mm_logo.jpg

1. ምሥጢረ ጥምቀት

      ጥምቀት እንታይ ማለት እዩ፧ ጥምቀት ማለት ‹ኣጥመቀ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተጸለየሉ ማየ ገቦ (ማይ ህይወት) ካብ ጽፍሪ እግሪ ክሳብ ጸጉሪ ርእሲ ብስም ሥላሴ ሰለስተ ግዜ ምጥላቕ፣ ምእላኽ ማለት እዩ።

ምሳሌታት ጥምቀት ኣብ ብሉይ ኪዳን

  1. ግዝረት ኣብ ብሉይ ናይ ህዝበ እግዚኣብሔር መፍለዪ ምልክት እዩ ነይሩ። ኣብ ኦሪት ዘይተገዝረ ወዲ ኣብርሃም ኣይበሃልን ነበረ። (ዘፍ 17፡14) ስለዚ ግዝረት ንህዝበ እግዚኣብሔር ግዴታ ከምዝነበረ፡ ጥምቀት’ውን ኩሉ ክርስቲያን ክፍጽሞ ዝግባእ ሃይማኖታዊ ግዴታ እዩ። ግዝረት ናይ ጥምቀት ምሳሌ ምዃኑ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ እዩ። (ቆላ 2፡11-12)
  2. ኖህ ካብ ማይ ኣይሂ በታ መርከብ ምድሓኑ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። (ዘፍ 8፡1)
  3. እስራኤላውያን ባሕሪ ኤርትራ ምስጋሮም’ውን ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። (1ቆሮ 10፡1-4)

               ቅድሚ ጥምቀት ዘድልዩ ነገራት

  1. ቅድሚ ጥምቀት እምነትን ትምህርትን የድሊ። እቲ ዝጥመቕ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ እንተ ኾይኑ፡ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ዝተማህረ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመነ ክኸውን ኣለዎ። ጐይታ “ዝኣመነ ዝተጠምቀ ክድሕን እዩ።” ስለ ዝብል (ማር 16፡16) ‹እምነት መሰረት እዩ ግብርታት ከኣ ሕንጻታት እዮም።› (ዮሃ.ኣፈ-ወርቅ)።
  2. እምነቱ ክገልጽ ዘይክእል ህጻን እንተደኣ ኾይኑ፡ ብሓላፍነት ወለዱን ብናይ ክርስትና ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ይጥመቕ። ምስ ዓበየ ድማ ብሓላፍነቶም መሰረት ይምዕድዎን የስተምህርዎን።
  3. ንኡሰ ክርስቲያን እንተደኣ ኮይኑ ቅድሚ ምጥማቑ እምነቱን ግብሩን ይምርመር፡ ተመርሚሩ እምነቱ ምስ ተረጋገጸ ኸኣ ይጥመቕ። (ፍትሕ መንፈሳዊ ኣንቀጽ 3፡ ስርዋጽ)

                        ሥርዓተ ጥምቀት

  1. ጥምቀት ብስም ሥላሴ እዩ። ናይ ሥላሴ ስም ከይተጸውዐ ዝፍጸም ጥምቀት፡ ማይ ከምዝተሓጽበ ሰብነት እዩ እምበር ዝህቦ ዓስቢ ወይ ጥቕሚ የብሉን። እዚ ኸኣ ጐይታ ባዕሉ “ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም።” ኢሉ ንሓዋርያት ብዝሃቦም ኣምላኻዊ ቃል መሰረት እዩ። (ማቴ 28፡19)
  2. ጥምቀት ብማይ እዩ። ካህናት ኣቦታትና ስም ሥላሴ እናጸውዑ ‹‹ኣጠምቀከ በስመ ኣብ፡ ኣጠምቀከ በስመ ወልድ፡ ኣጠምቀከ በስመ መንፈስ ቅዱስ›› እናበሉ ሰለስተ ግዜ ኣብ ማይ ኣእቲኻ ብምውጻእ ይፍጸም። ብማይ ንጥመቐሉ ምክንያት፡-

