mm_logo.jpg
mm_logo3.jpg

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ማኅበረ ማርያም ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ርኽቡና (ተወከሱና)

Facebook Link Twitter Link YouTube Link

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ ኣምላክ ኣሜን!

በእንተ ሥዕለ ትንሣኤ

ቅዱሳት ኣሥእል ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና ዕዙዝ ቦታ ከም ዘለዎም ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ብዛዕባ ካብ ተጠራጠርቲ ብዛዕባ ስግደትን ኣኽብሮ ቅዱሳት ኣሳእልን ምስ ኣምልኾ ባዕዲ ምስልታትን ጣዖትን ተሓናፊጹ ንዚለዓል ሕቶታት ብዙኃን ኣኀው በቢጊዜኡ ዝመለስዎ ስለዝኾነ ንሎሚ ናብኡ ኣይንኣቱን ኢና፡፡ ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡ ብዛዕባ ስእሊ ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ኣመጸጽኣኡን ትርጉሙን ክንርኢ ኢና፡፡   

ቅዱሳት ኣሳእል ነቶም ፊደል ዘይቈጸሩ ምእመናን ከም ወንጌል ኮይኑ ዜገልግል፡ ነቲ ኣብ አምላካውያት (መንፈሳውያን) መጻሕፍትን ትውፊተ ቤተ ክርስቲያንን ዝመሃር መሠረተ እምነትና (ዶግማ) ዜንጸባርቕእዩ፡፡እዚጥራይዘይኮነነቲኣብውሽጢቤተክርስቲያንዝፍጸምሥርዓተኣምልኾዝያዳዝሕግዙን፡ምስቶምኣብቲስእሊተወኪሎምተሳኢሎምዘለዉቅዱሳን፡ኣብኣምልኮተእግዚአብሔርዘለናሕብረትዘጕልሑንእዮም፡፡

ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ክርስትና፡ ክርስቲያናት ብኣይሁድን ብነገስታት ሮማን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸበባ ስለዝነበሩ፡ ምልክታዊ ብዝኾኑ ነገራት(ፊደላት፡ መልሕቕ፡ ዓሳን ዑፍን ወዘተ) ይጥቀሙ ነበሩ እምበር ንኣምልኾኦም ዜርኢ ኣሳእል ይጥቀሙ ኣይነበሩን፡፡ እቲ ምልክታት ከኣ በቶም ክርስቲያን ጥራይ ዝፍለጥ ነበረ፡፡ ( The Symbolism of early church was characterized by being understood by initiates only. Jenner Henry 2004) ንኣብነት እቲ ዝውቱርን ክሳብ ቆስጠንጢኖስ ኣርማ ናይ መንግስቱን፡ ሰራዊቱን ባጤራኡን ጌርዎ ዝነበረ፡ ካብተን ብቛንቋ ግሪኽ ቀዳሞት ፊደላት ስም ክርስቶስ χρɩστός (ΧΡΙΣΤΟΣ) ዝኾና /ኺ-χ/ን /ሪዮ-Ρ/ን (Chi and Rio) ኣመሳቒሎም፡ በቶም ኣሳደድቲ ከይተፈለጡ ከም ምልክት ክርስትና ይጥቀሙለን ነበሩ፡፡ 

 

 

ንስእሊ ዓሳን ስሙ’ውን ከም ምልክት ምጥቃም ኣዝዩ ግኑን ለምዲ ነበረ፡፡ ምኽንያቱ ኸኣ ብቛንቋ ግሪኽ ዓሳ ΙΧΘΥΣ (ICHTYS) ኪኸውንከሎ፡ሓሙሽቲአንፊደላት ኪትንተናኸለዋ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላክ መድኃኒ ዝብል ትርጉም ስለ ዝህባ እዩ፡፡

አልፋን ኦሜጋን(/α ወይ Α/ ን /ω ወይ Ω/) ዝብላ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ፊደላት ግሪኽውን፡ ኣብ ራእየ ዮሃንስ 22፡13 ዘሎ ቃል ጐይታ መሠረት ብምግባር ኣብ መንጎ ክርስቲያናት ፍሉጥ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይን ዳሕረዋን ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ጐይታ ምልክት ነበረ፡፡ 

