mm_logo3.jpg

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን

ኣደነቅቲ ስራሕ ቅዱስ ዮውሓንስ አፈወርቅ ኣብ ምፍታሕ ሽግራት ቤተክርስቲያን

 

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ፣- ፓትሪያሪክ ናይ ቁስጥንጥንያ (398-404 ዓ.ም)

ነገራት ከም ቀደሞም ኣይነበሩን፥ ሓደስቲ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣብ 397 ኣገጣመ። ንብዙሓት ሃንደበት ዘይገመትዎን እኳ እንተነበረ፥ እግዚኣብሔር ንዕብየት ቤተክርስቲያን ብጥበቡ ዝገበሮ ብምንባሩ ኩሉ ንጽቡቅ ኮነ። ነገሩ ከምዚ እዩ፡ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንቅዱስ ፍላቭያን ተኪኡ ናይ ኣንጾኪያ ጳጳስ ክኸውን ኣብ ግምትን ሓሳብን ደቂ ሰብ ዝነበረ እዩ። ኮይኑ ግን ብ397 ዓ.ም ናይ ቁስጥንጥኒያ ፓትሪያርክ ንቁዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ተኪኡ ዝተሸመ ሊቀ ጳጳስ ኔክታርዮስ ዐረፈ። ነዚ ክፉት ርእም ኣብ ግዝኣት ናይ ምብራቃዊ ሮማ ዋና ከተማ ዝነበረት ቁስጥንጥንያ ንምሻም ብግልጽን ብሕቡእን ብዙሕ ጻዕሪ የካይዱ ነበሩ። ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ ግን መንበሩ ንምሓዝ ዝናፍቁ ዝነበሩ ጳጳሳት ሃንደበት ዘፍርሕ ዜና ተሰምዐ። ንጉሥ አርቃዴዎስ ናይ ዩትሮጲየስ (ምኒስተር) ምኽሪ ሰሚዑ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ከተማ ኣንጾኪያ ሕዝቢ ከይሰምዐ፣ ከይፈለጠን ብቅልጡፍ ናብ ቁስጥንጥንያ ክወስዶ ነቲ ኣምሓዳሪ መልእክቲ ለኣኸሉ። ምእመና ኣቦና ኣይንሰድድን ኢሎም ዝኾነ ዓይነት ተቃውሞ ከይገብሩ ብምስጢር ከም ዝወጽእ ድሕሪ ምግባሮም፣ ናይ’ቲ ከተማ ገዛኢ፣ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ከተማ ወጻኢ ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ምስኡ ንክኸይድ ሐተቶ።  ካብ ንጉስ ኣርቃዴዎስ ብዝመጸ መልእክቲ መሰረት ከኣ ኣብ ሠረገላ ምስ ደየበ ብፍጥነት ዝኾነ ዓይነት ሓሰባት ከይሃቡ፣ ብአዘዝቲ ሰራዊት ተዓጂቡ ናብ ቁስጥንጥኒያን ተወስደ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ፣ መጻሕፍትን ዓቢ ክብሪ ከውህብዎ ናብ ዝኸእለሉ ናይ ፈተናን መድረክ(ናይ መንፈሳዊ ውግእ ዓውዲ) ከኣ በዚ ዓይነት ምክኒያት ተወስደ።

ናበይ ከም ዝወስድዎ ዘለዉ ዝፈለጠ ከኣ ድሒሩ ኣብ ቁስጥንጥንያ ምስ በጸሐ ነበረ። በዚ ዓይነተ ነገር ከኣ ብዘይ ድልየቱን ፍቃዱን፣ ጌና ድልየቱ ከይተሐተ ናይ ቁስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝኸውን ተገብረ። ለካቲት 26 መዓልቲ ብ398 ዓ.ም ብዙሓት ጳጳሳት ኣብ ዝተረክብዎ ብዓቢይ ሥነ ስርዓት ብቅዱስ ቴዎፍሎስ ዘእስክንዲርያ ኢድ ተሾመ።  ቴፍሎስ ዘእስክንድርያ ናይ ባዕሉ ጳጳስ ንኽሾም ኣዳሊዩ ነበረ፣ ዘይሓስቦ ኮይኑ ግን ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ስለ ዝኣዘዞ ብዘይ ድልየቱ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ንክሾም ተገደደ።

ካብ’ዚ መዓልቲ ጀሚሩ ከኣ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ሒንኡ ንክፈዲ ሕርቃኑ ከውጽእ ምቹእ ግዜ ይጽበ ነበረ።

እዚ ኩሉ ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዜ ብሙኻኑ ብዙሕ ሽግራት ዘለዎ፣ አዚዩ ከቢድ ነበረ። ኃጢያት ከም ጽድቂ ኾይኑ ዝረኣየሉ ዘመን፣ ግፍዒ፣ መከራን፣ ብዙሓት ቀቲልካ ሐላፍነት ምውራስ ከም ጅግንነት ኣብ ዝረኣየሉ ቤተ መንግስቲ ቀሪብካ ሙሻም ቀሊል ኣይነበረን። ነገር ግን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ቅድሚ ኹነት ዝሰርዖ ነገር፣ ኣብ ቁስጥንጥንያ ሰሪጹ ኣቲዩ ዝነበረ ሽገራት ፍትሕ ነበረ። ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ኣንጾኪያን ጳጳስ ፍላቭያንን፣ ኣብ ሞንጎ ሮምን እስክንድርያን ዝነበረ ባእሲ ሰላም ዕርቂ ከም ዝከውን ገበረ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ናይ ምብራቅን፣ ምዕራብን ክርስቲያን ናብ ናይ ቀደም ሓድነቶም ተመልሱ።

ቁስጥንጥንያ ብንጉስ ቆስጠንጥንኖስ ብ330 ዓ.ም ዝተመስረተ ኮይና፣ ናይ ምብራቃዊ ሮም ቀንዲ መናገዲ ኮነት። ኣብ ምብራቃውያን ናይ ቤተ ክርስትያን መናብርቲ ከኣ ቀዳምነት ተዋህባ። ንናይ እስክንድሪያ መንበር ሓሊፋ ከኣ ቀዳመይቲ ኮነት። ብ381 ዓ.ም ኣብ ዝተገብረ ካልኣይ ዓለም ለኻዊ ጉቦኤ፣ ጉባኤ ኒቅያ ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ኣርዮሳዊያን ብዝረከብዎ ዓወት ኣብ ዝገበርዎ ኣዋጅ ኣትሓሒዞም ናይ ቁስጥንጥንያ (ናይ ሓዳስ ሮም) ሊቀ ጳጳስ ብክብርን፣ ብመዓርግን፣ ምስ ጥንታዊት ሮም ኣተሓሒዙም ካልኣይ ደረጃ ሃብዋ።

          ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነዚ ከቢድ ናይ ሞጋሰ ሐላፍነት፣ ናይ ክርስቶስ ሓደራ ተሸኪሙ፣ ብስነ ምግባር ተበላሺዩ ዝነበረ ሕብረ ተሰብን፣ ዝተበላሸወ ሕይወት ዝነበሮም ናይ’ቲ ዘመን ሃብታማትን፣ ሰበ ስልጣንን፣ ጽድቅን፣ ሓቅን ብሐጢያት ከንግሡ ኣብ ዝጽበይዎ፣ ግቡእ ስራሕ ንኸሰርሕ ብቆራጽነት ተንስአ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ርቱዕ ሃይማኖት፣ ቆራጽን ሓቀኛን ዝኮነ ኣቦ፡ ንሕዝቢ ንክመልስ እግዚኣብሔር ዘዳለዎ ኮይኑ፣ በቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዘምጽኦም ለውጢ ግልጺ ኮነ።  ንዘመናት ተሓዋዊሱ ዝነበረ ጌጋ ትምህርቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣርሒቁ ከኣ ርቱዕ ዝኾነ ትምህርቲ ናይ ቤተ ክርስቲንን፣ ገዳማዊ ሕይወትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሕደስ ገበር። ቀጺሉ ከኣ ኣብ መንበረ ፓትሪያሪክ ዝነበረ ጌጻ ጌጻትን፣ ሸይጡ ንድኻታትን፣ ነቶም ኣብ ሕክምና ዝሳቀዩ ዝነበሩ ምእመናን መሐከሚ ገበሮ። ኣብ መንበረ ፓትሪያሪክ ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ውራያትን፣ መብልዕን፣ ኣርሒቁ ከኣ መንበረ ጵጵስናኡ፣ ቀይሩ ገዳማዊ ሕይወቱ ቀጸሎ። ኣብ መንበር ጵጵስና ዝነበረ ንብረት፣ ነቶም ኣገደስቲ ጥራሕ ኣትሪፉ ንድኻታት ክኸውን ኣወፈዮ።

ኣብ ቤተ ክህነት ዝነብረ ካብ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾነ ልምዲ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ እጥፈኦ። ኣብ’ቲ ግዜ ነገስታት ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሓት ካህናት ዝተበላሽወ ልሚድ ስለ ዝነበሮም፣ ንቐፌታ ይመጾም ነበረ። ነዚ ነገር ከኣ ብኣጽንዖት፣ ካብ ክፉእ ግብሮም ንክምለሱ ይግስጾም ነበረ። ብዙሓት ብድንግልና ክነብሩ ዝወሰኑ ካህናት፣ ኣብ መንበሪኦም ደገፍቲ ዝኾንኦም ደናግል ኣንስቲ ሒዞም ብሕብረት ይነብሩ ነበሩ። ብዙሕ ክፉእ ነገር እኳ እንተ ዘይተሰምዐ ተሰምዖም፣ ብዙሕ ነቀፌታን ሓሜትን ግን ይመጽእ ኔሩ። ካብ’ዚ ተበገሱ እዚ ነገር ንቤተ ክርስቲያን ስለ ዘንቅፋ፣ ኩሎም ካህናት ነዚ ነገር ከቋርጽዎ ከም ዘለዎም ገበረ። ብጀይካ ምስ ቀርባ ቤተ ሰብ፣ ዝኾነ ይኹን ጳጳስ፣ ካህን፣ ዲያቆን፣ ምስ ጓል ኣንስተይት ብሕብረት ከይነብር ገበረ። “ብነጻ ተዋሂብኩም ኢኩም እሞ ብነጻ ሃቡ” እንዳ በለ ከኣ ዝኾነ ይኹን ኣግልጋሊ ካብ ፍቅሪ ገንዘብ ወጺኡ፣ ስለ ምእመናን ክነበር ከም ዘለዎም ኣትሪሩ ይነግሮም ነበረ። ካብ ገዳም ወጺኦም ኣብ ከተማ ዝኾሉ ዝነበሩ መነኮሳት ከኣ ናብ ገዳሞም ከም ዝምለሱ ገበረ። ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ንመነኮሳት ፍሉይ ፍቅሪ ነበሮ፣ ዝኾነ ዓይነት በደል ከይገጥሞም ከኣ ብጣዕሚ ይጥንቀቀሎም ነበረ፣ ዘድልዮም ዘበለ ካብ ምግባር ከኣ ንድሕሪ ኣይብልን ኔይሩ። ነገር ግን ኣብ ከተማ ምዛሮም ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘንቅፋ ፈሊጡ፣ ኣብ ከተማ ዝዞሩ መነኮሳት በፍጹም ኣይፈቱን ነበረ። ሓደ ብቅትለት ሓደ ብዝሙት ዝተታሕዙ ክልተ ዲያቆናት ካብ መዓርጎም ሰዓሮም። ናይ ኣርዮሳዊያን ሰለማዊ ሰልፍን፣ ናይ ክሕደት ፕሮፓጋንዳ ከፍርስ ከኣ ከተማ ምሉእ ምእማናን መሪሑ ብመዝሙር ይኾላ ነበረ።