  ሀ. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠምቀ ብማይ እዩ። ንሕና’ውን ንዕኡ ኣብነት ብምግባር ብማይ ንጥመቕ። (ማቴ 3፡13-16)

  ለ. ጐይታ ንኒቆዲሞስ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን።” ስለዝበሎ፡ ናይ ጐይታና ትእዛዝ ንምፍጻም ብማይ ንጥመቕ። (ዮሃ 3፡5)

  ሐ. ሃዋርያት’ውን ካብ ጐይታ ዝተማህርዎ መሰረት ብምግባር ብማይ የጥምቑ ነበሩ። (ግ. ሃዋ 10፡46-47)

  1. ጥምቀት ሓንቲ እያ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ንምእመናን ሓደ ግዜ ጥራይ ከም እተጠምቖም ካልኣይ’ውን ከም ዘይትደግሞም ትምህረና። እዚ ኸኣ ነቲ ቅ. ጳውሎስ ዝተዛረቦ “ሓደ ጐይታ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ።” ዝብል ቃል መሰረት ብምግባር እዩ። (ኤፌ 4፡5) ጥምቀት ሓደ ግዜ ዝኾነሉ ምኽንያት፡-

ሀ. ጥምቀት ዳግም ልደት እዩ። ወዲ ሰብ ብስጋ ሓደ ግዜ እዩ ዝውለድ፡ ከምኡ’ውን ብጥምቀት ሓደ ግዜ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማይ ዮርዳኖስ ይውለድ።

ለ. ጥምቀት ናይ ጐይታና ሞቱን ትንሳኤኡን እንሳተፈሉ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። “ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብሓይሊ እቲ ካብ ምውታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንኩም ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።” (ቆላ 2፡12) ጐይታና’ውን ንሞት ክስዕረልና ብፍቓዱ ሞይቱ ዝተንስአ ሓደ ግዜ እዩ፡ ስለዚ ንሕና’ውን ሓደ ግዜ ንጥመቕ። ካብ ክሕደት ንዝተመልሱ ምእመናን እውን እንተኾነ ካልኣይ ጥምቀት ኣይግበረሎምን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ንስሓ ቀኖና ፈጺሞም ስጋ ወደሙ ይቕበሉ።

