mm_logo2.jpg

ምሥጢረ ሥጋዌ

    ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ካብ ሰለስተ ኣካላት ሥላሴ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ስጋ ዝተወሃሃደሉን ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር እዩ።

   እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ስጋ ሓሙሻይ ባህርየ ነፍሲ ኣዋሂዱ፡ ንኣዳም ናይ 30 ዓመት ጐበዝ ንሄዋን ኸኣ ናይ 15 ዓመት ጐርዞ ጌሩ ኣኽቢሩ ፈጠሮም። ብዘይካ ዕጸ በለስ ኩሉ ብልዑ፡ ግዝኡ፡ ኢሉ ክብሩ ክወርሱ ንስሙ ክቕድሱ ፈቐደሎም። (ዘፍ 2፡16) እዚ ኸኣ ናቱ ኣምላኸነት ናታቶም ፍጡርነት፥ናቱ ገዛእነት ናታቶም ተገዛእነት ንኽፈልጡ፡ ብስርዓትን ምግባርን ንኽኸዱ ትእዛዝ ንኸቑመሎም  እምበር ዕጸ በለስ ዝኸልከሎም በቒቑሎም ኣይኮነን። ብእኡ ኣቢሉ'ውን ሥርዓተ ጾም ንምምሃር ነበረ። ንሳቶም ግና ነዚ ትእዛዝ'ዚ ጥሒሶም ሞተ ስጋ ሞተ ነፍስ ኣብ ገዛእ ርእሶም ፈረዱ። (ሮሜ 5፡12) ናብ’ዛ ዘለናያ መሬት'ውን (ምድረ ፋይድ)  ተሰዱ። (ዘፍ 3፡1-13) እግዚኣብሔር ርህሩህ፡ መፍቀሬ ሰብ፡ መሓሪ ብምዃኑ፡ ኣዳምን ሄዋንን ብዝገበርዎ ኣዝዮም ምስ ተጣዕሱ ንስሓኦም ተቐቢሉ፡ ብኽያቶም ሰሚዑ፡ “ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ” ዝብል ቃል ተስፋ ሃቦም። (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ 13፤ መዝ 88፡1፤ 2ጴጥ 3፡8፤ ገላ4፡5) ነቶም ወረስቲ ተስፍኡ'ውን ብማሕላ ኣጽንዓሎም። (እብ 6፡17) እቲ ዝተጠቕሰ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝሃቦ ተስፋ ዘይነስእ (ዘይከልእ) ጐይታ ከምቲ ሱባኤ ዝተቖጽረሉን ትንቢት ዝተነግረሉን፡ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተወሃሂዱ ብዘመነ ዮሃንስ ወንጌላዊ መጋቢት 29 ብሳልሳይ ሰዓት ብመዓልቲ እሁድ(ሰንበት) ብሕቱም ድንግልና ተጸንሰ። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን'ውን ብዘመነ ማቴዎስ ታሕሳስ 29፡ ብመዓልቲ ሰሉስ፡ ፍርቂ ለይቲ ብሕቱም ድንግልና ተወልደ። ስለዚ ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ኣካላዊ ቃል ንኣዳም ከድሕኖ ብዝኣተዎ ቃል ኪዳን መሰረት ስጋ ዝለበሰሉን (ዝተዋሃሃደሉ) ፍጹም ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር እዩ።

ኣምላኽ ንምንታይ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ሕማምን ሞትን ተቐበለ፧

   ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሔር ኩሉ ዝኸኣሎ ኣምላኽ እንከሎ ንምንታይ ፍጹም ሰብ ኮነ፧ ብዘይካ ሓጢኣት'ውን ሰብ ዝፍጽሞ ዘበለ እንዳፈጸመ ንሕማምን ሞትን ተቐቢሉ ንሰብ ከድሕን መረጸ፧ እንተ በልና፡ እዞም ዝስዕቡ መረዳእታታት ካብ ብዙሕ ብውሕዱ ክንገልጽ ንኽእል።

  1. ብኣርኣያኡን መልክዑን ዝፈጠሮ ሰብ ብዝተጋገዮ ጌጋ ምስተጣዕሰ ናይ ሓጢኣት ግዙእ ኮይኑ ክነብር ኣይሓደጎን። እንታይ ደኣ እግዚኣብሔር ዝሰርሖ ኩሉ ብመደብን ስርዓትን ስለዝኾነ ካብ ሓጢኣትን መርገምን ኩነኔን ዘድሕነሉ ተስፋ ንኣዳም ሂብዎ ስለዝነበረ ከምቲ ቃሉ ንኽፍጽመሉ’ዩ። (ዘፍ 3፡15 ቀሌ ገጽ 13፤ 1ቆሮ 14፡33-40)
  2. ዝበደለ ሰብ በጃ ኾይኑ ከድሕን (ከንጽህ) ስለ ዘይኸኣለ፡ ንሱ ባዕሉ ነዚ መደብ ብንጽህናን ብቕድስናን ካብ ዝተሓለወት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንኽውለድ ምእንታና ካሕሳ ክሒሱ ንኽዓርቀናን ንኽዕረቐናን ግድን ኮነ። ካብ ድኻም ስጋ ዝተላዕለ ሕጊ ክፍጽም ንዘይኸኣለ ኣዳም፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ኮነኖ። (ሮሜ8፡3) ከምኡ'ውን “ብምኽንያት ሰብ(ኣዳም) ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብምኽንያት ሓጢኣት’ውን ሞት መጸ፡ ብሓደ ሰብ (ክርስቶስ)'ውን ህይወት መጸ” ከም ዝበለ መጽሓፍ። (ሮሜ5፡12-18)

ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ክልተ ልደታት

ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ልደት ከምዘለዎ ትኣምን። ኣቦታትና ከም ዝመሃሩና ‹ቀዳማዊ ልደት›ን፡ ‹ደኀራዊ ልደት›ን እዩ። እዚ ኸኣ ቅድሚ ዓለም ካብ ኣብ ብዘይ ኣደ፡ (መዝ 2፡7፤ መዝ ፻፱፥፬፤ ምሳ 8፡25) ድሕሪ ዓለም ከኣ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይ ኣቦ ዝተወልዶ ልደት እዩ። (ሉቃ 2፡11፤ ገላ 4፡4) “ወዓዲ ይደልወነ ንእመን ከመ ቦቱ፡ ለወልደ እግዚኣብሔር ክልኤቱ ልደታት። ቀዳማዊ ልደቱ እምእግዚኣብሔር ኣብ እምቅድመ ኩሉ መዋዕል። ወዳግማዊ ልደቱ እምእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም በደኃሪ መዋዕል።” ከም ዝበለ ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ። (ሃ.ኣበው 34፡6)

ተዋህዶ

    ተዋህዶ ማለት ቃልን ስጋን (መለኮትን ሰብነትን) ብተዋህዶ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ፥ካብ ክልተ ኣካል'ውን ሓደ ኣካል ከም ዝኾነ ዘረድእ ምስርጢር’ዩ። ቅድሚ ተዋህዶ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ዝተባህሉ መን’ዮም፧

*መለኮታዊ ኣካል፡-ረቂቕ፡ዘይጭበጥ፡ዘይድህሰስ፡ እሳታዊ፡ ምሉእ፡ ስፉሕ'ዩ።

*ስጋዊ ኣካል፡- ግዙፍ፡ ውሱን፡ ጸቢብ፡ ዝድህሰስ፡ ዝጭበጥ'ዩ።

*መለኮታዊ ባህርይ፡- ቀዳማይን ዳሕረዋይን፡መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ ዘለኣለማዊ፡ ዘይሓምም፡ ዘይጠሚ፡ ዘይጸምእ፡ ዘይመውት እዩ።

*ስጋዊ ባህርይ፡- ምጽማእ፡ ምጥማይ፡ ምድካም፡ ምሟት ዝሰማምዖ ባህርይ'ዩ።  

  እምበኣር ወልደ ኣብ፡ ኣዳም ካብ ዝወደቐሉ መንጸፈ ደይን፡ ካብ ዝተገዝኣሉ ናይ ሰይጣን ባርነት ነጻ ንኽገብሮ(ንኸውጽኦ) ምስ መጸ ቃል ምስ ስጋ ተወሃሃደ። እዚ ማለት ኸኣ መለኮታዊ ኣካልን ስጋዊ ኣካልን፡ ከምኡ'ውን መለኮታዊ ባህርን ስጋዊ ባህርን ተወሃሃዱ። እቲ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ብዘይምልዋጥ ብተዋህዶ፡ መለኮት ንመለኮትነቱ ከይለቐቐ(ከይገደፈ) ስጋ’ውን ንስጋነቱ ከይለቐቐ(ከይገደፈ) መለኮት ኮነ፡፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ፡ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ኮነ፡ ስለዚ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብተዋህዶ ከበረ ንብል። በዚ ድማ ምንታዌ(ክልተነት) ጠፍአ። ስለዚ አብ ተዋህዶ ምልዋጥ፡ ምሕዳር፡ ምትሕውዋስ፡ ምድማር፡ ምምላስ የልቦን። እዚ ማለት ኸኣ፡-

ሀ. ብዘይ ምልዋጥ (ዘእንበለ ውላጤ)፡- እዚ ማለት ከም ሰበይቲ ሎጥ፡ ከም ማይ ናይ ቃና ማለት እዩ። ሰበይቲ ሎጥ ሰብ ኔራ ናብ ጨው ዝተለወጠት፡ ማይ ናይ ቃና ኸኣ ማይ ኔሩ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ እዩ። (ዘፍ 19፡10፤ ዮሃ 2፡1) ቃል ስጋ ኮነ፡ ክንብል ከለና ግና፡ አምላኽነቱ ሓዲጉ ተለዊጡ ሰብ ዝኾነ ማለት አይኮነን። ምኽንያቱ ቃል ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። (ዮሃ 1፡2) እግዚአብሔር ኸኣ አይልወጥን እዩ። (ሚል 3፡6)

ለ. ብዘይ ምሕዳር (ዘእንበለ ሕድረት)፡- ማለት ከም ዳዊትን ማህደሩን፡ ከም ማይን ዕትሮን፡  ቃል ኣብ ስጋ ተቐመጠ (ሓደረ) ክንብል ኣይግባእን።  “ኣባና ሓደረ” ንዝብል ቃል ሒዞም፡ ሓዲርዎ ንዝብሉ “ስጋ ኮነ” ኢሉ ነቲ ሓሳቦም የፍርሶ።

ሐ. ብዘይ ምትሕውዋስ (ዘእንበለ ቱሳሔ)፡- ዝተሓዋወሰ ማለት እዩ። ናይ ወልድ ተዋህዶ ግና ከም ጸባን ማይን፡ ከም መዓርን ማይን ዝተሓዋወሰ አይኮነን። እዚኣቶም ምስ ተሓዋወሱ  መንነቶም ጠፊኡ ብርዚ፡ማክያቶ ይበሃሉ እምበር በቲ ናይ ቀደም ስሞም ክጽውዑ አይክእሉን እዮም።  ክርስቶስ ግና ድሕሪ ተዋህዶ እቲ መንነቱ ተሓዊሱ ከም ዘይጠፍአ ንምርዳእ “ወዲ ሰብ” (ማቴ 16፡13) አምላኽነቱ ከምዘይጠፍአ ኸኣ “ናይ ዘልአለም አምላኽ” እዩ። (ዮሃ 5፡20)

መ. ዘይተደመረ (ዘእንበለ ትድምርት)፡- ከም ክዳንን ከም እንጀራን ዝተደመረ፡ ዝተደራረበ ማለት እዩ። እዚኣቶም እንተ ደረብካዮም ይድረቡ፡ እንተ ነጸልካዮም ድማ ዝንጸሉ እዮም።  መለኮት ግና ምስ ስጋ ተደሪቡ (ተጸጊዑ) ዝነበረ፡ ደሓር'ውን ገዲፍዎ ዝኸይድ አይኮነን። (ሃይ.አበ. 72፡30፤ 61፡21)

ሰ. ብዘይ ምምላስ (ዘእንበለ ሚጠት)፡- ምምላስ (ሚጠት) ማለት ከም ማይ ግብጽን ከም በትሪ  ሙሴን እዩ ። ማይ ግብጺ መጀመርታ ማይ ነይሩ ደሓር ናብ ደም ዝተቐየረ፡ ከም ብሓድሽ ኸኣ ተመሊሱ ማይ ዝኾነ እዩ። (ዘዳ7፡20) በትሪ ሙሴ እውን በትሪ ዝነበረት፡ ናብ ተመን ተቐይራ ተመሊሳ በትሪ ዝኾነት እያ። (ዘጸ 3፡2) ናይ ክርስቶስ ተዋህዶ ግና ሓንሳእ ስጋን መለኮትን ምስ ተዋሃሃደ፡ ስጋ ወይ መለኮት ጥራይ ናብ ምዃን ኣይምለስን እዩ። ከመይ ኢሉ ደኣ ስጋ ለበሰ፧ ንዝብል፡ ቅዱሳን ኣቦታት ዝሃብዎ ምሳሌ ክንርኢ ኢና፡፡

ናይ ተዋህዶ ምሳሌ

      ቅዱስ ቄርሎስ ብዛዕባ ተዋህዶ ቃልን ስጋን ከምዚ ይብል “ቃል ስጋ ኮነ” ክበሃል እንከሎ ቃል ተለዊጡ ስጋ ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ስጋ'ውን ናብ ኣምላኽነት ተለዊጡ ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ብዘይምርመር ምሥጢር ተዋሃሃደ፡ ሃብቲ ቃል ንስጋ፡ ሃብቲ ስጋ ንቓል ኮነ እምበር። እዚ ማለት’ውን ገንዘብ መለኮት ብተዋህዶ ገንዘብ ስጋ፡ ገንዘብ ስጋ ብተዋህዶ ገንዘብ ቃል ኮነ ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንቃል ዝንገር ዝነበረ ንስጋ ይንገረሉ፡ ንስጋ ዝንገር ዝነበረ ንቃል ይንገረሉ። እዚ ማለት መጀመርታን መወዳእታን የብሉን ክብሃለሉ ዝግብኦ ቃል ክኸውን ከሎ ስጋ ግና ንገንዘብ ቃል ብተዋህዶ ናይ ባዕሉ ጌሩ፡ “መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ” ክብል በቒዑ። (ራእ 1፡8) እቲ ዘመን ዘይቁጸረሉ ዝነበረ ቃል'ውን ናይ ስጋ ገንዘብ ገንዘቡ ስለ ዝገበረ ዘመን ተቖጽረሉ። ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ተባህለ።(ሉቃ 2፡42)