ናይ ድኻታት ነገር ኣይረሰዐን፣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዘይመልእ ከኣ ንድኻታት መሐከሚ ዝኸውን እንዳ ሕክምና (ሆስቢታል) ኣስረሐ። ስለ ንድኻታት ዝግበር ምጽዋት ኣመልኪቱ ከኣ ከም’ዚ እንዳ በለ ይምህር ነበረ “”ኣካል ናይ ክርስቶስ ክተክብሩዎ’ዶ ትፈትዉ᎒ መልስኹም እወ ኣንተ ኾይኑ፣ ዕራቁ ኮይኑ እንዳ ራእኹሞ ረጊጽኩሞ ኣይትሕለፉ። ኣብ ፈቀዶ መንገዲ ዕራቁ ኾይኑ፣ ብኣስሓይታን ቁርን ይሳቀ ኣሎ እሞ፣ ዕራቁ ወዲቁ ብቁሪ እንዳ ተሳቀየ፣ ረጊጽኩሞ ሓሊፍኩም፣ ኣብ’ዚ ቤተ መቅደስ ብገንዘብን፣ ብወርቅን ከጊጸካ ኣይትበልዎ። “”እዚ ስጋይ ኢዩ” ኢሉ ዝተዛረበ ክርስቶ ባዕሉ “ጠምየ ሪእኹምኒ ኣየብላዕኩምንን ዝበለ፣ ከም’ኡ ከኣ “ካብ‘ዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ካብ ዝገበርኩሞ፣ ንዓይ ከም ዝገበርኩሞ” ዝበለ ንሱ ባዕሉ ስለ ዝኾነ፣ ሓውኻ ብጥምየት እንዳ ተሳቀየ፣ እንዳ ሞተ፣ ቅዱስ ደሙ ዝቅድሖ ጽዋእ፣ ብወርቅ እንተ ተለበጠ ወይስ እንተ ተቀጥቀጠ ጥቅሙ ኣበይ ኢዩ። ኣቀዲምካ ናይ ሓውኻ፣ ጥሜት ብምጽጋብ፣ ጽምኡ ብምርዋይ ጀምር፣ ካብ’ዚ ንደሓር በቲ ዝተረፈካ ግንዘብ ቤተ መቅደስን ንዋያተ ቅዱሳትን፣ ከም’ኡ ክተጸብቅ ትኽእል ኢኻ።” ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ስለ ምእመናን ክጸሊ ከሎ ካብ’ቲ ዝነበሮ ፈጹም ፈቅርን ትሕትናን ዝተላዕላ “ኦ ኣምላከይ ኣገልገልትካ ስለ ዝኮኑ ጎይቶተይ ይልምነካ ኣለኸኩ” ብምባል ይጽልየሎም ነበረ። ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ ምእመን ከኣ ኣስተርጓምቲ እንዳ ገበረ ብዙሕ ግዜ ይምህሮም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከምኡ ናብ ቋንቋኦም ይትርጉመሎም ነበረ።

ቅዱስ ዮሓንስ ዝኾነ ይኹን ሓጥእ ካብ ምግሳጽ ንድሕሪት ኣይብልን። ብፍላይ ብዛዕባ ዝኾነ ጌጻ ጌጽ ኣብ ዘስተምህረሉ ግዜ ንግሥቲ አውዶልስያ ንዓይ ኢዩ እንዳ በለት ብዙሕ ፈተናታት ተቅርበሉ ነበረት። ንሱ ግን ስለ’ዚ ነገር ከም’ዚ እንዳ በለ ይምህር ነበረ።“”ኣብ’ዚ ዓለም ንፈርሖ ነገር እንታይ ኢዩ᎒ ሞት᎒ በፈጹም፣ ነዓይ ሕወተይ ክርስቶስ ኢዩ። ሞት ከኣ ኸም’ኡ። ስደት ዲዩ᎒ ዓለም ኮነ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ኩሉ ናይ እግዚኣብሔር ኢዩ። ሃብቲ መጥፋእ እንተ ኾይኑ᎒ ካብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ሒዝና ከም ዘይንወጽእ ዝተፈልጠ ኢዩ። ናይ ዓለም ረብሻ ኮነ ፍርሃት ከም ቁም ነገር ኣይቆጽሮን፣ ሃብቱ ኮነ ሕይወቱ ከም ኢምንት (ባዶ ከም ዝኾነ ጌር ይርእዮ ኣለኹ። ድኽነት ኣይፈርሕን፣ ሃብቲ ከኣ ኣይምነን። ንሞት ከኣ ኣይሽበርን፣ ንስኻትኩም ብሃይማኖትን፣ ብምግባርን ንኽትዓቢዩ፣ ምናልባት ንእሽተይ ክሕግዘኩም እንተ ዘይኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ዓለም ንምንባር ኢለ ናብ ፈጣሪየይ ኣይጽልን። ስለ’ዚ ዝተፈተኹም ወገናተይ፣ በዚ ዝኸውን ዘሎ ነገር ኣይትጨነቁ ይብለኩም ኣለኹ።”

ብጽንዓቱ፣ ብፍቅሩን ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናይ ቁስጥንጥናያ ሕዝቢ ካብ ዝተበላሸወ ሕይወት ተመሊሶም ትምህርቱ ብኣድናቆት ክሰምዕዎ ጀመሩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኽኣ መንበረ ፓትሪያሪክ ናይ ቁስጥንጥኒያ ዓቢይ እድናቆት ረኽበት። ንግሥቲ አውዶክስያ ከይተረፈ ብዝናኡ ከተድንቆ ክተኽብሮን ጀመረት። ነገር ግን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብኣጽንዖት ክግስጽ ከሎ ክትጸሮ ስለ ዘይከኣለት ፍቅራ ኣንዳ ቀሃመ ከደ። ኣበ መጨረሽታ ከኣ ንግሥቲ አውዶክስያ ናይ ሓንቲ ድኻ ግራት ምስ ወሰደት ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ንክትመልሰላ ብትሕትና ሓተታ። ነገር ግን ክትመልሶ ፍቃደኛ ኣይነበረትን፣ ብኣንጻሩ ክብረታ ዝቀነሰላ መሲሉዋ ብሕርቃን ተበሳጨወት። እዚ ከኣ ርክብ ቤተ መንግስትን፣ መንበረ ጵጵስናን ክሽሕኩር ጀመረ። ቀስ ብቀስ ከኣ ሽግራት ብውሽጠ ውሽጢ ኣንዳ ተሓላለኸ ናብ ዘሰክፍ ሕይወት ኣምረሐ።

  1. ቀዳማይ ፈተነ ኣብ መንጎ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን፣ ቤተ መንግስትን

ኣብ ቤተመንግሥ ኣገልጋሊ(ባርያ) ኾይኑ ዝገልግል ዝነበረ ሚንስተር ባይቶ ዝኾነ ዩትሮጲየስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተሰከሞ ሓለፍነት ንጎድኒ ጓስዩ ዘጸይፈ ስራሕን፣ ብዙሕ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ክፈጽም ስለ ዝጀመረ፣ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወቅ ኣብ ቤተ መንግስቱ ከይዱ ብዙሕ ለመኖ። ነገር ግን ምክሩ ሽለል ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘስደምሙ ክፉእ ግብርታት፣ ማለት ንድኻታት ሃብቶም ምዝማት፣ ንብረቶም ምውሳድን፣ ንዝተቃወምዎ ከኣ ካብ ሃገሮም ምብራር ናተይ ኢሉ ሓዞ። ካብ’ኡ ሃዲሞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝዕቆቡ ብዙሓት ስለ ዝነበሩ፣ ንዓኦም ክረክብ ኢሉ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ማለት” ብኮነ ምኽኒያት ሃዲሞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተዓቁበ፣ ኣሕሊፋ ኣይትህብን” ዝብል ሕጊ ቤተክርስቲያን ሰዓሮ። ኣብ መጨረሽታ ግን ሕዝቢ ሃንደበት ኣብ ልዕሊኡ ተላዒሎም ክቀትልዎ ተበገሱ። ካብ ኣፍ ሞት ሞሊቁ ኽኣ ኣብ ዘድመያ ቤተ ክርስቲያን ተሓብአ። ሕዝቢ ቤተ ክርስትያን መዕቆቢት ምዃና ክሒዱ ባዕሉ ከም ዝሰዓሮ ፈሊጦም ንኽቀትልዎ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። ነገር ግን ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝመጸ ኣሕሊፈ ንደገ ኣይህብን ኢሉ፣ ካብ ኣፈ ሞት ንኸድሕኖ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣእቲዩ ሓብኦ። ኣብ’ዚ ግዜ ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ብክፉእ ኣወዳድቃ ዝወደቀ ሚንስተር ኣመልኪቱ ክልተ ዘደንቁ ስብከታት ብምስባኽ ነድሪ ሕዝቢ ኣዝሓሎ። ዮትሮጲየስ ከኣ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ብለይቲ ወጺኡ ክሃድም ክብል ተታሒዙ ድህሪ ቅሩብ ግዜ ተቀቲሉ ተረኽበ።በዚ ምኽንያት ድማ “”ሰብ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ እንተ ዘይጎዲኡ ዝጎድኦ ወላ ሓደ የልቦን” እናበለ ሰበኸ።

