mm_logo3.jpg

ቅድስቲ ፎቲኒ-ሳማራዊት ሰበይቲ (የው4፡4-42)

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተጻሒፉ ዝርከብ ፍሉጥ ታሪኽ ናይ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ዔላ ማይ ዝተራኸበት እዩ(ዮው4:5-42)። ክሳዕታ ግዜ እቲኣ ብጎይታ እውን ዝተወቅሰቱሉ ናይ ሓጢኣት ሕይወት እያ ትነብር ዝንበረት።

ይኹን ድኣምበር ብጎይታ ውሕሉል ወቀሳ ብፍጹም ንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ተቀቢላ ናብ ክርስቲና እምነት ተጸምቢራ፥ ፎቲኒ ዝብል ስም ኣብ ጥምቀታ ተቀቢላ እያ። ጥምቀታ ኣብ ጽርሃ ጽዮን ኣብ ባዓለ ሓምሳ ብኢድ ሓወርያት እዩ ነይሩ። ፎቲኒ ዝበርሀት ማለት እዩ።

እምብኣርከስ እዚ ጽሑፍ ንሳምራዊት ሰበይቲ(ፎቲኒ) ዝተወፈየ ኾይኑ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ቀሪቡ ኣሎ። ቀዳማይ ክፋል ኣብ ሞንጎ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ሳምራዊት ሰበይትን ዝነበረ ርክብ ዝተመስረተ ስብከት፡ እቲ ካልኣይ ድማ በዚ ርክብ ሕይወታ ዝመቀረን ዝተቀደሰትን ኣደ ኣብ ክርስቲና ናብ ዓለም ምብጻሕ ዝነበራ ጊደን ሰማእትነታን መሰረት ብምግባር ዝምህር እዩ፡ ሰናይ ንባብ።

ዝኸበርኩምን ዝተፈተኹምን ሕዝበ ክርስቲያን፡ ቤተክርስቲያና፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ እትመርሓና፡ናይ ነፍስና ድኻም ብምጉላሕ ናብ መንፈስና፡ ስጋና፡ ነፍስና ከበርትዓና ዝኽእል ምንጪ ናይ ሕይወት ማይ ዝኾነ፡ ናብ ቃል እግዚኣብሔር  ትጽውዓና ኣላ።

ሎምዓንቲ  ናብቲ  ከምብቅዓቱን ክእለቱን ማይሕይወት  ዝቀድሓሉ ዘይግለጽን ዘይዕቀንን ዓሙቅ ዔላ ማይ ሕይወት ክንርኢ ኢና።  ኣብ ወንጌለ የውሓን ምዕራፍ ኣርባዕተ ፍቅዲ ኣርባዕተ ጀሚሩ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን እየሱስ ክርስቶስን ናይ ሳምራዊት ሰበይቲ ቅድስቲ ፎቲኒ ኣብ ያዕቆብ ዝዃዓቶ ብስሙ “ዕላ ያዕቆብ”ተባሂሉ ዝጽዋዕ ይገልጽ። ኣብዚ ምዕራፍ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝርርብ ብኣእምሮና ኣብ ዒላ ያዕቆብ  ዘጋጠመ ብዕምቆት እንተተመልኪትናዮ እዚ ናይ ሕይወት ምንጪ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣብ ሕይወትና ዝዓዪ ዘሎ ሕያው ኮይኑ ንረኽቦ።

ክንደይ ዝኾኑ ከንፈሮም ብጽምኢ ዝነቀጸ ተጓዕዚ በዚ ምድረበዳ ተጉኣዒዞምን ናብዚ ዒላ ቀርቦምን፧ ንኽንደይ ግዜ ዝኸውንከ ሳምራውያንን ጎረባብቶምን ጽምኦም ንምርዋይ ናብዚ ዒላ መጺኦም፧ ኣቦና ያዕቆብ ሕይወቱን፡ ሕይወት ደቁን ሕይወት ጥሪቱን ካብዚ ዒላ ሰተዩ። ደቁን ደቂ ደቁን ነቲ ቀጻሊ ጽምኦም ንምርዋይ ብዘይ ምቁራጽ ናብዚ ዔላ መጺኦም። እንተኾነ ግና ነቲ ቀጻሊ ዝኾነ ጽምኦም ከዕግሰሎም ኣይክኣልን። ከምቲ ጎይታ ዝበሎ “ካብዚ ማይ እዚ ዝሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ” (ዮው4፡13)። እዚ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስን ሰምራዊት ሰበይቲ ርክብ ናይ ሕያው እግዚኣብሔር ርክብ ምስ ኃጥኣተኛ ሰበይትን ምስ መላእ ዓለምን ኣብ ግዝያዊ ማይ ብምግላጽ እቲ ዘይፍለጥ ዝነበረ ዘልዓለመዊ ሕይወት ንመጀመርታ ግዜ ኣረጋጊጹልና (ኢየሱስ ክርስቶስ ንመጀመርያ ግዜ ኣነ ክርስቶስ እየ እና በለ ብግልጺ ዝተዛረበ ኣብዚ ዒላ ንሳምራዊት ሰበይቲ እዩ)።