ንተዋህዶ ስጋን መለኮትን ቅዱስ ቄርሎስ ብሓጺንን  ሓውን መሲሉ ይዛረብ። ሓጺን ናብ ሓዊ ኣትዩ ምስ ሓዊ ክወሃሃድ (ክረስን) ከሎ መጠኑ፡ ቅርጹ፡ ርጉዱን ቁመቱን ከይለቐቐ፡ ባህርይ ናይቲ ሓዊ ወሪሱ ኩለንትንኡ ፍጹም ሓዊ ከም ዝኸውን፡ እቲ ሓዊ  እውን ናይ እሳትነት(ሓዊነት) ባህርዩ ከይገደፈ ብመጠን እቲ ሓጺን ንቕርጺ እቲ ሓጺን ከምዝሕዝ፡ ዳሕራይ'ውን ሓጓዳይ ብማሳ ከትብዖ፡ ብመጋዝ ክቖርጾ ከሎ ኣብ መንጎ ሓጺንን ሓውን ዋላሓንቲ ፍልልይ ከም ዘይርአ፥ ሕድረት ምልዋጥ ዘይብሉ ተዋህዶ መለኮትን ስጋን እውን ከምኡ እዩ ኢሉ ኣረድአ።

    ስለዚ ነቲ ሓደ ክርስቶስ መቒልካ ስጋ ናይ ስጋ ስራሕ ይሰርሕ፡ መለኮት ናይ መለኮት ስራሕ ይሰርሕ ምባል ግጉይ ትምህርቲ እዩ። ወልድ ስጋ ብምውህሃዱ ካብ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ካብ ኣብ፡ ካብ ናይ ባህርይ ህይወቱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኣይንእስን።

     ንሰብ ንኸድሕን ክብል ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ሰብ'ውን እንተኾነ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጐደሎ ነገር የልቦን። ተለዊጡ'ውን ካልእ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ድማ ብባህርዩ ሕልፈተ ውላጤ ዘይብሉ ስለዝኾነ “ኣነ እግዚኣብሔር ኣይልወጥን’የ” ብምባል ብምልዋጥ ዘይኮነሲ ብተዋህዶ ሰብ ከምዝኾነ የረድኣና። (ሚል 3፡6)

     ስለዝኾነ’ውን ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ክኸውን ከሎ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እምበር ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ብሓጺር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት፡ ተወሲኑ ስለ ዝተመላለሰ ካብ ዕሪና(ማዕርነት) ናይ ኣብ ኣይተፈለየን፡ ተለዊጡ ፍጡር ወይ'ውን ኣማላዲ ኣይኮነን፡ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ክሳብ ዘለአለም ንሱ እዩ”  ዕብ 13፡8።

ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈ ኩሉ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ የረደኣና። ኣብ ወንጌል ዝተመዝገበ ንድኻሙን ሓይሉን ዝገለጸሉ ኩሉ ግብሪ፡ ናይ ባዕሉ ናይ ስግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ስራሕ እዩ። ብዘይካ ሓጢኣት ነቲ ናይ ሰብ ዝኾነ ኩሉ ናይ ባዕሉ ጌሩ ፈጺምዎ እዩ። ካብ ግዜ ልደት ክሳብ ዕርገት ንዘሎ ግብረ ትስብእት (ሰብኣዊ ስራሕ) ብዘይ ሓጢኣት ፈጸሞ። (ዮሃ 8፡46፤ 1ጴጥ 2፡22፤ እብ 4፡14-15)

     እቲ ብዙሕ ድንቂ ተኣምራት ዝገበረ ንሱ ጠመየ፡ ጸምአ፡ ሓዘነ፡ በኸየ። እቲ ኣብ ጌቴሴማኒ ዝጸለየ ኣብ ጎልጎታ መሪር ኣውያት ኣስምዐ። ንሱ ንናይ ወለተ መበለት ሓድሽ ሬሳ፡ ከምኡ'ውን ንናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሬሳ ኣልኣዛር ዘተንሰአ፡ ንወለተ ኢያኢሮስ ኸኣ ዝፈወሰ፡ ንሱ ባዕሉ እቲ ዝሞተ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ሉቃ 7፡11-16፤ ማቴ 9፡25፤ ዮሃ 11፡34) 

     ይኹን ደኣ እምበር ወልድ ብባህርዩ ሞት ይሰማምዖ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ሞት ክርስቶስ ብስጋ ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ገሊጹልና ይርከብ። “ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለ ዝተቐበለ…” (1ጴጥ 4፡1) ስለዚ'ውን ናይ ክርስቶስ መከራ ምቕባል ብመዋእለ ሥጋዌኡ ብዝተገብረ ናይ ምድሓን ስራሕ ስለዝኾነ፡ “መለኮት ብስጋ ሞተ” ንብል። ከምኡ'ውን እቲ ሞት ዝሰማምዖ ዝነበረ ስጋ ብተዋህዶ ናይ መለኮት ህያውነት(ዘለኣለማዊነት) ገንዘቡ ስለ ዝገበረ ስጋ በመለኮት (መንፈስ ) ህያው ኮነ ንብል። “ሞተ በስጋ ወሐይወ በመንፈስ” ከም ዝበለ። (2ጴጥ 3፡18)

    ኣብዚ ከነስተብህሎ ዝግብኣና ሓሳብ'ውን ኣሎ። ንስርዓት ሥጋዌ ምስቲ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ዘሎ ኩነታት ሓዋዊስካ፡ እግዚኣብሔር ብባህርዩ ሞይቱ እዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይግባእን፡ ክሕደት'ውን እዩ። ምኽንያቱ ሰለስቲኦም ኣካላት ሥላሴ ሞይቶም ከም ምባል ስለዝኾነ። ሞት ዘይሰማምዖ መለኮት ኸኣ ናይ ሰለስቲኦም ኣካላት ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ገንዘብ ስለዝኾነ እዩ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ ይገልጸልና እዩ

  • ምስጢራዊ ቃላትን ትምህርትን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ

 ማቴ 3፡17 “ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ”  ኣብዚ ጽሑፍ እግዚኣብሔር ኣቦ ባዕሉ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድሕሪ ዓለም ንዝተወልደ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወደይ በሎ። ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዝግባእ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ስጋን መለኮትን ንዝተወሃሃደ ኢየሱስ ክርስቶስ “ወደይ” ከምዝበሎ’ዩ። ብናይ ቤተ ክርስቲያን ምስክርነት'ውን “ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ብተዋህዶ ከበረ” እትብል ነዚ እዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ካብ ክልተ  ባህርይ ሓደ ባህርይ ኮነ ማለት እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር ኣቦ ኣብ ደመና ኮይኑ “ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ፡” ኢሉ ዝመስከረሉ  ንስጋ’ዶ እዩ፧ ወይስ ንመለኮት፧ ነቲ ሓደ ስግዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ንስጋ ወይስ ንመለኮት ጥራይ ኣይኮነን።

  • ምስጢራዊ ቃልን ትምህርትን ኣብ ደሴት ፍጥሞ

    ራእ 2፡8 “እቲ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፡ ከምዚ ይብል ኣሎ።” ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ድሕሪ ዓለም ዝነብርን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ እምበር ንሰብ ኣይኸኣሎን እዩ። እግዚኣብሔር ከም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና። ዋንኡ ግና ሞይተ ኔረ እነኹ'ውን ህያዉ እየ ኢሉ'ዩ። እዚ ማለት ድማ መለኮት ብስጋ ሞተ ንምባል እዩ። እምበኣርከስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እንተዘይኮይኑ፡ ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ሞይቱ ዝተንሰአን ምዃኑ ኣይምገለጸን ኔሩ። እቲ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ንሱ እዩ። “ሞይቱ'ውን ነበረ” ዝበሎ ነቲ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ንዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር እዩ፡ እቲ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተንስአን ኸኣ እቲ ስጋ ዝኾነ ቃል እዩ።

ክጽንዑ ዝግብኦም ጥቕስታት

1ዮሓ 1፡1  ግብ.ሃዋ 20፡28  ማር 14፡61 ማር 15፡37 ዮሓ 3፡14  መዝ 22፡12-18  ፊል 2፡6  ዮሓ 3፡16 ሮሜ5፡10  ዮሓ 17፡24 ራእ 5፡12

 

 

  መጽሓፍ ቅዱስ ስጋ ብተዋህዶ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጸልና’ዩ

  • ቀዳሚሁ ቃል ውእቱ (ብቕድሙ ቃል ነበረ)

      ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሃንስ በዚ ኣገላልጽኡ፡ ቃል ብቕድሙ ከም ዝነበረ የረደኣና። ንቅድምንኡ ግና ጥንቲ ወይ መበገሲ የብሉን። ፍጥረት ዘበለ ኩሉ መበገሲን መፈጸምታን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣለዎ። ናይ ኩሉ መበገሲ ወይ መምጽእን (ኣምጻኤ ዓለማት) እግዚኣብሔር ግና ቀዳማዊ’ዩ። ንሱ ድማ መበገሲ ወይ መጀመርታ ዘይብሉ ኣልፋ (ቀዳማዊ) እዩ። ከምኡ'ውን ፍጻሜ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ(ኦሜጋ) እዩ። (መዝ102፡25-27) ስለዚ’ዩ ድማ ወንጌላዊ ዮሃንስ ንደቂ ሰባት ከድሕን ኣምላኻዊ ጉዕዞ ንዝገበረ ጐይታ፡ መንነቱ ንኸረድእ ቅድመ ሥጋዌኡ ንዝነበረሉ ህላዌን ኩነታትን ክገልጽ ከሎ፡ ቃል ቀዳማዊ ኢሉ ቅድምንኡ ዘረጋገጸ። እዚ ቃል ድማ ከም ቃል ፍጡራን ዝርው (ኣካል ዘይብሉ) ዘይኮነስ፡ ንሱ ባዕሉ ገባሪ ኩሉ፡ አካላዊ ቃል ምዃኑ ንኸረድእ “እቲ ቃል” ኢሉ ጸውዖ(ገለጾ)። በዚ ድማ ቃል ዝተባህለ ወልደ እግዚኣብሔር ክርስቶስ አምላኽ ምዃኑ ንክሕብር “እቲ ቃል'ውን ኣምላኽ ነበረ”፡ ኢሉ ጸሓፈ። ብዳሕረዋይ ዘመን ድማ ብፍሉይ ኣካሉ ስጋ ከም ዝተዋሃሃደ ከረደኣና እንከሎ “እቲ ቃል ስጋ ኮነ።” በለ። (መዝ 32፡6፤ ዮሓ 1፡1-14፤  ዕብ 1፡2-3፤ ቆሎ 1፡12-17)    

     ዳን 7፡13 “ለይቲ ብራእይ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ካብ ዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በጽሐ። ናብ ቅድሚኡ'ውን ኣቕረብዎ፡ ኩላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ከገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንዕኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት’ዩ፡ መንግስቱ'ውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።” ኣብዚ ጽሑፍ ‹መንግስቲ› ዝበሎ ናይ ኣምላኽነቱ እዩ። እዚ ዝተነግረ ድማ ንመለኮት ጥራይ እዩ ከይንብል ኣቐድም ኣቢሉ ወዲ ሰብ ብምባል ገሊጹልና ይርከብ፡ “እምበኣር ሰብነት ብተዋህዶ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ይኸውን፧” ንዝብሉ፡ ከመይ ጌሩ ደኣ “ኣህዛብን ወገናትን ኩሎም ከምልኽዎ እዮም” ተባሂሉ ተጻሕፈሉ ንብሎም።

   ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 47፡5 “ኣምላኽ ብዕልልታ፡ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ።” ዝበሎ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝዓረገ ዝገልጽ ቃል እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኸኣ ንሃዋርያት ብርሕቀት ተፈልዪዎም ዝዓረገ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ኣቦና ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዩ ትንቢት ክዛረብ እንከሎ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ስግው ቃል ብምዃኑ እግዚኣብሔር ኢሉ ጸዉዖ።

   ራእ 1፡17 “ኣይትፍራሕ እቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ህያውን ኣነ እየ፡ ሞይተ'ውን ነበርኩ፡ እንሆ'ውን ክሳብ ዘለኣለም ህያው እየ። ናይ ሞትን ሲኦልን መኽፈቲ'ውን ኣሎኒ።” ቅድሚ ተዋህዶ ስጋ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ክኸውን ኣይኸኣሎን እዩ። ቅድመ ዓለምን ድሕሪ ዓለምን ዝነበረ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ። ሞት'ውን ናይ ስጋ እዩ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይኮነን። ኩሉ ዝፈልጥ ጐይታ ዓለም ግና ብተዋህዶ ምንታዌነት (ክልተነት) ኣጥፊኡ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኮይኑ፡ ብተዋህዶ ስጋ ናይ ባህርይ አምላኽ ምዃኑ ንኸረደኣና፡ “እቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ሞይተ'ውን ዝነበርኩ ኣነ እየ” ኢሉ ተዛረበ።

ንናይ ስጋ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ከረድኡና ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ጥቕስታት፡-

መዝ 2፡7 ዮሓ9፡35 ኢሳ9፡6 እብ 5፡7 ራእ 1፡17 ዮሓ 6፡51

ናይ ክርስቶስ ተቓወምቲ ዘቕርብዎ ሕቶታትን መልስታቶምን

ሕቶ ፡-“ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን”። “ንዓይ እንተ ትፈልጡንስ ነቦይ'ውን ምፈለጥኩሞ ነይርኩም። ካብ ሕጂ ፈሊጥኩሞን ሪኢኹሞን ኣለኹም።” (ዮሃ14፡6-7) ገለ ሰባት ነዚ ጥቕሲ ምርኩስ ብምግባር ኢየሱስ ክርስቶስ “መገዲ ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን” ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣማሊዱ ናብ ኣብ ዘእትወና ንሱ ጥራሕ እዩ ይብሉ። ብፍላይ ኸኣ ንናይ ጻድቃንን ቅዱሳንን ናይ ምምላድ ተግባሮም ንምቅዋም ነዚ ጥቕሲ እዚ የቕርቡ። ብዝኾነ ናይዚ ጥቕሲ ትርጉም እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ፊደል ይቐትል ትርጉም ግና ህይወት ይህበና እዩ እሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመሃረናን ቅዱሳን ኣበው ከም ዝነገሩናን ትርጉሙ ንመልከት።