ካብ ዮትሮጲየስ ቀጺሉ ከኣ ዝከፈአ ከቢድ ፈተና ኣብ ቁስጥንጥናይ ተላዕለ። ጋይናስ ዝተባህለ ኣገልጋሊ ናይ ቤተ መንግስቲ፣ ነቲ ብመራሒ ሰራዊት ትሪቢጂልድ ዝተላዕለ ክፉእ ዓመጻ ከሕፍር ተላእኸ። ነገር ግን ዝተላእኾ ገዲፉ ኣብ ክፋእ ግብሩ ምስ ትሪቢጂልድ ሓበረ። ንጉስ ኣርቃዴዮስ ከኣ ምእንቲ ሰላም ኢሉ ኣብ ግብሮም ክሓብር ግዴታ ኾኖ። ጋይንስ ከኣ ናይ ቤተ መንግስቲ ዋና ኣዛዚ ኾይኑ ተሸመ። ሕብረቱ ምስ ኣርዮሳዊያን ብሙዃኑ ከኣ ንቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ጸቅጢ ክገብረላ ጀመረ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ንዕኡን፣ ሓደ ከምኡ ዝበለ ኣርዮሳዊን መራሕን፣ ዝመርሕዎ ቤተ ክርስቲያን ይወሃበና ኢሉ ሕቶ ኣቅረበ። ነገር ግን ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነዚ ነገር ብዙሓት ጳጳሳት ኣኸቲሉ፣ ኣትሪሩ ኮነኖ። ናይ ቁስጥንጥኒያ ህዝቢ ብሕርቃን ካኣ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ብዙሓት ኣርዮሳዊያን ቀተሉ። ጋይስር ከኣ ንግዚኡ ኣምሊጡ እኳ ኣንተ ነበረ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግን ተቀትለ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ስልጣን ኣመልኪቱ ዘደንቅ ስብከታት ኣቅረበ። እዚ ኽኣ ኣብቶም ጽምኢ ናይ ስልጣን ዘለዎም፣ ዓቢ ጽልኢ ኣሕደረሉ። ካብኣቶም ሓንቲ ከኣ ንግሥቲ ኣውዶክስያ ነበረት። ኣብ ክፉእ ግብራ ሕብረት ዘለዎም ከኣ ክፉእ ወረን ፣ ሕማቅ ስምን ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ክዝርግሑ ጀመሩ።

ጸኒሓ ከኣ ኣውዶክስያ ናይ ካሊትሮጳ ዝተባህለት መሬት ብሓይሊ ወሰደትላ፣ ንሳ ኸኣ ዝወረዳ ነገር ክትስምዕ ናብ ኣቦ ድኻታት ዝኾነ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ መጸት። ንሱ ከኣ ንኣውዶክስያ እቲ ዝወሰደቶ መሬት ናብ ዋንኡ ክትመልስ ብትሪ ኣጽኒዑ ገሰጻ። ይኹን ኣንበር በዚ ኣይተመሃረትን ደጊማ ናይ ካልእ መበለት መሬት ስለ ዝወሰደት ቅዱስ ዮሐንስ ከም ቀደሙ ብኣጽንዖት ገሰጻ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ከኣ ከቢድ ፍሕፍሕ ተጀመረ።

ብተወሳኺ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓቢ ፈተና ተሓሚሳ ነበረት። ናይ ኣርዮሳዊያን ፈተና ከይኣክል፣ ልዕሊ ሽዱሽተ ዝኾኑ ጳጳሳት ግቦ ክፊሎም ሽመት ተቀቢሎም ነበሩ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ኣብ መንጎ ንጹሃት ኣገልገልትን፣ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዓቢ ሓዘነ ክይኑ ነበረ። ብ401 ከኣ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ መጺኡ ሽግሮም ክፈትሓሎም  ብዓቢይ ሓዘን ኣትዮም ተማሕጸንዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ምንም እኳ ብጽኑዕ ሓሚሙ እንተ ነበረ ንቤተ ክርስቲያን ዝነበሮ ፍቅሪን፣ ሓዘን ናይ ምእመናን ተረዲኡ ናብ ኤፌሶን ኣምረሐ። ነቲ ኣብ ኤፌሶ ዝነበረ ፍልልይ ከኣ ጉባኤ ሰሩዑ፣ ነቶም ብገንዘብ ዝተሸሙ ጳጳሳት ካብ መዓርጎም ስዒሩ፣ ተነሲሖም ኣብ ቤተ ክርስቲያ ከም ምእመን ኮይኖም ከግልገሉ ጵጵስናኦም ከኣ ወላሓንቲ ረብሓ ከም ዘይብሉ ገሊጹ ኣረድኦም፣ በዚ ተሓጊሶም ተሰማምዑ። ድሕሪ ጉባኤ ከኣ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝመልኦም ሓደስቲ ሽዱሽተ ጳጳሳት ተሾሙ።

እግሩ ተክቲሎም ብዛዕባ ኣባጊዕ ርሕራሔ ዘይብሎም ኣገልገልቲ መጺኦም ብድሕሪኡ ኣብ ቁስጥንጥንያ ነገራት ክኣጉዱ፣ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ከኣ ክፍኣት ክሓላልኹ ጀመሩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ኤፈሶን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንግዚኡ ሓላፍነት ሒዝሉ ዝነበረ ሴቬሪይን ዝተባህለ ጳጳስ ነበረ። ነገር ግን ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዕሽሽ ብምባል ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ነገራት ናብ ክፉእ መንገዱ ክመርሕ፥ ተቀባልነት ክርክብ ብዙሕ ነገር ከቆላምጽ ጀመረ። ንሴራፒዮን፣ ሊቀ ዲያቆና ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከኣ ኣብ መንገዲ ክሓልፍ ርእዩኒ ተሲኡ ኢድ ዘይነሰኣለይ ኢሉ ካብ ዝነበሮ መዓርግ ሰዓሮ።  እቲ ነገር ብጉባኤ እንተ ተመርመረ ከኣ ዘይተሰገደሉ እምባረ ካልእ ኣበር ከም ዘይነበሮ ፈሊጦም ንሴራፒዮን ንስሓኡ ተቀቢሉ ንሴቬሪይን ይቅረ ክገብረሉ ለመንዎ። ንሴቬሪይን ግን ብሕርቃን ዝተላዕለ “ሴራፒዮን ብክህነቱ ኮይኑ ኣንተ ሞይቱ ክርስቶስ ሰብ ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረበ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ከኣ ኣዚዶ ይበሃል ኢሉ ገሰጾ። በዚ ከኣ ንነዊሕ ዝጽበያ ዝነበረ ተንኮል፣ ምኽንያት ረኺቡ፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዝፈሓሶ ተንኮል ንክፍጽም ተዓጥቀ። ካብ ኤፈሶን ተመሊሱ ቅዱስ ዮሐንስ ኤልያስን ኤልዛቤልን ኣንዳ ኣነጻጸረ ትምህርቲ ኣስተምሃረ። ንሴቬሪይን ከኣ እዚ ንአውዶክያስ ከም ዝተሰብከ ጌሩ ኣረዲኡ እዚ ዘይበበሃል ክፍኣት ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ወጠነ፣ ዓቅሞም ድሩ ስለ ዝነበረ ግን ደገፍ ናይ ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ ዘእስክንዲርያ ወሳኒ ነበረ።  

ቴዎፍሎስ ካብ 385 ክሳብ 412 ዓ.ም መበል 23 ሊቀ ጳጳስ ናይ እስክንድሪያ ዝነበረ ኮይኑ፣ ፍሉይ ተውህቦ እኳ ኣንተ ነበሮ ነገር ግን ሓያል፣ ጨካን፣ ንዝሓሰቦ ነገር ካብ ምፍጻም ንድሕሪት ዘይብል ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወር ሊቀ ጳጳስ ጌይሩ ዝሸሞ ንሱ እኳ እንተ ነበረ፣ ነገር ግን ትእዛዝ ካብ ንጉስ ስለ ዝመጾ እንበር ካብ መጀመርታስ ፍቃደኛ ኣይነበረ። ምኽኒያቱ ቀዳምነት ንቁስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ክኸውን ኢሉ ንኤሲዶር (Isidore) ዝተባህለ ዝተመስገነ ኣቦ ኣዳሊዩ ነበረ። ካልኣይ ከኣ ዝኾነ ዓይነት ማዕርግ ክሸይም ከሎ፣ ኣብ ትሕቲኡ ተማሓዲሮም ዝከዱ፣ ከም ድላዩ ዝእዝዞም፣ ፍቃዱ ዝገብሩ እምበር፣ ናይ ባዕሎም ስብእና ዘለዎም፣ ናይ ባዕሎም ውሳኔ፣ ዕላማን ዝፍጽሙ ኣይሸይምን ነበረ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከኣ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ኣካል ኣይነበረን፣ ከመይ ንሱ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ዝሰርዖ እግዚኣብሔር ኣንበር ንሰብ ከኽበር ኢሉ ካብ ሓላፍነቱ ኣይዝንብል፣ ሃዲኡ፣ ኩሉ ነገር ብመንፈስ እግዚኣብሔር ዝምርምር፣ ውሳኔኡ ከኣ ብኣፍልጦን ብርእሰ ተኣማንነትን ነበረ።  ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ እዚ ፈሊጡ ሓሳቡ፣ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝደለዮ ነገራት ከም ዘይገብረሉ ተረዲኡ ንግዜ ይጽበ ነበረ። በዚ ምክኒያት ኣብ ስደትን መከራን ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ቐንዲ ተጠቃሲ ኢዩ።