ንመጀመርታ ግዜ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘልኣለማዊ ሕይወት ዝውሕዝ ዘይውዳእ ናይ ሕይወት ማይ ዒላ ምዃኑ ርእሱ ዝገለጸሉ ኣብዚ እዩ። እዚ መንጪ እዚ ብጻዕሪ ሰብ ዘተዃዕተ ስለዝኾነ ዘይደርቅ ዘይውሕድ ጽርየቱ ክኽደን ዘይክኣል፥ ናይ ሕይወት ዋሃብነቱ ባህሪ ዘይብረዝ እዩ።

ኣብዚ ምድሪ እዚ እታ ምንጪ ናይ እግዚኣብሔር ቤት እያ፡ እቲ ናይ ሕይወት ማይ ድማ ናብኡ ንዝመጽእ ኹሉ ሰብ  ይቅር ዝብል፡ ዘንቅሕ፡ ዝቅድስ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሔር (ውህበት) እዩ። ብሓቂ  ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ ስብከት ካብ ዝጂምር ንመጀመርያ ግዜ  ኢየሱስ ክርስቶስ ብግልጺ መሲሕ፡ ናይ ዓለም መድኃኒ-“”ኣነ እየ” ዓለም ዘድህን ክርስቶስ እናበለ። 

ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ምላኽ ነቶም ዝጠፍኡ ክደልን ከድሕንን መጺኡ። ናይ ወንገል ዘርኢ ንመጀመርታ ዝዘርኣ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ብእምነት ዝመስልዋ ምምጻእ መሲሕ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣይኮነን ዝነበረ፡ ንኣህዛብ እውን ኣይነበረን። ንሓቂ ዝረሓቃ (ዘይትፈልጥ) ግና ደንዳና ዘይኮነት ሰበይቲ እምበር፡ ንደንዳናታት ኣይሁድ ክርስቶስ ምዃኑ ርእሱ ኣይገለጸን።

ሳምራዋያን ሓቀኛ ኣምላኽ መን ምዃኑ ኣይፈልጡን ነበሩ እንተኾነ ግና ብዘይ ንቅሓትን ዘይትዓይን እምነት ነበረቶም። ምኣስን ኣበይን እግዚኣብሔር  ዝብል ሕቶ እኳ ኣብልቢ ሳምራዊት ሰበይቲ ይነብር ነበረ። ኣይሁዳውያንን ሳምራውያንን ጥቃጥቃ ዝነብሩ እኳ እንተኾኑ ግና ኣይዘራረቡን ነበሩ።ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒ፡ ትምህርቱ ንዓለም ዝተዋህበ ብምዃኑ ኣይሁዳዊ ግሪኻዊ ባርያ ጭዋ ዝብሃል የልቦን። ናቱ ፍቅሪ እትበጽሖ ናይ ሰብ ልቦና እዩ ዘድሊ። ርግጽ እዩ ንዘመናት ሕያው ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዓሌታዊ ፍልልያት ብናይ ጎይታ ፍቅሪ ተዋሒጡ እዩ። 

“ኣቲ ሰበይቲ ኣብዚ እምባ እዚ ወይ ኣብ ኢዮርሳሌም ነቦ ዘይሰግዱላ ግዜ ከም ዚመጽእ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ እንፈልጦ ኢና ንሰግድ። እንተኾነ እቶም ብሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ሕጂ እያ”(ዮው4፡21, 23)። ካብ ሕጂ ንድሓር ኣይሁዳውያን ዘምልኹላ ኢዮርሳሌም፡ እምባ ጋርዚን ሳምራውያን ዝእከብሉ፡ ኣቴና ዘይፍለጥ ኣምላኽ ዝምለኸላ የልቦን።  እንታይ ድኣ መንፈሳዊ ጽምኢ ዝጸምአ ልቢ ዘለዎ፡ ንሓቂ ዝጸምአ፡ ንእግዚኣብሔር ዝጸምአ ፡ ምስ እግዚኣብሔር ተረኺቡ ብሓቅን ብመንፈስ ዘምልኽ ልቢ ዘለዎ እዩ። ሕያው ማይ ንሱ ኽኣ ስብከት ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ናይ ዓለም መድኃኒ ምዃኑ ምእማን እንተ ዘይኮይኑ ምድራዊ ምንጪ ዘየርውዮ ልቢ።  እታ ሰበይቲ ኣመነት ብቅልጡፍ ንኻልኦት ናይ ሕይወት ምንጪ ኾነት። ናይ ሕይወታ ናብራ ንድሕሪት ገዲፋ፡ ናይ ማይ ዕትሩኣን ናይ ማይ ጽምኣን ረሲዓ ንዕኣ ዝተገልጸላ ትኣምር ሕያው ምስክርነት ኣምጽአት። እቶም ተቀማጦ ድማ ናብ ምንጪ ማይ ሕይወት  ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ መጽኡ። ንሳቶም እውን ምስ ሕያው ኣማላኽ ተራኸቡ፡ ኣመኑ ድማ። ነታ ሰበይቲ ድማ ከምዚ በልዋ “ ደጊምሲ ባዕላትና ሰሚዕና ደኣ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ክርስቶስ መድኅን ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር ብዘረባኺ ኣይኮናን እንኣምን ዘሎና” (ዮው4፡42)። ናይ ሳምራዊት ሰበይቲ ንእግዚኣብሔር ምስክርነት ናብ ቅድስና ዓበየ። ናብ ዔላ ብምድርባይ ንኢየሱስ ክርስቶስ እና መስከረት ድማ ሰማእትነት ተቀበለት

