mm_logo3.jpg

ምሥጢረ ጥምቀት

ጥምቀት ማለት “አጥመቀ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ምእላኽ፡ ምጥላቕ፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ኣቲኻ ምውጻእ ማለት እዩ። ጥምቀት ብስም ሥላሴ ጸሎት ኣብ ዝተገብረሉ ማይ ሰለስተ ጊዜ ተሊቕካ ብምውጻእ ናይ እግዚአብሔር ውሉድነት እንረኽረበሉ ምሥጢር እዩ። እቲ ዝጥመቕ ሰብ ብዝረአ ኣገልግሎት(ስርዓት) ዘይረአ ጸጋ ውሉድነት ካብ እግዚአብሔር ክረክብ እንከሎ ብስጋዊ ዓይኒ ስለ ዘይረአ ጥምቀት ምሥጢር ይበሃል። ጥምቀት ክርስቶስ ዝመስረቶ፡ ነቲ ካልእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢራት ንምስታፍን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባል ንምዃንን ናይ መጀመርታ መእተዊ ዝኾነ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ንውለደሉ ምሥጢር እዩ። ባዕሉ ክርስቶስ ዝመስረቶ ልደት ንምዃኑ “እምበኣር ኪዱ እሞ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም።” እናበለ የረደኣና። (ማቴ 28፡19)

   ናይ ጥምቀት አድላይነት

 

  1. ብጥምቀት ድሕነት ይርከብ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝመሃረና ዘይተጠምቀ ሰብ ኣይድሕንን እዩ። ዝተጠምቀ ግና ከም ዝድሕን ብመዋእለ ትምህርቱ ከምዚ ክብል ምሂሩና እዩ። “ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክድሕን እዩ።” (ማር 16፡16) ዝኣመነ ይድሕን እዩ ጥራይ ዘይምባሉ፡ ጥምቀት ንድሕነት ከም ዘድሊ ከነስተውዕል ይግባእ።
  2. ብጥምቀት ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ ንውለድ። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ሓለቓ ኣይሁድ፡ ብለይቲ ናብ ጐይታ ክመሃር ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰብ ዳግማይ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን።” (ዮሓ 3፡3-6) ካብ ናይ ጐይታ ትምህርቲ እንግናዘቦ፡ ብዝርአ ስርዓት (ብማይ ዝግበር ጥምቀት) ውሉድ ሥላሴ ናይ ምዃን ጸጋ እንተ ዘይረኺብና፡ መንግስተ ሰማያት ክንኣቱ ከም ዘይንኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ምውላድ ግድን ክፍጸም ዘለዎ ሃይማኖታዊ ምሥጢር እዩ።
  3. ብጥምቀት ናይ ሓጢኣት ስርየት ይርከብ። ኣብ ዝተፈላለየ ግብሪ ሓጢኣት ዝነበሩ ሰባት፡ ዘይኣመንቲ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ብጥምቀት ይድምሰሰሎም እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ሓጢኣቱ ዝተደምሰሰሉ ሃዋርያ ክኸውን ኣብ ዝተጸውዓሉ እዋን ዘይኮነስ፡ ስም እግዚኣብሔር እናጸውዐ ኣብ ዝተጠመቐሉ እዋን እዩ። “ህጂኸ እንታይ ትጽበ ኣሎኻ፧ ተንስእ ስም ጐይታ እናጸዋዕኻ ተጠመቕ፡ ካብ ሓጢኣትካ’ውን ተሓጸብ በለኒ።” (ግ.ሃዋ 22፡16) ከምኡ’ውን ኣብ በዓለ ሓምሳ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብስብከት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ልቦም ኣብ ዝተተንከፈሉ ግዜ፡ ‹እንታይ ክንገብር፧› ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “ተነስሑ፡ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸኣ ነፍስወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ።” ኢሉ እዩ ዝመለሰሎም። (ግ.ሃዋ2፡37) ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት፡ ‹‹ሓጢኣት ብዝስረየላ ብሓንቲ ጥምቀት ንኣምን›› ዝብል ቃል ኣንቢሮምልና ኣለዉ።
  4. ብጥምቀት ንክርስቶስ ንመስሎ። ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ንመውት ምስኡ ኸኣ ንትንስእ። ኩሉ ክርስቲያን ንክርስቶስ ክመስል ይግብኦ እዩ። ጐይታ’ውን ‹ንዓይ ምሰሉ› ኢሉ እዩ። ስለዚ ንሞቱ ብዝመስል ሞት ምስኡ ሓቢርና፡ ንትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤ ኸኣ ምስኡ ሕብረት ይህልወና። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና ምስኡ ድማ ብህይወት ከም ንነብር ንኣምን። (ሮሜ 6፡8) ኣብ ቆላስይስ 2፡12 እውን፡ “ብጥምቀት ምስኡ ተቐቢርኩም፡ ብሓይሊ እቲ ካብ ምውታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንኩም ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።” ብምባል ብምጥማቕና ምስ ጐይታ ዘሎና ሕብረት ኣጉሊሑ የርእየና።
  5. ብጥምቀት ሓድሽ ህይወት ይርከብ። ክንጥመቕ ከለና እቲ ኣረጊት ሰብነትናተኣልዩ ሓድሽ ሰብነት ንለብስ። እቲ ኣረጊት ሰብነት ይመውት፡ይቕበር፡ ብሓድሽ ህይወት’ውን ይትካእ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ንኸረድእ፡ “እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ካብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓድሽ ህይወት ምእንቲ ክንነብር ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን።” (ሮሜ 6፡4) እምበኣር ብሓጢኣት ዝረስሐ ሰብነትና ዝሕደስ፡ ዝቕደስ፡ ሓድሽ ህይወት እንረክብ ብጥምቀት ኢና።
  6. ብጥምቀት ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ንኸውን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንህዝቢ ገላትያ ክምህር እንከሎ፡ “ከመይ ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም። ኩልኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም።” ይብል። (ገላ 3፡27-28)  እምበኣር እግዚኣብሔር ዝዓደሎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰብነት ዝለብስን ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ ዝኸውንን ብጥምቀት እዩ።
  7. ብጥምቀት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባል ንኸውን። ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ እግዚኣብሔር ህዝቢ ንምዃን ግዝረት ሃይማኖታዊ ግዴታ ነበረ። ነዚ እዩ ኸኣ ኩሎም ዝተወልዱ ክግዘሩ ሕጊ ዝወጸ። ግዝረት ከኣ ነቲ ዝመጽእ ጥምቀት ኣብነት ነበረ። (ቆላ 2፡11-13) ግዝረት ንህዝቢ እግዚኣብሔር ናይ ኣብርሃም ናይ ቃል ኪዳን ተሳተፍቲ ናይ ምዃን ትእምርቲ ከም ዝኾነ፥ ጥምቀት’ውን ብክርስቶስ ንዝኣምኑ ኩሎም ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝርከብ ጸጋ ተሳተፍቲ ይገብሮም። ስለዚ ብጥምቀት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ምዃንና ይረጋገጽ።

