mm_logo3.jpg

ቅዱሳን  ሰባት(ጻድቃን)

      ቅዱስ ዝብል ቃል ብግእዝ ንጹህ ፍሉይ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ እዩ። እዚ ቃል እዚ ድማ ንእግዚኣብሔር ናይ ባህርዩ መግለጺ እዩ። እግዚኣብሔር ብባህርዩ ቅዱስ ስለዝኾነ ኸኣ፡ ቅዱሳን ዝብል ቃል ነቲ ባህርዩ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ንዘገልግሉ ንመላእኽትን ንቕዱሳት ሰባትን ዝወሃብ ስም እዩ።

      መላእኽቲ፡ ካብ ኩሉ ክፉእ ነገር ዝረሓቑን ስርዓቶም ዝሓለዉን፡ ንእግዚኣብሔር ዘመስግኑ ስለዝኾኑ ቅዱሳን ይበሃሉ። ኣብ መዓርግ መላእኽቲ ዝበጽሑ ቅዱሳት ሰባት’ውን በዚ ናይ ቅድስና ስም እዮም ዝጽውዑ። ስለዚ እግዚኣብሔር’ውን “ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ።” በለ። (ዘሌ 19፡2፤ 1ጴጥ 1፡5-16)

      ነቢያት፡ ሃዋርያት፡ ጻድቃን ፡ ሰማእታት ኩሎም ንቕዱስ እግዚኣብሔር ክብሉ ንህይወቶም መስዋእቲ ጌሮም ስለዝሃቡ፡ ንስሙ ስለዝመስከሩ፡ ብተጋድሎኦምን ትሩፋቶምን ስለዘገልገሉ፡ ናይ ቅድስናን ጽድቅን መዓርግ ተዋሂቡዎም እዩ፡ ክወሃቦም’ውን እዩ። ጐይታና’ውን ኣብ ወንጌል “በቲ ሓቂ ቀድሶም ቃልካ ሓቂ እዩ።” ኢሉ ብዛዕባ ቅድስንኦም ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ 17፡17)

ገድለ ቅዱሳን ኣብ ሰለስተ ይኽፈል

  1. ኣብ ቅድሚ ዓላውያን(ዘይኣምኑ) ነገስታት፡ ምእንቲ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት፡ ከይፈርሑ ከይሓፈሩ ክሳብ ደም ምፍሳስ ንኽርስቶስ ዝምስክሩ ሰማእታት እዮም። ሰማእት ማለት ድማ መስካሪ/ምስክር ማለት እዩ። ንኣብነት፡- ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ቅዱስ መርቆሬዎስ፡ ቅዱስ ቄርሎስ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ። (ግ.ሃዋ 7፡59፤ ራእ 12፡11) “ሳላ ደም እቲ ገንሸልን፡ ሳላ እቲ ዝሰበኽዎ ቃል ሓቅን ድማ ሰዓርዎ፡ ንህይወቶም ከየናሕሰዩ ክሳብ ሞት በጽሑ።”
  2. ኣብ ገደል ኣብ ጫካ ኣብ በዓቲ ኮይኖም ካብ ዓለም ተፈልዮም፡ ግርማ ለይቲ (ጸልማት) ንናይ ኣራዊት ድምጽን ንተጻብኦታት ኣጋንንቲ ስዒሮም ዝነብሩ ጻድቃን እዮም። ንኣብነት ጻድቕ ኣቡነ ፊልጶስ፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ኣቡነ ተክለሃይማናት፣ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ወዘተ… እዮም።
  3. መጽሓፍ ገንጺሎም፡ ዓንቀጽ ጠቒሶም፡ ንመናፍቓን ተኸራኺሮም ናይ ቤተ ክርስቲያን ህልውና ዘኽበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠበቓታት እዮም። ንኣብነት ቅ.ኣትናቴዎስ፡ ቅ.ቄርሎስ፡ ባስልዮስ ምጥቃስ ይከኣል። መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ምኽባርን ምቕባልን ማለት፡ ንዕኡ ምኽባር ከምዝኾነ ይነግረና እዩ። (ማቴ 10፡40፤ ሉቃ 10፡16) ንቕዱሳን ሰባት ዘኽበረ እግዚኣብሔር እዩ። ንሱ ዘኽበሮም ድማ ምንዓቕ ኣይግባእን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ክብሮምን ንዕኡ ዘለዎም ኣኽብሮትን ብብዙሕ መልክዑ ገሊጽዎ እዩ። እዚ ናይ ብሉይ ኪዳን እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ሓድሽ ኪዳን እዩ እንብሎ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ይኹን ኪዳን ጐይታ ንዘኽበሮም ቅዱሳን ምኽባር ይግባእ።

      ስለዚ ኩላትና ናብቲ ሰናይ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ኣሰራርሓ እንተ መጺና እግዚኣብሔር ኸኣ ክቕድሰና ፍቓዱ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ኸኣ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ድማ ቅዱሳን ኩኑ” ዝበለና። (ዘሌ 19፡1) ነፍሲ ወከፍና ንቕድስና ተጸዊዕና ኢና። እዚ ማለት ግና መናፍቓን ‹ቅዱሳን እንታይ ክገብሩልና› እናበሉ ብትዕቢት ከም ዝዛረብዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ነፍስ ወከፍና መጸዋዕታ ንጽቡቕን ንሰናይን ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ስለዝኾነ።

ቃል ኪዳን ቅዱሳን

    ቃል ኪዳን ማለት፡ ኪዳን፡- ተካየደ-ተመሓሓለ/ቃል ኣተወ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኅበ ናይ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኸኣ ስምምዕ፡ ውዕል፡ማሕላ ማለት እዩ። ‹ኪዳን› ምስ ‹ቃል› ክጣመር ከሎ፡ ‹ቃል ኪዳን› ዝብል ሓረግ ንረክብ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ቃል ዝኣትዉ ወገናት ዘሎ ናይ ኪዳን ቃል ዘመልክት እዩ። ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ብዝኾኑ ወገናት ዝግበር ውዕል እዩ። እግዚኣብሔር ድማ ንፍቑራቱ ንቕዱሳን ዘለዎ ፍቕሪ ግዚያውን ኣብዚ ዓለም ተወሲኑ ጥራይ ዝተርፍን ዘይኮነስ፡ ዘለኣለማዊ እዩ። “ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” ከም ዝብል፡ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ፍጻሜ ዘይብሉ እዩ። (ዮሃ 13፡1) ስለዝኾነ ብስጋ ከለዉ ንዘገልገልዎን ንዘሐጐስዎን ፈተውቱ፡ ዋላ ድሕሪ ዕረፍቶም’ውን ከገልግል ዝኅእል ቃል ኪዳን ይህቦም።

