mm_logo3.jpg
mm_logo3.jpg

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ርኽቡና (ተወከሱና)

Facebook Link Twitter Link YouTube Link

ነገረ ማርያም

       ካብ ምሥጢረ ስጋዌ ኣቐዲምካ ንነገረ ማርያም ምምሃር ይግባእ። ስለምንታይ እንተበልና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለ ዝተወልደ(ዝተወሃሃደ) እዩ። እዚ ማለት፡ ነገረ ማርያም ከይተመሃርና ንምሥጢረ ሥጋዌ እንተ ተመሃርና ኣምላኽ ካብ መን ሰብ ኮነ፧ ናይ መን ስጋ ተወሃሃደ፧ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን'ዩ። ንነገረ ማርያም ኣቐዲምና እንተደኣ ተማሂርና ግና ንንጽህናኣ፡ ንቅድስናኣ፡ንድንግልናኣ ፈሊጥና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ ስጋ ተወሃሃደ ኢልና ንምሥጢረ ሥጋዌ ክንርዳእ ንኽእል።

       ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕልና ኣምላኸ ዝነበረት ከም ምዃናን፡ ገና ከይተወልደት እንከላ ድማ ትንቢት ተነጊሩላ፡ ሱባኤ ተቖጺሩላ ዝነበረትን፡ ምስ ተወልደት’ውን ኣደ ኣምላኸ እናተባህለት ከም እትነብርን ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይምስክሩላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እምስርወ እሴይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ።” (ካብቲ ከም ክሩት ጉንዲ ዝኾነ ዘርኢ መንግስቲ ዳዊት ሓደ ጠጥዒ ክጭብጭብ እዩ። እቲ ካብ ሱሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ከኣ ፍረ ክፈሪ እዩ። (ኢሳ11፡1) ኣብዚ ቓል’ዚ ጉንዲ/ጨንፈር ዝተባህለት ወይ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ፡ ጠጥዒ/ፍረ ዝተባህለ ድማ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ኣብዚ ዓለም መጺኡ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ፡ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት’ዩ። እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምሥጢር፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት፡ ዝተነበዩ ቅዱሳን ነቢያት ብዙሓት'ዮም። ንኣብነት፦ ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ዘማራይ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ፡- “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓረያ፡  መሕደሪኡ ክትከውን ድማ በሃጋ፡ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፡ ብሂገያ እየ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር እየ።” ይብል (መዝ 132፡13-14) ጽዮን ኢሉ ጸዊዑዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። እዛ ንኣምላኽ ዝወለደት ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ናይ ትውልዳ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ።