mm_logo2.jpg

ምሥጢረ ትንሣኤ ሙውታን

   ትንሣኤ ዝብል ቃል፡ ‹ተንስአ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ‹ምትንሳእ› ማለት እዩ። ነፍስን ስጋን ብሞት ድሕሪ ምፍልላየን፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ብትንሳኤ ዘጉባኤ ይራኸባ። ትንሳኤ ክንብል ከሎና ብዛዕባ ትንሳኤ ስጋ ንዛረብ ከም ዘለና ከነስተብህል ይግባእ። ምኽንያቱ ነፍሲ ብባህሪኣ ዘይትመውት ብምዃና እዩ። ስለዚ ትንሳኤ እንብሎ፡ ስጋ በስቢሱ፡ ፈሪሱ ካብ ዝነብረሉ ዝነበረ መቓብር፡ ምስ ነፍሲ ከም እንደገና ተወሃሂዱ፡ ብስልጣነ እግዚኣብሔር ክትንስእ ከሎ እዩ። (ዳን 12፡13፤ 2እዝ 7፡8)

ትንሳኤ ዘለዎ ፍጡር መን እዩ፧

ካብ ዕስራን ክልተን ስነ ፍጥረት፡ መላእኽቲ ዘይሞቱ ብምዃኖም ትንሳኤ ኣይምልከቶምን እዩ። ካብቶም ዝተረፉ ግና ሰብ ንበይኑ ድሕሪ ሞቱ ትንሳኤ ኣለዎ። ንሰብ ትንሳኤ ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሰብ ብቐደሙ’ውን እንተኾነ ነፍሱን ስግኡን ከይተፈላለያ ብህይወት ንኽነብር ደኣ እምበር ንኽመውት ስለ ዘይተፈጥረ እዩ። (1ተሰ 5፡9) ይኹን እምበር ሰብ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቐመጦ ስፍራ ጸኒዑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈርዶ። ደሓር ግና ንስሓ ስለ ዝኣተወ ትንሳኤ ሙታን ተኣወጀሉ። ነቢይ እግዚኣብሔር ዳንኤል “እቶም ዝሞቱ ክትንስኡ እዮም። ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ኸኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ክኸዱ እዮም።” ከም ዝበሎ፡ ሰብ ክፉእ ሰሪሑ ጽቡቕ ካብ ሞት ክትንስእ እዩ። (ዳን 12፡2) ካልኦት ነቢያትን ሃዋርያትን’ውን ከምኡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ብዙሕ ገሊጾም እዮም።

     ኢሳ 26፡19 “ምውታት ህዝብና ሕያዋን ክኾኑ፡ ሬሳታቶም ከኣ ክትንስኡ እዮም። እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ክትንስኡ እዮም። እልል ከኣ ክብሉ እዮም። ከምቲ ኣውሊ ንምድሪ ኣብ ወጋሕታ ዘረስርሳ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ሕያዋን ክገብሮም እዩ።”

1ተስ 4፡14 “ኢየሱስ ከም ዝሞተ፡ ካብ ምውታት ድማ ከም ዝተንስአ ንኣምን ኢና። ከምኡ ድማ ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ ምስኡ ከም ዘተንስኦም ንኣምን ኢና።”

ዮሃ 5፤28 “ኣብ መቓብር ዘለዉ ኩላቶም ድምጹ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ እሞ በዚ ኣይትገረሙ። ሽዑ እቶም ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ሕይወት፡ እቶም ክፋእ ዝገበሩ ድማ ናብ ትንሳኤ ኩነኔ ክኸዱ እዮም።” ስለዚ ትንሳኤ ምውታን ከምዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ካብ ኣራጋገጽና፡ ናይ ትንሳኤ ተስፋ ዘለዎ ድማ ሰብ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።