      እግዚኣብሔር ነቶም ዝመረጾም ቅዱሳን ቃል ኪዳን ከም ዝኣትወሎም፡ ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፡ “ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ።” እናበለ ይገልጽ። (መዝ 89፡3) ኪዳን ዝህብ እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኪዳን ዝወሃቦም ከኣ ቅዱሳን እዮም። በዚ ቃል ኪዳን ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት ድማ እግዚኣብሔር ኪዳኑ ክህብ ከሎ ዝኣዘዞም ነገራት ከማልኡ ይግባእ። ነዚ ኣማሊኦም፡ ነቲ እግዚኣብሔር ንቕዱሳኑ ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን እናዘከሩ ኣሚኖም ንዝልምንዎ ይቐረ ክብለሎምን ክምሕሮምን ይነብር። “ምሕረት እግዚኣብሔር ግና ኣብቶም ዝፈርህዎ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር። ጽድቁ ኸኣ ኣብቶም ኪዳኑ ዝሕልዉን፡ ኣብቶም ንትእዛዛቱ ምእንቲ ክገብርዎ ዝዝክርዎን ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” (መዝ 103፡17-18) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን በቲ ንቕዱሳን ዝተዋህበ ቃል ኪዳን ዝተጠቀሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። (ዘሌ 26፡40-42፤ ዘዳ 9፡5፤ ዘጸ 32፡11-14፤ 2ነገ 19፡34፤ 1ነገ 11፡12-13፤ 1ዜና 16፡16)

 

ኣማላድነት ቅዱሳን ብኣጸደ ስጋ

      ቅዱሳን ሕሩያት ናይ እግዚኣብሔር ከም ምዃኖም መጠን፡ ነቶም ኣብ ሓጢኣት ዝወደቑ ደቂ ሰባት ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንምትዕራቕ ይልምኑ እዮም። በዚ መሰረት ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ፍቕሩን በረኸቱን ረድኤቱን ኣብቶም ትእዛዛቱ ብምሕላው ብመንገዱ ዝመላለሱ ቅዱሳን ብብዝሒ ስለ ዘውርድ፡ ምእንቲ እቶም ቅዱሳኑ ኢሉ ነቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ይቕረ ይብለሉ እዩ። ነዚ ንምርዳእ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንመልከት፡-

  • ዘፍ 18፡17 “እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ክገብሮ ዘሎኒ ካብ ኣብርሃም ኣይሓብኦን እየ።” እግዚኣብሔር ትእዛዛቱ ንዝፈጸሙ ቅዱሳኑ፡ ሐንቲ ነገር እኳ ከይሰወረ ይገልጸሎም እዩ። ናይ ሰዶምን ገሞራን ምጥፋእ ንኣብርሃም ብእግዚኣብሔር ምስ ተነግሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደው በለ። ደው በለ ማለት ድማ ኣማለደ፡ ተማሕጸነ ማለት ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዘፍ 18፡23-24 ኣብርሃም፡ “ነቲ ጻድቕሲ ምስ ሓጥእዶ ከተጥፍኦ ኢኻ፧ ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይኾኑ፡ እሞ ብርግጽዶ ከተጥፍኦም ኢኻ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካ እኳ ነታ ቦታ ኣይትንሕፋን፧” እንዳበለ ክምሕጸንን ክልምንን ንርኢ።
  • ዘፍ 20፡7 “ሕጂ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ ምእንቲ ክትድሕን ክጽልየልካ እዩ። እንተ ዘይመለስካያ ግና ንስኻን ናትካ ዘበለ ኩሉን ብርግጽ ከም እትመቱ ፍለጥ” እናበለ እግዚኣብሔር ምእንቲ ፈታዊኡ ኣብርሃም ዝተዛረቦ እዩ። ኣቤሚሌክ ንሰበይቲ ኣብርሃም ኣብ ዝወሰደሉ ግዜ እግዚኣብሔር ንኣቤሚሌክ ቀጺዑ ሰበይቱ ከም ዝመልሰሉ ጌሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ፈታዊኡ ጻድቕ ኣብርሃም ዘለዎ ክብሪ ገሊጽሉ እዩ። ኣቤሚሌክ ንኽድሕን ኣብርሃም ክጽልየሉ ከም ዘድልዮ ገሊጹሉ እዩ።
  • ኢዮ 42፡8 “ኢዮብ ባርያይ ክጽልየልኩም እዩ፡ ንዕኡ ክቕበሎ እየ። ሽሕ እኳ ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ እንተ ዘይተዛረብኩም ምእንትኡ ኢለ ከምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይክገብርን እየ።” ኣስተዉዕሉ ንሳቶም ምስ ጸለዩ ኣይተቐበሎምን፡ እዚ ኸኣ ናይ ፈታዊኡ ኢዮብ ክብሪ ንምግላጽ ኢሉ እዩ፡ ንሱ’ውን ምእንታቶም ጸለየ እግዚኣብሔር’ውን ይቕረ በለሎም።(ኢዮ 42፡9)
  • ዘጸ 32፡9-15 “እግዚኣብሔር ከኣ ንሙሴ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣለኹ፡ እነሆ ተሪር ዝኽሳዱ ህዝቢ እዩ። ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ክነድድ እሞ ክውድኦም ሕደገኒ ንዓኻ ድማ ዓቢይ ህዝቢ ክገብረካ እየ በሎ። ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ከምዚ ኢሉ ተማህለለ።” ብዛዕባዚ’ውን ኣብ መዝ 106፡23 “ሽዑ እግዚኣብሔር ከጥፍኦም እየ በለ፡ እቲ እግዚኣብሔር ዝሓረዮ ሙሴ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ህዝቡን ደው ኢሉ ተቖጢዑ ኸየጥፍኦም ካብ ቁጥዓኡ ክምለስ ንእግዚኣብሔር ለመነ።” ይብል። “ደው ኢሉ” ማለቱ ድማ ለሚኑ ኣማሊዱ ማለት ከም ዝኾነ ብሩህ እዩ። ኣብ ኤር 42፡1-12 ምስ እንምልከት፡ ኤርምያስ ምእንቲ ህዝቡ ጸልዩ እዩ። ብናይ ዓሰርተ መዓልቲ ጸሎት ኸኣ መልሲ ክወሃቦም ከሎ ንርኢ። ንሳቶም እቶም ህዝቢ ‹ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ለምነልና› ደኣ በልዎ እምበር፡ ‹ንሕና ባዕልና ንኸይንልምን እንታይ ይኽልክለና፧› ኣይበሉን።

      ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ኣብ ብሉይ ኪዳን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ኣሎ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ” (መዝ 89፡3) ከምዝበሎ ምስ ቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ኣትዩ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ጐይታ ኣብ ሉቃ 10፡16 “እቲ ንዓኻትኩም ዝሰምዕ ንዓይ እዩ ይሰምዕ፡ እቲ ንዓኻትኩም ዝንዕቕ ድማ ንዓይ እዩ ዝንዕቕ፡ እቲ ንዓይ ዝንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝንዕቕ።” ዝበሎ። ኣብ ማቴ 15፡21 ጀሚሩ ዘሎ ምስ እንምልከት ልመና ናይታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ዘይመለሰ ጐየታ፡ ሃዋርያት ምስ ለመንዎ ግና ልመንኦም ሰሚዑ መሊሱላን ጓላ ኣሕውዩላን እዩ።