  1. ከጠምቑ ዝግብኦም ስልጣነ ክህነት ዘለዎም ሰባት እዮም። እዚ ማለት ካህናት ወይ ከኣ ጳጳሳት ክኾኑ ከም ዘለዎም ናይ ቤተ ክርስቲያንና ስርዓት ይእዝዝ። ስልጣነ ክህነት ዘይብሉ ሰብ ከጠምቕ ኣይክእልን እዩ። (ፍት. ነገ. ዓንቀጽ 3፡ ድስ.21) ካብ ሃይማኖት ብዝተፈልዩ ሰባት ዝተጠምቀ ሰብ’ውን ክርስቲያን ኣይበሃልን እዩ። (ፍ.ነገ ዓንቀጽ 3፡ ረስጣ 4)
  2. ንጥምቀት ዝተወሰነ ዕድመ ንኣወዳት ኣርብዓ መዓልቲ፡ ንኣዋልድ ከኣ ሰማንያ መዓልቲ እዩ። እቲ ህጻን ንኽመውት ዘስግእ እንተኾይኑ ግና ኣቐዲሙ ክጥመቕ ይኽእል እዩ። ንኽጥመቕ መዓልቱ ንዝበጽሐ ሰብ ንጽባሕ ተባሂሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምሕዳርን ምድንጓይን ኣይግባእን እዩ። ጥምቀት ብወገን፡ ብዘርኢ፡ ብዓሌት፡ ብዘይ ፍልልይ ዝፍጸም ስርዓት እዩ። ህዝቢ ይኹኑ ኣህዛብ ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ናይ ሰብ ዘርኢ ኩሉ፡ እንተደኣ ኣሚኖም ናይ እግዚኣብሔር ህዝቢ ስለዝኾኑ ይጥመቑ። ሃዋርያት’ውን ጐይታ ብዝሃቦም ትእዛዝ መሰረት ንህዝብን ኣህዛብን የጠምቑ ነበሩ።(ማቴ 28፡19፤ ፍት.ነገ.አን.3፡29)
  3. ኣብ እዋን ጥምቀት ተጠመቕቲ ኣብ ዝጥመቕሉ ቦታ ደው ይብሉ። እቲ ካህን ነቶም ዝጥመቑ ገጾም ናብ ምብራቕ ኣዚሩ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽልየሎም። እቲ ዝጥመቕ ገጹ ናብ ምብራቕ ምጥማቱ፡ ኣዳም ኣብ ገነት ሸውዓተ ዓመት ከም ዝገበረ ንምዝካር እዩ። ምኽንያቱ ገነት ብወገን ምብራቕ እያ ዘላ።(ዘፍ 2፡8) ድሕሪ ጸሎት ተጠመቕቲ በቲ ኣንጻር ናይ ማይ ኮይኖም ናብ ሰማይ እናረኣዩ ገጾም ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ይመልሱ። ናይዚ ምሳሌ ኸኣ ኣዳም ንሲኦል ምውራዱ ንምዝካር እዩ። ምኽንያቱ ሲኦል ብምዕራብ እያ ዘላ። ድሕሪኡ እቲ ካህን ‹ንዲያብሎስ ትኽሕዶ ዲኻ፧› ኢሉ ንኹሎም ተጠመቕቲ ምስ ሓተቶም፡ ‹እወ ንኽሕዶ-እክህደከ ሰይጣን› ኢሎም ይምልሱ። ክኽሕድዎ ከለዉ ገጾም ንምዕራብ ምዛሮም፡ ዲያብሎስ ቦትኡ ምዕራብ ስለዝኾነ እዩ። እቲ ተጠማቓይ ብኣንጻር ወገን ናይቲ ማይ ደው ምባሉ፡ ናይ ድሕነት ተስፋ ምስምዑ ንምዝካር እዩ። ምኽንያቱ ድሕነት ብጥምቀት እዩ። ድሕሪኡ እቲ ካህን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተጠማቓይ ኢድ ሒዙ ብኣንጻር እቲ ማይ ገጹ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ይመልስ። ዝመልሰሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታ ብጥምቀት ናብ ምብራቓዊት ገነት ከም ዝመለሰና ንምግላጽ እዩ። ተጠመቕቲ ምዝራብ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም ንእምነቶም ንምምስካር ባዕላቶም ጸሎተ ሃይማኖት ይደግሙ። ምዝራብ ዘይክእሉ እንተኾይኖም፡ ናይ ክርስትና ኣቦኦም ወይ ኣዲኦም ኣብ ክንድኦም ንሃይማኖቶም እናመስከሩ፡ ጸሎተ ሃይማኖት ይደግሙሎም።
  4. ተጠመቕቲ ዝጥመቑሉ ተራ። ብመጀመርታ ናይ ኣርብዓ ናይ ሰማንያ መዓልቲ ህጻናት ይጥመቑ፡ ደሓር ንኡስ ክርስቲያን ኣወዳት ይጥመቑ፡ ቀጺለን ንኡስ ክርስቲያን ኣዋልድ ይጥመቓ። (ፍት.ነገ.አን 3፡ ረስጠብ 34)። ካህን ንተጠመቕቲ ድሕሪ ምጥማቕ ሜሮን ምስ ቀብኦም፡ ስጋን ደምን ጐይታ የቐብሎም።

 