ብድሕሪ እዚ እምበኣር ካብ ብምልክት ጥራይ፡ ስእላዊ መግለጺ ምስ ተጀመረ፡ ንክርስቶስ ብሕያዋይ ጓሳ፡ በጊዕ ተሰኪሙ እንከሎ ዜርኢ ስእሊ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ግበበ ምድር (Catacomb) ተረኽቦታት ዝጥቀስ እዩ፡፡ 

ኣብ ከባቢ 350 ዓ.ም ዝተሳእለት፡ ነታ ኺሪዮ(ΧΡ) እትብል ምልክት ኣብ ትሕቲኣ፡ እቶም በቲ ምንውዋጽ ዝወደቑ ወትሃደራት ዘለውዋ ስእሊ ካብተን ቀዳሞት ኣሳእል ትንሳኤ እያ፡፡ እቲ ኣብ ዙርያ እተን ፊደላት ዘሎ ኽቢ ኸኣ፡ ንፍጹም ዓወት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዜርኢ እዩ፡፡ ስእለ ትንሳኤ ብፍላይ ምስተን ኣብ ነገረ ክርስቶስ ጽዑቕ ዝኾነ ዝርርብ ኣብ ዝተኻየደለን ራብዓይ፡ ሓሙሻይን ሻድሻይን ክፍለ ዘመናት፡ ምስቲ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ናጽነት ኣምልኾ ብምሃቡ፡ ክርስቲያናት ካብ ፍርሒ ነገስታት ሓራ ኮይኖም፡ ንእምነቶም ብግሁድ እምበር ብምልክታት ምኽዋል ስለ ዘየድለዮም፡ ብዘይካ ጐይታ፡ ምስ ትንሳኤ ዝተሓሓዝ ታሪኽ ዘለዎም ሰባትውን ኣብ ስእለ ትንሳኤ ክውከሉ ብምጅማሮም፡ እቲ ስእሊ ካብ ምልክታውነት ሓሊፉ ስእላዊ እናኾነ መጸ፡፡  እዚ ማለት ጐይታ፡ ኣብቲ ኣታኽልቲ ንማርያም መግደላዊት ኪግለጸላ እንከሎ፡  ክልተ መላእኽቲ ኣብ መቓብር ጐይታ፡ ቶማስ ንትንሳኤኡ ኪጠራጠርን ኪኣምንን ከሎ፡ መንገድን መኣድን ኤማሁስ ወዘተ፡ ንትንሳኤ ክርስቶስ ከመይ ከም ዝነበረ ዜረድኡ፡ ካብ ዛንታታት ወንጌል ዝተዋጽአ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣሳእል ክሰኣሉ ጀመሩ፡፡ 

 

ኣብ ቤተ ክርስቲያንናን ኣብ ጥንታውያን ኦሪየንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ኣብ ጥንታውያን ስእልታት ትንሳኤ እንረኽቦም ኣሳእል፡ ጐይታ ካብ መቓብር ኪትንስእ ከሎ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ ሲኦል ዘለዉ ነፍሳት ሓራ ከውጽእ እንከሎን፡ ንሞት(ንዲያብሎስ) ከም ዝኣሰሮን ዜርኢ እዩ፡፡ ብፍላይ እታ ቀንዲ ኩነት ንኣዳምን ሄዋንን ብኽልተ ኢዱ ሒዙ ካብ ሲኦል ኬውጽኦም ከሎ እተርኢ እያ፡፡ በዛ ስእሊ እዚኣ ኸኣ እቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምማቱ፡ ንሞት ቀቲሉ፡ ነቲ ሓያል ኣሲሩ፡ ንነፍሳት ሓርነት ከም ዝሰበኸሎም፡ ንኣዳም ምስ ደቁ ሓራ ከም ዘውጽኦም፡ እትምህረና ትምህርቲ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኢና ንረኽቦ፡፡  