      ኣብ መልእኽቲ ያዕ 5፡16 እውን “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ” ከምዝብል ናይ ጻድቕ ሰብ ጸሎትን ልመናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ወንጌል ሰባት ምእንቲ ካልኦት እናለመኑ ምሕረት ከውህቡ እንከለዉ ንምልከት ኢና። እስከ እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንርኣዮም፤-

 

ማቴ 8፡5፤ ሉቃ 7፡2፤ ማቴ 9፡2፤ ማር 2፡3፤ ዮሃ 4፡46፤ ማቴ 15፡22፤ ዮሃ 11፡3፤ ሉቃ 5፡18፤ ግ.ሃዋ 9፡36፤ 1ጢሞ 2፡1-4፡፡

 

      በዞም ጥቕስታት እዚኣቶም እነረጋግጾ ድማ ሕጂ’ውን እንተኾነ ናይ ምምላድ ስራሕ ከምዘሎ እዩ። እግዚኣብሔር ንዝኣተዎ ቃል ኪዳን ስለዘይጠልም ኸኣ ነቲ ልመንኦም ይፍጽመሎም እዩ እዩ። ኣብ ዘኍ 23፡19 “ኣምላኽ ከይሕሱ ሰብ ኣይኮነን ከይጠዓስ ድማ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ንሱ ነቲ ዝበሎ ይገበሮ፡ ነቲ ዘተስፈዎ ይፍጽሞ” ይብለና። ጐይታና ኣብ ዮሃ 14፡12 “እቲ ብኣይ ዝኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ከምዝገብር ካብኡ ዝዓቢ’ውን ከምዝገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ከምዝበሎ፡ ቅዱሳን ጐይታ ካብ ዝሰርሖ ንላዕሊ ዝዓበየ ዝገብሩ እንተደኣ ኮይኖምሲ፡ ከማልዱዶ ኣይክእሉን እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣይኮነንዶ ምምላድ፡ ንቕዱሳን ናይ ኣምላኽነት ጸጋ’ውን ከምዝተዋህቦም ይነግረና። ንኣብነት ንሙሴ “ኣነ ንንጉስ ከም ኣምላኹ ገበርኩኻ፡ ኣሮን ሓውካ ድማ ነቢይ ይኹንካ።” ክብሎ ኸሎ ነንብብ። (ዘጸ 7፡1) ከምኡ’ውን ኣብ መዝ 82፡6-7 “ኣነስ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኩልኻትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም።” ኢሉ ዝተዛረቦኸ ንቕዱሳንዶ ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ክሳብ ዝበሃሉ ክብሪ ከምዘለዎም ይዛረብ እዩ። ምእንቲዚ ኸኣ እዩ ንሙሴ ‹ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ኣምላኽ ጌረካ ኣለኹ› ዝበሎ። ናብ ሓድሽ ኪዳን ምስ እንመጽእ ድማ ኣብ ዮሃ 10፡34-35 “ኣብ ሕግኹም ኣነ ኣማልኽቲ ኢኹም በልኩ፡ ዝብል ጽሑፍዶ የልቦን እዩ፧ እቲ ጽሑፍ ክሰዓር ኣይክእልን እዩ። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ካብ በሎም…” ይብል። ስለዚ ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ቅዱሳንዶ ኣይኮኑን፧ እዚ ኸኣ ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘለዎም ክብሪ ዘመልክት እዩ። እዚ ዘይተዋሕጠሎም ሓደ ሓደ ሰባት ግና፡ ‹ኣነ’ውን እኮ ቃሉ ስለዝመጸለይ ኣምላኽ እየ ዝበሃል› እናበሉ ብድፍረት ክዛረቡ ይስምዑ። ኣብ ፊልጵ 3፡19-21 “መወዳእትኦም ጥፍኣት እዩ” ከምዝበሎም፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክሳብ ክንደይ ሰይጣን ናብ ጥፍኣትን ቄናን ሓሳባትን ከምዘለዓዕሎምን፡ ንሱ ናብ ዝወደቐሉ ትዕቢት ንኽወድቁ ኣብዚ እዋን እዚ ንብዙሓት ይፍትኖምን የውድቖምን ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል። እዚኣቶም ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ከምስሉ ብምጥባር ዝዓዩ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን ንርእሶም ኣገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ ዘገርም ነገር ኣይኮነን። መወዳእትኦም ድማ ከምግብሮም ክኸውን እዩ።” ከም ዝበሎ እቲ ሓሳቦም ሰይጣናዊ ከም ዝኾነ ንርዳእ። (2ቆሮ 11፡13-15፤ 2ጴጥ 3፡3፤ 2ጴጥ 2፡19-20)

ኣማላድነት ቅዱሳን ብኣጸደ ነፍሲ

      ቅዱሳን ብኣጸደ ስጋ ከም ዘማልዱልና ኣብ ላዕሊ ርኢና አሎና። ብዛዕባ ምምላድ ዝጠራጠሩ ሰባት ግና “ሰብ ብኣጸደ ስጋ ከሎ ከማልድ ይኽእል እዩ፡ ድሕሪ ሙማቱ ግና ኣየማልድን እዩ” ይብሉ። ሰብ ኣብ ምድሪ ክነብር ከሎ ስጋን ነፍስን ዝተዋሃዶ ፍጡር እዩሞ ንእግዚኣብሔር ምኽባር፡ ምፍታው፡ ሕጉን ትእዛዛቱን ምፍጻም ናይ ነፍሲ ተግባር’ውን ከምዝኾነ ዳዊት ኣብ መዝምሩ ነፍሱ ናብ እግዚኣብሔር ከም እተመልክት ይዛረብ። ኣብ ሉቃ 1፡46 ድንግል ማርያም “ነፍሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ” ክትብል ተዛሪባ እያ። እምበኣርከስ ካብዚ እንርድኦ ነፍሲ ዘይትመውት ብምዃና እግዚኣብሔር ዝመረጾ ሰናይ ስራሕ ትሰርሕ፡ ንስጋውን ናይ ነፍሲ ስራሕ ተስርሓ። ኣብ ገላ 5፡19 “ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ” ብምባል ስጋ እንታይ ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ እዩ። ስጋ ካብ ነፍሲ ተፈልዩ ህይወት ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ስጋ መዋቲ መሽማሺ እዩ፡ እታ ናብ ኣምላኽ እትቐርብ ግና ነፍሲ እያ። እዚ ድማ ኩሉ ዝሰማማዓሉ እዩ። እምበኣርከስ ንሓደ ሰብ፡ ሰብ ዘብሎ ናይ ክልቲኡ ውህደት እኳ እንተኾነ ፡ ህይወት ኣለዎ ዝበሃል ግና ነፍሲ ብምህላዋ እዩ። ስለዚ እዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ከምቲ ኣብ ምድሪ ክነብሩ ከለዉ ናይ ነፍሲ ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ምስ ሞቱ’ውን ኣገልግሎቶም ኣየቋርጹን እዮም።(ራእ 14፡13) ምኽንያቱ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ነፍሲ ደኣ እምበር ስጋ ስለዘይኮነ፡ ብዝመውት ስጋ ዘይኮነስ ብዘይመውት ነፍሲ ምንባር ዝበለጸ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሃዋርያ ቅ.ጳውሎስ “ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ” ዝበለና ስጋ ፈራሲ ስለዝኾነ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር ኣምላኸ ምውታት ኣይኮነን።” ከምዝበሎ ናይ ህያዋን ኣምላኽ ካብ ኮነ፡ ምስ ሙታን ሕብረት የብሉን። (ሮሜ 6፡12፤ ማቴ 22፡32) ቅዱሳን ግና ምውታን ኣይበሃሉን እዮም፡ ምኽንያቱ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ተኸቲሎም ዝነብሩን ብእኡ ዝጸንዑን ስለዝኾኑ እዮም።