   ኣነ መገድን፡ ሓቅን፡ ህይወትን እየ ዝበለሉ ምኽንያት፡-

   ቀዳማይ፡- ክርስቶስ “መገዲ እየ” ክብል ከሎ፡ ሓደ ዓብን ሓቀኛን ዝኾነ ምሥጢር ኣለዎ። መጀመርታ ‹መገዲ› ማለት፡ ካብ ሓደ ስፍራ ናብ ካልእ ስፍራ ዘብጽሕ ዝወስድ ማለት እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ክብል ተገሪፉን ተሰቒሉን ሞይቱን እዩ። ሓጢኣትና ተሰኪሙ ኸኣ ብፍቕሩ ንዓና ናብኡ ብምጽዋዕ ካብቲ ዝነበርናዮ ዘለኣለማዊ ሞት ኣውጺኡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ብመስቀሉ ኣሰጋጊሩና እዩ። እዚ ዝገበረ ንሱ በይኑ መንገዲ ድሕነትና ስለዝኾነ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንሕና ብቑስሉ ተፈዊስና ኢና።” ይብል። (ኢሳ 53፡4-5)  “ከምኡ’ውን ብኡኡ ዝኣምን ካብ ሞት ናብ ህይወት ይሰጋገር እምበር ናብ ፍርዲ ከምዘይበጽሕ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ።” ይብለና። (ዮሓ 5፡21) ስለዚ መገዲ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘብጽሕ፡ ከምኡ ኸኣ ክርስቶስ ካብ ናይ ዘለኣለም ሞት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣሰጋጊሩና እዩ። ነዚ ስለዝፈጸመልና ኸኣ “ኣነ መገዲ እየ” በለ።

   ካልኣይ፡- ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “መገዲ እየ” ክብል ከሎ ምስቲ “ኣማላዲ” ዝብልዎ ቃል ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ርክብ ከምዘይብሉ ክንግንዘብ ኣሎና። ምልስ ኢልና ታሪኽ ወዲ ሰብ እስከ ንርአ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ በደሉ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝተዛረቦም ሞት ተፈርዶም። “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮነ። ሕጂ ኸኣ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ከይነብር፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ኣይብላዕ” በለ። ስለዚ ነታ ዝተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኪዓያ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ። ንኣዳም ምስ ኣውጽኦ ድማ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን ሃልሃል እትብል እተንበልብል ሴፍን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።(ዘፍ.3፡22-24) ኣብዚ ሓደ ነገር ነስተውዕል፡ “ኣዳም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላጥ ከም ሓደ ካባና ኮነ” ክብል ከሎ፡ ነቲ ድሒሩ ካብ ሰለስተ ኣካል ሥላሴ ሓደ ኣካል ዝኾነ ወልድ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ኣዳማዊ ስጋ ለቢሱ ከምዝግለጽ ንምምልካት እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዳግማይ ኢዱ ዘርጊሑ ከይበልዕ እሞ ብህይወት መታን ከይነብር ናብታ ናይ ህይወት ኦም ዝወስድ መንገዲ ከም ዝዓጸዎ የረጋግጸልና። ምኽንያቱ ኣብ ማእከል ገነት ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ጥራሕ ዘይኮነት ኦም ህይወት'ውን ኔራ እያ። (ዘፍ 2፡9) ካብዛ ኦም ህይወት በሊዑ እንተ ዝነብር ህይወት ምረኸበ ኔሩ፡ ኣይምሞተን ኸኣ። ብኻልእ ወገን'ውን በደሉ ብንስሓ ዘይምለስ ምኾነ ነይሩ። ስለዚ ከይበልዕ ከልከሎ፡ ካብ ገነት'ውን ኣውጽኦ።

      እታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መገዲ ስለ ዝተዓጽወት ናብ ህይወት ዝወስደና መገዲ የድልየና ኔሩ። ስለ ዝኾነ'ውን ጐይታ ህይወት እዩ’ሞ፡ መገዲ ብምዃኑ ተዓጽያ ዝነበረት ገነት ከፈተልና። ብናይ ጐይታ ሞት ድሒንና ዝተዓጽወ ስፍራ'ውን  ተኸፍተልና። ምኽፋቱ ንኸረጋግጸልና ዝፈተወ ጐይታ ቅድሚ ኩሉ፡ ነቲ ኣብ ጐድኑ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ “ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ምስ በሎ ከምዚ ክብል መለሰሉ፡ “ኢየሱስ ድማ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። (ሉቃ23.፡42) በዚ ቃል መሰረት እቲ ሓቀኛ መገዲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ደሙ ብምፍሳስ ነቲ ዝተዓጽወ ከፈተልና። መገዲ እየ ኸኣ በለና። ምስ ምምላድ ዘራኽብ ዋላ ሓደ ነገር የብሉን። ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘሰጋገረና ናብ ጽድቂ ብምጽዋዕ ገነት ክንኣቱ ዝፈቐደልና ንሱ እዩ። ንሱ መገዲ ዝተባህለ ንዓና ካብ ሞት ናብ ህይወት ስለ ዘሰጋገረና እዩ።

   ሳልሳይ፡- “ስለዚ ኣሕዋተየ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዘእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓድሽን ህያውን ዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ ቤት ኣምላኽ ዓቢ ካህን ኣሎና፡ ስለዚ በዲለ ካብ ዝብል ሕልና ልብና ኣንጺህና ሰብነትና ብንጹህ ማይ ሓጺብና ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ናብ ኣምላኽ ንቕረብ።” (ዕብ 10፡19-22) ብሓጢኣት ዝረስሐ ሰብነትና ብንስሓ ሓጺብና እንቕበሎ ቅዱስ ስግኡን ክቡር ደሙን፡ ንዓና ካብ ሓጢኣት (ሞት) ናብ ህይወት ዘሰጋግረና ስለ ዝኾነ፡ ህይወት ዝህብ መገዲ ምዃኑ የረጋግጽልና። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ “ስጋይ ዝበልዕ ደመይ'ውን ዝሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ’ሞ፡ ደመይ ኸኣ መስተ ሓቂ እዩ።” (ዮሓ 6፡54-55)። ስለዚ ጽቡቕ ጌርና ነስተውዕል፡ እዚ “መገዲ” ዝብል ቃል ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ህይወትን ሓቅን፡ ምዃኑ ዝገልጽ ደኣ እምበር ከም ኣማላዲ ዝገልጽ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ይግባእ።

 

 

ሕቶ፡-ብዘይ ብኣይ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን፡-

   እዚ ቃል፡ ህይወት ዝሃበና፡ ካብ ናይ ዘለኣለም ሞት ኣድሒኑ ንኽብሪ ዘብቅዓና፡ ናብ ኣቡኡ ዘቕረበና ንሱ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ስለዚ ወልድ እንተ ዘይስሒብዎ ናብ ኣቦ ዝመጽእ ከምዘየልቦ ዘረድእ እዩ። እቲ ንወልድ ዘይኣምን ኣቦ ኣብኡ የልቦን ከም ዝበለ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ናብ ኣቡኡ ዘቕረበና ንሱ ምዃኑ ንኸረድእ ብዘይ ብኣይ በለ። ወልድ መሪሑ ናብ ኣብ ስለ ዘምጽእ። ንሱ የማልድ መታን ከይንብል ኸኣ፡ ኣቦ እንተ ዘይስሒብዎ ናብ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ጸሓፈልና።

 “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደ'ኳ የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ። ኣብ መጻሕፍቲ ነቢያት'ውን  ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማህሩ ክኾኑ እዮም ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ካብ ኣቦይ ዝሰምዐን ዝተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ።” በለ። (ዮሃ 6፡44-45) ኣስተውዕሉ ህዝበ ክርስቲያን፡ ኣቦ መዓስ እዩ ዝመሃረ፧ እዚ ክምለስ ዝግብኦ ሕቶ እዩ። “ብዘይ ኣብ/ኣቦ/ ናባይ ኣይትመጹን” ዝብላ ቃላት ህድእ ኢልና ከነስተውዕለለን ይግባእ። እዘን ቃላት ኣብን ወልድን ሓደ ምዃኖም ዘነጽራ እየን። ወልድ ካብ ኣብ ንኢሱ ናብ ኣብ ዘምጽእ፡ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ከምኡ'ውን ከም ኣገላልጻ ዮሓ 6፡44 ወልድ በሊጹ፡ ኣብ ምሂሩ ናብ ወልድ ዝስሕብ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ዘይልወጥን ዘይንጸልን ፈጺሙ ክፈላለ ንዘይክእል ሓድነቶም ንኸረድእ ዝተገልጸ እዩ። ኣብ መንጎኦም ምብልላጽ የልቦን። ብመለኮት ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ (ማዕረ) እዮም። “ኣብ ሰማይ ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም፡ ኣብ ወዱ (ወልድ) መንፈስ ቅዱስ እዮም። እዚኣቶም ሓደ እዮም።” (1ዮሃ 5፡7) እዚ ኣብ 1938 ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ሕትመታት ግና ናይ ቃል ምልውዋጥ ተጌርዎ ኣሎ።

    ዝኾነ ሰብ ናይ እግዚኣብሔር ኣሰራርሓን ሓቀኛ ቃሉን ክጠዊ ኣይክእልን እዩ። እቲ ቃል ንምንታይ ከም ዝተባህለ መታን ክንፈልጥ፡ ነቲ ሓደ ካብቲ ናይቲ ሓደ ቃል ሓሳብ ኣወሃሂድና ክንርድኦ ይግባእ። ሃዋርያ ይሁዳ “እዚኣቶም ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጸያቒቶ እዮም።” (ይሁ1፤12) ይብል። ነቲ ዝተጻሕፈ ቃል ንምንታይ ከም ዝተባህለ፡ ምስጢሩን ትርጉሙን እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። “መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ቃል ከምዚ ይብል እዩ’ሞ ብፍጹም ካልእ ሓሳብ ኣይንቕበልን ኢና” ይብሉ። ብመጀመርታ ንሕና መን ኢና፧ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ግቡእና እዩ። ኢየሱስ ስለዝበልካ ጥራይ ዝደሓን እንተዝኸውን እሞ፡ ዲያብሎስ’ውን ኢየሱስ ብምባሉ ምደሓነ ኔሩ። ብምእማኑ ድማ ካብቲ ዝመጽእ መከራ መምለጠ ኔሩ። (ያእ 2፡19) ንእግዚኣብሔር ብምፍራህ በቲ ቅኑዕ መንገዲ እናተመላለስና ብእንፍጽሞ ሰናይ ተግባር እምበር፡ ንኸንቱ ስለዝለፍለፍና ንድሕን ማለት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም'ቶም መጻሕፍቲ ብዘይምፍላጥ ስሒቶም ዝወደቑ ከይንኸውን፡ ብፍቓዱን ብምሕረቱን ይሓልወና። ኣሜን! (ማቴ 22፡29)

ሕቶ፡- “እቲ ዝኹንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ አረ ካብ ምውታት ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኑ’ውን ምእንታና ዝልምን ዘሎ እዩ።” (ሮሜ 8፡34)

  ነዚ ጥቕሲ መበገሲ ብምግባር ብዙሓት ናይ እምነት ትካላት፡ ክርስቶስ ኣማላዲ እዩ ይብላ። እዚ ሓሳብ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረዳደኣ እዩ። ከመይ፡ ንክርስቶስ በቲ ሓደ ከም ኣማላዲ፡ በቲ ኻልእ ወገን ኸኣ ከም ኣምላኽ ክትርእዮ ስለዘይከኣል። ኣቐዲምና ካብ ታሪኽ ‘ምቅይያር ጥቕሲ’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ይግበኣና እዩ።

  እዚ ኣብዛ ጥቅሲ ዝርከብ ‘ዝልምን’ ዝብል ቃል ካብ 1945 ዓ.ም ንንየው ኣብ ዝተጻሕፈ  መጻሕፍቲ ምስ እንምልከት “ዚፈርድ” ክብል ተጻሒፉ ኢና እንረኽቦ። ንመጀመርታ እዋን እዚ ዝልምን ዝብል ቃል ዝተጻሕፈ ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ ነቲ (intercession) ኢንተርሴሽን ዝብል ቓል ናይ ፈረንሳ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይነበረ ቃል ኣብ እንግሊዝ ኣእትዮም ክትርጐም እንከሎ ከም ኣማላዲ ዝብል ትርጉም ሂቦም ጸሓፍዎ። ሕጽር ብዝበለ ምስ ምምጻእ ፐሮቴስታንት ከም ዚተቐየረ ኢና ንምልከት። ንተወሳኺ ሓበሬታ መዝገበ ቃላት (Robert) ከምኡ'ውን (Littre) ንመልከት። እዞም መጻሕፍቲ ካብ 12ን 13ን ሚእቲ ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበሩ መጻሕፍትን ቅድሚኦምን ዋላ ሓንቲ ቃል'ውን  ይኹን ንክርስቶስ ከም ኣማላዲ ከም ዘይጠቐስዎ የረድኡና። ኣብቲ ዘመን እቲ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንኻልኦት ቅዱሳንን ደኣ ኣማለድቲ እዮም ኢሎም ይጽሕፉ ነበሩ እምበር፡ ቅድሚ ናብ እንግሊዝ ምትርጓሙ ንክርስቶስ ኣማላዲ  ዝብል ኣብቶም ቀዳሞት ዝተተርጐሙ ቋንቋታት  ኣይርከብን እዩ።