ናይ  ጥምቀት ምሳሌታት ኣብ ብሉይ ኪዳን

         ኖህን ስድርኡን ካብ ጥፍኣት ዝድሓኑላ መርከብ፡ ናይታ ኣማናዊት ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ምዃና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብዛ ብመርከብ ዝተመሰለት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ጥምቀት ካብ ፍዳ የንጽህ፡ ካብ ናይ ዲያብሎስ ማእሰርቲ የናግፍ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕነት ብጥምቀት ምዃኑ (ጥምቀት ከም ዘድሕን) ክገልጽ ከሎ “ማይ ናይቲ ሕጂ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ።” ኢሉ እዩ። (1ጴጥ 3፡20-21) ግዝረት ናይ እግዚኣብሔር ህዝቢ መፍለዪ ነበረ። ዘይተገዝረ ኩሉ ወዲ ኣብርሃም ኣይበሃልን ነበረ። ካብቲ ህዝቢ ተፈልዩ ክጠፍእ እግዚኣብሔር ኣዚዙ ኔሩ። (ዘፍ 17፡14) ስለዚ ግዝረት ንህዝቢ እግዚኣብሔር ግዴታ ከም ዝነበረ፡ ጥምቀት’ውን ነፍስወከፍ ክርስቲያን ክፍጽሞ ዝግባእ ሃይማኖታዊ ግዴታ እዩ። ግዝረት ናይቲ ዝመጽእ ጥምቀት ምሳሌ ምዃኑ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ እንከሎ “ከምኡ ድማ ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ ብእኡ ተገዘርኩም። እዚ እቲ ብኢድ ሰብ ዘይኮነስ ብክርስቶስ ዝግበር ግዝረት እዩ። ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብሓይሊ እቲ ካብ ምውታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ብምእማንኩም ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።” (ቆላ 2፡11-12)

      እስራኤላውያን ንባሕሪ ኤርትራ ምስጋሮም ካልእ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ ከሎ “ኣሕዋተየ፡ ንኹላቶም ኣቦታትና ደመና ከም ዘጽለለሎም፡ ኩላቶም’ውን ባሕሪ ኤርትራ ከም ዝተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ክትኮኑ ኣይፈቱን እየ። ኩላቶም ድማ ሰዓብቲ ሙሴ ክኾኑ ብደመናን ብባሕርን ተጠምቁ።” በለ። (1ቆሮ 10፡1-2) እስራኤላውያን ሰዓብቲ ሙሴ ምእንቲ ክኾኑ ብደመናን ብባሕርን ከም ዝተጠምቁ፡ ንሕና’ውን ሓድነትና ምስቲ ብደሙ ካብ ሓጢኣትና ዝሓጸበና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ንጥመቕ።

ጥምቀት ጐይታ

      ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥምቀት ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም ዝነበሩ ኣይሁድን ከም ናይ ዮሃንስ መጥምቕን ኣይኮነን። ጥምቀት ኣይሁድ ንትእዛዛት ኦሪት ንዝጠሓሰ ሰብ ዝግበር ዝነበረ ናይ ማይ ምሕጻብ እዩ። (ዘሌ15፡1-33) ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ከኣ ናይ ንስሓ ጥምቀት እዩ ኔሩ። (ማቴ3፡5-6) ጐይታ ኣብ ሰላሳ ዓመቱ ብኢድ ዮሃንስ ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፡ ከም ናይ ኣይሁድ ስርዓት፡ ንምንጻህ ወይ ከም ናይ ዮሃንስ ጥምቀት ናይ ንስሓ ኣይነበረን። ጐይታ ዝተጠመቐ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያት እዩ፦