      ቅዱሳን ብስጋ ዋላ እኳ እንተ ሞቱ ብነፍሶም ግና ሕያዋን ኮይኖም ከም ዝነብሩ፡ ምስ ምእመናን’ውን ሕብረት ከም ዘለዎም ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጽ እንከሎ፡ “ብህይወት እንተ ኣሎና፡ ወይ እንተ ሞትና ኩሉሳዕ ምሳኻትኩም ኢና።” ይብል። (2ቆሮ 7፡3) ኣብ ራእ 6፡10 “ኦ ቅዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፡ እናበሉ ጠርዑ።” ይብል። ካብዚ ድማ ቅዱሳን ብስጋ ድሕሪ ሙማቶም ክልምኑ ኮነ ከመስግኑ ከም ዝኽእሉ ኢና እንርዳእ። ምስ ሞቱ ክዛረቡ ወይ ክልምኑ ኣይክእሉን እዮም ኢልካ ምዝራብ፡ ምስቲ “ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር ኣምላኸ ምውታት ኣይኮነን።” ዝብል ቃል ጐይታ ዝጻረር እዩ። (ማር 12፡26-27) ኣብዚ ቃል እዚ ህያዋን ተባሂሎም ዘለዉ በዓል መን እዮም እንተ በልና ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ እዮም። ሊቀ ነቢያት ሙሴ’ውን እዞም ኣቦታት ብስግኦም ምስ ሞቱ፡ ኣስማቶም ብምጥቃስ ንእስራኤላውያን ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ለሚኑሎም እዩ። (ዘጸ 32፡11-14፤ 2ነገ 19፡34)

      ከምኡ’ውን ብኣጸደ ነፍሲ ምዝርራብ፡ ምጽላይ፡ ምልማን ከም ዝከኣል ጐይታ ባዕሉ ኣብ ሉቃ 16፡19-31 ብዛዕባ ነዌን ኣልኣዛርን ዝተዛረቦ ምስ እንምልከት፡ ነዌ ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ እንከሎ ኣብ ምድሪ ንዝነበሩ ኣሕዋቱ ክልምን እንከሎ ንርኢ። እግዚኣብሔር ኣሽንኳይዶ ንቕዱሳንን ጻድቃንንሲ ኣብ ሲኦል ኮይኑ ምእንቲ ኣሕዋቱ ንዝለመኖ ሰብ እኳ ግቡእ መልሲ ከምዝሃቦ ንርኢ። እሞኸ ደኣ ብጸሎት ንዝልምንዎ ቅዱሳን ደኣ ኣብ ቅድሚኡ ጸሎቶም ማዕረ ክንደይ ይስማዕ ይኸውን፧ ስለዚ ብነፍሲ ዘለው ቅዱሳን ስለ ደቂ ሰባት ከምዝልምኑ ብቐሊሉ ክንርደኣሉ ንኽእል።

      ቅዱሳን ሰባት ብስጋ ምስ ሞቱ ኣዕጽምቶም እኳ ከይተረፈ ዘደንቕ ተኣምራት ክሰርሕ ንምልከት ኢና። እቲ በስባሲ ዝኾነ ኣዕጽምቲ ናይ ነቢይ ኤልሳዕ እኳ ምዉት ዘተንስእ ካብ ኮነ፡ ቅዱሳን በታ ህያዊት ዝኾነት ነፍሶም ደኣ ክሳብ ክንደይ ምሕረት ዘየውህቡና፧ (1ነገ 13፡31) ደቂ ሰባት ኣብዚ ምድሪ እንከለና ፍልጠትና ድሩት እኳ እንተኾነ፡ ነፍስና ካብ ስጋና ምስ ተፈልየት ብነፍስና እንፈልጦ ፍልጠት ግና ዝበለጸ ከም ዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ “ሕጂስ ከም ብመስትያት ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና። ሕጂ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣምላኽ ንዓይ ዝፈልጠኒ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።” እናበለ የረደኣና። (1ቆሮ 13፡12)

 

ኣብ ኣማላድነት ቅዱሳን ዝለዓሉ ሕቶታት

      ገለ ሰባት ነቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ኣብ መክ 9፡4-5 “ካብ ምዉት ኣንበሳ ህያው ከልቢ ይሓይሽ እዩ፡ ስለዚ እቲ ምስ ኩሎም ህያዋን ብህይወት ዘሎ ተስፋ ኣለዎ። ህያዋንሲ ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም። ምውታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። ንሳቶም ተረሲዖም እዮም፡ ድሕሪዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።” ዝበሎ ብምርኣይ፡ ቅዱሳን ምስ ሞቱ ዋላ ሓንቲ ኣፈልጡን እዮም ይብሉ። እዚ ጥቕሲ እዚ ብሰፊሑ ክግለጽ ወይ ክትንተን ዝግብኦ እዩ እሞ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ እናዘርዘርና ክንርእዮ ኢና። እዚ ጥቕሲ እዚ ብኸመይን ንመንን ከምዝተነግረ ብዘይ ምስትውዓል፡ ንነብሶም ብህይወት ዝርከቡ ኣኽላባት፣ ንቕዱሳን ግና ከምዝሞቱ ኣናብስ ጌሮም ‹ንሕና ካብኣቶም ንሓይሽ› ክብሉ ይስምዑ። ‹ንሕና ንፈልጥ ኢና ንሳቶም ግና ኣይፈልጡን እዮም› ዝብል ኣገላልጻ ፍጹም ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝኾነ እዩ። እዚ ትዕቢት እዚ ኸኣ ፈጺሙ ዘውድቕ እዩ። ግናኸ ቅድሚ ኩሉ ትሕትና ዓቢይ ገንዘብ ክኸውን ይግብኦ ኔሩ። (ያዕ 4፡6፤ ምሳ 3፡34) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦም ቅዱሳን ሰባት’ውን ንገዛእ ርእሶም ኣትሕት ኣቢሎም ብትሕትና ንእግዚኣብሔር እናመስገኑ ይነብሩ ደኣ ነበሩ እምበር፡ ከምዚ ዝዓይነቱ ድፍረት ክዛረቡስ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ። (ዘፍ 18፡27፤ መዝ 22፡6፡1ቆሮ፤ 15፡8-9) ነዞም ዝተጠቕሱ ጥቕስታት ምስ እንርኢ ቅዱሳን ኣቦታት ንገዛእ ርእሶም ትሕት ብምባል ካልኦት ሰባት ካብኦም ከምዝበልጹ ጌሮም ክዛረቡ ደኣ ነንብብ እበር፡ ብድፍረት ናይ ትዕቢት ቃላት ክዛረቡ ኣይሰማዕናን።