አብትውፊትናይምብራቕኦርቶዶክስኣብያተክርስቲያናትውን፡ንትንሳኤክርስቶስ፡ናብሲኦልወሪዱንነፍሳትከምዘውጽኦምብዜርኢኩነትእዩዝሰኣል፡፡

          ኣብ ትምህርቶም እውን፡ እታ ክርስቶስ ክትንስእ እንከሎ ዝነበረት ኩነት፡ ብደሓር ዘመን ዝኣተወት ቅዲ ኣሰኣእላ እያ ደኣ እምበር ካብ ጥንቲ ዝነበረ ስለዘይኮነ ኣይሰኣልን እዩ ኢሎም ይምህሩ እዮም፡፡ እዚ ክርስቶስ ካብ መቓብር እናወጽአ፡ እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ እምኒ ሒዙ፡ እቶም ወትሃደራት ከኣ ወዲቖም ዜርኢ ስእሊ ካብ 11 ክ/ዘ ንደሓር፡ ዝያዳ ኸኣ ኣብ 16ን 17ን ክ/ዘ፡ ብብዝሒ ዳርጋ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዝተለምደ፡ ምሁራን ይገልጹ፡፡ (Kalokyris. The essence of Orthodox Iconography)

ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ስእለ ትንሥኤ፡ ኣብ ብዙሕ ዘመናት ብዝተፈላለየ ኣሰኣእላ እናተሳእለ፡ ኩሉ ግና ንሓደ ናይ ክርስቶስ ነገረ ትንሣኤን፡ ናይ ነፍሳት ካብ ሲኦል ምውጻእን፡ እቲ ኣብኡ ዝተገብረ ተኣምራትን ዝምስክር ስለዝኾነ፡ ነቲ ሥእሉ እናረኣና፡ ንኣምላክና ስለቲ ዓቢይ ኃይሉን፡ ብዙሕ ትሕትንኡን እናኣድነቕና፡ ከነመስግኖ ንነብር ኣሎና፡፡ 

ክርስቶስ ተንስአ እሙታን-በዓቢይ ኀይል ወሥልጣን፤  ኣሰሮ ለሰይጣን-ኣግዐዞ ለአዳም፤ ሰላም- እምይእዜሰ፤  ኮነ-ፍሥሐ ወሰላም፡፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ክርስቲያናዊ ስነ ምግባር

ጾም

    ጾም ብቃላዊ ትርጉሙ ጾመ፡ ሓደገ፡ ተኸልከለ፡ ተሓረመ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲዝተረኅበ ቃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ መብልዕን መስተን ብምኽልካል፡ ከምኡ’ውን ካብ ናይ እንስሳታት ውጽኢትን፡ ዊንታ ስጋኻን ብምሕራም ፍቓድ ስጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ምግዛእ ማለት እዩ። (ዳን 10፡3) ናይዚ መስራቲ ድማ ኣብ ብሉይ ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። (ኢዩ 2፡13-15፣ ማቴ 4፡1-2) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ “ንጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ክጸግቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም፡፡” ኢሉ ከም ዝመሃረና፡ (ማቴ 5፡6) ኣብነት ክኾነናን ጾም ከም ዘድሊ ክነግረናን ከሎ፡ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ፡፡ (ማቴ 4፡1-2)  (ግ.ሃዋ 14፡23፣ ሮሜ 14፡17፣ ኣስ 4፡16፣ ግ.ሃዋ 13፡3፣ መዝ 35፡13፣ 2ሳሙ 12፡16-17፣ ማቴ 6፡16፣ ዘጸ 34፡28፣ ማቴ 17፡21)

    ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎታት ሓደ ኾይኑ፡ ንስጋ መንፈሳዊ ልጓምን፡ ጸዋሚ ሰብ ፍቓደ ስግኡ እናገትአ ንነፍሱ ዘለምልመሉ ስንቂ እዩ፡፡ ‹‹ጾም ቁስሊ ነፍሲ ትፍውስ፡ ሓይሊ ፍትወት ተድክም፡ ናይ ሰናይ ግብሪ መጀመርታ፡ ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ እተውህብ፡ ናይ ስራሕ ወንጌል መጀመርታ፡ ንዝፍጽምዋ ክብሮም፡ ናይ ደናግል ስልማት ንጽህና፡ መግለጺ ንጽህና፡ ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ ኣርምሞ እትምህር፡ ናይ ኩሉ ሰናይ ነገር መጀመርታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሰብነትካ ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብካ ንምግባር እትረድእ መድሓኒት ነፍሲ እያ፡፡›› (ማር ይስሓቅ ኣንቀጽ 4)

    እንጾሞ ጾም እግዚኣብሔር ክቕበሎ እንተደኣ ኾይኑ፡ ካብ ክፋእ ርሒቕና፡ ነብስና ገቲእና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላክና ብንጹህ ልቢ ክንጸውም ይግብኣና። እግዚኣብሔር እውን እቲ ንሱ ዝፈትዎ ጾም ከመይ ምዃኑ ክነግረና ከሎ፡ “ክትጾሙ ከለኹም ትበኣሱን ትከራኸሩን ብሕሱም ጉስጢ ትዋቕዑን ኣለኹም፡፡ ጸሎትኩም ኣብ ላዕሊ ከም ዝስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘለኹም፡፡ …እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዝስዕብ እዩ። ንመእሰር እከይ ምፍታሕ፡ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፤ ኣርዑት ባርነት ዘበለ ኩሉ ምስባር፡ እንጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል፡ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል…እዩ፡፡” ይብለና፡፡ (ኢሳ 58፡3-12)። ስለዚ ጾምና እግዚኣብሔር ዝቕበሎ ምእንቲ ክኾነልና፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ተሰኪምና፡ ኣጽዋር ክርስትና ሓዚልና፡ ስነ-ምግባር ሰኒቕና ክንጸውም ይግባእ፡፡ (ገላ 5፡22-25)

ናይ መንፈሳዊ ዜማ መሳሪሒታት

    ማህሌት ማለት ‹ሃለየ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ‹ምምስጋን፡ ምዝማር፡ ምውራብ፡ ምድራፍ፡ ምቕናይ፡ እናዜምካ ምስጋና ምቕራብ› ማለት እዩ። ደረፈ ክንብል እንከለና ግና መንፈሳዊ ምስጋና ማለትና እዩ እምበር ንስጋዊ ነገር ዝምልከት ኣይኮነን። (ኤፌ 5፡19-20) ማህሌት ብስርዓት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ውሽጢ መቕደስ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ብጸናጽል፡ ብኸበሮ፡ ብመቖምያ፡ ብዓብይን ብንኡስን መረግድ ዝቐርብ ምስጋና ኮይኑ፡ ካብ መቕደስ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ኣገልግሎት ከኣ ብተወሳኺ እምብልታ፡ በገና፡ ሻምብቆ፡ መለኸት፡ መሰንቆ(ዋጣ) እናተጠቀምካ ዝቐርብ ምስጋና እዩ። መሳርሒታ ዜማ ነቲ ዜማ ንምዕጃብ፡ ድምቀት ንሃብ፡ ወይ ከኣ ነቶም ዘዝይሙ ዘለዉ ሰባት ነቲ ህርመት እናተኸተሉ ብስምረት ንኸዚምዎ ዝሕግዙ መሳርሒታት እዮም፡፡ 

ዓትነት መሳሪሒታት

  1. ከበሮ፡- ‹ከብረወ› ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ጸፍዐ፡ ሃረመ፡ ደሰቐ ማለት እዩ። ከበሮ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝውዕል፡ ካብ እንጨይቲ ተጓሕጊሑ ወይ ኸኣ ካብ ብሩር፡ ወርቂ፡ ሓጺን ዝኣመሰሉ ነገራት ተሰሪሑ፡ ብየማንን ብጸጋምን ብቖርበት ተወጢሩ ዝስራሕ፡ ድምጺ ዘለዎ ናይ ዜማ መሳርሒ እዩ።

ከበሮ ኣብ ዘመነ-ብሉይ ንዝነበረ ኣገልግሎት ይጠቅም ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ካብ ባርነት ክወጹ እንከለዉ ሓብቲ ሙሴ ማርያም ከበሮ ብምህራም ናይ ምስጋና መዝሙር ኣቕረበት፡፡ (ዘጸ 15፡20) ቅዱስ ዳዊት’ውን ንእግዚኣብሔር ብኸበሮ ከነመስግኖ ኣዚዙና እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ መዝ 150፡4 “ሰብሕዎ ለእግዚኣብሔር በከበሮ ወበትፍስሕት” ኢሉ እዩ። ከበሮ ምስጋና ዝግለጸሉ ናይ መዝሙር መሳርሒ ከምዝኾነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ተጠቒሱ ንረኽቦ፡፡ (1ሳሙ 18፡6-8፤ 2ሳሙ 6፡5፤ መዝ 81፡2፤ መዝ 149፡3) ነዚ ብምኽታል ሊቃውንቲ ኣቦታትና ንእግዚኣብሔር ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን የመስግኑሉ፡፡ 