   እዚ ቃላት እዚ ምስ ምንቅስቓስ ፕሮቴስታንት ዝኣተወ ብሩዝ ቃል (ብናይ ኣረኣእያ ለውጢ ዝመጸ ቃል) ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል “Intercession:- n of action ( since it does not occur in ancient L it is found in F from 15th century” ኢሉ ይዓጽዎ። ትርጉም ኢንተርሴሽን ምስ ምንቅስቓስ ፕሮቴስታንት ዝመጸ እዩ። ምኽንያቱ ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ንደሓር ዝተረኽበ እምበር፡ ኣብ ጥንታውያን ጽሑፋት ኣይንረኽቦን ኢና። ቀጺሉ ነታ ኢንተርሴሽን ትብል ቃል ክትርጉም ከሎ፡ ስለ ካልኦት ምጽላይ ብዝብል ትርጉም ኣብሪህዎ ንረኽቦ።

     ኣብ ጥንታዊት ሮም ምስ እንርኢ፡ ትርጉም ናይዚ ቃል ሓያል፡ ግኑን፡ ፈራዲ፡ በዓል ስልጣን ኮይኑ ንረኽቦ። “Rom.Hist. the action of interposing a veto; inercede” ኣብ ዝብል ብ1843 ዓ.ም penn cyel xxv.202/in this year (B.C 394) the meaning of intercession in veto” ንርአ። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ጥንቲ ላቲናዊ ቋንቋ ኢንተርሴሽን ዝብል ቃል ትርጉሙ መጽንዒ፡ መበርትዒ፡ ብዘይ ኣድልዎ ዝፈርድ (ዘየዳሉ) ዝብል ትርጉም ሒዙ ንረኽቦ። ናይ'ዚ ቃል መበገሲኡ፡ ማለት ቅድሚ ናብ ፈረንሳ ምእታዉ ምንጩ ላቲን ምዃኑ ይነግር። (1605 TIMME Quersity 1v)

ኣብ ካልእ ከይከድና’ውን እታ ጥቕሲ እትምልሰልና ነገር ኣሎ። እዛ ጥቕሲ ክትጅምር ከላ፡ “እቲ ዝኹንንከ መን'ዩ፧” እናበለት ክርስቶስ ፈራድን ኮናንን ምዃኑ ኣብሪሃቶ ትርከብ። ኣብዚ ክሕተት ዝግብኦ ሕቶ ኣሎ። ክርስቶስ ዝኹንን ካብ ኮነ ከመይ ኢሉ ደኣ የማልድ፧ ስልጣን ካብ ሃለዎ ንሱ ፈራዲ ካብ ኮነኸ ንመን እዩ ከማልደልና፧ ስለዚ ኣብዚ ጥቕሲ ተጻሒፉ ዘሎ ቃል ንሱ ፈራድን ይቕረ በሃልን ምዃኑ የረድእ ደኣ እምበር፡ ንሱ ስሌና ይልምን ዝብል ትርጉም ኣይንረኽበሉን።

   ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶሰ ኣብዛ ዓለም፡ ብስጋ ኣብ ዝተመላለሰሉ እዋን፡ ሕድገት ንኽንረክብ ከመይ ኢልና ክንጽሊ ከምዘለና ከስተምህረና ከሎ፡ “ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም'ሞ…” እናበለ ከም ዝጸለየ ንጹር እዩ። ናብ መንበር ዝፋኑ ምስ ተመልሰ ግና ደጊም ስሌና ይጽልን ይልምንን ክንብል ፈጺሙ ጌጋ ሓሳብ እዩ። ነዚ ንምብራህ ነዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንመልከት፡- “እዚ ኩሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግና ብዛዕባ ኣቦ ብምስላ ዘይኮነ ንዓኻትኩም ብግልጺ ዝዛረበላ ግዜ ክትመጽእ እያ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ኣነ ነቦ ምእንታኹም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን እየ።” (ዮሓ16፡25-27) እዚ ቃል እዚ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ እዩ። ንሱ ሓደ ግዜ እቲ ናይ ምድሓን ስራሕ ምስ ፈጸመ ኣብ መንበረ ስብሓቱ ተቐሚጡ ዝፈርድን ዝምሕርን ደኣ እምበር፡ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝልምን ከም ዘይኮነ ብንጹር የረደኣና።

   ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ'ውን “ደጊም ካብ ሕጂ ብመንገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ንክርስቶስ ኸኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተኾና ሕጂ ከምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና።” በለ። (2ቆሮ 5፡16) ንጐይታናን መድሓኒናን ኣቐዲምና እኳ ብነገረ ስጋ ከም ጠማዪን፡ ጸማእን፡ ስለና'ውን ከም ዝጸለየን  እንተ ፈለጥናዮ፡ ደጊም ናብ ሰማያዊ ዝፋኑ ምስ ዓረገ፡ ሕጂ ስሌና ይጠሚ፡ ይጸምእ፡ ይጽሊ እዩ ኣይንብልን ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ከሎ ዝሰርሖ ነገራት፡ ኣብ መስቀል “ተፈጸመ” ከም ዝበለ፡ ንኹሉ ፈጺምዎ እዩ።

   ኣብ ሮሜ 9፡5'ውን “ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወልዱ እዮም። ክርስቶስ'ውን ብስጋ ካባታቶም እዩ ዝተወልደ፡ ንሱ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ ኣሜን” ይብለና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪሁ ከም ዝገለጾ፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ልዕሊ ኩሉ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝኾነ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እናበለና ከሎ ግና ገለ ወገናት ብሰንኪ ግጉይ ኣረዳደኣ ናብ ጥፍኣት ከምርሑ ይርከቡ። ሓደ ሓደ እምነታት ንክርስቶስ ኣማላዲ እንዳበላኦ፡ ክርስቲያን ኢና ይብላ። እንተኾነ ክርስቲያን ማለት ብኣምላኽነት ክርስቶስ ዝኣምን ማለት እዩ። ኣማላዲ ዝብል ቃል ትርጉሙ ኣብ ክንዲ ሓደ ቆይሙ ዝልምን ማለት እዩ። ክርስቶስ ግና ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ’ሞ ይልመን እምበር ኣይልምንን። ዝልምን እንተኾይኑ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽነቱ ማዕረ “ኣብ” ኣይኮነን ንብል ኣለና። እዚ ኸኣ ክሕደት እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምህር ከሎ'ውን “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” ብምባል እዩ ዝምሃረና። (ዮሃ 10፡30)

ሕቶ፡-1 ጢሞ 2፡5 ማለት፡ “ኣምላኽ ሓደ'ዩ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መታዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ።”

ነዚ ጥቕሲ እዚ ብምጥቃስ፡ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣማላዲ እዩ፡ ዝብሉ ገለ ወገናት ኣይተሳእኑን። እንተኾነ እዚ ቃል እዚ፡ ሓደ እግዚኣብሔር ከም ዘሎ እዩ ዝምስክር። ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝበሎ ኸኣ ንገዛእ ርእሱ፡ ምስ ደቂ ሰባት ስለ ዝተዓረቐ እዩ።

   መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ከብርህ ከሎ ከምዚ ይብል፡ “ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ክዓርቃ ከሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።” (2ቆሮ 5፡19-21) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ ኣምላኽ ንሱ ክርስቶስ ምስ ገዛእ ርእሱ ከም ዝዓረቐና እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ፡ ከም ዓራቒ ዘይኮነስ ከም ፈራዲ ክመጽእ ምዃኑ ዝነገረና። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከም ዝጸሓፎ “እንሆ፡ ቐልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኸኣ፡ ዓስቢ ምሳይ እዩ። ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።” (ራእ 22፡12-13) ኢሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈራድን ኮናንን መሓርን ምዃኑ የረድእ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣብ መልእኽቱ “ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም” (ኤፌ 2፡16) እዚ ማለት ንዓና ካብ ኣምላኽ ብሰንኪ ሓጢኣትና (ጥንተ ኣብሶ) ተፈሊና ንዝነበርና፡ ብገዛእ ደሙ ከም ዝዓረቐና ንምምልካት እዩ። ኣብ መንጎ ዝብል ቃል መድሓኒት ኮይኑ ምስ ገዛእ ርእሱ ዝዓረቐናን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘብቅዓናን ንሱ ክርስቶስ ኢየሱስ ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ሕቶ፡- “ስለዚ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኩሉ ግዜ ምእንትኦም ክልምን ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ፈጺሙ ከድሕኖም ይኽእል እዩ።” (እብ 7፡23-25)

   ብቐዳምነት ከነስተብህሎ ዝግብኣና እዚ ቃል ብዛዕባ መስዋእቲ ዝተነግረ ምዃኑ እዩ። ክርስቶስ ኣምላኽና ኸኣ ንድሕነትና ሓደ ግዜ ኣብ መስቀል ብዘፍሰሶ ደሙ ንዘለኣለም ንትውልደ ትውልድ ዝኸውን ድሕነት ሂቡና እዩ።

    ከምቲ ኣብ እብ 9፡25-28 “ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዝኣቱ ንሱ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ክስውእ ኣይኣተወን። ብዘይ እዚስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ክጸግብ ምተገብኦ ነይሩ። ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ግዜ እተገልጸ። ከምቲ ንሰብ ሓንሳብ ምሟት ድሕሪኡ'ውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ከርሕቕ ሓንሳእ እተሰውአ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዝጽበይዎ ካልኣይ ግዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለጽ እዩ።” ከም ዝብል፡ ሓደ ግዜ ስሌና ምስ ተሰውአ፡ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ሂቡና እዩ እሞ፡ ደጊም ካልኣይ ግዜ ይስዋእ ወይ ስሌና ይልምን ምባል ግጉይ ትምህርቲ እዩ።

    1ዮሃ 1፡7 “ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተተመላለስና ግና ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና። ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ'ውን ካብ ኩሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።”

    ድሕነት ሓደ ግዜ በቲ ዝፈሰሰ ደሙ ዝተፈጸመ ካብ ኮነ፡ ይልምን ምባል ጌጋን ምስትውዓል ዝጐደሎን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፡ “ወልድ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ዘንጸባርቕ፡ ንዅሉ ነገር ብሓይሊ ቓሉ ዘቕውም፡ ብባህሪኡ ፍጹም ኣርኣያ እግዚኣብሔተር ዝኾነ እዩ፡፡ ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሔር ተቐመጠ፡፡” ይብል። (ዕብ.1፡3) “ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና” ዝብላ ቃላት፡ ካብ ውርሻዊ ሓጢኣት ሓደ ግዜ ብምፍሳስ ደሙ ከም ዘንጽሃና የረድእ። እቲ ባዕልና እንፍጽሞ ድሕሪ ስቕለት ዝግበር ውልቃዊ ሓጢኣትና ድማ፡ ብንስሓ ሕድገት ከም ዝግበረልና ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን።

   እምበኣርከስ ካብ ስሕተት ርሒቕና ንጐይታናን መድሓኒናን እቲ ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ይግባእ። “እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ’ውን ኣየኽብሮን እዩ።” (ዮሃ.5፡23) እተን “ኩሉ ግዜ ምእንታኦም ክልምን ዝነብር” ዝብላ ቃላት ብዛዕባ እቲ ትውልደ ትውልድ ንምድሓን ሓደ ግዜ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደሙ ዘመልክታ ደኣ እምበር ኣማላዲ ንምባል ዝተጻሕፈ ቃል ከምዘይኮነ ክንርዳእ ይግብኣና።

ሕቶ፡-“ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝጣበቐልና ኣሎና፡፡ ንሱ እቲ ጻድቕ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡፡” (1ዮሓ 2፡1)

  ብመሰረቱ እዚ ቃል ክርስቶስ ይልምን ንኽብል ዝተጻሕፈ ኣይኮነን። ጠበቓ  ማለት ናይ ሓደ ሰብ ጉዳይ ወይ ዛዕባ ሒዙ፡ ካብ መቕጻዕቲ ፍርዲ ንኸድሕኖ ዝከላኸል ማለት እዩ። “ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና” ክብል ከሎ ወትሩ ስለ ሓጢኣትና ዝልምን ማለቱ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ዝፈርድን ናጻ ከውጽእ ዝኽእልን፡ ይቕሬታ ሂቡ ንኸሳሲና ዲያብሎስ ዘሕፍረልናን ዘርሕቐልናን ኣሎና ማለቱ እዩ። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ንመልከት “ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝልምነልና” ይብል። (ሮሜ 8፡26) እዚ ስለ ዚበለ’ኸ መንፈስ ቅዱስ የማልድ እዩ’ዶ ንበል፧ ኣይፋልናን ካባና የርሕቆ! ከምዚ ዝብል ናትና ዶግማ (ስነ-ኣምልኮ) ኣይኮነን። እንተኾነ ግና ትርጉም ናይዚ ዝልምነልና ዝብል ቃል ንኽንጽሊ የበራትዓና፡ የለዓዕለልና፡ ድኻምና የወግደልና፡ የጸናንዓና  ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ።

   ዘማራይ ዳዊት'ውን “እቲ ኣብ መቕደሱ ዝሓድር ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።” ይብል። (መዝ 68፡5) ኣብ ካልእ መዝሙር'ውን “እግዚአብሔር ጠበቓይ እዩ።” እንዳበለ ጺሒፉልና ንረኽቦ። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ነገር እንተሃልዩ፡ ጠበቓ ስለዝተባህለ ይልምን ወይ የማልድ ማለት ከምዘይኮነ እዩ። ልክዕ ከምዚ ኸኣ እዚ መበገሲ ጥቕስና ይልምን ማለት ከምዘይኮነ ተረዲእና ካብ ስሕተት ንርሓቕ። 

   እቲ ካልኣይ ትርጉም “ኣብ ኣቦ” ዝብል ሓይለ ቃል ንሓድነቶም ዘመልክት እዩ። እዚ ድማ ወልድ ኣብ ኣቦ ምህላዉ፡ ኣቦ'ውን ኣብ ወልድ ምህላዉ፡ ብሓድነት ዝነብሩ ምዃኖም ዘነጽር እዩ። “ንሕና ሓደ ከም ዝኾንና…” (ዮሃ 17፡22)፡ ከምኡ'ውን “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” (ዮሃ 10፡30) ዝብላ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ'ውን ነዚ ከብርሃልና ዝኽእላ እየን።