      እቲ ዓቢይ ናይ እግዚኣብሔር ነቢይ ዝኾነ፡ ሞት ከይጠዓመ ብናይ ሓዊ ሰረገላ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኤልያስ፡ ኣብ 1ነገ19፡4 “ኦ እግዚኣብሔር ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ ሕጂ ይኣኽለኒ ንነፍሰይ ውሰዳ።” ኢሉ ንሱ ብስጋ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ኣቦታቱ ንርእሱ ኣንኢሱ ደኣ ተዛረበ እምበር ይበልጽ እየ ኣይበለን። እምበኣርከስ ምስዚ ከነነጻጽሮ እንከሎና፡ ‹ቅዱሳን ምስ ሞቱ ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም› ምባል ናይ ትዕቢት ኣዛራርባ ከምዝኾነ ከስተውዕል ንኽእል ኢና።

       መጀመርታ “ካብ ምዉት አንበሳ ሕያው ከልቢ ይሓይሽ” ንዝብል መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ አንበሳን ከልብን እንታይ ይብል፧ ክንርኢ ኢና

ከልቢ፦ ከልቢ አብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝተፈላለየ መንገድታት ንኽፉኣት ሰባት መግለጺ ምሳሌኦም ኮይኑ ተጻሒፉ አሎ። ንኣስማተኛታት፡ ንጠንቆልቲ፡ ንዘመውቲ፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ንመምለኸቲ ጣኦትን፡ ሓሰውትን፡ ኣብ ማእከል ምእመናን ናይ ጥርጥር ትምህርቲ ዝዘርኡ መናፍቓንን፡ እዚኣቶም ኩሎም ብኣኸላባት ተመሲሎም ንረኽቦም። (መዝ 22፡20፤ 2ሳሙ 16፡9፤ ፊልጵ 3፡2፤ 2ጴጥ 2፡22) መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ባዕሉ “ቅዱስ ነገር ንኣኽላባት አይትሃቡ” ብምባል ንርኹሳት ሰባት ብኸልቢ መሲልዎም አሎ። (ማቴ 7፥6) ነታ ከነኣናዊት ሰበይቲ ዝተቐደሰ ነገር ነኽላባት ምሃብ ከምዘይግባእ ምስ ነገራ እውን “ኣኽላባት’ውን እኮ ርፍራፍ ናይ ጐይትኦም ይበልዑ እዮም” ኢላ ተዛረበቶ፡ ጐይታና’ውን መንነታ ፈሊጣ ሓጢኣተኛ ከምዝኾነት ተረዲኣ ምሕረት ብምድላያ ድሌታ ደኣ ኣማልኣላ እምበር ኣይከልከላን። ኣብዚ፡ ከምዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ስለ ሓጢኣቶም ካብ ልቦም ዝተጣዕሱ ሰባት፡ ስለ እቲ በደሎም ርእሶም ኣትሒቶም፡ ‹እወ ኣነ ኸልቢ እየ› ከም ዝብሉ ኢና ንርዳእ። “ካብ ምዉት ኣንበሳ ህያው ከልቢ ይሓይሽ እዩ፡” ዝተባህሉ እዚኣቶም እዮም። (ማቴ 15፡21-26) ስለዚ ኣኽላባት ዝተባህሉ ንስሓ ንኽኣትዉ ግዜ ዝተዋህቦም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብህይወት ዘለዉ ሓጥኣን እዮም።

አንበሳ፦ ኣንበሳ ድማ ብርቱዕን ሓያልን ናይ እንስሳታት ንጉስን ስለ ዝበሃል ብብርቱዓት ሰባትን፡ ከም በዓል ሄሮድስ ዝኣመሰሉ ነገስታትን ተመሲሉ አሎ። (መዝ 57፡4፤ መዝ 58፡6፤ መዝ 22፡21) ብዓቢኡ ድማ እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ድያብሎስ ብአንበሳ ተመሲሉ ንረኽቦ። (1ጴጥ 5፡8) ስለዚ ናብ ትርጓሜ ምስ ንኣቱ፡ ህያው ከልቢ ማለት ብስጋ ዘይሞተ፡ ናብ መቓብር ዘይወረደ ሓጥእ ሰብ ማለት እዩ። ምዉት አንበሳ ድማ ብሞተ ስጋ ተታሒዙ ናብ መቓብር ዝወረደ ሓጥእ ሰብ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ብናይ ንስሓ ህይወት ዘይተመላለሰ፡ ብስግኡን ደሙን ዘይተቐደሰ፡ ጸሓይ ዕድሚኡ ብሓጢኣት ተጨማሊቑ ዝሓለፈ እዩ። ካልኣይ ድማ ሞተ ነፍስ፡ ፍርዲ ገሃነም ዝጽበዮ እዩ። (ራእ 20፡14፤ ራእ 21፡8) እዚኦም ክልቲኦም እምበኣር ሓጢአተኛታት ምዃኖም እዩ ዘረድእ። አንበሳ ሓይሉን ብርትዑኡን ካብ ኩሎም አራዊት ዝሓሸ እዩ። ምስ ሞተ ግና ካብ ከልቢ እኳ  አይሓይሽን እዩ። ምኽንያቱ ዝነበሮ ሓይልን ብርትዐን ከም ዘይነበረ ስለ ዝኸውን እዩ። ዝሞቱ ሓጢተኛታት ድማ ከም በዓል ሄሮድስ፡ ፈርዖን፡ ናቡከደነጾር፡ ቅድሚ ሙማቶም ሓያላትን ብርቱዓትን እኳ እንተ ነበሩ፡ ዝነበሮም ስጋዊ ሓይሊ ኣብ መቓብር ስለ ዘብቅዐ፡ ድሕሪ ሞት ንስሓ ምእታውን ምቑራብን፡ ሃይማኖትን ግብሪ ጽድቂ ምስራሕን ስለዘይብሎም እዩ። ስለዚ ካብቶም ዝሞቱ ሓጥኣን፡ ዕድመ ንንስሓ ዘለዎም ሓጢኣተኛታትን ብስጋ ዘይሞቱ ዘመውትን ጠንቆልትን ከሓድትን ይሕሹ። ምኽንያቱ ስለ ሓጢኣቶም እንተበኽዮም፡ ንስሓ ኣትዮም ብቕዱስ ስግኡን ደሙን እንተ ነጺሆም፡ ናይ ድሕነት ተስፋ ስለ ዘለዎም እዩ። (ግ.ሃዋ 2፡38፤ ሕዝ 18፡21-23)