ቤት መቕደስ

      ቤት መቕደስ፡ ‹ቤት›ን ‹መቕደስ›ን ናይ ዝብሉ ክልተ ቃላት ውህደት ኮይኑ፡ ‹ቤት› ማለት፡ መንበሪ፡ መሕደሪ፡ ገዛ ንክኸውን ብዝተፈላለዩ ነገራት ዝስራሕ መጽለሊ ክኸውን ከሎ፡ ‹መቕደስ› ማለት ከኣ፡ መቐደሲ፡ ምስጋና መቕረቢ፡ ናይ ጽላትን ታቦትን መሕደሪ፡ ማለት እዩ። ስለዚ ቤት መቕደስ ናይ እግዚኣብሔር ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ ፍሉይ፡ ቅዱስ፡ ንጹህ ዝኾነ ቤት እዩ። (ዘሌ 26፡2) ቤት መቕደስ እንብሎ ኣብ ኦሪት ካብ ድንኳን ናይ ነቢይ ሙሴ፡ (ዘጸ 26፡1) ክሳብ ንጉስ ሰሎሞን ዝሃነጾ ዓቢይ ቤት መቕደስ ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ (1ነገ 6፡1-38) ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ኣገልግሎቱ ሓደ ኾይኑ ስሙ ቤተ ክርስቲያን እናተባህለ’ውን ይጽዋዕ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ማለት ከኣ ወገናት ክርስቶስ ዝኾኑ ምእመናን(ክርስቲያን) ዝእከቡሉ፡ ዝጋብኡሉ ቤት ማለት እዩ። (ግ.ሃዋ 11፡26፤ 1ጢሞ 3፡15)

ቤት መቕደስ ኣብ ብሉይ ኪዳን

      ኣብ ኦሪት ቅዱሳን ኣቦታት ንእግዚኣብሔር መስዋእቲ ዘቕርቡሉ ስፍራ ከም ቤት መቕደስ የገልግሎም ከም ዝነበረ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ንኣብነት፦

  1. ዘመነ ኣበው፦ ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ዘሎ ዘመን፡ ዘመነ ኣበው ይበሃል። ኣብዚ እዋን ዝነበሩ ኣበው እግዚኣብሔር ኣብ ዘመልከቶም በረኽቲ ቦታታት መሰውኢ ሰሪሖም መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። (ዘፍ 4፡1-7፤ ዘፍ 8፡20-21፤ ዘፍ 22፡2) ንመጀመርታ ግዜ ቤት መቕደስ ክሰርሕ ዝሃቀነ ግና ኣቦና ያዕቆብ እዩ። “ያዕቆብ ግና ‹ቤት ኤል› ኢሉ ሰመያ።… እዛ ከም ሓወልቲ ጌረ ኣቚመያ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤትካ ክትከውን እያ… እናበለ ተመባጽዐ።” (ዘፍ 28፡19-22) ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብ ዘመነ ኣበው ዝተሃንጸ ቤት፡ ካብ መሰውኢ ሓሊፉ ከምቲ እግዚኣብሔር ቤት መቕደስ ኢሉ ዝሰመዮ ዓይነት ከም ዝኾነ መረጋገጺ ዝኸውን መርትዖ የልቦን። እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ግና፡ እግዚኣብሔር ነታ ቤቱ ‹መቕደስ› ኢሉ ሰምዩ፡ ስርሑለይ በለ። (ዘጸ 25፡8)

