mm_logo3.jpg

ምሥጢረ ሥላሴ

       ምሥጢረ ሥላሴ ማለት ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሰለስትነትን ዝገልጽ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ እዩ። ሥላሴ ቃሉ ናይ ግእዝ ኮይኑ ‹ሠለሰ› ካብ ዚብል ግሲ ዚወጸ እዩ።

       እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓደ ከሎ ሰለስተ እዩ፡ ሰለስተ ከሎ ድማ ሓደ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሰለስትነቱ ብስም፡ ብኣካል፡ ብግብሪ፡ ሓድነቱ ኸኣ ብባህርይ፡ ብህልውና፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብመለኮት፡ ንዓለም ብምፍጣርን ብምሕላፍን…ወዘተ እዩ። “እንዘ ኣሐዱ ሠለስቱ፡ ወእንዘ ሠለስቱ ኣሐዱ፡ ይሤለሱ በኣካላት ወይትዋሐዱ በመለኮት።” ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት። ነዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና፦

       ዘፍ 1፡26 “ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር በለ።” ኣብዚ ቃል፡ ንሰለስትነቱ ከግህድ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር” ክብል እንከሎ፡ ንሓድነቱ ንኽገልጽ ድማ “በለ” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ። ምኽንያቱ ብመልክዐይ፡ ብምስለይ፡ እንተዝብል ነይሩ ሓደ ኣካል ጥራይ እዩ ምበልና ኔርና። እንተኾነ ግና  ገለ ወገናት ነዚ ቃል ወሲዶም “እዚ ቃል ንብዝሒ ዘመልክት ዘይኮነስ፡ እግዝኣብሔር ከም ልምዲ ነገስታት ንባዕሉ ከኽብር ኢሉ ብብዙሕ ኣንቀጽ ገሊጽዎ እምበር፡ ንሰለስትነት ኣየመልክትን እዩ ይብሉ።’’ እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣባሃህላ  ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ከመይሲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሱ ነገስታት ንርእሶም ንሕና እንዳበሉ ወይ ኸኣ ብብዙሕ ኣንቀጽ ኣይዛረቡን እዮም።ንኣብነት ፈርዖን ንዮሴፍ “ኣብ ልዕሊ ኩላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ ኣለኹ” በሎ እምበር ‹ሸይምናካ ኣሎና› ኣይበሎን። (ዘፍ 41፡41) ናቡከደነጾር’ውን “ስለዚ ንኹላቶም ኣማኸርቲ ንጉስ ባቢሎን ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ከፍልጡኒ ኣብ ቅድመይ ከምጽእዎም ኣዘዝኩ።” በለ እምበር፡ ‹ከፍልጡና፡ ኣብ ቅድሜና ከምጽእዎም ኣዘዝና› ኣይበለን። (ዳን 4፡6)

   ዘፍ 3፡22 “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮነ፡ በለ።” ከምኡ’ውን ዘፍ 11፡7 “ንዑ ንውረድ እሞ ቛንቛኦም ንደባልቕ በለ።” ይብል። እዚ ቓል እዚ፡ ሓደ ኣካል ተዛራቢ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ኸኣ ሰማዕቲ ከምዘለዉ የረድኣና። ጸረ ሥላሴ ዝኾኑ ሰባት፡ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ብኻልእ መዳይ ክትርጉምዎ ይረኣዩ እዮም። እዞም ወገናት ‹እቲ ዝዛረብ ዘሎ እግዚኣብሔር ክኸዉን ከሎ፡ እቶም ሰማዕቲ ኸኣ መላእኽቲ’ዮም› ይብሉ። እዚ ሓሳብ እዚ ጌጋ ምዃኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና እዩ። ከመይ’ሲ እግዚኣብሔር ብባህርዩ ድኻም ስለዘይብሉ ሓገዝ ኣይደልን እዩ። ብመሰረቱ ኸኣ ሓገዝ ዝደሊ ፍጡር እምበር፡ ፈጣሪ ኣይኮነን። ንከሃሊነቱ ደረት ዘይብሉ እግዚኣብሔር ንቕዱሳን መላእኽቱ፡ ‹ኪዱ ከምዚ ግበሩ› ኢሉ ይእዝዝ እምበር፡ ንዑናይ ከምዚ ንግበር ኣይብልን’ዩ። ከምኡ’ውን ንእግዚኣብሔር መማኽርቲ ከምዘይብሉ  መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ኢሳ 40፡12-14 እብ 1፡14)