ትንሳኤ ሙታን ብኸመይ ይፍጸም፧

ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ንፍርዲ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ዝሞቱ ሰባት ኩላቶም ክትንስኡ እዮም። እነሆ ብደበና ክመጽእ እዩ፡ ኩለን ኣዒንቲ እናረኣይኦ፡ ሰማይን ምድርን ብመብረቕ እንዳተሓርሰ፡ ሓዊ ብቕድሚኡ እንዳነደደ፥ ብዓቢይ ግርማ ክመጽእ እዩ። (2ጴጥ 3፡10-13፤ ራእ 1፡7፤ ዘካ 12፡10) ዝተሰቕለሉ መስቀል ሒዙ፡ ዝተወግኦ ጐኑ እናተራእየ፡ ደሙ እንዳንጠብጠበ ብዕለተ ዓርቢ ምእንታና ኢሉ ዝተቐበሎ መከራ እናዘከረና ክመጽእ እዩ። ነዛ እተፍርሕን ዓባይን መዓልቲ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ብከምዚ ዝስዕብ ይገልጻ “ኣምላኽና ክመጽእ እዩ። ግናኸ ሰላሕ ኢሉ ኣይኮነን ዝመጽእ። ኣብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስ’ውን ይኸቦ።” (መዝ 50፡3-4) ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕሳብ ክንደይ የጨንቕ፧ ናይ ሰማይ ሓይልታት ኩሎም ክናወጹ፡ ሰማይን ምድርን ከም ብራና ተጠቕሊሎም ክሓልፉ እዮም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኩላትና ኣብ ቅድሚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቀውም ኢና። (ማቴ 24፡29-31፤ ማቴ 25፡31-46)

ሓጥኣን ናይ ጐይታ መዓልቲ ምስደንጐየ ዘይመጽእ መሲልዎም ኣብ ናይ ሓጢኣት ባሕሪ ጥሒሎም ክስሕቁን ከላግጹን ይነብሩ። ጻድቃን ግና ናይ ጐይታ ምጽኣት ኣብ ዘይተሓስበ እዋን ምዃኑ ፈሊጦም፡ ንርእሶም ገቲኦም፡  ካብ ሓጢኣት ተኣርኒቦም ክጸንሑ እዮም እሞ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ጸሓይ ሸውዓተ ኢድ ኣብሪሆም፡ ንበኹሪ ትንሳኤ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሎም ናብ ዝተዳለወሎም መንግስቲ ይኣትዉ። እዚ ኩሉ ክኸውን እዩ፡ ኣይክተርፍን ከኣ እዩ። ኩሉ ከከም ግብሩ ክኽፈል እዩ። “እነሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ።” (ራእ 22፡12)

ትንሳኤ ሙታን ‹ዝሞትካ ተንስእ!› ብዝብል ኣዋጅ ናይ መላእኽቲ ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ይእወጅ። “ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን፡ ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ።” (1ተሰ 4፡16) ንሙታን ዘተንስኦም ጐይታ ክኸውን እንከሎ፡ ብናይ ጐይታ ትእዛዝ ምውታት ንኽትንስኡ ዝእውጅ ድማ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። “እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት ኩላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ክንልወጥ ኢና።” ዝብል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ኣገላልጻ፡ ቅድሚኡ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ድምጺ መለኸት ከምዘሎ የረደኣና። (1ቆሮ 15፡51-52)

  • ኣብ ቀዳማይ ምንፋሕ መለኸት፡ እንስሳ ዝበልዖ፡ ንፋስ ዝበተኖ፡ ዝሓቐቐን ዝደቐቐን ኩሉ፡ ካብቲ ዝፈረሰሉ ቦታ ይእከብ። (ያዕቆብ ዘስሩግ ቁ.90)
  • ኣብ ካልኣይ ምንፋሕ መለኸት፡ ኣዕጽምትን ስጋን ተዋሃሂዱ ከይተንቀሳቐሰ ሓድሽ ሬሳ ይኸውን። ኣዕጽምትን ጅማውትን ምስ ስጋን ደምን ይተሓሓዙ። ክሳብ ዝትንስኡ ብዘይ ምንቅስቓስ ሬሳ ይኾኑ።
  • ኣብ ሳልሳይ ምንፋሕ መለኸት፡ ብቐዋሚ ኣካል ብእትዛረብ ልሳን ካብ ጸጉሪ ርእሶም ክሳብ ጽፍሪ እግሮም ካብ ኣካሎም ሓደ ነገር ከይጐደሎም፡ ወዲ፡ ኣዳም ብዝተፈጥረሉ ዕድመ ናይ 30 ዓመት ጐበዝ፡ ጓል ድማ ብዕድመ ሄዋን ናይ 15 ዓመት ጐርዞ ኮይኖም፣ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ካብ ናይ ኣዲኡ ማህጸን ደም ኮይኑ ዝኸደ ህጻን ከይተረፈ፡ ጽቡቕ ኮነ ክፉእ ግብሮም ሒዞም ክትንስኡ እዮም። ጐይታ ባዕሉ ኣብ ማቴ 25፡31-46 ከም ዝበሎ፡ ኣባጊዕ ብየማን ኣጣል ድማ ብጸጋሙ ክቖማ እየን።