  1. ስለዚ እቲ ምስ ኩሎም ህያዋን ብህይወቱ ዘሎ ተስፋ አለዎ

      ሕያዋን ዝተባህሉ ደቂ ሕያው እግዚኣብሔር እዮም። ሕያዋን ዝተባህልሉ ምኽንያት ድማ ስርሖም ናብ ዘልአለማዊ ህይወት ዘብጽሕ ብምዃኑ እዩ። ሰማይን ምድርን ምስ ሓለፉ’ውን አብታ እንጽበያ መንግስተ ሰማያት ህያዋን ኮይኖም ክነብሩ እዮም። (2ቆሮ 5፥1) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡” ብምባል ገሊጽዎ አሎ። (ፊሊጲ 3፥20)

      ስለዚ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ቅዱሳንከ “ከመይ ኢሎም ህያዋን ክበሃሉ ይኽእሉ፧” ዝብል ሕቶ ምስ ዝለዓል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ‹ትንሳኤ ምውታን የለን› ንዝብሉ ሰዱቃውያን፡ ብዘየዳግም መልሲ “አነ አምላኽ አብርሃም፡ አምላኽ ይስሃቅ፡ አምላኽ ያዕቆብ፡ አምላክ ህያዋን እየ፡ ዝብል ጹሑፍ አየንበብኩምን ዲኹም፧” ብምባል መሊሱሎም ኢዩ። (ማቴ 22፡ 31-32፤ ዘጸ 3፥6) ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና እግዚአብሔር ‹አነ አምላኸ አብርሃም፡ …እየ፡” ክብል ከሎ፡ ኣብቲ ግዜቲ አብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ብስጋ አይነበሩን፡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሞይቶም እዮም ነይሮም። የግዳስ እዚ፡ ቅዱሳን ብአጸደ ነፍስ ሕያዋን ምዃኖም እዩ ዘረጋግጸልና።

  1. ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም

      “ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም” ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ንፍቓድ ስግኦም ተገዚኦም፡ ሕጉ ስዒሮም፡ ትእዛዙ አፍሪሶም፡ አብዛ ዓለም እንተ ነበሩ እኳ፡ ድሕሪ ሞተ ስጋ’ውን ገሃነም እሳት ከም ዝጽበዮም ብአእምሮ ሕልና ይፈልጡ እዮም ማለት እዩ። (ራእ 21፥8) ንኣብነት፦

  1. ካብ ቃል እግዚአሔር ምስ ዝፍለዩ ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም። ምኽንያቱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ወንጌል “ሰብ ካብ አፍ አምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ።” ኢሉ፡ ካብ ኦሪት ጥቕሲ ጠቒሱ ንሰይጣን ከምዘሕፈሮ፡ ሰብ ከኣ ልክዕ ከም ምግቢ ቃል ኣምላኽ ከምዘድልዮ ይፈልጡ እዮም። (ማቴ 4፥4፤ ዘዳ 8፥3)
  2. ካብ ስግኡን ደሙን እንተ ተፈልዮም ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም። ምኽንያቱ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰተኹምሲ፡ ህይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ አስተምሂሩ እዩ። (ዮሃ 6፥53)
  • ካብ ጽቡቕ ምግባር እንተ ተፈልዮም’ውን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም። (ያዕ 2፥17) እዚ ስለ ዝፈለጡ ፍቓድ ስግኦም ንፍቓድ ነፍሶም ኣግዚኦም፡ ሃይማኖት አጽኒዖም ሒዞም፡ ጽቡቕ ግብሪ ሰሪሖም ከም ቃሉ እንተ ነበሩ፡ በዚ ጉዕዞኦም ክሳዕ ሞት ተኣሚኖም፡ ንኣኽሊል ህይወት ክበቕዑ ይኽእሉ እዮም። (ራእ 2፥10-11) ንዓለም ስዒሮም ብናይ ስጋ ሞት ካብ’ዚ ዓለም ምስ ተፈልዩ ድማ ህያዋን ተባሂሎም ይጽውዑ።

 

  1. ምውታን ግና ገለ እኳ አይፈልጡን እዮም

 

    መናፍቓን ነዚ ጥቕሲ’ዚ ነጺሎም ብምሓዝን፡ ንቕዱሳን ብምሃብን፡ ‹እኒ ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ኣቡነ ተክለሃማኖት፡ ብጠቕላላ ነቢያትን ሃዋርያትን፡ ጻድቃንን ሰማእታትን ሞይቶም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ አይፈልጡን እዮም፡ ስለዚ ኣማልዱልና ለምኑልና ኣይትበሉ› ይብሉና። እቲ ሓቂ ግና ይሙቱ ደኣ እምበር ቅዱሳን ህያዋን እዮም፡ ምውታን ከኣ ኣይበሃሉን። ምውታን ሓንቲ እኳ ኣይፈልጡን እዮም ዝበሎም ድማ ንስሓ ከይኣተዉ ብስጋኦም ዝሞቱ ምውታን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምድሪ እናነበሩ ከለዉ ሃይማኖት ምስ ምግባር ዘይሓዙ ሰባት እዮም። ወዲ ሰብ ስግኡ ካብ ነፍሱ ምስ ተፈልየት ኣብ ስግኡ ዝኸውንን ዝፍጠርን ስለዘይፈልጥ ናይ ስጋ ፈራስነት የረድእ፡ ምኽንያቱ ነፍስ ዝተፈለየታ ስጋ ትፈልጦ ነገር ከምዘይብላ የረድኣና። (ዘፍ 3፡19)

    ሙታን ዝበሃሉ ግና፡ ከሓድቲ፡ ሓጢኣተኛታት፡ ዘመውቲ፡ ዓመጽቲ እዮም። እግዚኣብሔር ናይ ህያዋን ኣምላኽ ደኣ ምበር ናይ ሙታን ኣምላኽ ኣይኮነን። እግዚብሔር ቅዱስ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ቅዱሳን ድማ ቅዱሳን ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ገይሩ ኢዩ። ህያው ከም ዝበሃል’ውን ህያዋን ከም ዝበሃሉ ገይሩ እዩ። ብህይወት ዘሎ ሰብ፡ ዘይሞተ፡ ናብ መቓብር’ውን ዘይወረደ ሰብ ከመይ ኢሉ ምዉት ይበሃል፧ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝኾነና ድማ ናይ  ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ኢዩ። “ጐይታይ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ  ፍቐደለይ በሎ። ኢየሱስ ግና ሰዓበኒ ደኣ ምውታትሲ ንምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም በሎ።” (ማቴ 8፥21-22) ‹ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም› ማለት፡ ካብ ሓጢአት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት አይንምለስን ዝበሉ ሙውታን ኣእምሮ እዮም። ምኽንያቱ ዘለውዎ ህይወትን ግብሮምን ናይ ሓጢኣት እዩ። ሓጢኣት ድማ መቓብር እዩ። ‹ገለ እኳ ኣይፈልጡን› ማለት ድማ፡ ሓጢኣትን ቅድስናን ፈልዮም ስለ ዘይፈልጡ እዩ። ብተወሳኺ ካልኣይ ሞት ገሃነመ እሳት ከም ዝጽበዮም ስለ ዘይፈልጡ እዩ። መነባብሮኦም ከም ሰዱቃውያን እዩ። ሰዱቃውያን ትንሳኤ ሙታን የለን በስቢስና ሓሲኽና ክንተርፍ ኢና ዝብሉ እዮም። እንተ ዝፈልጡ ኔሮም ግና ካብ ሓጢኣት ተፈልዮም ብንጽህና፡ ካብ በደል ርሒቖም ብቅድስና ምተመላለሱ ኔሮም።