ከም ምክኒያት ኮይኑ ዝቀርብ ከኣ መጻሕፍትን፣ ትምህርትን ናይ አርጌንስ (ኦሪገን) ኢዮም። ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ ኣብ መጀመርታ ደጋፊ ናይ ኣርጌንስ ከም ዝነበረ፣ ቀንዲ ቀረብቱ ከኣ ደገፍቲ ናይ ኣርጌንስ ከም ዝነበሩ ይግለጽ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ብዙሓት ካብ ደገፍቲ ኣርጌንስ ዝነበሩ ብኤጲስ ቆጰስነት ማዕርግ፣ ከምኡ ውንሊቀ ካህናት ጌሩዎም ከም ዝነበረ ይግለጽ። ካብ’ዚ ኣቶም ተጠቀስቲ ዝኮነ ከኣ ኣባ ኤስድሮስ ሓደ ኢዩ። ካልእ ጳውሎስ ዝበሃል ጳጳስ አርጌንስ ብምድጋፉ ካብ ግብጺ ከም ዘባረሮ ይንገር። ኮይኑ ግን ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ምስ ኣባ ኤስድሮስ ብናይ ውልቁ ጉዳይ ተባእሱ። ቀንዲ ዘባእሶም ምክንያት ከኣ ጉዳይ ወርቂ ገንዘብን ነበረ። ካብ ሐንቲ ክርስቲያን ንድካታት ተባሂሉ ንኣባ ኤስድሮስ ዝተዋህበ ወርቂ፣ ሊቀ ጳጳስት ቴዎፍሎስ ከይፈለጠ ኣብ ሞያ ብምውዓሉ ነበረ። ኣባ ኤስድሮስ ዘይነገሮ ምክኒያት ከኣ እንተ ፈሊጡ ካባይ ወሲዱ መስርሒ ህንጻ ክገብሮ ኢዩ፣ ብዝብል ፍርሒ ነበረ። ኣባ ኤስድሮስ ገንዘብ ሓደራ ንድካታት ምስ ኣውዓሉ፣ ብዜና ሰሚዑ፣ ኣዚዩ ተቆጥዐ። ድሕሪ ክለት ወርሒ ከኣ ካህናት ኣኪቡ ናይ ሓሶት ክሲ ባዕሊ ፈጢሩ፣ ሓደ ሰብ ቅድሚ 18 ዓመት ከሲሱካ ኔሩ ነገር ግን ብስራሕ ስለ ዝተጨናነቅኩ ረሲዐዮ ጸኑሐ ብምባል ወረቀት ሃቦ። ኣባ ኤስድሮስ ግን ሐራይ ንስካስ ነቲ ክስስ ረሳዕካዮ፣ ነገር ግን ክሳሲ ከመይ ጌሩ ይርስዖ ብምባል ኣብ ማእከል ጉባኤ መለሰሉ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግን ብሓብቱ ጌሩ ጉቦ ኣክፊሉ፣ ሓንቲ ክሳሲት ጓል ኣምጽእ። እዚ ውን ክሳርሕ ኣይከኣለን፣ ብኣንጻሩስ ገበኑ ኣብ መእከል ህዝቢ ደኣ ተገልጸ። እዲኣ ነታ ከሳሲት መጺኣ ገንዘብ ጉቦ ኣይንቅበልን፣ ብምባል እቲ ገንዘም ኣምጹኣ ካብ ሓብቲ ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ ኣምጺኣ ኣቀበለቶ። ነገር ግን ቅዱስ ቴዎፍሎስ ነዚ ሪኡ እዚዩ ሓረቀ። ንኣባ ኤስድሮስ ከኣ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተባረረ ብምባል ኣወገዞ።  ድሕር’ዚ ኣባ ኤስድሮስ ንሕይወቱ ስለ ዝፈረሐ ከተማ ገዲፉ ናብ ናይ ቀደም ገዳሙ ኒጥሪያ ሃዲሙ ከደ።

ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ ናብ ቑስጢንጥንያ ሃደሞም ዝተዓቁቡ “”ብሸውዓተ ነዋሕቲ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ብርቱዓት መነኮሳት ብምንታይ ከም ዘረኻኽበሎም ምቹእ ግዜ ይደሊ ነበረ። እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ ኣብ ግብጺ ሸውዓተ ነዋሕቲ ዝብሃሉ ብርቱዓት ዝፈቀሩ መነኮሳት ነበሩ። ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ ምስኦም ጽቡቅ ርክብ እኳ እንተነበሮ፥ ሓደ ካብኦም እውን ናይ ሊብያ ጳጳስ ጌይሩ ሸሚዎ እኳ እንተ ነበረ እንተኾነ ግና ብመንፈሳዊ ብርትዐኦም ይፈርሖም ብምንባሩ ንዕኦም ዝብትነሉ ሜላ የናዲ ነበረ። ብዚ ድማ  ኣብ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣብ ሞንጎ መነኮሳት ክትዕ ከምዝልዓል ገበረ። ገሊኦም እግዚኣብሔር ረቂቅ እንበር፥ ሰብኣዊ መልክዕ የብሉን ዝብሉን፣ ምስቶም ነዚ ዝቃወሙ ኣገጨዎም። ናይ እግዚኣብሔር ረቂቅነት ዘይኣምኑ፣ አርጌንሳዊያን ክበሃሉ ከለዉ፣ ነቶም ዝተረፉ ከኣ “ኣንትሮፖሞርፊዛዊያን፣” ብምባል ሰየሞም። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ መነኮሳት ዓቢ ናዕቢ ፈጠረ። በዚ ዝተላዕለ ከኣ ብዙሓት መነኮሳት ካብ ገዳሞም ንምብራር መልእኽቲ ናብ ጉባኤን፣ ጳጳሳት ክልእኽ ጀመረ። ኣቀዲሙ ዘክብሮምን ብዓቢ መዓርግ ዝሸሞምን መነኮሳት ንኣባ ኤስድሮስ ምስኡ ሓቢሮም ስለ ዘይኮነንዎ ካብ ገዳማቶም በቢሓደ ኣንዳ ገበረ ከባርሮም ጀመረ። እዚ ከይኣክል ነቶም ኣንጻር ናይ ኣርጌንስ ትምህርቲ ዝምህሩ ዝነበሩ፣ ኣቀዲሙ እኳ ይነቅፎም እንተ ነበረ ተገልቢጡ፣ ናይ እግዚኣብሔር ረቂቅነት ዘይኣምኑ ኣልዒሉ ካብ ገዳማቶም ከባርሮም ጀመረ። ጸኒሑ ከኣ ሰራዊት ኣከቲሉ ናብ ኒጥሪያ ገዳም ናይ ኣባ ኤስድሮስ ከይዱ ንኹሎም ገዳማዊያን ገዳሞም ገዲፎም ከም ዝበረሩ ገበረ፣ ኩሉ መጻሕፍቶምን፣ በዓቶምን ከኣ ብሓዊ ኣቃጸሎ። ኣብ’ዚ ከኣ ሓደ ሕጻን ቆልዓ ሓቢሩ ከም ዝተቃጸለ ይንገር።

ኣብ ግብጺ መከራ ዝበዝሖም መነኮሳት፣ ገዳሞም፣ ገዲፎም ናብ ስደት ኣምረሑ። ካብ’ዚ እቶም ከኣ ብዕድመ ዝሸምገሉ፣ ኣረገውቶት፣ መንኮሳት ከይተረፈ ነበሩ። መሪር መከራን ዘስካሕክሕ ግፍዕን ዝወረዶም ኣቦታት ገዳሞም ገዲፎም ናብ ክቡር ሊቀ ጳጳስት ናይ ቁስጥንጥኒያ ናብ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣምረሑ። ንሱ ከኣ ብዕድመ ዝሸምገሉ መነኮሳት፣ መከራኦምን፣ ድኻሞምን ሪኡ ብሓዘን፣ ኣንዳ ነበዐ ተቀበሎም። ነሳቶም ከኣ ንሊቀ ጳጳሳት ቴዎፍሎስ ፈሪሖም “ንስካ ፍቃ ደኛ እንተ ክይንካስ ናብ ንጉስ ክንከይድ ግደፈና ኣንዳ በሉ ለመኑዎ። ነገር ግን ንሱ ምስ ቴዎፍሎስ ተዘራሪበ ክፈትሖ ኢየ ብምባለ “መልእኽቲ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ቴዎፍሎስ ልኢኹ ነቶም መነኮሳት ዝመጽሉ ምክኒያት ንማንም ከይዛረቡ ኣጠንቂቁ መዕረፊ ቦታ ሃቦም። ምእመናን ከኣ ፍሉይ ሓገዛት ይገብሩሎም ነበሩ። ንሱ ከኣ ኣጋጣሚ ካብ ቴፍሎዎስ ተላኢኾም ዝመጹ ካህናት ስለ ዝነበሩ ጉዳይ እዞም መነኮሳት ናብ መንበሪኡ ጸዊዑ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ “እዞመ መነኮሳት ብግፍዒ ካብ ህገሮም ዝወጹ ምዃኖም ገሊጾም፣ ንሱ ብፍቅሪ ተቀቢሉ ክከናኸኖምን፣ መዕቆቢ ክህቦምን ኣጺኒዖም ተማሕጸኑዎ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ነዞም መነኮሳት ኣብ ትሕቲኦ ከም ዘለዉ ናእሽቱ ደቁ ጌሩ ኣንዳ ተኸናኸኖም ከሎ “ነገር ብሰላም ንኽፈትሖ ደብዳቤ ናብ እስክንድርያ ለኣኸ። ነገር ግን ሊቀ ጳጳሳት ቴዎፍሎስ ነዚ ነገር ክቅበል ፍቓደኛ ኣይነበረን። ዝወረዶም ክስምዑ ናብ ንጉስ ክኸዱ ተዳልዮ ዝነበሩ፣ መነኮሳት ብጳጳሳት ኣንዳ ለመነ ደጊሙ “ግልጺ ጽኾነ ክሲ ሒዞም ናብ ንጉስ ክኸሱኻ ይኸዱ ኣለዉ፣ ስለ’ዚ ነገራት ብሰላም እንተ ፈታሕናቶም ይሓይሽ፣ እንተ ዘይኮነ ግን ኣነ፣ ደው ከብሎም ኣይክእልን” ብምባለ መልእኽቲ ለኣኸሉ። በዚ ከኣ ንሱ ዝግብኦ ስለ ዝገበረ ነገራት ካብ ርእሱ ኣውረደ።

