ካህናት ጥራይ ክሰርሕዎ ዝግባእ ስራሕ ክሰርሕ ኣይግባእን እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደው ኢልካ ምግልጋል፡ ምእንትኡን ምእንቲ ህዝብን መስዋእትን ጸሎትን ምቕራብ፡ ምብራኽ፡ ምቕዳስ፡ ምጥማቕ፡ ምቑራብ ንዝኣመሰሉ ክፍጽም ዝግብኦ ካህን ጥራይ እዩ።

ኣመሰራርታ ክህነት

      ምሥጢረ ክህነት ዝተጀመረ በቲ ናይ መጀመርያ ሰብ ብኣዳም እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ  ንኣዳም ፈጢሩ ናይ ጸጋ ውሉዱ ጌሩ ኣኽቢሩ፡ ነቢይ፡ ንጉስ፡ ካህን ጌሩ ስለዝሸሞ፡ ስርዓት ብኦሪት ክሳብ ዝውሰን፡ ካብ እግዚኣብሔር እናተሸሙ ንትንቢት፡ ንክህነት ካብቲ ቅዱስ መንፈስ እናተቐበሉ፡ ብነቢይነቶም ነቲ ዝሓለፈን ነቲ ዝመጽእን እናገለጹ ይምህሩ፡ ብኽህነቶም መስዋእቲ የቕርቡ፡ ብጸሎቶም ንኣምላኾም ይጽውዑን ቃል ብቓል የዘራረብዎን ነበሩ። ኣዳም ካብ ገነት ምስ ወጸ ብዝሰርሖ ሓጢኣት ተጣዒሱ እናሓዘነን እናበኸየን ምሕረት ናይ ባህርዩ ናብ ዝኾነ ኣምላኽ ምሕረት ንምሕታት መስዋእቲ ኣቕረበ። “ኣዳም በታ መዓልቲ ካብ ገነት ምስ ወጸ፡ ጽቡቕ መኣዛ ጌሩ ንኽቕበሎ ንግሆ ጸሓይ ክትወጽእ እንከላ ዕጣን ዓጠነ።” (ኩፋ 5፡1) ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዝነበሩ ኣበው፡ ብበረከተ ኣበው እናተሸሙ ንክህነት ገንዘቦም ጌሮም፡ መስዋእቲ ይስውኡ ኔሮም እዮም፡፡ (ዘፍ 8፡20፤ 22፡13፤ 48፡11-16፤ እብ 7፡7) መልከጼዴቅ’ውን ካህን ከም ዝነበረ፡ “ናይ ሳሌም ንጉስን ናይ ልዑል ኣምላኽ ካህንን ነበረ፡፡” ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ፡፡ (እብ 7፡1፤ ዘፍ 14፡18-20) እግዚኣብሔር ብዘይምርመር ግብሩ መረጾን ሾሞን ደኣ እምበር፡ ንመልከጼዴቅ በቲ ኣሮንን ሌዋውያንን ዝተሸሙሉ ስርዓት ዝሾሞ ሰብ የልቦን፡፡

      ኣብ ዘመነ ኦሪት ክህነት ንሓደ ነገድ፡ ማለት ንነገደ ሌዊ ጥራይ ዝወሃብ ነበረ፡፡ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ምስ ሰገሩ፡ እግዚኣብሔር ብክህነት ንኸገልግልዎ ንኣሮንን ንደቁን ከም ዝፈለዮም፡ “ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ከገልግሉኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን፡፡” ኢሉ ንሙሴ ኣዚዝዎ እዩ፡፡ (ዘጸ 30፡30፤ ዘኍ 3፡5-7፤ ዘኍ 25፡10-13) እዚ ክህነት እዚ ፍጹም ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ሓጢኣት ከስተስሪ እኳ እንተኸኣለ፡ ከስተስርዮ ዘይከኣሎ ሓጢኣት ማለት ጥንተ ኣብሶ ኔሩ እዩ፡፡ (እብ 7፡11) ብዘይካ እዚውን ነዚ ክህነት ዝቕበሉ ዝነበሩ ሰባት ድኻምን ሓጢኣትን ዝነበሮም መወትቲ ብምንባሮም፡ እቲ ክህነቶም ግዝያዊ ነበረ፡፡ (እብ 7፡23) ናይ ብሉይ ኪዳን ካህናት ኣገልግሎት፡ ኣብ ቤት መቕደስ ንዘሎ ኣገልግሎት ምፍጻም፡ (ዘኍ 18፡7) ሕጊ ኣምላኽ ንህዝቢ ምምሃር፡ (ሚክ 2፡7) ብኡሪምን ቱሚምን ንፍቓድ እግዚኣብሔር ብሱባኤ ምሕታት፡ (ዘዳ 33፡8፤ ዘኍ 27፡ 21) ብማህሌት ንእግዚኣብሔር ምምስጋን፡ (2ዜና 29፡25-30) ነበረ፡፡

      ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ስራሕ ደቂ ሰባት ኩሉ ሰሪሑ እዩ፡፡ (1ጰጥ 2፡22) ካብ ኃጢኣት ንጹህ ብምዃኑ ድማ ፍጹም ካህን ኮይኑ ፍጹም ኣገልግሎት ሂቡ እዩ፡፡ ክህነቱ ግና ምስቲ ናይ ደቂ ሰባት ክህነት ዝነጻጸር ዘይኮነስ ፍጹም ዝተፈልየ እዩ፡፡ ናቱ ክህነት ፍጹም፡ (እብ 7፡11) ዘለኣለማዊ፡ (እብ 7፡24) ናይ ባህርዩ እዩ፡፡ (እብ 5፡6) “ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ በሎ፡” ከም ዝብል፡ ናይ ጐይታ ክህነት ብናይ መልከጼዴቅ ክህነት ተመሲሉ ኣሎ፡፡ (መዝ 110፡4) ብክህነት መልከጼዴቅ ምምሳሉ ኸኣ፡ ንመልከጼዴቅ ኣቡኡን ኣዲኡን ብኣይሁድ ኣይፍለጡን እዮም፡ ናይ ጐይታ’ውን ንቐዳማይ ልደቱ ኣደ፡ ንዳሕረዋይ ልደቱ ድማ ኣቦ የብሉን፡፡ መልከጼዴቅ ብስርናይን ብወይንን መስዋእቲ የቕርብ ነበረ፡ ጐይታ’ውን ንቕዱስ ሥግኡ ብስርናይ፡ ንኽቡር ደሙ ድማ ብወይኒ ጌሩ ሂቡና እዩ፡፡ (ዘፍ 14፡18፤ ማቴ 26፡27-29) መልከጼዴቅ ካብ ነገድ ሌዊ ከይተወልደ ክህነት ከም ዝነበሮ፡ ጐይታ’ውን ካብ ነገደ ሌዊ ዘይኮነስ፡ ካብ ነገደ ይሁዳ ተወሊዱ ሊቀ ካህናት ኮነ፡፡ (እብ 5፡6፤ እብ 7፡14)

      ንክህነት ናይ ሓድሽ ኪዳን መስራቲኡ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ክህነት ግና ከምቲ ንሓደ ነገድ (ንሌዋውያን) ጥራይ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ብሉይ ኪዳን ክህነት ዘይኮነስ፡ ንመዓርገ ክህነት ብቑዕ ኮይኑ ንዝተረኽበ ኩሉ ሰብ ብዘይ ናይ ዓሌት ኣፈላላይ ዝወሃብ እዩ፡፡ እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት’ውን ስልጣነ ክህነት ዝተቐበሉ ጐይታ “ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡፡ ኃጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ክሕደገሎም፡ ንዘይሓደግኩምሎም ግና ኣይክሕደገሎምን እዩ” ምስ በሎም እዩ፡፡ (ዮሃ 20፡22) ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ክህነት ናይ ሓድሽ ኪዳን ክህነት ከም እትበልጽ፡ መተርጉማን ነቲ ኣብ ጸሎተ ኪዳን ‹ዘወሃብከነ ከመ ንፍታሕ ዘኢይትፈታሕ› ንዝብል ሓሳብ ክትርጉሙ ከለዉ፡ ‹ምድራውያን ነገስታት ክፈትሕዎ ዘይከኣሎም ክንፈትሕ፡ ሌዋውያን ካህናት ዘየስተስረይዎ(ዘይፈትሕዎ) ውሽጣዊ ኃጢኣት ከነስተስሪ ዝሃብካና› ብምባል ናይ ሓድሽ ኪዳን ክህነት ዕብየቱ መስኪሮም እዮም፡፡  

ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክህነት

ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመለኮቱ ፍጹም ኣምላክ እኳ እንተኾነ ብተዋሕዶ(ተሠግዎቱ) ፍጹም ሰብ እዩ። ስለዚ “ዘእምበለ ኃጢኣት ባሕቲታ” ካብ ኃጢኣት ወጻኢ ሰብ ዝሰርሖ ስራሕ ኩሉ ጠባያዊን መጽሓፋውን ሕጊ ፈጺሙ እዩ። ካብዚ እውን ሓደ ናይ ክህነት ኣገልግሎት እዩ። ናይ ጎይታ ክህነት፥

  1. ባሕርያዊ እዩ፥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ፥ ዝተሰቅለ፡ ዝሞተ፥ ዝተንሥአ ብፍቃዱን ብገዛእ ሥልጣኑን እዩ። ናይ ጎይታ ክህነት ድማ መስዋዕቲ ብምዃኑ እዩ፡ እዚ ናይ ጐይታ ሞት ስሌና ዝፈጸሞ ኣገልግሎትኾይኑ ብሥልጣኑ እዩ። ከምቲ ብሙሴ ዘይተቀብአ ናይ መልከጼድቅ ክህነት ከምኡ ድማ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክህነት ናይ ባዕሉ ናይ ብሕሪኡ ኮይኑ መለኮቱ ምስ ሥግኡ ብተዋሕዶ ዝከበረ ካብ ማንም ዘይተቀበሎ፡ ማንም ዘይወስደሉ ዘለዓለማዊ እዩ። “ወቦቱ ኩሉ ኮነ”(የሓ1:3)።
  2. ዘለዓለማዊ እዩ፥ ናይ መልከጼድቅ ክህነት ብሕይወት ክሳዕ ዘሎ ጥራይ ዝጸንሕ እዩ። ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክህነት ግና ከምዚ ኣይኮነን። ሽሕ እኳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ እንተ ሞተ ማለት ሥግኡ ካብ ነፍሱ እንተ ተፈልየት ብመንፈስ (መለኮት)ግና ኩሉ ግዜ ሕያው ስለዝኾነ፡ መለኮቱ ካብ ሥግኡን ካብ ነፍሱን ስለ ዘይተፈልየ ክህነቱ ዘመን ዘይስዕሮ ሞት ዘይግድቦ፡ ዘልዓለማዊ ክህነት እዩ። “ኢየሱስ ግና ንዘልዓለም ዝነበር ስለ ዝኾነ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ”(ዕብ7:24)።
  3. ፍጹም እዩ፥ ሽሕ እኳ ናይ መልከጼደቅ ክህነት ካብ ሌዋውያን ክህነት ዝበልጽ ምዃኑ ብስፍሓት እንተ ተገልጸ፡ ምስ ናይ ሌዋውያን ክህነት ብምውድዳር እምበር ክህነቱ ፍጹም ስለ ዝነበረ ኣይኮነ። ካብ ጥንተ ትኣብሶ ወይ ዘልዓለማዊ ኩነነ ኣድኂኑ ዘለዓለማዊ ዝህብ ኣይኮነን፡ ምክንያቱ መልከጼደቅ ንባዕሉ ኣብቲሕቲ ጥንተ ተኣብሱ ተኣሲሩ፡ ድኅነት ዝደሊ ዝነበረ እዩ። በዚ ድማ ጽባሕ ጽባሕ መስዋዕቲ የድልዮም ነበረ (ዕብ7:27-28)። ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና “ወአኮ ዘልፈ ዘይሠውእ ርእሶ ከመ ዘይገብር ሊቀ ካህናት ወይበውእ ውስተ ቅድስተ ቅዱሳን በበዓመት በደመ ባዕድ”(ዕብ9:6) ሊቀ ካህን ዓመት መጸ ናይ እንስሳ ደም ሒዙ ናብ ቅዱስተ ቅዱሳን ከምዝኣቱ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዓመት ዓመት ርእሱ መሥዋዕቲ ክገብር ኣየድልዮን እዩ(9፡26)። ነውሪ ዘብሉ ገንሸል ኮይኑ ገዛእ ርእሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብዘቅረቦ መስዋዕቲ ንዘልዓለም መንጎኛ(ኣታዓራቂ) ኮነ። እዚ ቃል በቲ ኣብ ዕብ7:25 ዘሎ ኃይለ ቃል ብምጥቃም ክሳብ ሕጂ ይማልደልና ንዝብሉ የፍርሰሎም እዩ። ምእመናን ሓደግዜ መስዋእቲ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ግዜ ምስ ተቀበሉ እቲ ሓደ ግዜ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ንጹሕ መስዋዕቲ ዝኾነ ናይ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛነት ሕ2ኣጢኣት ብምስራሕ ንድሕሪ እንተ ዘይተመሊሶም ንዘልዓለም ይጣበቀሎም(የተዓርቆም/የንጽሖም)ዕብ9:12ን 14ን እምበር ኃጢኣትና ይቅር ክብለልና ወይ ድማ ከንጽሓና ኩሉ ግዜ ኣይስቀልን(መስዋዕቲ ኣይከውንን)። ናይ ጎይታ ኣታዓራቅነቱ ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ኣማሊዱ ምስ ኣብኡ የተዓርቀና ዘይኮነስ ምስ ገዛእ ርእሱ፡ ናይ ባሕሪ ኣብኡ፡ ናይ ባሕሪ መንፈሱ-ቅዱስ መነፍስ፡ ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ ኩሎም ብበዛነቱ ከምዘተዓረቀና ሓውርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላሴስ ኣብ ዝልኣኾ መልእኽቲ የመልክተና(ቆላ1:19)

ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህን፥

ሊቀ ካህን ካብ ሕዝቢ ተመሪጹ ስለ ሕዝቢ ይሽየም። መስዋዕቲ ንምቅራብ፥ ስለ ሕዝብን ስለ ርእሱ ኃጢኣት ንምንጻሕ፡ ካብ እግዚኣብሔር በረከት ንምርካብ ስለ ሰብ ይሽየም ይብል ቅዱስ መጽሓፍ። ልዑል ባሕሪ ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ፡ ናይ ዓለም ቤዛ(በጃ) ዝኾነ ስሌና ስለዝኾነ ሊቀ ካህን ተባህለ።318ቱ ሊቃውንቲ  ከምዚ ይብሉ “ዘብእንቲኣነ ለሰብእ ወብእንተ መድኃኒነ” ስሌና ስለ ደቅሰብ ስለ ድኅነትና ይብሉ። ቅዱስ ኤፍረም እውን “ናትና ሞት ወሲዱ ናቱ ሕይወት ሂቡና” ይብል(ዘጽ18:1 የሓ3፡16 1ጢሞ1:15)።

      ብተወሳኺ ኣብ ብሉይ ኪዳን ናብ ቅዱስተ ቅዱሳን ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ምእታው ዝፍቀደሉ ሊቀ ካህን ጥራይ እዩ። እዛ ደብተራ ኦሪት(ድኳን) ዝሰርሓ ሙሴ ነበረ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣተዋ ደብተራ ክገልጽ እንከሎ ሓወርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “ ክርስቶስ ግና ናይቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሠናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መጸ። ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ፡ ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኮነ ብሉጽን ፍጹምን ድኳን ክኣ ኣተወ። ደም ዲቤላታት ምራኹትን ዘይኮነስ፡ ናይ ገዛዕ ርእሱ ደም ኂዙ፡ ዘለዓለማዊ ድኅነት ረኺቡልና ሓደ ግዜ ንሓዋሩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወ ” የብል(ዕብ9:11-12)። ናይ ጐይታ ድንኳን (ደብተራ) ማንም ዘይኣተዋ ንመጻኢ እውን ማንም ዘይኣትዋ፡ መስቀል እያ። ልክዕ እዩ ቅድሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሎም ዝመቱ ብዙሓት እዮም፡ ድሕሪ ጐይታ እውን ብዙሓት ተሰቂሎም መይቶም እዮም፡ እንተኾነ ግና ኣብ መስቀል ብሙማት ድኅነት ዝተቀበልና ብእኡ ጥራይ ስለ ዝኾነ እዩ ከምኡ ዝበለ።  ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ እንስሳ መስዋዕቲ ሒዙ ብየዓመቱ ናብ ቅዱስተ ቅዱሳን ስለ ኃጢኣት ሕዝቡን ናይ ገዛእ ርእሱ ኃጢኣትን መስዋዕቲ የቅርብ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ስለ ኃጢዓት ዓለም ገዛእ ርእሱ መስዋዕቲ ጌይሩ ኣብ መስቀል ሰውዐ “ምዕረ ሦዓ ርእሶ” ከምዝብል።