“ናይ ዓለም መድኃኒ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልዓለም ሓደ እዩ”

እንተኾነ ግና ነዚ ዘመን ዘይቁጸረሉ ምንጪ ሕይወት ኣብዚ ዘሎናሉ ዘመን ስለምንታይ ብቡዙሓት ተረሲዑ ብብዙሓት እውን ተነጺጉ፧ ናይ መድኃኒና ቃላት “ኣነ መንገዲ፡ ሓቂ፡ሕይወት እየ” ዝብል ኣይስምዓን፡ ኣየድንቅዎን፡ ኣይቅበልዎን(የው14፡6)። ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንኣይሁድ ነጊርዎም ነይሩ እዩ፡ ንኹሉ ግዜ ድማ ጸኒዑ ይነብር ኣሎ። ሓቂ ስለዝተዛረቦም ክኣምንዎ ኣይክኣሉን። ሓሶት ስግኦምን ደሞምን እዩ፡ ሓቂ ድማ ንዕኦም ዘይትሰማማዕ ዘይትክኣልን ኮነት።

ሓሶት! ሓሶት ዶ ኣይኮነን ሎሚ ኣሸጋሪ ሕማም ኮይኑ ንዓለም ናብ ከቢድ ዕንወት ሸሚምዋ ዘሎ፧ ሓሶት ዶ ኣይኮነን ንሓቂ ካብ ሕይወት ኣፈናቂላ ዘተፈላለዩ መናፍቃን፡ ጥርንፉነት፡ ምፍልላይ ኣብ ክቢ ማይ ሕይወት ቤት መቅደስ እግዚኣብሔር ኣፍርያ ዘላ። ናይ ሕይወት መንፈስ ኣባና ቀቲልዎ ዘሎ ምዝንባዕ ቃላትን ተግባርን ናይ ሓደ ዓይነት ሓሶት ውጽኢት እዩ ። ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን እዚ ሎሚ ኣብ ወዲ ሰብ ተላዒሉ ዘሎ ኣሸጋሪ ሕማም ብሃደጋ ዝመጸ ኣይኮነን።  እዚ ሕማም እዚ  ወዲ ሰብ ምሉእ ብሙሉእ ወኒንዎ ዘሎ ሰጣን ዝኣቡኣ ናይ ሓሶት መንፈስ እዩ። እቶም ብሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ሕጂ እያ”(ዮው4፡23)

እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ብሓቂ የምልኹ። ሕማቃት ክንከውን ንኸእል ኢና፡ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ንላዕሊ ሕማቃት ክንከውን ንኽእል ኢና ግና ክንሕሱ ኣይንኽእልን ኢና:ክንሕሱ እውን የብልናን። እግዚኣብሔር ኩሉ ሰብ ከድሕኖ ይክኣሎ እዩ እንተኾነ ግና ብሓሶት ክንእሰር ከለና፡  ንገዛእ ርእስና ክንሕሱ ከለና፡ ኣብቅድሚ ሰባት ክንሕሱ ከለና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንሕሱ ከለና ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሓሶት ሓያል ኣይኮነን።  ክርስቶስ ንተነሳሓይ ኃጥእ ከድሕኖ ይኽእል እዩ፡ ርእስና ክንውክል ስለ እንደሊ ነቲ ዘሕፍር ተማጻዳቂ ሰብ ግና ክሕግዞ ኣይክእልን እዩ። 

ሕጂ ሰባት ብረሳሕ መርዛም ትምህርቲ  ናይ እምነት ኣልቦ ካሓድያን፡ ምዕባለ ስምራውያን፡ ኣምላኽ ዘይፈልጡ መንፈስ ጽምኦም ዝደረቀ፡ ዝሓመሙ፡ ዝተመረዙ ሰባት  ንዝሞተ መንፈሶም ሕይወት ክዘርእሉ ንዝደኸመ ኣካላቶም ከበርትዑ ንሓቀኛ ማይ ሕይወት ክድለዩ ኣለዎም። ምእንንታን ካብ ሓሶትን ዝብለጭልጭ ባዶ ሕይወት ወጺኦም ርእሶም ክምልከቱ፡ ነፍስወከፍ ቅንዑነትን ብርትዐን ኣብ ውሽጦም ክረኽቡ የድልዮም። በዚ ጥራይ እዩ ጎይታ ሓቂ፡ ፍጹም ጻድቅ፡ሕይወት ነታ መራር ሓቅነትና መልሲ ዝህበና፡ ብሓቅን መንፈስ ክነምልኾ ዝምህረና።

 ኣብ ህይወትና ከም ሳምራዊት ሰበይቲ ንሕያው ኣምላኽና ኣንረኽቦ መጀመርታ ንሓቂ ጽምኣት ክህልወና ይግባእ። ሓቅነት ናይቲ ዘይግለጽ ቅድስና እግዚኣብሔርን ምሕረቱን ልብና ይሃርመና፡ ብናዚ ሓቂ ብርሃን ድማ ሓቅነት ናይ ውድቀትና ሓቅነት ናይ ኃጢኣትና ንርኢ። ሕያው ዝኾነ ናይ ልቢ ቃንዛ(ጓሂ) ናብ ምንጪ ናይ ሕይወት ማይ የቅርበና፡ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ በቲ እትህቦ ሕያው ርትዐ ካብ ዝወደቅናዮ ብምልዓል መንፈሳዊ ናጽነት ተጓናጽፈና፡ ካብ ሰንሰለታዊ መእሰርቲ ኃጢኣት ድማ ናጻ ትገብረና።    