ሊቀ ጳጳስት ቴዎፍሎስ ነዚ ኣብ ልዕሊ ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዘጋጠሞ ሽግራት ብኦርጌናውያን ዝብል ብምጽላም ክፉእ ሓሳብ ብምስጢር ሒዙ፣ ምስ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ተዓራረኸ። እዚ ከኣ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ካብ ቀደሙ ንኣርጌንስ ብትምህርቱ፣ ኮነ መጻሕፍቱ ከም ዘይፈትዎም ስለ ዘረጋገጸ ኢዩ። ሊቀ ጳጳስ ቴውፍሎስ ኣቀዲሙ ኣንትሮፖሞርፊዝማዊ ኢሉ ይነቅፎ ከም ዘይነበረ፣ ሕጂ ንቅዱስ ዮሐንስ ክረክብ ክብል፣ ናይ ንሰሓ ዓይነት ጽሑፋት ጽሒፉ፣ መጻሕፍቲ ናይ ኦርጌንስ ከወግዝ ኢየ ብምባለ መልእኽቲ ለኣኸሉ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ከኣ ነገሩ ብታሕጎስ ተቀቢሉ፣ ንብዙሓት ጳጳስት ኣኪቡ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ከይተረፈ ደብዳቤ ጽሒፉ መጻሕፍቲ ናይ አርጌንስ ንኸወግዝ ሓተቶ። ነገር ግን ንሱ ንጹህን፣ ቅዱስን ኣገልገሊ ብሙዃኑ እምበር ምስ ወጥመድ ናይ ቴዎፍሎስ ሕብረት ኣይነበሮን። ብፍቅሪ እግዚኣብሔር ቅናእ ብምንባሩ ከኣ ተቀላጢፉ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ጳጳሳት ኣኪቡ መጻሕፍቲ ናይ ኣርጌንስ ኣወገዘ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ግን ነገራት ብታህዋኽ ይግበሩ ከም ዘለዉ ፈሊጡ ዝኾነ ነገር ካብ ምውሳን ተዓገሰ። እዚ ከኣ ቀንዲ መባኣሲ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን፣ ቅዱስ ኤጲፋንዮስን ኮነ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅን ቅዱስ ኤጲፋንዮስን

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብናይ ቴዎፍሎስ ትእዛዝ ናብ ቁስጥንጥንያ ከይዱ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቲዩ ቅዳሴ ሰሪዑ ሓደ ዲያቆን ሾመ። እዚ ከኣ ካብ ቁኖና ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ነበረ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ከኣ ምምጻኡ ሰሚዑ ንኽቅበሎ፣ ብዙሓት ጳጳስት ሒዙ ይጽበዮ ነበረ። ነገር ግን ቅዱስ ኤጲፋኒዮስ ናይ ኣርጌንስ መጻሕፍቲ ከይኣወገዘ ኣይረክቦን ብምባለ ኣብ መርገጺኡ ጸነዐ። ጸኒሑ ከኣ ብዘይ ፍቓድ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ጉባኤ ሰሩዑ ብሕቡእ ጳጳስት ኣኪቡ መጻሕፍት ናይ ኣርጌንስ ንኸወግዙ ሓተቶም። ንዕኡ ካብ ዝነበሮም ኣክብሮት ብዙሓት ክቅበልዎ ከለዉ፣“”መብዛሕቲኦም ግን ስለ ሃይማኖት ዝሞተ፣ ሕጂ ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ኣልዒልካ ምጽራፍ ኮነ ምውጋዝ እንታይ ኣምጽኦ” ብምባለ ተቃወሙዎ።  እዚ ኩለ ኣብ ትሕቲ ምሕደራኡ እንዳ ተገብረ ከሎ፣ ሕጂ ውን ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዝነበሮ መርገጺኡ ጌና ኣይቀየረን ነበረ፣ ብኽብሪ ኣብ ወንበሩ ንክመጽእ ደጊሙ ሓተቶ። ኮይኑ ግን ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ናይ ኣርጌንስ መጻሕፍትን፣ እዞም ካብ ቴዎፍሎስ ሃዲሞም ዝመጹ መነኮሳትን ከየወገዝካ ኣይሓብረካን ብምባል ኣብ መርገጺኡ ጸንዐ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዝኸውን ዘሎ ነገር ተረዲኡ ብጥንቃቄ ንኽሕዞ ብዙሕ ጸዓረ።

ኮይኑ ግን ጸላእቲ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ መንጎ ዝተኸፍተ ጋግ ተጠቂሞም፣ ጉባኤ ሰሪዖም፣ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ንቅዱስ ዮሐንስ ንክወቅሶ፣ ኣብ ማእከል ሕዝቢ መጻሕፍት ናይ ኣርጌንስ ምውጋዝ ኣቢዩ፣ ኣርጌንሳዊያን ሒዙ ብምባል ንክነቅፎ ጉባኤ ስርዕሉ። ነገር ግን ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዕላምኦም ርእዩ፣ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከኣቱ ከሎ፣ ብሊቀ ዲያቆናት ሴራፒቶስ ጌሩ ከም’ዚ ዝብል መልእኽቲ ለኣኸሉ” ኤጲፋንዮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተቃራኒ ዝኾነ ብዙሕ ነገር ጌርካ፣ ብመጀመርታት ኣብ ትሕተይ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያናት ኣነ ከይፈለጥኩ ኣቲኻ ኣገልጊልካ፣ ክህነት ሂብካ፣ ጉባኤ ሰሪዕኻ። ኮይኑ ግን ነዚ ኩሉ ገዲፈ ክቅበለካ ምስ በልኩ ፈቃደኛ ኣይነበርካን። ናባና ክትመጽእ ዓዲምናካ ውን እንቢ ኢልካ። ኩሉ ነገር ብርእስኻ ትውስን ኣለካ፣ ሕጂ ውን ትገብሮም ዘለኻን፣ ክትገብሮም ትሓስብ ዘለካን ነገር ኣብ ህዝቢ ዘምጽኦ ባእስን፣ ክርክርን፣ ዘምጽኦ ሳዕቤን ታሓታቲ ከይትከውን፣ ኣብ ሓደጋ ከይትወድቅ ተጠንቀቅ” ።

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ተግሳጽ ሰሚዑ ብቅልትጡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጺኡ ጉዕዞ ናብ ቆጵሮስ ሃገሩ ጀመረ። ካብ ቴዎፍሎስ ዝሃደሙ መነኮሳት ተኸቲሎም ብምርካብ“ “”ኣቦና ጽሑፍና ኮነ ጽሑፍ ደቂ መዛሙርትና ኣንቢብካ ዶ ትፈልጥ” ብምባል ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ “”ኣይፈልጥን” ብምባል መለሰሎም። “”ንሙኻኑ ትፈልጠናዶ” ብምባለ ደጊሞም ምስ ሓተትዎ ከኣ “”ኣይፈልጠኩምን” ብምባለ መለሰሎም። “”እሞ ጽሑፍና ኮነ ሓሳብና ከይፈለጥካ ደኣ ከመይ ኢልካ መናፍቃን ትብለና” ብምባለ ተዛረብዎ። ንሳቶም ከኣ ትምህርቱ ኮነ ጽሑፋቱ ከም ዝሰምዑን፣ ንጽሑፋቱ ኮነ ትምህርቱ ዝነቅፉ ከም ዝቃወሙ ገለጽሉ። ነገራት ካብ ዝተጸበዮም ዝተፈለዩ ምዃኖም ርእዩ ኸኣ፣ ዝገበሮ ጌጋ ከም ዝኾነ ተረዲኡ፣ ኩሉ ብስርሒት ቴዎፍሎስ ከም ዝተገብረ ኣረጋገጸ። ጌና መንገዱ ክጅምር ከሎ ኸኣ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ “”ኣብ መንበርካ ከለኻ ኣይትመውትን” ከም ዝበሎ ይግለጽ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ መሊሱ“”በል ካብ በልካስ ንስኻ ውን ኣብ ወንበርካ ጵጵስናኻ ኣይትበጽሕን” ከም ዝበሎ ይፍለጥ። ናይ ክልቲኦም ቅድስና ንኽረጋገጽ ከኣ ክልቲኦ ዝበልዎ ተፈጸመ። ቅዱስ ኤጲፋኖስ በቱኡ ከይበጽሐ ኣብ መንገዲ ዓረፈ። ቕዱስ ይወሓንስ ኣፈወርቂ ድማ ካብ ወንበሩ ብሕጊ ኣልቦነት ከምዝስደድ ተገብረ።

  1. ስደት ዮሓንስ ኣፈወርቅ

ቀዳማይ ስደት የሐንስ ኣፈወርቅ፥ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅን ቴዎፍሎስ ዘእስክንድሪያን

 

ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ መንኮሳት ቀሪቡ ከዘራርቦም ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብዙሕ ግዜ ይምሕጸኖ ነበረ። ነገር ግን ቴዎፍሎስ ፍቃደኛ ስለ ዘይኮነ ስደት ዝመረሮም መነኮሳት ኣብ ጉዳዮም ብመንግስቲ ክረኣየሎም ኣብ ልዕሊ ቴዎፍሎስ ብዝሕ ክሲ ኣቅረቡ። በዚ መሰረት ከኣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ንቴዎፍሎስ ካብ እስክንድርያ ከምጽኡ ተላእኩ። ነገራት ብሰላም ክፍተሑ ብዙሕ ግዜ ዝነጽጎም ዝነበረ ሕጂ ዘይትተርፍ ምኻና ፈሊጡ ንግቦ ዝኸውን ብዝሕ ወርቅን፣ ገንዘበን ኣብ እስክንድርያ ክእክበ ጀመረ። እቲ ጸዋዒት ንሱ ንበይኑ ከመጽእ ኣኳ እንተ ነበረ፣ ንሱ ግን ወረቀት ኣንዳ ጸሓፈ “”ኣለዉኒ” ዝብሎም ዝነበረ ጳጳስት ከም ዝእከቡ ገበረ። ካብ እስክንድርያ ኸኣ 29 ጳጳስት ሒዙ ኣብ እስክንድርያ ኣተወ። መንበረ ፓትሪያሪኸ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ገዲፉ ከኣ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኮይኑ፣ ንገለ ብግቦ፣ ንገለ ብውዳሴ ኮንቱ ጌሩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ገበሮም። ምስክር ክኾንዎ ከኣ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ክልተ ዲያቆናት ኣብ ልዕሊ ቅዱ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ክሲ ኣንተ ኣልዒልኩም መዓርኩም ከመልሰልኩም ብምባለ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርን ባዕሉ ዝፈጠሮ ክሲ ከም ዘዳልዉ ገበሮም።

ብተወሳኺ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ’ዚ ግዜ ስለ ጌጻትን፣ ስለ ስርዓትን ዝምልከት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ስብከት ይሰብኽ ነበረ። ጸላእቱ ከኣ ንኣውዶክስያ ንዓኪ ኢዩ ዝነቅፍ ዘሎ ኣንዳ በሉ ጽልኢ ይፍሕስሉ ነበሩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ካብ ድኻ ዝወሰድኪዮ መሬት እንተ ዘይመሊሳቶ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘየትኣቱ፣ ኣወጊዙዋ ነበረ። እዚ ከኣ ንቴዎፍሎስ ዓቢ ዓወት ነበረ።