      ብኢድ ሰብ ዘይተተክለት ክብል እንከሎ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢድ ኣይሁድ ተፈሪዱ ኣብ መስቀል እኳ እንተ ተሰቅለ ነገር ግና ኣይሁድ ገበነኛ እዩ ኢሎም ክቀትልዎ ኣብ መስቀል ሰቀልዎ እምበር ከድኅነና ኢሎም ብዘይ ምስቃሎም ብኢድ ሰብ ዘይተተክለት ክብል ገሊጽዋ። “ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኮነ” ክብል ከሎ ድማ ደብተራ ዝተባህለት መስቀል ተሰቂሉ ዘድኃነ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዘየሉን ከምዘይ መጽእን ንከረጋግጽ እዩ (ማቴ20:20 ዕብ7:20)። ስለዚ ገዛዕ ርእሱ ናብ ደብተራ ሓድሽ ኪዳን (መስቀል)  ብምእታው ሓደ ግዜ ንሓዋሩ ርእሱ ብምስዋዕ ኣታዓራቂ፡ ስለ ዝኾነ ሊቀ ካህን ተባህለ።  ሊቀ ካህናት መስዋዕቲ ከቅርብ ይሽየም ከምዝነበረን መስዋኣቲ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታው ስለ ርእሱን ስለ ሕዝቡ ኃጢኣትን ስርየት ብግዲ የድሊ ነበረ(ዕብ8:3)። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ነውሪ ዘይብሉ ንጹሕ መስዋዕቲ ኮይኑ ርእሱ መስዋዕቲ ብምግባር ዓለም ካብ ኃጢኣት ስለ ዘንጽሓ ሊቀ ካህናት ተባህለ።

ናይ ክህነት ተግባር

      ናይ ክህነት ተግባር ንእግዚኣብሔርን ንሰብን ምግልጋል እዩ። ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ማለት፡ ካህናት ንመላእኽቲ መሲሎም ብመዓልትን ብለይትን ንእግዚኣብሔር ዘቕርብዎ ምስጋና እዩ። ንሰብ ምግልጋል ማለት ከኣ ምጥማቕ፡ ምቑራብ፡ ምንዛዝ፡ ብሞት ንዝፍለዩ ጸሎተ ፍትሓት ምግባር፡ ብኣጠቓላሊ ብትምህርቲ፡ ብትሩፋት፡ ንክርስቶስ መሲልካ ኣብነት ኴንካ ምርካብ እዩ። (ማቴ 13፡1-4፤ ግሓ 6፡4)

      ህዝበ እግዚኣብሔር ዝበሃሉ ዝነበሩ እስራኤላውያን ሓጢኣት ምስ ሰርሑን፡ ምስ ኣምላኾም ኣብ ዝተባእሱሉን እዋን፡ ብዛዕባ ዝሰርሕዎ ሓጢኣት መስተስረዪ ዝኸውን መስዋእቲ ዘቕርቡ ዝነበሩ ካህናት ጥራይ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ሙሴ መጽሓፍ ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ “በቲ ዝገብሮ ሓጢኣት ካብ መጓሲኡ ኣብ ክንዲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንኣይ ንእግዚኣብሔር የቕርበለይ፡ እቲ ካህን ከኣ ንዓኣ ሰዊኡ ሕድገት ሐጢኣት ይርከበሉ።” (ዘሌ 5፡6)

      ካህናት ካብቲ ካልእ ምእመን ዝተፈለየ ኣገልግሎት ኣለዎም። እቲ ካልእ ህዝቢ ክትንክፎን ክሰርሖን ዘይግብኦ፡ ንሳቶም ጥራይ ይሰርሕዎ ነበሩ። እንተኾነ ግና ንክህነት ገንዘብ ዘይገበሩ ማለት ከይተሸሙ ካህናት ጥራይ ክፍጽምዎ (ክትንክፍዎ) ዝግባእ ስርዓት ብትዕቢት ስለ ዝፈጸሙ፡ ናይ እግዚኣብሔር ቁጥዓ ኣብ ልዕሊኦም ዝነደደትን ዝተቐዝፉን ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኾም ተመዝጊቡ ይርከብ። ገለ ካብኣቶም፡-