ዝኸበርኩም ሕዝበ ክርስቲያን መንፈሳዊ  ኣትክልቲን ዕብየትን ኣብ ሕይወት ደቂሰባት ብግልጺ ክካየድ  ንኽዓቢ ብዓሰርተታ ዓመታት ዘይኮነስ ብቛሕሰም ዓይኒ እና ተርኣየሉ ዘሎ ፈጣን ግዜ ኢና ንነብር ዘሎና። ሕጂ እዚ ናይ ሕይወት ሕርሻ ኣብ ሞንጎና ይኽሰት ኣሎ። ሓደ ሰብ ሞይቱ ዝነበረ ሕይወት ይረክብ፡ ጠፊኡ ዝነበረ ይርከብ ኣሎ(ሉቃ15፡32)። ብሓንቲ ስምዒት-ንሓቂ ብምጽማእ ካብ ብሕይወቶም ዝመቱሉ ክፉእ ሕይወቶም ናብ ቤተክርስቲያን ተመሊሶም።  እግዚኣብሔር ንዝሞተ ሕያው ጌይሩ ብምትንሳእ ትኣምር ይገብር እዩ። 

ንሓቂ ጽምኣ ተኸቲሉ፡ ናይ ሓቂ ፍልጠት ብቅልጡፍ ይጅምር። እግዚኣብሔር ንዝጽምኡ ገዛእ ርእሱ ስለ ዝገልጸሎም ብጣዕሚ ብቕልጡፍ ይጅምር።

ሓቂ ጎይታ ባዕሉ እዩ። ኣብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ንሱ ባዕሉ “ኣነ መንገዲ፡ሓቂ፡ ሕይወት እየ” በለ(ዮው14፡6)። ኣብ ናይ ቤተክርስቲያና ምስጢራት ናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ ብዘየማትእ መንገዲ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ይግለጽ እዩ፡ ማይ ሕያው  ኮይኑ ድማ ንዘልዓለማዊ ሕይወት ይውሕዝ። ሓቂ ሕያው፡ ኩሉ ግዜ ዝዓዪ፡ ንዝጸምኡ ተጓዓዝቲ ኩሎም ኣብ መንገዲ ሕይወት ዝመርሖም ቃል ኣምላኽ እዩ። ቃል ሓቂ እዩ እና በለ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክር (ዮው17፡17)። ሓቂ ካብ ኣብ ዝሰረጸ ኣብ ወልድ ዝተገልጸ፡ ኛይ ሓቂ መንፈስ፡ ቅዱስ መንፈስ፡ ናይ እግዚኣብሔርመንፈስ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ናብ ሓቂ ዘበለ ኩሉ ክመርሓኩም እዩ(ዮው14፡26)። ነቲ ሓደ ምንጪ ውሓዚ፡ ናይ ሕይወት መንፈስ ምንጪ ዝስከም ሰለስተ ሕይወት ኣብዚ ኣሎ። እንተኾነ እምነት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ነዚ ሕይወት ዝስከም ሓቂ እተፍልጠና።

ብዘክኡ ተኽሊ ናይ ሕያው መንፈስ ትቅምስል። ነፍሲ ወከፍ ደቂቅ ኣብ ሓቂ ክነብር የድልየና።  ሕይወትና ኩሉ ግዜ ሕላውነት ሕያው ኣምላኽ ከስተማቅር ኣለዎ። ስርሐ ይምልከት፡ ናይ ልበይ ስምዒት ኣቀዲሙ ይፈልት፡ ምንቅስቓስ ሕልናይ(ኣእሙረይ)ይዕዘብ።

ጎይታይን ኣምላኸይን(ዮው20፡28)። ጎይታይ!  ህላውነት እግዚኣብሔር በዚ ኩውን ዝኾነ ታሪኽ ኣብዚግዜ እዚ ዘርእየና ዘሎ ሓቅታት ስለምንታይ ዘይንኣምን፧ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይተገልጸ ዝተኸድነ(ዝተሰወረ) ሓንቲ ከምዘየልቦ ይምስክረልና (ሉቃ12፡2)

እዚ ድማ ኣብ ጸልማት ዝተገብረ ኣብ መዓልቲ ይንገር። እቲ ዝተቀብረ ተንሲኡ ግልጺ ኮነ። እቲ ምስጢር ዝነበረ ብዙሓት ኣብዘይገመትዎን ኣብዝረስዕዎን ተገልጸ።  ሓቂ ተገሊጹን ተረኣዩን እዩ። ብርሃን ኣብ ጸልማት ኣብርሀ፡ ጸልማት ክኣ ክሕዞ ኣይክኣለን(ዮው1፡5)። ናይ እግዚኣብሔር ሓቂ ኣብ ማዕረጋት እቶም ትማሊ ዝተጸርፉን፡ ዝተደቁሱን፡ዝተሰሓቆምን ቅዱሳን  ትርአ ኣላ፡ ዓለም ሓቅነቶም ርአየት። ጸልማት ድማ ነቶም ኣንጻር ሓቂ ዝቆሙ ውሓጦም፡ መዘከርትኦም ድማ ጠፍአ።