    ዘፍ 18፡1-15 “ኣብርሃም ብሃርሃረት ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ከሎ እግዚኣብሔር ኣብተን ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ዘለዋ ተገልጸሉ። ኣዕይንቱ ቋሕ ኣበለ እንሆ ድማ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ርእይ ምስ ኣበሎም ድማ ብድድ ኢሉ ክቀባበሎም ጐየየ። ፍግም ኢሉ ኸኣ ሰገደ። ኦ ጐይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ ንባርያኻ ጐሲኻኒ ኣይትሕለፍ። ሒደት ማይ ከምጽኣልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ኣዕርፉ፡ ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፡ ቁራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም እሞ ብልዑ፡ ብድሕሪኡ ትሓልፉ በሎም። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝበልካዮ ግበር በልዎ።”

       እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ‹ተገልጸሉ› ዝብል ቃል ንሓድነቱ ዘመልክት ክኸውን ከሎ፡ ‹ሰለስተ ሰብኣይ ደው ኢሎም ረኣየ› ዝብል ድማ ንሰለስትነቱ ዝገልጽ እዩ። ‹ኦ ጐይታይ…ጐሲኻኒ ኣይትሕለፍ› ምባሉ እግዚኣብሔር ሓደ ምዃኑ የመልክት። ከምኡ እንተ ዘይከውን ግና፡ ‹ጐይቶተይ…ጐሲኹምኒ ኣይትሕለፉ› ምበለ ኔሩ። ንሰለስትነቱ ክገልጽ ከሎ ኸኣ፡ ‹ከምጽኣልኩም፡ ተሓጸቡ፡ ኣዕርፉ፡ ብልዑ…› በሎም። ‹ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝበልካዮ ግበር በልዎ› ምባሉ ኸኣ ንሰለስትነቶም ዝገልጽ እዩ።

       ኢሳ 6፡1-3 “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር።” እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝተጠቕሰ “ቅዱስ” ዝብል ቃል፡ ቅድስና ናይ ባህርይዩ ንዝኾነ ንሥላሴ፡ ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ መላእኽቲ ዝቐረበ ምስጋና ምዃኑ ነስተብህል። ብሓደ ቃል ሰለስተ ግዜ ምድግጋሙ ሓድነቱን ሰለስትነቱን ብንጹር የረድኣና። ትሕት ኢሉ ክልተ ሳዕ፡ ልዕል ኢሉ ኣርባዕተ ሳዕ ዘይምዃኑ’ውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። (ራእ 4፡8) ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ሰለስቱ ምእት ቅዱሳን ኣቦታትና “እንዘ ኣሓዱ ሰለስቱ ወእንዘ ሰለስቱ ኣሓዱ፡ ይሴለሱ በኣካላት ወይትዋሓዱ በመለኮት” ብምባል ገሊጾሞ እዮም።

ሀ. ናይ እግዚኣብሔር ሓድነት

እግዚኣብሔር ብባህርይ፡ ብህልውና፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብስልጣን፡ ብመለኮት፡ ነዛ ዓለም ብምፍጣርን ብምሕላፍን ነዚኦም ብዝኣመሰሉ ነገራት ኩሉ ሓደ እዩ።

  • ብምፍጣር፡- “እግዚኣብሔር ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።” ይብል እምበር “ፈጢሮም” ኣይብልን። (ዘፍ1፡1)
  • ብስልጣንን ብፍቓድን፡- “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” (ዮሓ 10፡30)
  • ብህልውና፡- “ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ፡ ኣቦ’ውን ኣባይ ከምዘሎ̔ዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧” (ዮሃ 14፡10፡ ዮሃ 10፡36-37)

“ቃል ብቕድሙ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ። ንሱ ብቕድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።” (ዮሃ 1፡1-2)