ተኸሲሱ ናብ እስክንድርያ ዝመጸ ቴዎፍሎስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኮይኑ፣ ብገንዘብ ዝገዝኦም ኣገልገልትን፣ ጉቦ ክፊሉ ዘጠረዮም ውልቀ ሰባትን ተደጊፉ ኣብ ውሽጥ ሓጺር ግዜ ከሳሲ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወር ኮይኑ ተላዕለ። ንኽሱ ክሕግዞ ከኣ ብኽፉእ ግብሮም ዝሰዓሮም ጳጳሳትን፣ ካህናትን፣ ዲዮቆናትን፣ ንኸብዶም ዘተገዝኡ ኣገልገልትን ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ክሱ ኣጽነዐ። ኣውዶክስያ ከኣ ቀንዲ የማነይቲ ኢድ ናይ ቴዎፍሎስ ኮይና ተላዕለት። ብዙሓት ነናቶም ዕላማን፣ ሽርሕን ዝነበሮም፣ ካህናትን ጳጳስትን ከኣ ኣብ ክሲ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ተሰማምዑ። ድሕሪ ቅሩብ ከኣ ባል ኦክ ኣብ ዝተባህለ ቦታታት ጉባኤ ብሕቡእ ሰርዑ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ዘይብሉ ከኣ ባዕላቶም ከሰስቲ ባዕላቶም ዳያኑ ኮይኑም ብዙሓት ካህናትን፣ ጳጳሳትን በዲሉ ብምባል፣ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ከይሃበ፣ ኣብ ዘይተሳተፎ ጉባኤ ሕይወቱ ምሉእ ኣብ ስደት ንኸሕልፎ ተፈርደ። ኣብ መንጎ ሕዝቢ ምስ ተሰምዐ ከኣ ዓቢ ሓዘን ኮነ። ነገር ግን ሓንቲ ቃል እንተ ተዛሪቡ፣ ዓብይ ህውከት ከም ዝኸውን ፈሊጡ፣ ብትሕትና ናብ ስደት ኣምረሐ። ሓደ ሓደ ጸላእቱ ንንግስቲ ጻሪፉ ብምባል ንሞት ክፍረድ ኣኳ ይጽበዪ እንተ ነበሩ፣ ኮይኑ ግን ሕይወቱ ኣብ ስደት ንኸሕልፍ ተፈርደ።

          ቴዎፍሎስ ነገር ኣርጌንስ ጠቅላላ ኣይዘከሮን። ኣኳ ድኣ ተመሊሱ ከም ቀንዲ ምኽኒያት ጌሩ ዝሰርዖም ዝነበረ መጻሕፍት ናይ ኣርጌንስ ተመሊሱ ከንብቦም ጀመረ። ኮይኑ ግን ናይ ኣቡኦም ፍቅሪ ዝኣተዎም ምእመናን ኣቦና ናበይ ከይዱ ብምባል ብለይቲ ቤተ መንግስቲ ከቢቦም፣ ብምንታይ ተፈርዱ እንዳ በሉ፣ ነቲ ኣብ ባልኦክስ ዝተገብረ ጉባኤ ክነቅፉን ከቃልሉን ጀመሩ። ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ከኣ ነዚ ሪእዩ ንቅዱስ ዮሐንስ ክመልሶ ሓሰበ። ሽዑ ምሸት ከኣ ኣብ ቁስጥንጥንያ ዓብይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮነ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲን፣ ኣብ ናይ አውዶክስያ ቤተን ኣዚዩ ሓያል ነበረ። ብፍርሒ ከኣ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብ ስደት ንክምለስ ንንጉሥ ተማሕጸነት።

          ነገር ግን ንሱ ብጉባኤ ዝተፈርዶ ፍርዲ ሓቅነቱ ከይተረጋገጸ ኣብ መንበርይ ኣይምለስን ብምባለ ኣበየ። ኮይኑ ግን ንሱ ብዝደንጎየሉ ሰዓት ናይ ህዝቢ ሕርቃን ይነድድ ስለ ዝነበረ፣ ናዕቢ ከይፍጠር ኢሉ ተመልሰ። ብዙሓት መራኽብ ከቢበንኦ ከኣ ብዓቢ ክብሪን፣ መዝሙርን ናብ ቁስጥንጥንያ ኣተወ። ቴዎፍሎስ ነዚ ነገራት ከም ዘየዋጽኦ ሪእዩ ብቅልጡፍ ናብ እስክንድርያ ተመልሰ። ብዙሓት ጸላእቱ ከም በዓል ሴቭሪያን ከኣ ቁስጥንጥንያ ንሕይወቶም ኣስጋኢት ኮይና ስለ ዝረኸብዎ ገዲፎማ ጠፍኡ።

ካልኣይ ስደት ቅዱስ  የውሓንስ ኣፈዎርቅ

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ስደት ምስ ተመልሰ፣ ጠፊኡ ከም ዝተረኽበ ዑንቂ ኣብ ቁስጥንጥንያ ዓብይ ሓጎስ ኮነ። አውዶክስያ ከኣ ዝፈጸመቶ ገበን ንኽትሽፍን ብዙሕ ውረድ ደይብ ተብዝሕ ነበረት። ነገር ግን ክልቢ በሊዑ ናብ ትፋኡ ከም ዘበሉ ድሕሪ ቅሩብ ጸኒሓ ከም ልማዳ ካብ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ክትሕንግድ ጀመረት። ኣብ ቅድሚ ናይ ቅድስቲ ሶፊያ ቤተ ክርስቲያን ሓወልቲ ኣስሪሓ ከኣ ብዙሕ ውራይን፣ ጎይላን ክትገብረ፣ ንምእማናን ቤተ ክርስቲያን ገዲፎም ንዓኣ ከም ዘሳስዩ ክትገበር ጀመረት። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ከኣ ነዚ ነገር ብኣጽንዖት ኮነኖ።  ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ዕለተ ዕረፍት ከኣ ብዙሓት ሰበስልጣን ከም’ኡ ውን አውዶክስያን ብኣካል ኣብ ዝነበረትሉ ጽኑዕን፣ ተሪርን ተግጻጽ ኣስመዐ። ነገሩ ስለ ዝመረሮ ከኣ ብሓቂ ተቆጢዑ “”ሕጂ ውን ሄሮርያዳ ኣብ ሕርቃን ኢያ፣ ሕጅ ውን ኣብ ሳዕስዒት ኢያ፣ ሕጂ ውን ርእሲ ናይ ዮሐንስ ክትወስድ ኣብ ምድላው ኢያ” ከም ዝበለ ይንገር። በዓል ሴቭሪያን ከኣ ነገራት ከሳውሩ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ቃላት ብዓይኒ መርፊእ ኣብ ዝሕልውዎ ዝነበሩ፣ ከም’ዚ ኢሉኪ ኣንዳ በሉ ነገራት ከሳውሩ ጀመሩ።

አውዶክስያ ንባእሲ ብሃንቀውታ ትጽበዮ ስለ ዝነበርት እዚ ሰሚዓ ንንጉሥ ኣርቃዴዎስ ምስ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርስ ከተጻልኦ ተዓጥቀጥ። ጸኒሓ ከኣ የማናይ ኢዳ ቴዎፍሎስ ካብ ኣስክንድርያ ክመጽእ ከም ዝሓለፈ ጉባኤ ክገብሩ ጸዋዒት ኣመሓላለፈት። ጸላእቲ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ከኣ ከም ስጋ ዝረኣየ ኣሞራ ይመስሉ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጹ። ቴዎፍሎስ ዘእስክንድርያ ግን ካብ ዝሓለፈ ስለ ዝተማህር፣ ብኣካል ክመጽእ ፍቃደኛ ኣይነበረ። ነገር ግን ወረቀት ጽሒፉ “”ካብ መንበሩ ንኽስደድ ዝተፈርዶ፣ ከም ብሓድሽ ስለ ዝተመልሰ ክስደድ ይግብኦ ኢዩ” ብምባለ መልእኽቲ ጸሓፈ። እቲ ዝገርም ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣፍሪስዎ ዝበሃል ዘሎ ስርዓት ኣርዮሳዊያን ንቅዱስ ኣትናቴዎስ ክርኽቡ ኢሎም ዘጽደቅዎ ቅኖና ነበረ። ዝኾነ ኮይኑ ድሕሪ ብዙሕ ወረድ ደይብ ኣርቃዴዎስ ኣብ መንጎ ተቀርቂሩ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ስደት ንኽድሕን ብዙሕ ጸዓረ። ደሓር ግን ዝመጾ ዝነበረ ታቃውሞ ክጻወር ስለ ዘይከኣለ ንቅዱስ ዮሐንስ ናብ ስደት ከምርሕ ፍርዲ ተመሓላለፈ።  ቅዱስ ዮሐንስ ግን ዝተቀበልኩዎ ሓደራ ገዲፈ ናብ ስደት ኣይከይድን ብምባለ ስቅ ኢሉ ጉዳይ ኣገልግሎቱ ቀጸለ። ኮይኑ ግን ሰይጣን ዝተኻረዮም ጽረ ሰላም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣስዓቡ።

ጳጳሳትን ካህናትን ብ404 ዓ. ም ናይ ትንሳኤ ዋዜማ ለይቲ፣ ንብዙሓት፣ ንዑሰ ክርስቲያን፣ ናይ ጥምቀት ምስጢር ንምፍጻም፣ ኣብ ምድላው ከለዉ፣ ብናይ ወተሃድር ሓይሊ ብዙሕ ግፍዒ ተፈጾሞም። ተጠመቅቲ ተቀጥቀጡ፣ ተከላበቱ፣ ናይ ምስጢር ቁርባን፣ ንዋያተ ቅዱሳን፣ ብናይ ኣህዛብ ሰራዊት ረኸሱ። ካህና ኣብ ኣገልግሎት ከለዉ፣ ዝለበስዎ ልብሲ ተኽህኖ፣ ከየውጽኡ፣ ናብ ፈቀዶ ከተማ ኣሳጎግዎም። ጰላድዮስ ብሰቆቃ ናይ ዛምሸት እዚኣ ክዛረብ፥ “ንዑሰ ክርስቲያን ክጥመቅሉ ዝተዳለወ ማይ ብደም ተበከለ፣ ንስርየት ሓጢያት ክትከውን ዝተዋህበት ቤተ ክርስቲያን ምፍሳስ ደም ተፈጸማ” ይብል። ናይ ደስታን ናይ ሓጎስን ዝነበሩ ናይ ትንሳኤ ስሙናት፣ ብወገን ክርስቲያን፣ ናይ ሰቆቃን፣ ናይ መሪር ሓዘንን፣ ስሙናት ኮኑ። ናይ ግለ ሰብ መንበሪ ከኣ፣ ኣንዳ ተዘምቱን፣ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ቀረባ ፈተውቱን፣ ድገፍቱን፣ ተሓጋገዝቱን ዝኾኑ ጥራሕ ዘይኾነስ፣ “”ይኾኑ ኢዮም” ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኩሎም እንዳ ተገርፉ፣ እንዳ ተዘብጡን፣ እንዳ ተሳቀዩን ናብ እሱር ቤት ተደርበዩ።  ቅዱስ ዮውሓንስ ኣፈወርቂ ክኣ ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ተወሲኑ ከሎ ክልተ ጊዜ፣ ካብ ናይ ሞት ፈተና ደሓነ።  