ኣብ መፈለምትኣ ኣገዳሲት ዘይትመስል ግን ክኣ ኣብ ቅድሚ እግዢኣብሔር ሕያው ኮንካ ምኻድ እንታይ ሙዃኑ ብግልጺ እተርኢ ቅድሚ ሓደ ክፍለ ዘመን ዘጋጢመ ታሪኽ ወስ ክብለኩም።

ሓደ መንእሰይ እዩ፡ ብመልክዕን ውቃቤን ሓንቲ ድንግል ዝተሸነፈ። ብምብዛሕ ቃላትን ኮንቱ ዘደዓዕስ ዘረባ ከታልላ ብዘይ ምኽኣሉ ብሓይሊን ብዘለዎ ስልጣንን ክዕምጻ ወሰነ። እዛ ሕያው ርግቢ ሓይላ ምስ ደኸመን ካብ ካልእ ሓገዝ ክትረክብ ከምዘይትኽእል ኣብዝተመልከተትሉ ገጻ ናብ ስእሊ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተመልከተት፡ ልባ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ተመልሰ ከምዚ እናበለት ድማ ጨርሐት፡ “ትፈልጥ ኣሎኻ ኣንታ ክቡር፡ ይዕዘበና ኣሎ!” እቲ ትኣምር! ናይቲ ገበነኛ ኣእዳው ነታ ርግቢት ክሕዝኣ ዝነበረን ብርዐ ናብ ማይ ተቀየረ’ሞ ለቀቓ፡ ኣዒንቱ ኣብ መዋእለን ዘይፈልጥኦ ዝነበራ ብንስሓ ንብዓት መልአ።  

እዚ ኣብነት ንደቂ እዚ ዘመን እዚ የስሕቆም ይኸውን፡  እንተኾነ ግና ዝኸበርኩም ሕዝበ ክሪስቲያን እግዚኣብሔር ይርእየና እዩ፡ ሕይወትና ክትጽውዖ ይጽበየና።ኣብ ቅድሴ እግዚእ ድያቆን ንሕዝቢ እና መርሕ፡ “እግዚኣብሔር ይርኢ እዩ፡ ውሽጥኹም ተመልከቱ” እና በለ ክእውጅ ከሎ፡ ብስጋዊ እዝንና ዘይኮነስ ብእዝነ ልቦናና ክንሰምዖ ይግባእ፡

ናይ እግዚኣብሔር ውሕብቶ-ናይ ወዲ ሰብ ኣደናቂ ናጽነት-ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ምርጫ የቀምጠልና፡ እዚ ድማ ብኹሉ ኩነታት ናብ መወዳእታ ዘይብላ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ሓቂ ኣብ ጸባብን ኣብ ሓጎስን  ክንጉዓዝ ወይ ድማ ከይንጉዓዝ። 

ጎይታ ኩሉ ግዜ ምሳና እዩ፡ ንሕና ግና ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ኣይንኸይድን። ስለዚ ድማ እዩ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ እንነብር፡ ኣብ  ዔላ ማይ፡ ግና ምዉታት። ኣብጥቃ ጸጋ ግና ጸጋ ኣልቦ። ዝኸበርኩም ንእግዚኣሔር ምምላኽ ወይ ድማ ብእግዚኣብሔር ሕያው ምዃን ዝተፈልየ ግዜ ወይ ድማ ኣጋጣሚታት ኣይድልን እዩ።  እንታይ ድኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ኩሉ ኩነታት  ነፍሲ ወከፍ ኩነት ንድሕነትና ናይ ሕይወትና ብብራሃን ሓቂ ዝደመቀ፡ቅኑዕ ሕይወት ኣብ እግዚኣብሔር ክህልወና ይግብእ። 

ርእስና፡ኣዕሩኽትና ብማይ ሕይወት ነርውዮም። ብመንፈስን ብሓቅን ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምንጫ ንቅረብ። ምንጪ ማይ ሕይወት ድማ ብኣኻ ናብቶም ንምንጪ ማይ ሕይወት ዘይረኸብዎን ብጽምኢ ናይ ምድረበዳ ሕይወት ዝሳቀዩ ከውሕዘሎም እዩ።

ታሪኽ ሕይወት ሳምራዊት ሰበይቲ ድሕሪ ጥምቀታ

ሳምራዊት ሰበይቲ ልክዕ ከምተን ካልኦት ኣንስቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ክርስቲና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪታ እያ። ስለዚ ካብ ሃወርያት መጎስ ተቀቢላ እያ።  ካብ 4ይ ክፍለዘምን ክሳብ 14 ክፍለ ዘመን ኣብ ናይ ግርኽ መንፈሳዊ ትምህርቲ ሓወርያዊት ወንጌላዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ጸኒሓ እያ። ኣብ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብዞም ስብከታት ንሳምራዊት ሰበይቲ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ደቀ መዝሙርት ሓንሳብ ሓንሳብ እውን ልዕሊኦም ቦታ ይህብዋ ኢዮም።