  1. ሓድነቱን ሰለስትነቱን ንኸረድእ እዩ። ቅድሚኡ ናይ ሥላሴ ሰለስትነት ብጋህዲ ኣይፍለጥን ነበረ። ጐይታ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ደበና ኾይኑ፡ “ዝፈትዎ ወደይ ንሱ እዩ” ብምባሉ ናይ ወልድ ኣቦ ምዃኑ ተፈልጠ። መንፈስ ቅዱስ’ውን ናይ ባህርይ ህይወቱ ምዃኑ ብኣምሳለ ርግቢ ኣብ ርእሱ ክዓልብ እንከሎ፡ ወልድ ኸኣ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ተራእየ። በዚ ኸኣ ሰለስትነቱ ኣረድአ።
  2. ናይ ዕዳ ደብዳቤ ንኽድምስስ። ኣዳምን ሄዋንን ንፈጣሪኦም ኣሕዚኖም ካብ ገነት ምስ ወጹ፡ ዲያብሎስ ኣብ ጸልማት ኣሲሩ፡ መከራ ኣብዚሑ ‹ኣዳም ናይ ዲያብሎስ ኣገልጋሊ እዩ፤ ሄዋን ከኣ ናይ ዲያብሎስ ኣገልጋሊቱ እያ ኢልኩም ስመ ባርነትኩም ጺሒፍኩም ሃቡኒ እሞ መከራኹም ከቕልለልኩም እየ› በሎም። ንሳቶም’ውን መከራ ዘቕልለሎም መሲሉዎም ከም ዝበሎም ገበሩ። ዲያብሎስ’ውን ነቲ ናይ ጽሕፈት ዕዳ፡ ነቲ ሓደ ኣብ ሲኦል፡ ነቲ ካልእ ኸኣ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣንበሮ። ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ ናይ ጽሕፈት ዕዳ ጐይታ ኣብ እዋን ጥምቀቱ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ደምሰሰልና። ነቲ ኣብ ሲኦል ዝነበረ ኸኣ ብዕለተ ዓርቢ ንሲኦል ዘሚቱ ነፍሳት ነጻ ከውጽእ እንከሎ ኣጥፍኣልና። (ቆላ 2፡13-15፤ 1ጴጥ 3፡19)
  3. ትንቢት ንኽፍጽም እዩ። “ኦ ኣምላኽ ማያት ረኣዩኻ፡ ማያት ረኣዩኻ እሞ ተሸበሩ። እወ መዓሙቕ ባሕሪ ተናወጸ።” (መዝ 77፡16) ዝብል ትንቢት ብምንባሩ ነቲ ትንቢት ንኽፍጽም እዩ ዝተጠምቀ።
  4. ንዓና ኣብነት ክኾነና እዩ። ንሱ ተጠሚቑ ተጠመቑ እንተዘይብለና ኔሩ ብዙሓት ‹ጥምቀት ኣየድልን እዩ ዘድሊ እንተዝኸውን ኔሩ ጐይታ ተጠሚቑ ኣብነት ምኾነና ነይሩ› እናበሉ ካብ ጥምቀት ንኸይክልከሉ ባዕሉ ተጠሚቑ ኣርኣያ ኮነልና።

 

ሀ.  ጐይታ ንምንታይ ኣብ 30 ዓመቱ ተጠመቐ፧

      ጐይታ ክብ ኢሉ ብኣርባዓ ትሕት ኢሉ ኸኣ ብዕስራ ዓመቱ ዘይተጠመቐሉ፡ ንሰላሳ ዓመት ሓልዩ ዝተጠመቐሉ ምኽንያት፡ ንግዚኡ ብመሰረት ሕገ ኦሪት ንኣገልግሎት ክህነት ዝሕረ ሰብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ስለዝነበረ፡ ጐይታ ድማ ናይ ሊቀ ካህናት ተግባር፡ መምህርነቱን ናይ ምድሓን ስርሑን ንምጅማር ኣብ ሰላሳ ዘመኑ ተጠመቐ። ብኻልእ ወገን’ውን ኣዳም ወዲ ሰላሳ ዓመት ሰብ ኮይኑ ተፈጢሩ፡ ብኣርብዓ መዓልቱ ዝረኸባ ውሉድ ሥላሴ ናይ ምዃን ጸጋ፡ ብሰይጣን ተታሊሉ ስኢኑዋ ስለዝነበረ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ንቀዳማዊ ኣዳምን ደቁን ናብ ዝቐደመ ክብሮም ንምምላስ እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣመጻጽእኡ ኣዳም ብሰላሳ ዘመኑ ንዝሰኣና ጸጋ ንኽመልስ ምዃኑ ንምርዳእን፡ ደቂ ሥላሴ ናይ ምዃን ጸጋ ዝወሃብ’ውን ብጥምቀት ምዃኑ ንምርግጋጽን ብሰላሳ ዘመኑ ኣብ ባሕሪ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሃንስ ተጠምቀ።

      ለ. ጐይታ ንምንታይ ብማይ ተጠምቀ፧

ጐይታ ብማይ ዝተጠመቐ፡ ንሕና’ውን ብማይ ክንጥመቕ ኣዚዙና እዩ። ጥምቀት ንምንታይ ብማይ ኮይኑ፡ ክርስቶስከ ንምንታይ ብጸባን ብመዓርን ዘይተጠመቐ፧ እንተበልና፡ መልሱ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-

  • ጥምቀት ዝተሰርዐ ንኹሉ ስለዝኾነ፡ ሃብታም ይኹን ድኻ ብቐሊሉ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ማይ ብምዃኑ እዩ።
  • ብማይ ቀደም ሰብኣ ትካት፡ ደሓር ግብጻውያን ብማይ ድሕሪ ምጥፍኦም፡ ደቂ ሰባት ‹ማይ ንመዓት እምበር ንምሕረት ኣይተፈጥረን› ኢሎም ይሓስቡ ስለዝነበሩ ንምሕረት’ውን ከም ዝተፈጥረ ንኸፍልጥ ንጥምቀት ብማይ ገበሮ።