  • ብመለኮት፡- “ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽና በይኑ እግዚኣብሔር እዩ።” (ዘዳ 6፡4፤ ማር 12፡29)

ለ.ናይ እግዚኣብሔር ሰለስትነት፦

       እግዚኣብሔር ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል ሰለስተ እዩ።

  • ናይ ስም ሰለስትነት፡- ብስም ሰለስትነቶም ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ ይበሃሉ። (ማቴ 28፡19) “ኣብ” ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ፡ ስለዚ ‹ኣብ› እምበር፡ ወልድ ወይ መንፈስ ቅዱስ በዚ ስም’ዚ ኣይጽውዑን እዮም። “ወልድ” ኸኣ ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። ስለዝኾነ በዚ ስም'ዚ ‹ወልድ› እምበር ኣብ ወይ መንፈስ ቅዱስ ኣይጽውዕሉን እዮም። ‹መንፈስ ቅዱስ› እውን ካብ ዘለኣለም ክሳብ ዘለኣለም ናይ ህላዌ ስሙ’ዩ። ስለዚ’ውን በዚ ስም'ዚ ‹መንፈስ ቅዱስ› እምበር፡ ወልድ ወይ ኣብ ኣይጽውዕሉን’ዮም።
  • ናይ ግብሪ ሰለስትነት፡- ናይ ግብሪ ሰለስትነት ክብሃል እንከሎ ኸኣ፡ ኣብ ወላዲ፡ ወልድ ተወላዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሰራጺ ማለት’ዩ። ናይ ኣብ ግብሩ፡ ንወልድ ይወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ድማ የስርጽ እምበር፡ ኣይውለድን ኣይሰርጽን። ናይ ወልድ ግብሩ ኸኣ፡ ካብ ኣብ ይውለድ እምበር ኣይወልድን፡ ኣይሰርጽን፡ ኣየስርጽን። ናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሩ ኸኣ፡ ካብ ኣብ ይሰርጽ(ይወጽእ) እምበር፡ ኣይውለድን፡ ኣይወልድን ኣየስርጽን። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ሰሪጹ(ወጺኡ) ክበሃል ከሎ፡ ካብ ኣብ ከይዓበየን ከይነኣሰን ዝሰርጽ ማለት’ዩ። “እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ክምስክረለይ’ዩ።” ከም ዝበለ። (ዮሃ 15፡26)
  • ናይ ኣካል ሰለስትነት፡- እዚ ማለት ንኣብ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንወልድ’ውን ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንመንፈስ ቅዱስ'ውን ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም ኣካል፡ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። “ነኣምን ከመ ቦሙ ለሥላሴ መልክዓት ጽዱቃት፡ ዘውእቶን ኣዕይንት ወኣእዛን፡ ኣእዳው ወኣእጋር፡ ወኩሎንኬ እለ ተርፋ” (ሰለስቱ ምእት) “እስመ ኣዕይንቲሁ ለእግዚኣብሔር ሃበ ጻድቃኑ ወዕዝኑሂ ሃበ ስዕለቶሙ።” ትርጉሙ፦ “ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም’የን’’ (መዝ34፡15፤ ኢሳ 59፡1)

ኣካል ማለት ካብ ጸጉሪ ርእሲ ክሳብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ ሰብነት እዩ። ገጽ ማለት ከኣ ዓይኒ፡ ኣፍንጫ ወዘተ ዝሓዘ ክፋል ኣካል’ዩ። መልክዕ ማለት ድማ ንገጽ ሓዊሱ ናይ ሰውነትና ቅርጺ (ኩነት) ዘጠቓልል’ዩ። ናይ ሥላሴ ኣካሎም ግና ከም ናይ ሰብ ኣካል ውሱን ግዙፍ ጸቢብ ኣይኮነን። ናይ ሰላሴ ኣካሎም ምሉእ፡ ሰፊሕ፡ ረቂቕ‘ዩ። እዚ ናይ ኣካል ሰለስትነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ፍጹም ብሩህ ኮይኑ እንረኽቦ፡ ሰማያዊ ምሥጢር ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተጋህደ እዩ። “ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ ብኡ ብኡ ካብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ክዓልብ ረኣየ። እንሆ ድማ ብኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ’ዩ ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ።’’ (ማቴ 3፡16-17) እዚ ማለት ኸኣ ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ተራእየ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብፍሉይ ኣካሉ ብኣምሳል ርግቢ ተራእየ፡ ከምኡ’ውን ኣቦ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ደመና ኮይኑ ‹ወደይ› ኢሉ ምስክርነት ብምሃብ ሰለስቲኦም ኣካላት ኣብ ሓደ እዋን ተራእዮም እዮም። (2 ጴጥ 1፡17) በዚ'ውን “ሓደ ገጽ” ዝብሉ ሰባልዮሳውያን ትምህርቶም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ከምዘይኮነ ንርዳእ።