ጸበልን ማይ ጸሎትን

    ማይ ጸሎትን ጸበልን፡ ዝተቐደሰ ሓመድን ማይን ኮይኑ፡ ደቂ ሰባት ከኣ ክንፍወስ ኢና ኢሎም፡ ብልቦም ኣሚኖም እንተ ተጠቒሞምሉ ካብ ሕማም ዝፍወሱሉ ፈውሲ እዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግና ኩሉ ሓመድ ጸበል፡ ወይ ኩሉ ማይ ማይጸሎት ማለት ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ እግዚኣብሔር ዝቐደሶን ብስም ቅዱሳን ዝተሰመየን ቅዱስ ሓመድን ማይን ማለት እዩ። ንኣብነት ንእማን ሶርያዊ “ካብ ኩሉ ማያት እስራኤልሲ እቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ አባናን ፈርጳርን ዝበሃል ርባታትዶ ግዳ ኣይበልጽን፡ ኣብኡ ተሓጺበዶ ኣይምሓወኹን፧” እኳ እንተ በለ፡ ብዘይካ እቲ ነቢይ ኤልሳእ ዝሓበረሉ ማይ ዮርዳኖስ ከሕውዮ ዝኸኣለ ማይ ግና ኣይነበረን፡፡ ንእማን ተሓጺቡ ምስ ሓወየ ግና፡ ካብ ማያት ዝፍለ ቅዱስ ማይ፡ ካብ ሓመድ ዘተፈልየ ቅዱስ ሓመድ ከም ዘሎ ተረዲኡ፡ ካብ ነቢይ ኤልሳዕ ክሳብ ክልተ ጽዕነት በቕሊ ዝኣክል ሓመድ ክልምን ከሎ ኢና ንርኢ፡፡ (2ነገ5፡10-18)

    ኣብቲ ብእብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል ቀላይ ማይጸሎት ከም ዝነበረ ዝገልጽ፡ “ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዝጽበዩ፡ ብዙሓት ሕሙማትን፡ ዕውራትን፡ ሓንካሳትን፡ ልሙሳትን ይድቅሱ ነበሩ፡፡ እንሓንሳእ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብቲ ቀላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ ነበረ፡፡ እቲ ቅድም ወሪዱ ኣብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ኸኣ ካብ ዘለዎ ኩሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ፡፡” ዝብል ሓሳብ ኣብ ዮሃ 5፡1-4 ንረክብ ኢና፡፡ እምበኣር መልኣኽ እግዚኣብሔር ነቲ ማይጸሎት ምስ ባረኾ እቲ ማይ ነቶም ሕሙማት ይፍውስ ከም ዝነበረ፡ ሎሚ’ውን ንሕና ብእምነት ኣብቲ ብስሙን ብስም ቅዱሳኑን ዝተሰምየ ማይጸሎት እንተ ተሓጺብና፡ ካብ ሕማምና ክንፍወስ ከም እንኽእል ክንርዳእ ንኽእል ኢና፡፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፡ ናይ ጸበልን ማይጸሎትን ኣድላይነት ክምህረና እንከሎ’ውን፡ ነቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብኣይ፡ “ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉ’ውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕውር ለኸየ እሞ ኣብ ቀላይ ሰሊሆም ኬድካ ተሓጸብ” ኢሉ ምስ ኣዘዞ፡ ከይዱ ተሓጽበ እሞ እናረኣየ ተመልሰ፡፡ ጐይታ ብከኣልነቱ ዓይኒ ክፈጥረሉ ይኽእል እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና ጸብሪ ለኽዩ፡ ‹ኪድ ተሓጸብ› ምባሉ ንሕና’ውን ጸበልን ማይጸሎትን ክንጥቀም ከም ዘለና ዘረድእ እዩ፡፡ (ዮሃ 9፡1-8፣ ዮሃ 5፡1-4፣ ኢሳ 56፡5)

ቅዱስ፡

ቅዱስ ዝብል ቃል ካብ ቀደሰ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል (ግሲ) ዝመጽአ ኮይኑ ነዞም ዝስዕቡ ትርጉም ኣለዎ፡

