mm_logo3.jpg

ምሥጢረ ቁርባን        

ቁርባን ቃሉ ናይ ሱርስትን ዓረብን ኮይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ ንኣምላኽ ዝቐርብ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣምሃ፡ መስዋእቲ፡ ሞባእ ማለት እዩ። ነቲ ቓል ብሓፈሻ ክንርእዮ ከሎና፡ ሰብ ንኣምላኹ ዘቕርቦ ነገር ኩሉ ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ በዚ ኣርእስቲ እዚ ንርእዮ ግና ብዛዕባ'ቲ ኣማናዊ ቁርባን ወይ ከኣ ሓቀኛ መስዋእቲ ዝኾነ ምሥጢረ ቁርባን እዩ። ምሥጢረ ቁርባን ማለት እቲ ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሓሊ፡ ነቲ ወይኒ ኸኣ ኣብ ጽዋእ ጌሩ ብጸሎተ ቅዳሴ ምስ ባረኾ፡ እቲ ሕብስቲ ተለዊጡ ስጋ መለኮት፡ እቲ ወይኒ ተለዊጡ ደመ መለኮት ዝኾነሉ፡ ንሕና’ውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ነቲ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን እንቕበለሉ ዓቢይ ምሥጢር እዩ።

 

ምሳሌ ምሥጢረ ቁርባን ኣብ ብሉይ ኪዳን

 

      ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልእልተ መስቀል፡ ንቕዱስ ስግኡ ቖሪሱ፡ ንኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ ቅድሚ ምሃቡ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ቅዱስ ቁርባን ብምሳሌ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። ኣብ ግዜ ብሉይ ሰባት ንኣምላኾም ክልተ ዓይነት ህያብ የቕርቡ ነበሩ፡ እዚኣቶም’ውን ካብ እንስሳን ካብ ኣዝርእትን(ተኽልን) ዝቐርቡ ህያባት እዮም ኔሮም። እቲ ካብ እንስሳ ዝቐርብ መስዋእቲ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ካብ ኣዝርእቲ(ተኽልታት) ዝቐርብ ድማ ቁርባን ይበሃል። ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዝነበሩ ኣበው ካብ እንስሳታት(በጊዕ፡ ርግቢት፡ ብዕራይ…)፡ ካብ ኣዝርእቲ(ስርናይ)፡ ካብ ኣትክልቲ(ወይኒ)፡ ብምሓዝ ቁርባን የቕርቡ ነበሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቲ ሓቀኛ ቅዱስ ቁርባን ቅድሚ ምምስራቱ፡ ኣብ ሕገ ልቡናን ሕገ ኦሪትን ብብዙሕ ምሳሌታት ይቐርብ ነበረ። ንኣብነት፡-

 

  1. ህብስትን ጽዋእን መልከ ጼዴቅ

         ክህነቱ ናይ ወልደ እግዚኣብሔር ምሳሌ ኮይኑ ንዘለኣለም ይነብር ተባሂሉ ዝተነግረሉ መልከ ጼዴቅ፡ ኣብ ግዜ ብሉይ ካብ ቀዳሞት ኣበው ተፈልዩ፡ ከምቲ ንሳቶም ዘቕርብዎ ዝነበሩ ናይ ደም መስዋእቲ ዘይኮነስ፡ ናይ ወይንን ሕብስትን መስዋእቲ ይስውእ ነበረ። ኣቦ ብዙሃን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብርሃም፡ ኣብ ውግእ ተዓዊቱ ክምለስ እንከሎ፡ ናይ ሳሌም ንጉስ መልከ ጼዴቅ ሕብስትን ወይንን ሒዙ ተቐቢልዎ እዩ። መልከ ጼዴቅ ዘቕረቦ ሕብስትን ወይንን ናይ ስጋ ወደሙ ምሳሌ ክኸውን ከሎ ባዕሉ መልከ ጼዴቅ ድማ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። (ዘፍ 14፡18-20፤ ዕብ 5፡6-10፤ ዕብ7፡1-3)