   ይኹን እምበር፡ ነዚ ዘይፈለጡን ዘይተረድኡን ኣብ መዋእለ ስብከት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነይሮም እዮም። ስለ ዘይፈለጥዎ ኸኣ ኣይኣመንዎን። ሕጂ'ውን ንዓኣቶም ዝስዕቡ ኣይተሳእኑን። ሃዋርያት'ውን ንጐይታ ስለዘይፈለጥዎ እዮም “ንኣቦ ኣርእየና” ዝበልዎ። “ፊልጶስ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና በሎ።ኢየሱስ ኸኣ ከምዚ በሎ፡ ፊልጶስ፡ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምሳኻትኩም ክነብር ከለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ፧ እቲ ንዓይ ዝረኣየ ንኣቦ ረኣየ። ከመይ ኢልካ ደኣ ነቦ ኣርእየና ትብል ኣሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ ኣቦ'ውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ። እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ፡ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር..።” (ዮሓ 14፡8-10) ነዘን “ኣቦ ኣባይ ከምዘሎ” ዝብልን “ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ” ዝብሉ ቃላት ነነጻጽሮም። ካብዚ ቃል ጐይታና ንርድኦ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣቦ ኣብ ወልድ፡ ወልድ ኸኣ ኣብ ኣቦ ከምዘሎ እዩ። ስለዚ ንሓድነቶም መታን ክገልጽ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና ብምባል ጸሓፈ።

     ሥላሴ ሓደ ስልጣን ሓደ ህልውና እዩ ዘለዎም። እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ብዘመን ይኹን ብስልጣን ኣይበላለጹን እዮም። ነዚ ዝስዕብ ጥቅሲ ነንብብ። እዚ ጥቕሲ ካብ ቅድሚ 1987 (King James’) ኪንግ ጀምስ ቨርዥን ብግቡእ ከይተፋለሰ፡ ማለት ዝጐደሎ ዘይብሉ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኣብ ከም በዓል ጉድ ኒውስ (good news) ዝኣመሰሉ ብፍላይ ካብ 1987 ዓ.ም ንደሓር ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ትግርኛ ይኹን እንግሊዝኛ በቶም ሰለሰትነት ሥላሴ ዘይኣመኑ፡ ከም በዓል ጆሆባ ምቅይያራት ተገይርሉ ይርከብ። ንምንጽጻር ዝኣክል ነዘን ክልተ ዝተፈላለያ ሕትመታት ንመልከት፡-

   ‘ሀ’.  “For there are three that bear record in heaven. The father the word the holy ghost: and the three are one.” (1st john 5:7፤ the king James study bible. copyright 1988፣ by liberty university THOMAS NELSON PUB NASHVILLE) ትርጉሙ፡- “እቶም ዝምስክሩ ኸኣ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ሰለስተ እዮም’ሞ፡ ሰለስቲኦም ኸኣ ሓደ እዮም።” (1 ዮሃ 5፡7) ቃል ዝብሎ ንወልድ እዩ። (ዮሃ 1፡1 ተመልከት) ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ ኣብ ካልእ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዘኛን ትግርኛን ንርአ።

   ለ. “There are three witnesses: the spirit, the water, the blood and all three give same testimony.” (1st john 5:7፤ good news bible: Africa 3m 2004, the united bible societies) “እቶም ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም። መንፈስ፡ ማይ፡ ደም። ሰለስቲኦም ከኣ ሓደ ዓይነት ምስክር ዝህቡ እዮም።” (1 ዮሓ 5፡7 published by bible society of Eritrea, 1991-2002፤ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣስመራ)

   ካበ'ዘን ክልተ ዝተፈላለያ ሕትመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕረ ክንደይ ለውጢ ከም ዘሎ ንጹር እዩ። ኣብታ መሰረታዊት ጥቕሲ፡ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ምዃኖም ብሩህ ጌሩ ክጠቕሶ እንከሎ፡ ኣብ ጉድ ኒውስ ግና መንፈስ፡ ማይ፡ ደም ክብል ገሊጽዎ ንረኽቦ። ብተወሳኺ ‘እቶም ሰለስተ ሓደ እዮም፡ ዝብል ሓይለ ቃል፡ ኣብ ጉድ ኒውስ ሓደ ዓይነት እዮም ዝምስክሩ ይብል። ምቕያር ናይ ሓደ ቃል፡ ንሓደ ሓሳብ ሙሉእ ብምሉእ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ ግጉይ ካብ ዝኾነ ትምህርቲ መናፍቓን ክንድሕን፡ ናትና ዝኾነ ስነ-ኣምልኾ ንኽንመሃር ናብ ቤተ ክርስቲያንና ንገስግስ። እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ክፉእ ይሓልወና።

     ሕቶ፡- “ብታስዓይቲ ሰዓት ኢየሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ ላማ ስበቅታኒ ኢሉ ብዓቢይ ድምጺ ጨርሐ። እዚ ኸኣ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ ማለት እዩ።” (ማቴ 27፡45)

   ነዚ ጥቕሲ መሰረት ብምግባር “ንምንታይ ሓደግካኒ” ስለ ዝበለ ኣምላኽ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ። ጐይታናን ኣምላኽናን ኣብ ክንዲ ደቂ ሰባት፡ ሓጢኣትና ብምስካም ዝጸለየ ሕድገት ሓጢኣት ንኽህበና እዩ። ንኸተዓርቐና ኸኣ ኦ ኣቦይ በለ። ንሱ ኣምላኽ ዘጽድቕን ዝኹንንን ምዃኑ ኣብ መስቀል ከሎ'ውን ኣረዲኡና እዩ። ነቲ ኣብ የማኑ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ፡ “ብመንግስትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ” ምስ በሎ፡ (ሉቃ 23፡42) ኣምላኽነቱ ንኸረድእ “ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ። ከም ዝፍለጥ ክኹንን ይኹን ከጽድቕ ዝኽእል ሓደ እግዚኣብሔር እዩ። ንሱ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እንተዘይከውን ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ ኣይምበሎን። ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ራእዩ “እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ ሓደ እኳ ዘይዓጹ፡ ንሱ ምስ ዓጸወ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይከፍት..” (ራእ.3፡7) ክብል ብዛዕባ ስልጣኑ ኣብሪሁልና ̔ዩ።

ስለምንታይ ደኣ ኣምላኸይ በለ፧

ሀ. ንሱ ንጹህ ክንሱ ንዓና ኣርኣያ ንምዃን ጸለየ። “ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።” (ኢሳ.53፡12) ከም ዝብል፡ ኣብ እዋን መከራ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ምእንቲ ከርእየና፡ ኣብ ጌቴሴማኒ ኮነ ኣብ መስቀል እናጸለየ፡ ንሕና ኣሰሩ ተኸቲልና ክንጽሊ ከም ዘለና መሃረና። ቅዱስ ጴጥሮስ’ውን “ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኣስ ኣሰሩ ክትስዕቡ ኣርኣያ ሓደገልኩም፡ ምእንታኹም ከኣ መከራ ጸገበ።” እናበለ፡ናይ ክርስቶስ ህይወት ንዓና ኣርኣያ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ።(1ጴጥ 2፡21፤ ሉቃ 23፡34፤ ግ.ሐዋ 7፡60)

ለ. እቶም ሰቐልቱ መን ምዃኑ ምእንቲ ክፈልጡ፡ መጽሓፍ ክርእዩ ንኸመልክቶም “ኤሎሄ፡ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ” በለ። ብሕጊ ኣይሁድ፡ መዝሙር ዳዊት ብምዕራፍ ወይ ብቁጽሪ ዘይኮነ፡ ብኣርእስቱ፡ /ብኽፍሊ ናይቲ መዝሙር/ እዩ ዝፍለጥ። መጸውዒ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር፡ መጀመርያ ዘሎ ሓረግ ቃል ናይቲ መዝሙር እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታትና ካህናት፡ መዝሙር ንኸንብቡ ዝዕድልዎ እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እምበኣር ንኣይሁድ፡ ኣብታ ኤሎሄ ኤሎሄ እንዳበለት ትጅምር መዝሙር 22 ገንጺልኩም ኣንብቡ፡ ትንቢት ትፍጽሙ ከም ዘለኹም ክትፈልጡ ኢኹም፡ ንምባል እዩ “ኤሎሄ ኤሎሄ” ዝበለ። መዝሙር 22 ዘማራይ ዳዊት ብዛዕባ ስቕለት ጐይታ ዝተነበዮ ቃል ዝሓዘ እዩ። (መዝ.22፡7-8፣ 16-18) ስለዚ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝበሎ እምበር፡ ምእንቲ ነፍሱስ ኣይነበረን።

ሐ. ብመለኮት ምስኡ ሓደ ዝኾነ ኣብ (ኣቦ) ካብ ዘለኣለም ተፈልይዎ ኣይፈልጥን እዩ። “ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ፡ ኣቦ'ውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ።” (ዮሓ.14፡10) “ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ’ሞ፡ በይነይ’ሲ ኣይኮንኩን።” (ዮሃ 6፡32) “ኩሉሳዕ ባህ ዘብሎ እገብር እየ እሞ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ፡ በሎም።” (ማቴ 26፡29) ከም ዝብል።

    ካብዚ ሰለስተ ጥቕስታት ብምንጽጻር ጐይታ      ናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣትና ዝተዛረቦ ቃል ከም ዝነበረ ንርዳእ። ካብ ኣቡኡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣይተፈልየን። ኣቦ ኣብኡ፡ ንሱ'ውን ኣብ ኣቦ ኣሎ። ስለዚ ንኣቦ ምጽዋዕ ኣድልይዎ ኣይኮነን ዝጸውዖ። እንታይ ደኣ፡ ንሕና ኣብ እዋን መከራና ኣብ እዋን ሽግርና እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣርኣያ ክኾነናን ክምህረናን ጸውዖ።

  ሕቶ፡- “ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ ኣለኹ፡ በልዮም በላ።” (ዮሓ 20፡18)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ነዚ ቃል ዝተዛረባ ብዛዕባ ነገረ ሥጋዌኡ ካብ ነገረ መለኮቱ ፈልዩ ንኸረድእ እዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ደቂ መዛሙርቱን ሓደ ዓይነት ውሉድነት ካብ ኣቦ የብሎምን። ንሱ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕቑፊ ኣብኡ ዝነብር ሓጢኣት ዘይፈጸመ ዝተሰገወ ቃል ስለ ዝኾነ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ካብ ኣብ ዝተወልደ ስለ ዝኾነ ናብ ኣቦይ በለ። ሓቀኛ ውሉድ ናይ ኣብ ስለ ዝኾነ፡ ከምኡ'ውን ካብ ኣካላት ሥላሴ ብስጋ ዝተገልጸ ስለ ዝኾነ እዩ። ንሓዋርያት ኣቦኹም ዝበሎም ኸኣ፡ ናቱ ፍጡራን ስለዝኾኑ፡ ከምኡ'ውን ጸጋ ተዋሂቡዎም ብመገዱ ስለ ዝተመላለሱ ዝረኸብዎ ኣቦነት እዩ። (ሮሜ 1፡5  ኤፌ 1፡5)

  ብዛዕባ እቲ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን ዝበሎ ኸኣ፡- ኣምላኸይ ዝበለ ነገረ ሥጋዌኡ (ስጋ ከምዝተወሃሃደ) ንኸረድእ እዩ። “ብምስሊ ሓጥኣተኛ ስጋ ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ኮነኖ።” (ሮሜ. 8፡3-4) ኣምላኽ እንከሎ መልክዕ ባርያ ስለ ዝወሰደ፡ ኣርኣያ ብምዃን ትሕትና ንኽምህረና ነዚ ቃል ተዛረበ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከብርህ ከሎ፡“ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ‹ኣይገድፍን› ኢሉ ኣይተኸራኸረን፡ እንተኾነ ሰብ ብምኳን መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ፡፡ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ፡፡” (ፊል.2፡6-8) ብንብረቱ መልክዕ ባርያ ወሲዱ ብስጋ ዝተገለጸ፡ ነቲ ዝበደለ ወዲ ሰብ ናጻ ጌሩ ምስ አምላኽ ንኽዓርቆ እዩ። ርእሱ ኣሕሰረ ዝበሎ ነቲ ብዘመን ሥጋዌኡ፡ ከማና ባርያ ተመሲሉ ንዝተመላለሶ ዘረድእ እዩ። ነዚ መልክዕ ባርያ (ስጋ) ምልባሱ ከረድእ ኣምላኸይ በለ። እንተ ንደቂ መዛሙርቱ ግና፡ ናይ ብሓቂ ኣምላኾም እዩ። ምኽንያቱ ፈጢርዎምን ጸግይዎምን እዩ። ምልስ ኢልና ናብተን “ኣሕዋተይ” ዝብላ ቃላት ምስ እንርኢ፡ ኣሕዋተይ ስለ ዝበለ ጥራይ፡ ሓዋርያት ብስጋ ኣሕዋቱ እዮም ክንብል ይከኣል’ዶ፧ ቃል ስለ ዝተጻሕፈኸ ካብ ኣዲኡ ዝተወልዱ ኣሕዋቱ እዮም ኢልና ክንድምድሞ ይግበኣና’ዶ፧ ብስጋ ካብ ኣዲኡ ዝተወልዱ ከም ዘይኮኑ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ኣሕዋተይ ዝበሎም ትምህርቱ ስለ ዝተቐበሉ፡ ምስኡ'ውን ስለ ዝተመላለሱ እዩ። ኣምላኸይ ዝበሎ'ውን ልክዕ ከምኡ ብምሥጢር፡ ስጋ ዝለበሰ ምዃኑ፡ ስግኡ'ውን ኣብ መቓብር በስቢሱ ከምዘይተረፈ፡ እንታይ ደኣ ምስ ስጋኡ ከም ዝተንስአ ንኸረደኣና እዩ።

      ከም በዓል ጅሆቫ ዊትነስ ዝኣመሰሉ ቢጽ ሓሳውያን (ብጾትና ዝመስሉ መስሓትቲ) ግና፡ ፍጡር ክብሉ ይስምዑ። ናብ ልቡናኦም ይምለሶም። ንሱ፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ ምዃኑን ኣብ ሰማይ ዝነብር ምዃኑን ኣየስተውዓሉን። “ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ'ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።” (ዮሓ.3፡13) “እቲ ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ኩሉ እዩ።” (ዮሓ.3፡31) ስለዚ ኣብዛ መበገሲ ጥቕስና ብስጋ ዝተገልጸ ምዃኑ ንኸረድእ ዝተዛረቦ ቃል ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና።