ኣብ ዘመነ ንግስነት በዛንታይን ሓደ ናይ ቅዱሳን ታሪኽ ጽሓፊ ናይ ሳምራዊት ሰበይቲ ካብቲ የሃንስ ወንጌላዊ ዘቋረጾ ቀጺሉ ጽሓፎ። ኣብ ጴንጠቆስጠ (ብዓል ሓሙሳ) ፎቲና ምስ ሓሙሽተ ኣሕዋታ-ኣናቶለ፡ ፎቶ፡ ፎቲስ፡ፓራስከቨ፡ክይሪያከን ዝብሃላን ምስ ክልተ ደቃ-ፎቲያኖስን ሞስ ዝብሃሉ ተጠመቀት ። ድሕሪዚ ክሳዕ ርሑቅ ሃገራት እናኸደት ናይ ወንጌል ምስፍሕፋሕ መንገዲ ተታሓዘቶ። ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ስቅለቱ፥ ትንሣኤኡ እና ኣበሰረት ክሳዕ ርሑቅ ሃገር ተዘዋወረት።ኣብ ቀዳማይ ክፍለዘመን ብዘመነ ንግሥነት ኔሮን ሕልፍ ዝበለ ጭካነ ዝተመልኦ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ኣብ ዝወርደሉ ዝነበረ ቅድስቲ ፎቲኒ ምስ ሙሴ ወዳን ሓሙሽተ ኣሕዋታን ኣብ ቓርጣግ ትነብር ነበረት። ናብዚ ቦታ ዝመጸት ድሕሪ ሰማእትነ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓወርያ ጳውሎስን ወንጌል ንምስፍሕፋሕ ብትልእኾ ምዃን ኣብ ገለ ጽሑፋት ይሕብር።  ኔሮን እቲ ናይ ሮማ ንጉስ ክርስቲያን የሳድድ ኣብ ዝነበረሉ ፎቲኒ ምስ ሞስ ወዳን ሓሙሽተ ኣሕዋታን ኣብ ካርተጅ(ቕርጣግ) ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናይ ሕጂ ኣልገርያን ቱኒዝያን ኣብ ትምህርተ ወንጌል ተጸሚዳ ነበረት። እቲ ዓብይ ወዳ ቪክቶር ግና ኣንጻር ባርባራውያን ኣህዛብ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሮማውያን ተሰሊፉ ተዋጊኡ ዓብይ ጅግንነር ብምስካሩ ኣብ ንእሽተይ ኤስያ ኣታሊያ እትብሃል ከተማ ኣዛዚ ሰራዊት ኮይኑ ተሸይሙ ነበረ። ዽሓር ግና ብትእዛዝ ኔሮን ክርስቲያን ማሪኹ ንኽቀጽዕ ናብ ሮማ ተጸውዐ። ኣብ ሮማ ኣብዝኣተወሉ ሳብስትያን ዝተባህለ ብዓል ስልጣን ንቪክቶር ጸዊዑ ከምዚ በሎ “ንስኻን ኣዴኻን ሓኻን ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ ምዃንኩም እፈልጥ እየ። ፍቃድ ንጉስ ክትመልእ ግና ከም ዓርከይ መጠን ይመኽረካ። ንዝኾነ ክርስቲያን እንተሓቢርካ ድማ ናይ ሃብቶም ተኻፋሊ ትኸውን። ንኣዴኻን ሓውኻን ድማ ክርስቶስ ከይሰብኩን እምነቶም ብስቱር ከካይዱን ደብዳበ ልኢኸ ክሓቶም እየ።”ቪክቶር ብወገኑ ከምዚ ኽብል መለሰሉ “ከም ኣደይን ሓወይን ሰባኺ ክርስቲያን ክኸውን እየ ዝደሊ።” ሳብስቲያን ድማ “ኦ ቪክቶር ከመይ ዝበለ ስቃይ ንዓኻን ነዴኻን ንሓውኻን ከምዝወርደኩም ኩልና ንፈልጥ ኢና።” እዚ ምስ በለ ሃንደበት ኣብ ኣዒንቱ ብርቱዕ ቃንዛ ተሰምዖ እሞ ዖረ። ኣፉ ዓባስ ኮነ ገጹ ድማ ጸልማት ተከድነ። ንሰለስተ መዓልታት ቃል እትብሃል ከይተዛረበ ብዕዉሩ ጸንሐ። ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ግና ከምዚ እና በለ ጨርሐ” ናይ ክርስቲኣይን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ሓቀኛ ኣምላኽ።” ቅዱስ ቪክቶር ንምንታይ ብሃንደበት ሓሳቡ ከምዝተለወጠ ሓተቶ። “ምኽንያቱ ክርስቶስ ይጽውዓኒ ኣሎ።” ኢሉ ብስትያን መለሰ። ቀልጢፉ ድማ ተጠምቀ፡ ኣዕንቱ ድማ ርእያ። ኣገልገልቱ ድማ ደድሕሪ ጥምቀት ሳብስቲያን ኣሚኖም ተጠምቁ።