  1. ገንሸል ፋሲካ

         እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጺ ን430 ዘመን ብባርነት ድሕሪ ምንባር፡ ብናይ ልዑል እግዚኣብሔር ምሕረት፡ ብመሪሕነት ነቢይ ሙሴ ካብ ምድሪ ግብጺ ቅድሚ ምውጽኦም፡ ብመስዋእቲ ተባዕታይ በጊዕ ካብ ሞተ በኵር ድሒኖም እዮም። “እዛ ወርሒ እዚኣ ንዓኻትኩም መጀመርታ፡ ማለት መጀመርታ ወርሒ ናይ ዓመት ትኹንኩም። ንኹሉ ህዝቢ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎ። ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነፍስ ወከፍ ኣቦ ስድራ ሓደ ገንሸል ይውሰድ። … እቲ እትመርጽዎ እንስሳ ዓመት ዝገበረ፡ ጐደሎ ኣካል ዘይኮነ፡ ተባዕታይ ጤል ወይ በጊዕ ይኹን። ክሳዕ መበል 14 መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ሓልውዎ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኩሉ፡ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ነናቶም ይሕረዱ። ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ናታ ዝበልዑላ ቤት ካብቲ ደም ደም ወሲዶም ይልከይዎ። ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ብቕጫን መሪር ሓምልን ጌሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ። ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ኮነ ካበቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ። ካብኡ ድማ ክሳዕ ንግሆ ገለ እኳ ኣይተትርፉ። ካብኡ ክሳዕ ንግሆ ገለ እንተ ተረፈ ግና ብሓዊ ኣንድድዎ…..። እዚ ንዓይ ንእግዚኣብሔር በዓል ፋሲካ እዩ።” (ዘጸ 12፡1-11)

        እስራኤል ካብ ሞተ በኩር ዝደሓኑሉ ገንሸል(ተባዕታይ በጊዕ)፡ ምሳሌ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፡ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ንምእመናን ቆሮንቶስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ “ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ።” ኢሉ እዩ። (1ቆሮ 5፡7) መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሃንስ’ውን ንደቂ መዛሙርቱ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብዕለት ዓርቢ ምእንቲ ድሕነት ዓለም ዝስዋእ ኣማናዊ ገንሸል ምዃኑ ከረድኦም እንከሎ፡ “እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ።” በለ። (ዮሃ 1፡29፤ ኢሳ 53፡1-6)

        እቲ ገንሸል ጐደሎ ወይ ነውሪ ዘይብሉ ምዃኑ፡ ጐይታ ብባህርዩ ንጹህ እንከሎ ብቕንኣት ኣይሁድ ተኣሲሩ ኣብ መስቀል ቤዛ (በጃ) ናይ ምዃኑ ምሳሌ እዩ። ትውፊታዊ መረድኢታት ከም ዝሕብሩና፡ ነቲ ገንሸል ኣብ ዝስውኡሉ እዋን ሸውዓተ፡ ዓሰርተ፡ ዓሰርተው ክልተ ኮይኖም ክስውኡ ከም ዘለዎም ተኣዚዞም ነበሩ። ብእብራውያን ቁጽሪ ሸውዓተ ናይ ፍጹምነት ምልክት ስለ ዝኾነ፡ ንሳቶም ብሓይልን ምሕረትን ኣምላኽ ካብ ሞተ በኩር ከም ዝድሕኑ እምነት ክህልዎም ከም ዝግባእ ዝሕብር ክኸውን ከሎ፡ ነቶም ሕጂ ዘለና ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽና ስጋን ደምን ካብ ሓጢኣት ርሒቕና፡ ብንስሓ ተሓጺብና፡ ፍጹማን ኴንና፡ ክንቅበሎ ከም ዘሎና ዘረድእ እዩ። ደም እቲ ገንሸል ኣብታ ቤት ንኽልቲኡ ልዳት ምልካዮም፡ ንግዚኡ እቲ ዝቐስፍ መልኣኽ ነቲ ደም ርእዩ ከይቀሰፎም ሓሊፉ ምእንቲ ክኸይድ ምልክት ክኸውን ከሎ፡ ፍጻሜኡ ግና ከምቲ ጐይታና፡“ስጋይ ዝበልዐ ደመይ’ውን ዝሰተየ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ።” ኢሉ ዝተዛረቦ እቶም ብስጋን ደምን ኣምላኽ ዝተሓትሙ ሰባት ሞተ ነፍስ ከም ዘይረኽቦምን ኣብ ዳግማይ ምጽኣት’ውን ትንሳኤ ዘለክብር(ናይ ክብሪ ትንሳኤ) ከም ዝትንስኡ ዘረድእ እዩ። ‹ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ› ምባሉ፡ ስጋ ጐይታና ኣብ መቓብር ፈሪሱን በስቢሱን ተሪፉ ዝብሉ ኣለዉ እሞ ከምኡ ኣይትበሉ ክብል ከሎ እዩ።(መዝ 16፡8-11፤ ግ.ሃዋ 2፡27) ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዑ ምባሉ፡ ነፍሲ ዝተፈለዮ፡ መለኮት ግና ዝተዋሃሃዶ፡  ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ከም ትበልዑን ከም እትሰትዩን እመኑ ማለቱ እዩ። ከምኡ’ውን ምስ መሪር ሓምሊ ክበልዕዎ ምእዛዙ፡ ምስጢሩ፡ ስጋን ደምን ኣምላኽና ንኣስታት ዓሰርተው ሸሞንተ ሰዓታት ጾይምና፡ ኣፍና ዕረ ዕረ ክጥዕመና (ምረት ክስምዓና) እንከሎ፡ ብጥራይ ከብድና ክንቅበሎ ከምዝግብኣና ዝሕብር ምዃኑ ሊቃውንቲ ኣቦታት ይትርጉምዎ።