ሕቶ፡- “ክርስቶስ ከኣ ኩሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ስዒሩ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስ ወፈያ፡ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ። ከመይ ንኹሎም ጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዜግርሮም ኪነግስ ይግብኦ እዩ። እቲ ክድምሰስ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ኸኣ ሞት እዩ። …ኣምላኽ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ። ንኹሉ ኣግዚኡሉ እዩ ክብል ከሎ፡ ነቲ ከም ዝግዝኦ ዝገበረ እግዚኣብሔር ኣቦ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ። ኩሉ ምስ ተገዝኣሉ ግና ኣምላኽ ኩሉን ኣብ ኩሉን ምእንቲ ክኸውን፡ ወልድ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኹሉ ዘግዝኣሉ ክግዛእ እዩ።” (1ቆሮ 15፡24-28)

     እዚ ብፍላይ ብጅሆቫ ዊትነስ ከምኡ'ውን ብኻልኦት ንሰለስትነትን ሓድነትን ሥላሴ ዝቃወሙ ዝቐርብ ሕቶ እዩ። እኹል መረዳእታ መታን ክህልወና ነዘን ጥቕስታት በብሓደ ክንርእየን ኢና።

  ኣብ ፍቕዲ 24 “እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ምስ ወፈየ” ዝብል እንታይ ማለት እዩ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ስልጣን ኣረኪቡ ወዲኡ’ዶ ይኸውን፧ ድሕሪኡ’ኸ ስልጣን የብሉን ማለት’ዶ ይኸውን፧ ነዚ ዝስዕብ ንመልከት፡-

ሀ. ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ስልጣን እዩ ዘለዎም። (1ዮሃ 5፡7 ማቴ 28፡19) ከምኡ ኸኣ ኣብን ወልድን ማዕረ እዮም። (ዮሓ10፡30) ማዕረ ካብ ኮኑ ኸኣ ብስልጣን ኣይበላለጹን እዮም። ስለዚ ንኣብ ዘለኣለማዊ ስልጣን ከም ዘለዎ፡ ንወልድ’ውን ዘለኣለማዊ ስልጣንን ግዝኣትን ኣለዎ። ማዕረ እዮም ክንብል ከለና ኣብን ወልድን ሓደ ስልጣን ኣለዎም ማለት እዩ። (1 ቆሮ 8፡6)

   ወልድ (ክርስቶስ) ስልጣኑ ዘለኣለማዊ እዩ። “ወዲ ስብ ዝመስል ብደመና ሰማይ ይመጽእ ነበረ። ናብቲ ካብ ዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በጽሐ፡ ናብ ቅድሚኡ ኣቕረቦ ኩላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከገልግልዎ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንዕኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ። መንግስቱ’ውን ከቶ ኣይክትሓልፍን እያ።” (ዳን 7፡14 ማቴ 24፡30 ማቴ 25፡31) ኣብዚ ከነስተብህሎ ዝግብኣና ኣብ ቀዳማይ ቆሮንቶስ 15፡24 ወልድ ነቦ ኣወፈዮ በለ። ኣብዚ ዳን 7፡14 ኸኣ ኣብ ንወልድ (ንክርሰቶስ) ሃበ (ኣወፈየ) በለ። እዚ ሓድነቶም ንምግላጽ እዩ። ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ስልጣንን ንግስነትን ከኣ ዘለኣለማውን ዘይጠፍእን ምዃኑ የረድእ። ብፍላይ እተን ዘይትጠፍእን ዘለኣለማውን ዝብላ ቃላት ነቶም ተጠራጠርቲ ዝመኽራ እየን።

  1. “ከምኡ’ውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ክወሃበኩም እዩ።” (2ጴጥ 1፡11) ብምባል መንግስቱ ዘለኣለማዊ ዘይትሓልፍ ምዃና የነጽር። ዘለኣለም ዝብል ቃል መወዳእታ ዘይብሉ ምዃኑ ንኹሉ ዝስወሮ ኣይኮነን። እሞ መንግስቱ ኣብቂዓ ዝብሉ ደኣ ኣበየናይ ክኣትዉ ይሓስቡ ኣለዉ፧
  2. “ብዛዕባ ወዱ ኣታ ኣምላኸይ ዝፋንካ ንዘለኣለም ኣለም ይነብር። በትሪ መንግስትኻ’ውን በትሪ ቅንዕና እያ።” (እብ 1፡8 እብ 1፡10) ኣብዚ ኸኣ ኣምላኽ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝፋኑ (መንግስቱ) ዘለኣለማዊት ምዃና ገለጸ።
  3. ወልድ ባህሪኡ ይኹን ግዝኣቱ፡ ስልጣኑ ዘይልወጥ ዘለኣለማዊ እዩ። ስልጣኑ ብግዜ ዝውሰን ኣይኮነን። ዝወሃብን ዝግደፍን’ውን ኣይኮነን “ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።” (እብ 13፡8፤ ሚል 3፡6) ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ዘይልወጥ ምዃኑ ብምግላጽ በዚ ነቶም ስልጣኑ ነቦ ኣረኪቡ ከብቅዕ እዩ ዝብሉ ኣሕፈሮም።
  4. ናይ ኣቦን ወልድን መንግስቲ ሓንቲ እያ። ብሓድነት ዝነብሩ ስልጣኖም ሓደ ሰለዝኾነ፡ “ንእግዚኣብሔር ኣቦኡን ንመንግስቱን ካህነትን ክንኮኖ ዝገበረና ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንዕኡ ይኹኖ።” (ራእ 1፡6) እናበለ ብዛዕባቲ ብግዜ ትንሳኤ ዝኸውን ነገር ተዛረበ። በዚ ከኣ ሞት ከም ዘብቅዕ (ከም ዝሰዓር) ነገረና። (1ቆሮ 15፡26)

ለ. “ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኩሉ ኣግዝኦ እሞ ፡ ኩሉ ተገዝኦ ክብል እንከሎ ብዘይ እቲ ኩሉ ንዕኡ ዘግዝኦ ከምዝኾነ ግሁድ እዩ።” (1ቆሮ 15፡27) ብዘይ እቲ ኩሉ ንዕኡ ዘግዝኦ ክብል እንከሎ ኣምላኽ ማለት ወልድ ንሞት ኩሉ ንኽገዝእ ስልጣን ሂቡዎ ነበረ። ማለት ኩሉ ሰብ ዘበለ ብሞት ይሰዓር ነበረ። እዚ ኩሉ ብዘይካ ነቲ ዘግዝኦ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ሞት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣዳም ደኣ ይስልጥን እምበር ኣብ ልዕሊ ጐይታናን መድሓኒናን ግና ስልጣን የብሉን። እዚስ ብዛዕባ ኣቦን ወልድን እዩ እንተተባህለ ግና ኣብን ወልድን ገዛእን ተገዛእን የብሎምን። ብስልጣን፡ ብኣገዛዝኣ፡ ብህልውና፡ ብመለኮት ሓደ እዮም። ሓደ ምዃኖም ክገልጽ ጐይታ ከምዚ በለ፡ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” (ዮሓ 10፡30) “ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ” (ዮሓ 17፡11) “ኦ ኣቦይ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ” (ዮሓ 17፡21) “እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ” (ዮሃ 14፡7-8) በዚ እንተበልና’ውን ወልድ ነቦ ክግዛእ እዩ ማለት ከምዘይኮነ ክንርዳእ ንኽእል። ነዚ ዝስዕብ’ውን ንመልከት፡-

  ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዝኦ ዝበሎ ኩሉ ብቃል ዝተፈጥረ ስለዝኾነ እዩ። (ዮሃ 1፤3 ዘፍ 1፤1) ቀሊል መረዳእታ ዝኾነና ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡- ብልቢ (ኣብ) ብቓል (ወልድ) ብእስት፣ንፋስ (መንፈስ ቅዱስ) ክንምስሎም ንኽእል። ኩሉ ቃል ካብ ልቢ ከም ዝምንጩ ከምኡ ኸኣ ወልድ ናይ ኣብ ናይ ባህርይ ወዱ እዩ። ኩሉ ቃል መዝገቡ ልቢ ከምዝኾነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዝኦ በለ ምኽንያቱ ብቓሉ እዩ ዝፈጠረ። እቲ ቃል ካብ ልቢ ከምዝምንጩ ግናኸ ኣብ ልዕሊ ልቢ ስልጣን ከምዘይብሉ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ንኹሉ ብይኹን ዝፈጠረ ቃል (ወልድ) ኣብ ልዕሊ ኣብ (ብልቢ ዝተመሰለ) ክገዝእ ሰልጣን የብሉን።

ሐ. ኩሉ ምስተገዝኦ ግና ኣምላኽ’ውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ክኸውን ሽዑ እቲ ወዱ ባዕሉ ነቲ ኩሉ ዘግዘኦ ክግዛእ እዩ።” (1ቆሮ 15፡28)

  1. ወልድ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ 1ቆሮ 15፤27 ዝተገልጸ ኩሉ ምስ ተገዝኣሉ ግና ኣምላኽ ኩሉን ኣብ ኩሉን ምእንቲ ክኸውን ወልድ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኩሉ ዘግዝኣሉ ክግዛእ እዩ። ክገዝእ ባዕሉ ንዝሃቦ ንሞት ተገዝአ። ምኽንያቱ ወልድ ብዕለተ ዓርቢ ነቲ ንኹሉ ሰብ ዝስዕር ዝነበረ ሞት ተገዚኡሉ ማለት ብስጋ ሞት ጥዒሙ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሞት’ውን ንኽገዝእን ንኽስዕሮን እዩ። ነዚ ከረድእ ምስ ስግኡ ናብ ሰማይ ዓረገ። (ግ.ሃ 1፡9)
  2. ብዛዕባ ኣብን ወልድን እዩ እተዛረበ እንተተባህለ ኸኣ፡ በዚ ዝስዕብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ንርኣዮ። ኣብ ንወልድ ብስልጣን ኣይበልጾን ወልድ'ውን ንኣብ ኣይበልጾን። ብዛዕባ ወልድ ከምዚ ተባህለ ፤ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝመጽእን ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ራእ 1፤8 ራእ 1፤17 ራእ 2፤8 ራእ 22፤13 ኣብ ዘለኣለማዊ ወልድ'ውን ዘለኣለማዊ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ከምዚ በለ፤“እቲ ዝነበረን ዝመጽእን ኩሉ ዝኸኣሎ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ይብሉ። እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ንዘለኣለም ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ክህብዎ እንከለዉ።” (ራእ 4፤8-9) ሰለስተ ግዜ ቅዱስ ምባሎም ሰለስትነት ሥላሴ ክገልጹ፡ ቅዱስ ዝብል ሓደ ቃል ሰለስተ ግዜ ምድጋሞም ኸኣ ሓድነቶም ይገልጹ። ብዛዕባ ወልድ “እቲ ዝተሓርደ ገንሸል ስልጣን፡ ሃብቲ፡ ጥበብ፡ ሓይሊ፡ ክብሪ፡ ግርማ፡ ውዳሴ፡ ክቕበል ብቑዕ እዩ በሉ።” (ራእ 5፤12)
  3. ኣብን ወልድን ብስልጣን ሓደ ምዃኖም ፤ “በረከትን ክብርን ፡ግርማን ስልጣንን፡ ንዘለኣለም ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ክብሉ እንከለዉ ሰማዕኩ።” (ራእ 5፤13) “ኣብ ሰማይ ከኣ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይ መሲሑን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለም ኣለም ክነግስ እዩ ዝብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኮነ።” (ራእ 11፤15) ክነግስ እዩ ዝብላ ቃላት ንሓድነትን ስልጣንን ዘመልክታ እየን። በዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ እምበኣር ንኹሉ ብሩህ ከምዝገብሮ ናይ ኣብን ወልድን ሓድነት ክንርኢ ንኽእል። ወልድ ካብ ኣብ ኣይንእስን፡ ኣብ'ውን ካብ ወልድ ኣይዓብን፡ እታይ ደኣ ሓደ ስልጣን እዩ ዘለዎም። “ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካ እውን ናተይ እዩ።” ከም ዝበለ። (ዮሃ 17፡10)  ሓድነቶም ንኽገልጽ ድማ “ንሕና ሓደ ከምዝኾንና”፤ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” እናበለ ተዛረበ። (ዮሃ 17፡22፤ ዮሃ 13፡20፤ ዮሃ 10፡30)

 

ኣብ መእተዊ ከም ዝገለጽናዮ እዛ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ንምግላጽ ዝተጻሕፈት ኮይና፡ ሃ.ቅ.ጳውሎስ ካብ ፍቕዲ ሓደ ናይቲ ምዕራፍ ጀሚሩ ኣስፊሑ ስለ ትንሳኤ ክርስቶስ ማለት፡ ከም ዝሞተ፡ ከም ዝተቐብረ፡ ከም ዝተንስአ፡ ጐይታ’ውን ባዕሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ክገዝእ ስልጣን ንዝሃቦ ሞት ከም ዝተገዝአ (ብስጋ ከም ዝሞተ)፡ ብሞቱ ኸኣ ንሞት ከም ዝሰዓሮ ንኽገልጽ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጽሒፉልና ኣሎ። እዚ ኸኣ ሞት ብህይወት ተዋሕጠ ዝበሎ ቃል ክፍጸም እዩ። “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ በለ።” (1ቆሮ 15፤54-55) ብተወሳኺ ሃዋርያ ቅ.ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ ብዛዕባ ሓድነትን ሰለስትነትን ሥላሴ ጽሒፍልና ንረኽቦ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ፡- “እምበኣርከስ በብዓይነቱ ውህበት ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ግና ሓደ ንሱ እዩ”፡ ብዛዕባ ወልድ ከኣ፡- “በብዓይነቱ ኣገልግሎት ኣሎ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ”፡ ብዛዕባ ኣቦ ድማ፡- “በብዓይነቱ ዝኾነ ተግባራት ኣሎ፡ እቲ ኣብ ኩላቶም ኩሉ ዝገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ።” ይብል። (1ቆሮ 12፤4-6) በብሓደ ምጥቃሱ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሰለስተ ምዃኖም ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ እዩ ዝብል ቃል ከኣ ንሓድነቶም ዘመልክት ቃል እዩ።

