mm_logo.jpg

እምነት

    እምነት ማለት፡- ካብ “ኣምነ- ኣመነ” ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ነዚ ዝረአ ግዙፍ ዓለምን ዘይርአ ረቂቕ ዓለምን ሰራዒ ፡መጋቢ፡ ፈጣሪ፡ገዛኢ ኣለዎ። ንሱ’ውን እግዚኣብሔር እዩ ኢልካ ብፍጹም ልብኻ ምእማን እምነት ይበሃል። (ዕብ 11፡1) እምነት እግዚኣብሔርን ሰብን ዝራኸቡላ ናይ ህይወትን ድሕነትን መንገዲ ኢያ። ንሳ’ውን ቅንዕቲ ጐደና ካብ ጥንቲ ዝጸንሐት ኣብ ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ናይ ሰላምን ዕረፍትን መንገዲ እያ።(1ዮሃ 4፡2-3፣ ኤፌ 4፡5፣ ኤር 6፡16፣ ዘዳ 32፡7) እዛ እምነት  እዚኣ ካብ ዓለመ መላእኽቲ ዝጀመረት ኮይና፡ ቅዱስ ገብርኤል፡ “ፈጣሪና ክሳብ ንፈልጥ ኣብ ዘለናዮ ንጽናዕ” ኢሉ ዝሰበኸላ እያ። “ንቕሑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ” (1ቆሮ 16፡13) ካብቲ ቐዳማይ ፍጥረት ኣዳም፡ ጀሚሮም’ውን ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት በዛ እምነት እዚኣ ሓሊፎም እዮም። 318 ሊቃውንቲ፡ ‹ቅድሚ ተግባር ስጋ፡ ተግባር ነፍሲ፡ ቅኑዕ ሃይማኖት ምምሃር ይግባእ። ምኽንያቱ ሃይማኖት መሰረት፣ ምግባር ድማ ህንጻ ስለዝኾነ› ኢሎም ምሂሮም እዮም። ንሕና’ውን ኣሰር ኣቦታትና ተኸቲልና፡ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ በታ ዝሓለፍዋ’ውን ክንሓልፍ መጽሓፍ ቅዱስ ይእዝዘና እዩ። “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን ከምዝሞቱን ኣስተዊዕልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።” (ዕብ 13፡7፤ ኢዮ 8፡8-10፤ 1ነገ 21፡3)

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ናይ ግሪኽ ኮይኑ “ኦርቶ“ ማለት ቅኑዕ (ትኽክል) ማለት እዩ። “ዶክስ“ ማለት ከኣ ሃይማኖት ወይ እምነት ማለት እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ‹ቅኑዕ ሃይማኖት(ርትዕት ሃይማኖት)› ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እታ እምነት ብቐጥታ ካብ ሃዋርያት ከም ዝተወርሰትን፡ ትምህርታ’ውን ብምንፍቕናን ፍልስፍናን ዘይተበረዘ፡ ሓቀኛ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ምዃኑ ዘመልክት ስም እዩ። ተዋህዶ ማለት ድማ ቃልን ስጋን ዝተወሃሃደ ማለት እዩ፡፡ “ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንነብር ከም ዝግብኣና ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ።” (1ጢሞ 3፡15፤ ኤር 6፡16፤ ኤፌ 2፡19-20፤ ይሁ 1፡3፤ ዮሃ 14፥6)

ህይወት ክርስትና

ክርስቲያን ማለት ሰዓቢ ክርስቶስ ማለት እዩ። “እቶም ደቂ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን ተባሂሎም ተሰምዩ።” (ግ.ሃዋ 11፡26፤ ማቴ 16፡24) ህይወት ክርስትና ማለት ከኣ ናይ ክርስቲያን መንነት ዘርኢ መንፈሳዊ ስእሊ ማለት እዩ። ሓደ ክርስቲያን ድማ ብኹልንትንኡ ንክርስቶስ ክመስል አለዎ። (1ዮሃ 2፡6) “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም’ውን ብኹሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ።” ከም ዝብል። (1ጴጥ 1፡15-16፤ ዘሌ 19፡2) ክርስቲያን ንክርስቶስ ክመስሎ ኣለዎ ክበሃል ከሎ ድማ፡-