  1. ካብ ሰማይ ዝወረደ መና

         ደቂ እስራኤል ናብታ ዝተተስፈውዋ ምድሪ ንኽኣትዉ ኣብ ዝጓዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣብቲ ምድረበዳ ዝብላዕ ስለ ዘይረኸቡ ጥምየት በርትዖም። በቲ ግዜ እቲ ንመራሒኦም ሙሴ ኣጨነቑሉ። ሙሴ’ውን ናብ እግዚኣብሔር ምስ ኣመልከተ፡ መና ካብ ሰማይ ወሪዱሎም ንዕኡ ተመጊቦም ካብ ስጋዊ ጥምየት ተዓንጊሎም እዮም። ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ካብ ደመና ዝወረደሎም መና፡ ናይ ጐይታና ስጋን ደምን ምሳሌ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ዘለኣለማዊ ናይ ነፍስ ጥምየት እንድሕነሉ ኣማናዊ ስግኡን ደሙን ተዋሂብና ኢና። እቲ መና ዝተረኽበሉ ደመና ድማ፡ ጐይታ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ ካብኣ ዝተወልደ ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። (ዮሃ 6፡49-51)

ናይ ሕብስትን ወይንን ምልዋጥ (ምቕያር)

         ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሓሙስ ምሸት (ቅድሚ ትንሳኤ)፡ ነቲ ሕብስትን ወይንን ባሪኹን ቀዲሱን፡ ናብ ፍጹም ስጋ ወደሙ ለዊጡ ንሃዋርያት ኣቚሪብዎም እዩ። ነዚ ኸኣ ጐይታ ነቲ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ፡ ‹እዚ ስጋይ እዩ፡ እዚ ደመይ እዩ› እንዳበለ ብግልጺ ምሂሩ እዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ሎሚ፡ ካህናት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ሕብስትን ወይንን ብጸሎተ ቅዳሴ ኣመስጊኖም ክባርኽዎ ከለዉ፡ እቲ ንመስዋእቲ ዝቐርብ ሕብስትን ወይንን ተቐይሩ፡ ስጋ ወልደ ኣምላኽ ደመ ወልደ ኣምላኽ ይኸውን። ናይ ቂሳርያ ኤጲስቆጶስ ቅዱስ ባስልዮስ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ውዳሴ ኣምላኽ ዝተባህለ ድርሳኑ፡ “ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብዚ ቅዱስ ስጋኻን ደምካን መለኮትካ ከም ዝተዋሃሃደ እፈልጥ። ስለ ዝፈልጥ’ውን ነቲ ክቡር ስጋኻ ምስ ሰማያዊ ክብሩ የኽብሮ፡ ብኣምሳል እቲ ዝረአ ሕብስቲ’ውን ነቲ ስጋኻ ከምዝቕበል እኣምን። ነቲ ክቡር ደምካ’ውን ምስ ሰማያዊ ክብሩ አኽብሮ፡ ብኣምሳል እቲ ዝረአ ወይኒ’ውን ነቲ ደምካ ከምዝቕበል እኣምን። ስግደት ንዝግብኦ መለኮት’ውን ከምዝቕበል ብሙሉእ ልቢ እኣምን። ከምኡ እንተኾይኑ ድማ ነቲ ዝፈጠረንን ዝጓስየንን ዘድሕነንን እቕበል። ካልኣይ’ውን ነቲ ቅዱስ ቁርባን ብኣምሳል ወይንን ሕብስትን ከምዝረኽቦ ይኣምን። ስጋ መለኮትን ደመ መለኮትን እምበር ሕብስትን ወይንን ከምዘይኮነ ይኣምን። ሱራፌልን ኪሩቤልን ዝሰግዱልካ ንጉስ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ከምዘለኻ ኣሚነ ይቕበሎ። ኦ ኣምላኽ እቲ ቃል ንስኻ ከም ዝተዛረብካዮ እዩ እሞ፡ ናትካ ቓል እምበር ናይ ካልእ ኣይኮነን። ናትካ ቓል ብምዃኑ ኣዴና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝኣመነቶ ዘበለ ኩሉ ይኣምን። ነቲ ሓቂ ዝኾነ ምሥጢር ኣይኮነትን ንዝበለኒ ነፍሰይ ኣሕሊፈ ይህበላ።” ብምባል ገሊጹ እዩ።