  • ክዓጥኑ ዝፈተኑ ቆራሕ፡ ዳታንን ኣቤሮንን ምድሪ ኣፋ ከፊታ ውሒጣቶም እያ።(ዘኍ16፡4)
  • ንጉስ ዖዝያን ኣብ መቕደስ ኣትዩ ብምዕጣኑ ክሳዕ እለተ ሞቱ ለምጻም ኮይኑ እዩ። (2ዜና 26፡16-23)

ሲመተ ክህነት

      ሲመተ ክህነት ሰለስተ ደረጃ ኣለዎ እዚ ኸኣ ዲቁና፡ ቅስና፡ ኤጲስ ቆጶስ እዩ። ሓወርያ ጳውሎስ ናይ ኤጲስ ቆጶስ ግዴታ ንኸረድእ ኤጲስ ቖጶስ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ብሓደራ ዝቅበል ስለ ዝኾነ መንቅብ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ ይብል(ቲቶ1:7)። ከከም መዓርጉ ከኣ ስርዓት ሲመትን ጸሎትን ኣለዎ። ካህናት ብኸመይ ከምዝሽየሙ ድማ ኣብ ግብረ ሓወርያት ምዕራፍ 14:23 ብከምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ኣሎ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ዝኣምንዎ ጎይታ ኣማዕቆብዎም።”

      ኣብ ኣፈጻጽማ ምሥጢረ ክህነት ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይርአ ሃብቲ ይርከብ። ዝርአ ኣገልግሎት ክንብል ከሎና እቲ ጳጳስ ብኣንብሮተ እድ(ኢድ ብምጽዓን) ክሸይም፡ ጸሎት ክጽሊ፡ እቲ ክህነት ዝቕበል ከኣ ብሰቂለ ህሊና፡ ብሰፊሃ እድ፡ ብኣንቃኣድዎ ኣእይንት፡ ብኣድንኖ ርእስ ተመሲጡ ክጽሊ ይርአ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን “ነቲ ብቃል ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝተዋህበካ  ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ።” ተባሂሉ እዩ። (1ጢሞ 4፡14) ዘይርአ ሃብቲ ንብሎ ኸኣ፡ ስልጣነ ክህነት ጸጋ፡ ሃብቲ፡ ናይ ምእሳር፡ ናይ ፍታሕ፡ ናይ ምንጻህ፡ ናይ ምጽናዕ፡ ናይ ምፍዋስ ስልጣን ክህብ ኣይረአን እዩ።

ጢኣትካ ንካህን ምንጋር ከምዝግባእ

     ብዘመነ ብሉይ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝኾኑ እስራኤላውያን፡ ብዛዕባ ዝገበርዎ ኃጢኣት ስርየት፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝረኽቡ ዝነበሩ፡ ብካህናት ኣቢሎም እዮም። እቲ ህዝቢ ኃጢኣቱ ንካህን ይናዘዝ፡ እቲ ካህን ከኣ ስለቲ ሕዝቢ መስዋእቲ ብምቕራብን ብምጽላይን ስርየተ ኃጢኣት ከም ዝረኽቡ ይገብር ነበረ። (ዘሌ 5፡4-10፤ ዘሌ 4፡1-26) ሎሚ’ውን ምእመናን ንኃጢኣቶም ንመምህረ ንስሓኦም ብምንጋር ካብ ኃጢኣቶም ይፍትሑ። ጐይታ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዘበለ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዘበለ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” ብምባል ካብ ኃጢኣት ናይ ምእሳርን ምፍታሕ ስልጣን ሂቡዎም እዩ። (ማቴ 18፡18፤ ማቴ 16፡19)

     ስለዚ ምእመናን ኃጢኣቶም ንካህን ብምንጋር፡ ነቲ ዝወሃቦም ቀኖና (መቕጻዕቲ) ብዝግባእ ወሲዶም፡ ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት በቲ ካህን ክፍትሑ ይግብኦም። (ማር 1፡44) ካብዚ ወጻኢ ግና ‹ንኃጢኣተይ ንእግዚኣብሔር ጥራይ እምበር ንሰብ ኣይዛረብን› ብዝብል ናይ ሰነፋት ትምህርቲ ተሰናኺሎም ካብ ሕጊ እግዚኣብሔር ክወጹ ኣይግብኦምን እዩ።