ናይ ሰለስትነትን ሓድነትን ምሳሌ

       ናይ ሥላሴ ምሳሌ ክንብል ከሎና፡ ከምቲ “ወኣልቦ ዘይከውን ከማነ እስመ መልዕልተ ኩሉ ንሕነ… ወኣልቦ ዘይትማሰለነ እስመ መልዕልተ ኣምሳል ንሕነ” ዝብል (ቀሌ)፡ ብደቂ ሰብ ብዝርዳእ መገዲ ንምግላጽ ደኣ እምበር፡ ንሥላሴ ብልክዕ ምሳሌኦም ዝኸውን የለን። ንዓና ብዝርድኣና ግና ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምህሩናን ኣቦታትና ዝነግሩናን ብሓዊ፡ ብጸሓይ፡ ብናይ ሰብ ነፍሲ…ወዘተ ክንርኢ ኢና።

  • ናይ ሓዊ ሰለስትነቱ፡- ኣካሉ(ሃልሃልትኡ)፡ ሙቐቱ፡ ብርሃኑ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ብኣካሉ፡ ወልድ ብብርሃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብዋዒኡ ይምሰሉ። “ኣቡየ እሳት ወኣነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ።” (ቀሌም)፡ ከምኡ’ውን “ኣብ እሳት ወልድ እሳት፡ ወመንፈስ ቅዱስ እሳት፡ ኣሓዱ ወእቱ እሳተ ህይወት ዘእምኣርያም።” (ኣባ ህርያ.ቅዳ.ማር) ሓዊ ሰለስተ ነገራት ይሃልዎ እምበር፡ ሓደ ሓዊ እምበር ሰለስተ ሓዊ (እሳት) ከምዘይበሃል፡ ሥላሴ’ውን ሓደ ኣምላኽ ደኣ ይበሃሉ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ከም ዘይበሃሉ ከነስተውዕል ይግብኣና።
  • ናይ ጸሓይ ሰለስትነቱ፡- ክበቡ፡ ብርሃኑ፡ ሙቐቱ (ዋዕዩ) እዮም። በዚ መሰረት ኸኣ ብክበቡ ኣብ፡ ብብርሃኑ ወልድ፡ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። “ኣቡየ ጸሓይ ወኣነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ።” “ኣብ ጸሓይ፡ ወልድ ጸሓይ፡ ወመንፈስ ቅዱስ ጸሓይ። ኣሃዱ ወእቱ ጸሓየ ጽድቅ ዘላዕለ ኩሉ።’’ (ቀሌም. ኣባ ህርያቆስ ቅዳ.ማር) ኣብዚ’ውን ጸሓይ ብሰለስተ ነገራት ትግለጽ፡ እንተኾነ ግና ሓደ ጸሓይ እምበር ሰለስተ ጸሓይ ከምዘይንብል ከነስተብህል ይግብኣና። በዚ ኣብነት'ውን ዋላ’ኳ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሰለስተ እንተኾኑ፡ ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ከምዘይንብል ክንግንዘብ ንኽእል።
  • ነፍሲ ሰብ፡- ሰብ ብነፍሱ ሰለስትነት ኣለዎ። እዘን ሰለስተ ባህርያት ከኣ፡ ልብነት (ለባዊት)፡ ቃልነት (ነባቢት)፡ እስትንፋስ ወይ ህይወትነት (ህያዊት) እየን። ከምኡ’ውን ኣብ ብልቢ፡ ወልድ ብቓል፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብእስትንፋስ ይምሰሉ። ካብዚ ክንርድኦ እንኽእል ነገር፡ ሰብ ብነፍሱ ሰለስተ ባህርያት እኳ እንተ ሃለዎ፡ ሓደ ነፍሲ እምበር ሰለስተ ነፍሲ ኣለዎ ተባሂሉ ከምዘይንገር፡ ቅድሰት ሥላሴ'ውን፡ ብኣካል ብግብሪ ብስም ሰለስተ እኳ እንተኾኑ፡ ሓደ ኣምላኽ ኢልና ኢና እንኣምን።