ብኣባጊዕን ብኣጣልን ዝተመሰሉ መን እዮም፧

   ጻድቃን ብኣባጊዕ ሓጥኣን ከኣ ብኣጣል ስለምንታይ ተመሰሉ እንተተባህለ፡ ናይ ኣባጊዕ ኣፈጣጥራ ምስ ናይ ጻድቃን ስራሕ፣ ናይ ኣጣል ተፈጥሮ ድማ ምስ ናይ ሓጥኣን ስራሕ ዝመሳሰል ስለ ዝኾነ እዩ። ምኽንያቱ፡-

ሀ.  ኣባጊዕ ሓላዊአን ኣብ ዘውፈረን ቦታ ጸኒዐን ይርከባ። ጻድቃን’ውን ሓላዊኦም ክርስቶስ ኣብ ዘውፈሮም ኣብ ሓንቲ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ይነብሩ። ኣጣል ሓላዊአን ኣብ ዘውፈረን ቦታ ጸኒዐን ኣይርከባን። ሓጥኣን’ውን ከምኡ ብሓንቲ ሃይማኖት ጸኒዖም ኣይነብሩን። ከምኡ’ውን ፈጣሪኦም ክርስቶስ ሓደ ወዲ ምስ ሓንቲ ጓል ዝበሎ ትምህርቲ ገዲፎም ኣብ ናይ ዝሙት ህይወት ይነብሩ።

ለ.   ኣባጊዕ ቁሩብ ሳዕሪ እንተ ረኺበን ከይተበኣሳ ብሓባር ይበልዓ። ጻድቃን’ውን ነታ ዘላቶም ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኮይኖም ብፍቕሪ ይበልዑ እምበር፡ ስስዐን ሃነፍነፍን የብሎምን። ኣጣል ግና ሳዕርን ቆጽልን መሊኡ እንከሎ፡ ካብ ስስዐ ዝተላዕለ ነንሕድሕደን ክበኣሳን ክዋግኣን ይረኣያ። ሓጥኣን’ውን ዝብላዕ ዝስተ መሊእዎም እንከሎ ካብ ስስዐኦም ዝተላዕለ ብጾቶም ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ስኢኖም እናረኣዩ ከይረድእዎም ብገንዘብ ክብኣሱን ናይ እንዳማቶም ንብረት ክምነዩን ይረኣዩ።

ሐ. ናይ ኣባጊዕ ኮልኮለን ንሕፍረተን ዝኸደነ (ዝሸፈነ)እዩ። ናይ ጻድቃን ሓጢኣት’ውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ቅሉዕ ኣይኮነን። ሓጢኣት እንተሰርሑ’ውን፡ ብንስሓ ካልእ ሰብ ከይተሰናኸለሎም ብስውር ንኣበ ነፍሶም ነጊሮም ብቕልጡፍ የጥፍእዎ። ናይ ኣጣል ግና ጭርአን ዝተሰቕለ፡ ሕፍረተን ድማ ዝተቐልዐ እዩ። ናይ ሓጥኣን ግብሪ ሓጢኣቶም፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝተቐልዐ እዩ። ንዝሰርሕዎ እኩይ ምግባር ቁሩብ ከይሓፈሩ፡ ሰብከ እንታይ ይብለና፧ ከይበሉ፡ ኣብ ቅድሚ እኩባት ሰባት ሓጢኣት ይፍጽሙ። ንብዙሓት ሰባት ከኣ የሰናኽሉ።

መ. ኣባጊዕ ድንን ኢለን ይኸዳ እምበር ኣንቃዕሪረን ኣይጥምታን እየን። ጻድቃን’ውን ኩሉ ግዜ ህይወቶም ብትሕትና ይመርሑ፡ ናይ ድኽመቶም ሓይሊ ድማ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ኣይዕበዩን፡ ፈላጣት ክንሶም ከም ዘይፈላጣት ይኾኑ፡ ምግባር ትሩፋት ከለዎም ምንም ዘይብልና ሓጢኣተኛታት ኢና፡ ጐይታ ብምሕረትካ ምሓረና ይብሉ። ኣጣል ግና ኣንቃዕሪረን እየን ዝርእያ። ኩሉ ግዜ ክሳደን ምስ ወጥወጣ ኢየን። ከምኡ ድማ ሓጥኣን ድኹማት ክንሶም ብርቱዓት ኢና ይብሉ፡ ሃብቲ ናይ እግዚኣብሔር ክንሱ ንሳቶም ግና ንግዚኡ ብዝረኸብዎ ሃብቲ ብምምካሕ፡ ንድኻ ብጻዮም ይንዕቁ። ፈላጥ እግዚኣብሔር እንከሎ ንሳቶም ግና ቁሩብ ፊደል እንተቖጺሮም ልዕሌና ፈላጥ የልቦን ይብሉ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሓይሎምን ፍልጠቶምን እዮም ዝዛረቡ።