ምሥጢረ ቁርባን መዓስ ተጀመረ፧

         መስዋእቲ ኦሪት ሓሊፉ፡ ብመስዋእቲ ሓድሽ ተተኪኡ፡ ምሥጢረ ቁርባን ዝተጀመረ፡ ምሸት ሓሙስ (ቅድሚ ትንሳኤ ዝነበረ ሓሙስ) እዩ። “ክበልዑ ከለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ። ኣመስጊኑ ቖሪሱ ነቶም ደቂ መዛሙርቱ እዚ ስጋይ እዩ እንኩ ብልዑ እናበለ ሃቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ።” (ማቴ 26፡26-28) እናበለ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ስጋኡን ደሙን ምስ ሃቦም፡ ሥርዓተ ቁርባን ተመስረተ።

ቅዱስ ቁርባን ንምንታይ ብብልዕን መስተን ኮነ፧

         ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ምሥጢረ ቁርባን ክምስርት ከሎ ብዝብላዕን ብዝስተን ዝገበረሉ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ እዩ፡-

  • ዲያብሎስ ኣብ ስጋ ተመን ተሰዊሩ እጸ በለስ ከም ዝበልዑ ብምግባር፡ ብብልዒ ንደቂ ሰባት ከም ዘስሓተ፡ እግዚኣብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ስጋ ለቢሱ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ፡ ቅዱስ ስጋኡ ቆሪሱ፡ ‹እዚ ስጋይ እዩ ብልዑ› ‹እዚ ደመይ እዩ ስተዩ› ኢሉ፡ ብሰንኪ ብልዒ ካብ እግዚኣብሔር ንዝተፈለየ ኣዳም ምስ ደቁ ናብ ናይ ቅድም ክብሩ ንኽመልሶ፡ ምሥጢረ ቁርባን ብዝብላዕን ብዝስተን ገበሮ።
  • ብልዕን መስተን ምስ ኣካላትና ከም ዝወሃሃድ፡ ናይ ጐይታና ስጋን ደምን ክንበልዕን ክንሰት ከለና፡ ምስ መላእ ሰብነትና ከም ዝወሃሃድን ንክርስቶስ ለቢስና ምስኡ ሕብረት ከም ዝህልወና ንምርዳእ እዩ። (ዮሃ 6፡56)
  • ብልዕን መስተን የፋቕር እዩ። ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ድማ ፍቕሪ ይህብ፡ ከምኡ’ውን ብፍጹም ፍቕሪ ከም ዘፍቀረና የረድእ። (ዮሃ 3፡16፤ 1ዮሃ 4፡10)

        ቤተ ክርስቲያን ናይ ጐይታ ቅዱስ ስጋን ክቡር ደሙን ብስርናይን ብወይንን ተዳሉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብመጀመርታ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ስጋኡን ደሙን ብስርናይን ብወይንን ስለዝሃበ እዩ። (ማቴ 26፡26) ጐይታ ኸኣ ስግኡን ደሙን ብስርናይን ብወይንን ዝሃበሉ ምኽንያት ምሳሌኡን ትንቢቱን ንምፍጻም እዩ።

        ምሳሌ፡- ክህነቱ ንክህነት ክርስቶስ ምሳሌ ኮይኑ ዝጥቀስ መልከ ጼዴቅ፡ ብስርናይን ወይንን መስዋእቲ የቕርብ ነበረ። እዚ ኸኣ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ምሳሌ እዩ። (ዘፍ 14፡18፤ እብ 7፡15-17)

