mm_logo.jpg

በእንተ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን!



ተ ክርስትያን  እናበልና እንጥቀመሉ  ቃል ካብ “ኣቅሌስያ” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝተቶርጎመ እዩ። ኣቅሌስያ ማለት ማኅበር ውይድማ ጉባኤ ተባሂሉ ክትርጎም ይኽእል እዩ።  እዚ ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም ዝተኣከቡ ምእመናን ወይ ክርስቶሳውያን ን ዝእከቡሉ ሥፍራ (ቤት) ዘመልክት እዩ። ብሓደ ጎይታ እየሱስ ክርስቶስ ጽላል ዝተኣከቡ ማኅበር ኮነ ቤቱ ብሓደ ናይ ክርስቶስ ኣካል፡ ናይክርስቶስ መርዓት ተባሂሎም ተሰይሞም እዮም (1ቆረ12፡27) ። ቤተክርስትያን ዝተመስረተት ብመንፈስ ቅዱስ እያ። ርእሳ ክርስቶስ እየሱስ እዩ (ኤፈ1፡20) ። ዝተዋህባ ጸጋ ኮነ ሃብቲ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ መኅበሩ (ቤተክርስትያን) ዝርከቡ ኮሎም ናይ እየሱስ ክርስቶስ ተከተልቲ ስለዝኾኑ፡ ቤተክርስትያን ናይ ቅዱሳን ማሕበር ብሃል።  ናይቤተክርስትያን ሓፈሻዊ ገጽታ ዝገልጹ ኣገድስቲ ነጥብታት ኣለዉ፡፡ ንሳቶም ድማ፤

ቤተክርስትያን ሓንቲ እያ፥

ስለ ኀድነት፡ቤተክርስትያን ዝራብን ስለ ሃይማኖት ወይ ድማ እምነት ኀድነት ምዝራብ ዝተተሓዘን፡ ሓደ እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ርእሲ ክርስቶስ እዩ። እምነት ድማ ሓንቲ እያ። ብ325 ዓም ኣብ ንቕያ ዝተጋብኡ ሊቃውንት ቤተክርስትያን ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዚ እዩ። ስለዚ ብቦታ ርሕቀት፡ ብዘመን ፍልልይ ከይተሳናከለት ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ ሓንቲ እያ። ኣብ ገጠር፡ ከተማ፡ ብወርቂ፡ ብዕንቁ፡ ብጭቓ፡ ብግድጊዳ፡ ትሰራሕ ክብራ ግና ሓደ እዩ።  ብሃግር ውሽጢ ይኹን ካብ ሃገር ወጻኢ ፍልልይ የብላን። ናይ ቋንቛ ኮነ ናይ ቆርቤት ሕብሪ ኣይልውጣን እዩ። ትምህርታ፡ ስርዓታ፡ ትፊውታ፡ ታሪኻ ሓደ እዩ። ሓደ እግዚኣብሔር እንዳ ኣምለኸት ብሓንቲ እምነት ንዘልዓለም ጸኒዓ እትነብር ሓንቲ እያ።  ሓወርያት ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ከም ሓደ ሕይወት ነባሪ፡ ከምሓደ ልቢ ሓሳቢ ኮይኖም ኣብዝተግህሉ ጸጋ መንፈስቅዱስ ተዋህቦም። ዘሳማምዕ ናይ ሕብረትን፡ ሓድነትን መንፈ እዩ (ግሃ2።1) ።  ሃወርያ ቅዱስ ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን ብኹሉን ኣብ ኵሉን ዝኾነ፡ ሓደ ኣምላኽ ኣቦ ኹሉ ኣሎ” ብምባል መስከረ (4፡5-6) ። እግዚኣብሔር ብደሙ ምፍሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ካህናት ናይ እምነት ከውሕነት፡ ዝመስረታ ቤተክርስትያን ሓንቲ እያ። መራሒኣ ድማ ሓደ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