ሀ. ብኣተሓሳስባ፡- “እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ።” (ፊልጵ 2፡5፤ ሮሜ 12፡2)

ለ. ብኣዛራርባ፡- “ኣዘራርባኹም ኩሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፡ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን።” (ቆላ 4፡6) “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን ከከም ዘድልዮም ከኣ ክሃንጽ ዝኽእል ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” (ኤፌ 4፡29) “እቲ ኣፉን መልሓሱን ዝሕሉ ሰብ ካብ ጸበባ ይድሕን።” (ምሳ 21፡23፤ ማቴ 12፡37/26፡73፤ ያዕ 3፡2)

ሐ. ብግብርን ብኣነባብራን፡- “ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ንዓይ ምሰሉ።” (1ቆሮ 11፡1) “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” (ማቴ 5፡16፤ ግ.ሃ 4፡32-35፤ 1ጴጥ 2፡12፤ ፊሊ 2፡15፤ ዮሃ 13፡15፤ 1ዮሃ 3፡16)

መ. ብኣከዳድና፡- “ከምኡ’ውን ኣንስቲ ርእሰን ብምቑናን ወይ ብወርቂ፡ ወይ ብዕንቍ፡ ወይ ብኽቡር ዝዋግኡ ክዳውንቲ ምግያጽ ዘይኮነ፡ ግቡእን ትሕትና ዘርእን ክዳን ይከደና።”፡ “ሰበይቲ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን ፡ሰብኣይ ድማ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዝገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ፉንፉን እዩ።” (ዘዳ 22፡5፡ 1ቆሮ 11፡5-15፤ 1ጴጥ 3፡1-5፤ 1ጢሞ 2፡9-10)

እዚ ኣነባብራ እዚ ድማ ከም ቓሉ መሰረት፡ በታ ፍጽምቲ ዝኾነት ፍቕሪ ዝተኣስረ ክኸውን ኣለዎ። “ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ግና ንኹለን ኣሲራ ኣብ ፍጻሜ እተብጽሕ ፍቕሪ እያ'ሞ ልበስዋ።” (ቆላ 3፡14) ከምዝበሎ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብፍቕሪ ክንነብር ይግብኣና እዩ።

ጸሎተ ሃይማኖት

ጸሎተ ሃይማኖት ንሓድነትን ሰለስትነትን እግዚኣብሔር፡ ንኣምላኽነት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ንምሥጢረ ሥጋዌን ነገረ ድሕነትን፡ ጥምቀት፡ ትንሳኤ ሙታንን ዝመጽእ ህይወትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣናቅጸ ሃይማኖት(ዶግማታት) ዝሓዘ መግለጺ እምነት ዝኾነ ጸሎት እዩ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ኣብ ጉባኤ ኒቅያን፡ (325ዓ.ም) ጉባኤ ቁስጥንጥንያን (381ዓ፣ም)፡ ምእመናን ኣብ ቅንዕቲ እምነት ክጸንዑን፡ መናፍቓን ክፍለዩን ተባሂሉ ዝተወሰነ እኳ እንተኾነ፡ ትሕዝትኡ ግና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ፡ ናይ ጐይታን ሃዋርያትን ትምርቲ ዝሓዘ እዩ። ስለዚ ንጸሎተ ሃይማኖት ኩሎም ምእመናን ከም ኣቡነ ዘበሰማያት ብቓሎም ኣጽኒዖም ክጽልይዎን ክምስክሩሉን ይግባእ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዲያቆን ‹ንበል ኩልነ በጥበበ እግዚኣብሔር ጸሎተ ሃይማኖት-ኩላትና ብጥበብ እግዚኣብሔር ጸሎተ ሃይማኖት ንበል› ክብል እንከሎ፡ ኩሎም ቀደስትን ኣቐደስትን ብዓውታ፡ ብዜማ ወይ ብድጋም ክጽልይዎ ይግባእ። ኩላትና ከነጽንዖ ስለዝግባእ ድማ ካብዚ ቀጺሉ ምሉእ ትሕዝትኡ ብትግርኛ ቀሪቡ ኣሎ።