       ትንቢት፡- ነቢየ እግዚኣብሔር ቅዱስ ዳዊት፡ “እቲ ንስኻ ኣብ ልበይ ዘንበርካዮ ሓጐስ ግና፡ ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሐ ዝሕጐስዎ ኣዝዩ ዓዘዘ።” ዝበለ ነቲ ብስግኡን ደሙን እንረኽቦ ጸጋን ሓጐስን ንኸረድእ እዩ። (መዝ 4፡7፤ መዝ 104፡15)

        ምስጢሩ፡- ብዝመስል ነገር ንኽህበና እዩ። ወይኒ ብተፈጥርኡ እንተ ርኢናዮ ደም እዩ ዝመስል። ስርናይ’ውን ስቡሕ ስጋ እዩ ዝመስል።

 

ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ዝቐርቡ ሕቶታት

 

  1. ‹ቅዱስ ቁርባን መዘከርታ ወይ ኸኣ ምሳሌ እዩ እምበር፡ ኣማናዊ (ሓቀኛ) ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ኣይኮነን› ኢሎም ዝኽሕዱ ክፍልታት ኣለዉ። እዚኣቶም ነዚ ክሕደቶም ከም መረዳእታ ዘቕርብዎ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ንዝብል ቃል እዩ። (ሉቃ 22፡19) እንተኾነ ግና ነቲ ጥቕሲ፡ ብርድኢት ንዘንብቦ፡ ናይዚ ቃል እዚ ትርጉም ‹‹ክትቅበሉ ከለኹም ንመከራይ፡ ንሕማመይ ቤዛ(በጃ) ምዃነይ፡ ሞተይ፡ ትንሳኤይ እናሓሰብኩም እናዘከርኩም ኣሚንኩም ስጋይን ደመይን ተቐበሉ›› ማለቱ እምበር፡ ነቲ ናታቶም ዘስሕት ትምህርቲ ዝድግፍ ወይ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዕለት ዓርቢ ንዓለም በጃ(ቤዛ) ኮይኑ ቅድሚ ምስውኡ፡ ዝመሃሮ ናይ መወዳእታ ትምህርቱ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ዝምልከት ኮይኑ፡ ቃሉ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል እዩ፡- “ክበልዑ ከለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ፤ ኣመስጊኑ፡ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ስጋይ እዩ እንኩ ብልዑ እናበለ ሃቦም። ጽዋዕ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ እናበለ ሃቦም።” (ማቴ 26፡26-28) ኣብዚ ጽሑፍ ጐይታ ‹‹እዚ ስጋይ እዩ፡ እዚ ደመይ እዩ›› በለ እምበር ‹‹እዚ ናይ ደመይ ምሳሌ እዩ፡ እዚ ናይ ስጋይ ምሳሌ እዩ›› ብዘይምባሉ፡ ሓቀኛ ስጋኡን ደሙን ከም ዝኾነ ኣጸቢቑ ኣረደኣና። ስለዚ ‹እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ› ዝበለሉ ምኽንያት፡ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ክንቅበል ከሎና፡ እቲ ምእንታና ዝተቐበሎ መከራ፡ ስቕለቱን ሞቱን ትንሳኤኡን እናዘከርና ክንቅበል ከም ዘሎና ዘረድእ እዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣብ መልእኽቱ ነዚ ሓሳብ “ጐይታና ኢየሱስ በታ ዝተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ ብልዑ እዚ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ ኣልዓለ እሞ፡ እዚ ጽዋእ እዚ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፡ ብትሰትይዎ ጊዜ ኩሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ።ማለት ነዚ እንጌራዚ ብትበልዕዎ፡ ነዚ ጽዋእ እዚ’ውን ብትሰትይዎ ኹሉ፡ ክሳዕ ጐይታ ዝመጽእ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።” (1ቆሮ 11፡23-26) ብምባል እቲ ንመዘከርታይ ግበርዎ ዝብል ቃል፡ ንሕና ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ ስጋኡን ደሙን ክንቅበል ከለና፡ ንሞቱን መከራኡን ክሳብ ምጽኣቱ እናዘከርና ከም እንቕበሎ እምበር፡ ንመዘከርታ ጥራይ ከም ዘይኮነ ኣብሪህዎ ኣሎ። ንሕና’ውን ኣብ ሥርዓተ ቅዳሴ ‹‹ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ፡ ወትንሳኤከ ቅድስተ- ኦ ጐይታ ሞትካን ቅድስቲ ዝኾነት ትንሳኤኻን ንነግር ኣሎና›› እንብል ነዚ ንምግላጽ እዩ።