 

  1. “ተረሲዖም እዮም” (መዘከርትኦም ምግባር ኣየድልን)

      መዘከርትኦም ተረሲዑ እዩ ዝተባህሉ ቅዱሳን ዘይኮኑስ፡ ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከለዉ ሰናይ ስራሕ ዘይነበሮም፡ ብቕድስና ዘይነበሩ ሓጥኣን ምስ ሞቱ መዘከርታ የብሎምን ክብል ከሎ እዩ። እንተ ተዘከሩ’ውን ብሕማቕ ስርሖም ደኣ እምበር ብሰናይ ስርሖም ኣይኮነን። ከም በዓል ናቡከደነጾር፡ ሄሮድስ፡ ፈርዖንን ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለምን እንረኽቦም፡ ብበደል ዝነብሩ ዝነበሩ ኣናብስ (ሓያላት) ምንም መዘከርታ የብሎምን። ምኽንያቱ ዋላ ሓደ ሰናይ ስራሕ ከይሰርሑ ክፉኣት ኮይኖም ስለዝሓለፉ፡ ንዝኽሪ ዘብቅዕ ሓንቲ ስራሕ ጽድቂ እኳ የብሎምን።

      ቅዱሳን ግና መዘከርትኦም ንዘለኣለም እዩ። (መዝ 112፡6) “ጻድቕ ሰብ ፈጺሙ ኣይጋገን እዩ፡ ንዘለኣለም ከኣ ክዝከር ይነብር።” ደኣ እምበር ይርሳዕ ኣይበለን። ባዕሉ እግዚኣብሔር’ውን መዘከርታ ስሞም ንዘለኣለም ከምዘይጠፍእ ተዛሪቡ እዩ። “ሰናብተይ እንተ ደኣ ሓሊኻ፡ ንዓይ ዘሐጉስ እንተ ደኣ ሓሪኻ፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣጽኒዕካ፡ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደንበይን ስፍራ፡ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ድማ ስም ክህበካ እየ፡ እወ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ስም ክህበካ እየ።” (ኢሳ 56፡4-5) እግዚኣብሔር ኣብ ገዝኡ ኣብታ ቅድስት ቤት ክርስቲያን፡ ዘይጠፍእ ስም ሂብዎም እዩ። እቲ ብስም ቅዱስ ሚካኤል፡ ቅዱስ ገብርኤል፡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወዘተ ዝህነጽ ቤተ ክርስቲያን ዝምለኸሉን ዝግልገለሉን ክርስቶስ ክኸውን ከሎ፡ መዘከርትኡ ግና ንቕዱሳን እዩ ተዋሂቡ። ምኽንያቱ ንመዘከርታኹም ዝኸውን ናይ ዘለኣለም ስም ክህበኩም እየ ስለዝበሎም እዩ። ዳዊት’ውን ነዚ ክገልጽ ከሎ “ዝክረ ጻድቅ ይሄሉ ለዓለም-መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር” በለ። መዘከርትኡ ንዘለኣለም ደኣ እምበር ግዝያዊ ስለዘይኮነ ዘይጠፍእ ስም ኣለዎም። ቅዱሳን ስሞም ጥራይ ዘይኮነስ ብጽዋእ ማይ ንዓኣቶም ዝዘከረ ዓስቡ ኣይስእንን እዩ። (ማቴ 10፡41) እዚ ቓል ድማ ናይ እግዚኣብሔር እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ምሳሌ 10፡7 “መዘከርታ ናይ ጻድቕ ንበረኸት እዩ” ይብል። መዘከርትኦም ምግባር በረኸት ከምዘለዎ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና። ስለዚ መዘከርትኦም ዝተረስዐ ናይ ሓጥኣን ደኣ እምበር ናይ ቅዱሳን ኣይኮነን። እዚ ንቕዱሳን እንተዝኸውን ኔሩ፡ ዳዊት መዘከርትኦም ንዘለኣለም ይነብር ኣይምበለናን ኔሩ። ኢሳይያስ’ውን ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ስም ክህቦም ኢሉ እግዚኣብሔር ምዝራቡ ኣይምጸሓፈልናን ኔሩ። እምበኣርከስ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ መዘከርታ ስም ከምዘለዎም ደኣ እምበር ናይ ቅዱሳን መዘከርታ ዝርሳዕ ከምዘይኮነ እዩ። ሓጥኣን ግና መዘከርታ የብሎምን፡ ተረሲዖም እዮም። ግናኸ ቅዱሳን ኣሽንዃይዶ መዘከርትኦም ክተርፍሲ ካብ ምምላድ ሓሊፎም ክሳብ ምፍራድ ስልጣን ተዋሂቡዎም እዩ። (ማቴ 19፡28) ነዚ ንዘይተረድኡ ድማ ናይ ልድያ ልቢ ከፊቱ ዘረድአ ኣምላኽ ልቦንኦም ከፊቱ ነዚ ሓቂ የረደኣልና። (ግ.ሃዋ 16፡15-16)

 

 

  1. “ረብሓ የብሎምን”

     “ረብሓ የብሎምን” ዝተባህሉ አብዚ ዓለም’ዚ ብንስሓ ከይተመላለሱ ኔሮም ዝሞቱ፡ ኣብ ዳሕራይ ሞተ ነፍሲ ዝጽበዮም ምውታን ናይ ገቢረ ጽድቂ ሓጥኣን እዮም። ምስ ሞትካ ንስሓ ስለዘየልቦ ዋጋ የብሎምን ተባሂሎም። ቅዱሳን ግና ረብሕኦም ቡዙሕ ኢዩ። ቀዳማይ፡ ብስጋ እኳ እንተ ሞቱ ብህይወት እዮም ዝነብሩ። (ዮሃ 11፡25) ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ይብል “ኣነስ ድሮ ክስዋእ ቀሪበ አለኹ፡ መዓልቲ ሞተይ’ውን በጺሓ እያ። ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ፡ ጉያይ ወዲአ እየ፡ ነታ እምነት’ውን ሓልየያ ኢየ። ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ንምግላጹ ሃረር ዝብሉ ኩላቶም ድማ እዩ እምበር ንዓይ ጥራይ ኣይኮነን።” (2ጢሞ 4፥6-9) ጐይታናን ኣምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል፡ “ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ ባህ’ውን ይበልኩም” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴ 5፡12)