ሀ. ኩሉዝሓዘ ሰማይን ምድርን ዝርአን ዘይርአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን ። (ዕብ 11-6፤ ዘዳ 64)

ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጠረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ ኣብ ዋሕድ’ውን ንኣምን። (ዮሃ 175)

ካብ ብርሃን ዝተረኸበ ብርሃን፡ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኸበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ፡ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። ዮው 1030

ኩሉ ብእኡ ዝኾነ ብዘይክኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይ ኣብ ሰማይ ምንም ዝተፈጠረ የልቦን። ዮው 13፡

ምእንታና ምእንቲ ሰብ፡ ምእንቲ ድሕነትና ካብ ሰማያት ዝወረደ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ። (ሉቃ 135፤ ዮሃ 1፡14)

ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጲላጦስ ጰንጤናዊ፡ ምእንታና ተሰቐለ፡ ሓመመ (መከራ መስቀል ተቐበለ)፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተንሰአ። (1ቆሮ 153-4)

ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ንህያዋንን ንምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ።መንግስቱ’ውን መወዳእታ የብሉን። (ሉቃ 24፡50፤ ግ.ሃዋ 2፡33፤ ራእ 2212-13፡ ዳን 7፡14፤ 1ጢሞ 316)

ሐ. ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ ኣብ ብዝሰረጸመንፈስ ቅዱስ’ውን ንኣምን። ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ብነቢያት ዝተዛረበ እዩ። (መዝ 957፤ .ሃዋ 2825-29)

መ. ልዕሊ ኹሉ ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን።

ሰ. ሓጢያት ንምስትስራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ንኣምን። (ኤፌ 45)

ረ. ትንሳኤ ምውታንን ንዘለአለም ዝመጽእ ህይወትን ተስፋ ንገብር። ኣሜን።

ትምህርቲ እግዚኣብሔር 

ትምህርቲ እግዚኣብሔር ማለት ናይ እግዚኣብሔር ህላወን ክብርን ዝገልጽ ትምህርቲ እዩ። እግዚኣብሔር ማለት፡ ቃል ብቓሉ ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ኣለዎ።  “እግዚኣ“ ፈጣሪ ወይ ጐይታ ማለት ክኸውን እንከሎ፡ “ብሔር” ኸኣ ዓለም ማለት እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ማለት ‹ፈጣሪ ዓለም› ‹ጐይታ ዓለም› ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ዝብል ስም ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ናይ ሓድነት ስሞም እዩ።

ህልውና እግዚኣብሔር

እግዚኣብሔር መጀመርታ ኮነ መወዳእታ የብሉን፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኩሉ ግዜ ህልው እዩ። (ራእ 1፡8) እግዚኣብሔር ህልው ከምዝኾነ ኸኣ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከነረጋግጽ ንኽእል፡-

  ሀ. ናይ ፍጥረት ሥነ ሥርዓት ፡- ኣብዚ ዓለም ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ስርዓቱ ከይተዛብዐ፡ ክረምትን ሓጋይን፡ ለይትን ቀትርን፡ ግዚኡ ከይተፋለሰ ምንባሩ፡ ከምኡ’ውን ልደትን ኣተዓባብያን ናይ ደቂ ሰባት ስርዓቱ ሓልዩ ምኻዱ፡ ሓደ ፈጣሪ፡ መጋቢ፡ ሰራዒ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።   ነቢይ ዳዊት’ውን እዚ ስርዓት እዚ ክብሪ ናይ እግዚኣብሔር ዘርኢ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡- “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግር።” ይብል። (መዝ 19፡1) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “ከመይ ዘመኻንይዎ ምእንቲ ክስእኑ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ።” እናበለ እግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ከም ዝፍለጥ ይገልጽ። (ሮሜ 1፡20፤ ኢዮ 12፡7-10 ኢሳ 40፡26)