ኩይኑ ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝወረደ ዘስቅቅ መከራ ክይኣክል ሰኔ ዕለት ሓሙሽተ ብ404 ዓመተ ምሕርተ ንጉሥ ኣርቃዴዎ ስደት ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወር ብፌርማ ኣጽደቀ። ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ጳጳሳትን፣ ካህናትን፣ ምእመናን፣ ሒዙ ናይ መጨርሽታ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምግባር “ኣነ ዕረፍቲ ክወስድ ክኸይድ ኢየ፣ ንስኻትኩም ግን ንግዚኡ ኣብ’ዚ ጽንሑ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ከቢድ ሓዘን ወደቁ። ድሕሪኡ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ንድኻታት እንዳ ሓገዙ ዝነብሩ ዝነበሩ ከም በዓል ኦሊምፒያንን ካልኦትን ጸዊዑ ከም’ዚ በሎም። “ናተይ ጉዳይ ኣብ ፍጻሜ ከም ዝበጸሐ ይረኣየኒ ኣሎ። መንገደይ ወዲአ ኣለኹ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ትሪኡኒ ኣይመስለንን። ሓንቲ ነገር ንዓኹም ዝሓተኩም እንተ ሃሊዩ ንቤተ ክርስቲያን ዘለኩም ቅኑዕ ኣርእያን ኣገልግሎትን ማንም ከየስሕተኩም። ኣብ ናተይ ቦታ ዝትካእ ሰብ ንሱ ሽመት ከይደለየ፣ ብዘይፍቃዱ፣ ክምኡ ኸኣ ብናይ ኩሉ ስምምዕነት እንተ ተሼይሙ ልክዕ ዮሐንስ ከም ዝኾነ ጌርኩም ተቀበልዎ። ንዓይ ከም ዝገበርኩምዎ ንዕኡ ከኣ ተኣዘዝዎ ምኽኒያቱ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ጳጳስ ክትከውን ስለ ዘይከኣል። ከም’ዚ እንድሕሪ ጌርኩም ከኣ ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክትረኽቡ ኢኹም። ንዓይ ከኣ ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ።”

ምስኡ ሓቢሮም ዝነበሩ ጳጳሳት፣ ካህናት ምእመናን ከኣ ኣብ ዓቢ ሓዘን ወደቁ። ኩሎም ዝፈትውዎ ኣቦኦም ክፍለዮ ሙዃኑ ፈሊጦም ኣብ ዓብይ ሓዘን ወደቁ። መንበር ጰጵስናኡ ከቢቦም ንዕኡ ክሕልዉ ሕዝቢ ከቢቦም ከለዉ፥ ንዚእቶም ናብ ሓደ ወገን ኣብልዎ በሎም። ንሱ ኽኣ ብዙሕ ሕዝቢ ናብ ዝነበሮ ናብ ምዕራብ ዝኸይድ ተመሲሉ ብምብራቅ ውገን ወጺኡ ናብ ስደት ክወስድዎ ናብ ዝተዳለዉ ሰራዊት ርእሱ ብትሕትና ኣረከበ። ብድሕሪኡ ከኣ ብዙሓት ክርስቲያን ናብ ቤተ ማእሰቲ ኣምርሑ። ቤተ ማእሰቲ ቤተ ክርስቲያን መሰለ። ብድሕሪኡ ከኣ በዓል ኣውዶክስያ ከኣ ሓሳቦ ዝፍጽምሎም ጳጳሳት እንዳ መረጹ ኣብ መንበር ናይ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ከቀምጡ ጀመሩ።ሕጋውነት ኣልቢሶም፣ ኣጽዲቁሎም ኣብ ዝተባለ ግዜ ክኣ ኣይጸድቅን ብምባሉ ስደቱ ክይኣክሎ ተወሳኪ እዚ ውን ከም ጸገም ትቆጽሮ።

  1. ሕይወት ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ኣብ ስደት

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ስደት ዝሕለፎም ግዝያት ከም’ዚ ኢልካ ክግለጽ ኣይከኣልን። ኣዝዩ ብርቱዕ ናይ ሓምሌን፣ ነሓሴን ሙቀት ዝርከቦ ናብ ሓደ ጭው ዝበለ በረኻ ብዕላማ ይመርሕዎ ነበሩ። ብገላትያን ብቀጰዶቅያ ጌሮም ኣብ ኣርማንያ ናብ ዝርከብ፣ “ናይ አውዶክስያ ሕርቃን ከውጽኡ ተባሂሉ ናብ ዝተመርጸሉ” ኣዚዩ እሸጋሪ ዝኾነ ካውካሰስ ዝተባህለ ምጥፋእ መድሪ ቦታ ወሰድዎ። ኩነታት ኣየረር ናይ ካውካሰስ ኣዚዩ ተለዋዋጢ ብሙዃኑ፣ ከምኡ ከኣ ብክረምቲ ኣዚዩ ቁሪ ብምዃኑ ብጣዕሚ የሳቅዮ ነበረ። ብረስንን፣ ብናይ ርእሲ ሕማምን ብዙሕ ግዜ ይሳቀ ነበረ።  እዚ ከይኣኽሎ ብቀደሙ ዕላምኦም ኣብ ካውካሰስ ኢሱርያስ ዝተባህሉ ሸፋቱ ብዙሕ ደብዳብ ዝፍጽምሉ ቦታ ስለ ዝነበረ ብኣእቶም ክቅተለ ተባሂሉ ኢዩ እዚ ቦታ ዝተመርጸሉ። ኣብ’ዚ ቦታ ክሳብ ዝበጽሕ ከኣ ንሰብዓን ሸውዓተን መዓልታት ብዘይ ዝኾነ ዕረፍቲ እግሪ ጎዕዞ ገበረ።

ኮይኑ ግን ድሕሪ ብዙሕ መከራን ሽግርን ኣብ ካውካሰስ ምስ በጽሐ ናይ ካውካሰስ ጳጳስ ብዓቢ ርሕራሔ ተቀበሎ። ኣብ’ዚ ኣንዳ መጹ ከኣ ብዙሓት ፈተውቱ ይሪእዎ ነበሩ። ንሱ ከኣ ኣብ ስደት ኮይኑ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቁስጥንቲንያ ይመርሕ ነበረ። ኣብ ካውካሰስ ከኣ ንናይ ኣርማንያን ምእመን ሰናይ ትምህርቱ እንዳ መገበ ብዙሓት ነፍሳት ናብ እግዚኣብሔር ይምለስ ነበረ። ካብ ቁስጥንጥንያ፣ ብፍላይ ከኣ ካብ ኦሊምፒያስ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ይግበረሉ ነበረ።  ዝተላእከሉ ገንዘብ፣ ተጠቁሙ ከኣ ነቶም ብኢሱሪንስ ዝተማረኹ ሰራዊት ብዙሕ ገንዘብ እንዳ ከፈለ ካብ እሱር ቤተ የላቅቆም ነበረ። ኣብ’ዚ ኮይኑ ከኣ ብዙሕ መልእኽትታት ናብ ቁስጥንጥንያ ይልእኽ ነበረ። ክሳብ ሕጂ 242 ዝኣኽሉ ብዓቢ ክብሪ ተዓቂቦም ይርከቡ። ካብ’ዚ ኣቶም ሓነቲ ናብ ዝተፈርደሉ ስደት እንዳ ከደ ከሎ ንሓደ ኮንስታንቲየስ ዝተባህለ ካህን ዝጸሓፈሉ መልእክቲ ከኣ ከም’ዚ ትብል፣-

“ኣርባዕተ ሓምሌ ካብ ኒቅያ ክለዓል ኢየ። ምንም እኳ ማዕበል ብብግዚኡ እንዳ በርትዐ እንተ ከደ፣ ዝጀመርካዮ ስራሕ፣ ማለት ኣምልኾ ጣዖታት ምፍራስን፣ ኣብያተ ክርስቲያን ምሕናጽን፣ ነፍሳት ናብ እግዚኣብሔር ናይ ምቅራብ ነገር ሸለል ከይትብል፣ ንምዝኽኻርን፣ ንምብርታዕን፣ ከምኡ ከኣ ሓደራ ክብለካ እዚ ደብዳቤ ይጽሕፈልካ ኣለኹ። ኣብ’ዚ ስራሕ ናይ ባዕለይ ኣስተዋጽኦ እንተ ዘይገበርኩ፣ ሽለልተኛ እንተኾንኩ፣ በዚ ወሪዱኒ ዘሎ ምኽንያት ንርእሰይ ናጻ ምውጻእ ኣይክእልን። ጳውሎስ ኣብ እሱር ቤትን ኣብ መከራን ከሎ፣ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ተዋጺኡ ኢዩ። ከም’ኡ ከኣ ነቢይ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ፣ ከምኡውን ሰለስቱ ደቂቅ ኣብ እሳት ሓዊ ተግባሮም ኣየቆረጹን። ስለዚ ዝኸበርካ ጎይታይን፣ ሓወይን፣ ነዚ ሓሲብካ፣ ብፊንቅን፣ ብዓረብን፣ ብምስራቅን (ዝተጀመረ ናይ ስብከት ወንጌልን [ስራሕካ ከይትርስዕ] )፣ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ሽለል ከይትብሎም ሓደራ ይብል ኣለኹ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ሽግርን መከራን፣ ንኣገልግሎት ዝከኣለካ ኩሉ እንተ ገበርካ ዋጋኻ ዕጽፈን ድርብን ክኸውን ኢዩ። ዝወስዱኒ ዘለዉ ናብ ሴባስቴ ዘይኮነስ ናብ ካውካሰስ ከም ዝኮነ ሕጂ ተረዲእኒ ኣሎ። እዚ ከኣ መልእኽቲ ንክትልእከለይ ንዓኻ ዝሓሸ ቦታ ኢዩ። ስለ ዝኮነ ኸኣ፣ ክንደይ ዝኣኽሉ ቤተ ክርስቲያናት ከም ዝተሃነጹ፣ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝተጠመቁን፣ ከምይ ዓይነት ናይ ሕይወት ዕቤየት ከም ዘምጽኡን በብግዜኡ ጸሓፈለይ። ብናይ መርቅያን ኑፋቄ እንዳ ተሓመሰት ኣብ ቆጵሮስ ኣብ ዘላ ኣብ ሰላሚስ፣ ነቶም ዝግብኦም ሰባት፣ ክግበር ዝነበሮ ነገር ምግበርኩ ኔረ። ኩሉ ነገራት ከኣ መስተኻከልኩ ኔረ። ነገር ግን ኣብ ስደት ኮይነ። ስለዚ ንዓለም ኩሉ ዘናውጽ ዘሎ፣ ማዕበል ጽጥ ከብሎ ምእንቲ፣ ብትዕግስቲ ኮይኖም፣ ብዙሕ ጸሎት ናብ እግዚኣብሔር ከቅርቡ ኩሎም ክርስቲያን፣ ብፍላይ ከኣ ናብ እግዚኣብሔር ዝቀረበ ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣዘኻክሮም።” ብምባለ ንምዕራባውያን፣ ምብራቃዊያን ጳጳሳት፣ ቀሳውስት፣ ዲያቆናት ይምሕጸን ነበረ።