      ስለዚ ቅዱሳን ብስጋ ሞይቶም እዮም ብመንፈስ ግና ሕያዋን እዮም። ኩሉ ግዜ ምሳና ኾይኖም የማልዱልና፡ ኩሉ እንገብሮ ይፈልጡ እዮም። እንተ ደኣ ቅዱሳን ሞይቶም እዮም ንብል ኮይንና መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ስለዘሎ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምጽራፍ ማለት እዩ። ስለዚ ቅዱሳን ብመንፈስ ኣይሞቱን። ንኣብነት ኣቦና ሙሴ ኣብ ጐልጎል ሞኣብ ከም ዝሞተ ኣብ መንጽር ቤት ጶዔር ከም ዝተቐብረ ንፈልጥ ኢና። (ዘዳ 34፥5-6) እንደገና ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዲያብሎስ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ቅዱስ ሚካኤል ከም ዝተኸራኸረ ሃዋርያ ይሁዳ ይነግረና እዩ። (ይሁ 1፥9) ኣብ ወንጌል’ውን ጐይታናን መድሓኒናን ኣምላኽናን ኢየሱሰ ክርስቶስ፡ ንያዕቆብን ንዮሃንስን ንጴጥሮስን ናብቲ ነዊሕ እምባ ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦም ትርኢቱ ተለወጠ፡ ገጹ ከም ጸሓይ በርሀ ክዳኑ’ውን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ምስኡ ሙሴን ኤልያስን ይዘራረቡ ነበሩ፡ ይብል። (ማቴ17፥1-5) ኣብዚ፡ ‹ሙሴ ደኣ ካበይ መጺኡ፧› እንተ በልና፡ ቅዱሳን ምስ ሞቱ ብኣጸደ ነፍስ ህያዋን ከም ዝኾኑ ዘረድእ ጥቕሲ እዩ። ስለዚ ቅዱሳን ድሕሪ ዕረፍቶም ብመንፈስ ኩሉ ግዜ ምሳና ኣለዉ።

 

ንቕዱሳን ዝወሃብ ናይ ጸጋ ክብርን ስግደትን

      ስግደት ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ናይ ኣምልኾን ናይ ጸጋን ተባሂሉ ኸኣ ይጽዋዕ። ናይ ኣምልኾ ስግደት ንእግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ክብሪ ናይ ባህርዩ ስለዝኾነ እዩ። እግዚኣብሔር ንበይኑ ሓያል ኣምላኽ ስለዝኾነ ንእኡ ዝቐርብ ምስጋናን ስግደትን ክብርን ንማንም ፍጡር ዝወሃብ ኣይኮነን። (ዘጸ 20፡5፤ ማቴ 4፡10) ናይ ጸጋ ስግደት ድማ እግዚኣብሔር ንዝቐደሶምን ንዘኽበሮም ቅዱሳን፡ በቲ መጠን ዝተዋህቦም ክብሪ ናይ ጸጋ ስግደት ክንሰግደሎም ይግባእ እዩ። (ሮሜ 8፡29-30፤ ሮሜ 13፡7) ስለዚ ነቶም እግዚኣብሔር ዘኽበሮም ቅዱሳኑ ብምኽባር ደኣ እምበር ብምቅላል ንእግዚኣብሔር ተኣዛዚ ምዃን ኣይከኣልን እዩ። “ሽዑ ንጉስ ናቡከደነጾር ብግንባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ።” (ዳን 2፡46) እታ ሹነማዊት ሰበይቲ ንነቢይ ኤልሳእ ንወዳ ጸልዩ ካብ ሞት ምስ ኣተንስኦ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት። (2ነገ 4፡36-37) ቆርነሌዎስ ንቕዱስ ጴጥሮስ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ሰገደሉ። (ግ.ሃዋ 10፡25) “ራዕራዕ እናበለ’ውን ኣብ ቅድሚ ጳውሎስን ሲላስን ተደፍአ።” (ግ.ሃዋ 16፡29፤ ዘፍ 42፡6፤ ራእ 3፡9) ስለዚ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ሓሳባት ከም እንርድኦ ንቕዱሳን ናይ ጸጋ ስግደት ምስጋድ ግቡእን ብቕዱሳት መጻሕፍቲ ዝተደገፈን ምዃኑ እዩ።

     ቅዱሳን ንቤተ-ክርስቲያን ዝገብሩላ ሰናይ ስራሕን ኣበርክቶን

  1. ኣብ ቅድሚ ነገስታትን መናፍቓንን ብትብዓት ይምስክሩ። (1ነገ 18፡17-18፤ ግ.ሃ ዋ4፡8-22)
  2. ኣብያተ ክርስቲያናት ይሃንጹ። (1ይነገ 9፡1-3፤ 2ቆሮ 11፡28)
  3. ቅዱሳት መጻሕፍትን፡ ድርሳናትን ዜማታትን ይጽሕፉ።

ቤተ-ክርስቲያን ንቕዱሳን እትገብረሎም ነገራት

  1. እምነቶምን ገድሎምን ትምህር። (እብ 11፡32-33፤ እብ 13፡7)
  2. ብስሞም ቤተክርሰቲያን ትሃንጽ። (ኢሳ 56፡4-5)
  3. ብስሞም ንደቃ ትሰሚ፡ ንኣብነት፡- ተስፋማርያም፡ ወለተጊዮርጊስ፡ ወልደሚካኤል…
  4. ብስሞም ትምጽውት ዝክር ትገብር፡ “መዘከርታ ጻድቕ ንበረከት እዩ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ” (ምሳ10፡7) “እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ፡ እቲ ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል ከኣ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ። ካብዞም ነኣሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወዲ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከምዘይስእን ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ከም ዝብል። (ማቴ 10፡40-42፤ መዝ 112፡6፤ እብ 6፡9-11)

መደምደምታ

      ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እምነቶም ዝተመስከረሎም፡ ኣምላኽ’ውን ዘኽበሮም ቅዱሳን ሰባት ክብሪ ይግብኦም እዩ። “ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃብዎ።” (ሮሜ 13፡7) “ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን ክቡራን እዮም፡ እቲ ዝዓበየ ሓጐሰይ ድማ ምስኣቶም ምዃን እዩ።” (መዝ 16፡3) “ነቶም ብጽቡቕ ዘገልግሉ መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ምናዳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ ዝምህሩ’ውን ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።” (1ጢሞ 5፡17) “ከምቲ ንቕዱሳን ዝግብኦም ምስጋና ደኣ እምበር ምንዝርናን ኩሉ ርኽሰትን ወይ ስሰዐ ከቶ ኣባኻትኩም ኣይሰማዕ።” (ኤፌ 5፡3፤ ገላ 4፡14፤ ሮሜ 8፡33) “ሕጂ እምበኣር ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወለዶ ዝነበሩ ውሩያት ኣቦታትና ክንውድሶም፡ እግዚኣብሔር ንዓኣቶም ዓቢይ ክብሪ ሃቦም፡ ግርምኦም’ውን ካብ መጀመርታ ገለጸሎም።” (ሲራ 44፡1-15)