  ለ. ናይ ሕልና ምስክርነት፡- ሕልና ኣብ ሰብነት ዝርከብ ጽቡቕን ሕማቕን ዘፍልጥ ወይ ዘስተብህል ብእግዚኣብሔር ዝተወሃበና መንፈሳዊ ናይ ስምዒት መርማሪ እዩ። ዝኾነ ሰብ ናይ ውሽጢ መንፈሳዊ ሕጊ ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። በዚ መሰረት ንሕልንኡ እንተ ተገዚኡ ጽቡቕ ተግባር ፈልዩ ክፈልጥ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7፡14-23፤ 1ጢሞ 1፡19፤ ሮሜ 2፡15፤ ሮሜ 9፡1)

. ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ታሪኽን ምስክርነት፡- እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት ኩሉ፡ ብታሪኽ’ውን እንተኾነ ዝተረጋገጸ እዩ። ንኣብነት ጐይታ ብዛዕባ ምጽኣት ከስተምህር ከሎ ከም ዝፍጸሙ ዝተዛረቦም ነገራት፡ በብግዚኡ ይፍጸሙ ምህላዎም እግዚኣብሔር ዘሎን ዝነበረን፡ ንዘለኣለም ዝነብር ኣምላኽ ምዃኑን ዘረድእ እዩ። (ማቴ 24፡1-15) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ፡ እግዚኣብሔር ህልው ከምዝኾነ ይምስክር እዩ። (ኢሳ 43፡10-13፤ ራእ 22፡12-13፤ ኢሳ 44፡6) ነቲ ኣምላኽ የልቦን ዝብል ሰብ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሻ ሰብ ይብሎ። (መዝ 14፡1፤ መዝ 10፡4፤ መዝ 53፡1)

ባህርያት እግዚኣብሔር

ብሓፈሻ ባህርያት ክበሃል ከሎ ናይ ሐደ ነገር እንታይነት መንነት ዝገልጽ እዩ። ባህርያት እግዚኣብሔር ክበሃል ከሎ ኸኣ ናይ እግዚኣብሔር ዕምቆቱ ዘይምርመር ምዃኑ ዝነግር እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ባህርያት ከም ናይ ፍጥረታት ባህርያት ዝብጻሕ ዝምርመር ኣይኮነን። “ኣየ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን፡ ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቚ እዩ፡ ንፍርዱ ክምርምሮ ዝኽእል የልቦን፡ ንመንገዱ ክእስሮ ዝኽእል'ውን የልቦን።” (ሮሜ 11፡33-36፤ ሉቃ 10፡22፤ ሲራ 18፡4-5፤ ኢዮ 11፡7-11፤ መዝ 145፡3፤ መዝ 147፡5፤ ሲራ 3፡21-23) ባህርያት እግዝኣብሔር ክንብል እንከለና፦

ሀ. እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ መሉእ እዩ፦ እግዚኣብሔር ብግዜን ቦታን ዘይውሰን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ኩሉን ብኹሉን ምሉእ እዩ። (ኤር 23፡23-24፤ መዝ 139፡7-10፤ ግ.ሃዋ 7፡48-50)

ለ. እግዚኣብሔር ኣይልወጥን እዩ፡- ምልዋጥ ማለት ብቦታ ብግዜ ኣቐዲሙ ዝነበረ ደሓር ግና ካልእ ክኸውን እንከሎ ማለት እዩ። ንእግዚኣብሔር ግና እዚ ኩሉ ኣባሃህላ እዚ ክገልጾ ኣይክእልን  እዩ። ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ዝነበረ ባህርዩ፡ ድሕሪ ዓለም ምፍጣሩ ዘሎ ባህርዩ ንዘለኣለም ኣይልወጥን እዩ። “ኣነ እግዚኣብሔር ኣይልወጥን እየ፡ ስለዚ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ጭራሽ ኣየጥፈኣኩምን እየ።” (ሚል 3፡6) “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ንሱ ነቲ ዝብሎ ይገብሮ ነቲ ዘተስፍዎ ይፍጽሞ።” (ዘኍ 23፡19) “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።” (ዕብ 13፡8፤ ማቴ 24፡35፤ ሮሜ 11፡22፤ ያዕ 1፡17)