እዚ ዜና እዚ ኣብ ንጉሥ ኔሮን በጽሐ፡ ናብ ሮም ናብኡ ክመጹ ድማ ኣዘዘ። ነቶም ምሰኻኽር ክርስቶስ ድማ ጎይታ ተገሊጹ “ኣጆኹም ኣይትፍርሑ! ኣነ ምሳኹም ኣሎኹ፡ ኔሮን ኣገልገልቱን ክጠፍኡ እዮም” በሎም። ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንቪክቶር “ብዙሓት ብሰንክኻ ክበርሁን ብኣይ ክኣምኑን ስለዝኾኑ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ስምካ ፎቲኖስ (ብሩሁ/ብሩህ) ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ”በሎ። ጎይታ ነቶም ክልኦት ክርስቲያን ክሳዕ መወዳእታ ኣብ እነቶም ክጸንዑ ንሳብስቲኣይን ከበርትዕዎም ኣዘዞም። እዚ ኹሉን ኣብ መጻኢ ዝኸውን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንፎቲኒ ኣብ ቅርጣግ ከላ ገለጸላ።  ብዙሓት ክርስቲያን ኣኸቲላ ቅርጣግ ሓዲጋ ናብ ሮም ብምኻድ ነቶም ክርስቲያን መሰኻኽር ኣብቲ ኣኽሊል ዓወት ዝጭብጥሉ ኣደባባይ ሓበረቶም። ብምምጻእ ፎቲኒ ብዙሕ ህዝቢ ተገረመ “እዚኣ መን እያ” እና በለ ድማ ክሓትት ጀመረ። ንጉሥ ኔሮን እቶም ቅዱሳን ከምጽእሉን ብሓቂ ኣመንቲ ክርስቶስ ምዃኖም ክሕተቱን ኣዘዘ።  ኩሎም መሰኻኽር ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒ ምዃኑ ኣይንኽሕድን ኢሎም ኣብ እምነቶም ጸንዑ። እቲ ንጉሥ መላግቦ ኣዕጽምቶም(ዓንካር ኦኣንካሪቶ ኢዶም) ክቆርጽዎም ኣዘዘ። እቶም መሰኻኽር ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ እዚ ኹሉ ግፍዒ ቃንዛ ዝብሃል ኣይተሰምዕምን ኣእዳዎም ድማ ብትኣምር ናብ ዝነበርኦ ተመልሳ። ስቃይና ቃንዛና ጸዋሪ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽሉ ስቃዮም ኣርሓቀሎም።

ንጉሥ ኔሮን ቅዱስ ሳብስቲያንን ቅዱስ ፎቲኖስን ቅዱስ ሞስን(ንእሽተይ ሓዉ ንቅዱስ ፎቲኖስ) ኣዒንቶም ኣዕዊሮም ኣብ እስሩቤት ክዳጉንዎም ብምእዛዝ ንቅድስቲ ፎቲኒ ኣዲኦም ምስ ኣሕዋታ-ኣናቶላ፡ፎታ፡ፎቲስ፡ፓራስኬቫ፡ ቅይራክን ግና ጓል ኣንስተይቲ ብገንዘብን ዘብለጭልጭ ወርቅን ሃብቲ እዛ ዓለም ብኸምአን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ይታለላ እየን ኢሉ ብምሕሳብ  ናብ ቤተ መንግሥቲ ብምውሳድ ኣብ ሓለዋ ጓል ኔሮን ክትሓዛ ገበረ።

እንተኾነ ግና ናይ ኔሮን ሓሳብ ንናይ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ፈቃድ መንገዲ ዝህብ ኮይኑ ብምርካቡ ድሚኒና ጓል ኔሮን ንፎቲኒ ስም ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጥቃስ ብሓጎስ ሰላም በለታ። እታ ቅድስቲ ኣደ ናይ ጓል ንጉስ ሰላምታ ምስ ሰምዐት ብሓጎስ ሰላም ኢላ ሰዓመታ። ቅድስቲ ፎቲኒ ንዶሚኒና ጓል ንጉስ ምስ ኣገልገልታ ብጎያታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእሚናታ። ንጓል ንጉሥ ድማ ኣንትውሳ ኢላ ሰመየታ። ኣንትውሳ ምስ ተጠመቀት ኩሉ ስልማታን ኣዋርቅን ንድኻታት ናይ ሮማ ክዕደል ኣዘዘት። ብተወሳኺ ቅድስት ፎቲኒ ሓደ ዝተመረዘ መግቢ ኣብሊዑ ንኽቀትላ ዝተኣዘዘ ጠንቛሊ ኣእሚና ክርስቲያን ጌራቶ እያ።

ሰለስተ ዓመት ብከምዚ ምስ ሓለፈ ኔሮን ናብ ቅዱስ ሳብስቲያን ቅዱስ ፎቲኖስን ቅዱስ ሞስን ዘለውዎ እስሩቤት ሓደ ካብ ኣገልገልቱ ድሃይ ክፈልጥ ልኣኸ። እቲ ዝተላእኸ ከምዚ ክብል ልእኽትኡ ናብ ንጉሥ ኣምጽአ “ሳብስቲያን፡ ፎቲኖስ፡ ሞስ ካብ ዕውረቶም ሙሉእ ብሙሉእ ሓውዮም ክርስቲና ኣብ ምስባኽ ተዋፊሮም ኣለዉ። ኩሉ እቲ እስሩቤት ድማ ናብ ብርሃን እግዚኣብሔር ዝኸብረሉ ምኡዝ ሽታ ዘለዎ ኮይኑ” በሎ። ኔሮን ብሕርቃን እቶም ቅዱሳን ክስቀሉን ኣብ ጥራይ ዝባኖም ድማ ብኹርማጅ ክግረፉን ኣዘዘ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ሞት ናይ እቶም ቅድሳን ክርእዩ ኣገልገልቱ ናብቲ ዝተሰቅልሉ ባታ ልኣኸ፡ እንተኾነ ግና እቶም ኣገልገልቲ ንጉሥ ኣብቲ ቅዱሳን ዝተገርፍሉን ዝተሰቅልሉን ቦታ ምስ በጽሑ፡ ኣዕንቶም ዓወራ። ቅዱሳን መላእኽቲ መጺኦም ነቶም ቅዱሳን ፈቲሖም ኣቁሳሎም ፈወስሎም። እቶም ቅዱሳን ነቶም ዝዓወሩ ኣገልገልቲ ንጉሥ ኔሮን ደንገጽሎም እMኦ ጸልዮም ኣሕወይዎም፡ ድሕሪ እዚ እቶም ኣገልገልቲ ንጉሥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ተጠመቁ።

 ኔሮን ነገሩ ኣቆጢዒዎ ንቅዱስ ሳብስቲያን ፎቲኖስን ሞስን ኣእጋርሞ ብምቑራጽ፡ ቆርቦቶም ብምቅላጥ ናብ ኣኽላባት ደርበይዎም። ኣሕዋት ቅድስቲ ፎቲኒ እውን ብኣሰቃቂ ዝኾነ ግፍዒ ኣውረደለን። ኣጥባተን ቆሪጾም ቆርበተን ክቀልጥወን ኣዘዘ። ብግፍዒ ንጹሓን ዝተፈልጠ ንጉሥ ንፎቲስ ሓፍቲ ቅድስቲ ፎቲኒ ብጭካነ ንምስቃይ መደብ ኣውጽአ። ክልተ ኣእጋራ ኣብ ክልተ ብገመድ ተወጢሮም ዝደነኑ ኣእዋም ኣሰርወን፡ ነቲ ነተን ኣእዋም ወጢሩ ኣሲሩ ዝነበረ ገመድ ምስ ቆረጽዎ  ኣካላት እታ ቅድስቲ ኣደ ኣብ ክልተ ብምትርታሩ ሰማእትነታ ኣብእምነታ ብምጽናዕ ብኸምዘ ብዓወት ዛዘመቶ።  እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ኣሕዋት ቅድስቲ ኣደ ፎቲኒን ፎቲስን  ድሕሪ ብዙሕ ኣሰቃቂ ግፍዒ ክስየፋ ኣዘዘ።

ጨካን ንጉሥ ኔሮን ንቅድስቲ ፎቲኒ እውን እንተኾነ ቆርበታ ቀሊጦም ኣብ ሓደ ዒላ ክድርብይዋ ኣዘዘ። ፎቲኒ ካብ ዝነበረቶ ዒላ ብምውጻእ ኣብ እስሩቤት ንዕስራ መዓልቲ ተኣስረት። ኔሮን ንቅድስቲ ፎቲኒ ናብኡ ጸዊዑ እምነታ ኪሒዳ ንጣዖት መስዋእቲ ክትህብ ሓተታ። ቅድስቲ ፎቲኒ ኣብ ገጹ ጡፍ ብምባል እና ስሓቀቶ ከምዚ እናበለት መለስትሉ “ኦ ናይ ዕውራን ዝረኸስካ፡ ሕሱርን ረሳሕ ፍጥረት፡ ንጎይታን መድኃኒየይን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሒደ ከማኻ ዕዉር ንጣኦት መስዋእቲ ከቅርብ ዝታለልካኒ ኮይኑ ይስምዓካ ኣሎ፧” እዚ ምስ ሰምዐ ኔሮን ናብቲ ዔላ ክድርብይዋ ኣዘዘ ኣብኡ ድማ ነፍሳ ናብ ጎይታ ኣማዕቆበት። ዝኽራ ለካቲት 26 ዘብዕልዎ ኣለዉ፡ ብትሽዓተ መጋቢት ዝብዕልዎውን ኣለዉ፡ ከምኡውን ኣብ መጋቢት ዓሰርተ ዝብዕልዎ ኣለዉ። 

ኦሓያል መድኃኒ! ንዕብራውያን ካብ ከውሒ ማይ ዘፈልፈልካ፡ ናብ ሰማርያ ብምምጻእ ንሳምራዊት ሰበይቲ ዝረዳእካያ፡ ናባኻ ዝሰሓብካያ፡ ሕጂ ድማ እንሀት ሕይወታ ዘይትሓልፍ ገነት ወሪሳ

ብመንፈስ ቅዱስ ዝበርሀት ኦ ዝኸበርኪ! ካብ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ማይ ዝሰተኺ፡

ብኹፉት ኣእዳው ነቶም ዝጸምኡ ሃብክዮም

ዓባይ ሰማእቲ ንድኅነት ነፍሳትና ናብ ጎይታና ኢየስስ ክርስቶስ ጸልይልና።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።