 

 

ሐ. ጐይታ ኣብ ዮርዳኖስ ንምንታይ ተጠመቐ፧

ጐይታ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠመቐ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ። “ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት፡ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኮረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ። ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፡ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድሕሪት እተመለስካ፧” (መዝ114፡3-5) ዝብል ትንቢት ስለዝነበረ ጐይታ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠመቐ።

እቲ ትንቢቱ ከምዚ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ምሳሌኡ ኸኣ፡ ኣብርሃም ካብ ገንዘቡ ዕሽር ኣውጺኡ ንዮርዳኖስ ሰጊሩ፡ ናብ መልከ ጼዴቅ ክኸይድ እንከሎ፡ ናይ ሳሌም ንጉስ መልከ ጼዴቅ ናይ ኣብርሃም ምምጻእ ፈሊጡ ሕብስተ ኣኮቴት(ናይ ምስጋና ሕብስቲ) ጽዋእ በረከት ኣዳልዩ ጸንሖ። እዚ ኸኣ መልከ ጼዴቅ ናይ ካህናት፡ ኣብርሃም ናይ ምእመናን፡ ዮርዳኖስ ናይ ጥምቀት፡ ሕብስቲ ኣኮቴት ናይ ስግኡ፡ ጽዋእ በረከት ናይ ደሙ ኣብነት(ምሳሌ) እዮም። ከምኡ’ውን ኢዮብን ንእማንን ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቖም ካብ ዝነበሮም ደዌ ስጋ ተፈዊሶም እዮም። ንስኻትኩም’ውን እንተ ተጠሚቕኩም ካብ መከራ ነፍስ ክትድሕኑ ኢኹም ክብለና ኢሉ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠመቐ።

ዮርዳኖስ ሓደ ሩባ ክኸውን እንከሎ፡ ትሕት ኢሉ ብሓደ ደሴት ናብ ክልተ ተመቒሉ፡ ዮርን ዳኖስን ተባሂሉ ይፈላለ። ዮር ብእስራኤል ወገን ዘሎ ክኸውን ከሎ ዳኖስ ከኣ ብኣህዛብ ወገን ዘሎ እዩ። ትሕት ኢሎም ከኣ ክልቲኦም ይራኸቡ እዮም። ኣብቲ መራኸቢ ኸኣ ጐይታ ተጠመቐ። እዚ ምሳሌነት ኣለዎ፡- ዮርዳኖስ ምንጩ ሓደ ምዃኑ ኩሎም ደቂ ሰባት ውሉድ ሓደ ኣዳም ከምዝኾኑ ከረድእ እዩ። ትሕት ኢሉ ምፍልላዩ፡ እስራኤል ብኦሪት፡ ኣህዛብ ብጣኦት ከም ዝተፈላለዩ ክገልጽ እዩ። ትሕት ኢሉ ምርኻቡ ኸኣ ብሓደ ወንጌል ናይ ምእማኖም ምሳሌ እዩ። ጐይታ ኣብቲ መራኸቢ ምጥማቑ፡ ንኹልኹም ሓደ ክገብር መጺአ ኣለኹ ክብል እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምስጢሩ፡ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ ናይ ጽሕፈት ዕዳ ጐይታ ኣብ እዋን ጥምቀቱ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ንኽድምስሰልና እዩ።(ቆላ 2፡13-15)

ናይ ህጻናት ጥምቀት

ናይ ጥምቀት ምሳሌታት ኣብ ብሉይ ኪዳን ከምዝረኣናዮ፡ ናይ ኣብርሃም ዘርኢ ኩሎም ናይ እግዚኣብሔር ወገን ንኽበሃሉ፡ ኣብ ሻሙናይ መዓልቶም ይግዘሩ ነበሩ እምበር፡ ከም ኣቦኦም ኣብርሃም ክሳብ ዝሽምግሉ ይጸንሑ ኣይነበሩን። ግዝረት እምበኣር ከም ጥምቀት ስለ ዝኾነ፡ ቤተ ክርስቲያን ጥምቀት ንህጻናት ትፍጽም። እምነት ናይዞም ተጠመቕቲ ህጻናት ከኣ ናይ ኣቦኦምን ኣዲኦምን፡ ወይ ናይ ባልገ(ኣባሊጋ) እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንህጻናት እተጥምቖም እምበኣር እዚ መሰረት ብምግባር እያ። ጐይታ’ውን ንሃዋርያት ክእዝዞም እንከሎ፡ ‹ኪዱ ንኣህዛብ እናጥመቕኩም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም› ደኣ በለ እምበር፡ ህጻናት ዓበይቲ እናበለ ኣይፈላለየን። ጥምቀት ናይ ዘለኣለም ህይወት መውሃቢ ስለ ዝኾነ፣ ህጻናት ኣይጥመቑን ምባል ህጻናት መንግስቲ ኣምላኽ ኣየድልዮምን ከም ምባል እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሃይማኖት ብናይ ስጋ ጥበብ ዝርከብ ከምዘይኮነ ስለ እትፈልጥ፡ ዋላ እኳ ብስጋ ነኣሽቱ እንተኾኑ ህጻናት ንኸይጥመቑ ኣይትኽልክልን እያ። “ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን።” ከም ዝብል፡ (ዮሃ 15፥16) ጐይታ’ውን ብዛዕባ ህጻናት “ህጻናት ናባይ ክመጹ ሕደግዎም” ኢሉ እዩ። (ማቴ 19፥13፤ ማር10፥15፤ ሉቃ 18፥15) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ነቶም እግዚኣብሔር ዘጽደቖም ዝኹንኖም መን እዩ፧” ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 8፥33) ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ ጐይታ ትምህርቲ፡ ናይ ሃዋርያት ስርዓት፡ ናይ ሊቃውንቲ ትውፊት ተጠቂማ ንህጻናት ተጥምቖም ኣላ። ንቐጻሊ’ውን ከተጥምቕ እያ። ሃዋርያት ንህጻናት ከነጥምቕ ከምዝግባእ በዞም ዝስዕቡ መረዳእታታት ምሂሮምና እዮም፦