          ናይ ቤተክርስትያን ሓድነት፡ ናይ እምነትና መግለጺ እዩ። ኩልና ኣብ ሰማያት ሓደ ጌራ እተምብረና ናይ ሰማይ ኣፍደገ ዝኾነት ቤተክርስትያን ሓድነታ ኣጽኒዕና ክንሕልዋ ይግብኣና። “ነንሕድ ሓዳ፡ እትባላዕ መንግስቲ ክጠፍእ እያ” ከምዝበሎ ጎይታ እየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ፡ ኣብ ነንሕድሕዳ እትባላዕ ቤተክርስትያን እውን ትጠፍእ እምበር ኣይትለምዕን እያ። ኣብ ናይ ቤተክርስትያና ዝኸበረ ምስጋና፡ቅዳሴ “ስለ ሓድነት ቤተክርስትያን ጸልዩ” ተባሂላን ንእዘዝ ኢና። ስለዚ ቤተክርስትያን ብስርዓታ፡ ብትምህርታ፡ ብምሕደርኣ፡ ብኣጠቃላይ ዕላማ ሓንቲ ኮይና ሓወርያዊ ተልእዃኣ ክትፍጽም ምጽላይ፡ እዚ ድማ ብፍቅሪን ብምትሕብባርን ንምስራሕ ናይ ኮልና ሓላፍነትን ግዴታን እዩ።

  • ቤተክርስትያን ኣብኩሉ/ልዕሊ ኩሉ ዘላ እያ(እንተ ላዕለ ኩሉ)፡

ቤተክርስትያን ብሰማይ ናይ ሰማያውያን መላእኽት፡ዓወት ዝተጓናጸፉ ቅዱሳን ሕብረት ክይና ግና ኣብ ብምድሪ እትርከብ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ እያ። ንክርስቶስ እየሱስ ብእምነት መኽታል ኣብ ዘለወሉ፡ ምእመናን ኣብዘለውዎ ወንገል ኣብዝ ስበከሉ ክርስትያን ኩሉ ኣላ።  ናይ ቤተክርስትያን ኩነታት ብኣቆጻጽራ ግዜ ኮነ ብኣቀማምጣ ምድሪ ክንግድቦ ኣይንክእልን ኢና። ወንጌል ንኹሉ ፍጥረት ክትሰብኽ ስለ ዝተኣዘዘት ኣብ ኩሉ ምህላዋ ዘረድእ እዩ (ማር16፡15)። ንኹሉ ፍጥረት ክብል ከሎ፡ ጾታ፡ ሕብሪ፡ ብሔር፡ ዘርኢ ከይፈለየ ኣብ ዓለም ዝርከብ ሕይወት ዘለዎ ኹሉ ዘመልክት እዩ።

          ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተክርስትያን ኣብ ፈተና ጉዕዞ ማእከል ዘላ ብምዃና ናብ ዓወት ዝተጓናጸፉ ናይ ቅዱሳን ሕብረት (ዕብ12፡22-26) እተብጽሓና ናይ ሰማይ ኣፍደገ እያ።  ናብ ውሽጣ ብእምነት ምስ እንኣቱ ናብ መንግሥተ እግዚኣብሔር ምእታው እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ዝስራሕ ናይ ሰማይ ስርዓት ብምዃኑ። ናጻ እተውጽእ ቤተክርስትያን፡ እግዚኣብሔር ከቢሩ ዝነብረላ፡ ንኹሉ ኣብኩሉ ዘላ፡ ቤተክርስትያን ብኹሉ ንኽትስፋሕፋሕ፡ ኣብ ዝተረፈ ዓለም፡ ንኽትፍለጥ፡ ንኹሉ ንኽትበጽሖ፡ኩሎም ኣህዛብ ውን ብእግዚኣብሔር መንፈስ ንኽምርሑ፡ ናይ ቤተክርስትያን ኣገልገልትን ምእመናን ብሓድነትን ፍቅርን፡ ብምግልጋል ንዝመረረት ዓለም ንምምቃር፡ ብተስፋ ቁርጸት ዝጸልመተ ዓለም ብርሃ ክንከውን ይግባእ።

 

ቤተክርስትያን ሓወርያዊት እያ፡

 