      ንኣብን ንወልድን ከም ገዛእን ግዙእን ጌርና ክንዛረብ ፈጺሙ ኣይግባእን። ኣብን ወልድን ሓደ እዮም። እዛ ምዕራፍ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ስለ ሞትን ትንሳኤን እያ እትገልጽ። ነዚ ተረዲእና ካብቶም ንክርስቶስ ካብ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ብስልጣን ይንእስ እዩ፡ ዝብሉ ሰባት ንርሓቕ።

      ሕቶ፡- “ኣቦይ ካባይ ይዓቢ እዩ።” (ዮሃ 14፡28)

ነዚ ቃል ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትርጉሙ ዘይተረድእዎ ወገናት ወልድ ከምዚ ስለዝበለ፡ ካብ ኣቦ ይንእስ እዩ ይብሉ። ነገር ግና እዚ ኣዘራርባ እዚ ኣንፈቱ ዝሰሓተ እዩ። እግዚኣብሔር ኣቦ ካብ እግዚኣብሔር ወልድ ብባህርን  ብኣምላኽነትን ኣይበልጽን፡ ኣይዓብን ድማ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ወልድ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ሓደ ስልጣን፡ ሓደ ህልውና፡ ሓደ ኣምላኽነት፡ ሓደ ፍቓድ ስለ ዘለዎ፡ ብኹሉ ነገርን ኣብ ኩሉ ነገርን ማዕረ እዩ።

   ስለምንታይ ደኣ “ኣቦይ ካባይ ይዓቢ” በለ፧ እንተበልና፡ ንምሥጢረ ሥጋዌኡ ንኸረድእ እዩ። ካብ ኣካላት ሥላሴ ብፍሉይ ኣካሉ ስጋ ዝለበሰ ወልድ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ እንከሎ ኣብ መብልዕ ማል ተወልደ፡ በብቑሩብ ከም ሰብ ዓበየ፡ ኣብ ምድሪ’ውን ተመላለሰ፡

 መልክዕ ባርያ ወሰደ፡ ተገርፈ፡ ተሳቐየ፡ እቲ ዝኸፍአ ናይ መስቀል ሞት’ውን ምእንቲ ደቂ ስባት ብስጋ ሞተ። እዚ ኩሉ ትሕትና ብስግኡ ደኣ ይቀበል እምበር፡ ካብ ኣምላኽነቱ ኣብ ግዜ ሥጋዌኡ ዝጐደሎ የብሉን። ነዚ ሥጋዌኡ ነኸረድእ እምበኣር፡ “ኣቦ ካባይ ይዓቢ” በለ። ነዚ ዝስዕብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ንመልከት።

    “ንሱ ብባህርዩ ኣምላክ እኳ እንተ ኾነ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምዃን፡ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት ተኣዘዘ።” (ፊል 2፤6-8)

    ኣብዘን ጥቕስታት ኣብ ፍቕዲ 6 ምስ እንምልከት፡ “ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ ክንሱ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን” ይብል። ማዕረ ኣምላኽ ወይ ባህርይ ኣምላኽ ከምኡ’ውን ምስሊ ኣምላክ ክንሱ፡ ኣምላኽ እየ ከይበለ ንፍጡሩ ከይነዓቐ መልክዕ ባርያ ወሰደ። (2ቆሮ 4፤4) ነዚ መልክዕ ብምውሳዱ ኣብ ኣምላኽነቱ ዝኾነ ዝውሰኾ ወይ ዝጐድሎ ኣይኮነን። ስጋ ሰብ ለቢሱ መልክዕ ኣገልጋሊ ብምውሳድ ገለ እኳ ከምዘይብሉ መሰለ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም ብዘማሪ ዳዊት ኣቢሉ ብዛዕባ'ዚ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ በለ፡ “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን። ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኩሉ ሰብ ዘላግጸለይን እየ።” (መዝ 22፤6)  እዚ ብዛዕባ መከራ ስቕለቱ ዝተዛረቦ እዩ። “ሰብሲ ኣይኮንኩን” ዝብላ ቃላት ከኣ ኣምላኽ ምዃኑ ንምብራህ ዝተዛረበን እየን።

    ኣብ ዘመነ ሥጋዌኡ ናይ ኣምላኽነቱ ግብሪ ይገብር ነይሩ እዩ። ኣብ መሬት ኣብ ዝተመላለሰሉ ኸኣ ኣብ ዝፋኑ ይምስገን ነበረ። ግና ከምቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ኣብ መግለጺ ጸሎተ ሃይማኖት መጽሓፎም ዝበልዎ፤ እቲ ወዲ ሰብ ብስግኡ ዝተጻወሮ ውርደት፡ ካብቲ ኣብ መስቀል ዝተሳቐዮ ይዓቢ፤ እቲ ኣምላኻዊ ህልውና ናይዚ ዝተሰገወ ሰብነት ግና ምስኡ ህልው ነበረ፡ ስጋ ብምልባሱ ካብ ኣምላኽነቱ ዝጐደሎ የብሉን።

  ወልድ ባዕሉ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።” በለ። (ዮሃ 10፤30) “ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኹ፡ ኣቦ እውን ኣባይ ከምዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፧” (ዮሃ፤14፤10) ሓደ ክብሪ ከም ዘለዎም ከረድእ ድማ፡ “ከምቲ ነቦ ዘኽብሮ ጌሩ ኩሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ።” (ዮሃ 5፤23) “እቲ ንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ።” (ዮሃ 14፤9) “ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ ልዕሊ ኩሉ እዩ፡ ኣሜን።” (ሮሜ 9፤5)

  ስለዚ እዚ ዝበለ ንሥጋዌኡ ንኸረድእ ዝተዛረቦ ደኣምበር፡ ካብ ኣቦ ዝንእስ ኮይኑ ከምዘይኮነ ክንርዳእ ኣሎና።

ሕቶ፤- “ክርስቶስ ናይቲ ዘይርአ ኣምላኽ ምስልን፡ ልዐእሊ ኩሉ ፍጥረትን ዝኾነ በኹሪ ወዱ ንእግዚኣብሔርን እዩ።” (ቆላ 1፤15)

ነዛ ጥቕሲ መጀመርታ ናብ ክሕደት ዘምርሑላ ኣርዮሳውያን እዮም። ንሳቶም ከምዝብልዎ ኸኣ፡ ኢየሱስ በኹሪ ኩሉ ፍጥረታትን ከም ኩሉ ፍጥረት ዝተፈጥረን እዩ፡ በኹሪ ዘብሎ’ውን ቅድሚ ኩሉ ስለዘተፈጥረ እዩ ይብሉ። እንተኾነ ግና ከምኡ ኣይኮነን። መልሲ ናይዚ ሕቶ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

  ሀ. ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ ፊደል ይቐትል ትርጉም(መንፈስ) ግና ህይወት ይህብ። በኹሪ ዝብል ቃል ብመሰረት እቲ መጀመርታ ዝተጻሓፈ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ዮናን ምስ እንምልከቶ፡ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ እዩ። ቅድሚ ኩሉ ፍጥረት ዝነበረ ማለት ድማ እዩ። ነታ ጥቕሲ ብምስትውዓል ምስ እንምልከታ እዛ በኹሪ ኩሉ ፍጥረት ትብል ቃል፤ ድሕሪታ ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ ማለት ብዮናኒ መሰረታዊ ቋንቋ ክትትርጐም ከላ እዛ ቃል ንሱ መልክዕ ኣምላኽ ክእለቱን ሓይሉን ዝሓዘ ብኸኣልነቱ ድማ ዝፈጠረ ማለት እዩ።

   ውርድ ኢልና ነቲ ኣብ ቆላስይስ ዘሎ መልእኽቲ ምስ እነንብቦ፡ ልክዕ ነዚ ዝተጠቕሰ ትርጉም ይህበና። “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ኹሉ፡ ዝርአን ዘይርአን፡ መናብርት ይኹኑ ጐይትነት፡ ሊቃናት ይኹኑ ስልጣናት፡ ኩሎም ብእኡን ንእኡን(bY him for him) እዩ ዝተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ኹሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ። (he is before all things) ኩሉ’ውን ብእኡ ቖይሙ ኣሎ። (in him all things hold together) (ቆላ 1፡16-17) ኣብዚ ጥቕሲ ከም ንርድኦ ወልድ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ፈጣሪ እዩ። ንፈጣሪ ፍጡር ኢልና ክንጠቅስ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ።ሕግን ስርዓትን ክርስትና’ውን ኣይኮነን። ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዝስዕብ እያ ትኣምን።

  • ንኣምን ብኣሐዱ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኣኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ትርጉም ኩሉ ብዝሓዘ፡ ሰማይን ምድርን፡ ዝርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ፡ ብሓደ ኣምላኽ እግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን። (ዘጸ 20፡3፤ ዘጸ 20፡11፤ ዘዳ 6፡4፤ 1ቆሮ 8፡6፤ ኤፌ 4፡6፤ እብ 1፡1-6) ወነኣምን በኣሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶሰ ወልደ አብ ዋህድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም። ብርሃን ዘእምብርሃን ኣምላክ ዘእምኣምላክ ዘበኣማን። ዘተወልደ ወኣኮ ዘተገብረ፡ ዘዕሩይ ምስለ ኣብ በመለኮቱ። ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ፡ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ። ትርጉም፡- ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ንኣብ ሓደ ወዱ ብዝኾነ ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ንኣምን ። ንሱ ካብ ብርሃን ዝተረክበ ብርሃን ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረክበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ እዩ። ብእኡ ኩሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ፍጥረት ተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዜካ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጥረ የልቦን።(መዝ 2፡7፤ መዝ 110፡3፤ ዮሃ 3፡16፤ ግብ 16፡31፤ 1ቆሮ 8፡6፤ ፊል 2፡10-11፤ ዮሃ 1፡3፤ ዮሃ 10፡30፤ ዮሃ 16፡15፤ ዮሃ 16፡28፤ ዮሃ 3፡17)
  • 1ቆሮ 8፤6፡- “ንሕና ግና ኩሉ ካብኡ ዝኾነ፡ ምንባርና ከኣ ንእኡ ዝኾነ፡ ሓደ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣሎና። ከምኡ’ውን ብእኡ ኩሉ ዝተፈጥረን፡ ንሕና’ውን ብእኡ እንነብርን ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና።” ካብዚ ከም እንርድኦ ወልድ ስጋ ለቢሱ ደኣ ይገለጽ እምበር፡ ብመለኮቱ ምስ ኣቦ ማዕረ ዝኾነ ፈጣሪ ምዃኑ እዩ። ምናልባት ኣብቲ ግእዝ ዝቑጽሩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣቦ አምላኽ ኢልዎ፣ ንወልድ ግና ጐይታ እዩ ኢልዎ፤ ዝብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ጐይታ ማለት ግና ኣምላኽ ማለት ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር አቦ’ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጐይታ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። “እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፤ ጐይታ ጐይቶት… እዩ።” ይብል። (ዘዳ 10፤17፤ ኢሳ 6፡3) ብዛዕባ ወልድ ኸኣ “ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ።” (ዮሃ 20፡28)። ካብዚ ጐይታይ ዝብል ቃል ኣምላኽ ማለት ምዃኑ ንጹር እዩ። ጐይታ ማለት ኣምላኽ ምዃኑ ካብ ረኣና፤ ኣምላኽ ማለት ኸኣ ፈጣሪ ማለት እዩ። ንፈጣሪ ፍጡር ምባል እምበኣር ግጉይ ትምህርቲ እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ብወዱ ጌሩ ንዓለም ፈጠረ። (ዕብ 1፤2) ካብ ‹ሃበ ኣልቦ› ኸኣ ብቓል ኣምላኽ ተፈጥረ። (ዕብ 11፡3) ኣምላኽ ንኹሉ ብቓል ፈጠሮ፡ ምኽንያቱ ይኹን በለ እሞ ኮነ ኸኣ። (ዘፍ.1) “ሰማያት ብቓል እግዚኣብሔር ብዘሎ ሰራዊቶም ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ፤ ንሱ በለ ኮነ ድማ፤ ንሱ ኣዘዘ ቆመ ኸኣ።” (መዝ 33፡6.9) ቃል ንኹሉ ዝፈጠረን ናብ ህልውና ዘምጽአን ካብ ኮነ፤ እዚ ቃል ዝተባህለ እምበኣር፤ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ኣምላኽ፤ ንሱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዮሓ 1፤1-3 ዮሓ 1፤14 ሮሜ 9፤5)

  ካብዚ ቀጺልና እዚ በኹሪ ዝብል ቃል፤ ኣቐዲሙ (መጀመርታ) ዝነበረ ኣምላኽ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ምዃኑ፤ ካብ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ንመልከት።

  • “ኣኽራን ከይፈጠርካ፡ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፡ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣምላኽ ኢኻ” (መዝ 90፤20) እቲ ዝፈጠረ መን እዩ፧ ቃልዶ ኣይኮነን! እምበኣርከስ ቃል (ክርስቶስ) ካብ ዘለዓለም ንዘለኣለም ኣምላኽ እዩ።
  • “ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተ ልሄም፡ ንስኺ ካበተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ከተማታት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ካብ ጥንቲ፡ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ፡ ካባኺ ከተንስእ እየ…” (ሚክ 5፤2) እዚ ብዛዕባ ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ዝተነግረ ትንቢት፤ ጐይታ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ምስ ኣብ ህልው ከም ዝኾነ የብርሃልና።
  • “ቃል በመጀመርታ ነበረ፤ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፤ እቲ ቃል’ውን ኣምላኽ ነበረ።” (ዮሃ 1፡1-2) “ቃል ስጋ ኮነ” (ዮሃ 1፡14) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንኩሉ ኣጠቃሊላ ዝሓዘት እያ። እቲ ዝተሰገወ (ብስጋ ዝተገልጸ) ክርስቶስ ንሱ ካብ ጥንቲ ካብ መጀመርታ ኣምላኽ ምዃኑ ተረደኣና።
  • “ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ በእዳውና ዘረምሰስናዮ ቃል ህይወት ንነግረኩም ኣሎና። ህይወት ተገሊጻ እያ ንሕና ኸኣ ርኢናያ ኢና፤ ንምስክር’ውን ኣሎና። እታ ንኣና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለኣለማዊት ህይወት ድማ ንነግረኩም ኣሎና።” (1ዮሓ 1፡1-2)