  • ናይ በዓለ ሓምሳ ጥምቀት፡-

ሃዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ተቐበሉ፡ ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ኣይሁድ ተጠሚቖም እዮም። (ግ.ሃዋ 2) ኣብዚ ኩላቶም ዓበይቲ ነይሮም ከይንብል ሃዋርያት ንኹላቶም ዓበይትን ህጻናትን ከይበሉ ኣጥሚቖሞም እዮም። ብስብከት ቅዱስ ጴጥሮስ ኩላቶም “እንታይ እሞ ንግበር፧” ምስ በሉ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ “ተነስሑ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸኣ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ተጠመቑ፡ እግዚኣብሔር ዝህቦ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም። ምኽንያቱ እቲ ተስፋ ንዓኻትኩምን ንደቅኹምን…” ይብል። እዚ ኸኣ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ብዕድመ ከምዘይውሰን የመልክተና።

  • ናይ ስድራቤት ልድያ ጥምቀት

ልድያ ብስብከት ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኣመነት ኣደ እያ። ምስ ኣመነት’ውን ምስ ኩላቶም ስድራቤታ ተጠምቀት። ነገር ግና ናይ ልድያ ስድራቤት ኩላቶም ዓበይቲ ጥራይ ነይሮም ማለት ዲዩ፧ ብናይ መን እምነትከ ተጠምቁ፧ ብናቶም እምነት ኣይኮነን ብናይ ልድያ እምነት እዮም ዝተጠመቑ። በዚ እዮም እምበኣር ህጻናት ብናይ ወለዶም እምነት ዝጥመቑ። (ግ.ሃዋ 16፡11-15)

  • ናይ ስድራቤት ቅዱስ እስጢፋኖስ ጥምቀት

ቅዱስ ጳውሎስ “ናይ እስጢፋኖስ ስድራቤት ከኣ ኣጥሚቐ ኣለኹ” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። ካብ ኩላ እታ ስድራቤት ህጻናት የለዉን ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን። ንዓበይቲ ምሂሩ ኣእሚኑ፡ ንህጻናት’ውን ብእምነት ናይ ስድርኦም ኣጥሚቕዎም እዩ። (1 ቆሮ 1፥16)

  • ጥምቀት ሓላዊ ቤት ማእሰርትን ስድርኡን

ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ፡ ንኽሕልዎም ዝተኣዘዘ ወትሃደር ብዘይ ሓሰቦ ኣምላኻዊ ጥበብ ተጸዊዑ እዩ። በዚ ኸኣ ምስ ኩላቶም ስድራቤቱ ተጠመቐ። ቅዱስ ጳውሎስ እምበኣር ነጻጺሉ ኣጥመቐ ተባሂሉ ኣይተጻሕፈን። (ግ.ሃ 16፡33)

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ መሰረት እምበኣር፡ ሰብ እንተ ዘይተጠምቀ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ኣይክእልን እዩ። (ዮሃ 3፥5) ቤተ ክርስቲያን ንህጻናት ወዲ ብኣርብዓ፡ ጓል ከኣ ብሰማንያ መዓልቲ ተጥምቕ። ኣብ ኦሪት ሓንቲ ሰበይቲ ወዲ እንተ ወለደት ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ፡ ጓል እንተ ወለደት ከኣ ኣብ መበል ሰማንያ መዓልቲ ናብ ቤት መቕደስ መስዋእቲ ሒዛ ትኣቱ ነበረት። (ዘሌ 12) ምኽንያቱ ኸኣ ሓንቲ ሰበይቲ ቅድሚ ኣርብዓ መዓልቲ ወይ ቅድሚ ሰማንያ መዓልቲ ስለ ዘይትነጽህ እዩ። እታ ቕድሚ ምውላዳን ድሕሪ ምውላዳን ቅድስትን ንጽህትን ዝነበረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ጐይታ ምስ ተወልደ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ሒዛቶ ከም ሕጊ ኦሪት ክትፍጽም ናብ ቤት መቕደስ ኣትያ ኢያ። (ሉቃ 2፡22) እዚ ስርዓት እዚ ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተመስረተ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። በዚ ኸኣ ወዲ ብኣርብዓ መዓልቲ ጓል’ውን ብሰማንያ መዓልቲ ይጥመቑ። ይኹን እምበር ከም ናይ ኦሪት መስዋእቲ ሒዝካ ምኻድ ኣየድልን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ብፍቓዶም መስዋእቲ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዝፍጠሩ ኣብ ኣርብዓን ሰማንያን መዓልቶም ጸጋ እግዚኣብሔር ከምዝተቐበሉ፣ ህጻናት’ውን ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብዚ ግዜ እዚ ንጹህ ስጋ ዝነበሮም ንጹህ ስጋ ምእንቲ ክህልዎም ኣብ ኣርብዓን ሰማንያን መዓልቶም ይጥመቑ። ዋላ እኳ ቤተ ክርስቲያን ብ ኣርብዓን ሰማንያን ክጥመቑ ትኣዝዝ እምበር፡ እቲ ህጻን ወይ እታ ህጻን መዓልታት ጥምቀቶም ከይኣኸለ፡ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም እንተሓመሙ ቅድሚ መዓልትታት ጥምቀቶም ከም ዝጥመቑ ትገብር እያ።