እምበርከ፡ መዘከርታን ምሳሌን ጥራይ እንተ ኾይኑ ከመይ ኢሉ ህይወት ክህብ ይኽእል፧ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ንምቕባል ከመይ ዝበለ ጥንቃቐ ክንገብር ከም ዝግብኣና ክግልጽ ከሎ፡- “ስለዚ ከይተገብኦ እንጌራ ጐይታ ዝበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፡ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝዕግብ። እምበኣር ሰብ ካብዚ እንጌራ እዚ ቕድሚ ምብልዑን ካብዚ ጽዋዕዚ ቕድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር። ከመይ ስጋ ጐይታ ምዃኑ ፈልዩ ከይፈለጠ ዝበልዕን ዝሰትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ እዩ ዘምጽእ።” ይብል። (1ቆሮ 11፡27-29) ንምዃኑ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን መዘከርታ ጥራይ እንተደኣ ኾይኑ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ከይተገብኦ ዝበልዖ ፍርዲ ዝኾኖ፧ ከፍርድ ዝኽእልከ ከመይ ኢሉ እዩ ምሳሌ ወይ መዘከርታ ዝበሃል፧

 

  1. ካልእ መናፍቓን ዘምጽእዎ መጋገዪ ሓሳብ ድማ፡ እቲ ሕብስቲ ናብ ስጋ መለኮት፡ እቲ ወይኒ ድማ ናብ ደመ መለኮት ከመይ ኢሉ ይቕየር፧ ዝብል እዩ። እዚ ንሕና ብሓይልናን ብጥበብናን ንገብሮ ዘይኮነስ፡ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝገብሮ እዩ። እቲ ሕብስትን ወይንን ሓቀኛ ስጋን ደምን ዝኸውን ምስ ተባረኸን ምስ ተቐደሰን ከም ዝኾነ ባዕሉ ጐይታ ብተግባር ኣርእዩና እዩ። “ኪበልዑ ከለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስገነ፡… ጽዋዕ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሃቦም…” (ማር 14፡22-24) እምበኣር ነዚ መሰረት ብምግባር ሎሚ ካህናት ነቲ ሕብስትን ወይንን ኣዳልዮም፡ ብጸሎተ ቅዳሴ ኣመስጊኖም ምስ ባረኽዎ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሕብስቲ ስጋ ጐይታ፡ ነቲ ወይኒ’ውን ደም ናይ ክርስቶስ ይገብሮ። እዚ ክፍጸም እንከሎ ግና በዒንትና ኣይንርእዮን ኢና።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዛዕባዚ ክገልጽ እንከሎ “ናይቲ ዘድሓነና ጐይታና ኢየሱስ ብዝኾነ ቁርባን ንኣምን። እቲ ካህን ከይባረኾ ሕብስትን ወይንን እዩ። እቲ ካህን ምስ ባረኾ ግና ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ ቅዱስ ይወርድ እሞ እቲ ሕብስቲ ኣማናዊ ስጋ ወልደ እግዚአብሔር ናብ ምዃን ይልወጥ። እቲ ወይኒ’ውን ከምኡ ካብ ወይኒ ናብ ኣማናዊ ደመ ወልደ እግዚአብሔር ይልወጥ።” (ሃይ.ኣበ.ዘኣትናቴዎስ 28፡22)

ብኻልእ ወገን ከኣ በቲ ኣዘራርብኦም፤ እግዚኣብሔር ክገብሮ ዘይክእል ነገር ከም ዘሎ የምስል፡ እዚ ኸኣ ክሕደት እዩ። ንሕና ኣምላኽና ዝሰኣኖ ዘይብሉ ምዃኑ ኢና ንኣምን። ብምሸት ሓሙስ ነቲ ሕብስቲ ለዊጡ ‹‹እዚ ስጋይ እዩ›› ነቲ ወይኒ ለዊጡ ኸኣ ‹‹እዚ ደመይ እዩ›› ኢሉ ንሃዋርያት ዝሃቦም ባዕሉ ጐይታ እዩ። ንሰበይቲ ሎጥ ናብ ዓንዲ ጨው፤ ንበትረ ሙሴ ናብ ተመን፡ ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠ ኣምላኽ፡ ነቲ ሕብስቲ ናብ ስጋ ኣምላኽ ነቲ ወይኒ ድማ ናብ ደም ኣምላኽ ከምዝቕይረልና ንኣምን ኢና። (ዘፍ 19፡17-26፤ ዘጸ 7፡10-14፤ ዮሃ 2፡2-11)