ቤተክርስቲያን ሓወርያዊት እትብሃለሎም ሓሙሽተ መስፈርትታት ኣለዉ።

  1. ሓወርያ ዝብል ቃል ሖረ ማለት ከደ፡ ግስገሰ፡ ትላእከ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ኮይኑ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተዘዋዊሮም፡ ናይ ክርስቶስ እየሱስ ወንጌል ናብ መላእ ዓለም ዘባጽሑ፡ ብሞቶም ኮነ መከርኦም ቤተክርስትያን ዘስፋሕፍሑ

ናይ ሓዲስ ኪዳን መጀመርታ 12 ቅዱሳንን ናይ ተከተልቶም ሓወራውያን/ኣርድእቲ ስምን እዩ (ማቴ10፡። 1-42፤ ማቴ28፡16-20፤ ማቴ 16፡13-20) ። ካብ ኣብ እግሪ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዝተማህሩን ናይ ኢዱ ተኣምር ዝረኣዩን፡ ቃሉን ትምህርቱን ዝሰምዑ፡ በእዳዎም ዝዳህሰስዎ፡ ናይ ሓቂ መሰኻክር ኮይኖም ንዓለም ዝመስከሩ እዮም። የውሃንስ ወንጌላዊ ከምዚ ክብል መስኪሩ ኣሎ “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ብእዳውና ዝረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና፡ ሕይወት ተገሊጻ እያ፡ ንሕና ኸኣ ርኢናያ ኢና፡ ንምስክርውን ኣሎና” 1የው1፡1-2)።  ስለዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡

  1. ናይ ሓውርያት እምነት ፡ትምህርቲ፡ ሥርዓት፡ ሕጊ ዝተኸተለት ስለዝኾነት ሓወርያዊ ትብሃል።
  2. ናይ ሓወርያት ክህነት ተቀቢላ ኢያሞ ሓወርያዊት ትብሃል።
  3. ናይ ሓወርያት ወንበር ወራሲት ስለዝኾነት ሓወራዊት ትብሃል።
  4. ናው ቅዱሳን ሓወርያት ቅድስና ተጋድሎ፡ ክብሪ፡ ኣማላድነት ስለ እትቅበል ሓወርያዊት ትብሃል።

ሎሚ ቤተክርስትያን ዘመን “ኣውጁ” እና በለት ብቛንቛ፡ ብናይ ዘመኑ ምዕባለ ዓለም ብምቕዳም ክተካይድ ይግብኣ እዩ። ንዝኣመኑ ብምጽናዕ፡ ንዘይ ኣመኑ ብምእማን፡ ብዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እንስሳዊ ግብሪ ብቅድስና ብምልዋጥ፡ ናይ ክሕደት እምነት ብምቅዋም፡ ምእመናን ብሃደንቲ ቶዃሉ ከይምንጠሉ ተጊሃ ምስራሕ ይጽበያ። ናይ ዓለም ሓሳብ ናብ ሓወርያዊት ቤተክርስትያን ምምጻእ ዘይኮነስ ናይ ቅዱሳን ሓወርያት መንፈስ ንዓለም ብምስባኽ ሓወርያዊ ተልእኾኣ ክተካይድ ኣለዋ (ኤፈ5፡16ን ቆላ4፡5)።

ቤተክርስትያን ቅድስቲ እያ፡

 