“ሳህሉ ለእግዚኣብሔር መልኣ ምድረ፡ ወበቃለ እግዚኣብሔር ጸንዓ ሰማያት፡ ወእምእስትምፋሰ አፉሁ ኩሉ ኀይሎሙ” (መዝ 33፡6) ደጊምና ክንርድኦ ዝግበኣና ነገር፡ ኣብ ልቢ፡ ወልድ ቃል፡ መንፈስ ቅዱስ እንስትንፋስ እኳ እንተ ተባህለ፡ ንኣብ ዝተፈልየ ቃልን እስትንፋስን፡ ንወልድ ኸኣ ዝተፈልየ ልብን እስትንፋስን፡ ንመንፈስ ቅዱስ ድማ ዝተፈለየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሓደ ኣብ ሓደ ህልዋን እዮም።

በዚ መሰረት፡ ብኣብ ለባውያን፡ ብወልድ ነባብያን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ህያዋን ይበሃሉ። ኣቡሊዲስ ዘሮሜ “ኣብኒ ልቡናሆሙ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስ፥ ወልድኒ ቃሎሙ ለኣብ ወለመንፈስ ቅዱስ፥ መንፈስ ቅዱስኒ ህይወቶሙ ለኣብ ወለወልድ።”  ከም ዝበለ፡ ሓደ ልቢ ሓሳቢ፡ ሓደ ቃል ተዛራቢ፡ ሓደ እስትንፋስ ህያው ኮይኖም  ይዛረቡን ይነብሩን ይፍጽሙን ደኣ እምበር ምፍልላይ የብሎምን።

ሰለስትነቱን ሓድነቱን ዘብርሁ ተወሰኽቲ ጥቕስታት

  • “እግዚኣብሔር ይባርኽካን ይሓሉኻን፡ እግዚኣብሔር ገጹ የብርሃልካ ጸግኡ ኸኣ ይሃብካ፡ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ይጠምትካ ሰላም ድማ ይሃብካ።” (ዘኍ 6፡23-24)
  • “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኸን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትኩም ይኹን።” (2ቆሮ 13፡13፤ 1ጴጥ 1፡2)
  • “የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር ሓይሊ ትገብር፡የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር ልዕል ተብል፡ የማነይቲ እግዚኣብሔር ሓይሊ ትገብር ኣላ።” (መዝ 118፡16)
  • “እምበኣር ኪዱ'ሞ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም።” (ማቴ 28፡19)

                መጠቓለሊ

  1. ኣብ ንወልድ ስለ ዝወለደን፡ ንመንፈስ ቅዱስ'ውን ስለ ዘስረጸን ኣይበልጾምን፡ኣይቅድሞምን እዩ። ኣብ ሥላሴ ምቅድዳም ምብልላጽ ዝበሃል ነገር የልቦን።
  2. ሥላሴ ብስም፡ ብኣካል፡ ብግብሪ ሰለስተ ክኾኑ ከለዉ ብስልጣን፡ ብመለኮት፡ ብህልውና፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብፍቓድ፡ ብባህርይ ግና ሓደ እዮም።
  3. መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ኣብ እምበር ካብ ወልድ ኣይሰርጽን’ዩ።
  4. ኣብ ኣምላኽ፡ ወልድ ኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ፡ እንተኾኑ’ውን ሓደ ኣምላኽ እምበር ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይበሃሉን እዮም።