 ስለዚ በኹሪ ኩሉ ፍጥረት ዝተባህለ እምበኣር፡ “ብኹሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውንሲ ንሱ መጀመርታ እዩ።” (ቆላ 1፤18) ከም ዝበለ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በኹሪ ምዃኑ ንኸረድእ ደኣ እምበር ፍጡር ማለቱ ከምዘይኮነ ተረዲእና ካብ ስሕተት ክንርሕቕ ይግባእ።

  • ስጋ ወሲዱ ምስ ተወልደ፤ ነቶም ብጸጋ ካብ ኣምላኽ ተወሊዶም፤ ንሱ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ንዝኣምኑ በኹሪ እዩ። ስለዚ ኸኣ በኹሪ በሎ። (ዮሓ 1፡12-13፤ ኤፌ 1፡5-7)
  • ንሱ በኹሪ ናይቶም ካብ መቓብር ንናይ ዘለኣለም ትንሳኤ ዝትንስኡ እዩ። “በኹሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ ካብ ምውታት ተንስአ።” (1ቆሮ 15፡20፤ ራእ 1፡5) ስለዚ ኸኣ በኹሪ በሎ። ስለዚ ብሓፈሻ፡-

   

  1. በኹሪ ዝበሎ፤ ንሱ ቅድሚ ኩሉ ስለዝነበረ እዩ።
  2. ንወልድ ፍጡር እንተደኣ ኢልናዮ፤ ናብ ክሕደት ሓይሊ ኣምላኽ ኢና እነምርሕ። ምኽንያቱ ፍጡር እዩ ምስ እንብል፡ ኣቦ ብዘይ ወዱ ዝነበረሉ ዘመን ኔሩ ማለትና እዩ፤ እዚ ኸኣ ኣቦ ብዘይ ቃልን ጥበብን ኔሩ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። እዚ ፍጹም ክሕደት ኮይኑ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ’ውን ኣይኮነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ከምዚ በለ “ብዘሎ መዝገብን ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዘሎ። እዚ ዝብል ዘለኹሓደ እኳ ብምጥባር ከየስሕተኩም ኢለ እየ።” (ቆላ 2፡3-4) “እግዚኣብሔር ብሓይሉ ንምድሪ ሰርሓ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ፈጠራ፡ ብፍልጠቱ ድማ ንሰማያት ዘርግሖ።” (ኤር 51፡15) ወልድ ጥበብን ሓይልን ቃልን ካብ ኮነ፡ ወልድ ፍጡር እዩ ምባል እግዚኣብሔር ብዘይ ጥበብን ሓይልን ኔሩ ምባል እዩ። እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር፧ ክብሪ እግዚኣብሔርን ሓይሉን ምክሓድዶ ኣይኮነን፧
  3. ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነ ሓቂ እየ በለና። (ዮሃ 14፡6) እንተደኣ ንክርስቶስ ኢየሱስ ፍጡር ኢልናዮ፡ ሓቂ ማለት ክርስቶስ ኣቐዲሙ ኣይነበረን ማለትና እዩ። ሓቂ እንተደኣ ምስ ኣምላኽ ዘይነበረት ኮይና፤ ኣምላኽ ብዘይ ሓቂ ዝነበረሉ ዘመን ኔሩ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ፍጹም ኣርዮሳዊ ትምህርቲ እዩ። ምኽንያቱ ብተዘዋዋሪ ኣቦ ሓቂ የብሉን ማለት እዩ።
  4. “ኩሉ ብእኡ ኮነ” (ዮሃ 1፤1-3፤ 1ቆሮ 8፡6) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጣሪ ፍጥረታት ካብ ኮነ፡ ከመይ ኢልና ደኣ ፍጡር ንብሎ። ፍጡር እንተኢልና ፈጣሪ ዘይነበረሉ ዘመን ኔሩ ማለትናዶ ኣይከውንን፧ ከምዚ እንተበልና ድማ ንኽሕድ ኢና ዘለና። ንሱ ፈጣሪ እዩ። ፈጣሪ ዘይነበረሉ ዘመን ከኣ ኣይነበረን። ነቢይ ኢሳይያስ መንፈስ ቅዱስ ምስ ገለጸሉ ነዛ ሕቶ ብውሑድ ቃላት መሊስዋ ንረኽቦ። “እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከምዝኾነ፡ ከምዘይደክምን ከምዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ከምዘይምርመርንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይሰማዕኩምንዶኸ ኢኹም፧” (ኢሳ 40፡28) እዚ ቃል ልቦና ንዘለዎ ኩሉ ዝተዘርበ ስለዝኾነ፡ “ኣይትፈልጡን ዲኹም፧” ይብል። ስለዚ እቶም ዘይፈለጥና ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ንገንዘብ።

 

 

         ትምህርቲ መናፍቓን ኣብ ነገረ ሥጋዌ

     እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቓነየ ሃዋርያውን ጥንታውን ትምህርቲ ሃይማኖት ዘይተረድኦም፡ ኣብ ስጋዊ ጥበብን ፍልስፍናን ዝተመርኮሱ በብዘመኑ ዝተንስኡ ሰባት፡ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝተመስረተትሉ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብስጋዊ ሓሳቦም እናተመርሑ ብዛዕባ ክርስቶስ ዘለዎም ኑፋቄያዊ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኸእትዉ ብዙሕ ግዜ ፈቲኖም እዮም።

    ካብዚኣቶም ነቶም ኣብተን ዓበይቲ ጉባኤታት ብክሕደታዊ ትምህርቶም ዝተወገዙ ሕጽር ብዝበለ ንምጥቃስ፦

  • ኣርዮስ፡-

 ብ325 ዓ.ም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ፡ ብ318 ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ዝተወገዘ መናፍቕ እዩ። ትምርህርቲ ኣርዮስ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ወልድ ፍጡር እዩ፥ ግና ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት እዩ፤ ንኣብ ፍጡሩን ወዱን እዩ፡ ዳሕራይ’ውን ብመዋእለ ሥጋዌ ብዘርኣዮ ተኣዛዝነትን ተጋድሎን ጽንዓትን ካብ እግዚኣብሔር ቡራኬን ጸጋን ተቐቢሉ ከም ጻድቃንን ሰማዕታትን ድማ ሱታፌ ኣምላኽነት ረኸበ ዝብል እዩ። ሎቱ ስብሓት። ነዚ ናይ ክሕደት ትምህርቱ ኣብቲ ጉባኤ ምስ ኣስምዐ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር “ክርስቶስ ኢየሱስ መድሃኒትዩ። መድሓኒና ምዃኑ ካብ ኣመንና ናይ ባህሪ ኣምላኽነቱ’ውን ክንኣምን ኣለና። መድሓኒና እግዚኣብሔር ጥራሕ ምዃኑ’ውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይምስክሩ እዮም” በሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘለዉ መርትዖታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል፦

ኢሳ 43፡11 “ኣነ ኣነ እየ እግዚኣብሄር ብጀካይ መድሓኒ የልቦን። ነቲ ክኸውን ዝነበሮ ብትንቢት ዝተዛረብክዎ ኣነ እየ፡ ከድሕነኩም’ውን መጻእኩ፡ ከምዚ ዝገበረ ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን ኣነ ኣምላኽ እየ። ንስኻትኩም ከኣ መሰኻኽረይ ኢኹም።”

ሆሴ 13፡4 “ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይ ትፈልጡን ኢኹም ብጀካይ ድማ መድሓኒ የብልኩምን።”

ሉቃ 2፡11 “ሎሚ መድሓኒ ክርስቶስ ጐይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ።”

     ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቀጺሉ “ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስክርነት እንተ ርኢና፡ ናይ ወልድ ኣምላኽነት ምስ ናይ ደቂ ሰባት ናይ ምድሓን ምሥጢር ዝተታሓሓዘ እዩ። ወልድ ናይ ባህሪ ኣምላኽ እንተ ዘይኮይኑ ግና፡ ንሕና’ውን ኣይደሓናን ማለትዩ። ብናቱ  ናይ ኣምላኻዊ ድሕነት እንተ ኣሚንና ግና ንሱ ኣምላኽ  ምዃኑ ክንፈልጥን ክንኣምንን ይግብኣና። ምኽንያቱ  ፍጡር  ንፍጡራት ከድሕኖም ኣይክእልን እዩ” ብምባል መለሰሉ። ሽዑ ኣርዮስ “ወልድ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዓቢ ትሕትናን ተጋድሎን ብምርኣዩ፡ ብባህርይ ዘይኮነስ ብጸጋ ናይ ኣምላኽነት ክብሪ ስለ ዝረኸበ ስግደት ይግብኦ  እዩ።” ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ክርስቶስ ምስ ናይ ባህርይ ኣቡኡ ምስ ኣብ ሓደ እዩ። ወልድ ፍጡርዩ እንተ ኢልና ግና ንዑኡ ናይ ኣምልኾ ስግደት ምቕራብ፡ ባዕዲ ኣምልኾ እዩ።” ኢሉ ምስ መለሰሉ፡ ኣርዮስ ክምልስ ኣይከኣለን።   

       ብተወሳኺ ኣብ ጉባኤ ኒቅያ  ዝቐረቡ ክርክራት፦

  1. አርዮስ ወልድ ፍጡር እዩ ንምባል “ሀሎ አመ ኢሀሎ ወልድ” (ወልድ ዘይነበረሉ ግዜ ነይሩ እዩ) ክብል እንከሎ፡ ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት ድማ፡ ወልድ ዘልአለማዊ ምዃኑ ንኽገልጹ “አልቦ አመ ኢሀሎ ወልድ“ (ወልድ ዘይነበረሉ ግዜ የልቦን) ኢሎም ንኽሕደት አርዮሳውያን አወገዝዎ።
  2. አርዮስን ደገፍቱን “ወልድ ብባህሪኡ (ብመለኮቱ) ምስ ኣብ ሓደ አይኮነን” ንዝብልዎ፡ እቲ ጉባኤ ምስ አወገዞ፡ ኦርቶዶክሳውያን ንወልድ “omo-ousios“ (“ዋህደ ባህርይ ምስለ ኣብ፡ ወይ ድማ፡ ዘዋህድ ምስለ አብ በመለኮቱ“- “ወልድ ምስ አብ ብባህሪኡ (ብመለኮቱ) ሓደ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። ደገፍቲ አርዮስ ዝነበሩ ንኽሕደት አርዮስ ዝገደፍዎ ከምስሉን ንኦርቶዶክሳውያን ንምምሳልን፡ ንወልድ “omoi-ousios” -(ናይ ወልድ ባህሪ ምስ ናይ አብ ባህሪ ተመሳሳሊ እዩ) ኢሎም ሓሳብ እኳ እንተ አቕረቡ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ እውን እቲ ጉባኤ ፈጺሙ አይተቐበሎን። ነዚኦም ድማ “መንፈቀ አርዮሳውያን” (SEMI-ARIANS) ኢሎም አወገዝዎም።

 

  • ንስጥሮስ

ብ431 ዓ.ም  አብ ጉባኤ ኤፌሶን 200 ብዝኾኑ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተወገዘ መናፍቕ እዩ። ትምህርቲ ንስጥሮስ ሕጽር ብዝበለ፡ ‹ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ  እዩ፤ ካብ ማርያም ዝተወልደ ዕሩቅ ብእሲ (ሰብ)እዩ፥ ብኻልእ አባሃህላ ‹ወልደ አብ› ካልእ እዩ፡ ‹ወልደ ማርያም› ካልእ እዩ ዝብል ኔሩ። እዚ ማለት ኸኣ ስጋ ንቃል ማህደሩ ተሰካሚኡ እዩ፤ ወይ’ውን ስጋን ቃልን ከም ዳዊትን ማህደሩን፤ ከም ሰይፍን ማህደሩን ከም ማለት እዩ። ንስጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተኺልዎ ዝነበረ ናይ ኑፋቔ መስማር፡ ብሞዶሻ ቅዱስ ቄርሎስ (ትምህርተ ተዋህዶ) ክንቀል ከኣለ። በዚ ትምህርቲ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ’ውን እቲ ጉባኤ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና መስኪሩ ንንስጥሮስ ኣወገዞ።

  • ፓፓ ሊዮን፦

ንስጥሮስ “ክልተ ባህሪ ክልተ አካል” ብምባል ዝጀመሮ ክሕደት አብ ጉባኤ ኤፌሶን ምስ ተወገዘ፡ ነዚ ክሕደት እዚ መሰረት ዝገበረ “ሓደ አካል ክልተ ባህሪ“ ዝብል ክሕደት ድማ ልዮን አበገሰ። ነዚ ክሕደት እዚ ንምእራም ኣብ 451 ዓ.ም. ኣብ ኬልቄዶን ኣብ ዝነበረ ጉባኤ፡ ኣቦና ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ብዛዕባዚ ክሕደት እዚ ንልዮን ክምልሰሉ ከሎ “ክርስቶስ ሓደ እዩ። እቲ ናብ መርዓ ዝተጸውዐ ሓደ ሰብ ንሱ እዩ። መለኮት ካብ ተስብእት (ስጋ) አይተፈለየን” ብምባል መለሰሉ። ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ቀጺሉ፡ ቅዱስ ቄርሎስ ንንስጥሮስ ዝመለሰሉ መርትዖ አልዒሉ ከምዚ ክብል ተዛረበ፡- “እግዚአብሔር ቃል ምስ ስጋ ዝገበሮ ተዋህዶን ነፍሲ ምስ ስጋ ዘለዋ ተዋህዶን ሓደ ዓይነት እዩ። ልክዕ ከም ሓውን ሓጺንን ዝገብሮ(ዝኾኖ) ዓይነት ውህደት እዩ። ክልተ ዝተፋላለዩ ባህርያት እኳ እንተኾኑ ብምውህሃዶም ሓደ ኮይኖም እዮም። ብመሰረት እዚ ሓሳብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ጐይታ እዩ። ሓደ ባህሪን ሓደ ፍቓድን ኣለዎ” ብምባል ነቲ ጉባኤ መለሰሉ። ካብቶም ኣብቲ ጉባኤ (ጉባኤ ኬልቄዶን) ዝተኣከቡ 600 (ሽዱሽተ ሚእቲ) ዝኾኑ ሰባት ናይ ተቓውሞ ሓሳብ ከቕርብ ዝኸኣለ አይነበረን።