ቅዱስ እንታይ ማለት እዩ፧

ቅዱስ፡ ዝብልቃል ዝተፈልየ፡ ንጹሕ፡ ክቡር ዝብል ትርጉም ይሕዝ። እዚ ስም ብቀንዱ ንእግዚኣብሔር ዝግባእ ኮይኑ፡ ንባህሪ እግዚኣብሔር ዝገልጽ ስም እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ዝተፈልየ፡ ዝኸበረ፡ ንጹህ፡ ጻድቅ ስለዝኾነ ቅዱስ ይብሃል። ቅድስናኡ ካብ ማንም ዘይተቀበሎ፡ ማንም ክወስደሉ ዘይክእል፡ካብኡ ናብኡ እዩ። እግዚኣብሔር ካብ ቅድስና፡ ቅድስና ካብ እግዚኣብሔር ፈሊኻ ክርኣዩ፡ ኣይካኣልን እዩ። ብቅድስና ዝመስሎን ዝማዓራረዮን የልቦን፡ እዚ እዩ ቅድስናኡ ኢልካ እውን ክግለጽኮነ ክዕቀን ኣይካኣልን እዩ። እግዚኣብሔር ብቅድስናኡ፡ ርኽሰት፡ ብጽድቁ ሓሶት፡ ብጸጋኡ ድኽነት፡ ኣብሓቅነቱ ስሕተት፡ ኣብ ፍቃድነቱ፡ ጣዕሳ፡ ኣብስርሑ ጌጋ፡ ኣብውሳኔኡ ጉድለት፡ ኣብ ምልኣቱ ውሱንነት፡ ኣብርቀቱ ግዝፈት፡ ኣብ ዕሙቀቱ፡ ቅርቡነት፡ ኣይርከብን ኣይሕሰብንውን።ብኹሉ ዝተፈልየ ብምዃኑ ቅዱስ ዝብል ንዕኡ ዝሰማማዕ ናይ ባህሪ መግለጺኡ ብምኳኑ ቅዱስ እግዚኣብሔር ይብሃል። ስለዚ ንቅድስናኡ ቅዱሳን ሱራፉኤል “ቅዱስ፡ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚኣብሔር ፀባዖት ፍጹም ምሉዕ ሰማያተ ወምድረ ቅዱሳተ ስብሓቲክ” ኣናበሉ የምስግንዎ (ኢሰ6፡3 ራኢ4፡8)።  ካብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ነዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ንመልከት።

  • እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ጽድቂ ብምግባር ዕብየቱ የርኢ፡ ንህዝቢ ብምፍራድ ክኣ ቅድስናኡ ይገልጽ(ኢሰ5፡16)
  • ኣና እቲ ንዘለዓለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስን ዝስሙን እግዚኣብሔር እየ (ኢሰ57፡15)።
  • ኦ ቅዱስ ዝኾንካ ሓቀኛ ጐይታ (ራኢ6፡10)
  • ስሙ ቅዱስ እዩ። ሉቃ1:

ቤተክርስትያን ቅድስቲ ተባሂላ እትጽውዓሉ ምኽንያት ናይ ኩሉ ኣደ ስለዝኮነት “ቅድስተ ቤተክርስትያን ምሕደረ መለኮት” እንዳበልና ከም እንጽውዓ ኣብ ቅዳሴ ቅድስተ ሥላሴ ድማ እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ መጋቢ ኣላዪ ስለዝኾነ ኣቦ ኢልና ንጽውዖ።  ክርስቶስ ቤተክርስትያንን ብደሙ ቀዲስዋ እዩ (ግብ20፡28)። ቅዱስ ያሬድ “ለቤተክርስትያን በደሙ ቀደሣ” ከምዝበሎ። ኣቅደምና ጎይታናን መድኃኒናን እየሱስ ክርስቶስ ናይ ቤተክርስትያን ርእሲ፡ ቤተክርስትያን ድማ ኣካሉ ከምዝኾነት ናይ ሓወርያ ጳውሎስ ምስክርነት ርኢና ነይርና። ስላዚ ርእሲ ቤተክርስትያን ቅዱስ ካብ ኮነ ኣካሉ እውን ቅድስቲ እያ።  ንዝያዳ መብርሂ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክነልዕል፡

  1. ቤተክርስትያን መሠረታ እግዚኣብሔር ስለዝኾነት ቅድስቲ ትብሃል (1ጰጥ1፡18ን ዘሌ15፡19)
  2. ብትምህርቲ፡ ብኣገልግሎት ዘስፋሕፍሕዋ ቅዱሳን ሓወርያት ስለዝኾኑ ቅድስቲ ትብሃል (ግብ15፡29) ።
  3. ናይ ዝተመርጹን፡ ፍሉያትን ሕዝቢ መሕደሪ ብምዃና ቅድስቲ ትብሃል

ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ብቅድስና ንምቅዳስ ናይ ቅድስና ሓሳብ የድሊ። እግዚኣብሔር ብሓቅን ብመንፈስን ዘምልኹ ይፈቱ (የው4፡24) ።  እግዚኣብሔር ብምሉእ ሓይልናን ጉልበትናን ብፍጹም ሓሳብና ክነፍቅሮን፡ ክነምልኾ ይግባእ።  ሕጉን ትእዛዛቱን ክንሕሉ “ኣነ ቅዱስ እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ቅዱሳን ኩኑ” ስለዝበልና ካብ ናይ ዓለም ርኽሰት ርሒቅና፡ ካብ ምድራዊ ናይ እግዚኣብሔር ዘይኮነ ሓሳብ ተፈሊና ብሰማያዊን ቅድስናን ክንመላለስ ይግባእ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን

ኦርቶዶክስ ዝብል ስም ናይ ቤተክርስትያና መጸዊዒ ኮይኑ ኣብ 325 ዓ.ሕ. ኣብ ጉባኤ ንቅያ ብ318 ኣቦታት ወግዓዊ ናይ ቤተክርስትያን ዝተዋህበ ስም እዩ። እዚ ስም እዚ ካብታ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ መናፍቅነታዊ ትምህርቲ እተምህር ዝነበረት ናይ ኣርዮስ ጉጅለ ንምፍላይ ዝተጠቀምሉ እዩ ነይሩ። ኦርቶዶክስ መበቆሉ ናይ ጽርኢ (ግሪኸ) ቛንቛ ኾይኑ ትኽክለኛ፡ ቅኑዕ፡ ቀጥተኛ፡ እምነት ማለት እዩ።  ኣብዚ ግዜ እዚ ኦርቶዶክስ ተባሂለን ዝጽውዓ ግና ኣብ ዶግማዊ እምነት ፍልልይ ዘለወን ክልተ ቤተክርስትያን ኣለዋ። እዚኣተን ድማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ወይድማ ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ዝብሃላ ከም ኤረትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ቅጵጥ (ኮፕቲክ) ቤተክርስትያን፡ ኣርመንያ ሓወርያዊት ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን፡ ሶርያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን፡ ሕንዲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ክኾና ከለዋ እተን ካልኦት ግና ምብራቃውያን ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝብሃላ ኮይነን ናይ ሓፈሻዊ መለልዪ ስመን በዛንታይን ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ይብሃላ። ብናትና ኣጸዋውዓ መልካውያን ብምባል ናይቲ ኣብ 451 ዓ.ም. ዝመርሐን ዝነበረ ንጉሥ መርግጺ ብምሓዝ ኣብ ክልተባህሪ ዝብል ናይ እምነት መርገጺ ዝተኸተላ እየን። እዘን ክልተ ቢተክርስትያን ብዙሕ ሓደ ዝገብረን ስርዓት ቤተክርስትያን እኳ እንተ ሃለውን ግና ኣብ ርእሲ ቢተክርስትያን ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ እምነት ማለት ዶግማ ፍልልይ ስለዘለወን ሕብረት የብለንን።  እቲ ፍልልይ ዝተኸሰተ ኣብ ጉባIአ ኬልቆዶን ብ451 ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ ናትና ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ መርገጽን እምነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ሓደ ባህሪ ክንብል ከለና፡ እዚ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ባህሪ-ቃልን ስጋን ብተዋህዶ ሓደ ባህሪ ከምዝኾነ ንኣምን።ንሳተን ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ክልተ ባህሪ ይኣምና። እዚ ማለት እየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ባህሪ ክልተ ባህሪ ከምዘለዎ ዝብል እምነትን መርገጽን ኣለወን። እዚ ድኣ ኣይኹን እቲ ፍልልይ እምበር ክልቲአን ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ናይ ግብጺ ጳጳስ ኣብ ባህሪ ክርስቶስ ኣብ ናይ ኤፈሶን ጉባኤ ኣብ 431 ንንስጥሮስ ዝወገዘሎ ናይ ተሠግወተ እምነት ከም ዝቅበላ ይኣምና። እንተኾነ ግና ተዋሕዶ ዝብል ቃል ንመጀመርያ ዝተጠቀመ ኣቦ እዩ ዝነበረ። ዘይ ከም ካቶሊካውያን እዘን ክልተ ብኦርቶዶክስ ዝጽውዓ ሓደ ጸሎተ ሃይማኖ እውን ይጥቀማ እየን።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወትሩ በኹሉ ግዜ ወበኹሉ ሰዓት