ናይ በይቲ ጥምቀት

ናይ ዓበይቲ ጥምቀት ኣፈጻጽማ ከም ናይ ሃዋርያት ትእዛዝ መሰረት ናብ ክርስትና ዝመጹ ሰባት፡ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ ክርስትና ድሕሪ ምክትታሎም እዩ። (ሲኖዶስ 8፡32፤ ኒቅያ ዓንቀጽ 19) ምኽንያቱ ክርስትና ብፍታውን ብፍቓደኝነትን እምበር ብግዴታ ስለ ዘይኮነ፡ አቐዲሞም ትምህርቲ ክርስትና ከምዝመሃሩ ይግበር፡ ደሓር ብግልጺ ኣሚኖም “እክህደከ ሰይጣን” ‹ሰይጣን ይኸሕደካ ኣለኹ› ኢሎም ሃይማኖቶም መስኪሮም ይጥመቑ።

   ናይ ቤተ ክርስቲያንና ተልእኾ፡ ንዘርኢ ኣዳም ብምሉኡ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሔር ምብቃዕ (ምእታው) ስለ ዝኾነ፡ “ሕጂኸ እንታይ ትጽበ ኣሎኻ ተንስእ ስም ጐይታ እናጸዋዕካ ተጠመቕ፡ካብ ሓጢኣትካ’ውን ተሓጸብ በለኒ።” ከም ዝተባህለ፡ ዓበይቲ ሰባት ናብ ክርስትና እንተ መጺኦም ኣስተምሂራ ምስ ኣእመነቶም ቀልጢፋ ተጠምቖም። (ግ.ሃዋ 22፡16)

 

 

ብስም መን ንጥመቕ፧

ዝኣመነ ሰብ ብስም መን  ክንጥመቕ ከምዘለዎ መምርሒ ዝሃበና፡ ናይ ጥምቀት መስራቲ ዝኾነ፡ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከምዚ ብምባል፡- “እምበኣር  ኪዱሞ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ 28፡19) ሃርያዊት ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣምላኻዊ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቐት ትነብር ኣላ። ሃዋርያት ክርስትና ኣብ ዘስተምህሩሉ ዝነበሩ እዋን “ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ” እናበሉ የጠምቑ ከም ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ነንብብ ኢና። እዚ ማለቶም ግና ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ትእዛዝ ኣፍሪሶም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ በዓለ ሓምሳ ከካብ ሃገሩ ዝተኣከቡ ኣይሁድ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብናይ ነቢያት ኣንደበት(ቃል) ክወርድ እዩ፡ ክውለድ  እዩ፡ እናተባህለ ዝተነግረሉ መሲሕ (ክርስቶስ) ክመጾም ተስፋ  ይገብሩ ብምንባሮም፡ ሃዋርያት ከኣ እቲ  ናይ ተስፋ ቃል ከም ዝተፈጸመ፡ ከም ቃሉ ድማ  ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብስጋ ተወሊዱ ሳላሳን ሰለስተን ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ተማላሊሱ፡ ስለና ብዙሕ መከራ ተቐቢሉ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ንደቂ  ሰባት ብደሙ ዘድሓነና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ እቲ ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ ምዃኑ ኣሚኖም ብስሙ ከይተጠመቑ፡ ኣብርሃም ኣቦና እግዚኣብሔር  ኣምላኽና፡ ዝብል እምነት ጥራይ ሒዞም ዝተርፉ እንተኾይኖም፡ ከም ዘይድሕኑ ንኸረድእዎም (ንኸስተምህርዎም) ብስም ኢየሱስ አሚኖም ንኽጥመቑ፡ ‹ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ› ብምባል የጠምቕዎም ነበሩ። (ግ.ሃ 2፡38፤ ዮሃ 8፡37-42) እዚ ኸኣ ተጠመቕቲ ናይ ጐይታና መድሓንነትን መሲሕነትን ኣሚኖም ንኽቕበሉ እዩ።

ዓይነታት ጥምቀት

ጥምቀት ብመሰረቱ  ዝፍጸም ብማይ እዩ። ነገር ግና ኩሉ ግዜ ደቂ ሰባት ሙሉእነት ሃልዩና ክንነብር ስለ ዘይንኽእል፡ ናብ ናይ እግዚአብሔር መንግስቲ ካብ ምእታው መታን ከይንኽልከል ጥምቀት ዝፍጸመሎም  ሰለስተ መንገድታት አለዉ።  እዚ ማለት ግና ሰለስተ ዓይነት ጥምቀት  አሎ  አየስምዕን። ጥምቀት ሓንቲ እያ። ነገር ግና ናይ ጥምቀት ባህርን ዕላማን ሓደ ኾይኑ ሰለስተ ዓይነት ግና አለዎ። ዝርዘሩ ቀጺሉ ቀሪቡ አሎ።

    ሀ. ናይ ማይ ጥምቀት

ናይ ማይ ጥምቀት መሰረቱ ሕገ ወንጌል እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ስለ ነገረ ጥምቀት ክምህሮ እንከሎ “ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን።” (ዮሃ 3፡5) ከም ዝበሎ፡ ንሕና ናይ ጐይታና ትእዛዝ ንምፍጻም ብማይ ነጠምቕን ንጥመቕን። (ፍ/ነገስት ዓ/3)