ሐ. ብባህርዩ ኣይርአን እዩ። “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ።” (ዘጸ 33፡20) “ንሱ በይኑ ዘይመውት ሓደ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ክርእዮ’ውን ዘይክእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር እዩ። ንዕኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹኖ ኣሜን።” (1ጢሞ 6፡16፤ ቆላ 1፡15) ስለዚ እግዚኣብሔር ብባህርዩ ዘይርአ ክኸውን እንከሎ፡ ባዕሉ ብፍቓዱ ተገሊጹን ብስጋ ተራእዩን እዩ። “ኣብርሃም ብሃርሃረት ቀትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ተቐሚጡ እንከሎ እግዚኣብሔር ኣብተን ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ዘለዋኦ ተገልጸሉ።” (ዘፍ 18፡1፤ ዳን 7፡13-14፤ ራእ 14፡1) “ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ዝሰማዓናዮ በዒንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ በእዳውና ዘረምሰስናዮ ቃል ህይወት ንነግረኩም ኣሎና።’’ (1ዮሓ 1፡1) “እንሆ ብደመና ይመጽእ ኣሎ፡ ኩሎም ሰብ፡ እቶም ዝወግእዎ ከይተረፉ ክርእይዎ እዮም።’’ (ራእ 1፡7-8፤ 1፡14፤ ሮሜ9፡5፤ ገላ 4፡4-5፤ ማቴ 1፡21-23)

መ. እግዚኣብሔር ቅዱስ እዩ፡- ቅዱስ ማለት ምስጉን፡ ፍሉይ ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ካብ ኩሉ ዝተፈለየ ብባህርዩ ቅዱስ እዩ። “ኦ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ብቕድስና ከማኻ ዝኸበረ፡ ብግርማ ከማኻ ዝተፈርሐ፡ ገባሪ ተኣምራት መን ኣሎ፧” (ዘጸ 15፡11) “ኣነ ቕዱስ እየ'ሞ ቅዱሳን ኩኑ።” (1 ጴጥ 1፡15፤ ዘሌ 19፤2) “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን…” (ራእ 4፡8፤ መዝ 99፡5፤ ኢሳ 43፡15፤ ኢሳ 6፥3፤ ሉቃ 1፡49)

ሰ. እግዚኣብሔር ፈቃር እዩ፡- እግዚኣብሔር ፈቃር እዩ ክበሃል እንከሎ በቲ ብቓልን ብግብርን ኣብ ፍጥረቱ ዘርኣዮ ፍቕሪ ኢና ነረጋግጽ። (1ዮሓ 4፡7-11) እዚ ስለዝኾነ ኸኣ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ክሳብ መስቀል ኣፍቀረና። “እግዚኣብሔር ንህዝቡ ኣነ ኩሉሳዕ አፍቅረኩም ኢየ በሎም።” (ሚል 1፡2) “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃ 3፡16) “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ'ሞ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ።” (ሮሜ 5፡8)

ኣስማት እግዚኣብሔር

ስም ማለት ናይ ሓደ ነገር መጸውዒ ወይ መለለዪ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ እግዚኣብሔር ስም ግና ንባህርዩ ዝገልጽ፡ ከም ስሙ ከም ዝሰርሕ’ውን ዘርኢ እዩ። (ዘጸ 15፡3፤ ኣሞ 4፡13)