1ይ ኣመስገነ ዝብል እዩ።

2ይ ፈለየ፡ መረጸ፡ አክበረ፡ ኣንጽሀ ዝብል ትርጉም ይሕዝ።

ቅድስና ኣብ ክልተ ይክፈል።

  • ናይ ባሕሪ ቅድስናን
  • ናይ ፀጋ ቅድስናን ይብሃሉ።
  • ናይ ባሕሪ ቅድስና

ቅድስና ናይ ባሕሪ ገንዘቡ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። እዚ ማለት ናይ እግዚኣብሔር ቅድስና ናይ ባዕሉ፡ ካብ ማንም ዘየምጽኦ፡ማንም ዘይሃቦ፡ ዘይተቀበሎ፡ ተዋሒሱ ዘየምጽኦ፡ ማንም ክወስደሉ ወይ ክቅንሰሉ ዘይክእል ናይ ባዕሉ ገንዘብ እዩ። እግዚኣብሔር ብባሕሪኡ ቅዱስ ስለዝኾነ፡ እግዚኣብሔር ካብ ቅድስና፥ ቅድስና ካብ እግዚኣብሔር ክፈላለዩ ፍጹም ኣይክኣልን እዩ። ኣብ እግዚኣብር ካብ ቅድስና ወጻኢ ካልእ ክሕሰብ ዝክእል የልቦን፡ ኣብ ቅድስናኡ ርኩስነት፡ ኣብጻድቅነቱ ሓሶት፡ ኣብ ሃብቱ ድማ ብልየት ወይ ድኽነት ዘይርከቦ ኣምላኽ እዩ። በዚ ምክንያት ድማ ቅዱስ እግዚኣብሔር ይብሃል።  ስለ’ዚ ድማ እዮም ሱራፊኤል “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ፀባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ስብሃቲከ” እና በሉ ብምስጋና ናይ ባሕሪ ቅድስናኡ ገለጹ።ኢሳ6:3 ራኢ4፡8።

ቅዱሳን ኣሳእል

         ቅዱሳን ኣሳእል ዝበሃሉ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህቡና ኮይኖም በብዘመኑ ዝፈጸሞ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓን ስራሕ፡ ካብ ልደቱ ክሳብ ዕርገቱ ዝፈጸሞም ድንቂ ምሥጢራት ብንጹር ዝምህሩን፡ ኣብ ልዕሊኦም ክብሩ እናገለጸ ተኣምር ዝፍጽመሎም እዮም። እግዚኣብሔር ስእሊ ክንስእልን ክንጥቀመሉን ኣዚዙ እዩ። ክንጥቀመሉ ከም ዘፍቀደልና ካብዞም ዝስዕቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ክንርዳእ ንኽእል።  “ወርቂ ቀጥቂጥካ ክልተ ኪሩቤል ስራሕ… ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መክደን ኣቢሉ ይጠምት ነቲ መኽደን ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ ነቲ ኣነ ዝህበካ ጽላት ኸኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ ኣብኡ ድማ ንዓኻ ክግለጸልካ እየ። ካብቲ መኽደን ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ጽላት ዘለዉ ክልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ዝኸውን ትእዛዝ ኩሉ ክህበካ እየ።” (ዘጸ 25፡18-22) “ንኹሉ መንደቕ እቲ ቅድስተ ቅዱሳንን መቕደስን ከኣ ብውሽጡ ምስልታት ኪሩቤል…ቀረጸሉ።” (1ነገ 6፡29፤ ዘፍ 3፡24) “ከምቲ ኣብ መናድቕ ቤት መቅደስ ዝነበረ ስእሊ ኣእዋም ስየን ኪሩቤልን ከኣ ኣብ መዓጹ መቕደስ ተሳኢሉ ነበረ።” (ህዝ 41፡25)” (ዘኍ7፡89፣ 1ነገ 6፡1-38፣ 2ዜና 3፡5-7፣ ዘጸ 26፡1)

         ከምቲ እግዚኣብሔር ክንጥቀመሎም ዝኣዘዝና ኣሳእል ዘለዉ፡ ንኸይንጥቅመሎም ዝኣዘዘና ኣሳእል ከም ዘለዉ’ውን ክንፈልጥ ይግባእ። “ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተገልግሎም።” ከም ዝብል፡፡ (ዘጸ 20፡3-5፤ ሶፎ 1፡5፣ ኢሳ 44፡9-20፣ መዝ 135፡15-18፣ ዘጸ 32፡1-10)