  ጥምቀት ብማይ ዝኾነሉ  ምሥጢር  ብኸምዚ ዝስዕብ  ይግለጽ፦

  • ማይ መልክዕ የርኢ እዩ። ንሕና እውን ብማይ ምስ እንጥመቕ ናይ ሥላሴ ምሥጢር፡ ነገረ እግዚኣብሔር  ብዓይነ ሕልናና  ንርኢ። “ሃበነ እግዚኦ ኣእይንተ ኣእምሮ” (ኦ ጐይታ  ዘስተውዕል ዓይነ ልቦና ሃበና) ከም ዝብል ቅዳሴ እግዚእ።
  • ማይ ርስሓት ናይ ስጋ የጽሪ ንሕና’ውን ብማይ ተጠሚቕና ካብ ርስሓት ናይ ነፍሲ ከም ንጸሪ ንርዳእ።
  • ማይ ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ክረኽቦ ዝኽእል እዩ፦ ጥምቀት እውን ብማይ ዝተሰርዐ ንሃብታም ንድኻ፡ ንዝተማህረ ንዘይተማህረ፡ ከይበለ ከም ዝፍጸም ንኸረድእ እዩ። “መንፈስ ኣምላኽ ድማ አብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።” ከም ዝብል፡ ነዚ መንፈስ እግዚአብሔር ተቐቢልና መንፈሳውያን ንምዃን ብማይ ንጥመቕ። (ዘፍ 1፡2)
  • ብዘይ ማይ ህይወት ዘለዎ ኩሉ ፍጡር ኣይንቀሳቐስን እዩ። ብማይ ዝተሰርዐት ጥምቀት ካልኣይ ዘይተወልደ ኩሉ ኸኣ ምዉት እዩ። ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ከም ዝረአናዮ ማይ ናይ ኩሉ መሰረት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ምስዚ ትርጉም ተሰማሚዑ ዝኸይድ ቃለ እግዚአብሔር ንመንግስተ ሰማያት ምሳሌ ኮይኑ ተጠቒሱ ንረኽቦ።

ቅዱስ ያሬድ “ከልሀ ወይቤ ዘጸምአ ይምጻእ ሃቤየ ወይስተይ” (ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ ዝደለየ እውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ) ብምባል፡ ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሃንስ ንዝጸሓፎ ቃል ዘዝየሞ፡ ነዚ ክምስክር እዩ። (ራእ 22፡17፤ አንቀ.ብር) ጐይታ’ውን ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ “እቲ አነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘልአለም ህይወት ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ እምበር፡ ንዘልአለም አይክጸምእን እዩ።” በለ። (ዮሃ 4፡14)

     ለ. ናይ ንብዓት ጥምቀት

      ናይ ንብዓት ጥምቀት ክንብል ከለና፡ ኣብ ዘይምእማን ዘነበረ እሞ ዘኣመነ፡ ብልቡ አሚኑ ብዝገበሮ ሓጢኣት ሓዚኑ (ተጣዒሱ) ንብዓቱ እንተ ኣፍሰሰ፡ ወይ ከኣ ዘጥምቖ ካህን ስኢኑ ብዘይምጥማቑ እንተ ሓዘነን እንተ ነብዐን፡ እሞ ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ማለት ከይተጠመቐ ምስ ዝመውት፡ እግዚአብሔር ብሞት ሓጥእ ደስ ስለዘይብሎ ንብዓቱ ከም ጥምቀት ይሕሰበሉ። (ህዝ 18፡23) እዚ ክንብል ከለና ግና ኣብ ግዜ ሽግር ካህን ኣብ ዝተሳእነሉ ንጥምቀት ዝኸውን ግዜ ኣብ ዘይተረኽበሉ እዋን ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።

      ሐ. ናይ ደም ጥምቀት

       ኣቐዲሞም ዘይአመንቲ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ንምጥማቕን ንናይ ክርስቶስ ቤተሰብ ንምዃን ወሲኖም፡ ነዚ ንምብቃዕ ኣብ ትምህርቲ እንከለዉ፡ ቅድሚ ምጥማቖም ስለ እምነቶም ክብሉ ብዓላውያን (ብኸሓድያን) ነገስታት ኮነ ብኢድ ካልእ ብሰማእትነት እንተሓሊፎም፡ እቲ ዘፍሰስዎ ደም ጥምቀት ኮይኑ ይቑጸረሎም። ቅዱስ ቄርሎስ “ጥምቀት ዘይተቐበለ ዝኾነ ይኹን ሰብ ድሕነት አይረክብን፡ ብደም ጥምቀት ብሰማእትነት ዝሓለፉ ሰማእታት ግና ብማይ'ኳ እንተ ዘይተጠመቑ ድሕነት ክረኽቡ እዮም።” ዝበሎ ነዚ ንምርዳእ እዩ።

 