ረ. ኣራዊት ካብ ኣባጊዕ ሓንቲ እንተወሰደለን፡ ንኻልኣይ ግዜ ናብቲ ቦታ ኣይምለሳን እየን፡ ኩለን ብእኡ ኣቢለን ይጠፍኣ። ጻድቃን’ውን ካብ ብጾቶም ንሓደ፡ ሞት እንተወሰዶ፡ ጽባሕ ናታቶም ተራ ምዃኑ ፈሊጦም ካብ መንገዲ ሓጢኣት ርሒቖም፡ ንእግዚኣብሔር ብንጽህናን ብቕድስናን የገልግልዎ ደኣምበር፤ መሊሶም ናብቲ ክፉእ ሓጢኣት ኣይምለሱን እዮም። ኣጣል ግና ካብ መንጐአን ንሓንቲ ኣራዊት እንተ ወሰደለን፡ ንግዚኡ ብትን ይብላ እሞ መሊሰን ናብቲ ዝጸንሐኦ ቦታ ይምለሳ። ሓጥኣን’ውን ሓደ ካብኣቶም ብሞት እንተተወስደ፡ ንግዚኡ ሰንቢዶም ንስሓ ይኣትዉ እሞ ጽንሕ ኢሎም ናብቲ ዝነበርዎ ሓጢኣት ይምለሱ።

       በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ባህርያት ኣባጊዕ ናይ ጻድቃን ኣጣል ናይ ሓጥኣን ምሳሌ ኮይኖም ኣለዉ። ይኹን ደኣምበር በጊዕ ጻድቕ ጤል ሓጥእ ማለት ከምዘይኮነ ኩላትና ክንፈልጥ ይግባእ።

ናይ የማንን ጸጋምን ምሳሌ

   ጻድቃን ብየማን ዝቖሙ፡ የማን ናቶም ምሳሌ ስለዝኾነ እዩ፡-

  • የማን ቅልጡፍ እዩ፡ ጻድቃን’ውን ሃይማኖትን ምግባርን ንምምላእ ቅልጡፋት እዮም።
  • የማን ሓያል እዩ፡ ጻድቃን’ውን ሃይማኖትን ምግባርን ንምስራሕ ሓያላት እዮም።
  • የማን ስርሑ ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን’ውን ሃይማኖትን ግብርን ንምፍጻም ቅኑዓት እዮም።

ሓጥኣን ብጸጋም ዝቖሙ፡ ጸጋም ምሳሌኦም ስለዝኾነ እዩ፡-

  • ጸጋም ጠዋይ እዩ፡ ሓጥኣን’ውን ሃይማኖትን ምግባርን ንምስራሕ ጠዋያት እዮም፡ በዚ እንተበልካዮም በቲ እናበሉ ምኽንያት የብዝሑ።
  • ጸጋም ድኹም እዩ፡ ክብድ ዝበለ ስራሕ ምስራሕ ኣይክእልን እዩ። ሓጥኣን’ውን ሃይማኖታዊ ተግባር ንምፍጻም ድኹማት እዮም።
  • ጸጋም ምእዙዝ ኣይኮነን፡ ሓጥኣን’ውን ሃይማኖት ምግባር ንምስራሕ ምእዙዛት ኣይኮኑን። ቤተ ክርስቲያን ስለምንታይ ዘይትኸዱ፧ እንተተባህሉ፡ ‹ደኺመ›፤ ጸልዩ እንተተባህሉ ‹እግዝኣብሔር ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ› እናበሉ የመኽንዩ።

ህያዋንን ሙታንን ዝተባህሉ መን እዮም፧

ህያዋን፡- ንጻድቃን ህያዋን ይብሎም። ምኽንያቱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንከለዉ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ‹ህያው› ዘብሎም ሃይማኖትን ምግባርን ሓልዮም ሰለዝርከቡ እዩ።

ምውታን፡- ንሓጥኣን ምውታን ይብሎም። ምኽንያቱ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንከለዉ ኣብታ ትመጽእ ዓለም ህያዋን ከብሎም ዝኽእል ሃይማኖትን ምግባርን ሓልዮም ስለዘይተረኽቡ እዩ።