. ናይ እግዚኣብሔር  ስም ኣብ ብሉይ ኪዳን፡-

  • ኤል፦ ማለት ስም እግዚኣብሔር ኮይኑ ሓያል ኣምላኽ ማለት እዩ። (ዘጸ 23፡20-21፤ ዘፍ 35፡6)
  • ኤልሻዳይ፦ ማለት ኩሉ ዝኽእል፣ ዝሰኣኖ ነገር ዘይብሉ ማለት እዩ። (ዘፍ 17፡1፤ ዘፍ 18፡14፤ ሉቃ 1፡37)
  • ያህዌ፦ ስም እግዚኣሔር ኮይኑ፡ትርጉሙ ድማ ዝነበረን፡ ዘሎን፡ ዝነብርን ማለት እዩ።
  • ኣዶናይ፦ ማለት ጐይታ ማለት እዩ። ‹ኣዶን› ዝብል ቃል ምስ ዝተፈላለዩ ኣስማት ተዛሚዱ ይርከብ። ንኣብነት፦ ኣዶንያስ(ያህዌ ጐይታ እዩ)፡ ኣዶኒራም (ጐይታይ ልዕል ዝበለ እዩ) ኣዶናይ ማለት እግዚኣብሔር ማለት ኮይኑ፡ ኣብ ትንቢተ ህዝቅኤል ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ እግዚኣብሔር ዝብል ቃል ኣዶናይ ዝብል ቃል ተኪእዎ ይርከብ።

. ናይ እግዚኣብሔር ስም ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡- 

እዚ ስም እዚ እግዚኣብሔር ኣብ ሓድሽ ኪዳን ስጋ ሰብ ተዋሃሂዱ ዝገበሮ ናይ ድሕነት ተግባራት ዝገልጽ ስም እዩ። ንሱ ኸኣ፦

  • ኢየሱስ፡- ማለት ቃሉ ናይ ግሪኽ ኮይኑ መድሃኒት (ፈውሲ) ማለት እዩ። (ማቴ 1፡21)
  • ክርስቶስ፡- ማለት ቃሉ ናይ ግሪኽ ኮይኑ ዝተቐብአ /ቅቡእ/ ማለት እዩ። ብእብራይስጥ ድማ መሲሕ ይብል። (ዮሃ 17፡5፤ ዮሃ 4፡25)
  • ኣማኑኤል፡- ኣማኑኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ስጋ ሰብ ተዋሃሂዱ፣ ብተዋህዶ ሰብ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ድማ ሰብ ከም ዝኾነ ዝገልጽ እዩ። (ማቴ 1፡22፡ ኢሳ 7፡14)
  • መድኃኔ ዓለም፡- ናይ ዓለም መድሃኒት ማለት እዩ። (ዮሃ 1፡29፤ ዮሃ 4፡42፤ ዮሃ 3፡16፤ ሉቃ 2፡11፤ 1ዮሃ 4፡14)
  • ቃል ወይ ከኣ ወልድ፡- እዚ ስም እዚ ካብ ሰለስተ ኣካላት ንሓደ ዝውክል ኮይኑ ወልድ ካብ ኣብ ከም ዝተወለደ ናይ ባህርይ ወዱ ምዃኑ ዝውክል (ዝገልጽ) ስም እዩ። (ዮሃ 1፡1-14፤ ራእ 19፡13)
  • ጐይታ፡- ማለት ላዕለዋይ፡ ሓላፊ፡ ካልኦት ዝእዘዝዎ፡ ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ ድማ ክብሪ፡ ስልጣን፡ ገዛእነትን መምህርነትን ዘርኢ ስም እዩ። (ግ.ሃዋ 2፡36፤ ዮሃ 20፡28፤ ኣሞ 4፡13)
  • ኣልፋን ኦሜጋን፡- ማለት መጀመርታን መወዳእታን ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን ማለት እዩ። (ራእ 22፡13፤ ራእ 1፡8)
  • ወዲ ሰብ (ወዲ ዳዊት) ፡- እዚ ስም እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ካብ ዘርኢ ዳዊት ከም ዝተወለደ ዝገልጽ ስም እዩ። (ሉቃ 18፡37-38፤ ማቴ 1፡1-17፤ ማቴ 16፡13)
  • ሊቀ ካህናት፡- ኣብ ሥርዓተ ክህነት ሓለቓ ማለት እዩ። (ዕብ 3፡1፤ ዕብ 4፡14፤ ዕብ 7፡26-27)
  • ሕያዋይ ጓሳ፡- “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ።” (ዮሃ 10፡11፤ 1ጴጥ 2፡25፤ ራእ 7፡17)