ተጠራጠርቲ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ዘቕርብዎ ሕቶ

  1. ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ህጻናት ጥምቀት ክነቕፉን ትኽክል ከምዘይኮነ ክዛረቡን ይስምዑ። ከም መረዳእታ ዘቕርብዎ ኸኣ፤ “ዝኣመነ ዝተጠምቀ ይድሕን።” ንዝብል ኣብ ማር 16፤16 ዝርከብ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ‹መጀመርታ እምነት ይቕድም፡ ንምእማን ከኣ ምምሃር፡ ምፍላጥ፡ ኣሚነ ተቐቢለዮ ምባል ይግባእ። ህጻናት ግና ዝፈልጥዎ ነገር ስለዘየልቦ ኣይኣምኑን። ስለዚ ዘይኣመኑ ህጻናት ከኣ ምጥማቕ ግቡእ ኣይኮነን› ይብሉ።ኣቀራርብኦም ንየዋሃን ከጋጊ እኳ እንተ ኸኣለ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ዘይብሉ ብምዃኑ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንን ንዝፈልጡ ሰባት ከታልሉ ኣይክእሉን እዮም። ብመጀመርያ ‹ህጻናት ከይኣመኑ› ንዝብልዎ፡ መንፈስ ቅዱስ ዝሓድር ኣብ ንጹህ ሰብነትን ኣማኒ ሰብን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ንህጻናት ከም ዝወሃብ እዩ ዝነግረና። “ካብ ማህጸን ከይወጻእካ ቀደስኩኻ።” (ኤር 1፡5) ከምኡውን “ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ መንፈስ ቅዱስ መልኦ።” (ሉቃ 1፡15) ብምባል ነቢይ ኤርምያስን መጥምቀ መለኮት ዮሃንስን ኣብ ማህጸን ኣዲኦም እንከለዉ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተባረኹ ይገልጸልና። በዚ ኸኣ ህጻናት እምነት ከም ዘለዎም ክንርዳእ ንኽእል። ከምኡውን ነፍስ ወከፍ ሰብ ብእምነቱ ኮነ ብምግባሩ ንህጻናት እንተ ዘይመሲሉ ንመንግስተ ሰማይ ከም ዘይወርስ ተገሊጹ እዩ። “ንህጻን ጸዊዑ ኣብ መንጎኦም ደው ኣበለ ከም ህጻናት እንድሕሪ ዘይኮንኩም መንግስተ ሰማያት ኣይትኣትዉን ኢኹም።” (ማቴ 19፡15፤ ማር 10፡13፤ ሉቃ 18፡15) ክብል ከሎ፡ ህጻናት ብኹሉ ነገር ፍጹማን ስለዝኾኑ ‹ከም ህጻናት ቂም በቐል ኣይትሓዙ ፍጹም እምነት ይሃሉኹም› ማለቱ ከምዝኾነ ክንርዳእ ይግባእ። በዚ መሰረት ከኣ ቤተ ክርስቲያን ህጻናት ናይ ተፈጥሮ ንጽህና (ንጽሐ ጠባይዕ) ከለዎም፡ ነወዳት ብኣርብዓ መዓልቲ ነዋልድ ብሰማንያ መዓልቲ ብምጥማቕ ካብ ሥላሴ ከም ዝውለዱ ትገብር። እዚ ስርዓት ከኣ ካብ ኦሪት ዝነበረ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ ዘሌ 12፡1-8 ከነንብብ ንኽእል። ከምኡ’ውን ኣወዳት ብኣርብዓ ኣዋልድ ብሰማንያ ዝጥመቑሉ ምሥጢር ናይ ኣዳምን ሄዋንን ናይ ልደት ምሳሌ እዩ። ኣብ ዝተፈጥሩሉ ምድሪ ኣዳም ብኣርብዓ ሄዋን ብሰማንያ መዓልቲ ረኺቦማ ዝነበሩ ጸጋ ስኢኖማ ስለዝነበሩ፡ ንሕና ኸኣ እዚ ጸጋ ንኽምለሰልና በዘን መዓልታት ንጥመቕ።

  ብተወሳኺ’ውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ንጥምቀት ህጻናት ዝምልከት ዝተገልጸ፡ ህጻናት ብእምነት ወለዶም ይጥመቑ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስድራቤት ልድያ፡ እስጢፋኖስ፡ ሓላዊ ቤት ማእሰርትን ቆርነሌዎስን ዝተጠመቑ ህጻናት ብናይ ወለዶም እምነት ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ህጻናት ብናይ ወለዶም እምነት ከም ዝድሕኑ ከኣ፡ ነቶም ብእምነት ወለዶም ካብ ደዌ ስጋ ዝተፈወሱ ህጻናት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። (ማቴ 8፡5-13፤ ማር 7፡24-29)

  1. እቲ ኻልኣይ ናይ ወንጌል ቃል ብምጥዋይ ዘቕርብዎ፡ ‹ብስም ኢየሱስ ጥራይ ክንጥመቕ ኣለና እምበር ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክንጥመቕ የብልናን› ዝብል እዩ። ነዚ ከም መርትዖ ጌሮም ዘቕርብዎ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ” ዝበሎ እዩ። (ግብ.ሃዋ 2፡38) እቲ ሃዋርያ ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ደቂ ሰባት ብደሙ ዘድሓነ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ ምዃኑ ኣሚኖም ብስሙ እንድሕሪ ዘይተጠሚቖም፡ ብመንገዲ እቶም ኣብርሃም ኣቦና እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብዝብል እምነት ጥራይ ኣሚኖም፡ ንጐይታ ዝሰቐልዎ ኣይሁድ  ዝጐዓዙ እንተ ኾይኖም ከምዘይድሕኑ፡ ብመሲሕ ኣሚኖም ብስሙ እንድሕር ተጠሚቖም ከምዝድሕኑ ክምህሮም ስለዝደለየ፡ ናይ ጐይታ ስም ፈልዩ ጸውዐ እምበር ጥምቀት ብስም ሥላሴ ከምዝኾነ ወንጌል ምስክር እዩ። (ማቴ 28፡19)