ናይ ጥምቀት ኣፈጻጽማ

      ካህን ኣብቲ ንመጠመቒ ዝተቐረበ ማይ፡ ካብ መጽሓፈ ክርስትና ጸሎተ ጥምቀት የብጽሕ። በቲ ጸሎት ድማ እቲ ዝቐረበ ማይ ናብ ማየ ገቦ ይልወጥ። ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛ ዓለም ንኽኸውን ኣብ ዝተሰቕለሉ እዋን፡ ሎንጊኖስ ዝተባህለ ወተሃደር ንጐይታ ኣብ የማናይ  ጐድኑ ብዂናት ምስ ወገኦ፡ ካብ ጐድኒ ናይ ጐይታ ማይን ደምን ፈሲሱ እዩ። እቲ ካብ ጐድኒ ናይ ጐይታ ዝፈሰሰ ማይ (ማየ ገቦ ) ንሕና ሎሚ እንጥመቐሉን ውሉድነት እንረኽበሉን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዘፍስሶ ደምን እቲ ዝቘረሶ ስግኡን በሊዕና ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንረክብ። እቲ ካህን ጸሎተ ጥምቀት ከብጽሕ እንከሎ፡ ብኣንብሮተ እድ (ኢዱ ኣብቲ ተጠማቓይ ብምንባር) እዩ። ናይቲ ተጠማቓይ ስመ ክርስትና’ውን ይሰሚ። ‹‹ቡሩክ እግዚኣብሔር ኣብ ኣሃዜ ኩሉ ዓለም ኣምላክነ፡ ወቡሩክ ወልድ ዋህድ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒነ፡ ወቡሩክ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ መጽንኢ ወመንጽሔ ኩልነ።›› እናበለ ብመስቀል ሰለስተ ግዜ ነቲ ማይ ይባርኾ።

  ‹‹አሐዱ ኣብ  ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ›› ኢሉ ብልዑል ዜማ ነቲ ማይ ይባርኾ። ካህንን ህዝብን ከኣ ብምቅብባል ከም ሥርዓተ ቅዳሴ ይፍጽሙ። ድሕሪኡ እቲ ዲያቆን ነቲ ዝጥመቕ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ የምጽኦ። ሽዑ እቲ ካህን፡- ‹‹አጠምቀከ በስመ ኣብ፡ ኣጠምቀከ በስመ ወልድ፡ ኣጠምቀከ በስመ መንፈስ ቅዱስ፡›› እናበለ ሰለስተ ግዜ የጠምቖ። ድሕሪኡ ሜሮን ይቐብኦ። ሜሮን ኣብ እዋን ጥምቀተ ክርስትና ዝፍጸም ስርዓት እዩ። ብዘይካ እዚ ሜሮን ንሓድሽ ቤተክ ርስቲያን መኽበሪ፡ ከምኡ’ውን ንንዋየ ቅድሳት መኽበሪ እዩ።

                             ብጥምቀት ዝርከብ ክብሪ

  1. ካብ እግዚኣብሔር ምውላድ( ውሉድ ሥላሴ ናይ ምዃን ጸጋ ምርካብ) ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ንደቂ ሰባት ዝወሃብ ብጥምቀት ካብ ሥላሴ ክውለድ ከሎ ምዃኑ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተነጊሩ እዩ። (ዮሃ 3፡5፤)
  2. ካብ ሓጢኣት ምንጻህ። ሰብ ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት ተፈልዩ ካብ እግዚኣብሔር ብጸጋ ብምውላዱ ንመንግስተ ሰማያት ንምውራስ ይበቅዕ። (ሕዝ 36፡25፤ ግ. ሃዋ 2፡38፤ 1ቆሮ 6፡11) ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት’ውን ‹ሓጢኣት ብዝስረየላ ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን› ምባልና ነዚ እዩ። (ኤፌ 5፡26 ገላ 3፡27፤ ቲቶ 3፡5፤ 1ቆሮ 12፡12-13፤ 1ጴጥ 5፡21)