ከምኡ ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ብቀዳማይን ካልኣይን ስደቱ ዝተሰምዖ ነገር ሲያሪኮኦስ ናብ ዝተባህለ ጳጳስ ከምዚ ብምባል ጽሓፈ። “”ካብ ከተማ ኣብ ዝተወሰድኩሉ ግዜ ምንም ኣይተጨነቅኩን። ነገር ግን ንገዛእ ርእሰይ ክምዚ በልኩዎ፣

ንግሥቲ  ከተሳድደኒ ንተ ደለየት፣ ምድሪ ብምልእታ ናይ እግዚኣብሔር ኢያ። ብመጋዝ ከትጨደኒ ንተ ደለየት፣ ብቅድመይ ነቢይ ኢሳይያስ ኣርኣያ ኣለኒ፣ ናብ ውቅያኖስ ከተስጥመኒ ንተ ደለየት ንነቢ ዮናስ ይሓስቦ ኣለኹ። ናብ እሳት ሓዊ እንተ ደርበየትኒ ሰለስቱ ደቂቅ ዚ ነገርዚ ተቀቢለሞ ኢዮም። ንኣራዊት ንተ ሃበትኒ ኸኣ ናብ ኣፈ ኣናብስቲ ዝተደርበየ ዳኒኤል ይዝክር ኣለኹ። ብዶንገላ ክትቅጥቅጠኒ ንተ ደለየት ከኣ፣ ቅዱስ እስጢፋኖስ ይርኢ ኣለኹ። ርእሰይ ንተ ደለየት ከኣ፣ ከም ዝደለየ ትግበር፣ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብ ቅድመይ ክብርህ ኢዩ። ካብ መጸን ወላዲተይ ዕራቀይ ወጺኣ፣ ነዚ ዓለም ከኣ ዕራቀይ ክገድፎ ኢየ። “ሰባት ደስ ዘብል እንተ ኾይነስ ናይ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣይንኩን”  ክብል ቅዱስ ጳውሎስ ይዘኻክረኒ”

ድሕሪ ስደቱ ኣብ ቁስጥንጥንያ መሬት ከም ዕንቁ ጸበበት። ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢይ በረድ ከም ዝናብ ወረደ። አውዶክስያ ክትሳቀ ጸንሓ ድሕሪ በረድ ምውራዱ ኣብ ራብዓይ መዓልታ ብጭንቀት ሞተት። ከምኡ ከኣ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ክውንጅሉ ኣብ ጉባኤ ኮክስ ቀንዲ መሳረሒ ኮይኑ ንቴዎፍሎስን፣ ንአውዶክስያን ዘሳሲ ዝነበረ ሲሪኖስ ዝተባህለ ናይ ኬልቄዶን ጳጳስ ድህሪ ጉባኤ ክወጹ ከለዉ ሓደ ካብቶም ኣባላት ከይፈለጠ ስለ ዝረገጾ ብዙሕ ተሳቅዩ ናብ ቁስጥንጥንያ ከይረኣያ ብኡተረፈ። ንክሓዊ ብዙሕ ነገር ፈቲኑ ግን ክሓዊ ኣይከኣለን። ቤተ መንግሥት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝገበሮ ተጽዕኖ ቤተ ክርስቲያን ንብዙሕ ግዜ ክትሕመስ ጸንሐት። ምዕራብን ምብራቅን ሮም ኣብ ነንሕድሕዶም ብዝገበርዎ ሕድሕድ ኩናት ክጣፍኡ ቀሪቦም ነበሩ። ሮማውያን አረሜን ዝብሉዎም ብዙሕ ቦታታት ዘመቱ።

 

  1. ዕረፍቲ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ

 

ዕረፍቲ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ናፊቆም ብሃንቀውት ዝጽበዩ ዝነበሩ ዕድሚኡ ነዊሕዎም ነበረ። ጌና ኣብ ስደት ኮይኑ ንቤተ ክርስቲያን ዝገብሮ ዝነበረ ፍቅርን ሓልዮትን ኣየቓረጾን። ብጽሑፍን ብመልእክትን ኣብ ስደት ኮይኑ ቤተ ክርስቲያን ይኣልያ ነበረ። ምንም እኳ አውዶክስ እንተ ሞተት ናይ ግብሪ ውላዳ ዝነበሩ መስፈርታ ክመልኡ ኩሉ ዝከኣሎም ይገብሩ ነበሩ። ዕድሚኡ ነዊሕዎም ክጸሩዎ ስለ ዘይከኣሉ ቀልጢፉ ክሞተሎም፣ ካብ ዝነበሮ ቦታት ካብ ካውካሰስ ናብ አራቢስከስ ናብ ዝተባህለ ቦታ ወሰድዎ። ካብ’ዚ ጸኒሖም ከኣ ናብ ጲጢየስ ዝተባህለ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሮም ናብ ዝርከብ፣ ንክትነብረሉ ኣዚዩ ዘጨንቅ ቦታ ወሰድዎ። እዚ ንክገብሩ ከኣ ክልተ ጨካናት ወተሃደራት፣ ካብ ቤተ መንግስቲ ተላእኩ። “ኣብ መንገዲ እንተ ሞይቱ ናይ ማዕርግ ዕቤትን፣ ብዙሕ ሽልማትን” ንክወሃበኩም ቃል ኪዳን ተኣትዩሎም ነበረ።

በዚ ምክኒያት ከኣ ብፍላይ እቲ ሓደ ብዘይ ርሕራሔ ብስውር ክቀትሎ ይፍትን ነበረ። እቲ ሓደ ግን ኣዚዩ ጨካን አረሜን ነበረ። ኣብ ግዜ ዝናብን፣ መሪር ጸሓይን፣ ብለይትን ከይተረፈ ብዘይ ዕረፍቲ የጓዕዝዎ ነበሩ። ብጾምን ብጸሎትን ስውነቱ ዝደኸም ኣቦ ብዘይ ርሕራሔ የሳቅይዎ ነበሩ። ንስለስት ወርሒ ዝኣክል ብዘይ ዕረፍቲ፣ እሞ ኽኣ ብድኻምን፣ ብጾምን፥ ጸሎትን ብትሕርምቲ ደኪሙ ዝነበረ ኣቦ እዚ ኹሉ ኣብ ሓደ እኳ ዘይተፈጸመ ሰማእትነት ገበረ።

ብአርማንያ ከሓልፍ ከሎ ከኣ ኣብ ናይ ሰማእት ቅዱስ ሳሲሊቆስ ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ገበረ። ሰማእት ቅዱስ ሳሲሊቆስ ከኣ ብራኢ ተገሊጹ “ዮሐንስ ሓወይ ጽባሕ ብሓደ ክንከውን ኢና” ዝብል ሰናይ ዜና ኣስመዖ። ከምኡ ከኣ ሰማእት ቅዱስ ሳሲሊቆስ ነቲ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ካህን “ዮሐንስ ኣፈወርቅ ጽባሕ ስለ ዝመጽእ መዕረፊ ቦታ ኣዳልወሉ” ከም ዝበሎ ይንገር። ኮይኑ ግን ዕሱባት ሰራዊት ኣብዚ ከዕርፍ ኣይፈቀድሉን። ከም ልማዱ ከኣ ንግሆ ተሲኡ ናብ ስደት ጉዕዞ ጀመረ። ነገር ግን ብዙሕ ከይረሓቀ ስለ ዝሓመም ናብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰማእት ቅዱስ ሳሲሊቆስ ክምለሱ ግድን ኮነ። ኣብኡ ዝነበሩ ካህናት ከኣ ንቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ጻዕዳ ልብሲ ኣልበስዎ። ንሱ ከኣ ጻዕዳ መጓጎናጸፍያ ለቢሱ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙ ተቀቢሉ መስከረም 14, 404 ዓ.ም ኣብ መበል 60 ዓመቱ ብሊቀ ጳጳስነት ዓሰርተ ዓመት ድህሪ ምግልጋሉ ብክብሪ ዓረፈ። ናይ መጨረሽታ ቃሉ ከኣ ከም ልማዱ “ስለ ኩሉ ነገር ክቡሪ ንእግዚኣብሔር ይኩን” ዝብለ ነበረ። ክቡራት ካህናት፣ መነኮሳት፣ ምእመን፣ ድናገል ኣብ ዝተኣከብሉ ከኣ ብክብሪ ኣብ ጎድኒ ሰማእት ቅዱስ ሳሲሊቆስ ተቀብረ። ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቱ ጸኑሑ ከኣ ክብር ዓጽሙ ናብ ቁስጥንጥንያ ብ438 ዓ. ም ተመልሰ። ጸኒሑ ከኣ 1204 ኣብ ናይ መስቀል ኩናት ካብ ቁስጥንጥንያ ናብ ሮም ተወስደ። ኣብ ሮም ቫቲካን ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምጽናሑ ከኣ ብዮሐንስ ጳውሎስ ዘካልእ ናብ ቁስጥንጥንያ ሕዳር 27, 2004 ተመልሰ። ጸሎቱን፣ በረከቱን፣ጣዕመ ፍቅሩን ምስ ኩላትና ይኩን። ኣሜን።

 ስብሓት ለእግዚኣብሔር ለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር